መፈለምታ መግዛእቲ ጥልያንን ኣብ መስርሕ ዝተኻየደ ለውጥን።

ብዛዕባ እዚ እዋን እዚ ዝምልከት ጽሑፋት እንተተመልከትና፣ ብሓፈሻኡ “መንነት ኤርትራን ኤርትራውነትን ብግዜ ጥልያን እዩ ተጀሚሩ። እዚ ድማ ነታ ግዝኣት ስለዝሓንጸጸን ነቲ ሕዝቢ ድማ ኣብ ሓደ ኣኪቡ ብማእከላዊ መንግስቲ ስለዝገዝአ እዩ” ዝብል መደምደምታ ብሓቂ ኣሎ። ኣብቲ ዝርዝር ዝኣትዉ ጸሓፍቲ ግን ወጻእተኛታት ብፍላይ ድማ ኢጣልያውያን ድኣምበር ካብ ኤርትራውያንሲ ዉሑዳት እዮም። ማለት ኣብ ኣስታት 60 ዓመት ግዝኣት፣ ኣብ ዓዲ ጥልያን ይኹን ኣብ ኣህጉራውያን ኣብያተ መጻሕፍቲ፣ ዝኣክል ምንጭታት ስለዘሎ እዩ እዚ ዝጥቀስ ዘሎ።

መግዛእቲ ጥልያን ብወግዕን ሕጋውን መጸዋዕታ ኣብ መፈለምታ 1890 እዩ ተጀሚሩ። እቲ መበገሲ ግን መርበብ ስወዝ ኣብ ምስሪ ወግዓዊ ምኽፋትን ምስኡ ክመጽእ ዝኽእል ንግድን ካልእን ትጽቢት ዝተኻየደሉ ብ1869 ኔሩ። ብታሕሳስ 1869 ጁሰፐ ሳፐቶ ዝተባህለ ቀሺ፣ ንሩባቲኖ ናይ መርከብ ኩባንያ ብምውካል (እዚ እውን ብድሕሪኡ እቲ ይጠራጠር ዝነበረ መንግስቲ ብምውካል)፣ ካብ ክልተ ሹማምንቲ ደንከል ብ6,000 ማሪያ ተረዛ ገንዘብ ንወደብ ዓሰብ ገዝአ። ሓደ ዓመት ጸኒሑ ድማ (ንዓዱ ተመሊሱ ኔሩ) ካብ ሓደ ሱልጣን ናይ ራሒጣ ካብ ወደብ ርሕቕ ንዘበለ ቦታ እውን ስምምዕ ፈረመ። ንዓሰርተ ዓመት ዝኣክል ክሳብ 1880፣ ኣገዳስነት ግዝኣታት ኣብ ዓዲ ጥልያን  ኣብ ባይታ ዋላ ሓንቲ ለውጢ ከይተረኽበ ጸንሐ። ዲሒሩ መንግስቲ ጥልያን ንወደብ ዓሰብ ካብታ ናይ መርከብ ኩባንያ ብ1882 ድሕሪ ምግዛኦም እውን እቲ ወደብ ብዘይ ጥቕሚ ደው ዝበለሉ ዓማውቲ እዩ። ጁሰፐ ሳፐቶ “ዓሰብን ነቐፍታን” Assab – I suoi Critici ዘርእስታ መጽሓፍ ጺሒፉ ካብ ታሪኽ ናይቲ ከባቢ ተኣልየን ሃሲሱ ተረፈን። 

ኣብ መንጎ እዚ ዘይተሓስበ ጉዳይ ማለት እቲ ብዕዳ ዓቕሉ ጸቢብዎ ዝነበረ ግዝኣት ግብጺ ክወድቕ ተቓረበ። ኣብ ልዕሊኡ ዝገዝኡ ዝነበሩ እንግሊዝ ኣብቲ ከባቢ ናይ ኣፍሪቃዊ ግዝኣት ስልጣን ዝወስድ ሃጋፍ ክርከብ ኣይደለዩን። ምኽንያቱ እታ መወዳድርቶም ፈረንሳ፣ ናይ ምዕራብ ኣፍሪቃ ግዝኣታት ዊሒድዋ፣ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ መጺኣ ንጁቡቲ ሒዛ ስለዝነበረት። ስለዚ በዚ ስጉምቲ እዚ ተተባቢዓን፣ ዝምድና እውን ምስ ነጋውስ ኢትዮጵያ ስለዝነበራን ኣብቲ ከባቢ ምእንቲ እግሪ ከይትተክል፣ እንግሊዝ ብናይ ፖለቲካዊ ናይ ሚዛን ጸወታ ጥልያን ግዝኣት ክህልዋ መረጹ። ስለዚ ድማ ኣብ ምጽዋዕ እቲ ናይ ግብጺ ኣጽዋር ዘለዎ ቦታን ሓይልን ብምሕባር ንሰራዊት ጥልያን ስለዝነገሩ እቲ ወደብ ብዘይ ናይ ሕይወት ኪሳራ ክትሓዝ ተኻእለ።

ጥልያን ካብ ገማግም ባሕሪ ንከበሳ ይድይብ።

ጥልያን ንገለ እዋን ኣብዚ ናይ ባሕሪ መሬት ድሕሪ ምጽንሖም ናብ ሰሜናዊ ምዕራብ ማለት ሰምሃርን ሳሕልን ክኣትዉ ጀመሩ። ብ1888 ኣቢሉ ጥልያን ምስ ትግረ፣ ሓባብን ናይ በንዓሚር መራሕቲ ርክብ ገበሩ። ነቲ መግዛእቲ ወግዓዊ ምእንቲ ክኸውን ድማ ናይ መጉዝትነት (protectorate) ስምምዓት ምስዞም መራሕቲ ገበሩ። (1)ብጥልያን እቲ ስም ናይቲ ቦታታት ኮሎኒ ዘይኮነስ “ትሑዝ” ጥራሕ በልዎ። ኩሉ እቲ ቦታ ድማ ሓደ ካብቲ ሓደ በበይኑ ዓይነት ኮይኑ ረኸብዎ። ካብ ምጽዋዕ ክሳብ ዓሰብ ካብቲ ንሰሜን ምጽዋዕ ክሳብ ፖርት ሱዳን በበይኑ ኮይኑ ረኸብዎ።

ኣብዚ ልዑል ዋዒ ዘለዎ ነዊሕ ናይ ባሕሪ መሬት ካብ ምጽዋዕ ክሳብ ዓሰብ እካ እንተሓዙ ናብቲ ዝያዳ ዝሕል ዝበለ ከበሳ ክድይቡ ደለዩ። ምኽንያቱ ዓሶን፣ ታይፎይድን፣ ናይ ጸሓይ ማህረምቲ (heatstroke) ኣብ ዓሳክሮም ተራእየ። እንተኾነ ግን ከበሳስ ክኣትውዎ ኣይከኣሉን። ምኽንያቱ ኣብዚ ናይ ምስፍሕፋሕ ፈተንኦም በታ ማእከልነት ግዝኣታ ኣብ ትግራይ ዝነበረት ኢትዮጵያ ቁልጡፍ ተቓውሞ ብ1887 ኣጋጠሞም። እዚ ንባዕሉ ዝኸኣለ ዛንታ ክነሱ ኣብቲ ከባቢ ብሓጺሩ ዘጋጠመ እዚ ዝስዕብ እዩ።

ካብቲ ናይ ባሕሪ ቦታ በብቑሩብ ንላዕሊ እናኸዱ ነቶም ኣብቲ እዋን ዝነበረ ንናይ ሃጸይ ዮውሃንስ ወኪል፤ ራእሲ ኣሉላ ዝጸልኡ ሹማምንቲ እናረኸቡ ተበገሱ። ቀስ ኢሉ ክዕዘቦም ዝጸንሐ ራእሲ ኣሉላ ብ1887 ኣብ ዶግዓሊ ጥቓ ምጽዋዕ ዓሪዱ ጸኒሑ ኣስታት 500 ዝኾኑ ናይ ጥልያን ወተሃደራት ኣጥፍኦም። ናይዚኦም መዘከርታ ኣብቲ ቦታ ጥልያን ዝሰርሖ ሓወልቲ ኣሎ።

