ካብ ኮምብሽታቶ ንላገቶ።

መወዳእታ ክፋል! 

  ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሰንከተ ውዑይ ጣይታ-ጣፍ ኣብ ቤት ብልዕታት ናይ ዋሺንግተን ዲሲ ፉዱስ ፋዱስ ኣብ መኣዲ-ምሳሕ ኣብ ዝቕረበላ ዘሎ ጸባብ ዓለም ዕዳጋ’ሲ፡ ኣበ’ስመራ-ጻዕዳ ማይን መብራህትን ውልዕ-ጥፍእ ኮይኑ ኣመሎም፡ ኣትክልትን ኣሕምልትን ንጸበል መሲሉ ኣሰሮም፡ ጸባን እንቋቑሖን እንዳ ደቂ-ሕድርትና ተሳፊሮም፡ ሽኮርን ቀጠፍን ሰማይ ተሰቒሎም፡ ቡንን ጣፍን ምስ ዶባት ተጠሪሮም ዝብል ዕላል መስተዪ ቡን ካብ ዝኸውን ጸኒሑ’ሎ’ዩ ዝበሃል።

 ንሱ ከምዝወሓደ ድማ ንኽትሰምዖን ክትጸውየሉን ብዘስደምም ኣሃዝን ኣገባብን፡ ኤርትራውነት ናብ ሙሉእ ዓለም ፋሕ-ብትን ኣብ ዝብለሉ ዘሎ እዋን፡ መዛግብቲ ውቂ-ሊቂ ዘንጸባርቕዎ ጸብጻብ ሓቂ እንተኾይኑ፡ ካብ ልዕሊ ሰማንያ ሃገራት ናይ ዓለም ተኣኻኺቦም፡ ንውንጭሕቲ ናይ ዱባይ ከቢቦም፡ በቲ ሓደ ኢድ ኣብ ምኹስኳስ ናይ ሓባር-ረብሓ ክላፈኑ፡ በቲ ካልኣይ ኢድ ድማ ለለቖትኦም ክመልኡ ኣብ ውድድር ተጸሚዶም ብሰላም ዝነብሩ ዘለዉ ብዝሒ ደቂ-ኣዳም ብቐሊል ቁጽሪ ዝግመት ኣይኮነን’ዩ ዝብል።

     ምናልባት ካብ’ዞም ብዘይምጽብባእ ኣብ ስራሕ ክጸባጸቡ ይውዕሉ’ለዉ ዝበሃለሎም፡ መቐረትን ትርጉምን ናይ ደቂ-ብዝሕቲ ዝቕይሩ ዝመስሉ ዘለዉ ደቂ-እዋን፡ ኣብነት ምቑራሕ ንወረ ዝበቅዕ እንተኾይኑ ድማ፡

 ደቂ ኣፍጋኒስታን ክሳብ 300 ሽሕ፡     ኤርትራውያን ካብ 3 ክሳብ 4 ሽሕ፡
ደቂ ሲንጋፖር ክሳብ 2 ሽሕ፡          ኣመሪካውያን ክሳብ 40 ሽሕ፡
ኢትዮጵያውያን ክሳብ 100 ሽሕ፡     እንግሊዛውያን ክሳብ 240 ሽሕ፡
ግብጻውያን ክሳብ 300 ሽሕ      ደቂ ባንግላደሽ ክሳብ 600 ሽሕ፡
ደቂ ቨነዝወላ ድማ ልዕሊ 2 ሽሕ ክበጽሑ ይኽእሉ’ዮም ይብሉ።

    ስለ’ዚ ደቂ-ብዝሕቲ! ብናይ ምንፍፋግ ዓይኒ ከይተፋጠጡ፡ ብባንዴራን ጥረራን ከይተዋጠጡ፡ ኣብ’ዛ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ብኣካልን ብሓበሬታን ምሒር ተቐራሪባ እናሓደረት እናጸበበት ትኸይድ ዘላ ዓለም- ዕዳጋ፡ ጽቡቕ ፍቓዶም እንተኾይኑ’ሲ፡ ነናይ ሃገሮም ታሴራ ሒዞም ኣብ ሓንቲ መኣዲ እንጌራ-ዓለም ምብላዕን ብሰላም ምንብባርን ኣይጽግሞምን’ዩ ማለት’ዩ። መንፈሶም ይጽለወና።

