ሓደ ካብ ኣብ ናይ ታሪኽ ዓለም ዝነጸረ ነገር እንተሎ ማሕበራውያንን መሰልቶምን ኣብ ስልጣን ንኽትድይብን ኣብኡ ንኽትጸንሕን ዘድሊ ስጉምቲ ኣይወስዱን እዮም። ኣብ ኤርትራ ንኣብነት ኣብ 1970ታት “መንካዕን” “የሚንን” ዝተባህሉ ምሁራት ተደናገጽቲ ናይ ማሕበርነትን ዴስነት እዮም ኔሮም። ኣብ ደሞክራስን ስነ ምግባርን እምነት ስለዝነበሮም ግን ኣብቲ ኣብ ትሕቲኦም ዝጎሃር ዝነበረ ናይ ስልጣንን ውድድርን መንዚዕካ ናይ ምሓዝ ድሌት ዝሓዘት ባዴላ ኣይተርድእዋን። ንኽምንዝዕዋ ክእለት ኣይነበሮምን ጥራሕ ዘይኮነ ክሳብ እታ በትሪ ኣብ ርእሲኦም እትወድቕ ከም ንቡር ናይ ማሕበራዊ ዝምድና መርኣያ ጌሮም እዮም ወሲዶምስዋ። ጽሑፋትን መስከርቲ ዓይንን ዘዘንተውዎ ዛንታ ክርአ እንከሎ እቶም ዝተረፉ ድሓር ዘርከብዎም “የሚን” እውን ኣብ ናይ ስልጣን መንገዲ ኣይጸንሑን። ኣብ ኢትዮጵያ እውን እቲ ናይ ማሕበርነትን ዴስነትን ዝብል ዝነበረ ናይ ደሞክራሲ እንታ ዝነበሮ ናይ ኢ.ፒ.ኣር.ፒ.ን (ብፍላይ ኣብ ምሁራት)ን ካልኦትን እውን እቲ ስልጣን ብመንግስቱ ክምንጠልን ንሳቶም እውን ናይ “ቀይ ሽብር” ግዳያት ንኽኾኑ ደሪኽዎም። ነዚ ኣምር ዝያድዳ ንምርዳእ ዴስነት ኣብ ሰሜን ኮርያ ረአ።

እቲ ኣውራ ዘይተሰቖሮም ነገር እቲ ዴስነት ከምኡ እውን ማሕበርነት ብሓይሊ እዩ ዝቐውም። ደቅ ሰብ ናይዚ ዓይነት ኣመራርሓ ብድሌቶም ኣይቕበልዎን እዮም። ናይ ሓባር ሃብቲ እናተባህለ ምስኡ ሃይማኖት ዘይምህልው ጥራሕ ዝበቅዕ ምኽንያት እዩ። ዲክተተርነት ድማ ሓደ ውላድ ናይዚ ተረእዮ ኢዩ። እቶም ናይ ብሓቂ ማሕበርነታውያን ዝነበሩ ጭካነ ብዝመልኦ ኣገባብ ክዓዩን እታ “ኣብ መሬት መንግስተ ሰማይ” ወይ ዩቶፕያ እተምጽእ መንገዲ ብደምን ረሃጽን ባርነትን ናይቲ ሕዝቢ ስለእትመጽእ ነዚ ዘድሊ ስጉምቲ ኣይውስዱን እዮም። እንተከፍአ ተሓባባአርቲ እንተኾነ ተቓወምቲ ኮይኖም ድማ በብሓደ ይልቀሙን ይጠፍኡን።

እቶም ነዚ ሃጉሃፍ ከጽንዑን ክደልዩን ዝኽእሉ ድማ ነታ በትሪ ሓንሳብ ምስሓዝዋ ኣይገድፍዋን። ኣብ ግፍዕን ዲክተተርነት ድማ የምርሑ። ምስኦም ድማ ኣብቲ ሕብረተሰብ እቶም ዝኸፍኡ ደቅ ሰብ ከም ተሓባበርቲ እናኣደየቡ እታ ባቡር ይዝውርዋ።

ስለምንታይ እቶም ዝኸፍኡ ምስ ገፋዒ ይስቀሉ።

እዚ ዝኾነሉ ሰለስተ ምኽንያታት ኣሎ። ማለት ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘለዎም ብዙሓት ዝሳተፉሉ ጉዳይ በቲ ዝበለጸ ናይ ሕብረተ ሰብ ዘይኮነስ በቲ ዝኸፍአ ኣካሉ እዮም ዝምወሉ። ንርአ