ኣብ መንጎ እዚ ታሪኽ፣ ንናይ ጥልያን ናይ ምስፍሕፋሕ መደብ ዝሕግዝ ክስተት ተፈጥረ። ሃጸይ ዮውሃንስ 4ይ ብ1889 ኣብ መተማ ምስሞቱ፣ ጽልዋ ትግራይ ትሒቱን ማእክልነት ስልጣን ኢትዮጵያ ካብ ትግራይ ናብ ሽዋ ሰገረ። ሚኒሊክ ንጉስ ሽዋ፣ ካብ 1887 ኣትሒዙ፣ ኣጽዋር እንተድኣ ረኺቡ ገለ ክፋል መሬት ክገድፍ ከምዝደሊ ሓቢሩ ነበረ። ስለዚ ድማ ጥልያን ኣጽዋር ሃብዎ። (2) ኣብዚ ኣጋጣሚ እዋን ድማ፣ ሚኒሊክ ታሪኻዊ ውዕል ውጫለ፣ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ጥልያንን ብግንቦት 1889 ፈረመ። በዚ ኣጋጣሚ እዚ ድማ ጥልያን ብቕልጡፍ ናብ ሓማሴን ብምእታው ናብ ከበሳ ትግራይ ኣምርሑ።

ኣብቲ እዋን ዝነበረ ናይ ሎሚ ቦታ “ኤርትራ” ዝበሃል ስም ኣይነበሮን። ከምቲ ሕግታት እንዳባ ዝምስክሮ ኣቦታት በብኣውራጃኦምን ከባቢኦምን ሕግታት ኣውጺኦም ይመሓደሩ ነበሩ። ግንከ ማእከላይ መንግስትስ ኣይነበረን። ኣብዚ ቅድሚ እዚ ኩነት እዚ ዝነበረ ዝምድና ኣይኮነን ዝትንትን። ካልእ ኣርእስቲ ስለዝኾነ። እንታይ ድኣ ሚኒሊክ ዘይናቱ መሬት፣ ግንከ ዝኣክል ጽልዋ ዘለዎ ማለት ካብ ትግራይን ጎንደርን ሰሰጊሮም ዝገዝኡን ዘገብሩን ዝዘርፉን ምስሌነታትን ተኸተልትን ነገስታትን ዝነበርዎ መሬት ስለዝጸሉን፣ ዝለዓለ ንጉሰ ነገስት ስለዝኾነን ነዚ ኣብ መንጎ ክልተ መንግስታት ዝተገብረ ውዑል ብስም ኢትዮጵያ ክፍርም ኪኢሉ። በዚ ስምምዕ መሰረት ድማ ኪኖ መረብ ዝኾነ መሬት ንጥልያን ክወሃብ ኣብቲ ስምምዕ ተበጽሐ።

በዚ ኩነት እዚ ኣብ ልዕሊ ከምዝተገልጸ፣ እቲ ካብ ምጽዋዕ ክሳብ ዓሰብ፣ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ድማ ምስ ሓባብን በንዓምርን ትግረን ዘገብሮ ስምምዓት ተውሲኹ ጥልያን ነዛ ሕጂ ብኤርትራ ትፍለጥ ዘላ መሬት ብወግዒ ሓዘን ናይ ዶብ ምሕንጻጽ ስጉምታታት ወሰደን። ነዛ ግዝኣት ድማ “ኤርትራ” ዝብል ስም ኣጠመቓ። እዚ ካብቲ ናይ ላቲን “ቀይሕ ባሕሪ” ዝትርጉሙ ክኸውን እንከሎ ነቲ ኣብዚ ባሕሪ ዝርከብ ቀይሕ ዝሕብሩ ተኽሊ ስለዝነበረን ዘሎን ብምንጽብራቕ እዩ ብኸምዚ ተጸዊዑ። ናይ ጥንቲ ግሪኻውያን ናብዚ ቦታ እዚ ዝገብርዎ ዝነበሩ መገሻ ዝዘንቱ  Periplus of the Erythraean Sea  ዝብል መጽሓፍ ጽሒፎም ነበሩ። ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ድማ እቲ ከባቢ ባሕሪ ኤርትራ ይብሃል ከምዝነበረ ግንከ ንህንዳዊ ውቅያኖስን ወሽመጥ ፋርስን የጠቓልል ከምዝነበረ ርጉጽ መረዳእታ እዩ።

መንግስቲ ጥልያን ወተሃደራዊ ምሕደራ ኣብ ኤርትራ ይተክል።

ብንጉስ ኡምበርቶ ተደጊፉ መንግስቲ ጥልያን፣ ከም ኣማሓዳሪ ኤርትራ፣ ብጭካንኡን ወሳንነቱ ፍሉጥ ዝነበረ ኣንቶንዮ ባልዲሰራ ዝበሃል ጀነራል ሾመ። መሬቶም ዝተሓድጉ ኤርትራውያን መንእሰያትን ካልኦት ኣብ ናይ ጥልያን ቦታታት ስራሕ ዘይነበሮም ድማ ኣብ ናይ ወተሃደራውነት (ዕስክርና) ብፍርቂ ዋጋ ደሞዝ ናይ ሓደ ጥልያን ምምዝጋብ ጀመሩ።

ጥልያን ኤርትራ ጆግራፊኣውን ብሔራውን ፍልልያት ዘለዋ ኮይና ጸንሐቶ። ኣስመራ ዝማከሉ ከበሳ ናይቶም ትግርኛ ዝዛረቡ (ቅድሚ ጥልያን ግን በብኣውራጃኦም ዝስመዩ ዝነበሩ) ስግር መረብ ዝቕመጡ ደቂ ከበሳ ረኸበ። እዚኣቶም ኣብቲ ትሕቲ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ዝማከሉ ሃይማኖቶም ክኾኑ እንከለዉ ምስ ኣምሕራን ናይ ወሎ ኦሮሞ ኮይኖም እቲ ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበረ ከም ሓበሻ ዝፍለጡ ነበሩ። ኣብ ምዕራባዊ ቆላ ዝነብሩ በንዓመር፣ ሓባብ፣ መንሳዕ፣ ማርያ፣ ባዛ፤ ኩናማን ቢለንን ካብ ወረራን ግፍዕን ናይ ካብ ትግራይ ዝዋፈሩ ዝነበሩ ሰራዊታት ግዳያት ስለዝነበሩ ኣብ ድሕሪ ሰራዊትን ስልጣንን ጥልያን ዕረፍቲ ረኸቡ። ኣብዚ እስልምና ዝበዝሖ ቦታ ክኸውን እንከሎ ኣዝዩ ውሑዳት ናይ ካቶሊክን ከኒሻን ኣማንቲ እውን ነበርዎ። ሳሆ ኣብቲ ውዑይ ደቡባዊ ምድሪ ባሕሪ፣ ዓፋር ድማ ኣብ ጻዕጻዕ ጸሓይን ዘሕርር መሬትን ዝርከቦ ደንክል ስለዝነበሩ ብሰንኪ ናይዚ ዘይምቹእ ጆግራዊኣዊ ኣሉታውነት ብጽልዋ ናይዚ ፖለቲካዊ ጉዳያት ዳርጋ ከይተተንከፉ ተረፉ። እዚ ኣስማት ኣዚ ድሓር ብወግዒ እንተተተከአ፣ ኣብ መጻሕፍትን ምንጭታትን ናይቲ እዋን ግን በዚ ኣስማት ስለዝግለጽ ብኸምኡ ይትንተን ኣሎ።

ናይ ምጽዋዕ ህልቂት ጉዳይ።

እዚ ማለት ግፍዕን ማእሰርትን ጭካነን ኣይነበረን ኣይኮነን። ጀነራል ኣንቶንዮ ባልዲሰራ ናብ ኤርትራ ምስተላእከ ንሱ እዩ ንመጀመርታ ኣስመራ ካብ ናይ ራእሲ ኣሉላ ወከልቲ ዝሓዘ። ጸኒሑ እውን ንከረን ኣተወ። ኤርትራውያን ወተሃደራት መልመለን ሕርሻታት ኣማዕበለን (ኣብ ትሕቲ ጠላይን) መንገድታት ኣውን ሰርሐ። እዚ ሓላፊ ናይ ኤርትራ ዝተሾመ ጀነራል ባልዲሰራ ነቶም ኣብ ትሕቲኡ ዝነበሩ ሹማምንቲ ኣንጻር ሚኒሊክ ናይ ሽዋ (ከፋፊልካ ግዛእ) ክድርኾም ጀመረ። ንጸጥታ ኣስጋኢ እዮምን፣ ከዳዓትን ክሃድሙ ዝተረኽቡን እናበለ ናይ ምጽዋዕ ኣብያተ ማእሰርቲ ሰብ መልኦ። እቶም ሓለፍቲ ጠላይን ከይተረፉ እምቢ እንተበሉ ብናይ ሂፖፖታሙስ ቆርበት ዝተሰርሐ (ኩማጅ) “ቁርባሽ” እናኸትኸተ ቆርበቶም ክሳብ ዝቕለጥ ከምዝህረሙ ይገብር ነበረ። ናይ ዊኪፕድያ ገጽ ነዚ ጉዳይ ብምጥቃስ ተወሳኺ ከምዘድልዮ ትዕዝብቲ ተጌሩ ኣሎ። 