**** ዘይቐንእ ኣይወለድ’ኳ ዝበሃል!***እሞ ሓቆም’ዮም ኣመሪካ ክቐንኡ ብኤርትራ ግን ኣይበልኩን!****

   ዝኾነ ኾይኑ ምናልባት ካብ’ዚ ኣብነት’ዚ ተነቒሉ ሓቂ ንዛረብ’ሞ! ከም ዓለምና ምስ ጎረባብትና ዘይንላፈነሉ ምኽንያት እንታይኮን’ኸውን፡ ክበሃል እንተተደፊሩ ግን፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ነጸላ ተወንዚፍካ ዘገም ዝብል ልሙድ ጉዕዞ፡ ጣይታ እናበላዕካ መኪና ምዝዋር’ኳ እንተዘይተጀመረ፡ ተለፎን እናዘወርካ መኪና ምዝዋር ፈቐዶ ኣንጎሎ ኣብ ዝረኣየላ ኣዲስ ኣበባ ዓባይ፡

ሀ)  ጁቨንቱስ፡  ኣቫንቲ-ኢታልያ፡  ግራንዲ ዲ ፐፐ፡  ካስተሊ

ሁ) መዲተራንያን፡ ፓሪስ፡ ሎንዶን፡ ኣምስተርዳም፡ ግሪክ

ሂ) ካናዳ

ሃ) ህንዲ፡  ቱርኪ/ኢስታንቡል፡  ቻይና፡  ኮርያ፡ ሊባኖስ፡  ታይላንድ፡  የመን/ሰንዓ፡

ሄ) ሱዳን/ካርቱም፡

ህ)  ኣላዲን፡  ኣልሱልጣን፡  ኣስሊ

ዝዓይነቶም ምልክታት ናይ፡ ብኣካልን ብሓበሬታን ምቅርራብ ደቂ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ዝሕብሩ ናእሽቱ ትካላት፡ ብፍላይ ምስ ወሃብቲ ኣገልግሎት ብልዕን መስተን ተተሓሒዞም ብድምቀት እንክረኣዩ፡                                        ቀይሕ ባሕሪ … ሓኒሽ ….ባድመ

    ወደብ………መረብ…….ዓሰብ

    ዳህላክ………ኣዱሊስ…….ዙላ

       ባርካ…….ኣስመራ……ኤርትራ

 ዝዓይነቶም ኣስማት ግን፡ ብሰንክ’ቲ ብህልኽን ብጽልእን ኣንጻር ኢትዮጵያ ንሕልፈቱ ደሪቑ ዓድን ዓውድን ዘቖንቁን ዘሎ ፍልስፍና እንዳ ዝናን-ባህታን፡ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ምስ ጠለባት እዋን ምትዕጽጻፍ ኣጊሙውዎም መዛግብቲ ናይ ትማሊ ናብ ምሕባጥ ዝጠሓሉ’ዮም ዝመስሉ ዘለዉ።

  ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ዓለም ናይ ለውጢ መድረኽ ከምዝኾነት ንምምስካር፡ ፕረሲደንት ኦባማ 01/20/2015 ንህዝቢ ኣመሪካ ኣብ ዘስምዖ ታሪኻዊ መደረ፡ ንሓሙሳ ዓመታት ቁም-ነገር ከፍሪ ዘይከኣለ፡ እሞ ድማ ዝወድቀሉ ዕለት ካብ ዘሕልፍ ዓመታት ዘመዝገበ ኣሰራርሓ’ሲ፡ ግደፉና በጃኻትኩም፡ ምቕያሩ’ምበር፡ ምናልባት ሓደ መዓልቲ የፍሪ ይኸውን’ዩ እናበልካ ንመዋእል ምምቡሃቕ ንእዋን ኣየርብሕን’ዩ፡ ክብል ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኩባ ንፍርቂ ዘመን ክትክተሎ ዝጸንሐት ማዕቀብ ስለምንታይ ክቕይሮ ከምዝወሰነ ኣሕጽር ኣቢሉ ዘኪሩዎ። 

 ኤርትራውነት ድማ ንፍርቂ ዘመን ዝኣክል ንመጻኢ-ዕድሉ ብዓይኒ ገድልን ምግዳልን ክጥምቶ ጽዒሩ ድማዕ መኣስ ረኺቡ። ሕጂ ግን ይኣክል’ባ፡ ንምባል ዝደፍር ተበግሶ ክሳብ ዝመስል፡ መርትዖ ውዕል ውጫለ ወይ ድማ ምጥራር ናይ ኣልጀሪስ እማመ  ቁርሲ ቡን ክባርኸሉ ከይተጸበየ፡ ኣብ ታሪኽን ባህልን ናይ ህዝብታት ዝምርኮስ ኤርትራዊ-ኣነነት ዘንጸባርቕ ሓዲሽ ኣረኣእያ መጻኢ-ዕድል ብምስፋል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክሰርሕን ክነብርን ፍሕትሕት ዝብል ዝመስል ክፋል ይቀላቐላ’ሎ። ከም ርኢቶይ።

