ልኡኻት ኣህጉረ ስብከት ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ምስ ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ቴዎፍሎስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ።

ብፁእ ዲበ ኩሉ ጳጳሽ ኣብነ መቃርዮስ መን እዮም፧ ንዝብል ገለ ንመንነቶምን ግለ ታሪኮም ዘዘንትው፡ጽሑፍ ብቐሺ ማርቆስ ዝተጽሓፈ፡ ገለ ዓመታት ዘቁጸረ ጽሑፍ ኣንቢበ ነይረ እየ።ካብቲ ነዞም ኣቦ እዚ’ኦም ክፈልጠሉ ካብ ዝሓደረኒ ዓሚዩቕ ሰሃሮ፡ብዛዕብ’ኦም ሓበሬታ ክረክብ ረዚን ሃንቃ ካብ ዘሕድር ነዊሕ ኣቁጺረ’የ።በዚ መሰረት፣ ንክረክቦም ብዙሕ ፈቲነ፡ግና ምስ ዘለዎም ዕድመን ጽዕንቶ ሃዋሪያዊ ስራሓውትን ዕማማትን ክሰልጠኒ ኣይከኣለን።

መሳርሕቶምን ኣብ ተመሳሳሊ ዕዮ ወንጌል ዝነጥፉ ኣቦታትን ሙሑራትን ንክረክቦም ዝብሩለይ ጻዕሪ ከየምስገንኩ ኣይሓልፍ’የ።ስጋብ ሕጂ ብናተይ ድካም ክረክቦም ተዘይካ’ኣልኩ እዃ ብተዛዋዋሪ ብዛዕብ’ኦም ሕልፍሕልፍ ቢለ፡ ካብ መቕርቦምን መታዕይቶምን ሓበሪታ’ኦም ይረክብ እየ።

እምበኣር ኣብዚ ሎሚ ቕነ፡ እዞም ኣቦ ዘመሓላላፍዎ መልእኽቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣስማሪኖ ተከታቲለዮ’የ።ግና ዘይፈልጥኩ ወይ ዘይተከታተልኽዎ ዝመሰሎም ሙሑራት ክከታተሎ ግዚ’ዞም ሰዊ’ኦም መልእኽቲ ምስ ሰደዱለይ፡ነቲ ቀሺ ማርቆስ ቕድሚ ሕጂ ክነቦ ቢሉ ሰዲዱለይ ዝነበረ ናይ ገለ ናይ ቓላትን ኣሰራርዓን መባእታዊ ጽገና ብምግባር ሕዝቢ ገለ ብዛዕባ ኣቦና ኣፍልጦ ተሃለዎ ካብዝ ዝብል ናብ ኣንበብቲ ይዝርግሖ ኣለኩ።

ቐሺ ማርቆስ ዝዓበየ ምስጋና ዝግብ’ኦ’ዩ።እቲ ምንታይ፡ ናይዚ ፅሑፍ በዓል-ቤትነት ናቱ’ዩ። ጻዕርን ድካምን እንተላይ ተገዳስነት ዘንቀሎ፡ሓጺር ማህደር ታሪክ ኣቦና ስለዚኮነ ከኣ ምስዚ ናብ ሕዝቢ ኣማሓላሊፎሞ ዘለዉ መልእኽቲ እዋናውነቱ ኣገዳሲ ኮይኑ እስመዓኒ።


ብጹእ ዲበ ኩሉ ጳጳስ ኣቡነ መቃርዮ

ብጹእ ዲበ ኩሉ ጳጳስ ኣቡነ መቃርዮስ ሓደ ካብቶም ናይ ዓለምና ሊቃውንቲ ኦርቶዶክስ ተባሒሎም ዝፍለጡ ምዃኖም ንሃገርናን ንኢትዮጵያን ብሓፈሻ ንቀርኒ ኣፍሪቃን መኹርዒ ፍልጠትን ተወፋይነትን ዝሓዙ ምዃኖም ንልቢ ዘለዎ ሰብ ኩርዓት ኢዮም ።

