ትውልዲ “ኣለና” 5ይ ክፋል፤ ይቕረታ ምሕታት፤ ካብ መሪሕነታት ህ.ግ. ዘይተለምደ ኣምር።

ብድሕሪ እቲ ብ2001 ዝተረኽበ ናይ ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን ጋዜጠኛታት ምእሳር፣ ኣብ ወጻኢ ኣባላት ጂ11 ነበርን ኣባላት ጂ13 በርሊን ማኒፈስቶን ተሓባበርቶምን ኣብ ዓለም ጸጸኒሖም ቃለ ምሕትትን ናይ ሕዝቢ ኣኼባታት ከካይዱ ተራእዩምን ይረኣዩ ኣለዉን። ብፍላይ ብዛዕባ ስለምንታይ ይቕረታ ዘይሕተተ ንዝተባህለ ሕቶ መልሲ “መን እዩ ንመን ክሓትት” ዝብል ዘረባ ግን ኣይግድን።

ብኣምበሳደር ዓንደብርሃን ዝቐረበ ይቕረታ መሰል ጽሑፍ ኣብቲ መጽሓፉ ካብ ገጽ 630 ክሳብ 633 ናይ ዝተገብረ ዘይሓላፍትነታዊ ንሕፍነት ኣብ ቅድሚ ገበንን ነንሕድሕድ ምትንኻላትን ምክፍፋላትን ዘምጽኦ መልሰ ግብሪ እቲ መሪሕነት ምስ ጸሓፊ ከምዝፈሸሉን …ናይቲ ዝወረደ ኣደራዕ ሓላፍነትን ተሰካምነትን ከምኡ እውን ቃንዛ ናይዚ ዘሎ ኩነት እስከም ዝብል እቲ ዝቐረበ ይመስል። ንሕዝቢ ይቕረታ ምሕታት ኣይኮነን ግንከ ናብኡ እዩ ዘምልክት። ብእንግሊዝ ንሕጊ ዝምልከት ናይቲ ኩነታት ገበን ዝምልከት ፍሉይ ኣምር ኣሎ እዚ ድማ ናይቲ ገበን ዝተተግበረሉ ክስተት ዝረአን ዝምስከረሉ ተርእዮታት ኣብ ግምት የእቱ ማለት Circumstantial Evidence. ስለዚ ሰባት ኣብቲ ግብሪ ኣይውዓሉ እምበር ኣብቲ ግዜ እንተድኣ ኣብቲ ከባቢ ክግበር ይፈልጡ ኔሮም ንሶም እውን ይሕተቱ እዮም። ናቶም ርእይቶ ድማ ምስቲ ካልእ መረዳእታ ኣብ ባይታ ይወርድ።

ኣብ ሓደ ናይ ምልካዊ ስርዓት ዝርአ ተግባር፣ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ግፍዕን ቅንጸላን ናይ ደቅ ሰብ ካብ ምድሪ ገጽ ምሽራብን ዝኣመሰሉ ተርእዮታት ከም “ዋጋ” ናይቲ “ዝለዓለ ዕላማ” ማለት ንኤርትራውያን ነጻነት፣ ንጀርመናውያን ድማ ሃገራዊ ክብርን ዕላማ ጽሩይ ዓሌት፣ ንናይ ላቲን ኣሜሪካ ወተሃድራዊ ግዝኣታት “ጸረ ዴስነት”፤ ንዚምባብወ “ጸረ ጸዓዱን” “ጸረ ግዝኣት” እናተባህለ ዝተወስደ ስጉምቲ ጌርካ ናይ ምርኣይን ናይ ምምኽናይን ተርእዮ ኣሎ።