ላገቶ።

ምስ’ዚ ሜላ’ዚ ተተሓሒዙ ዝበረቐ ኣተኣላልያ መጻኢ-ዕድል፡ መሰረታዊ ለውጢ ናይ ምንብባር ብቕዓት ዝእምፍት መሲሉ ስለ ዝተራእየኒ’የ እምበኣርከስ ኣድንቖተይ ንምግላጽ፡ ካብ ናየ’ስመራ ኮምቢሽታቶ ክሳብ ናይ ሸዋ ላገቶ ክብል ዝፈተንኩ። እንተዘይኮነ ግን ብዛዕባ’ቲ ብላገቶ ዝዝከር ምስሊ ናየ’ስመራ ቤላ! ዘለኒ ተዘክሮታት ካብ በላ-በለው ዝሓልፍ ኣይኮነን። ምናልባት ንሱ እቲ ዝርካቡ ንመማቕርቲ ዕላል ዝበቅዕ እንተኾይኑ ግን፡

 ብላገቶ ትዝከር ኣስመራ ማለት፡

ብጀኦግራፍያዊ ኣቐማምጣ ንኣፖሎን ንቃኘው ስተሽንን ተተሃራርፍ ልዕልቲ፡

ብኮምብሽታቶን ብመደበርን ውርይቲ፡ ብናይ ኣየር ጠባያ ምቅርቲ፡

ናብ ቀይሕ ባሕርን ገርግሱምን ጽግዕቲ፡ ብንግድን ዕዳጋን ዕምርቲ

ካብ ፈረንጂ ብዝተወርሰ ኣገባብ ምምሕዳር ናይ ሙኑቺፕዮ! ቅጥዕቲ

ብሓካይም ነዳቖ፡ ብመካኒክ ጸራቦ፡ ኣላሞ ነጋዶ ….  ሕብንቲ

ካብ ሸዋ መንገዲ ሳልስቲ

ካብ ዓድዋን ኣኽሱምን ስጉምቲ ፍርቂ መዓልቲ

ተቐባሊት ጋሻ፡ መዓርፎ ሸቀልቲ…… ትመስል ኔራ’ዩ ዝበሃል።

ስለ’ዚ ላገቶ ናይ ብሎኮ ቤት ገርግሽ ክዝከር እንከሎ’ሲ፡ ኣጋ ምሸት ጸሓይ ምስ ዘሓለት ኣጻድፍ ዓርበሮቡዕን ጎበታት ደብረቢዘንን ዘሊሉ ዝመጽእ ዝሑል ናይ ባሕሪ ኣየር ዝስተማቐረላ፡ ድምጺ ሓሸውሸው ዝብሉ ኣቑጽልቲ ናይ ቀላሚጦስ ዝስምዓላ፡ በለስ ክምእርሩ ሸግርኒ ዝወዓሉ ጨራሩ ምሕዳሮም እንክምለሱ ናብ ገዛውቶም ዝኣትዉላ ኣፍደገ ጥራይ ዘይኮነ ተዘኻኸር፡ ካብ ኮምብሽታቶን ካብ መርካቶን ዝነቐለ ወረ ብዛዕባ ዕዳጋ ከመይ ወዓለ ኣብ ግዜ ዕረፍቲ ዝዕለለላ፡ ካብ መራኽብ ባጽዕ ዝተራገፈ እስቤዛ ተጻዒነን፡ ንሱ ከምዘይከበደን ድማ ዕንጨይትን ፈሓምን ናይ ጋሕተላይ፡ ካፕረቶን ወጠጦን ናይ ጊንዳዕ ደሪበን፡ ሕቢው ዝብላ ቦጣትን ኤነ-ትረታትን ዝምዕደወላ ኩርናዕ ማለት’ያ ከስምዕ ይኽእል’ዩ።  

ምናልባት ስሕት ኢሉ’ውን፡ ከም’ዚ ሕጂ ብመንቀሳቐሲ ወረቐት ከይተዳህለ፡ ናይ ስኮላ-ዩኒፍሮም ተጠቕሊሉ ኣብ ቦርሳ ምስተወተፈ ቢራን ሽጋራን ዝጅመረላ ከምኡ’ውን ካብ ገዛውትኻን ካብ ሙኒቺፕዮን ተኸዊልካ ጓይላን ፓርትን ዝፍተነላ ቦታ’ውን ክትመስል ትኽእል’ያ ክበሃል’ውን ይከኣል’ዩ።

