ገብረጻድቅ ወልደዮሓንስ

ክቡራት ኣንበብቲ፡ ኣብ ገለ-ገለ ደርፍታት የማነ ባሪያን ደርፍታት ገብረጻድቕ፡ ካብ ቅድሚ 30 ዓመት ዝጸንሐ ክትዕን ርእይቶታት ክውሕዝ ምጽንሑ ርዱእ ነገር እዩ።እዞም ክልተ ፀለምቲ-ከዋኽብቲ ስነ-ጥበብ ኣብ ቛንቛ ትግርይና ፍጹም ድንቒ ዝኮነ ዕማማት ዓሚሞም ከምዝሓልፉ ማንም ዘይስሕቶ ዝተኮልዐ ሓቂ’ዩ።

እዞም ንሕልና ሰማዕቶም ብዝደርፍዎ ደርፍታት ካብ ጻት ናብ ጻት ደርማስ ኣድናቆትን ክብርን ከምዝተጓናጸፉ ትማሊ ባዕላ ትምስኽረሎም እያ።ሎሚ’ውን ባዕላ ኣፍ ኣውጺ’ኣ ትዛረበሎም እያ።ጽባሕ’ውን ተኮነ እቲ ዘይምነው ሕያው ስርሓቶም፡ ከም ሓወልቲ ኮይኑ ምስክርነቱ ከምዝህቦም ጥርጥር ዘይብሉ’ዩ።

የማነን ገብረጻድቕን ናይ ሓንቲ ሳንቲም ክልተ ገጻት እዮም ዘብል ብዙሕ ነገራት ኣለዎም እዩ።ካብቲ ብዙሕ ንገሊኡ ምስ ዝግለጽ ኸኣ፡ ኣብ ባህሮም፡ኣብ ስራሓውቶም፡ኣብ ሰብ’ኣውነት ዝነበሮም ኣጠማምታ፡ልግስን ጸግዒ ፍትሕን ርትርዕን ምንባሮም ኮነ ንሙዚቃን ስነ-ጥበብ ብሓፈሻ ዝነበሮም ፍቕሪ ኣርካናት ጥበብ ዘበሎም ፍርያቶም ብሓጺሩ ክግለጽ ይኽእል እዩ።

ክልቲኦም ኣዚዮም ንሕድሕዶም ይፈተዉ ምንባሮም ኣዚዩ ይገርመካ’ዩ።ምኽንያቱ፡ ኣብዝሓ ግዜ ኣብ ስነ ጥበባ ጥዕና ዘይብሉ ዉድድር ሰፊኑ ምር’ኣይ ዝውትር ኣብ ዝኮነሉ ባይታን ኩነታትን እዞም ኣብነታውያን ኣባታውያን ንሙዚቃ ግን ሓለፋ ፍቕሪ ሕድሕድ ምንባሮም ካብ መቕርቦም ትረክቦ ምስኽርነት’ዩ።

ንየማነ ባሪያ መን ዘይፈትዎ፧ እንተ ኢልና ማንም ከምዝከውን መልሱ፣ንገብረጻድቕ’ውን ብተመሳሳሊ ዝፈትዎ እምበር ኣይፈትዎን’የ ዝብል ሰብ ክትረክብ የጸግመልካ እዩ።ኣብ ጉዳይ የማነ ባሪያ ንልዕሊ 300 ዝከውን መሕትት ካብ ዝቀረበሎም ሰባት ነዚ ከራጉዱ ከለዉ፡ ኣብ ጉዳይ ገብረጻድቕ ከኣ፡ ስጋብ ሕጂ ን185 ዝኮኑ ሃንደበታውን ብመደብን ብዝኮነ ፍኖተ-መገዲ ቓለ መጠይቕ ምስ ቐረበሎም፡ ነዚ ሓሳብ ዝርዕሙ እዮም ኮይኖም ተረኪቦም።

መቓብር፡ ገብረጻድቅ ወልደዮሓንስ

እዚ መሕተት ካብ 2014 ኣትሒዙ ዝተጀመረ ምኳኑ ንኣንበብቲ ክንጽር ይግባእ።ገና’ውን ስጋብ ዝተወሰነ ግዜ ብዕቱብ ዝቕጽል’ዩ።ሓሳብ ወ ርእይቶ ተለኩም ኣብ መርበብ ሓበረታ ኣስመሪኖ ኮነ ብካልእ መገድታት ክትህቡና ከም ትክእሉ ብ’ኣኽብርቶት ክገልጽ እፈቱ።

የማነ ባሪያን ገብረጻድቅን፡ “ሓዳር ገይርኪ ሰሚዔ” ኮነ “ተፈላሊና ዲና” ዝብላ ደርፍታ ብሰማዕተን ናይ እገለ እየን፡ እባ ናይ እገለ እየን ዝብል ዘረባታት ኮነ ርእይቶታትን ምሕጽንታን ከምዘሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ተኸታትልናዮ ኢና።

