ሙሉጌታ በየነ

ክቡራት ኣንበብቲ፡ብዛዕባ ኩነታት ጥዕና ድምጻዊ ሙሉጌታ በየነ ዘበገሶ፡ተዘኽሮታት ስርሓውቱን ሓጺር ግለ-ታሪኹን ኣብ ዝሓልፈ ቀድማይ ክፋሉ ነቢብኩም፣ርእይቶን ሓሳባትን ብዝተፈላለየ መንገዲ ሂብኩም ኢኹም።ብስም መርበብ ሓበረታ ኣስማሪኖ ብልቢ እናመስገንኩ ነቲ ገሊ’ኡ ክእረም ሓሳብኹም ዝሃብኩም፡ንሙሉጌታ ተወኺስና ኮነ ንካል’ኦት ሓቲትናን ኣብዚ ክፋል ከነቕርበልኩም ኢና።ገለ ኣብ ደርፍታቱን ተዘኽሮታትን ተኮነ ናብ ኣንበብቲ ሒዘለኩም መጺኤ ኣለኩ።በሉ ንኺድ!

ዮላንዳ፡ ጓል ሰታንታ’ኦቶ ወ ኣብ ከባቢ ሞኖፖሊዮ ከምዝኮነት ደቂ ሰታንታ’ኦቶ ከም እኒ ሃብቶም፡እኒ መምህር ሰሎሞን ዝገልጽዎ፡ ኣብ ዕላሎም ሓደ ነጥቢ እዩ።እዚ ኸኣ፡ዮላንዳ ጃኩማ ፡ጓል ኣደይ ብርሃን ጓል ካምፖፖሎ፡ከባቢ ባር ኩፖኩፓና ናብ ቐንዲ መእተዊ-በሪ ቓኘው ከምዝኮነ፡ ደቂ ካምፖፖሎን ሙሉጌታን ተዘክሮታቶምን ምስኽርነቶምን ሂቦም እዮም።

እንተኮነ፡ኣብ ‘ግዜ ደርጊ’ ደቂ ኣንስትዮ ብመልኽዔን ኮነ ብጾት’ኣን ዝሽገራሉ ጸማም-መድረኽ፡  ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ዮላንዳ’ውን ከም ሰባ ናብ ቤተ-ኣዝማዳ ናብ ሞኖፖሊዮ ኮነ ስታንታ’ኦቶ ከይዳ ትቕመጠሉ መዓልታት ነይሩ እዩ ዝብል እዩ እቲ መኣረምታ፡እሞ ግርም ርእይቶን መኣረምታን እዩ።ከም ወዮ ኣቶ ሑሩይ ተድላ ርእይቶ ክትህቦም ከለካ “ዉሕጥ ኣቢለዮ ኣለኩ።” ዝብልዎ ዝወሓጥ ኮይኑ ረኺበዮ ኣለኩ፣እሞ ቐጽልሉ ክብል እፈቱ።

እቲ መበል ካል’ኣይ ናይ ወዲ በለዛ ስም ተጋጊኩም ኣለኩም ዝበለና መንእሰይ ‘ኣዝማሪኖ ሆፕ’ ልክዕ እዩ።ወዲ በለዛ ኣማኑኤል ወልደገብሪኤል ዘይኮነሲ፡ኣማኑኤል ወልደጋብር ‘ሞሞና’ ሙዃኑ ርዕምናዮ ኣለና።ኣብ መስርሕ ምጽሓፍ ዝተፈጥረ ጌጋ እዩ ግን ምእራሙ ከኣ ዝበለጸን ዝወርጸጸን ዕዮ እዩ።ደጊመ ኤመስግነኹም።

እቶም ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ዓለም ኮይንኩም፡ ናዕዳኩምን ፍናንኩምን ዝመጠኩምና ከኣ ምስጋናይ እምባዛ ወሰን የብሉን እዩ እሞ ቐጽልሉ ኢኩም ክብል እፈቱ።እቲምንታይ ፍናን ምብርታዕን ሓደ ስንቒ ሕልና ንዕዮ ከምዝኮነ ርእሰ-ርጉጽ እዩ።