ኣብቲ እቲ ነገር ዝተኸስተተሉ እዋናት ናይ 70ታት፣ 80ታት፣ ወይ ውን 90ታት፣ ማለት ኣፍልጦ ኢንተርነትን ናይ ሓበረታ ምንጭታት ኣብ ዘይነበረሉ እዋን ናይ ምርኻብን ምክታዕን ቦታ ግዜን ኣይነበረን ክበሃል ኣብ ዝከኣለሉ ኩነት ነቢሩ ክበሃል ይከኣል። ኣብዘን ዝሓለፋ ናይ 21 ክፍለ ዘመን 10 ወይ ውን 15 ዓመታት ግን ኣብ ዓለም ዝተረኽበ ኣብነታትን ናይ ገዛእ ርእስኻ ሕይወትን ተመክሮን ኣብ ፍልይ ዝበለ ትንተና ክኣቱ ይኽእል እዩ ዝበሃለሉ ደረጃ በጺሑ ከምዝኾነ ዘይምግንዛብ ክረአ እንከሎ እቲ ምኽንያት ናይ ሓበረታ ምስኣን ክኸውን ይኽእል እዩ ናብ ዝብል መደምደምታ ክብጻሕ ይከኣል። ኣብ ኢዶም እንከሎ ግንከ ሰኣን ሃሰስ መሰስ ኣይረኣይዎን ወይ ኣየቕለቡሉን ክበሃል ይከኣል። ስለዚ ምናልባት እቲ ኣርእስቲ እንተ ተዳህሰሰ ይሓይሽ ብምባል እዚ ይወጽእ ኣሎ።

እዚ ኣምር እዚ ነቶም መራሕቲ ነበር ተ.ሓ.ኤ. እውን ይምልከቶም እዩ።

ስለምንታይ ናይቲ ታሪኻዊ ንናይ ሓሳባትን ርእይቶን ፍልልያት ብረጽሚ ናይ ምፍታሕ ኣገባብ ብመሰረቱ ስለዝጀመርዎ። ይረድኣዮም ኣይረድኣዮም ኣብቲ ናይ ንእስነቶም እዋን። ምኽንያቱ ታሪኽ ታሪኽ እዩ። ከም ተግባር ግን ተሳቲፎሞን እቶም ናይቲ እዋን ተኸተልቶም ድማ ተሓባቢሮምን መስኪሮምን እዮም።

ኣምር ይቕረታ ምሕታትን ኣብነታት ኣብ ዓለምና።

ኣምር ይቕረታ ምሕታት እቲ ዝሓትት ዘሎ ውልቀ ሰብ ኣብቲ ጉዳይ ናይ ማህሰይቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሃገሩ ብኣካል ኔሩ ኣይሰምዕን እዩ። ከምቲ መንግስቱ ሃይለማርያም ኣብ ቃለ መሕትት ዝበሎ፣ “ኣነ ሃማማ ትኹን እውን ኣይቀተልኩን”። ሓቁ እዩ። እቲ ተግባር ካልኦት እዮም ኣተግቢሮሞ። ናይ ሂትለር ሕታም እውን ኣብቲ ንዓለም ዘስካሕከሐ ተርእዮ ናይ ኣሕዛብ ምጽናት ኣካላዊ ተግባር የልቦን እዩ ዝበሃል ክሳብ ሎሚ። ኣዚዙ እንተኾነ እውን ብሓፈሻ ድኣምበር ብውልቀ ሰብ ደረጃ ጌና ኣብ ምርምር ዘሎ ጉዳይ እዩ። ስለዚ እዚ ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ እዩ።