እዛ ብመሬታ ንቕጽቲ ግን ከም ኤደን እትቑጸር ዝነበረት ሃገር እንታይነታ ካብ መንግስቲ ጥልያን ተሓቢኡ ገለ እዋን ሓለፈ። ጸኒሑ ግን መንግስቲ ጥልያን ሓደ ዓቢ ጉድ ማለት ክልተ እሙናት ዝነበሩ ኤርትራውያን፣ ሓደ ኣስላማይ ነጋዳይን ሓደ ናይ ሓደ ፍሉይ ቦታ ሽሙን፣ ብኽድዓት ተኸሲሶም ንሞት ተፈሪዶም ዝብል ዜና ናብ ዓዲ ጥልያን በጽሐ። ነዚ ጉዳይ ንምጽራይ መጽናዕቲ ኣብ ልዕሊ አተኮለ ካኛዚ፤ ናይ ኤርትራ ናይ መግዛእታዊ መንግስቲ ዋና ጸሓፊን ዳርዮ ሊቭራጂ ዝተባህለ ናይ ነበርቲ (natives) ፖሊስ ሓላፍን ምስተጀመረ፣ ዳርዮ ሊብራጂ ቀልጢፉ ናብ ስዊዝ ሃደመ። ዊኪፒድያ ብቃንቃ ጥልያን እዚ ህልቂት እዚ ኣብ ዓዲ ጥልያን ብናይ ሊቭራጂ ጉድ ተባሂሉ ከምዝተጸውዐ ይገልጽ።

ኣብኡ ኮይኑ ናይቲ ዝገበሮ ግንከ ብወግዒ ዘይተፈለጠ ዝነበረ ጉዳይ ዝርዝር ናብ ናይ ሚላኖ ጋዜጣ ለኣኸ። እዚ ናይ ፖሊስ ሓላፊ ስለምንታይ ክቃላዕ ከምዝወሰነ ብሩህ ኣይነበረን። እቲ ዝርዝር ዝተቐበሉ ናይ ኢል ስኮሎ ጋዜጣ ሓለፍቲ ቅድሚ ምሕታትሞም፣ ሰምቢዶም ንመረጋገጺ ክኸውን ምእንቲ ናይ ባዕሎም ጋዜጠኛ ናብቲ ቦታ ማለት ንምጽዋዕ ለኣኹ። እቲ ጋዜጠኛ ከይዱ ዝረኸቦ ውዕውዕ ዘብል ዛንታ ንኹሉ ኣገረመ።

ሃብታማት ኤርትራውያን፣ ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ከይተረፉ፣ ኣብ ደልሃመት ጸልማት ለይቲ ይስወሩን ኣበይ ከምዝዓለቡ ከምዘይፍለጥን ናይ ከተማ ምጽዋዕ ፍሉጥ ምስጢር ምኻኑ እቲ ናፖለዮነ ኮራዚ ዝተባህለ ጋዜጠኛ ኣቃልዐ። ብናይ ሊቭራጂ ፖሊስ ተታሒዞም ብጥይት ይርሸኑን፣ ብዳርባ እምኒ ይቕተሉን፣ ሽዑ ሽዑ ድማ ኣብ ከባቢ እቲ ከተማ ዝርከብ ቦታ ብቑልጡፍ ዝተፋሕረ ቦታ ይቕበሩ ምህላዎም ሓበረ። ገሊኦም ድማ ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ  ይቕጥቀጡን ኣብኡ ከምዝሞቱን ነገረ። እዚኣቶም ብጸጥታ ምኽንያት ዘይኮነስ ብልሽውና ዘጥቀዖም ሓላፍቲ ጥልያን ንብረቶም ምእንቲ ክወስዱ ዝገብርዎ ከምዝነበሩ ብሩህ ኮነ። ሕሉፍ ሓሊፉ ናይቶም ብቐጻሊ ክእሰሩ ዝኾኑ ሰባት ዝርዝር ኣስማት ኣብ ናይ ካኛዚ ቤት ጽሕፈት ከምዝተረኽበን፤ ሊቭራጂ ባዕሉ ነዚ ዘይሕጋዊ ቅትለት ባዕሉ ከምዝገበሮ ነገረ።

እቲ ጋዜጠኛ ነቲ ጉዳይ ብስእላዊ ኣገባብ ብምዝርዛር ሓደ ናይ እስላማዊ ሼኽ ንለቨራጂ ክልምኖን ሊቭራጂ ድማ ክትኩሰሉን ሽጋራ እናሰተየ እቲ መቓብር ክኮዓትን ምስተወደአ ድማ እቲ ዝተፋሕረ መሬት ምእንቲ ክድብደብ ፈረሱ ኣብ ልዕሊኡ ከምዝኸየድን ከይተረፈ ጸሓፈ። (7)

እዚ ዛንታ እዚ ምስተሓትመ ናይ ሊቨራጂ ናይ ገዛእ ርእሱ ምልፍላፍን ግብሩ ምቅላዕን ድማ ዝያዳ ካልእ ክስተት እውን ተወሰኸሉ። ኣብ ልዕሊ እዚ ቅትለታት እዚ እቶም ጠላይን ነቶም ንዕስክርና ዝኣተዉ ደቀባት ኤርትራውያን ተዋጋእቲ ምእንቲ ነቲ ናይ ግዝኣት ስርዓት ምእንቲ እሙናት ክኾኑ ብሓይልን ብምፍርራሕን ከምዘውርዱሎም እውን ተጋህደ። ብናይ ምጽዋዕ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ትእዛዝ ተቐቲሎም ኣብ ናይ ሓባር መቓብር ይቕበሩ ከምዝነበሩ ተነግረ። ኣስታት 800 ዝኾኑ “ዝኣበዩ” በዚ ኣገባብ ብምቕታል ነቶም ዝተረፉ ዘስካሕክእ ድማዊ ኣብነት ኮኖም። ዘመናዊት ጥልያን ነዚ ዝተረኽበ ክስተት ድሕሪ 100 ዓመት ኣብ ጋዜጣ ብምዝካር ኣውጺአቶ።  

ንዓሰርተታት ዓመታት ብዛዕባ እታ ቀዳመይቲ ግዝኣቱ ዘይተገደሰ ሕዝቢ ጥልያን ዘይሓሰቦ ሃንደበት ዜና በጽሖ። እቶም ሕዝቢ፣ ጥልያን ኣብ ኣፍሪቃ ጽቡቕ እያ ትገብር ዘላ፣ ማለት ነዞም ሃይማኖት ዘይብሎም ካብቲ ትሑት መነባብሮኦም ነጻ ተውጽኦም ኣላ ኢሎም ይኣምኑ ነበሩ። ናይ ምጽዋዕ ጉድ ንግዝኣት ጥልያን በቲ ኣዝዩ ግፍዓዊ መልክዑ ኣቃልዖ። መዓልቲ መዓልቲ ብዛዕባ ሕይወት ኣብ ኤርትራ ሓሓድሽ ጉድ ኣብ ጋዜጣታት ወጸ። እንታይ እሞ ዘይወጽአ። ዘሰንብድን ዘስካሕክሕን ናይ ሓላፍቲ ጥልያን ንናይ ባዕሎም ዝቐተልዎ ወዲ ተባዕታይ ሓሙሽተ ኣንስቱ ንኽማቐልወን እታ ዝሓጸረት እዚኣ እታ ዝነውሐት ዝወሰደ እቲኣ እናተባህሉ ናይ ንእሽቶ ዕንጸይቲ ጸወታ ይገብሩ ከምዝነበሩ ገለጸ።

