ጸጋይ በራኺ፣ ኣብ ከተማ ኣሥመራ ተወሊዱ ዝ’ዓበየ፡ ንሙዚቃ ዝተፈጥረ ስነ-ጥበባዊ’ዩ።ጸጋይ፡ካብ ወላዲት ኣዲኡ ወይዘሮ ትዕበ ኣር’ኣያ ኣረጋዊ፡ካብ ወላዲ ኣብ’ኡ ኣቶ በራኺ ተኽሉ ድምጹ፡ ኣብ መፋርቕ 50ታት ከምዝተወልደ ይፍለጥ።ጸጋይ፡ ኣብ ን’ኡስ ዕድሚኡ ናብ ሙዚቃ ዓለም ከም ዝ’አተወ መታዕብይቱን፡መቕርቡን ቤተሰቡን ይዝረብ እዩ።

ስድራቤት እንዳ ኣቶ በራኺ ብፍቕርን ሓልዮትን ትፍለጥን ትልለይን ምንባራ፡ ካብ ብዙሓት ምስኽርነት ትረኽበሉ’ዩ።ናብ እንዳ ቤተ-ሰቦም ኮነ ናብ ኣዝማዶም ኣብ ማሕበራዊ ዉራያትን ጉዳያትን ሓቢሮም ብምካድ/ምብጻሕ/ ይልለዩ ነበሩ።ሕድሕዶም ሃልሃል ትብል ፍቅሪ ከምዝነበረቶም፡ኢሂን ምሂን ተባሃሂሎም ይጓዓዙ ምንባሮም ኮነ ኣቦ’ኦምን ኣዲኦምን ዝምእዘዙ እዱባት ምንባሮም’ውን ጎረባብቶም የዘንትዋሎም እየን።

ጸጋይ፣ መስፉን፡ሃይለ፡ግርማይ፡ ወ ብርሃና፡ ዝበሃሉ ካብ ብርኺ ኣቡ’ኡን ኣዲኡን ዝተረክቡ ኣሕዋትን ሓንቲ ሓፍትን ነይሮሞ እዮም።ካብዛ ዓለም ጸጋይ ምስ ጀመረሎም፡ሓደ ነቲ ሓደ እንዳ ሰዓቡ፡ ካብዛ ዓለም ሓንሳብን ንሓዋሩን ከምዝተፈለዩ ታሪኽ እዛ ሕያወይቲ ስድራ ዝምስኽሮ ሓቂ እዩ።

ኣቦ’ኦም፡ ኣቦይ በራኺ ኣብ ዕድመ ንእስነቶም ከምዝሞቱ ይፈለጥ እዩ።

የዕሩኽ ኣቦይ በራኺ ካብ ዝነበሩ፡ስነ-ጥበባዊ ትካቦ ወልደማሪያም፡ነፍሲሄር ሓጎስ ጓንጉል፡ኣቡ’ኦም ንመምህር በየነ፡ኣቦይ ሓጎስ፡ኣቦይ በራኪ ኣባል ፍላንሳ ፖሊስ ዝነበሩን ወዘተን ነይሮም።

ኣቦይ በራኺ፡ ሞይቶም ኣደይ ትዕበ ጸሊም ክዳን ሓዘን፡ ተከዲነን ከም ዝረከብወን ኣቶ ገብረየሱስ ምስ በዓልቲ ቤቶም ይዝክሩ እዮም።እዚ ኸኣ ኣብ 1969 ከባቢ ምንባሩ ምስ ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ሓዳር ምግባሮም ይዝክርዎ።

ኣብሻይ ትዕበ ኣር’ኣያ ኣረጋዊ ተኮነ፡ ኣብ 2009 መጀመርታ ወርሒ፡ ካብዛ ዓለም ብሞት ከምዝተፈለያ፡ኣባላት ሓይሊ ኣየርን ደቂ ጎዳይፍን ኦርፋን የዘንትዉለን እዮም።

ስድራ-ቤት እንዳ ኣቶ በራኺ፡ ኣብ’ዛ መራር ዓለም፡ዕረ-ዕጫ ሕይወት ኣከታቲሉ በጺሕዎም እዩ።እዛ ሓላል ስድራ፡ ጽሕፍቶ ግዲ ኮይንዋ፡ካብዛ ዘይፍትሓዊት ዓለም ናይ ምንባር መሰል ዳርጋ ዝተሓለማ ስጋብ ዝመስል ንብዙሓት ኣንቢዑን ኣሕዚኑን እዩ።ፍቅሪ፡ እዛ ስድራቤት ንመን እሞ ዘየቅንእ ነይሩ ይብሉ ሓሽኸት ተዓዘብትን ፈለጥቶምን።ግን እንታይ ይግበር ኮይኑ፡ነቲ ዘይፍትሓዊ ብይን ሕልና ዘለዎ ወዲ ኣዳም ስጋብ ዝእርምዎ ከይፈተወ ክቕበሎ ተቐሲቡ እዩ።እዚ ዓይነት ዕጫ-ሕይወት ንማንም ክበጽሖ እዚዩ መሪር ናይ መሪር እዩ።ንጸላኢካ’ውን ፈጺማ ኣይትምነዮን ኢካ።