ንዝኾነ ስርዓት ግን ደው ዘብልዎን ብፍላይ ድማ ነቲ መልክዑ ከም ጥዕና ዘለዎን፣ ብስነ ስርዓት ከምዝኸይድን፣ ኣገባብ ከምዘለዎን ጌርካ ናይ ምቕራብ ተራ ዘለዎም ሰባት ኣለዉ። እዚኦም ኣብ ሓደ ጉዳይ “ቅትለት” ይኹን “ናይ ሞት ፍርዲ” ክወሃብ እንከሎ፣ ኣብ ኮሚቲታትን ናይ መጽናዕቲ ሽማግለ ክኣትዉ ዝተቐሰቡ ባእታታት ይምልከቶም እዩ። እዚ እንተዘይጌርና “ንሕና እውን ምጠፋእና” ዝብል ምኽንያት ኣብ ቦታኡ እንከሎ፣ እንተድኣ ካብቲ ኩነት ሃዲሞምን ምስ ኩለንትናኦም ክድሕኑ ኪኢሎም ግን ናይቲ እዋን “መስከርቲ” እዮም ዝኾኑ። እዚ ቀሊል ተራ ኣይኮነን። ግንከ ዓለምና ከምእትምስክሮ፣ ብዙሓት ደቅ ሰብ መጻኢኦም ክቖጻጸሩሉ ኣብ ዘይክእሉ ናይ ሕይወቶም ዕለት ምርጫታት ንኽወስዱ ይግደዱ እዮም። ስለዚ ድማ ኣብ ሓደ ኩነት ነገራት ይኸይድ እናሃለወን እናፈለጡን ከጽቕጡ ይመርጹ። ኣብ ሕክምና ዝነበሩን ኣብ ነጻነት ኣብ ኣስመራ ዝኣተዉን ክወዳደር ከሎ በቶም ነባራት ከመይ ኢሎም እዮም ገለ ተሪፎም ገለ ኣትዮም ዝብል ሕቶ ይስማዕ እዩ። እዚ ኩነት፣ ኩሉ ኣብ ማእሰርቲ ዝነበረ ክስምክሮ ከምዝኽእል “ኣይውረድ” እዩ ዝበሃል ስለምንታይ እንተዘይጽቕጡ ኔሮም ኣይምነበሩን። እታ ፈታኒት እዋን ድማ ኣይተመክሕን እያ። ምኽንያቱ ኣብ ከምዚ ኩነት እዚ ዝውሰድ ምርጫ ኣቐዲምካ ክትሓሰበሉን ኣየናይ እዩ ቅኑዕ ትብለሉ ኩነት ኣይኮነን። ርዱእ እዩ። ግን ብ”ኣነ” ዝብል መንፈስ እንተድኣ እቲ ጉዳይ ተራእዩ ናይ ብድዐ ምልክት ክመስል ስለዝኽእል ብቐንዱ እቲ ዝወረደ ግፍዒ ዝተሰከሙ በዓል መን ከምዝነበሩ ምዝካር ነቲ ኣረኣእያ ካልኣይ ገጹ ከምዝድህብን ኣብ ቦታኡ ኔረ እንተዝኸውንከ ከምኡዶ ምበልኩ ዝብል መንፈስ ምዝካር ሓደ ካብቲ ነቲ ጉዳይ ኣብ ምርዳእን ምጽውዋርን ሰሰኸምካ ናይ ምፍላጥን ሓሳብ ይስዕር ይኸውን ዝብል ግምት ኣሎ።

ስለዚ እዚ ጉዳይ እዚ ብመሰረቱ ከም ቀንዲ ነቶም ግዳያት እዩ ከምዝምልከት።

ኣብዚ ክርድእ ዘለዎ እቲ ናይ ይቕረታ ምሕታት ጉዳይ ኣካታዒ ክኸውን ይኽእል እዩ። ግንከ ኣብ ሕልናን ግዳይነትን ንዝመጽእ ናይ ስነ ኣእምሮኣውን ስነ ምፍልሳፍን ነዚ ተኣፋፊ ኩነት ታሪኽ ካብ ምትንታን ዓዲ ኣይወዓለን። ምኽንያቱ ብፍላይ በቲ ናይቲ ክስተት ግዳይ ዝኾነ ኣካል ዝረአ ናይቲ ይቕረታ ዝሓትት ዘሎ ምቕባልን ዘይምቕባልን ዘስዕቦ ርእይቶ ኣሎ። ንኣብነት እቲ ነዚ ጉዳይ ዘጽንዐ ደሪዳ ዝበሃል ከምዝረኸቦ፤ ሓንቲ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ዜጋ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ብበዓል ኣቡን ደስሞንድ ቱቱን ካልኦትን ዝተመርሐ ናይ ሓቕን ምርድዳእን ኮሚሽን ምስቀረበት ዝሃበቶ ርእይቶ ኣሎ። ማለት ንበዓል ቤታ ድሕሪ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈጸመሉ ናይ ምስቓይ ኩነት “እቲ ኮሚሽን ክምሕር ኣይክእልን እዩ፤ ምናልባት ኣነ እየ ክምሕር ዝኽእል፣ ግንከ ንምምሓር ኣይቅርብትን እየ” ዝበለቶ ኣብነት ምግንዛብ ይከኣል።