ብዘይ ምግናን ግን ጸሓይ ጸልሚታ መብራህቲ ናይ ሰዳዎ ምስ ተወልዐት’ሲ፡ ምስ ብልዕን መስተን ተዛኒቑ፡ ክሳብ ፍቕርን ሰሓቕን ዘሎ መዓዛታት ናይ ንእስነት ዝዕንገለላ ቦታ ተዘኻኽር፡ ካብ ፈረንጂ ዝተዳቐለት ናይ ኣዝማሪኖ! ቃል’ያ ትመስል። ጌጋ’ኽለኣለይ። ተፍትሽ ዝፍጸመላ ወይ ድማ መንቀሳቐሲ ወረቐት ዝሕተተላ መልክዕ ናይ ሓዳስ ኤርትራ ተንጸባርቕ’ያ ዝብል ቃል ግን ኣይወጽኣንን!

 ዝኾነ ኾይኑ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያ ብእመት ድዩ ብመጽዓን ዝእመት ንዝብል ናይ ታሪኽ ሰበብ፡  

 ሀ) ፈለማ እንዳ ንጉስ ደሓር ድማ እንዳ ደርጊ ኢትዮጵያ ብዘይካ ኤርትራ ከም ሃገር ሂወት ክህልዋ ኣይክእልን’ዩ። ክሳዳ ተቖሪጻ ማለት’ኮ’ዩ፡ ዝብል ሽዱድ ኣረኣእያ መጻኢ-ዕድል ብዘይዓቐን ንታሪኽ ምሰ’ነፍሑሉ፡

 ሁ) ብኣኽሱማዊ ዘውድን ዝናን ዝሕበኑ፡ እንተኾነ ግን ኣብ ጉዕዞ ተዓንቂፉ ንእብረ ብምርዓሙ ኣዝዮም ዝሓረኑ፡ ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ንፍሉይ ህዝብን ፍልይቲ ሃገርን፡ -ፍሉይ ውዕል- ዝብል መናኽስቲ ሓዊ ኡፍ ምስበሉሉ፡

 ሂ) ኣብ ቅድሚ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ኣዳዕዲዖም ሃይማኖት ናይ መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ እስልምና’ዩ። ኢትዮጵያ ድማ ብታሪኽ’ኳ ምስ ኤርትራ ዘራኽብ የብሎምን። ወላ ብጂኦግርፊ እንተተመዝነ’ውን ጂቡቲ’ያ ትቐርቦም። እዚኣቶም’ሲ ኢዶም ጥራይ ይኣክቡልና። ጣፍ እንተተረፈ ከኣ ማሸላ’ለና። ምስ ወሰኹሉ ግራዝማች ኢብራሂም ስልጣን፡

 ሃ) ካብኡ ብምቕጻል በዓል ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣብ ማፍጢ -ዘይምልከተካ ክትፈልጥ ኣይትፈትን - ዓቢጦም፡ ሆ! ኢትዮጵያ ብዘይካ ኤርትራኮ ከም ሃገር ሂወት ክህልዋ ኣይክእልን’ዩ ምስ ዝብል ጃህራ፡ ቃልና እንተዘየኽቢሮም ኣብኣ’ረኽብዋ ብዝዓይነቱ ምኩሕ ኣረኣእያ ንመጻኢ-ዕድል ጦቕ ከምዘበልዎ፡ ኣብ መዋእልና ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ ኣበራርሳ ኤርትራውነት ህያው ምስክር’ዩ።

ስለ’ዚ እኩብ ድምር ዕዮ ምስክር ናይ ቤት ትምህርቲ -ዘይምልከተካ ክትፈልጥ ኣይትፈትን- ከምዝምስክሮ፡

ሀ) ፈለማ መወዳድርቲ ይኹን ኣማራጺ ዘይርከቦ።

ተጋዳላይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝበሃል ኣብ ስራሕ ሸታሕ ዘይብል መራሒ’ለና ….. ብዝብል ምህሮ ንቐልብና ምስሰለቦ፡ ዝጀመረ ሽታሕታሕ፡

ለ) ጉዳይ መመላእታን መተካእታን ናይ መሪሕነት ባዕልና’ለናዮ።

 ዘሰክፍ የብልኩምን፡ ሓዳስ ኤርትራ እንቋዕ በረቐት ጥራይ ናብ ዝብል ንፋስ ተቐይሩ ንዝጀመሮ ብምቕጻል፡ ቕዲ’መራርሓ ፕረሲደንት ኢሳያስ ንዓይኒ ሕርኽርኽ ክብል ዝኽእል በሰር’ኳ ዘይብሉ ውፉይ ቅዲ’መራርሓ ስለዝኾነ፡ ንሕና ይከኣሎ እቶም ተረከብቲ መጻኢ ዕድል ድማ ዋርሳይ ኣብ ዝብል መስመር ሰሪዑ ምሰ’ወለፈና ከበሮ፡ ጥንቅልዒት ኣብ ገበላ ዓይሙ እንከሎ’ዩ እዋን ዝዓረቦ። ኣብ እዋን ዕራርቦ ድማ ንምስምዑን ምእማኑን ብዘስደምም ድምዳመ፡