ክልቲ’ኦም ደፊሮም ናተይ እየን ኢሎም ክዛረቡ ዝሰምዐ ስጋብ ሕጂ ኣይረከብኩን ኣለኩ።ባህሪኦምን በሳል ኣተሓሳስብኦምን ተወሲኽዎ ናተይ፡ ናተይ ዝብል ታሪኽ ሰሚዕናሎም ኣይንፈልጥን ኢና።ገብረጻድቕ ኣብ ዝኮነ ማዕከን ዜና ቐሪቡ ቓለ መጠይቕ ገይሩ ዝብል ሰብ ኣይረከብኩን ኣለኩ።ኣብ እንዳ መዘናግዕን ኣብ መኣዲ ስነ ጥበባ ተኮነ ንልዕሊ 50 ዝኮኑ ብ’ኣካል ዝፈልጥዎ ሓቲተ ከምዚታት ክዝረብ ሰሚዖሞ ከምዝይፈልጡ ይምስኽሩ እዮም።

ገብረጻድቕ ብድኽነት ዝዓበየ፡ ኣዲኡ ከመይ ኣቢላ ከምዘዕበየቶም፡ ኣብ ፍቅሪ ዝከፈሎ ዋጋ ግን ኣብዝሓ ዝዝራበሉ ዛዕባታት ከክውን ከሎ፣ኣብ ስነ ሙዚቃ ዝነበሮ ስምዒትን ፍልጠትን ከበርኽ ለይትን መዓልትን ጻዓርዓር ይብል ምንባሩ፡ ምስ’ኡ ዝውዕሉን ዝሓድሩን ዝነበሩ ሰባት ይዝኽሩ እዮም።ድምጺ ዑፍ ንህጎ ምድሪ ሰሚዑ ሰብ ክትንስእን ክርበሽን ንሱ ግን ምርምር ይጅምር ምንባሩን ጽን ኢሉ ንድምጺ ኣዕዋፍ ይሰምዕ ምንባሩ፡ኣብ ኣስመራ ከባቢ ኣባሻዉል፡ሹቕ፡ማርካቶን ገዛ-ባንዳን ዝርእይዎ ዝነብሩ ሰባት ኣስተንቲኖም ይዝክሩ እዮም።

ገብረጻድቅ፡ኣብ ግዜ ኅይላስላሴ ኣብ ዝግበር ዝነበረ ስርዓተ ምቕንጣጥ ኣዋልድ ኣብ ዉራይ መርዓን ደርዓን፡ ኣብ ኣፍ-ደገ መደበር ናብ እንዳ እንኮዶ ገጽ ዘሎ ወይ ከኣ ኣብ ፊት ንፊት እንዳ እንኮዶ ኮይኑ፡ጭራ ዋጣ ካብ 1972 ስጋብ 1975 ይወቕዕ ምንባሩ ኣቶ ተወልደ ቺነሉክስ፡ኣቶ ብርሃነ ኮነ ብርኽት ዝበሉ፡ኣብቲ ሽዑ ግዜ መንእሰያትን ሓዳር ዝገበሩን ኣጸቢቖም ይዝክርዎ እዮም።

ገብረጻድቕ ደጋፊ ጋንታ ሓማሴን ብምንባሩ፡ደገፍቲ ኣከለ ዝነበሩ በዓል ኣቶ ብርሃነ ሃይከል ዝርከቦም መቕርቡ በቲ ወኒን ድጋፍ ናይ ገብረጻድቅን ኣወቃቓዓ ዋጥ’ኡ፡ ኮሪዮም እናደረፈ ከሎ ኣብ መርዓ ጸይቂ-ስራሕ ንእስነት ከምዝገበሩ ብ’ኣንኽሮ ይዝክርዎ እዮም።

ብድሕሪኡ ከኣ፡ ኣብ ገድሊ ኮነ ናብ ደርጊ ኢዱ ምስ ሃበ ዋላ’ውን ተኣሲሩን ድምጺ ዑፍን ፍሉይ ድምጺ ክሰምዕ ከሎ፡ ብ’ኣንክሮ ይሰምዕ ምንባሩ ብመቅርቡ ዝነበሩ ተረጋጊጹ እዩ።

የማነ ባሪያ’ውን ኣብ ሙዚቃ ዓሚዩ ፍቕሪ ምንባሩ ዳርጋ ኩሉ ኣድናቂኑ ዝፈልጦ ታሪኽ’ዩ።የማነ ከም ኮኮብ ስነ ጥበባዊ ንርእሱ ከይር’ኣያ ንካብ’ኡ ዝተሓቱ ፍናን እናሃበን እናኣድነቀን ይሳግም ምንባሩ ናይ ኣደባባይ ምስጥር እዩ።የማነ ሙዚቃ እዩ ክብሉ ይስማዕ እዩ፣እወ ጥዑም ሙዚቃ እዩ ንባዕሉ።

የማነን ገብረጻድቅን ንመጀመርታ ዝተር’ኣዩላ ሙዃና ትግለጽ ከተማ ዓድዋ እያ።ምኽንያቱ፡የማነ ባሪያ ምስ ማት’ኣ ናብ ኣክሱም ክመጹ ከለዉ ኮነ ናብ ዓድዋ ብመገሻ ኣብ ግዜ ኅይለስላሴ፡ገብረጻድቕ ጭራ-ዋጣ ሒዙ ኮለል ክብል ከሎ ከምዝኮነ፡ ዓበይቲ ኣቦታት ክዛረቡ ትሰምዖ እዩ።

ኣብ ዓድዋ ኮነ ኣብ ካልእ ዓድታት ዘለዉ ቤተሰብ የማነ ባሪያ’ውን ተኮነ የማነ ኣብ ግዜ ኅይለስላሴ ይመጾም ምንባሩ፣ኣብ ግዜ ደርጊ ግን ከምዘይመጾም ይዛረቡ እዮም።