እዞም ጽባሕ መተካእታ ዘይብሎም፡ ኣብ ሃገርና ብጹእ ዲበ ኩሉ ጳጳስ ኣቡነ መቃርዮስ ኮፍ ኢልካ፡ ስለ ወንጌል ክተውግዕ ከለኻ ቤተ ክርስትያና ከመይ ሃብታምን ዘይመርመርን ዘይብጻሕን ክንደይ ከም ዝተረፈካ ዘኪርካ ስክፍ ኢኻ ትብል፣ ንቃላቶም ክትብርምር ከለኻ እታ ሙሁር ዘይከብረላ በዓቲ ጓሓሉ ኮይና ዘላ ሃገርና ወንጌል ንኽይስበኻን ፍርያታ ንኽይትበልዕ ወሊዳ ንኸይትልእኽን ኣምላኽ ዘይዓደላ ምዃና ቅጅል ይብለካ እሞ ቡዙሕ ዘሕዝነካ።

ብጹእ ዲበ ኩሉ ጳጳስ ኣቡነ መቃርዮስ ፍልጠትን ጸጋን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራሕ ኣይኮነን ኣምላኽ ኣሕዲርሎም ፡ ጸጋታቶም ብግቡእ ክንርኢ፣

 1-ሃፍተ ምምርማር መጽሓፍ ቅዱስ
 2-ሃፍተ ምምሃር መጽሓፍ ቅዱስ
 3- ሃፍተ ሓቅነት
 4-ሃብተ ትብዓት
 5-ሃብተ ክህነት
 6-ሃፍተ ዜማ
 7-ሃፍተ ርሕራሀ
 8-ሃፍተ ቋንቋታት
 9-ሃፍተ ምምዓድ
10-ሃፍተ ምሕደራ

ዝተዋህቡ ኣቦ ምዃኖም ንቤተ ክርስትያና ጽላል ዳዕሮ እኳ እንተኾኑ ግን ናይ ጥንቲ ጸላኢና ሰይጣን እዚ ጸጋ እዚ ከይድፍኣ መጽሓፍ ቅዱስ ከይትግበርን ከይንገርን ምዃኑ ብዙሕ ኢዩ ዘጉህየካ። 

ቡጹእ ዲበ ኩሉ ጳጳስ ኣቡነ መቃርዮስ ዘገርመካ ናቶም ጸጋ ብትሽዓተ ቋንቋታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስባኾም ፍሉይ ኩርዓት ኢዩ ዝስማዓካ። እቶም ክጽሕፍሎምን ከንብብሎምን ዝኽእሉ ቋንቋታት ብዝርዝር ክነግረኩም ።

1- ግእዝ
2- ትግርኛ
3- ኣምሓሪኛ
4- ኮፕቲክ
5- ዓረብ
6- እንግሊዝኛ
7- ኢጣልያንኛ
8- እብራይስጢ
9- ክሪኽ

በዚ ኩሉ ቋንቋታት ክዛረቡን ክሰብኩን ምኽኣሎም ፍልጠቶም ክሳብ ክንደይ ዓሚቅ ሙዃኑ ንኹሉ ርዲእ ኢዩ። ከም ወዮ ኣምሓራ ክምስሉ “ሰው ኣፉ ሲከፈት ጭንቅልጡ ይታያል” እዚ ማለት ከኣ /ሰብ ኣፉ ከፊቱ ክዛረብ ከሎ፡ኣእምር’ኡ ይምዘን ዝብል ተመሳሳልሊ ትርጉም ይህልዎ/ ዝብል ምስላ ኣፎም ክኽፍቱ ዕድል ተረኺብካ ብጀካ ኣቶኩሩ ወንጌል ዘለዎ ቃላት ካብ ኣፎም ክደፍኡ ናብ እዝኒ ኣመንቲ ክጥዕዘብ ከለኻ ብወንጌል ክሳብ ከንደይ ኣካሎም ከም ዝተቃንየን ፍልጠቶም ባሕሪ ውቅያኖስ ምዃኑ ስውጥ ኢሉ፡ ልብኻ’ዩ ዝትንክፈካ’እሞ ደጊም ኣነ ከምዚኦም ሓቀኛ ክርስትያን ክኸውን ኢየ ዝብል ንዘይትበጽሖን ንዘይ ትትግብሮን በይንኻ ምስ በይንኻ ቃል ምስ ኣተኻ ንጽባሒቱ ኣብቲ ናይ ቀደም ሂወትካ ምስ ጸናዕካ ነቶም ዝካኣሎም ጥራሕ ከም ዝካኣሎም ኢዩ ዘፍልጠካ።