ክቡራት ኣንበብቲ፡ሙሉጌታ ኣብ ደሓን ኩነታት ከምዘሎ ክፈልጥ ክ’ኢለ ኣለኩ።ሕማም ሽኮሪያ ከምዘለዎ ሰብ፡ምስ ዘጋጠሞ ሓደጋ ምውዳቕ ኣብ እዋን ጸልማትን ዕድመን ኣብ ግምት ኣትዩ ንስቃዩን ቓንዝ’ኡን ማዕረ ክንደይ ከምዘጋደዶ ርዱእ እዩ።ብዝኮነ መዋጽእቲ ይፍጠረሉ፣ኣምላኽ ምሕረቱ የውርደሉ ምባል ልሙድ ትውፊት ባህልና’ዩ እሞ፡ሙሉእ ምሕረት የውርደሉ ንሙሉጌታ በየነ!

           

በሉ ናብ ዉራይ ደርፍታት ሙሉጌታን ገለ ተዘክሮታትን ደቂ ኣስመራን ከነብል፡ሃየ ሰዓቡ ኢኩም።

“መልኽዕ ምስ ቁውም-ነገር፡ኣምላኽ ዝዓደላ
ፍጹም ዘይትምኖ፡ መዓር-ጸባ ፍቕራ
ጥሪ ዝሃበኒ፡ህይወት ጓል-ኣስመራ።2x

ንዓኺ ኽደልይ፡ ካብ ተጓሕይኒ
ካልኣይ ከይረኣኽዋ ግዜ ነዊሑኒ
ሙሉእ ኣስመራ ደሊየ ፍጹም ተሳኢና
ብታቦት ዓጂቡ፡ጥሪ ኣራኺቡና
                 ጥሪ ኣራኺቡና።”

ጥሪ ንኣዋልድ ሕሱም ከምዝብልዎ
ሎሚ ኣጓኒፉኒ ብ’ዓይነይ ረ’ኣኽዎ
ሓዳር ኣብቂዑኒ፡ ብዘይሓሰብክዎ
ምስ ዘይትምዎ ጓል ዓለመይ ረኣኽዎ።”

ኣቦይ ገርዝጊሄር ተስፋይ፡ነዛ ሕይወት ጓል ኣስመራ ትብል ደርፊ ክሰምዑ ከለዉ፡ኣብ 1979 ኣብ ፍቅራዊ ሕይወት ዝሸመመቶም፡ ካብዛ ዓለም ብሞት ዝተፈለየት በዓልቲ ቤቶም ነበርን እቲ ኣቀዲሙ ዚነበረ ዓርካን ‘ዉሽማኣን’፡ ኣብ ማይ ጥምቐት ዘጋኖፎም ተዘኽሮ ይዝክሩላ እዮም።

ኣቦይ ብርሃነ ኸኣ፡ማይ ጥምቐት ኣብ ከባቢ ዕዳጋ ሓሙስ፡ ኣብዚ ሎሚ ወወክማ ዘሎ፡ከሎ እዮም ቕድሚ 50 ዓመት፡ኣብ ማይ ጥምቐት ዓርኺ ክረክቡ ዝከ’ኣሉ፡ጦብላሕታ ተዘኽሮ ደርፊ ‘ሕይወት ጓል ኣስመራ’ን ሕይወት ኣብ ኣስመራን ፡ኣብ ለሰ ሰልሚ ባሕረ-ሓሳብ እዩ ዝሸሞም ወትሩ።ኣብ ማይ ኣባሻውል ብሓንቲ መለይ ጓል፡ክበ’ኣሱን ‘ሻውለይ-መለይ’ ክበሃልን ይዝከሮም እዩ።ኣብ ቤት ሻሂ ሕይወት ተ’ኣኪቦም ብዛዕባ ፍቅርን ተጓንፎ ማይ ጥምቐትን ኣዘውቲሮም የዕልሉ እዮም።

ኣቦይ ኣረፋይነን ኣቦይ ካሕሳይ ኣድሓኖምን ተኮነ፡ ኣብ ግዜ ንእስነቶም ቕድሚ 55 ዓመት ምስ ኣዋልድ ዘራኽቦም ዝነበረ ጥርን ማይ ጥምቐትን ምንባሩን፡ተዘኽሮ ኪዳነ-ምሕረትን ሻውልን ኣልዒሎም ኣይጸግቡን እዮም።