ደሓር ገብረጻድቕ፡ናብ ከተማ ኣስመራ፡ ወዲ ከባቢ 15 ዓመት ኮይኑ ክመጽእ ከሎ፡ማንም ወዲ ኣስመራ ኣብ ማርካቶ ኣብ እንዳ ጀበሊታት ሻሂ ክስተይ ኮነ ኣብ ከባቢ ኣባሻዉልን ኪዳነ ምሕረትን ክራከቡ ዕድል ዝፈጥረሎም ቦታታት ምንባሩ፡ብዙሓት ኣድናቅቲ ሙዚቃ የውክዑ እዮም።

የማነ ባሪያ ብግዜ ኅይለስላሴ ዝዘናጋዓለን ዝነበራ ቦታታት፡ድሕሪ ናጽነት ከኣ ይከደን ብምንባሩ ስድራቤቱ ደቂ ሻውለይ-መልለይ ብምንባሮምን እቲ ሕይወት ዝናፍቆን ዝፈትዎን ብምንባሩ ኣብዝሓ ትረክበሉ ቦታታት እዩ ነይሩ።

የማነ ባሪያ 21 ጥሪ 1949 ከም ዝተወልደ ይዝረብ እዩ።ኣብ ዓመተ 1997 ኸኣ፡ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈሊዩ።መምህር ሰሎሞን ገብረዝጋቢሄር ‘40’ ታሪኽ የማነ ባሪያ ከም ወዲ ኣባሻዉልን ከም መታዕብይትን መጠን፡ ኣብ ስነ ስርዓት ቐብሩ ኣብ ዝፈጸመሉ ሰዓት ታሪኽ-ሕይወቱ ከምዘንበብሉ ዝዝከር እዩ።

ገብረጻድቕ’ውን ኣብ ተለቪዥን ኣብ 1950 ኣ.ቆ.ሓ ተባሂሉ ይቓላሕ እዩ።

 ኣብ ሬድዮታት ኣብ 1951 ተባሂሉ ይጋዋሕ እዩ።ኣብ መጽሔታት ኮነ ኣብ መጽሓፍቲ ኸኣ፡ኣብ 1951 ዝብላ ኣለዋ።ኣብ 1950 ወይ ከኣ 1952 ዝብል ትረኽብ ኢካ።እዘን ኣብ’ዚ 20 ዓመታት ዝተጽሓፋ መጽሔታት ኮነ ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ዝሕተማ ዘለዋ መጽሓፍቲ’ውን ኣብዚ ዓንኬን ከምዝተወልደ እየን ዝገልጽ’ኦ ዘለዋ።

ኣብ መቓብሩ ኸኣ፡ ኣብ 1947 ኣቆጻጽራ ዓመተ ምሕረት ሓበሻ ካብዛ ዓለም ብሞት ከምዝተፈለየ ተጻሑፉ ይርከብ።ፈልጥቱን መቕርቡን ኸኣ፡ ገብረጻድቅ ኣብ 1945 ኣ.ቆ.ሓ ተወሊዱ ኢሎም ይሙጉቱ እዮም።

ካብዚ’ኦም ገሊኦም ንምጥቃስ፡ መምህር ኣስመላሽ፡ኣቶ ብርሃነ ግደይ ‘ሃይከል’፡ ኣቶ ዓብደላ፡ኣቶ ኢብራሂም ዮኑስ፡ኣቶ ካሕሳይ ‘እንዳ ወርቂ’፡ኣቶ ጆሃር፡ ኮነ ወይዘሮ ሕይወት ግርማይን ኣደይ ለተብርሃንን ወይዘሮ ኣኸዛን ይርከብዎም እዮም።ገብረጻድቕ፡ ኣብ 1973 ወይ ኸኣ 1981 ኣ.ፈ.፡ ካብዛ ዓለም ንጹር ብዘይኮነ መገዲ ሓንሳብን ንሓዋሩን ተፈሊዩ እዩ።ኣቶ ሰይፉ ታፈረ በዓል ሞያ ሕግን ፈልጥ ታሪኽን ረሲኡ ከምዝተረከብዎ፣እኒ ጀነራል መርእድ ንጉሰ ብሞት ገብረጻድቕ እምብዛ ከምዝሓዘኑ ዓጀብቲ ጀነራላትን ረሳን ይዝኽሩ እዮም።

ጀነራል መርእድ ንገብረጻድቕ ናይ ሓይሊ ኣየር ‘ፍልድ’ ጃኬት ሸሊምዎ ምንባሩ ዝፍለጥ’ዩ።

እዚ ብዉሑዱ ካብቲ ሰፊሕን ረዚንን ታሪክ እዞም ብሉጻት ስነ-ጥበባውያን መባእታ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ።ካልእ ግዜ ስፍሕ ዝበለ ብዛዕባ ሕድሕዶም ሒዘልኩም ክመጽእ ተስፋ ይገብር።

ንሕጂ ግን ናብቲ ቑውም-ነገርና ክን’ኣቱ፡

የማነ ባሪያ፡ እዘን “ሓዳር ገይርኪ” ኮነ “ተፋላሊና ዲና” ዝብላ ደርፍታት ምስ ታሪኽ ሕይወቱ ዝተ’ኣሳሰራ ምዃነን ናይ ቀረባ ሰቡ ይዛረቡ እዮም።