1)     ዝለዓለ ትምህርትን ኣፍልጦ ናይ ውልቀ ሰባት እናዓበየ ምስዝኸይድ፣ እቲ ኣረኣእይኦምን ዝደልይዎ ነገራትን እናበዝሐን ፍልልይ ዝለዎን ይኸውን። ስለዚ ሓደ ዓይነት ድሌትን ፍልልይ ዘይብሉ ማለት ኣብ ዝተሓተ ስሚዒትን ስነ ምግባራዊ ኣሉታን ዝጸልዎም ማለት እቲ ብእንስሳዊ ስሚዒት ዝኸይድ ኣካላት ኣብኡ ሃሰስ ምባል የድሊ። እዚ ማለት ዝበዝሑ ደቅ ሰብ ትሑት ስነ ምግባር ኣለዎም ማለት ኣይኮነን። እንታይ ድኣ እቶም ዝበዝሑ ስነ ምግባር ዘይብሎም ሰባት እዮም። ኣብ ሓደ ሳንዱቕ ከተቐምጦም እንከለኻ ድማ እዚ ዘይብሀል ተግባር ይገብሩ።

2)     እዚኣቶም ብዝሖም ነቲ ብመራሒ ዝካየድ ድሌት ከማልኡ እንተኾይኖም ግን ምስቲ ሕብረተ ሰብ ኣነጻጺርካ ብዙሓት ስለዘይኮኑ፣ ንሱ ነዚ ቁጽሮም ከብዝሕ ኣለዎ። ስለዚ ድማ ናይቶም ምእዙዛትን ብቀሊሉ ተጠበርትን፣ ሓያል እምንቶ ዘይብሎምን ንሓደ ስሩሕ ጠባያት ዝቕበሉን ማለት ብፍላይ ብተደጋጋሚ ብዓውታ እንተድኣ ተነጊርዎም/ተነጊርወን ኣብ ልቦም/ልበን ዘሕድርዎን/ዘሕድርኦን ኣተግበርቲ ጸጸኒሑ የጥሪ። እዚኦም እቶም ሃሳስ ሓሳባትን ምስዝንገሮም ከም ነዊሕ ሳዕሪ ብንፋስ ናብትን ናብትን ዝብል ኣብ ግናይ ተግባራት ይኣትዉ። እዚኣቶም እዮም እቶም ብስሚዕትን ናህርን ነቲ ናይ ገፋዒ ሰልፊ ዝመልእዎ።

3)    ነዞም ተኸተልቲ ኣብ ሓደ ንምግባር ድማ እቲ መራሒ ንሱ ኣብቲ ናይ ልሙድ ናይ ደቅ ሰብ ድኽመታት ይጽውዕ። ምኽንያቱ ደቅ ሰብ ኣብ ሓደ ኣሉታዊ መደብ ማለት፣ ጽልኢ ናይ ጸላኢ፣ ቅንኢ ናይቲ ካባኻ ዝበልጽ ባእታ ንኣብነት ዝያዳ ይሰማምዑ ኣብ ክንዲ ሓድ ኣዎንታዊ ስራሕ።

ኣብዚ “ንሕና”ን “ንሶም”ን ዝብል ኣተሓሳስባ ኣብቲ ታሕቲ ይበዝሕ። እቲ ጸላኢ ውሽጣዊ ክኸውን ይኽእል ማለት “ከዳዕ” “ኢ.ሃ.ፓ.” ወይ ድማ ናይ ወጻኢ “ኢትዮጵያ” “ወያነ” ወ.ዘ.ተ.። እዚ ተክኒክ ካብ ሓደ ኣዎንታዊ መደብ ንላዕሊ ነቲ መራሒ ዝያዳ ነጻነትን ናይ ተግባር ስራሕን ክኸፈተሉ የኽእል። ማለት እቲ ሕዝቢ ናብዚ ስለዘተኩር ኣብ ውሽጢ ዝግበር ኢሰብኣዊ ተግባራት ከም ክፍሊት ናይዚ ናይ ወጻኢ ይኹን ናይ ውሽጢ ጸላኢ ምክልኻል ጌሩ ይወስዶ። ገፋዒ  ግዜ ይገዝእ። ብምኽንያት ድማ ሰብ የጥፍእ።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ስርዓት እንተድኣ ኣብቲ ናይ ስልጣን መሳልል ክትድይብ ተደልዩ፣ እቲ ውልቀ ሰብ ኢሰብኣዊ ወይ ድማ ስነ ምግባር ዝጎደሎ ተግባራት ክገብር ኣለዎ። እቲ ሽቶ ናይ ሓባር ምብጻሕ ዝብል ኣምር ካብቲ ናይ ውልቀ ሰብ ክውለድ ከሎ ዘጥረዮ ኣዎንታ ንላዕሊ ኣብ ናይ ሓባር ሽቶ ክብጻሕ ኣለዎ ስለዝበሃል ብዘይ ነግ ፈረግ ንኩሉ ስነ ምግባር ብምስጋር እዚ እቲ ዝዓበየ ጠባይ ናይቲ ስርዓት ይኸውን። እዚ ናይ ሓባር እየ ዝርኢ ዝብል ኣካል ነዚ ዕላማ ንምግልጋል ዘይገብሮ ነገር ዘይብሎ ቃላት የልቦን።