“ነብሲ ይምሓር! ወይ ከኣ መንግስተ ሰማይ የዋርሶም!” ምባል ንቡር ባህልና ካብ ኮነ ነዛ ምቅልልቲ ስድራ-ቤት ከም ትውፊትና እዚ ምንዮት ንምነየላ።ንሱ ጥራሕ እዩ ኸኣ፡ ዓቅምና!

ካብ ስድራ-ቤት እንዳ ኣቶ በራኺ፡መስፉን ሓንቲ ጓል፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ከባቢ ኮተቤ ሓንቲ ጓል ወሊዱ ዝብል ሰፊሕ ሓበረታ ኣሎ።ሃይለ ሓዉ ዝወለዶ ኸኣ፡ኣለክሳንደር ሃይለ ዝተብሃለ ኣብ ሃገረ ሽወደን ዝቕመጥ ከምዘሎ ደቂ ማይተመናይ የግልጹ እዮም።ብርሃና በራኺ ሕሳስ-ልደ እንዳ ኣቶ በራኺ ኸኣ፡ ካብቲ ኣባል ሓይሊ ኣየር ዝነበረ ሰሎሞን ዝተብሃለ፡ሓንቲ ሶሊያና ትበሃል ኣብ ከተማ ኣሥመራ ትነበር ምህላዋ ዝፍለጥ እዩ።ሰሎሞን’ውን ኣብቲ ብርሃናን ሃይለን ኣከታቲሎም ዝሞቱሉ ግዜ ንሱ’ውን ካብዛ ዓለም ብሞት ተፍሊዩ እዩ።

ኣብሻይ ትዕበ ካብ ሓዘን ናብ ሓዘን ከየብረያ እየን ሰለስተ ዓመት ዳርጋ የሕሊፈን’ኦ።ንብዓት ኣብሻይ ትዕበ ወደብ ምስ ሰርሐ ነይሩ ትብል ወይዘሮ ጉዕሽ ተኮነት።

ሞት ጸጋይ፡ ልዕሊ ኩሉ ፍናን ሃመን ከምዝጎድ’ኦ ነባሪ ከተማ ኣሥመራ ይግንዘቦ እዩ።ፈጺሙ ዘይሃስስ ዝገበሮ ከኣ፡ ደርፍታቱ ኣብ ዝኮነ ገዛ ከይድካ ክደርፍ ትሰምዖ ኮነ ኣብ ሬድዮ ብተደጋጋጊሚ ተፈቲዮም ካብ ዝድረፉ ደርፍታት ስለዚኮኑ፡እናሻዕ ንብኽያትን ቑዝማን ይቕሰባ ምንባረን ኣዝማደን ኮነ ጎረባብተን የዕሉልካ እዮም።

ኣብሻይ ትዕበ፡ ኣብ ንግደት፡ኣብ ጸበል፡ ኣብ ማዕከናት ዜና ኮነ ኣብ ዝኮነ ዉራያት፡ ደርፊ እቲ ኣዚዩ ፍትዉን ርሕሩሑን ወደን ጸጋይ ክደርፍ ከሎ ክሰምዓ ብዙሕ ሳዕ የጋጥመን ነይሩ እዩ።በዚኸኣ፡ ከመቕጽበት ንብዓትን ብኽያትን እዩ ዝስዕረን ነይሩ።ኣማውታ ጸጋይን’ን ዘይወሓጠለን ምስ ምንባሩ ኸኣ፡ ንድጉዐዐን ሓዘንን መዓንጣ ከብደን ሕርር ኣቢሉ፡ የጋዲዶ ምንባሩ ብቐረባ ዝፈልጥወን የዕሉሉ እዮም።