ገብረጻድቕ ኸኣ፡ ኣብ 1972 ምስታ በዓልቲ ስመጃና ዝኮነት በዓልቲ ቤቱ ነበር ወይዘሮ ዉነሽ ጓል ቐሺ ኣብርሃ ዓቢ ብስራት ረኪቡ፡ኣብ ሓጺር እዋን ናብ ሓዘንን ድጉዓን ዝሸመመቶ ቃሕ በሃሊት ዝተፈላላለየላ ዓመት እያ።እተን ደርፍታት ከኣ፡ ብሓቂ ንጉዕዞ ሕይወቱ ዝገልጻ ስነ ጥበባዊ ፍርያት እየን።ገብረጻድቕ ኣብ ከተማ ኣስመራ ንሸውዓተ ዓመት ሙሉእ ዝከውን ተቐሚጡ እዩ።

ክልተ ዓመት እዩ ተቐሚጡ ዝብል ኣብ መጽሔታት ዝወጽእ ዝነበረን ዘሎን ቅቡል ኣይከውን እዩ።እቲምንታይ፡ካብ ዓድዋ ኣብ መወዳእታ 1959  ወይ መጀመርታ 1960 ንከተማ ኣስመራ ከምዝከደ የዕርኽቱ ይዝኽሩ እዮም።ን’ኣስመራ ንመወዳእታ ግዜ ዝገደፈላ ከኣ፡ ኣብ 1975’ዩ።በዓል የማነ ምስ ምእሳሮምን እኒ ዑስማን ናብ ሜዳ ምስ ውጽ’ኦምን ዕግርግር ከተማ ኣስመራ ዝሕደረሉ ስምዒትን፡ ኣብ ዓንኬል ቓልሲ  ዉጹዓት ሕዝብታት ብዝፈጠረሉን ድርኺት፡ ምስ መምህር ሶሎሞን ገብረዝጋቢሄር ኣብ መንገዲ ተራኺቦም ምንባሮም፡ኣብቲ ሽዑ ግዜ ካብ ዕግርግር ከተማ ኣስመራ ናብ መቐለ፡ኣክሱም፡ዓድዋን ዓዲግራት ኮነ ኣዲስ ኣበባ ዝመጹ ደቂ ኣስመራ ይዝኽርዎ እዮም።

ገብረጻድቕ፡ኣብ ገዛማንዳ ጥልያን ምስ ነፍስሄር ወይዘሮ ዉነሽ ኣብርሃ ሓዳር ገይሩ ነይሩ እዩ።ሓንቲ ጓል ከኣ ተጓናጺፍሉ እዩ ካብ ሓዳሩ፣ንሳ ከኣ ሔለን ገብረጻድቅ ወልደዮሓንስ ገሰስ ትበሃል እያ።ማማ ዉነሽ ድሕሪ ናጽነት ሒደት ዓመታት፡ሔለን ከኣ ድሕሪ ኩናት ኤርትራን ኢትዮጵይን ሒደት ዓመታት ጸኒሐን ተከታቲለን ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈሊየን እየን።

ሔለን፡ጓል ገብረጻድቕ ብሙኳና ኮነ ብጠባያን ስነ ስርዓታን ፍትውቲ ዉሽፍ-ጓል ምንባራ ብዙሓት ጎረባብታ ይዝኽርዋ እዮም።ሔለን’ውን ካብ ተኸስተ ዝተብሃለ ኤርትራዊ ክልተ ቆልዑት ወሊዳ እያ።ገብረጻድቕ ኣይወለደን ተባሂሉ ስጋብ ትማሊ ኣብ ማዕኸናት ዜና ዝግለጽ ዘሎ ጌጋ ሙዃኑ ብዙሓት ኣምሪሮም ዝዛረብሉ እዩ።

ወዲ ‘ገብረማሪያም’ ከምዚኮነ ዝንገረሉ ተኪኤ ዝበሃል፡ ኣብ ኩናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተሰወኣ፡ ከም ወዲ ገብረጻድቕ ብብዙሓት እዩ ዝፍለጥ፣እዚ ግን ጌጋ እዩ።

ስም ገብረማሪያም ርግጽ ዘይክከውን ይክእል እዩ።ግን ወዲ ዓዲግራት ምንባሩ፣ዉነሽ ንዑ ፈቲያ ዛንዛን ምስ በለት ንግብረጻድቅ ከምዝጠለመቶ ኣብ ገዛ-ባንዳን፡ ገዛ-ብርሃኑን ዝነበራ ጎረባብቱ የዘንትዋ እየን።ገብረጻድቅ ኹቱር ዝኮነ ፍቕሪ ስለዚነብሮ ኮነ ከም በዓልቲ ቤቱ ኣብዝሃ ሰብ ስለዝተቀበላ፡ ስጋብ ሎሚ ወይዘሮ ዉነሽ ሰበይቲ ገብረጻድቕ ብዝብል ከምትጽዋዕ ካብ ኣስታት 20 ዝኮኑ ጎረባብትን መቕርብን ክግንዘቦ ክ’ኢለ ኣለኩ።