ሓንሳብ እንተድኣ እቲ ውልቀ ሰብ ንዝለዓለ ሽቶ ማለት ሕብረተ ሰብ ወይ ሃገር እዩ ዘገልግል ዝብል ሓሳብ እንተድኣ ተቐቢልካዮ፣ እቶም ዘሰንብዱን ዘጉህዩን ዝገርሙን ዝኸፉኡን ተግባራት ናይ ግፍዓዊ ስርዓት ከም ንቡር እቲ ተኸታሊ ኣብ ግብሪ የውዕሎም። ኣብዚ ናይ “ሓባር” ዓይነት ስርዓት ወይ ዝመርሖ ሓሳብ፣ ዘይተጻዋርነትን ንዝኾነ ተቓውሞ ብሓይሊ ምጭፍላቕን ምሕሳውን ብስለያ ነቲ ሕዝቢ ምክፍፋል ይረአ። ናይ ሓደ ውልቀ ሰብ ሕይወትን ታሕጋስን ናብራን ድሌትን ራኣይን ኣብ ግምት ፈጺሙ ኣይኣቱን።

ስሚዕታትና ዝትንክፉን ዘጉህዩን ተግባራት ንኣብነት ንሰላማውያን ሰባት ምቕታል፣ ደቂ ኣንስትዮ ይዕመጻ ምህላወን እናፈለጥካ ምልጋጽ፣ ክሃድሙ ዝፍትኑ መንእሰያት ምቕታል፣ ንዜጋታት ካብ ዝነበሩሉ ከባቢ ብሓይሊ ናብ ካልእ ከባቢ ምውሳድ (እንተኣበዩ ኣብ ማእሰርቲ ምድጋን)፣ ናብቲ ሽቶ ናይ ሃገራዊ ሃላወን ምዕባለን እዩ ስለዝበሃል ከም ዋጋ ምኽፋል ኮይኑ ከምዝረአ ምእማን ዝኣመሰሉ ስሚዒታት ኣብቲ ላዕሊ ዘሎ ክሰርጽ እንከሉ እቶም ግዳያት ግን ነዚ መደብ ከምዘይቅበልዎ ኣብ ግምት ኣይኣቱን።

ፍልጠት ስለምንታይ ኣድላዪ ይኸውን።

ለውጢ እንተድኣ ክመጽእ ኮይኑ ስለምንታይ ኣብዚ ተበጺሑን እቲ ኣተሓሳስባ ክቕየርን ኣለዎ። ነዚ ድማ እዩ ፍልጠት ዘድሊ። ኣብዚ መዋእል ኢንተርነት ዘሎ ሕብረተ ሰብ ዳርጋ ክፈልጦ ዝደሊ በቲ ዝወሓደ ክረኽቦ ይኽእል እዩ። ንነፍስ ወከፍ ድማ ብፍልጠት እዩ ዋልታ ናይ ሕይወት ዝገብር። ኣብዚ እዋን እዚ ናይ ጋሂን ወይ ንሕና ዝበሃለሉ ዘመን እዩ። ካብዚ ክንወጽእ ኣይንኽእልን ኢና። እንተኾነ ግን ኣብቲ ጸላም ሰማይ ብልጭታ ይረአ ኣሎ። እዚ ድማ ኣብ ዘዘለኻዮ ኮይንካ ንነብስኻ ምምዕባልን ለውጢ ኣብ ሕይወትካ ምምጻእን እዩ ዝብል ድምጺ ይድሀ ኣሎ። ነዚ እውን ካብቲ ገፋዒን ተላኣኽቱን ኣብ መርበባት ይኹን ኣብ ተቓውሞ መሰል ሰባት ብድሆታት ይገጥሞ ኣሎ። ስለምንታይ እንተተባህለ እዚኣ እቲ ገፋዒ ክቆጻጸራ ዘይክእል ስለዝኾነት። ከምኡ እውን እንተድኣ እዚ ናይ ስደት ባእታ ናብ ገዛእ ሕይወት ኣድሂቡ እቲ ዝኽፈል 2%ን ኣድህቦ ናብ ሃገርን ክስእኖ ስለዝኾነ።  

