ሎሚ ብምኽንያት  ሸሞንተ መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ሕዱር ናፍቖተይ ክገልጽ ብርዐይ እኳ እንተልዓኩ ትማልን ሎምን ወትሩ ኣብ ልበይ ኢኽን ብጾተይ! ዝኽርን ንግደትን፡ በዓልን ኣውደኣመትን፡ ምስ ኩላትክን ብጾት፡ ብጾት ዕላማን ክብረት፡ ብጾት ፍቕርን ሕድርን ዘሕለፍኩዎ እዋን ክዝክር እንከለኹ፡ ነቲ ኣብ ንእስነትና ብምዉቕ ፍቕሪ ዘሕለፍናዮ መሪር እዋን እዝክር። ነፍሲ ወከፍክን ከኣ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ከም ህያው ፊልም ተቐሪጽንክን ትረኣያኒ።

ዝኽረይ ናብ ኩሉ ስፍራ ጀግነንት፡ ስፍራ ፍቕርን ብጻይነትን፡ ስፍራ እምነትን ጽንዓትን ስለዝወሰደኒ   ኩልኽን ብጾተይ ስዉኣት ስንኩላት፡ እሱራት ስዱዳት፡ ልዕሊ ምዉታን ትሕቲ ህልዋን ኬንክን ኣብ ትሕቲ ምልኪ ከርፋሕ ህይወት እተሕልፋ ዘለኽን ሰንደቕ ሓበን ብጾተይ ልባዊ ናፍቖተይ እገልጸልክን።

ብርዐይ ንሞያኽን ጀግንነትክንን፡ ንጽንዓትክንን ተወፋይነትክንን ክትገልጽ ኣይኮንኩን ኣልዒለያ። ንዕኡ ዝበቅዕ ዓቕሚ የብለይን። ንሱስ ውርጹጻት ጸሓፍትን ከየንትን እውን ዝኽእሉዎ ኣይመስለንን።  ነዛ ዕለት ኣጋጣሚ ተጠቒመ  ናፍቖተይ ክገልጽ ስለዝደለኹ ጥራሕ እየ ዝኽረይ ዝፈታትሽ ዘለኹ።

ክቡራት ብጾተይ" መቓልስተይ - አሕዋተይ ደቂ ሃገረይ፡  ሰብኣዊ ሓርነትና  ዘውሕስ፡  ሃገራዊ ቅዋም ክትግበርን  መብጽዓን ሕድርን ሰማእታትና ክዝከር ስለዝጸዋዕክን  ጥራሕ ኣብ ሸላታት ምልኪ  ተሓይርክን ዘለኽን ሰንደቕ ጽንዓት ብጾተይ፡ ኣብቲ ደሓን ዘይህብ ሲኦል ምልኪ ብደሓነ ሰላም ክትህልዋ ከቢድ እዩ'ሞ፡ ግን ዋላ እውን ኣብቲ ሲኦል ደሓን ንክትህሉዋለይ  እምነ።

ካብ ምዉቕ ቤትን በብዓቕሞም ብልዑል ፍቕርን ሕንቃቐን ካብ ዘዕበዩኽን ወለድኽን  ብክቱር ብሃገራዊ ስምዒት ተደሪኽክን፡ ኣብ ሸዊት ዕድመኽን ንሜዳ ክትሰለፋ እንከለኽን ህይወትን ንመስዋእቲ ከምዝወፈኽናኣ ዘይፈልጥ የብልናን። ድርኩኺት ቤትክን  ካብ ዝሰገርክናላ ዕለት በጃ ህዝብን ሃገርን ስለዝተወፈኽን፡ ከም ኩሎም እቶም ገዲፍናዮም ዝኣተና ብሉጻት ሰማእታትና ኣብ ቃልሲ ሓርነት ክትሓልፋ እምበር  ብህይወት ክትምለሳ  ዝተጸበየ ኣይነበረን።  ንስኽን ኣይተጸበኽን ወለድኽን ኣይሓለሙን። ግን  ካብ ብሱል ጥረ ኬንክን ዓዲ ኣቲኽን፣ ዓዲ ኣቲና። መግዛእቲ ምስ ሰዓርና፡ ሰብኣውን ቁጠባውን ሓርነት ንምህናጽ ንጽገም ኣይመሰለናን። ግን ዝኣመንናዮ መራሒ ስለዝጠለመና ሓሳብ ልብና ኣይሰመረልናን።