እሞ፡ ደኣ እዚ መሪር ሓዘን ዘቐሰብ ገብርጻድቕ ደኮን ንደርፊ የማነ ባሪያ ደጊሙ ደሪፍዎ ወይስ የማነ እዩ ትሑትን ናይ ዝፈትዎም ጥበበውያን ደርፍታቶም ክደግም ባህ ዝብሎ ዝነበረ ፡ደጊሙ ደሪፍዎ ርእይቶ ዝተፈላለዩ ሰባት ከካፍለኩም እየ።ናትኩም ርእይቶን ምስኽርን’ውን ኣድላይን ቐላስን ጉዳይ እዩ እሞ ሃየ ተካፈልዎ ኢኩም ክብል እፈቱ።

ዘይናትካ ኣይናትካን’ዩ ዝብል ዘረባ ደጋጊምና ንሰምዖ ነገር እዩ።ሚኒስተር ነበር፡ ሓርበኛ ጴጥሮስ ሰሎሞን፡ “ናትና ኣይንህብን፡ዘይናትና ኣይደልን።” ኢሉ ኣብ ጉዳይ ደሴት ሓንሽ ዝቑር ተዛሪቡ ነይሩ እዩ።

ድምጻዊ ተስፋይ መንገሻ’ውን፡ ኣብ ‘ኣይትገራህ ልበይ’ ትብል ደርፉ ዮናስ ኣፈወርቂ/ምስ ደቂ የማነ ባሪያ ዝደርፍ ዝነበረ/ ዝገጠማ ግጥሚ “ዘይናትካ ኣይናትካን’ዩ፡ዋላ ተደልኹ” ስዒባ ህብብቲ ደርፊ ነይራ ኣብ ኩነታት ኤርትራ-ኢትዮጲያ።ፊሒራ ተኮነ ነዚ ሓሳብ ዘራጉድ ደሪፉ ነይሩ እዩ።እዚ ኩሉ ናትካ ንዝኮነ ዝድርዕ መልእክቲ ስነ ጥበባውያን እዩ።

ሊቀ-ሊቃውንቲ ያረድ ካሳ’ውን ነዞም ክልተ ስነ ጥበባውያን ንሕዝቢ ብዝሃብዎ ኣስተምህሮ ኣኽብሮት ኣለዎም እዩ።እዚ ጉዳይ ክዝረብ ሰሚዖም ካብ ዝተዛረብዎ ከኣ፡ “ዘይታሪኹ፡ ታሪኩ’ዩ ኢልካ ምሃብ ፀርፊ ወይ ባጫ እዩ።” ተቆንጪቡ ነዚ ይመስል።

ዶክተር ሰሎሞን ዑንቃይ ብወገኖም፡እዘን ክልተ ደርፍታት ናይቲ እዩ፡ ናይቲ እባ ዝብል ከም ዝሰምዑ እንተኮነ ብርግጽ ናይ መን ሙዃኑ ኣፍልጦ ከምዘይብሎም ይዛረቡ።ንየማነ ባሪያ ግን ብፍሉይ ደርፍታቱ ከም ዝፈትዉዎ፣ ኣብ መኪን’ኦም ናይ የማነ ደርፍታት ክከፍቱ ዕጋብትን ባህታን ከምዝፈጥረሎም ይዛረቡ እዮም።ምናልባት ወዲ ሻዉለይ-መለይ ስለዚኮኑ ዶ ናብ የማነ ባሪያ ዛዚዮም፧ እንድዒ!

ኣቶ ብርሃነ ተፈሪ /ዓርኺ ዑስማን ዓብደርሒም/ ናይ ገብረጻድቕ ደርፍታት ኮይነን እስመዓኒ ክብሉ ከለዉ፣መኮነን በላይ ዝተብሃለ ዓርኺ ገብረጻድቕ ኣብ ግዜ ቑልዕነቱ ከምዝነበረ ዝገልጽ ከኣ፡ ገብረጻድቅ ኣብ 1959 ኣቆጻጽራ ሓበሻ ፡ኣብ ዓድዋ ይደርፎ ምንባሩ ይዛረብ እዩ።

ኣቶ ኢትባረኽ ገብረ-ትንሳኤ ገዲም ስነ ጥበባዊ /ዓርኺ የማነ ባሪያ/ ከኣ ናይ የማነ ባሪያ ምንባረን ይገልጽ ወ ብትሪ ይሙግት እዩ።የማነ ባሪያ ኣብ 1968/69 ኣቢሉ ይደርፎ ምንባሩ ይዛረቡ እዮም።

“ኣብ ቲቪ ብጌጋ፡ እዘን ደርፍታት ናይ ገብረጻድቕ ሙኳነን ተኸታትሊ’የ።ታሪክ እንተኮይኑ ታሪኽ ብልኽዕ ኽቐርብ ኣለዎ።ታሪኽ ብቕኑዕ ኽጸሓፍ ኣለዎ።” ክብሉ ስነ-ጥበባዊ ኢትባረኽ ገብረትንሳኤ ምስናይ ምሕጽንታ ዝሓዘ ለበዋ የቅርቡ ።