ሐ) ካብ ቀደም እንተኾነ’ውን ናይ ጥፍኣት ልኡኽ’ዩ ኔሩ መራሒና ናብ ዝብል ገደል’ዩ ክንጥልጠል ዝፍትን

ዘሎ።

     ካብኡ ሓሊፉ ግን ብዘይምግናን ዛጊት ምስ ጠለባት ናይ ናጽነት ዝመጣጠን ሓደስቲ ሓሳባት ናይ ምብቋልን ምቕባልን ጽቡቕ ፍቓድ ኣየርኣየን። ክሳብ ሕጂ ይረአ ከም ዘሎ ድማ እዚ ከም’ዚ ዝበለ ኣተሓሕዛ መጻኢ ዕድል፡ መራሕን ንሱ ዝመርሖ መስርሕን ክሳብ ክንደይ ከምዝቀራረቡ ወይ ድማ ክሳብ ክንደይ ከምዝረሓሓቑ ዝዓይነቱ ምስትንታን ዕሽሽ ብምባል፡ ኣምስል ኣቢሉ ካብ ተሓታትነት ንምኽዋል  ምእንቲ ክጥዕመሉ ጋሕንትዕርብ ንእዋን ካብ ምውኻብ ድሕር ዝብል ኣይመስልን’ዩ ዘሎ።

      ማለት’ሲ፡ ናይ ባድመ ፖለቲካ ተጎልቢቡ ንሳልሳይ ግዜ ኩነታት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ መዋእል ናይ ሓደ ንኡስ ዕድመ ምስተቐየረ፡ እሞ ድማ 50 ዓመቱ ዝቐረበ ኣመሰራርታ መንግስትነት ካብ ሱሩ ከምዝቦኽቦኸ ምስተጋህደ፡ ብረድዮን ብኢንተርነትን ከምኡ’ውን ብጽሑፍ ብዝተሰነየ ጽዑቕ ጎስጓስ፡ ገበናት ናይ መራሒና መለክዒ’ኳ ኣይርከቦን’ዩ፡ ዝብል ህቦቡላ ናይ ደቂ ውሽጢ፡ ኣንፈት እዋን ክጉዕጽጽ ንእብረ ብዘይምርዓሙ፡  ኣዝዩ ሓደገኛ ኣተሓሕዛ መጻኢ ዕድል ኮይኑ’ዩ ዝቕጽል ዘሎ። ስለ’ዚ ድማ’ዩ ተስፋ ቆሪጹ ዓቢ ንኡስ፡ ሓንካስ ብምርኩስ ዓዱ ዝገድፍ ዘሎ።

    እዚ ዝምባለ’ዚ ሕኒን እናበለ እንከሎ ግን ብመጠኑ’ኳ ይኹን ደኣ’ምበር ንመጻኢ ዕድል ብዓይኒ ገድልን ምግዳልን ምጥማት ይኣክል ክብል ዝደፍር ዝመስል ሓዲሽ መንፈስ ኣረኣእያ ኤርትራውነት ፍሕትሕት ዝብል ይመስላ’ሎ ንምባል’ዩ ጻዕረይ። ጌጋ’ኽለኣለይ።

   ማለት’ሲ፡ ህዝብን መንግስትን ኣንጊሆም እሂን ምሂን ኣብ ዝበሃሉሉ ዓውዲ’ዛ ዓለም ዕዳጋ፡ ደንብን መልክዕን ናይ ምንብባር ማለት፡ ካብ ንግሆ ንምሸት ኣብ ዕለታዊ ሂወት ናይ ደቂሰባት ዝንጸባረቕ ክብን ለጠቕን ኮይኑ፡ ዕባራን ሕሙምን፡ ሽማግለንን ሕጻንን፡ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ንግድን ዕዳጋን ምእንቲ ከይህሰዩ፡ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ፡ ምስ እዋን ንምትዕጽጻፍ ዘንጸባርቖ ምብልሓት’ዩ ሚዛኑ።