ክቡራት ብጾተይ፡ እቲ ኩሉ ሓሳረ መከራ ገድሊ አሕሊፍክን፡ ድርብ ቃልሲ ኣካይድክን ተባዕታዊ  ልዕልነት ሓምሺሽክን  ብስረኽን ሃገር ሓራ ገይርክን ከተብቅዓ ምሉእ ሓርነት ከተውሕሳ " መገድና ነዐሪ!" ስለዝበልክንን ከምኡ ከምእትሓስባ ስለዝተገምገምክን ምስ መቓልስትኽን ኣርካናት ገድሊ ተሰዊርክን ኣለኽን። ኣካልክን እኳ እንተረሓቐ፡ መንፈስክንን ዝኽርኽንን ግን ወትሩ ኣብ ልብና ተሰሪቱ ኣሎ።

ፍቱዋት ብጾተይ እዚ ንዓኻትክን ኣብ ሸላታት ቀፊዱ ዘሎ ጨካን ስርዓት ብተግባራቱ ተቓሊዑን ተፈንፊኑን እዩ። እቲ ቐደም ክፋኡ ዝጉልብበሉ ዝነበረ ህዝባዊ ተቐባልነት ሎሚ የሎን። ደጊም  እቲ ዝተኸልክነኦ ፈልሲ ሓርነት ነዚ ስርዓት ዕርቃኑ ኣውጺኡዎ እዩ። ሎሚ እቲ ጋን ኮይኑ ዝነበረ 90% ህዝብና ኣብዚ ስርዓት እዚ ዝነበሮ ተስፋ ተጸንቂቑ እዩ። ብተግባራቱ ስለዝተናዕቀ ከኣ እዩ መራሒና፡ ካብ መራሒ ሃገር ክወጽእ ብዘይግበኦ ብዱዕ ቃላት" ፍትሒ'ዶ ደሞክራሲ ዝብል ወገን እንተልዩ፡ ኣብ ካልእ ፕላኔት ሃገር ይድለ" ክብል ጽላለኡ ዘግሃደ።

እዚ ጨካን መራሒ፡ "ዶብና ከይተመልከተ ቅዋም ከነተግብር ኣይንኽእልን ኢና" ብምባል ንመንእሰያትና ናይ ግዜ ገደብ ኣብ ዘይብሉ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ጸሚዱዎም እኳ እንተጸንሐ ሎምስ ኩሎም ፈሊጦሙዎ፡ ኩሎም መዛኑ ደቅኽን  መንእሰያት ጸገም መራሒና፡ ጸገም ጥዕና እምበር ጸገም ፖለቲካ ከምዘይኮነ ኣጸቢቖም ተረዲኦምዎስ  በብዝመስሎም መገዲ ይቃወሙዎን ይርሕርሑዎን ኣለው።

እቶም ኣብ ቀዳሞት ዓመታት ቁልዕነቶም ክሳብ 10ይ ዓመቶም ኣቢልክን ብፍቕርን ሓልዮትን  እግሪ ዘትከልክናኦም ደቅኽን ሎሚ ጎቢዞም፡ ብትምህርቶም ኮነ ስነ-ምግባሮም ዝምስገኑ ቖልዑ ክይኖም ምህላዎም ከበስረክን እደሊ። ደቅኽን ኣሰር ወለዶም ዝረገጹ፡ ቅኑዓት፡ ሓቀኛታት፡ ተባዓት፡ ጽኑዓት፡ ልዕሊ ኩሉ ከኣ በላሕትን ንቑሓትን ኮይኖም ኣለው። ንሕና ብጾትክን ድማ ምስሉኽምን ባህሪያትኩምን እናዘከርና ከነመሳስለኩም ንውዕል ኣሎና። ኣጆኽን ኣናብስ ኢኽን ወሊድክን እሞ ኣብታ ሸላኽን ኬንክን ተሓበና።