ስነ-ጥበባዊ ዑስማን፡ ንገብረጻድቕን ንሓዉ ተስፋይን ‘ገረዝጊሄር’ ኣዚዩ የድንቆም እዩ።ንሱ ኣብ ተዘክሩ’ኡ፡ “ደቂ ወልደዮሓንስ፡ ንሕና ኣብ ወርሒ ንእትዎ ዝነበርና ኣታዊ፡ንሶም ኣብ ሓደ ምዕልቲ ይእትዉዎ ነይሮም።ገብረጻድቕ፡ በሊሕን ክ’ኢላን ስነ ጥበብ እዩ ነይሩ፣ብፍላይ ኸኣ እታ ዋጣ ዝገብራ ይገርመካ እዩ።” ኢሉ ይዝኽሮም።ዑስማን ከኣ የማነ ኣብ መፋርቕ 60ታት ወይ ከኣ 1967 ከባቢ ነዘን ደርፍታት ኣብ ማት’ኣ ይደርፈን ምንባሩ ሎሚ ዕለት 25/2/2016 ኣውኽዒኑ’ዩ።

ኣቶ ኢትባረኽ ተኮነ ኣብ ልዕሊ ገብረጻድቕ ኣድናቆት ከምዝለዎም፡ ንክእለቱ ከምዘድነቅዎ ይዛረቡ እዮም።

ብርሃነ ‘ካቦ’ ተኮነ ቅድሚ ገብረጻድቕ የማነ ክደርፎ ከም ዝዝክር ይዛረብ።ኣቶ ኢብራሂም ዮኑስ’ውን ምስ ምንዋሕ ግዜ ብልክዕ ተዘይዘከርዎ ክልቲኦም ዝደረፍዎ ኣብ ኣስመራ ብፍላይ ኣብ ኣባሻዉል ኮነ ኣብ ባራት እዚ ደርፍታት ይሰምዕዎ ምንባሮም የውኽዑ እዮም።

“ምስ ሙዚቃ ተፈጢሩ ሒዝዎ ተቐቢሩ!” ኮነ “ኣብዘይ እዋኑ ዝተፈጥረ ሙዚቐኛ ኣብዘይ ግዜኡ ዝጠፍ’ኤ” ዝብል ጽሑፍ ብ’ኣድነቅቱ ኣብ ዝተሓትመ ካሴት ገብረጻድቕ፡እዘን ክልተ ደርፍታት ከም ስርሓውቲ ገብረጻድቕ ተሓቲመን ኣለዎ እየን።

የማነ ባሪያ’ውን ኣብ ቲቪ ኣብ 1996 ኣብ ዝገበሮ ቓለ መጠይቕ ብዛ|ዕባ እዚ ጉዳይ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ “ ናተይ ናትካ ዝበሃል ኣይነበራን።” ብምባል ንዋንነት ብዝምልከት 4 ነጥቢ ገይርሉ ከምዝሓልፈ ናይ ትማሊ ተዘኽሮ’ዩ።

እሞ ኽቡራት ኣንበብቲ፡ብዛዕባ የማነ ኮነ ብዛዕባ ገብረጻድቕ ስፍሕ ዝበለ ትሕዝቶ ዝለዎ ጽሑፋት ካልእ ግዜ ከቕርብ እየ።ኣብ ዋንነት ዕሙቆት ዘለዎ ኣፍልጦን ጭብጥን መርትዖን ዘለኩም ተሃሊኩም፡ ነዚ ጉዳይ መዕረፊ ክግብረሉ እትስፎ።

ተዘይኮይኑ ከኣ ገለ መተዓረቂ ስም ክወሃቦ ዘይተርፍ ይከውን እመስለኒ።ምኽኒያቱ፡ ኣብ ሕጊ መሰል ኣሕታሚ፡ደርፍታት ወይ ስነ ጥበባዊ ሓድግታት፡ ካብ ዝተወሰ ዕምሪ ብገምጋም ዕድመ ሓደ ወለዶ /ብስነ ፍልጠታዊ ዕድመ ወለዶ/ ተሓሊፉ ዋንነቱ ናይ ሕዝቢ ከምዝከውን ክ’ኢላታት ሕጊ ይዛረቡ እዮም።

ስለዚ፡ምስቲ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ዝነበረ ደርገፍገፍ ነዚ ሕቶታት ከነጽር ዝክእል ቕኑዕን ርትዓውን መድረክ ክፍጠር ኣይከ’ኣለን ዘሎ፣እቶም ምስኽራት ከኣ ዕድመን እርጋንን የጓይዮም ኣሎ።እዚ ኣብ ግምት እትዩ ገለ ዉርዝይን ርጡብን መፍጥሒ ክግበረሉ እላቦ።

እንተ ታሪኽ፡እዞም ክልተ ፀለምቲ-ኮዋኽብቲ ግን ንዘንተእለት ከቢሩ ከም ዚነብር ጥርጥር የብሉን እዩ።የማነ ብጊታሩ ናይ ኣምበሳ-ግንዖ ክወስድ ኮነ ኣብ ረዘንቲ መልእኽታቱ ከኣ ነቢይ እናተብሃለ ከም ዝዝኸር፣ከም’ኡውን ንጉሥ ጭራ-ዋጣ ዘበለ ገብረጻድቕ፡ንምልኸት መሣሪሒ ሙዚቃታትን ዜማታቱን ግጥምታቱን ዳግማይ ያሬድ ኣስሚዩ ንሓዋር ከምዝነብር ዝእመነሉ ምስኽርነት እዩ።

