ኣብ መዳጎኒ ስደተኛታት ሆሎት-እስራኤል ብኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ዝተሰርሐት ቲያትራዊት ደኩመንታርይ ፊልም ኣብ መበል 66 በርሊናለ ኣህጉራዊ ናይ ፊልም ፈስቲቫል ንህዝቢ ንምርኢት ቀሪባ

ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 13 ለካቲት 2016 ሰዓት ሸሞንተ ምሸት ነታ ኣብ እስራኤል ኣብ ቤት ማሕቡስ ሆሎት "ኣብ መንጎ ሓጹር" Between Fences" ዝተሰምየት ብኤርትራውያን፣ ሱዳናውያንን እስራኤላውያንን ስደተኛታት ተሰሪሓ፣ ብእስራኤላውያን ኣፍረይትን ኣለይትን ኣቀናበርትን ፊልም ብጽፉፍ ኣገባብ ንምረት ሂወት ስደተኛታት እስራኤል ብፍላይ ከኣ ንኹነታት ማእሰርቲ ሆሎት እተንጸባርቕ ናይ 85 ደቃይቕ ፊልም ብዓቢ ድምቀት መኽፈቲ ተገይሩላ። ነታ ፊልም ክዕዘቡ ሓያሎ ግዱሳት ብቕንያቱ እዮም መእተዊ ካርድ ዓዲጎም ወዲኦሞ። ኣብ መመረቕታ እታ ፊልም ከኣ ወንበራት እቲ ሲነማ ሙሉእ'ዩ ነይሩ።

እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ስራሕ ኣብ ዓቢ ኣዝዩ ግኑን ዝኾነ ኣህጉራዊ ናይ ፊልም ፈስቲቫል ክቐርብ ንመጀመርያ እዋን ብሙዃኑ ዝድነቕ'ዩ። ብፍላይ ኣብ ጀርመን ንሃገረ እስራኤል ዝነቅፍ ምንቅስቓሳት ርኡይ ብዘይሙዃኑ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ንጉድ መንግስቲ እስራኤል ዘቃልዕ ፊልም ኣብ ማእከል በርሊን ንህዝቢ ክቐርብ ዘገርም`ዩ ነይሩ። እታ ፊልም ብቛንቋ እብራይስጥ፣ ትግርኛን ዓረብን ዝቐረበት ኮይና ኣብ ትሕቲኣ ብጽሑፍ መልክዕ'ውን ብቋንቋ እንግሊዝ ዝተተርጎመት እያ። ኣብታ ፊልም ዝስማዕ ሙዚቃ ኸኣ ብውሕሉል ኣገባብን ልስሉስ ኣቀራርባን ከም "ንሰማማዕ ንቑሩብ ጊዜ'ና ኣይኮናን ነበርቲ" ዝብል ናይ ትግርኛ ደርፊን ካልኣ ናይ ቀደም ናይ እስራኤል ደርፍታት ይስማዕ። ኣብታ ፊልም ኤርትራውያን ሕዩራት ሆሎት ብመልክዕ ቲያትር ኣብ ኤርትራ ኣብ ሃገራዊ ባርነት እንከለዉ ዝወርዶም ዝነበረ ጸቕጢን ማእሰርትን ከንጸርቕዎ ይረአ። ገሊኦም ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ሓለፍቲ ጥቕሚ ንዝውዕል ብነጻ ኣይንሽቅልን ስለ ዝበሉ ገሊኦም ከኣ ርእይቶ ስለዝሃቡ ከም ዝተኣስሩን ዝትገርፉን በዚ ኸኣ ሃገሮም ገዲፎም ክስደዱ ከምዝመረጹ ብስነጥበባዊ መልክዕ ከንጸባርቕዎ ፈቲኖም። ንጽምእን ጥምየትን ምድረበዳ ተጻዊሮም ኣብ ኣፍደገ እስራኤል ምስ በጽሑ ብእስራኤላውያን ሓለውቲ ዶብ ዝወርድ ግፍዒን  ኣብ ማእከል ተልኣቪቭ ዘሎ ዓሊትነትን'ውን ኣብታ ፊልም ተናኺፎሞ እዮም። 

ተዓዘብቲ ኣብ ዕለተ መኽፈቲ'ታ ፊልም ብዓቢ ልቦናን ተመስጦን እዮም ነታ ደኩመንታርይ ፊልም ተኸታቲሎማ። ድሕሪ ትዕዝብቲ እታ ፊልም፣ ነታ ፊልም ዘዳለዉን ኣብኣ ዝተዋሱኡ እስራኤላውያንን ናብ መድረኽ ብምውጻእ ምስ ህዝቢ ተላልዮም። ዘሕዝን ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብታ ፊልም ዝተሳተፉ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ካብ እስራኤል ክወጹ ስለዘይከኣሉ ካብ መንግስቲ እስራኤል ፍቓድ ስለዘይረኸቡን ኣብ'ቲ ስርሖም ምስ ህዝቢ ዝተላለሉ ዕለት ክርከቡ ኣይከኣሉን። ኣብ ክንዲ ኩላቶም ግን ኣቕራቢ እታ ፊልም ኣቢ ሞግራቢን ኣልዩ እታ ፊልም ኸምን ብዛዕባ'ታ ዘቕረብዋ ስራሕ ንህዝቢ ብዝርዝር ኣቕሪቦምን ካብ ህዝቢ ሕቶታት መሊሶምን። 

ኣቕራቢ እታ ፊልም ኣቡ ሞግራቢ ብዛዕባ እቶም ኣብ ሆሎት ዘለዉ ስደተኛታት ክዛረብ ሕንቕንቕ ኢሉ ንብዓት ስለዝሰዓሮ ክገልጽ ኣይከኣለን ብፍላይ ኣብቲ ምሸት ኣብቲ ኣደራሽ ተረኺባ ዝነበረት በዓልቲ ቤት ሓንቲ ካብቶም ተዋሳእቲ ኤርትራውያን ምስ ረኣየ ከም ህጻን'ዩ ተነኽኒኹ ነቢዑ። ናብ መድረኽ ጸዊዑ ናብ ህዝቢ ምስ ኣቕረባ ኸኣ ኩሉ ተዓዛቢ ተደፋኒቑ ኣብ ፍሉይ ስምዒት ኣትዩ። ኣብ መወዳእታ ካብ ህዝቢ ምስጋናን ኣድናቖትን ተቐበሉ'ሞ ናይቲ ምሸት መደብ ተዛዘመ። እንተኾነ ድሕሪ'ቲ ፊልም ኣብ ካልእ ቦታ'ውን ንመመረቕታ ኣብ ዝተዳለወ ጽምብል ሓያሎ ዕዱማት ተረኺቦም ክዘናግዑ ኣምስዮም። 

በርሊናለ ኣህጉራዊ ናይ ፊልም ፈስቲቫል ዓመታዊ ኣብ በርሊን ዝካየድ ኣዝዩ ተፈላጥነት ዘለዎ ዓበይቲ ናይ ሆሊ ዉድ ተዋሳእቲ ከይተረፈ ስርሓቶም ዘቕርብሉ መድረኽ'ዩ። እዛ ኣብ እስራኤል ፈርያ ዘላ ኣብ መንጎ ሓጹር ዝተሰምየት ደኩመንታርይ ፊልም ኣብዘን ዝቕጽላ መዓልታት'ውን ንህዝቢ ክትቀርብ'ያ። በርሊናለ ናይ ፊልም ፈስቲቫል ከኣ ክሳብ 21 ለካቲት 2016 ንህዝቢ ክፉት ኮይኑ ክቕኒ እዩ። 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...