   ስለዝኾነ ድማ ብወገነይ ይ’ሓድ ይብዛሕ ብዝርዝር ንምቕራቡ ዝገበርኩዎ ጥሉቕ መጽናዕቲ’ኳ እንተዘይብለይ፡ ሕልፍ ክብል ዘስተባሃልኩሉ ትዕዝብተይ ንምንጽብራቕ’ዩ ካብ ኮምብሽታቶ ንላገቶ ክሳብ ምባል ዘድፍረኒ ዘሎ። እዚ ድማ ምናልባት ጌጋ እንተ’ልይዎ፡ ዝእረመሉን ዝመሃረሉን ናተይ ርኢቶ’ዩ።

ሓደስቲ ናይ ሓሳባት ቡቕሊ።

    እወ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብመጠኑ’ውን እንተኾነ ድምቕ ዝበለት፡ ብዙሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ክዘናግዑላን እሂን ምሂን ክበሃሃሉላን ብዓይነይ ዝረኣኹዋ ትካል “ላገቶ ፓብ” ዝብል ስም ዘለዋ ትካል’ያ። ኣብ ውሽጣ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕል’ቲ ክሽየጥ ተደርዲሩ ዝርአ መስርዕ ጠራሙስ ናይ መስተ፡ በጻብዕ ዝቑጸራ፡ ናይ ምሩጻትን ዓበይትን ሰባት ኣሳእል ኣለዋ። ማለት’ሲ ኣንፈት ጉዕዞ ታሪኻዊ ምዕባለ ናይ ደቂ ሰባት ዝቕይር ሓዲሽ ናይ ሓሳባት ቡቕሊ ከብቁሉ ለይትን ቀትርን እናተቓለሱ ዝሓለፉ ሊቃውንቲ፡  መራሕትን ተቓለስትን ይረአዩ እዮም። ኣብነት ንምጥቃስ፡

ሀ) ነፍስሄር ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ፡

ለ) ቸ ጎ ቨራ፡

ሐ) ኣልበርት ኣይንስተይን ……።

    ካብ ላገቶ ብዙሕ ከይተራሕቀ ድማ በጻብዕ ዝቑጸራ፡ ንሓድሕደን ዝመሳሰላ፡ ናእሽቱ ወሃብቲ ኣገልግሎት ኣለዋ። ዓይነት ኣስማተን ድማ ኣሰር ቀዳመይቲ ዝተሰርዐ’ዩ። ነቲ ከምኡ ዝበለ ሜላ ጀማሪ/ቱ መን ምዃና/ኑ ብዘየገድስ፡ ንየምነ-ጸጋም ዘየሰክፍ ኣማራጺ ሒዛ/ዙ ናብ እዋንን ናብ’ዛ ዓለም ዕዳጋን ብምቕራባ/ቡ ኣድንቖተይን ምስጋይን ከቕርበላ/ሉ እንተዝኽእል ኣዝዩ ደስ ምበለኒ።

     ዝኾነ ኾይኑ እዚ ኣሰር ቀዳመይቲ ዝተሰርዐ ኣሰማምያ ናይ ናእሽቱ ወሃብቲ ኣገግሎት ብልዕን መስተን፡ **** እንዳ *** ዝብል መንቀሊ ኣትሒዙ፡ ምስ ማሕበረ ኮም ወይ ድማ ምስ መንግስቲ ዘጣቑስ ሰንሰለት ከምዘይብሉ ዘነጽር መጸውዒ-ስም ወይ ድማ ሳጓ ክመስል ዝተለምደ ናይ ቅብጥሮት ስም ዝምርኮስ ሜላ’ዩ። እዚ ኣዝዩ ቀሊል ዝመስል፡ ኣብ መሰልን ባህጊ ምዕባለ ናይ ውልቀሰብን ዝጽጋዕ ሓዲሽ ኣረኣእያ መጻኢ-ዕድል ብኣብነት ንምልዓሉ፡

 ሀ) እንዳ-ሓዳስ … እንዳ-ትርሓስ

ለ) እንዳ-ቲቲ …. እንዳ-ወይኒ

                    ሐ) እንዳ ጓል-ዓበይቲ - እንዳ ጓል ትልንቲ….  ዝመስል’ዩ።

  ከም ርኢቶይ፡

 ሀ) እዚ ዝምባለ’ዚ፡ ነቲ - ፍሉይ ህዝቢ ፍልይቲ ሃገር - ዝብል መንቀሊ ምስተነጽፈሉ ኣብ ምፍኽኻርን ምድምማቕ ናይ ፍልልያትን ክጸቅጥ ቀቢዑ ዝሳዕረረ ፍልስፍና እንዳ ዝናን-ባህታን፡ ንእዋን ናይ ናጽነት ከምዘይብቅዕ ኣብሪሁ፡ ሓዲሽ ኣንፈት ምኹስኳስ ናይ መጻኢ ዕድል ብናይ ገባር-ደንባር! ኣረኣእያ፡ ክቕይስ ዝፍትን ኣማራጺ ናይ ሓሳባት ቡቕሊ’ዩ ዝመስል እንተበልኩ ዘጋነንኩ ኣይመስለንን። 