ሓደ ምዕልቲ፡ ኣብ ገዛ ብርሃኑ፡ጸበል ተዓዲመን ምስ ከዳ፡እቲ ወዶም ነቶም ገዛ መደበር ዝሰርሕ፡ ናይ ጸጋይ በራኺ ደርፊ ዓው ኣቢሉ የድርፎ እሞ፡ወዮ ካብ ሓዘንን ብኽያትን ዘየባትካ ኣደይ ትዕበ፡ነታ ገዛ ክልተ ይገብራ’ኣ፡ሽዑ እቲ ወዲ ደንጺዎ እንታይ ተረኽበ ቢሉ ምስ ሓተተ ኣደ ጸጋይ በራኺ ሙዃነን ምስ ተነገሮ፡ ነዛ ቴብ  ከመ-ቕብጸት ከጥፍ’ኣ ተገደደ።

እዛ ስድራቤ ብዘይካ እዞም 3 ደቂ ደቃ ካልእ ሓድጊ መቐጸልታ ሓረግ ትውልዲ የብላን ዝብል እዩ እቲ ሓበረታ ዘመላኽቶ ዘሎ፡እዚ ዳህሳ መጽናዕቲ ኣብ ሓደ ዓመት ሙሉእ ዝተገብረ ከም ምዃኑ መጠን ምስ ሕጽረት ግዜን ቦታን ኩነታትን ኣብ ግምት ኣትዩ ሙሉእነት ክህልዎ ትጽቢት ኣይግበር እዩ።ግን ካብ ትም ምባል ገለ ምግባር ይሓይሽ፡ ካብ ዝብል መርሆ እንሆ ሓደ ዓመት ሙሉእ ዳህሳስ ተገይሩሉ ኣሎ።ነዚ ስጋብ ሕጂ ተረኪቡ ዘሎ ሓበረታ ክንምልእ፡ክንእርም፡ወይ ከኣ ንሕግዝ ንዝብል ማዕጾ ርሑው እዩ።እቲምንታይ ጸጋይ ብስርሑን ብባህሪኡን ብግብሩን ወዲ ሕዝቢ ምንባሩ፡ ‘ናይ ኩሉና እዩ፣ንኩሉና እዩ’ ዝብል እምንቶ ኣለኒ።ስለዚ፡ሃየ ነንኽእሎ ሸው ሽው ነብል!

ጸጋይ በራኺ፡ብ’ኣቦይ በራኺ ሓንቲ ሓፍቲ ኣለወ’ኦ እያ።ንሰን ኸኣ ወይዘሮ ኣወጣሽ በራኺ ይበሃላ።ጓል ሓድሽ ዓዲ እየን።ካብ ሓድሺ ዓዲ ናብ ዓዲ ጥልያን እናተመላለሳ ይነብራ ምንባረን መሓዙተን መቕርበን ኮይነን ን40 ዓመት ዝነበራ ይዛረባለን እየን።ኣደይ ኣወጣሽ በዲ’ኤን ኣሕዋት ኣለወን እዩ።ሓንቲ ኣብርሀት ትበሃል ከምዝዝክራ ኸኣ ኣደይ ኣመተን ኣደይ ኣምለሰት ዝበሃላ ካብ ግዜ ኃይለሥላሴ ጎረባብተን ይዝኽራ እየን።ኣደይ ኣወጣሽ፡ጽገ፣ኣማኑኤል፣ኣረጋሽ፣መብራህቱ፣ትምኒትን…ዝበሃሉ ዉላድ ኣለዉወን እዮም።

ኣብ እንዳ ኣቦይ በራኺ ብዘይካ ሕሳስ ልደ ብርሃናን ቦኽሪ ጓሎም ኣደይ ኣወጣሽ ብዕሊ ዝተፈልጠ ስጋብ ሕጂ ዘይተረኽበ እምበር፡ኩሎም ኣወዳት ኣብ ሙዚቃ ዓለም ነናይ ባዕሎም ኣሰር ኣለዎም እዮም።ናይ ጸጋይ ግን ሓለፋ ኣለዎ እዩ።

ብሳዕስዒት ደቂ ኣቦይ በራኺ ዘርኽበኦም ከምዘይነበረ ማይ-ኣባሻዉል፡ማይ-ተመናይ ኮነ ዕዳጋ ዓርቢ ትመስኽር እዩ ዘብል ይብሉ የዕርኽቶም ዝነበሩን ኣዝማዶምን።

ናይ ጸጋይ በራኺ ግና ሓልፋ ኣለዎ እዩ።”ጸጋይን ሙዚቃን ደምን ስጋን እዮም።” ክብል ሓደ ን45 ዓመት ነዛ ስድራ ቤት ዝፈልጣ ይዛረብ’ዩ።