ምምሕዳር ግዝኣት ኤርትራ ካብ ወተሃደራዊ ናብ በርገሳዊ ይልወጥ።

እቶም ጋዜጣታት መጽናዕቲ ጠለቡ። እቲ ናይ ኣፍሪቃ ግዝኣት ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነት ከምዝወደቀ ዝተረድኦ መንግስቲ ሃጸያዊ ኮሚተ ናይ መጽናዕቲ ኣቖመ። ኣብዚ ድማ እዩ ፈርዲናንዶ ማርቲኒ ኣዝዩ ወሳኒ ብሰብኣውነት ዝግደስን ግንከ ኣብ ግብሪን ህልውን ዝተመሰረተ ጠባይ ዝነበሮ ሰብ ኣብ መንጎ እዚ ጉዳይ ኣትዩን ነቲ ስርዓት ንኽድሕኖን ኣብቲ ክስተት ኣተወ። 

ብዛዕባ እቲ ተርኽቦ ዝተመዘዘ መጽናዕቲ ማርቲኒ ነቲ ነገር ኣደቅስዎ። እቲ መቅተልቲ ናይ 800 ዘይኮነስ ናይ 16 ኣቢሉ ተባህለ። እቶም ክልተ ናይቲ ጉዳይ ቀንዲ ተዋሳእቲ ኣብ ወጻኢ ስለዝነበሩ ብግብሮም ከይተኸሰሱ ኣብ ወጻኢ ምንባሮም ቀጸሉ። ከምቲ ዝበሃል ዳርዮ ሊቭራጂ ባዕሉ ጸኒሑ ናብ ሃገሩ ዓዲ ጥልያን ተመሊሱን ኣብኡ ብሰላም ሞይቱ።

ኣብዚ ጌና ናይ 1888ታት እዋን ኣብቲ ጥዑም ናይ ከበሳ ሕይወት ምስለመድዎ፣ ደቂቕ መጽናዕቲ ከይወሰዱን እንታይ ዓይነት መልሰ ግብሪ ከምጽእ ይኽእል ከይበሉ (ናይቲ ሽዑ ናይ ምዕራባውያን ጸዓዱ ልምዲ)፣ መሬት ዘይብሎም ገባራት ካብ ደቡብ ዓዲ ጥልያን እናኣምጽኡ ኣብዚ ቦታ እዚ ከስፍሩ ጀመሩ። እዚ ተግባር እዚ ተጻብኦን ኣብያን ካብ ናይ ኤርትራ ገባሮ ኣስዓበን ብናይ ኩናት ዓድዋ (መጋቢት 1896) ዝተተፈጸመ ኩናታት ኣስዓበ (5) ። እዚ ካልእ ዛንታ እዩ። ብድሕሪ እዚ ግን ጥልያን ኣብ ኤርትራ ተሪፎም ኣብ ምምሕዳሮም ኣተዉ። ዝርዝር ምምሕዳር ማርቲኒ ኣብ ሮንግ መጽሓፍ ገጽ 37 ይርከብ።

ቅድሚ ፈርናንዶ ማርቲኒ፣ ቀዳማይ በርገስ ኣማሓዳሪ ኤርትራ ምምጽኡ ዝነበሩ ኣመሓደርቲ ዝገበርዎ ምስ ኤርትራውያን ኣብ ምትፍናን ዘብጽሕ ስጉምትታት በብሓደ ከዕርን ናይ ህንጸት ስጉምቲ ክወስድ ጀመረ። ኣብ ኤርትራ ዘሕለፈን 9 ዓመታት ኣብ ዲያርዮ ኤርትረየ ዝብል መጻሕፉ ዝርዝር ይርከብ።

ንሱ ክመጽእ እንከሎ ዘጋጠሞ፤ ገንዘብን ኣታውን መንግስቲ ጥልያን ክባኽንን እቶም ወተሃደራትን ኣማሓደርቶምን ኣብ ስድነት ወዲቖም፣ ኣብ ክንዲ ጽርግያታት ድልድላትን ናይ ዓይኒ ምድሪ ምዝርጋሕን ኣብ ክንዲ ምህናጽ፣ ንሓለፍቲ ቪላታት ኣብ ምስራሕ ጸንሕዎ። ግዜኦም ድማ ኣብ ምንዝርናን ንሃብቲ መንግስቲ ኣብ ምዝራውን ማለት ንኣብነት ኣብ መኽዘን ምጽዋዕ ዝተበላሸወ ንሓደ እዚ ዝበለ ሰራዊት ዘገልግል 60,000 ኣሳእን፣ 40,000 መደቀሲን፣ ን9 ዓመት ዝኸውን ጨው፣ ን3 ዓመት ዝኸውን ነቢት፣ ን2 ዓመት ዝኸውን ማርመላታ፣ ን52 ኣዋርሕ ዝኸውን ቡንን ን22 ኣዋርሕ ከገልግል ዝኽእል ሽኮርን ረኸበ (7) ገጽ 60)።

እቶም ኤርትራውያን ግዙኣት ነዚ ብ”እንታይ እሞ ይገበር” ብዝብል ስሚዒት ዝተቐበልዎን ናይ ኣማሓዳርነት ሽግር ኣይነበሩን። ብዛዕባኦም ክጽሕፍ እንከሎ “ኣይፈትውናን እዮም፤ ግን ካባና ዝረኽብዎ ሰናይ ነገር ከምዘሎ ይፈልጡ እዮም” ይብል። እታ ንጠላያን መፈለሲ ኮይና እተባህለት ሃገር ኣሽምባይዶ ከም ኣማራጺት ናይቶም ናብ ኣሜሪካ ዝኸዱ ዝነበሩ ደቂ ዓዲ ጥልያን ከትገልግል፣ እካ ድኣ ዝወሓዱ ማለት ኣስታት 4,000 ኣውሮጳውያን ሒዛ ጸንሐቶ። እዚኦም ጠላይን ጥራሕ ዘይኮኑ፣ በቶም ኣማሓደርቲ “ስልጡናትን ከም ጸዓዱ ክግመቱ ይኽእሉ” እዮም ዝተባህሉ ግብጻውያን፣ ቱርክን፣ ህንድን ይርከብዎም ነበሩ (7) ገጽ 60-61)።

መሬት ኤርትራውያን ገባሮ ተገቢቱን ዘመናዊ ሕርሻታት ተዋፊሩ ረኸበ። ነዚ ግን ኣብ ስራሕ ከውዕልዎን ከተግብርዎ ዝኽእሉ ጠላይን ኣይተረኽቡን። እካ ድኣ ብዙሓት ስድራ ቤታት በጃኹን ንዓድና ምለሱና እናበሉ ይልምኑ ነበሩ። እቶም ግሪኻውያን ኣፍራስ ኣይገዝኡ ውሽማታት ኣይገብሩን ገንዘቦም ዓቒቦም ንዓዶም ይልእኩን ይህብትሙን ነበሩ። እቶም ጥልያን ግን ኣፍራስን ውሽማታት ይሕዙን ክብል ጸሓፈ።

ፈርድናንዶ ማርቲኒ፣ ኣማሓዳሪ ኤርትራ፣ ዓይነታዊ ጽገና ይገብር።

ፈርዲናንዶ ማርቲኒ ንኹሉ ምስተዓዘበ ምምሓዳራዊ ስጉምትታት ወሰደ። እታ ኣብ ምጽዋዕ ዝነበረ ርእሰ ከተማ ናብ ኣስመራ ኣግዓዞ። ኣዋጃትን ሕግታትን ብምግባር ሓድሽ በርገሳዊ ምምሕዳር መስረተ። ንሰራዊት ድማ ኣብ ትሕቲ እዚ በርገሳዊ ምምሕዳር ኣእተዎ። ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታት ቁጽሪ ነከየ። እቶም ዝኸፍኡ ወተሃደራትን ሓላፍቶምን ናብ ዓዲ ጥልያን ሰጎጎም። እታ ግዝእቲ ናብ 9 ረርእሰ ከተማ ዘለዎ ምምሕዳራዊ ኣውራጃታት መቐላ። ናይ ሓደ ምዕቡል ማሕበረ ሰብ ዓንዲ ዝኸውን ነጻ ሓጋጊ ኣካል፣ ናይ ተለግራፍ መራኸብን ናይ ፊናንስ፣ ጥዕናን ትምህርቲ ክፍልታት መስረተ።