  ለ) እዚ ጥበብ’ዚ ነቲ ርብዒ ዘመን ድሕሪ ናጽነት፡ ብመለክዒታት ተመኩሮን ምህሮን - ናይ ዘይምልከተካ ክትፈልጥ ኣይትፈትን- ዓድን ዓውድን ዘብርስ ዘሎ ኣተሓሕዛ መጻኢ ዕድል ኤርትራውነት ናይ ጡረታ ዕድል ክፈጥረሉ ዝደፍር ሓድሽ ናይ ሓሳባት ቡቕሊ’ዩ ዝመስል።

  ********************ናጽነት ገዲፍኩም ናብ ኣንድነት ስገዱ ዝብል ሸፈጥ የብሉን።***************

ራእይ ጂቡቲ-2035 (3) ኣብ መደቡ ኣስፊርዎ ዘሎ ዕማማት ከምዝጽብጽቦ፡ ናይ ነዳድን ናይ ካልእ ሓጀት ጽዕነትን በቦትኡ ኣትሒዙ ዝእንግድ ኣሰራርዓ ናይ ወደባት ከይቀየዶ፡ ብፍላይ ንወጻኢ ዝለኣኻ ሃብቲ እንስሳ፡ ካብ ጠለ-በጊዕ ክሳብ ዓበይቲ እግሪ …. ዝጽበያሉን ዘዕርፋሉን ቦታ  Damerjok Livestock Port ተባሂሉ ይህነጽ ኣሎ። እዚ ወደብ’ዚ ክሳብ 655 ሜትሮ ዝነውሕ ኮይኑ፡ ብሓንሳብ ክሳብ 5 መራኽብ፡ ኣብ ዓመት ድማ ክሳብ 10 ሚልዮን ንዕዳጋ ዝቐርባ እንስሳ ዘአንግድ ዓቕሚ ክህልዎ’ዩ ይበሃል። እዚ ናይ ጂቡቲ ምብልሓት ኣብ ዕላማ ኣስፊሩዎ ዘሎ እምበኣርከስ ሃብቲ እንስሳ ናይ ኢትዮጵያ’ምበር ሃብቲ እንስሳ ናይ ሃገሩ’ይኮነ። ከመይ’ሲ “ካብ ኣፍሪቃ ዝበዝሐ ሃብቲ እንስሳ ዘለዋ ሃገር ኢትዮጵያ ኢያ።” [1, 12]  ስለ’ዚ እዛ ንእሽቶ ጂቡቲ’ሲ፡ ምንኣሰይ ኣይትርኣዩ ቁምነገረይ ኣስተባህሉ’ሞ፡ ክሳብ 2035 ኣብ ዘሎ ዓመታት፡ ኣብ ኣፍሪቃ ኣሰር’ታ ውቅብትን ቅርጥውትን ሲንጋፖር ብምስዓብ መልሓስኩም ከንክሰኩም’የ። ዕድመ’ሃብኩም ጥራይ ትብላ’ላ።

   እዚ ኣዝዩ ዝነኣድን ዝድነቕን ጻዕርን ምስ እዋን ምትዕጽጻፍን ብሸነኽ ጂቡቲ፡ ከም ናይ ጎረቤት ኣርኣያ እንተተጠሚቱ፡ ዘይቐንእ ኣይወለድ! ዝብል ምስላ ዘድግም’ሞ፡ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ መጻኢ-ዕድል ብዝምልከት ንደቂ እዋን ዝጽበ ተሪር ናይ ውድድር ዓቐበት ተፈጢሩ ከምዘሎ፡ እነተኾነ ግን ሰፊሕ ናይ ትምህርትን ናይ ስራሕን ዕድላትን ክኸፍት ዝኽእል ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ’ዩ ዝመስል ንምባል’ምበር ፍርሃትን ራዕድን ንምቅላሕ ኣይኮነን ጻዕረይ። ዘይሓሰብካዮ ርኸብ ኣይመርገም ኣይምርቓ ይብል ምስላ።

 ሐ) ከምኡ’ውን ኣብ ምሕዳስን ምብርባርን ንቡር ዝምድናታት ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓዲሽ ገጽ ዝጽሕፍ ናይ ሓሳባት ቡቕሊ’ዩ ዝመስል።   