እቶም ይቕረታ ክሓቱ ዝሕተቱን ዝምልከቶምን ክፈልጥዎ ዘለዎም ታሪኽ።

ኣብ ዓለም እቶም ብይቕረታ ምሕታት ፍሉጣትን ኣብ ታሪኽ ምዝጉባት ኣብነታት በቶም ኣብቲ ጉዳይ ዘይወዓሉን ኣብ ግፍዒ እውን ብዕድመ ይኹን ብግብሪ ዘይወዓሉን መራሕቲ ዝተገብሩ እዮም። እተን ኣዝየን ፍሉጣት 10 ኣብነታት ንመልከት።

1)    ብሰነ 15 መራሒ ቀዳማይ ሚኒስተር እንግሊዝ ነቶም ኣብ ናይ ሰሜን ኣይረላንድ ብ1972 ኣብታ ብ”ደማዊት ሰንበት” እትፍለጥ መዓልቲ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ 14 ብረት ዘይነበሮም ሰላማውያን ዝተፈጸመ ቅትለት ይቕረታ ሓቲቱ። እዚ ኣብቲ ናይዚ ፍሉይ ቀዳማይ ሚኒስተር ግዜ ስልጣን እውን ኣይነበረን ሓሊፉ። እንታይ ድኣ ብስም መንግስቲን ስርዓትን ስለዝተገብረን እቲ እዚ ጉዳይ ዘስዓቦን ብምግንዛብ ዝተገብረ እዩ ኔሩ።
2)   ነቲ ካልኣይ ኩናት ዓለም ዘግሃዶ ዓቢይ ናይ  ሰብ ምጽናት ኣብነት ከመይ ጌርካ ይቕረታ ይሓተት ዝብል በቲ ኣብ ሕይወቱ ጸረ ናዚን ኣብቲ ህሞት እቲ ኣብ ስደት ዝነበረን መራሒ ጀርመን ኣብቲ ሓደ ኣብነት ጽንተት ሕዝቢ ዝኾነ ናይቶም ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ዕላዊ ወተሃደራት ፖላንድ ንዝተተኽለ ሓወልቲ ክበጽሕ ምስከደ ብግብሪ ብምንብርካኽ ይቕረታ ሓቲቱ።  
3)   ኣብ ደቡብ ኣሜሪካ ኣርጀንቲና ዝተኻየደ “ረሳሕ ኩናት” ኣንጻር ዴሳውያንን ተሓባበርቶምን ዝተኻየደ ጥፍኣት ኣስታት 30,000 ዝኾኑ ዜጋታት ካብ ኣየር ብምጽዳፍን ኣብ ምስጢራዊ ጎዳጉዲ ብምቕባርን ናይ ዝጠፍኡ ዜጋታት ግፍዒ ብኸመይ ተኻይዱ? እቶም ብ70ታት ኣትሒዞም ስልጣን ናይ ዝሓዙ መራሕቲ ሰራዊት ዝተገብረሎም ናይ ምሕረት ኣዋጅ ብ2003 ምስኣብቀዐ ብፕረሲደንት ኪርችነር ዝምራሕ መንግስቲ ብዕለት ግንቦት 24፡ 2004 ኣብ ርእሰ ኸተማ ቡወኖስ ኣይረስ ብወግዒ ናይ ይቕረታ ምሕታትን ናይቶም ዝተሸርቡ ዜጋታት ዝኽሪ ኣካይዱ።
4)   ናይ ኣሜሪካ ዓሌታዊ ሕጊ ጂም ክሮን ባርነት ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ብሓምለ 29፡ 2009 ብፈደራላዊ መንግስቲ ይቕረታ ተሓቲቱሉ። እዚ ይቕረታ ግን ከምቲ ንማእሰርቲ ጃፓናውያን ኣሜሪካውያንን ካልኦትን ዝተገብረ ናይ ገንዘብ መዳቐሲ መሕተቲ ንኸይከውን ዝምልከት ሓረግ ምስኡ ወጺኡ። ግን ይቕረታ በቲ ስርዓት ተሓቲቱ።
5)   ነልሰን ማንደላ ፕረሲደንት ካብ ዝኸውን ድሕሪ 2 ዓመት ኣቢሉ፣ እቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ፕረሲደንት ኤ.ፍ. ደክለርክ ኣብ ቅድሚ ናይ ይቕረታን ምርድዳእን ኮሚሽን ብውግዒ ብምቕራብ ናይ ዝሓለፈ 46 ዓመታት ጭቆና ብዕለት ነሓሰ 21፡ 1996 ይቕረታ ሓቲቱ። በዝን ብኻልእ ንሰላማዊ ናይ ስልጣን ምትሕልላፍን ዝገበሮ ኣብርክቶ ምስ ነልሰን ማንደላ ተሽላሚ ናይ ኖበል ክኸውን በቒዑ።
6)   ጃፓን ኣብ ልዕሊ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኩናት ምስ ኣወጀት፣ እቲ ናይ ኣሜሪካ ስርዓት ንጸጥታ ናይቲ ሃገርን ምክልኻልን ብምባል ሕጊ ኣሕሊፉ ነቶም ኣብ መሬቱ ፈሊሶም ዝነብሩ ዝነበሩ መበቆሎም ጃፓን ዝኾኑ ሰባት እቲ ኩናት ክሳብ ዝውዳእ ኣብ ሓደ ማእሰርቲ ኣእተዎም። እዞም ዜግነት ዝነበሮም ሰባት ክነሶም ዝተኣስሩ ኣሜሪካውያን 40 ዓመታት ዝወሰደ ናይ ቤት ፍርዲ ክትዕን ጉዳይን ተራእዩ ብዕለት ነሓሰ 10፡ 1988 መሰሎም ከምዝተገፈ ብምእማን ፈደራላዊ መንግስቲ ሮናልድ ረጋን ይቕረታ ሓቲቱን ነፍስ ወከፍ ነቲ ክስተት ዝሓልፉን ብሕይወቶም ዝነበሩን ድማ ናይ ገንዘብ ክፍሊት ከምዝወሃቦም ተጌሩ።