ቅድሚ ሙሑር ምባልና ሓዋርያዊ ተልእኹኦም ክንዛረብ ሕልናና ዝደፍኦ ሓቂ ኢዩ ።

ብጹእ ዲበ ኩሉ ጳጳስ ኣብነ መቃርዮስ ኣብ ደብረ ቢዘን፡ ካብ ድቁና ክሳብ ክህነት ከም ዝተማሕሩን ድቁናን ክህነትን ምንኩስናን ኣብ ደብረ ቢዘን ከም ዝረኸቡ መመንኮሲ ስሞም ድማ ኣባ ጴጥሮስ ዝብል ስያመ ከም ዝተዋህቦም ይፍለጥ ። ብጹእ ዲበ ኩሉ ጳጳስ ኣቡነ መቃርዮስ ፡ናይ ቤተ ክርስትያና ትምህርቲ መዝገብ ቅዳሴ ኣብ ዝተፋላለዩ መማህራንን ናይ መዝገብ ቀንዲ፡ ናይ መዝገብ ቅዳሴ ዝኮነ ገዳም ደብረ ኣባይ ከይዶም ከም ዝተማሕሩ’ን ይፍለጥ። ብፁእ ዲበ ኩሉ ጳጳስ ኣቡነ መቃርዮስ ናይ ቤተክርስትያና ናይ ፍልስፍናን ጥበብ ዝፍለጥ ሰዋስው ግሲ (ቅኔ)_ ብግቡእ ከም ዝተማህሩን ከም ዝተቀንዩን ዝፍለጥ ሓቂ ኢዩ ።

ብጹእ ዲበ ኩሉ ጳጳስ ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ ሃገርና ዘሎ ትምሕርቲ ምስ ኣጣነቐቑ ‘ምስዛዘሙ’ ናብታ ኣቐዲማ ወንጌል ዝሃበትናን ናይ ድሕነት ብስራት ዝኣወጀትልናን እኖናን ወላዲትናን ዝኾነት ግብጺ ብ1951 ዓ.ም.ፈ ‘ከማ ዮሃንስ’ ዝተባህለ ገዳም ከም ዝኣተዉ ይፍለጥ።

ብጹእ ዲበ ኩሉ ጳጳስ ኣቡነ መቃርዮስ ብ1959 ናይ ስነ መሎኮት ብማዕረግ ድግሪ ፡ኣብ ግብጺ ክምረቁ ምክኣሎምን ይፍለጥ ።

ካብዚ ብምቅጻል ብ1960 ክሳብ 1964 ድማ ኣብ ሃገረ ቅዱሳን ኢየሩሳሌም ብምኻድ ብማዕረግ ማስተርስ ድግሪ ክምረቁ ምኽኣሎም ክሳብ ክንደይ ኣብ ወንጌል ጽምኣት ከም ዝነበሮም እሞ ጽምኦም ምርዋዮም ንቤተ-ክርስትያና ጉሩምን ድሩብን ዓወት ኢዩ ።

ብጹእ ዲበ ኩሉ ጳጳስ ኣቡነ መቃርዮስ ንብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ቴዎፍሎስ ካልኣይ ፓትራሪክ ዘኢትዮጵያ ናብ ስልጣን ኣብ ዝደየቡሉ ቡዙሓት ዑዱማት ኦርቶዶክስ ናይ ዓለም ስለ ዝነበሩ ንኹሎም በቢ ቋንቋኦም ንህዝቢን ንሊቃውንቲ ኢትዮጵያን እናተርጎሙ፡ ነቶም ዕዱማት ድማ ምስጋና ናይ ሊቃውንቲን ህዝብን እናተርጎሙ ኑኹሉ ወዲ ኣዳም ሊቅነቶም ዘመስከሩላ ዕለት ትፍለጥ እዚ ዝኾነሉ ዘመን ብ1959 ከም ዝነበረ ይፍለጥ ።