ኣብቲ እዋን እቲ ልሙድ ዝነበረ ናይ ጠላይን ምስ ኤርትራውያን ስምምዕ ጌርካ ናይ ምትላልን ኣመላት ንመጻኢ ሰላምን ርግኣት ከምዘይጠቅም ተገዘበ። ስለዚ ኣብ ስግረ ዶብ ዝነበሩ ኣንጻር ሚኒሊክ ዝነበሩ ባእታታት ከም ልማዶም ኣጽዋር ክሓቱ እንከለዉ ጸማም እዚኒ ሃቦም። ኣብ ክንዲ ናይ ዓድዋ ስዕረት ናይ ሕነ ምፍዳይ ሓሳባት፣ ምስ ሃጸይ ሚኒሊክ ኣብቲ ናይ ዶባት ዝነበረ ሽፍትነት ተቖጻጸረ። ኣብ ክንዲ እቲ ንጉስ ጥልያን ዝሓተቶ ናይ ክንደይ ዘይተማህሩ ናይ ደቡብ ጥልያን ገባሮ ዜጋታት ጠላይን ኣብኡ ክፍልሱ ይኽእሉ ዝብል ሕቶ እታ ግዝእቲ ሃገር ነዚ ድልውቲ ከምዘይኮነት ኣተንበሀን ነገረን። ምኽንያቱ እንተድኣ ኣሽሓት ጠላይን መጺኦም ምስቶም ኤርትራውያን ክተፋነኑን ኣብ ረጸሚ ክኣትዉ ከምዝኽእሉን፣ በቲ ኤርትራውያን ክቕበልዎ ዝኽእሉ ትሑት ደሞዝ ድማ ኣብ ውድድርን ኣብ ጸገም ክኣትዉን ምኻኖም ብምርዳእ ምፍላስ ኣጉደለ።

ኣዝዩ ኣገዳሲ ድማ ነቲ ናይ መሬት ምህጋር ሕጊ ኣልገሶ። ከምኡ እውን ኣስራሕቲ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራውያንን ጠላይንን ሰራሕተኛታት ዝነበረ ናይ ደሞዝ ፍልልይ ከመዓራርዩ ደፈአ።

እዚ ማለት ኩሉ ንኤርትራውያን ይኹን ንጠላይን ልኡም ኔሩ ማለት ኣይኮነን። ማርቲኒ ንሕግን መቕጻዕትን እውን ሓላፊ ነበረ። እቶም ነበርቲ ንሕጊ መግዛእቲ ጥልያን ክምእዘዙ ኣለዎም። እታ ዝነኣሰት ምጥሓስ ብዝለዓለ መቕጻዕቲ ይንበዮ። እቶም ዓሳክር ኤርትራውያን እንተበዲሎም፣ ኣብ መቑሕ ሓጺን ይእሰሩን ይግረፉን ኣብቲ ናይ ገማግም ዝነበረ ኣብያተ ማእሰርቲ ይእሰሩን ገሊኦም ድማ ኣብዚ ኩነታት ይሞቱ ነበሩ። ማርቲኒ በዚ ዓይነት መንግስቲ እየ ዝተክል ዘለኹን ዝነኣሰት ኣብያ ኣይጻወርን ይብል ነበረ።

ኤርትራ ወርቂን ሃብቲ ዓሳን ቡንን እኽልን ዘብቁል ልሙዕ መሬት ከምዘለዋ ዝተገንዘበ ማርቲኒ እዚ ግን እንተድኣ መጎዕዝያ መራኸብን ንውሽጣዊ ሃልክን ንወጻኢ ምስዳድን እንተድኣ ዘይረኺቡ ካብ ኣፍሪቃ ተፈልያን ወደባታ ንብላሽ ደው ክብሉን ኣብ ናይ መንግስቲ ጥልያን ምጽውትና ዝጽጋዕ ምምሕዳር ክተረፍ ምኻና ምስተረድኦ ነዚ ሽግር ዝፈትሕ ካብ ከበሳ ናብ ባሕሪ ዘላግብ መንገዲ ባቡር ጥራሕ ምስዝህሉ መፍትሒ ረኸበ። ጥልያን ኣብ ታሪኾም ኣብ ከረናት ኣልፕስ ካልእን መሬቶም ኣዝዩ ዝተራቐቐ ናይ መንገድን ባቡር መራኸብን ናይ ምስራሕ ኣፍልጦ ነበሮም። ስለዚ ድማ ኣብ ኤርትራ ነዚ ንምግባር መደቡን ኣብ ግብሪ ኣውዓሉን።

ኣብዚ ግዜ መግዛእቲ ጥልያን ኣብ ኤርትራ ዝተሰረተን ዝተረፈን ክሳብ ሎሚ ዝረአ ናይ ባቡር መንገድን ካልእ ትሕተ ቅርጺ ትካላትን ምዕራባዊ ጽልዋታትን ካብቲ እዋን እቲ ዝነበረት ኢትዮጵያ ንዜጋታታ እናርሓቆም ከደ ትብል ሮንግ ኣብ መጽሓፋ (ገጽ 65)። 

ኤርትራ ድሕሪ ማርቲኒ።

ፈርዲናንዶ ማርቲኒ ድሕሪ 9 ዓመት ሚኒስተር ናይ ግዝኣታት ንምኻን ናብ ሃገሩ ተመልሰ። ኤርትራ ድማ ኣብ ትሕቲ ጥልያን ረጊኣን ተለዊጣን ገደፋ። ዘይትንከፍ ናይ መሬቶም መሰል ዝረኸቡ ገባሮ ብሰላም ክነብሩ ጀመሩ። እቲ ሕጋውን ፍርዳውን መስርሕ ኣብ ግብሪ ወዓለን ኣብ ዝተናውሐ ድማ ርግኣት ፈጠረ። እዚ ርግኣት ድማ ዘይተሓሰበ መልሰ ግብሩ ኣፍረየ። ማለት ምስቲ ናይ ኤርትራውያን ብሰላም ምንባር፣ ካብ ኢትዮጵያ ሃዲሞም ዝመጹ ሰባትን፣ ስራሕ ዝደልዩን፣ ነጻ ክወጽኡ ዝደልዩ ባሮትን ዝመጹላ ቦታ ኾነት።

ዓሌትነትን ናይ ጾታ ጉዳይ ማርቲኒን።

ማርቲኒ እዚ ኹሉ ይግበር እምበር እቲ ብ”ልዕልና” ጸዓዱ ዝሕመረቱ መግዛእቲ ኣውሮጳውያን ብናይ ጸለምቲ ምሁራት ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ኣይደለየን። እቲ ንዕዑ ፍሉይ ዝገብሮ ኣብ ጽሑፋቱ ነቶም ናይ ቃንቃን ካልእን ክእለታት ብቑልጡፍ ከስተብህሉን ክመሃሩን ዝረኣየ ማርቲኒ፣ እዚኦም “ኣፍሪቃውያን ካባና ዝያዳ ንጡፋት ስለዝኾኑ እቲ ብናይ ጸዓዱ ልዕልና ዝተመስረተ መግዛእቲ ፍሹል ክኸውን ይኽእል እዩ”። ስለዚ ናይ ጸዓዱን ጸለምትን ሕውስዋስ ትምህርቲ ኣይተኸለን። እቶም ኤርትራውያን እተን ኣርባዕተ ናይ ቁጽሪ ስራሓትን ክሳብ ራብዓይ ክፍሊ ድማ ንሮማን ታሪኻን ከምኡ እውን ንመግዛእቲ ዘደሊ ትምህርቲ ጥራሕ ክመሃሩ ኣለዎም ስለዝበለ ኣብ ግዜኡ እቲ ናይ ዓሌታት ናብራ ምፍልላይ ቀጸለ። ክርዳእ ዘለዎ “ምሁራት እንተድኣ መጺኦም፣ ኣብያን ምቅዋምን እውን ክመጽእ እዩ  ዝብል ኣበሃህላ መግዛእትውያን ኣመሓደርቲ ነበረ።