7)   ጋሊለዮ ጋሊለይ ዝተባህለ ኢጣልያዊ ዜጋ፣ ናይ ኣድማስ ስነ ፍልጠት ብምጽናዕ ዓለም ከባብን ኣብ ዙርያ ጸሓይ እያ እትዘውር ምስበለ ብ1633 ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሮማ ነዚ ሰብ እዚ ከሲሳ ኣብ ሓዊ ክቃጸል ከምዝኽእል ምስነገረቶ ጋሊለዮ ነቲ ሓቂ “ሲሕብዎ” ግንከ ሙሉእ መዋእሉ ኣብ ማሕዩር ነቢሩ። ድሕሪ 359 ዓመት ብዕለት ጥቅምቲ 31፡ 1992 ጵጵስና ዮውሃንስ 2ይ ወግዓዊ ይቕረታ ነዚ ናይ ጋሊለዮ ጉዳይ ኣቕሪቡ። ጳጳስ ዮውሃንስ 2ይ ሓደ ካብቶም ብዙሕ ይቕረታ ዝሓተተ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ሮማ እዩ።
8)   ኣብተን ጃፓን ብሓይሊ ዝሓዘተን ሃገራት ዝተኻየደ ጾታዊ ባርነት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ካልኣይ ኩናት ዓለም ሓደ ካብቲ ገበናት ነበረ። እዚ ናይ ጃፓን ስርዓት ድሕሪ ብዙሕ ናይ ቤት ፍርድን ክትዕን ኣስታት 200,000 ንዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ብወርሒ መጋቢት 27, 2007  ብፓርላማ ደረጃ ይቕረታ ሓቲቱ።
9)   ኣብ ኣውስትራልያ ዝነበሩ ደቀባት ኣቦርጂኒ እውን ብየካቲት 13, 2008 ብፓርላማ ደረጃ ቀዳማይ ሚኒስተር ረድ እቲ ኣብ ልዕሊ እዚኣቶም ዝወረደ ግፍዒን ሓዘንን ጥፍኣትን ኣንጻር ዜጋታት ኣውስትራልያ ከምዝተኻየደ ብወግዒ ኣሚኑ። ብፍላይ ነቶም ደቀባት ንምጥፋእ ኣብቲ እዋን ንዝተወልዱን ዝነበሩን ሕጻናት ካብ ወለዶም ተወሲዶም ኣብ ትሕቲ ናይ ጸዓዱ ስድራ ቤታት ከምዝዓብዩ ዝተገብረ ናይ ጸሊም ሕብሪ ምጥፋእ ፈተነ ተዘኪሩ።
10)  ናይ መወዳእታ ንሓደ ውልቀ ሰብ ዝተገብረ ይምልከት። ዓዲ እንግሊዝ ብጀርመን ናዚ ኩናት ምስተኸፍተላ ኣብ ዘካየደቶ ናይ ምስጢራዊ ኮዳት ምስባር ቀንዲ ተራ ዝተጻወተ ማለት ክሳብ ነቲ ኩናት ብ2 ዓመት ኣቢሉ ኣሕጺሩዎ ተባሂሉ ዝግመት ኣብርክቶ ዝገበረ ኣላን ቱሪንግ ተባህለ ዜጋ ብድሕሪ እቲ ኩናት ብ1952 ዘጋጠሞ ክስተት ኔሩ። ኣብቲ እዋን እቲ ግብረ ሰዶም ብሕጊ ክልኩልን ዘሕትትን ነበረ። ኣላን ቱሪንግ 7 ዓመት ድሕሪ እቲ ካልኣይ ኩናት ምዝዛሙ እዩ ገይ ምኻኑ ተፈሊጡ።  ብኣጋጣሚ ሓደ ምስኡ ዝምድና ናይ ዝፈጠረ ሰብ ዘመድ ብስርቂ ስለ ዝተሓተተ ነቲ ነገር ክምርምሩ ዝምጽኡ ኣባላት ፖሊስ እቲ ጉዳይ ስለፈለጡ ብግብረ ስዶምን  ስነ ስርዓት ምጉዳልን ከሰስዎ ንሱ ድማ ተኣመነ። ኣብቲ እዋን ዝነበረ ምርጫ መድሓኒት ምውሳድ ወይ ቤት ማእሰርቲ ስለዝነበረ መድሓኒት ምውሳድ ዝመረጸ ኣላን ድሕሪ 2 ዓመት ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ባዕሉ መርዚ ምስ ቱፋሕ በሊዑ ሞተ። መንግስቲ እንግሊዝ ነዚ ንኽንደይ ሕዝቢ ዘድሓነ ዜጋ ዝገበረቶ ኣተሓሕዛ ኣልቦ ግፍዒ ከም ጌጋ ብምቑጻር ብወግዒ ብ2009 ብቀዳማይ ሚኒስተር ጎርዶን ዝምራሕ መንግስቲ ይቕረታ ሓተተ። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ሎሚ ናይዚ ሰብ እዚ ሓውልትን መዘከርታን በዓላትን መጻሕፍትን ይርከብ።