ሃብሮም ስነ-ጥበባዊ ተስፋይ መሓሪ ‘ፊሒራ’፡ንገብረጻድቕ ብዘለዎ ኣድናቆት ሓንቲ ናይ ገብረጻድቕ ደርፊ ከምዝደገመ ብብዙሓት ሰብ ሞያ ሙዚቃ እናሻዕ ይዝረብ እዩ።ፊሒራ፡ ኣብ ልዕሊ ገብረጻድቕ ብዝነበሮ ጽኑዕ ፍቕሪ፡ኣብ ሜዳ ንሰራዊት ሕወሓት ረኪቡ፡ብቐዳምነት ካብ ዝሓተን ሕቶታት ብዛዕባ ገብረጻድቕ ምንባሩ ኣቶ ኣር’ኣያ ወርቕነህን ኣባላት ሬድዮ ርኽብ ዝነበሩ ብ’ኣኽብሮት ከምዝዝኽርዎ፡ካብቲ መስርሕ ምእካብ ሓበረታ ክግንዘቦ ክ’ኢለ ኣለኩ።

እዚ ዘርእየካ ፍቕሪ ክልተ ቀንዴላት ስነ ጥበብ ማዕረ ክንደይ ምንባሩ እዩ።ገብረጻድቕ ከኣ፡ስነ-ጥበባዊ ዑስማን ዓብደርሒም ፡ንየማነ ባሪያ ብፍሉይ ከም ዝፈትዎም ዝነበረ፡ብሓፈሻ ከኣ፡ ንማሕበር ትያትር ኣስመራ ኣክሱም ጽዮን ስዒሞም፡ ኣብ ኣክሱም ኮነ ኣብ ዓድዋ ዝዕርፉ ዝነብሩ ኮነ ንኣክሱም ክስዕም ልምዲ ዝነበሮ ገብረጻድቅ፡ኽረኽቦም ከሎ፡እታ መደርኽ ማዕረ ኽንደይ ጽልዋ ከምዝፈጠረትሉ ዓበይቲ ሰባት ወትሩ ዝዛረቡዎ እዩ።

ኣድነቅቲ የማነ ባሪያ፡ንየማነ ባሪያ ሓወልቲ ክግብረሉ ኮነ ንስድራቤቱ ክሕብሕቡን ኽሕግዙን መደባት ከምዚነብሮም፡ ኣብ 1997 ዝእቶ ዝነበረ መብጻዓት እኩል መርትዖ እዩ።ታሪኹ ክጸሓፍ’ውን ከም ሓሳብ ዝዛረቡ ኣለዉ እዮም።ናይ ገብረጻድቅ’ውን ንሙዚቃ ዝከፈሎ ዋጋን ንባህሊ ትግርይና ዝገብሮ ኣስተዋጽ’ኦ ሰፍ ዘይብል ክንዲ ዝኮነ፡ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ዘለዉ ኣድነቅቲ ባህልን ሙዚቃ ትግርይናን ዝገልጽዎ እዩ።

ገብረጻድቕ፡ ቕድሚ ምሟቱ ንሓደ ኣብ ጅብሩኽ መዋዕልቶም ዝነበረ፡ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ይነብር ከምዘሎ ዝዝረበሉ ከምዘሎ ዝንገር፡6 ዝኮነ ደርፍታት ገዲፍሎም ከምዝከደ ጌታቸው ዝተብሃለ ናይቲ ሽዑ ግዜ መንእሰይ የዕልል እዩ።ቲሃም ዝተብሃለ ወዶም ንቤት ሙዚቃ ኣዋሽ ከኣ፡ገብረጻድቕ 75 ቕርሺ ጥራይ ወሲዱ፡7 ደርፍታት ኣብ ካሴት ‘ሸሪጥ’ ናይቲ ግዜ መሊኡ ናብ ተምቤን ምስ ከደ፡ከምዘይተመልሶም ገብረጻድቕ ኣብ ቤቱ ስእሉን እተን 7 ደርፍታት ዝኮና ስጋብ ሕጂ ከምዘለዋ ባዕሉ ቲሃም ከይተረፈ ይዛረብ እዩ።ስለዚ፡እዚ ናብ እዝኒ ሰማዕቲ ዝበጽሓሉ መንገዲ ክፍጠር ሓደ ዕማም ምዕቃብ ሓድግታት ስነ ጥበባውያን እዩ።

እሞ፡ታሪኽ’ውን ኣብ ግዚኡን ኣብ መድረኹን ተዘይተሰኒዱ፡ ንደሓር ግዜ ኣመና ኣሸጋሪ ከምዝኮነ ርዱእ እዩ።ነፍሲ-ወኸፍ ኣድናቂ ሙዚቃ እዞም በሃራትን ኣርካናትን ኮነ ካል’ኦትን ስነ ጥበባዊ ተሓባቢርካ ኣእጃምካ ምግባር “ግዜ ይሕምበብ እሎ ንማንም ኣይጽበይን እዩ።” ዝብል ጻዊዒት ደውል ይድውል ኣሎ ክብል እፈቱ።

ኣብ መወዳእታ፡ሓንቲ ኣፈላላይ ክልተ ፀለምቲ-ኮዋኽብቲ ዘንተእለት ክገልጽ፡የማነ ባሪያ ደራፋይ ወይ ኣብ ሰልሚ ባሕሪ ስነ-ጥበብ ምእታዉ ካብ ስድራቤቱ፡ ብፍላይ ካብ ኣቡኡ ወላዲኡ ኣቦይ ገብረሚካኤል ብስራት ኮነ ካብ ማማ ኣዜብ ገብሪሕይወት ተቃውሞ እምበር ደገፍ ረኺቡ እይፈልጥን እዩ።ነዚ ኸኣ፡ ኣቦይ ገበርሚካኤል የማነ ምስ ሞተ ዝታዛረብዎ ዘረባ ምስኽር እዩ።