ኣብ ጾታዊ ርክባት ኣብ መንጎ እዞም ኣህዛብ እውን ክኽልክል ኣይከኣለን። ርእይቶኡ እቶም ጠላይን ናይ “ማዳሚዝሞ” (ብትግርኛ ጋል ብዳማ ዝብል ስም ካብዚ እዩ ነቒሉ) ማለት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ኣብ ገዝኦም የቐምጡን ይወልዱለንን እውን ነበሩ። ማርቲኒ እቶም ደቂ ተባዕትዮ ኤርትራውያን ነዚአን እውን ከይወልዱለንን ንጠላይን መስሓቒን መነወርን ከይገብርዎም ብዝብል ይቃውሞ ነበረ። እቶም ጠላይን ግን ኣይሰምዕዎን፤ ብ1935 ኣብ ኣስመራ ዝነበሩ 3,500 ጥልያን 1,000 ዝኾኑ ቆልዑ ወሊዶም ነበሩ።

ውጺኢት ናይ ቀጻሊ ዕስክርናን፣ ህንጸት ትካላትን፣ ዝወለዶ “ስላም እጣልያን” ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን።

ብ1907 ንሃገሩ ዝምለስ፣ እቲ ማርቲኒ ዝገደፎ ናይ ሰናይ ጉርብትና ምስተን ዝዳወባ ሃገራትን ኣብ ናተን ውሽጣዊ ጉዳያት ኢድ ዘይምእታውን ድማ፣ ነዛ ብጥልያን እትመሓደር ሃገር ካብቶም ብኢትዮጵያውያን ዝመሓደር ኣብ ዶባት ኤርትራ ዝርከብ ቦታታት ብዓይነት ክፈልያ ተራእየ። ናይ ሚኒሊክ ሕማም ንፖለቲካዊ ጽልውኡ ኣብተን ምስ ኤርትራ ዝዳወብ ቦታታት እናደኸመ ምስከደ፣ ዳርጋ ናብ ገዛእ ርእሶም ስጉምታታት ኣብ ምውሳድ ከምዘድህቡ ገበሮም። ስለዚ ናይ ፖለቲካ ዘይምርግጋእ ኣብ ጎረበት ሃገር ኢትዮጵያ ይቕልቀል ከምዝነበረ ታሪኽ ሽፍትነትን ናይ ኣማሓደርቲ ቃሕ ዝበለካ ምግባርን የኸትል ነበረ።  

እታ ብጥልያን እትመሓደር ኤርትራ ግን ኣብ ትሕቲ ጽላል ሰላም ናይ ጥልያን  (Pax Italica) ኩነታታ ክድንፍዕን ብርግኣት ዝመጸአ ሃዋህው ክትጥቀምን ቀጸለት። እዚ ሰላም እዚ ንኣብነት ኣብ ንግዲ ምድንፋዕ ተራእየ። ብተወሳኺ ኣብ ትሕቲ መግዛእታዊ ሰራዊት ጥልያን ስራሕ ምርካብ ማለት ከም ዓሳክር ምቑጻር ተራእየ። እዚ ብስሚዒት ንፍተዎ ኣይንፍተዎ ግንከ ደሞዝ ዘለዎ ስራሕ እዩ ዝነበረ። እዚኣቶም ከም መፈልምታ ስራሖም ናብ ሶማል ካብ 1906 ኣትሒዞም ተላእኩ። 

ካብ 1912 ክሳብ 1932 ጀሚሩ ኣስታት 4,000 ዝኾኑ ኤርትራውያን ወተሃደራት ኣብ ሊብያ ተመደቡ። ናይ ጥልያን ኩናት ንሊብያ ኣብ መግዛእቲ ንምእታው ክሳብ 1932 ወሰደ። ነዚ ኩናት እዚ ንምምሕዳሩ ካብ ማእከላይ መንግስቲ ጥልያን እንተዝኸውን ኔሩ ንኸፈልቲ ቀረጽ ዜጋታት ጥልያን ኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብ ምወዳኣሎም። እዚ ግን በቶም “እሙናትን ጽፉፋትን” ዝብል መጸዋዕታ ዝረኸቡ ኤርትራውያን ስለዝተኻየደ ንዖዖም ዝኽፈል ገንዝብ ድማ ዉሑድ ስለዝነበረ መንግስቲ ጥልያን ከተካይዶ ኸኣለት። ስለዚ ካብዛ “ቦኽሪ መግዛእቲ” ‘first-born colony’ (la colonia primogenita) ተባሂላ ዝተሰምየት ሃገር ብዝመጽእ ቀጻሊ ጉልበት ሰራዊት መሰረት እዩ ናይ ሊብያ ምትሓዝ ተኻኢሉ። እዚ ድማ እቶም ከፈልቲ ቀረጽ ጠላይን ብዝኽእልዎ ወጻኢ ተኻእለ።

 

እዚ ኣብ መንጎ 1930ታት ዝተከሰተ ሰለስተ ረቓሒታት ይጅመር። ቀጺሉ ድማ ኣብ እቲ “ንሕና ካብ ኢትዮጵያ ፍሉያት ኢና ዝብል ስምዒት” ከምዝቕልቀልን ክሳብ ዳርጋ ነዊሕ ዓመታት ድሕሪ ነጻነት ጸኒሑ እዩ። እዚ ከመይ ኢሉ ተጀሚሩ ንዝብል ተኸስተ ነጋሽ (ፕሮፈሰር ናይ ፖለቲካን ታሪኽን ኣብ ሽወደን) ብኸምዚ ይገልጾ።

 

እቲ ቀዳማይ መግዛእቲ ጥልያን ብወግዒ ካብ ጥሪ 1, 1890 ክሳብ 1930ታት ኣቢሉ ዳርጋ ን40 ዓመታት ምስገዝአ ኣብቲ መስርሕ ዓሌታውነት እናሕደረን እናሓየለን መጸ። እዚ ማለት ኣብቲ ናይ ጥልያን ኣመለኻኽታ ዜጋታት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ጽላል “ስልጣነን” ሰላም ጥልያንን ስለዝነበሩ ካብቶም ኪኖ ዶብ ዝነብሩ ናይ ሃጸያዊት ኢትዮጵያ ዜጋታት ፍሉያት እዮም ዝብል ኣረኣእያ እናሰረጸ መጸ። (ፖለራ, 1935ን ነጋሽ 1987) እዚ ንናይ ጥልያን ሃጸይነትን መግዛእታዊ ርእሰ ተኣማንነት ንምዕዛዝ ዝተማህዘ ፖሊሲ ቀስ ኢሉ ንታሕቲ እናኸደ ናብቶም ምሁራት ኤርትራውያን እውን ተንከፈ። ጽሑፋት ናይቶም ብ1940ታት ዝነበሩ ኤርትራውያን ፖለቲከኛታት ነዚ ዓሌታዊ ቃንቃ ዘንጸባርቕ ነበረ።

 

ካልኣይ እቲ ኣብዚ ህዱእ እዋን ኣንጻር ኢትዮጵያ ንምውጋእ ምእንቲ ዘኸተሎ (ካብ 1932 ኣቢሉ) ዘኸተለ ቁጠባዊ ምዕባለ እዩ። ማለት ናይቶም ጥልያን ቁጽሪ ብፍላይ ኣብ ኣስመራ ብ1934 ኣስታት 4600 (ምስ ህጻውንቲ) ዝነበረ ኣብ መወዳእታ 1935 ክሳብ 50,000 በጽሐ። ምስዚ ኣብ ቁጠባ ጥልያን ዝዋስኡን ካልእን ድማ 43,000 ኤርትራውያን ኣብ ኣስመራ ይቕመጡ ነበሩ። እዚ ካልኣይ ዓቢ ናይ ጠላይን ምፍላስ ናብ ኤርትራን እዚ ዘኸተሎ ናይ ነገራውን ፊናንሲያዊ እትዋት ጥራሕ ዘይኮነ ዳርጋ ኣብ ዋሕዲ ናይ ኤርትራዊ ጉልበት ክሳብ ዝረአ ኮነ። እዚኣቶም ድማ ንስድራ ቤቶም ብምሕብሓብን ቁጠባዊ መነባብሮኦም እናተመሓየሸ ኸደ። ኣብዚ መስርሕ ድማ ናብራ ኤርትራውያን ካብቶም ናይ ሽዑ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን እናተፈለየ ተራእየ።

 