ሙሉጌታ በየነ ተኮነ፡ኣብ ግዜ ደርጊ ዝጎበዘን ዝሸደነን ሻም መንእሰይ ከም ሙዃኑ መጠን፡ማይ ጥምቐት ጥቃ ኣብ ከባቢ ገዛ ባንዳ ወይ ኣቢዮት-ኣደባባይ ናይ ሎሚ ባሕቲ መስከረም ከሎ፡ማይ ጥምቀት’ዩ ኣርኪብሉ።ንጥርን ንማይ-ጥምቐትን ኣሕሚሙ ይዝክረን እዩ።ኣብቲ እዋን እቲ ኮነ ኣብ ወቕቲ ጥርን ጥምቐትን ዓሚዩቅ ተዘኽሮ ኣለዎ እዩ።ገጣሚ እዛ ደርፊ ከም ወዲ ዕዳጋ ዓርቢ-ጨዓ መጠን ኮነ ወላዲ ኣቡ’ኡ ኣቶ ኤልያስ መስመር ኣብ ግዜ ጥምቐት ታቦት ዝዕጅቡ ብምንባሮም፡ነዚ ትእይንቲ ድምቐት ማይ ጥምቐት ብዕምባባት ኣዋልድ ደቂ ኣስመራ ክኮሓልን ክድምቕን ክርእይ ሰፊሕ ዕድልን ትዕዝብትን ክሕድረሉ ከምዝከ’ኣለ ደቂ ጨዓን መሳርሕቱን ርእይቱ’ኦም ይህብሉ እዮም።

እስከ ንገለ ክፋላ እንደገና ነስተማቅና!
ንዓኺ ኽደልይ፡ ካብ ተጓሕይኒ
ካልኣይ ከይረኣኽዋ ግዜ ነዊሑኒ
ሙሉእ ኣስመራ ደሊየ ፍጹም ተሳኢና
ብታቦት ዓጂቡ፡ጥሪ ኣራኺቡና
                 ጥሪ ኣራኺቡና።”

ጥሪ ንኣዋልድ ሕሱም ከምዝብልዎ
ሎሚ ኣጓኒፉኒ ብ’ዓይነይ ረ’ኣኽዎ
ሓዳር ኣብቂዑኒ፡ ብዘይሓሰብክዎ
ምስ ዘይትምዎ ጓል ዓለመይ ረኣኽዎ።

ኣቦይ ኤልያስ ሓንቲ ኣዚያ ጽብቕትን ዕጹም ዘይትምኖ ጓል ከምዝነበረቶም ብዙሓት ክዛረቡ እሰምዕ እየ።እዛ ኣይዳ ኤልያስ ትበሃል ጓል እምብዛ ጽብቕቲን ምቕርትን ብምንባራ ኣወዳት፡ ኣብ ከባቢ ጨዓ ክዝንብዩ ሕምብርተ-ትእይት ምንባሩ፡ባዕሎም እቶም ኣብ ፍቕሪ ኣይዳ ዝወድቑ ዝነበሩ ዝምስኽሩው እዩ።

ኣይዳ፡ ኣብ ሳዋ ወሪዳ ብዝበጽሓ ሓደጋ ብሞት ካብዛ ዓለም ከምዝተፈለየት፡ሓደ ካብ ኣፍቀርታ ምስኽርነቱ ሂቡኒ እዩ።ኣይዳ፡ከም ሰባን ንሪም ኣቡ’ኣን ባህላን ተኮልኪላ፡ ንማይ ጥምቀት ኮነ መርዓታት ጥሪ-ዕብዲ ክትከይድ እሞ ክረክብዋ ዝብህጉ ሰብ ሃንቃ መዓት እዮም ነይሮም።

ሓደ፡ኣብ 1994 ኣብ ቤት ህንጸት ሰምበል ተ’ኣሲሩ ዝነበረ፡ ኣፍቃሪ ኣይዳ፡ኣቦይ ኤልያስ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ክበጽሑ ቢሎም ኣብ ዝመጽሉ ግዜ፡እቲ እሱር ኣፍቃሪ ኣይዳ፡ክከስዎ ዝመጹ መሲልዎ ሽዑ፡ዝፈርሖ ፍርሒ ክዕልለኒ ከሎ፡ማዕረ ክንደይ ፍቕሪ ኣይዳ፡ ኣብ ልቡ ሰፊሕ ከምዝነበረ፡ ከም ሮማዲ ሰራውሩ ሰዲዱ ምንባሩ፡ ኣብ ሓሳብ እናሓምበሰ፡ “ኣይዳ ፍልይቲ እያ ነይራ።ብምእሳረይ እየ ከሲረያ…” ክብል ኣብ ተዘኽሮ ኣይዳ፡ጥርን ማይ ጥምቐትን ኣድሂቡ ኣውኺዑኒ እዩ።