ብጹእ ዲበ ኩሉ ጳጳስ ኣቡነ መቃርዮስ ንኢትዮጵያ ቤተክርስትያን ብምውካል ሙሑር ስነ መሎኮት ኮይኖም ብ1962፣ኣብ ፓቲካን ናይ ዓለም ለኸ ሊቃውንቲ ስነ መለኮት ዝተኣከብዎ ከም ምሁር ናይቲ ኣኼባ ተሳታፊ ምንባሮም ይፍለጥ ። ብጹእ ጳጳስ ዲበ ኩሉ ኣቡነ መቃርዮስ ብተማሳሳሊ ንኢትዮጵያ ብምውካል ብ1965 ናይ ሙሁራት ስነ መሎኮት ኣብ ናይጀርያ ሌጎስ ሰሚናር ከም ዝተሳትርፉ ማህደራቶም ይሕብር ።

ብጹእ ዲበ ኩሉ ጳጳስ ኣቡነ መቃርዮስ፡ኣብዚ ዝጠቀስናዮ ግዜ ኣብ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ቅድስቲ ስላሴ ኮለጅ ኣማሓዳርን መምህርን ኮይኖም ከም ዘገልገሉ ይፍለጥ። ብጹእ ዲበ ኩሉ ጳጳስ ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ ኣማሪካ ሃርቫአር ዩንቨርስቲ ከም ዝቀጸሉ ይፍለጥ ድሕሪ ትምሕርቶም ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምምላስ ናይ መንፈሳዊ ኮለጅ መምህርን ናይ ኣማኑኤል ቤተክርስትያን ኣማሓዳርን ክኾኑ ከም ዝተመዘዙ’ውን ሰነዳት ይገልጹ።

ብጹእ ዲባ ኩሉ ጳጳስ ኣቡነ መቃርዮስ ንኢትዮጵያ ብምውካል ናብ ናይ ምብራቅ ኦርቶዶክስ ኣውስራልያ ብ1975 ከም ዘተሳተፉ ይፍለጥ ፡ ከምዞም ኣቦ እዚኦም ብኢትዮጵያውያን ሊቃውንቲ ዝተመስከረሎም ከም ዝነበረ ታሪኾም እኹል እዩ ።ድሕሪ ሰሚናር ናይ ኣውስትራልያ ንኢትዮጵያ ከም ዘይተመልሱ ይፍለጥ ።

ብጹእ ዲበ ኩሉ ጳጳስ ኣቡነ መቃርዮስ ብ1991 ማዓርግ ጵጵስና ወሲዶም፡ ድሕሪ ናጽነት ሃገሮም ብምእታው ነታ ተማዛቢራ ዝነበረት ቤተ ክርስትያን ሓደ ኢልካ ኣብ ምእካብ ዝገበርዎ ተራ ቀሊል ከም ዘይኮነ ክንፈልጥ ይግባእ፣ ኣብቲ ናይ ትማሊ ንእሽቶ ጩራ ዝነበርት ኣብ ቤተ-ክርስትያን ምምሕዳርን ዋና ሓላፍን ከምኡ’ውን ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ብተወሳኺ’ውን ናይ ትምህርትን ስልጠና ካህናትን ሙሉእ ሓላፍነት መዝነት ነዞም ኣቦ ከም ዝተዋህበ ናይ ቀረባ ግዜ ፍጻሜ’ዩ።

ብጹእ ዲበ ኩሉ ጳጳስ ኣቡነ መቃርዮስ ሃገርና ናይ ባዕላ ፓትራሪክ ክህልዋ ጠጠው ኢሎም ዝተቃሎሱ ኣቦ ኢዮም ። ናይ ኦርቶዶክስ ሲነዶስ (ሕጊ) ደምበ ተዋህዶ ናይ ምቋም ሕጊ ቀሊል ተራ ከም ዘይነበሮም ማንም ኣይስሕቶን እዩ ።

ብጹእ ዲበ ኩሉ ጳጳስ ኣቡነ መቃርዮስ ነታ ተወሊዶም ዝዓበዩላ ቤተ ክርስትያን፡ ዘመተን ከም ናይ ብሕቶም ገዛን ኽሓስብዋን ከሳራጠይዋን ብምርኣዮም፡ እቲ ሃፍተ ትብዓት ዝበልናዮ ጸጋ ክትግብሮን ንህግደፍ ብትሪ ብምቅዋሞም ከስርሕዎም ከም ዘይክእሉ፡ እቶም ሸፋቱ ስለ ዝፈለጡ፡ ካብታ ሃገርይ ኢሎም ዝኣተዉላ ዓዲ ወሎዶምን ፡ትውልዲ ዓዶምን ብሓይሊ ከም ዝባረሩ ገበርዎም ሸፋቱ ሃገርና ህግደፍ።