እቲ ሳልሳይን መወዳእታ ድማ ንባዕሉ እቲ ናይ ጥልያንን ኢትዮጵያን ኩናት እዩ። ማለት ተራ ኤርትራውያን ኣብቲ ክስተት። ኤርትራውያን ኣብዚ ኩናትን ድሕሪኡ ድማ ንግዝኣት ጥልያን ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ጸጥታን ሰላምን ምርግጋእን ዓቢ ተራ ተጻዊቶም እዮም። ጥልያን ነታ ካብ ኤርትራ ብ10 ግዜ እትዓቢ ሃጸያዊት ኢትዮጵያ ብምሉእ ንምግዛእን ሰላምን ምርግጋእ ስለዘይከኣለ ነዚ ስራሕ እዚ በቶም ኤርትራውያን ወተሃደራት ክስራሕ እናደፍኣሉ ከደ። እቲ ናይ መጀመርታ ናይ መግዛእቲ ጥልያን ወተሃደራት ካብ 50,000 ንላዕሊ ኤርትራውያን ሒዙ ስለዝነበረ ኣዝዩ ኣገዳሲ ተራ ከምዝነበሮም ይረአ።

 

ምስዚ ክዝከር ዘለዎ ተወሳኺ ተርእዮ፣ ካብ 1890 ክሳብ 1941 ኣስታት 130,000 ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣብ ናይ ዓድዋ ኩናትን ኣብ ሶማልን ሊብያን ተሳቲፎም ከምዝነበሩ እዩ። ጥልያን ንኢትዮጵያ ብ1935 ክትወራ እንክላ ድማ ዝበዝሑ ወተሃደራታ፣ ኤርትራውያን ድኣ እምበር ጠላይን ኣይነበሩን። ኣብቲ መፈለምታ ናይ ግዝኣታ ዓማውቲ እውን ማለት ንኣብነት ብ1911 ጥልያን ብዉሑዳት ሓለፍቲ፣  ንሊቢያ ክሕዙን ከምኡ እውን ካብ ቱርኪ ከሕድጉን ምእንቲ ኤርትራውያን ዓሳክር እያ ሊኢኻ።  (414, 69, 84 ሮንግ)

 

ስለዚ ድማ ናይዞም ኤርትራውያን ናይ መጻኢን ናይ ሕሉፍን ኣገልግሎት ብምርዳእን ብምፍላጥን ስርዓት ሮማ ብ1937 ሓደ ሕጊ ኣሕለፈ። እዚ ሕጊ ኣዚ ነቶም ኤርትራውያን ካብቶም ኣብዛ ሓዳስ ግዝኣት ጥልያን ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ፍሉያት ምኻኖም ዝነግር ነበረ። በዚ ሕጊ እዚ መሰረት እቶም ደቂ ኤርትራ ከም ኤርትራውያን ክስመዩን እቶም ካልኦት ግዙኣት ሶማልን ሊብያን ግን “ነበርቲ” ማለት ብእንግሊዝ natives ክበሃሉ ዝብል ነበረ። ብተወሳኺ ኣብ ገለገለ ስራሓትን ክእለት ዘድልዮ ቦታታትን ድማ ቀዳምነት ከምዝወሃቡ ይብል።

 

እዚ ጥልያን ኣብ ትሕቲ ዓሌታዊ ስርዓት ሙሶሊኒ ምስ ኣተወት እውን (ዋላ ንሓሙሽተ ዓመት ጥራሕ ይኹን ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ጥልያን ካብ 1937 ክሳብ 1941 ኔራ)። ኣብዚ ኩነታት ቁጽሮም ክሳብ ምምዝጋብ ኣብ ዘይከኣለሉ ደረጃ ከምዝሞቱ እውን ብዛዕባ ከረንን ካልኦት ናይ ውግኣት ዝተገብረ ጸብጻባት ይነግሩ።

 

 

እዘን ሰለስተ ረቓሒታት እምበኣር እየን ነዚ ካብ ሽዑን ድሓርን ዝተራእየ እምነት ናይ “ፍሉይነት” ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያውያን። እዚ ፍሉይ መንነት ኣለና ዝብል ስሚዕትን ድማ ብቐንዱ ኣውራ ኤርትራን ሃገራን ካብ ኢትዮጵያ ብቑጠባ ዝያዳ ምዕብልቲ ስለዝኾነት ኣብ ዝብል እምነት ድሕሪ መግዛእቲ ጥልያንን ምሕደራ እንግሊዝ እውን ዝተመርኮሰ እዩ።

 

እዚ ኣምር ከምዝቐጸለን ጸኒሑ እውን ከምዝጠፍአን።

 

ብዝርዝር ኣይገለጽ እምበር ኣብ ግዜ ሃይለ ስላሰ፣ ከካብ ክፍለ ሃገር ናብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ዝሓልፉ ተማሃሮ ቁጽሪ ብዝረኸብካዮ ናይ መርመራ ውጺኢት ዘይኮነ ከካብ ክፍለ ሃገር ምስ ሕዝቢ ኣወዳዲርካ ዘደሊ ብምውሳድ ይድረት ነበረ። ስለዚ ገለ ዝተረፉ፣ ገለን እውን በቲ ቁጽሪ ክንድረት ኢና ዝበሉ ኤርትራውያን ተመሃሮ ብስድራ ቤቶም ተደጊፎም ናብ ኣዝማዶም ኣብ ኢትዮጵያ ይኸዱን ከም ናይቲ ክፍለ ሃገር ተመሃሮ መርመራ እናወሰዱ ይሓልፉን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይርከቡ ኔሮም ዝብል ናይ ኣፍ ዛንታ ኣብቶም ተመሃሮ ዪኒቨርስቲ ኔሩ። ምኽንያቱ ኣብዛ 3 ሚልዮን ጥራሕ ዝነበራ ኤርትራ ቁጽሪ ተመሃሮ ግን ብተዛማዲ ብዝሕ ዝበለ ኮይኑ ይረአ ስለዝነበረ።

 

እዚኣቶም እውን ተማሂሮም ኣብ ላዕለዋይን ርኡይን ጽፍሒ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይሰርሑ ኔሮም። እዚኣቶም እምበኣ ኣብ ግዜ ሃይለ ስላሰ እውን “ተጠመትቲ” ንክኾኑ ደሪኹ እዩ። ኣብ ተለቭዥንን ሚኒስትርታትን ተቖጺሮም ይሰርሑ ኔሮም። ከምኡ እውን እቶም ፈለምቲ ናይ ባንን ረሰቶራንትን ሆተላትን ጋራጅን ካልእን ናይ ውልቀ ርእሰ ማል ወነንቲ ኔሮም። እዝን ከምዝን ድማ ነቲ ካብቲ እዋን እቲ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ክፍለዮም ኪኢሉ እዩ። 

 

ብግዜ ደርጊ እውን ምስ ምምጻእ ኣብ ስልጣን ናይ ጀነራል ኣማን ሚኪኤል ዓንዶምን እቶም ኣብኡ ዝጸንሑ መሰልቱ ኣብ ብፓርላማ ኢትዮጵያን ካልኦት ኣብኡ ዝሰልጠኑ ኤርትራውያን ንኽጥመቱ ግደ ተጻዊቱ። ከም ተመስገን በርሀ ዝኣመሰሉ ኤርትራውያን ኣብ ናይ ኣህጉራዊ ጸረ መስፍንነት ብምስላፍ ከም ኣባላት ኢፒኣርፒ ተቃሊሶምን ተሰዊኦምን። እዚ ግቡእ መጽናዕቲ ዘይተኻየደሉ ዓውደ ታሪኽ ክኸውን እንከሎ እንተወሓደ ብኢትዮጵያውያን ጸሓፍቲ ግን ብፍሉይ ዘይኮነ ከም ሓደ ኣካል ታሪኽ ኢትዮጵያ ይትረኽ እዩ። ኣብነት ካልኣይቲ መጽሓፍ ዳዊት ወልደጊዮርጊስ ብኣምሓርኛ ምውካስ ይከኣል።

 