ጸጋይ፡ ኣብ ሙዚቃ ትግርኛ ልዑል እጃም ካብ ዝገበሩ ሓደ’ዩ።ብፍላይ፡ ኣብ ካል’ኣይ ወለዶ ስነ ጥበባውያን ሙዚቀኛታትን፡ካብ ዝነበሩ መንእሰያት እቲ ግዜ፡ናይ ኣንበሳ ብጽሒት ዝወስድ ስነ-ጥበባዊ ምኳኑ እንቓዓ ምስኽርነት ክትረክበሉ ከቶ ኣይትጽገምን ኢካ።

ጸጋይ፡ኣብ ጊታር ማለት ቦክስ ጊታር፡ሊድ፡ቤይዝ፣ ኣብ ክራር ኮነ ኣብ ኦርጋን ኣመና ጽቡቕ ዕሊ ከምዝነበሮ ዳርጋ ካብ ኩሎም መሳርሕቱን የዕርኽቱን ትረኽቦ ሕያው ምስኽር እዩ።ኣብ ምቕንባር ሙዚቃ’ውን ሉልይ ግደን ተራን ተጻዊቱ እዩ።

ጸጋይ ምስ ጊታር ዝነበሮ ፍቅሪ ናይ ፍቅሪ ኣደን ቆልዓን ከምዝመሳሰል መንእሰያት 80ታት የዕሉሉ እዮም።ጸጋይ፡ ካብ ኢዱ ጊታር ፈሊዩ ክትርእዮ ኣጸጋሚ ምንባሩ ብ’ኣንኽሮ ካብ ዝዝኽሩዎ ሓደ ሙሴ ባባ-ሓሊብ እዩ።ኣብ ፊት ቤት ትምህርቲ ቀይሕ ባሕሪ ‘ቀሃዝ’ ንሊያ ኣብርሃ ክጽበይ ኮነ ናብ መሓዝቱ ኣባላት ኪነት ከፍተኛ 5 ነበር ክጸባበይ ከሎ፡ ኣብታ ‘ሓወልቲ ኢተገመ’ ዝነበረት፡ ኣብ 1996 ወርሒ ሕዳር ዝፈረሰት ኮፍ ቢሉ ጊታር ክሃርም ዝዝኽርዎ ተምሃሮ ቤት ትምህርቲ ቀሃዝ፡ ቤት ትምህርቲ ባርካ ‘ኮምፖኒ’ ቁጽሪ የብሎምን።

ጸጋይ በራኺ ፍሉይ እዩ ዘብሎ ብዙሕ እዩ።ሰባት ኣብ ምሕጋዝ፡ምድንጋጽን ርህራሄ ኣብ ምር’ኣይ ምስ ድማጻዊ ኬነዲ መንገሻ የመሳስልዎም እዮም።ኬነዲን ጸጋይን ኣመና ይፋተዉ ምንባሮም ኣልማዝ ቤተሰብ ጸጋይ ኣብ ዕላላ ተዘንትዉ እያ።ገሊኦም’ውን ምስ ልውሃት የማነ ባሪያ የተሓሕዝዎ እዮም።ነዚ ኣብነት ዘራጉዱ፡ ነፍሲሄር ኣብራሃም ወዲ ባይረ፡ ድምጻዊ ሙሉጌታ በየነ፡ ነፍሲሄር ስነ ጥበባዊ ኪሮስ ኣለማዮ ገሊኦም እዮም።

ድማጻዊት ሶፊያ ኣጽብሃ፡ ስነ ጥበባዊ ጌታቸው ስሑል፡ነፍስሄር ተኽለ ተስፋዝጊን ካል’ኦትን ከኣ ናይ ጸጋይ በራኺ ምቅሉል ግደን ተፈታዊ ባህርን ካብ ዝገልጹ ገለ ሒደት ካብቶም ብዙሓት እዮም።ተኽለ ተዝፋዝጊ ኣብ ልዕሊ ጸጋይ ዝነበሮ ፍቕሪ ኣደይ ሙሉ ክገልጻ ከለዋ ኮነ ኣባላት ሮሃ ባንዲ ዝነበሩ ክዕሉሉካ ከለዉ፡ እዋይ “ቀደም ጥዑም ነይሩ” ኢሉ ዝገጠሞ ግጥሚ ኢዮብ ወልደገብሪኤል የዘካኽረካ እዩ።