ብጹእ ዲበ ኩሉ ጳጳስ ኣቡነ መቃርዮስ ካብ ሃገሮም ውጹ ዝብል፡ ኣብ ዝተወሰነ ዕለት ስለ ዝተዋህቦም፡ ነቲ ኣብ መንኩስና ዘጽነዖም ኣምላኹም ሓሊፎም ክሰምዕም ዝኽእል ጠጠው ዝበለ ሰብ ስለ ዝፈለጡ ፡ ነቲ ስለ ሃገሮምን ህዝቦምን ክብርቲ ሂወቶም ዘሕለፉ ኣብ ሰጣሕ ጉልጎም መቃብር ሓርበኛታት ጸጸራት ኣስመራ ኣብ ቁሪ ዝደቀሱ ስውኣት ከይዶም “ደቀይ ከይትኸሱኒ ይሓድገኩም ኣለኹ ናብ ስደት ይኸይድ ኣለኹ ዳሓን ኩኑ።” ኢሎም ብብኽያት ኣብ መቃብሮም ኮይኖም ንብዓቶም ከም ዝነጸጉ እሞ ነቲ ካሳብ እታ ግዜ ንሳ ዘኽኣሎም ኣምላኽ ኣኽእለኒ ኢሎም ናብ ስደቶም ከም ዘምረሑ ይፍለጥ ።

ብጹእ ዲበ ኩሉ ጳጳስ ኣቡነ መቃርዮስ ዋላ እኳ ካብ ሃገሮም ይባረሩ እምበር ናይ ሃገሮም ዝነበሮም ፍቅሪ፡ ካብ ልቦም ዘባርር ኣካል ግን ጭራሽ ኣይተረኽበን ። እዚ ፍቅሪ ሃገሮምን ስብ ክማሃር ኣለዎ ብምባሎም ኣብ ስደት ኮይኖም ነታ ዘተባረሩላ ሃገሮም ዓቅሞም ክልጉሱላ ብምኽንያት ኣቡነ መቃርዮስ ግብጻዊት ቤተክርስትያን 400ምእት ሽሕ ዶላር ንኮሌጅ መስርሒ ዝለገስዎን፡ ኣብ ታሪኽ ናይ ኣቡነ ሺኖዳ ዝጠቐስናዮ ጽባሕ ኣብ ኣስመራ ዝዝረበሉ ሓቂ ኢዩ ። እንተኾነ ጳጳሳት ቤተ ክርስትያና ህግደፍ ስለ ዝኾነ እቲ ገንዘብ ኣበይ ከም ዘእተውዎ እቶም ሸፋቱ ኣይፍለጥን’ዩ።

ብጹእ ዲበ ኩሉ ኣቡነ መቃርዮ ሊቃውንቲ ኢትዮጵያዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ሰሜን ኤሜሪካ ዝርከቡ ስለ ጥንተ ኣብሶ ተኻራኺሮም ናይ ሃገሮም ሲኖዶስ ልዕሊ ዓቅሙ ስለ ዝኾነ ጥርቅም ስለ ዝበለ ናብ እኖኦም ግብጻዊ ቤተክርስትያን መንበረ ማርቆስ ኣቡነ ሺኖዳ ዘቅረብዎ ናይ ርዱእና መልእኽቲ ክምልስሎም ግደን ስለ ዝኾነ ብ2010 ብጹእ ዲበ ኩሉን ኣባል ሲኖዶስ ግብጺ ምዃን ጳጳስ ኣቡነ መቃርዮስ ካብ መንበረ ማርቆስ ኣቡነ ሺኖዳ ተላኢኾም ንግብጻዊ ቤተክርስትያን ብምውካል ንኢትዮጵያዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ- ክርስትያን ስለ ጥንተ ኣብሶ ብቋንቋኦም ብኣምሓርኛ ንነዊሕ ሳዓታት ከም ዝገለጽሎም ዝዝከር’ዩ።