ኣብ ጉዳይ ፡ ‘ሕይወት ጓል-ኣስመራ’ ብዙሕ ዝበሃል እኳ ተኮነ፡ናይ ካልእ ግዜ ከይሻመወና ኣብዚ ክዛዝሞ ከለኩ፡መምህር ሰሎሞን ገብረዝጋሄር ‘40’፡ኣብ ኣባሻውል ኣብ ወርሒ ጥርን ኣብ ማይ ጥምቀትን ዘጋነፎም ተጓንፎ፡ ኣብ መርዕዖም ቐንዲ የዕርክቶም ዝነበሩ ዘዕለሉኒ ካልእ ግዜ ምስ ጉዳይ መምህር ሰሎሞን ክምለሶ ክፍት እየ።

ኣካላታ ማሪኩኒ
እዋይ የዕይንታ ኣጥባታ
ሓለንጊ ዝ’ኣክል ቑመታ
ነዊሕ ጸጉሪ ር’እሳ
ክንዲ መጠን ነብሳ
ልበይ ማሪኩኒ ሰዊሩኒ።

ኣብ መገዲ ክትከይድ ሪኤያ
ምስረ’ኣክዋ ወዮ ስዒበያ
ከመዓልኺ ኢለያ ንወይኒ
ዘውር ኢላስ ሰላም ኢላትኒ
ግልጽ ኢላስ ክምስ ኢላትኒ።

ትብል ደርፉ ከኣ፡ያሲን ወዲ ቪያ-ጅዳ ዘጓነፎ ጎንፊ-ፍቅሪ የዕሊሉ ኣይጸግቦን እዩ።ወዲ ተካ ኸኣ፡ ኣብ ግዜ ደርጊ ዝጎበዘ፡ሓለንጋይ መንእሰይ ነዛ ደርፊ፡ ኣብ ቺነማ ኣዝመራ ከባቢ እናሰርሐ ከሎ ዘጋጠሞ ፍቅራዊ ጎንፊ ይዝክረላ እዩ።ደርፍታት ቐደም ኣብ ደም-ሰራውርካ ፈንጦሶም ዝ’ኣትዉ፡ንሓዋሩ ምሳካ ዝከዱ እዮም ክብል ወዲ ተካ ምስኽርነቱ ይህበሉ እዩ።

መቸም ከተማ ማጽዋዕ ዘይፈትዋን ዘይናፍቃን ሰብ ዳርጋ የልቦን።ምጽዋዕ ንዙሮት፡ ምጽዋዕ ንንግደት፡ምጽዋዕ ንስራሕ፡ምጽዋዕ ንክፍወስ ኮነ ንስደት ክገሸላን ዘይረኣያ ከቶ የልቦን ክትብል ዘድፍር እዩ።ምጽዋዕ ሰምሃል እያ።ምጽዋዕ መቐረት-ሕይወት እያ።ምጽዋዕ ኮታ ኩሉ እያ ክትብላ ትደናደን ዕጽብቲ ከተማ እያ።

ንምጽዋዕ ብዙሓት ድምጻውያን ደሪፎሙላ እዮም።ሓሽከት ገጠምቲ’ውን ገጢሞሙላ እዮም።ኣብ ምጽዋእ ሰሊና’ውን ብዙሕ መስዋእቲ ተከፊሉ እዩ።ስለዚ፡ምጽዋዕ፡ተሓሊቡ ዘይውዳእ ታሪካዊ ፍጻሜታት ዘለዋ ድንቂ ወደባዊት ከተማ እያ።

“ብዛዕባ ባጽዕ ትጅምሮ እምበር ተዛሪብካን ጽሒፍካን ኣይውዳ’ኣን እዩ።” ይብሉ ኣቦይ ኪሮስ ተኮኑ፡እሞ ጀሚረ ክገድፎ ተቐሲበ ኣለኩ።

ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 14/2/2016፡ ሓደ ኣዚዩ ኣስተማቃሪ ደርፍታት ቀደም ዝኮነ፡ን’ኣስታት 30-ዓመት ሬዲዮ ብምስማዕ ብዙሕ ዝተረብሓን ዝዓገበን ዓርኺ ኣለኒ።እዚ ሰብ‘ዚ፡ናይ ቀደም ደርፍታት ካብ ሚሒር ሚፍታው ዝተል’ዓለ፡ሰንበት-ሰንበት ቐልጢፉ ንቤቱ ኣቲዩ፡ድምጺ-ሓፍሽ ብኣንኽሮ ይኸታተል እዩ።በዚ ጉዳይ ናይ ቀደም ደርፍታት ኸኣ፡ መራኸቢ ዛዕባ ኣለና እዩ።እሞ ኣብዛ ዕለት እዚኣ፡ደርፊ ሙሉጌታ በየነ፡

“ኣብ ከተማ ምጽዋዕ” ትብል ሰሚዑ፡ስልኩ ይወቕዓለይ።

“ሬድዮ ክፈት፡ሬድዮ ክፈት፡ብደርፊ ሙሉጌታ ፈሊማ ኣላ።እታ ንምጽዋዕ ዝደረፈላ ደርፉ፣መቸም መደብ-ደርፍታት ቀደም ኣመና እዮም ዝዕግቡካ በጃካ ኢለካ…” ቢሉ ክከታተል ምስ ነገረኒ።ኣነ’ውን ቀልጢፈ ነታ ደርፊ ከስተማቅራን ናብ ሕሉፍ እዋን ቁልዑነትና ክምለስ ግዜ ኣይወሰደልይን።

‘ስርሒት ፈንቅል’ ብዙሕ ሕይወት ሰብ እዩ በሊዑ፡ልዕሊ ኩሉ ቆልዓ ኮይና ዝዝከረኒ ከኣ፡ ናይ መማህርተይ ‘ይከኣሎ ሃይለ’ እዩ።ናብ ንግደት ቢሉ ንባጽዕ ምስ ከደ፡ከይተመልሰ ዝተረፈ መማህርተይ፡ ኣመና እስመዓኒ ነይሩ።እቲምንታይ ዝፈልጦን መማህርተይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ‘እድገት’ ወይ ኮምቦኒ፡ ንሱ ብምንባሩ ሃስያ ኣውሪዱለይ ምንባሩ ናይ ትማሊ ተዘኽሮ ኮይኑ እዩ ዝስመዓኒ።

ስለዚ፡ከምቲ ካብ ግዜ ቁልዑነተይ ዝስመዓኒ ስምዒት፡’ፈንቅል’ ክበሃል ከሎ፡ ብዙሕ ዝኽርታት ዕሰል ዕድመይ ኣለኒ እዩ።ደርፊ ሙሉጌታ ከኣ ናታ ግደ ኣለዋ እዩ።ኣስከ ንገለ ክፋላ ነስተማቅሮ ኣንበቲ፡

ኣብ ከተማ ምጽዋዕ

ኣብ ጽብቅቲ ዓዲ፡ከተማ ምጽዋዕ፣
እናተሳለኩ፡ እናበልኩ ቀልባዕባዕ

ምችው ብሩኽ ገጽኪ ኣቢዩኒ ምርሳዕ
ጽቡቅ እዩ ግርማኪ ከተማ ምጽዋዕ።

እዛ ደርፊ፡ንምጽዋዕ ዝፈልጥዋ ኣይኮነን ንዘይፈልጥዋ ብዛዕብ’ኣ ክፈልጡን ክሓስቡን ትገብር ስነ ጥበባዊ ስርሓት ምዃና ዝዛረቡ ቁጽሪ የብሎምን’ዩ።ንዃሊቲ ኸኣ ነዛ ደርፊ ድሕሪ 15 ዓመት ክሰምዓ ስለዝገበረ ብልቢ ኤምስግኖ።

ኣንበብቲ ኸኣ፡ተዘኽሮም ከተካፉልና ተስፋ ይገብር።ንሎሚ ኣብዚ ደው ከብል እሞ፡ ኣብ መበል ሳልሳይ ክፋሉ ብሰላም የራኽበና እብል።