ሆላንዳዊት ፕሮፈሶር ሚርያም ፋን ራይሰን: ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራውያን

ሕሰም ሓውኻ ወዲ ዓድኻ ካባኻ ሓሊፉ ጓና ክሓመሉን ከይደቀሰ ክሓድረሉን እንከሎ "ዘመን ግርምጥ ማይ ንዓቐብ" ዝበሃል ምስላ ኣበዋት ዝክር ይብለካ። ሎሚ ቕነ ካብ ሆላንድ ክነፍስ ዝቐነየ ክሲ ሓደ ኤርትራውን ተኸሳሲት ሆላንዳዊት  ፕሮፌሰርን ንሓያለ ሰብ ሕልና መዓንጣ ከብዶም ቀሪጽዎም ቀንዩ ነይሩ። ከመይ'ሲ ኩሉ ኣካውኑኡ ዘሕፍር ስለዝነበረ ።

ኣብ ኤርትራ ወዲ ሰብ ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት ከምዝቕየድ ዓለም ብሙሉኣ እትፈልጦ ሓቂ ክነሱ፣ ነቶም ኣብ ፍርዲ ከይቀረቡ ዝሓቐቑ የሕዋቱ ኣብ ክንዲ ምሕታትን ብኹነታቶም ከይደቀሰ ምሕዳርን ተገልቢጡ፣ ንሓንቲ ብዛዕባ'ዞም ፍትሒ ዝተሓረሞም ዝሓመመት ጓና፣ ናብ ፍርዲ ከቕርባ ኣሎ ዝበሃል ጠበቓ ቆጺሩ ላዕልን ታሕትን ክብል ኣዝዩ ጽዩፍ ንኽብሪ ኤርትራውነት ዝትንክፍ ነውሪ ብኣቶ መሰረት ባህልቢ ቅድመ ኣቦ ወንበር መንእሰያት ህግደፍ ዝነበረ ትያትሮ ክስራሕ ተዓዚብና። ኣቶ መሰረት ግን ገንዘቡን ጠበቑኡን ነቶም ድምጺ ዝሰኣኑ ደቂ ሃገሩ እምበር ነታ ንምእንቲ መሰል ደቂ ዓዱ እትቃለስ ቅንዕቲ ሰብይቲ ከውዕሎ ኣይግባእን ነይሩ። 

መሰረት ባህልቢ

ወዮ ደኣ ልቢ ሓደ ሓደ ሰብ ብነብሱ ድፉን ኮይኑ እምበር ፣ኣቶ መሰረት ኣብ ራድዮ ቃለ መሕትት ብዛዕባ ማሕበረይ ሕማቕ ተዘሪቡ ብምባል ጥራሕ ክሳብ ክንድዚ ናብ እንዳ ዳኛ ዘብ ዘብ ዝበለስ ኣብታ ገነት ደቂ ኣዳም ዝብላ ኤርትራ ሃገሩ ንዓመታት ብዘይፍርዲ ዳኛ እንተዝቕየድስ እንታይ ኮን ምበለ? እንዲዒ'ምበር ሓንቲ ለይቲ ኣይምሓደረን ምዓበደ። ሆላንድ ግን ዓዲ ኮይናስ በሰንኪ ናይ 2 ደቓይቕ ናይ ራድዮ ቃለመሕትት ጭንቀት ስለዝገበረ ጉዳዩ ኣብ ቤት ፍርዲ ክትርእየሉ ተቐቢላቶ። ዕድለኛ ኮይኑ ረኺብዎ። እዛ ምዛ ናቱ ዕድል ግን ንደቂ ሃገርሩ ኣይተመነየሎምን። 

ኣቐድም ኣቢለ ኣቶ መሰረት ክብርታት ኤርትራ ከምዝጸየቐ ኣተምቢሀ ነይረ። እወ፣ ከመይ በሉ፣ ኣብ ሃገርንና ናይ ሰብ ገንዘብ ከም ጋር ነብስን ሓረጣን ምብላዕ ነውሪ እዩ። ዘይገንዘብካ ምምናይ'ውን ዓገብ'ዩ። ኣቶ መሰረት ግን መሰረት ብዘይብሉ ባህ ዘይብል ክሲ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ዩሮ ናይዘን ሆላንዳዊት ወይዘሮ ክበልዕ ተመንዩ። ተመንዩ ጥራሕ ዘይኮነ'ውን ተንቀሳቒሱ። ኣቶ መሰረት እቲ ኣብ ጋዜጣታት ሆላንድ፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ፖለቲካ ሽግር የብሎምን ጉዳዮም ናይ ቁጠባ ጸገም እዩ ክብሎ ዝሓገየ።መን ብጸገም ገንዘብን ቁጠባን ይሳቐ ከምዘሎ በዘን ክበልዕን ዝሓሰበ ካሕሳ ተኸሺሑ'ሎ። ጉዳይ መሰረት ባህልቢ ጉዳይ ቁጠባን ብሰበብ ካሕሳ ዘይሰራሕካሉን ዘይረሃጽካሉን ገንዘብ ምኽዕባት'ዩ። እቲ ዝገርም ንማሕበር መንእሰያት ህግደፍ ማለት YPFDJ ከም ሓደ ባህላውን ስፖርታውን ምንቅስቓስ ዝገብር ማሕበር ከላልዮ ምፍታኑ እዩ። ሎሚ ግን እዚ ማሕበር'ዚ ዓይኒ ኣፍንጫን እዝንን ናይ'ቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ምልኪ ሙዃኑ ጭሩ ከይፈለጠት ፈሊጣቶ እያ።

ፍትሒ ንባዕላ ኢላ ኣብ ዓዲ ፍትሒ ቅኑዕ ምፍራዳ ኣይተርፋን'ዩ። ህግደፍ ብመንገዲ ኣቶ መሰረት ኣቢሉ ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ ባጀት ሰሊዑ ንተቓለስቲ ኣብራኾም ክሰብር እንተተንቀሳቐሰ ንውርደቱ እዩ። ሓቂ ብዝሒ ገንዘብን ትሪ ቀላጽምን ኣይግድሳን እዩ። ኣብ እዋና ፈንጢሳ እያ እትወጽእ። ወይዘሮ ፕሮፌሰር ሚርያም ከኣ ልሳን ህዝቢ ኤርትራ ስለዝኾነት ኣሽሓታ ብወረቐት ዩሮ ዘይኮነ ብውጹዓት ኤርትራውያን ነብሳት እዩ ዝልካዕ። ተግባር ኣቶ መሰረት ግን ንሓያሎ ኤርትውያን ኣቖጢዑን የሕፊሩን እዩ'ሞ መምሃርን ኣይግበርክካ መምሃርን ኣይኽላኣካ ስለ ዝኾነ ካብ ክብረትና ተበጊስና ህዝብና ዝኸብረሉ ስራሕ ንስራሕ። ከደምቲ መለኽቲ ውሽጣዊ ሓርነት የብሎምን ብነብሰ ምትሓት ከኣ ይሳቐዩ።

ዘካርያስ ክብርኣብ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...