ኣብ መደምደምታ እቶም ይቕረታ ዝሓተቱ ፖለቲከኛታት ይኹኑ መራሕቲ ሃገርን መስከርትን ኣብ ሕይወቶም ኣዎንታዊ ነጸብራቕ እዩ ኣጋጢምዎም። ምኽንያቱ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዓብይን ኣሰካፍን ሓላፍነት ዝመልኦ ጉዳይ ብሰብኣዊ ዓይንን ብልቦናዊ ፍትሒ ክርእይዎን ብወግዒ ንርእሶም ንዓለም ከቓልሑ ብምኽኣሎም ዓለም ኣመስጊናቶም ድኣምበር ኣይነጸገቶምን። እዚኣቶም እካ ከመይ ዝበሉ ምሩጻትን በላሕትን ናይ ዓለም ናይ ሃይማኖት መራሕትን እካ ትሕትና ብዝመልኦ ኣገባብ ነዚ ክገብሩ ዝኸኣሉስ ተቐባልነት ዘለዎ ምህሩን ምስ ብዙሓት ኣካላት ዓለም ዝምድና ክምስርት ዝኽእል ኣካል ነዚ ጉዳይ ካልኣይ ገጽ ናይቲ ዝካየድ ሕዝባዊ ዕርቅን ኣብ ሓደ ናይ ምብጻሕን መንገዲ ሓደ ዕማም ክኸውን ይኽእል ድዩ ኣይኮነን ዝብል ሕቶ ምምላስ የድሊ ይኸውን።