ደቅ ሰብ ንቡር ናብራ ኣብ ወጻኢ ከካይዱ ኣለዎም። ንነብሶም ኪኢሎም ንደቆም ኣብ ንቡር ኣብያተ ትምህርትን ማሕበራዊ ሕይወት ስፖርትን ተዋስኦን ሙዙቃን ስነ ጥበብን ኣብያተ መጻሕፍትን ከስንቕዎም እንተድኣ ጌሮም ኣብቲ ባሕርይ ዝሓሰቦን ንመላእ ዓለም ብሰላም ዘካይድ ዘሎ ስነ ሓሳብ ክኣትዉ ይኽእሉ እዮም። ብዝከኣል ኣብ ናይ ድሑር ናይ ማሕበርነት ነበር ዓይነት ምትእኽኻብን ዘለዓለም ናይ ኩናትን ስነ ኩናትን ዛንታን ታሪኽን ኮለል ምባልን ኣብ ናይ ቀድም ትውልዲ ጠጠው ክብል ኣለዎ። መንእሰያትን ቆልዑን ክሕጎሱን ክነብሩን ኣለዎም። ናይዛ ዘለናያ ዓለም መጻኢ ሓኻይምን ፕሮፈስሮታታን ስነ ጠባባውያንን ነርስታትን ከሚስትታትን ስነ ቁጠባ ተመራመርትን ናይ ሰላም መልእኸተኛታትን ፖለቲከኛታትን ናይ ጠፈር ገየሽትን ወዘተ….. ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።

ነቶም ኣብ 60ታትን 70ታትን መንእሰይ ግዜኦም ሃገር ነጻ ከውጽኡ ዝተዋፈሩ እቲ ሓቂ ምስኦም ኣሎ፣ ግዜኦምን ሕይወቶምን ንፍትሕን ስነ ምግባርን፣ ንስርዓተ ሕጊ ሕይወቶምን ግዜኦምን ስለዝኸፈሉ ኣብ ዘዘለዉዎ እንተድኣ ተወድቦምን ተማሂሮምን ንስነ  ፍትሒ ተቃሊሶምን እዚ ንባዕሉ ዓቢ ገጸ በረከት ነቲ ዝሓለፈ ግዳይን ኣብዚ ግዜ እዚ ዘሎ መንእሰይን እዩ።

“ንኹሉ ግዜ ኣለዎ” ኢሉ ንጉስ ሰለሞን። እዚ ግን ብናይ ዜና ዓለምን ናዕብታት ኣሕዛብን  ዝኸይድ ኣይኮነን። ዝኾነት ሃገር ነናታ ሰዓትን መዓልትን ኣለዋ። ንሓደ ብጥሜትን ብሽግርን ግፍዕን ዝሳቐ ዘሎ ሕብረተ ሰብ ተላዓል እናበልካ ምጽዋዕ ኣብ ባይታ ዘሎ ህላወ ዘይ ስንኻስ እንተትቑርጥመሉ ከምዝበሃል እቲ ኣስናን ዘይብሉን ኣብ መምዓልቲ ሓድሽ ሽግር ኣብ ዝፍጠረሉ ሃዋህው ዝነበር ዘሎ ሕዝቢን ትዕድሎትን ዘይምርዳእ ጥራሕ እዩ ዘተንብህ። ዝኾነ ደቅሰብ ንርእሱ ጥራሕ እዩ ክቖጻጸር ዝኽእል። ስለዚ ነፍስ ወከፍ ናይ ገዛእ ርእሱ ምዕባለን ትዕድሎትን ደላዪ ፍትሒ ምኻኑ ተገንዚቡ ይመርሽ። እቲ ካልእ ድማ ባዕሉ ክስዕብ እዩ።

ሰለሞን ስዩም