ብ’ኣንጻሩ፡ ገብረጻድቕ ኣዲኡ ወላዲቱ፡ወይዘሮ ኣወጣሽ ጋረድ፡ ወደን ከይዕውል ኣብ ዘይኮነ ቦታ ከይዱ ዘይልሙድ ከይለምድ፡ ቢለን ንህቡብ ወቃዒ ጭራ-ዋጣ ገብረጻድቕ ገብረሚካኤል ይዕዘብ’ኦ’ውን ብምንባረን፡ኣስላምን ክርስታን ከይበለ ጎረባብቲ ብዘዋጽዎ ልዕሊ 3 ቕርሺ እታ ዋጣ ካብ ፈረስ-ማይ ከይደን ከምዝገዝ’ኣ’ኣ ምስኽርነቶም ጎረባብቲ ዘለውን ደቂ-ዘየለዉን ዝዛረብዎ እዩ።

ምንጪ፣

-ደቂ ኣባሻዉል ገዛ-ብርሃኑን ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዘለው።

-ተጋደልቲ ኣባላት ሕወሓት ብፍላይ ኣብ ክፍሊ ረድዮ ርኽብን ኪነትን ነበር።

-ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ግዜ ደርጊ ዝነበሩ፡ካብ ሓለፍቶም ስጋብ ኣብ ታሕቲ ብርኺ ዝነበሩ።

-ደቂ እንዳ ገብሬኤል ኣስላሞም ክርስትያኖም እንተላይ ኤርትራውያን ዝርከብዎም።

-ተጋደልቲ ጀብሓ ነበር።

-ተጋደልቲ ህግሓኤ ነበር።

-ኣብ ሽረ፡ ኣብ ዉቕሮ ማራይ፡ኣብ ኣክሱም ንገብረጻድቕ የዕርኽትን መቅርቡን ነበር።

-ወነንቲ ሙዚቃ ቤት ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኤርትራን ትግራይን ኮነ ኣዲስ ኣበባ ዘለውን ዝነበሩን።

-ኣባላት ማት’ኣ ነበር።

-ኣብ ኣስመራ ዝርከቡ ጋዜጠኛታትን ስነ ጥበባውያን ዝተሓባሩኒ ኩሎም።

-ብውልቐ ሰባት ከኣ፡ኣብዚ ኽልተ ዓመትን ገለን ዝወሰደ ሰፊሕ መጽናዕቲ ልዑል እጃም ካብ ዝገበሩልይ፡ብቕንዕና ዝሕግዙኒ፡ሓሳብን ርእይቶን እናመጠዉ ናይ ልዕሊ 7 ህቡባት ስነ ጥበባውያንን ኣድሂበ መበገሲ ገይረ፡ ኣብ ዝእክቦ መስርሕ ሓበረታ፡

 

ስነ ጥበባዊ ዑስማን ዓብደርሒም

ስነ ጥበባዊ ኢትባረክ ገብረትንሳኤ

ኣቶ ተወልደ ቺነልኩስ

ሊቀ ሊቃውንቲ ያረድ ካሳ

ግደይ መስፍን ‘ዋንጊው’

ኣለም ተካ ‘ወዲ ተካ’

ልዑል ‘ጋኔን’

ደሳለኝ ሙሉነህ

ደራሲ ኣያልነህ ሙላቱ

ሙዚቀኛ ዳዊት ይፍሩ

ስነ ጥበባዊ ኪሮስ ኃይላስላሴ

ለቲና ጓል ኣባሻውል

ስድራ-ቤት እንዳ ጸጋይ በራኺ

ስነ ጥበባዊ ሉሎም ኣብርሃ

ጋሽ ሙላቱ ኣስታጥቄ

ስነ ጥበባዊ ታረቀ ተስፋሕይወት

ስነ ጥበባዊ ሓጎስ ገብሪሕይወት

ሙዚቀኛ ብርሃነ ‘ኦርጋኒስት’

መምህር ብርሃነ ኣቻሜ

ኣቶ ገብረመስቀል ናይ ባንኺን ሕሳብ በዓል ሞያን

ደራሲ መምህር ገብርዝጋቢሔር ቢሆን

ስነ ጥበባዊ ዳኒኤል ኣማን

ስነ ጥበባዊ ጌታቸው ስሑል

ኣልማዝ ጸጋይ ናይ ቀረባ ቤተሰብ ጸጋይ በራኺ

መምህር ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ሳህለ

ስነ ጥበባዊ ስዩም ኣለምሰገድ ‘ማስተር’

 

ስነ ጥበባዊ ብርሃነ ወልዱን ገሊኦም ክኮኑ ከለዉ።

እቶም ኣብ ኤርትራ ዘለኩም ፍሉይ ሓገዝን ደገፍን ብፍናን ንያትን ትውፍዩለይ ኣብ ዝተፈላለየ ሞያታት ትርከቡ፡ዉሬታኩም ረዚን እዩ፡እሞ ኣምላኽ ባዕሉ ይክሓስኩም፡ሞሣ ይግባኣኩም’ዩ እብል።

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...