እቲ ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን ነቲ ዝዓበየን ዝሓየለን ብክልቲአን ሓያላን መንግስታት ዝተደገፈ ሰራዊት ዝሰዓረ ሓይሊ ኤርትራውያን ድማ ክሳብ 1991 ኣቢሉ ነዚ “ፍሉይነት” ኣብ ዓይኒ ሕዝብን ናይ ሽዑ ናይ ሰዓርቲ ታሪኽን ስሚዒትን ኣሕይልዎ። ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ዝነበረ ኩናት እናተኻየደ እንከሎ ዝግበር ዝነበረ ናይ ትምህርቲ፣ ሕክምና፣ ኣሰራርሓ መግብን ፋብሪካታትን ኣብ ትሕቲ ጽላል ዓዳይ ሓደ ካብቲ ብተረኽትን በጻሕትን ኣድናቖት ኣትሪፉ እዩ። ካብቲ ኣብቲ እዋን እቲ ዝወጸት ናይ ዳን ኮነል መጽሓፍ “ኣንጻር ኩሉ ተጻብኦ” Against all Odds ትብል ናይ ዓይኒ ምስክር መጽሓፍ ከም ኣብነት ክውሰድ ይከኣል። እዚ ንባዕሉ እኹል ታሪኽን ምንጭታት ስለዘሎ እቲ ሰናይን ፍሉይን ብሓደ እቲ ሒዝዎ ዝመጽአ ናይ ስቕታ ግፍዕን ማህሰይቲ ኣብ ዝዝርዘር ኣይኮነን። እዚ ሓሊፉ ድሓሪ 7 ዓመት ኩነት ባድመ ምስተረኽበ፣ እቲ ሕዝቢ ናብ ገዛእ ርእሱ ተመሊሱ ዳግመ ህላወን እንታውነትን ክመራመርን ዝድርኽ መድረኽ ታሪኽ ተበጽሐ።

 

እቲ ሓቂ ብድሕሪ ስዕረት ኤርትራ ኣብ ናይ ባድመ ዶብ ኩናት ብ1998፣ ነዚ ስሚዕት ኣብ መላእ ሕዝቢ ኤርትራ ዳግመ ምሕሳብ ተገሩሉ እዩ። ስዕረት ዘኸተሎ ስምባደን ናይ ውሽጥ ምምርማርን ብዛዕባ እንታውነትን መንነትን ብዙሕ ተባሂሉን ተጻሒፉን እዩ። ሎሚ “ፍሉይነት” ዘይኮነስ ደቂ ሓንቲ ወግዓዊት ሃገር ጥራሕ ከምዝኾነ ኢዩ ዝብል እቲ ሕዝቢ። 24 ዓመታት ድሕሪ ነጻነት፤ ምስ ኢትዮጵያ ምውድድዳር እዚ ዝሓለፈ 50 ዓመታት ዘምጽኦ ውሽጣውን  ግድማውን ለውጥታት ኣብ ግምት ዘይእቱ ኣጉል ፈተነ እዩ።

ፍሉይነትን ናይ ደቅሰብ ኣተሓሳስባን።

ዝኾነት ትኹን ሃገር ብመንነታን እንታውነታን እትኮርዓሉ ታሪኽን መግልጺታቱን ትእክብን ትሕብሕብን እያ። ደቅ ሰብ ውልቀ ሰባትን ናይ ሃገራት ዜጋታት ስለዝኾኑ። እዚ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ መበገሲኡ ብዓሌታዊ ኣረኣእያ ዝተበገሰ ክኸውን ይኽእል እዩ። ካልእ ኣብነት ናይዚ ብዛዕባ ኢትዮጵያውያን ዝበሃል “ፍሉያት ካብ ኣፍሪቃ ኢና” ዝብል ስሚዒት ዝገልጽ ቢሂል ኣሎ። ንሱ ድማ “እግዚኣብሔር ንደቅ ሰብ ክፈጥር እንከሎ ስለስተ ዝተባዕከ ምስሊ ነበሮ። ነታ መጀመርታ ኣብ ሓደ ዝሕል ዝበለ ሓዊ ስለዝገበራ ጸዓዱ ተፈጥሩ። እታ ካልኣይቲ ኣብ ኣዝዩ ዝወዓየ ሓዊ ስለዝገብሮ ጸለምቲ ተፈጥሩ። ነታ ሳልሰይቲ ኣብ ልክዕ ሓዊ ስለዝገበሮ ኢትዮጵያውያን ተፈጥሩ” ይብል። እዚ ብፍላይ ኣብ ግዜ ሃይለ ስላሰ ኣዝዩ ዝተቃልዓሉን ነገስታት ኢትዮጵያ እውን ዝጀሀሩሉ ዝነበሩ እምነት እዩ ኔሩ።

ደቅ ሰባት ፍሉያትን ፍሉጣትን ናይ ምኻን ድርኺት ኣለዎም። መበገሲ ናይዚ ኣብ ናይ ስነ ማሕበራውን ስነ ኣእምሮኣዊ መጽናዕቲ ከምዝገልጾ ውልቀ ሰባት ፍሉይነትን (ኣብ ውልቀ ህይወቶም ዝተመርኮሰ)፣ ናይ ነገራት ምቁጽጻርን፣ ኣብ ሓደ ቦታ ሃገር ብሔር ኣባልነትን ስድራ ቤትነትን፣ ካልእን ዝኣመሰለ ስሚዒታት ኣሎ። ኣብዚ ንኣብነት ብዛዕባ ደቅሰብ ስለምንታይ ፍሉያት ክኾኑ ይደልዩ ሓደ ስነ ኣእምሮኣዊ ይትንትን። መጽናዕትታት እውን ተኻይዱን ይካየድ ኣሎን።

ኣብ ሓደ ጉጅለ፣ ሃገር፣ ኣካል ናይ ምኻን ማለት ብእንግሊዝ (Belong) ስሚዒት እውን ኣህጉራዊ ናይ ደቅሰብ ስሚዒት እዩ። ስለዚ እቲ ስሚዒት ኣይኮነን ጌጋ እቲ ኣበይን ምስ መን ከመይን ኣብ ናይ ከባቢኻ ክብረትን ሕጋውነት ናይ ካልኦት ኣብ ምኽባርን ኣብ ዝግበር ግን ሓቅነት ኣለዎ። ስለዝኾነ ድማ እዩ ውልቀ ሰብ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ከም ውልቀ ሰብ ዝፍረድን ዝዕቀብን። ኣብ መደምደምታ ታሪኻዊ ኣበጋግሳ ምፍላጥ፣ ንምርዳእ ከባቢን፣ ጽልዋኡን ኣመጻጽእኡን፣ ነቲ ዘሎ ናይ ኣፍልጦ መኽዘን የህብትሞን ፍሉይነት ንባዕሉ ክንርድኦ ዝሕግዝ መስርሕ ምኻኑን፣ ምርዳእ እዩ እቲ ቀንዲ ነገር። 

ስለዚ ኤርትራውያን ካብ ካልኦት ፍጡራት ዝፈልዮም ነገር የልቦን። እቶም ካልኦት ፍጡራት እውን ናይ ገዛእ ርእሶም ታሪኽ ዘለዎምን “ፍሉያት” ኢና ኢሎም ዝኣምኑ እዮም። ኩሉ ፍጥረት ሰብ ከምዚ ስለዝኾነ። ግንከ ኣብዚ ናይ ፈታኒ እዋን እዚ፣ ንርእሶም ካብ ካልኦት ፍሉያት ኢና ዝብል እምነት ዘለዎም ዉሑዳትን ምስቲ ስርዓት ዝተሓሓዙ ዝኾኑ እያቶም። እቶም ዝተረፉ ናይ ገዛእ ርእሶም ታሪኽን ፍሉይ ቦታ ኣብ መስርሕ ከምዘለዎም ዝኣምኑን እዮም ተሪፉም ዘለዉ። እዚ እውን እንተዘይተሓዲጎም ይሓይሽ። ኩሉ ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ፍሉይነትን እንታውነትን ስለዘለዎ።

 

(1)   ተኸስተ ነጋሽ ነዚኦም ጸሓፍቲ ይጠቅስ።

(Rubenson, 1976; Conti Rossini, 1935; Battaglia, 1958; Del Boca, 1976; Grassi & Goglia, 1981).

(2)  (Rubenson, 1976; Gebre Sellassie, 1975)

(3)  (Markakis, 1987; Erlich, 1982).

(4)  (Negash, 1987).

(5)  (Rubenson, 1976; Conti Rossini, 1935).

(6) (Wrong, page 60)

(7)  (Wrong 35-37)

(8)  (Wrong, 125)

(9) (Ambassador Andeberhan, Eritrea at Crossroads, page 33 Italian Colonial Rule)


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...