እንተኾነ ግን ብገለ ገለ ‘ቆልዑ ኤርትራ’ ወገን፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ዝሸፈቱ ብደጎል ዘሊሎም ኣብ ቤተ-ክርስትያን ኩይጥ ዝበሉ ናይ ሓሶት ጠቀነን ናይ ጸለመ ወረቀትን ናይ ጸልማት ድምጽን ከም ዝዘርገሑን ይዝርግሑ ከም ዘለዉን ንፈልጦ ሓቂ ኢዩ።

ግን ኩሉ ክፈልጦ ዘለዎ ኢትዮጵያዊት ቤተ ክርስትያን ብወግዒ ዝተዋሓበትሉ እኹል መልሲ ዋላ ሓደ ሊቅ ኢትዮጵያዊ ሲኖዶስ ወኪሉ፡ ንናይ ኣቡነ መቃርዮስ ምልሲ ከም ዘይሃበትሉ ክንፈልጥ ይግባእ ።

ነዚ ኩሉ ታሪኽ ክንጠቅስ ዘገደደና ሃዋርያዊ ተልእኾኦም ክፍለጥ ግድን ስለ ዝኾነ ኢዩ።

ብጹእ ጳጳስ ዲበ ኩሉ ካብ ሃገርና ናይ መጀመርታን ናይ መወዳእታን ሙሑር ናይ ስነ መለኮት ምዃኖምን ፈጺምካ ኣብ ሃገርና ዜርካ ምስኦም ዝዳረግን ምስኦም ዝቁጸርን ከም ዘየለ በዚ ዝሓለፈ ታሪኾም ዓጊብኩም ክትኮኑ ተስፋ ይገብር።

ብጹእ ዲበ ኩሉ ጳጳስ ኣቡነ መቃርዮስ ስለ ጥንተ-ኣብሶ ዘለዎም ርዲኢት ፡ ርዲኢት ሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያን ከም ዘለዎም ከምቲ ኣቡነ ሺኖዳን ኣቡነ ጳውሎስን ዝሰበኽዎ ዝተፈልየ ሓሳብ ከም የብሎምን ይፍለጥ ።

ብጹእ ዲበ ኩሉ ጳጳስ ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ ግብጺ’ውን ምስቶም ሊቃውንቲ ዝላዓሉ ቁጽሮም ከም ዝኾነ ንሕና ንምስክሮ  ጥራሕ ዘይኮነ ሊቃውንቲ ግብጺ ከይተረፈ ዝምስክርዎ ሓቂ ምኻኑ ከዛኻኽረኩም ይፈቱ፡ ካብዚ ሓሊፎም’ውን ኣባል ቅዱስ ሲኖዶስ ግብጺ ምኻኖም’ውን ደጊመ ከዛኻኽር ይፈቱ።

ነዚ ናቶም ስብከት ብገለ ገለ ሰነፋት ሰባት ተቓውሞን ናይ መናፍቃን ስብከት ኢሎም ዝሓስቡ ብግብሮም ክርስትያን ዘይኮኑ ዘይምምሃሮም፡ ነታ ኣዲኦም ዝኾነት ቤተ-ክርስትያን ብሊቃውንታ ጌሮም ምጽራፎም ናይ ዕሽነቶም ቃል ብኣፎም በጨቅ ምባሎም ብወንጌል ጥራሖምን ምኳኖም ክንዲ ዘጉህዮም መሊሱ ዘሐጉሶም ቆልዑ ብዙሓት ኢዮም። እዞም ትንሳኤ ዝሪኡ ናይ ለውጢ ሓዋርያ ትንሳኤ ትስዕቦም እበር ብናይ ጥበራ ጸዋዒት ንድሕሪት ገጾም ብጥራሽ ኣይትመልሶምን ።

ጽባሕ ከምዞም ትጉህ ሓዋርያ ዕርፊ ሒዞም ንድሒሪት ዘይጥምቱ ሰማያዊ ራእይ ዘለዎም፡ ኣብ ጸልሞት ኮይኖም ብርሃን ዝሪኡ ንቤተ- ክርስትያን ኤርትራ ከምዞም ኣቦ፡ እዚኦም ተወሊዱላ’ዶ ይርከብ’ዶ፧ዝብል መልሲ ንኹሉ ፈታኒ መልሲ ዘይተረኽቦ ሕቶ ኮይኑ ኣሎ ።

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...