ኣብ ሓደ እዋን፡ ሶፊያ ኣጽብሃን ኪሮስ ኣለማዮን ብጉዳይ መሰል ኣሕታምነት ማለት ኪሮስ ሰሪሑ ዝሃባ ንሶፊያ፡ ኣብቲ ካሴት ስሙ ከይተጽሓፈ ምስ ጸንሖ፡ኪሮስ ኣመና ኮሪዩን ነዲሩን ነይሩ።ሶፊያ ምስ ኪሮስ መን ከረዳድ’ኣ ሕርቃን ኪሮስ  ንሰማይ ዝዓረገ ዳርጋ ነይሩ።ሽዑ፡ንኪሮስ ጸጋይ ጥራሕ እዩ ነይሩ ናብ ልቡ ዝመልሶ ዝነበረ፡እቲ ምንታይ፣ ኪሮስ ኣብ ልዕሊ ጸጋይ ወሰን ዘይብሉ ኣኽብሮትን ፍትወትን ስለዚነበሮ ንሱ’ዩ ጥራሕ ናብ ንቡር ክመለሶ ዝኽእል ዝነበረ፣ሽዑ፡ ጸጋይ ንኪሮስ ከይዱ ምስ ኣዛረቦ፡እቲ ጌጋ ኣብ ምንታይ ከምዝነበረ ኣረዲኡ፡ኪሮስን ሶፊያን ፍቅሮም ናብ ንቡር ተመሊሱ ፡ሶፊያ ኣብቲ ግዝዜ እቲ ዝተሰመዓ ሮፍታ ኣዚዩ ዝገርም እዩ ነይሩ።

እዚ ሓደ ኣብነት እዩ፣እምበር ኣብ ብዙሕ ክጥቐስ ይከኣል እዩ ጸጋን ባርኮትን ጸጋይ በራኽን።ነዚ’ዩውን ኪሮስ ዋላ ጸጋይ በራኪ ምስ ሞተ ናብ ወላዲት ኣዲኡ ህያብ ሒዙለን ‘ደበስ እዮብ’ ይደብስን ክብለን  ናብ ኣስመራ ዝከደ።እታ ጠስሚ ሒዛ ብኪሮስ ዝመጸት መትሓዚት ጠስሚ ኸኣ፡ ስጋብ ቐረባ እዋን ናይ ሓደራ ኣቅሓ ኾይና ትነበር ምንባራ፡ ኣብ እንዳ ኣብሻይ ትዕበ ከይደን ዝእብደ’ኣንን ዘጸናንዐዐን ዝነበራ ኣንስቲ ደቂ ኣሥመራ ብፍቕራዊ ሓልዮት እየን ዝዝኽር’ኣ።

እስከ ገለ ካብተን ጸጋይ በራኺ ዝደረፈን ደርፍታን ንገሊ’ኤን ክንጠቅስ እሞ፡ገለ ገለ ተዘኽሮታትኹም ከተካፍሉና ተስፋ ይገብር።

  • ማይ እናሃረመ
  • ተጸሊሉ ኢሎም የዉርዩለይ
  • ከም’ኣ ርእየ ኣይፈልጥን
  • ሓደራ
  • ዉዕለትኺ ዘይርሳዕ
  • እንታይ’ዩ ረኺብዋ፧
  • ራህዋ
  • ሳባ
  • ካባይ ተፈሊኺ
  • ናይ ንብዓት ሃብታም
  • ምስ መን ገዲፍኺኒ
  • ጓል ፓራዲዞ
  • ኣፎም መዓር እዩ
  • ካባይ ተፈሊኺ
  • ግለጽሎም ኢኺ
  • ምስ መን ገዲፍኺኒ
  • ይጽበይ ኣለኹ
  • የብላን መዘና
  • የእዳወይ ዘርጊሐ
  • ኣደይ
  • ሞት ርግምቲ
  • ማማ
  • ፋኑስ ሕይወተይ
  • ኣባዲት ገዛና
  • ማዕረ ይኩን
  • ምድራዊት ገነተይ
  • ከም ፀሓይ በሪቃ
  • ሎም እንዲየ ሰሚዔ
  • ጓል ኣስመራይ
  • ብንብዓተይ ተኣረማ

ጸጋይ በራኺ፡ ኣብ ቤይዝ ጊታር ኣብነታዊ ተጻውታይ ወይ ኣዛራቢ’ኣ ምንባሩ ብዙሓት ሰብ ሞያ ሙዚቃ ይዛረቡ እዮም።ኣብ ዝቕጽል ካብቶም ብዛዕባ ጸጋይ ርእይቶ ክህቡ ተሓቲቶም ግብረ-መልሲ ዝሃቡና ናባኩም ከነብሎ ኢና።ስጋብ ሽዑ ግን ናናትኩም ርእይቶ ኣድላይን ቀላስን እዩ እሞ ገለ በሉና ኢኩም ክብል እፈቱ።