ደቅኽን ዛንታ ውዕሎኽን ክሰምዑ፡ ኣዝዮ እዮም ዝህንጠዩ፡ ብዛዕባኽን ከነዕልል ከኣ ግዜ ኣይኣኽለናን እዩ። እቲ ጸዋር ባህሪያትክን፡ እቲ እትገብረኦ ዝነበርክን መስሓቕ፡ እቲ ጽንኩር ኩነታት ታዕሊም   ንምስዓርን እትገብረኦ ዝነበርክን ምብልሓትን፡ ንቕሓት ሓደስቲ ተዓለምቲ ክብ ንምባል ብፖለቲካዊ ትምህርትን ባህልን ምንቕቓሕን ዘርኣኽነኦ ተወፋይነት፡ መርበባት ስለያ ጸላኢ ንምስባር እትገብረኦ ዝነበርክን ጻዕሪ፡ ታሪኽ ተጋድሎና ብፊልምን ሲነማን ብህያውነቱ ንምቕራብ ዘበርከትክነኦ ሞያ፡ ብዜማን ድምጽን ብደርፍን ድራማን ሞራል ህዝብና ንምብራኽ ዝሰራሕክነኦ ቅያ ሓደ ብሓደ ኢና ነዘንትወሎም። ደቅኽን ጥራይ ዘይኮነ መላእ ህዝቢ ይናፍቐክን፣ ምኽንያት ሽርበትክን አዕርዩ ስለዝፈለጥ ከኣ ከም ሰንደቑን ኮኸቡን እዩ ዝርእየክን።

እዚ ዕላማና ብብዝሐ ሰልፋዊ ስርዓት እትመሓደር ቅዋማዊት ሃገር ንምምስራት እዩ!" እናበለ ዝልፍልፍ ዝነበረ መራሒና ኢሳይያስ ሎሚ ስነ-አእሙራዊ ጸገም ስለዘማዕበለ፡ ብዘይካይ፡ ሰልፊ ኮነ ውድብ የሎን፣ ኣነ ሰልፊ፡ ኣነ ውድብ፡ ኣነ ቅዋም ኣነ ሃገር ክሳብ ምባል በጺሑ ምስ ግኒ ነብሱ ይበኣስ ምህላዉ ወረ በጺሑክን ይኸውን። "ቅዋም ይተግበር!" ኢልክን፡ ንዘልዓልክነኦ ጭርሖ ዘቃልሕ ሰዓቢ መትከልክን ስለዝበዝሐ፡ ኣብዚ ቐረባ ግዝያት፡  ዓቕሉ  ጸቢቡዎ፡  " ቅዋም ሞይቱ ተቐቢሩ እዩ!" ክብል  ኣርዲኡና።

ደጊም ውሑዳት ዘይወግሕ ዝመስሎም፡ ኣብ በዂራ ከፋዂሱ ኣብ ዳስ ግብኣቱ ሸረኽረኽ ዝብሉ ግቡዛት ገዲፋካ ኩሉ ጸይኑዎ እዩ። ተፈቲኻ ክትጽላእ፡ ተወዲስካ ክትረክስ፡ ከቢርካ ክትናዓቕ መርገም እዩ። ኮይኑ ከኣ፡ እዚ ከይሲ ሃገርና፡ ማስጣኽን ማስጣ ውጹዓት፡ መርገም ሓፋሽ መርገም ህዝቢ በጺሑዎ የዕነኒ ኣሎ። ውድቀቱን ዕርበቱን ከኣ ነዊሕ ኣይክኽወውንን እዩ። እታ ብደምክን ህያው ዝገበርክናኣ ሃገርን እቲ ክልተ ሳዕ ዝተበጀኽናሉ ህዝብን  ወጋሕተኦም ቀሪቡ እዩ።

ብልቢ እትናፍቐክን

ተጋዳላት ብጸይትኽን ካብ ስደት

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...