   መ) መን’ፈልጥ ንሓዋሩ ድማ ነቲ ብኸበሮን ብጓይላን መዋርዶ ናብ ዘይተቐረቡሉ ጸድፊ ምስሰቐልናዮ፡   ኣብ ጠረሩ ተኾይጡ ዓድን ዓውድን ዝህውጽ ዘሎ ህቦቡላ ላዕልን-ታሕትን፡ ከህድእ ዝኽእል ዝሑል ናይ ለውጥን ዕርቅን ንፋስ ናብ ዝነፍሰሉ ክሳድ ምእንቲ ክቕልቀል ሓባሪ-መብራህቲ ክውልዓሉ ይኽእል ይኸውን’ዩ።

ሕማም ደሓር ናይ ምግዳል።

  ኣይተሃወኽካንዶ ተባሂሉ፡ ከም ድፍረት እንተዘይተቖጺሩለይ’ሲ፡ መረባዕ እንዳ ህዝባዊ ግምባር ዓነውነው ዝብል ዘሎ’ኮ ህግደፍ ዝበሃል ኣራዊት ናብ ውሽጡ ስለዝኣተወ’ይኮነነ። ብዘይቃልዓለም እዚ ህግደፍ-ህግደፍ ክብል ተለሚዱ ዘሎ ሸፈጥ፡ ሕማም-ደሓር ናይ ምግዳል’ዩ እንተበልኩ ብዙሕ ሰብ ዝደናግር ኣይመስለንን።

    ከም ርኢቶይ፡ ናይ ኤርትራውነት ጸገም፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ብመጽዓንዶ ብእመት ይተኣመት፡ ኣብ ዝብል ናይ ታሪኽ ፍሕሶ፡ -ዝገበርካ ጌርካ ካብ ኢትዮጵያ ምርሓቕ- ናብ ዝብል ኩርናዕ ናይ ጽልእን ህልኽን ዘዝዩ ዝተሰረተ ናይ ቀደም ኣቐራርጻ መጻኢ-ዕድል ናይ ኤርትራውነት፡ ምስ’ዚ ሕጂ ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ጎረባብታን ዝኹስኮስ ዘሎ፡ ኣሳኒኻ ጎደና መጻኢ-ዕድል ናይ ምጽራግ ሜላ ከላፍኖንን ከወዳድሮን ዘብቅዖ ናይ ሓሳባት መንጸፍ ኣብ መጽሓፉ ስለዘይጸንሐ’ዩ። ገና ብሕጂ’ውን እዚ ሕቶ’ዚ ኢዩ ምስ ጠለባት እዋን ዝዋሳእ ሓዲሽ ሓሳባት ዝጸበ ዘሎ።

     ስለዝኾነ ድማ በዚ ከም’ዚ ዝበለ ኣረኣእያ መጻኢ-ዕድል ዝተደናገረ ኣረኣእያ ደቂ እዋን፡ ተረፍ መጥባሕቲ በደዊን፡ ወይ ድማ ስግር ማያት ባሕርታትን ውቅያኖሳትን፡ ከምኡ’ውን ኪነው ህሮሩማ ጸሓይን ሰልማታት ሑጻ-ምድረበዳን መስተርሆት ዝረኣዮ ክሳብ ዝመስል በታ ኡንኮ ሂወቱ ክጣላዕ ቆሪጹ ካብ ዓደ’ብኡ ኣርሒቑ ክጠፍእ እናገስገሰ፡ ንድሕሪት ቁሊሕ ብምባል ባህርያዊ ትዕድልቲ ናይ ዓሰብን ባጽዕን ሒዝካ ምስ ኢትዮጵያ ምውሳእ ማለት ተምበርካኽነት ዝመስሎ ኤርትራዊ ኣረኣእያ ብዛዕባ ምንቅስቓስ ዛ’ዓለም ዕዳጋ ስለዝሳዕረረ’ዩ፡ እኩብ ድምር ናይ ድኻምና ሕመቕናን ጥፍኣትናን ናብ ዱኻን ዋላኻን ናይ ደቂ ጎረባብትና ክልወጥ ዝርአ ዘሎ። ከም ርኢቶይ ናይ’ዚ ውድቀት’ዚ ዑምቆት ዝተባህለ እንተተባህለ ብኢሳያስን ህግደፍን ጥራይ ዝምኽነየሉ ኣይኮነን። ንነፍስወከፍና ዝምለከት’ዩ።

***********************ንሶም ምስ ሓለፉ ዓይኒ ክዕመት’ዩ እንተዘይተወሲኹሉ።***************

   ምግናን ዘይብሉ። ኪነው መግረፍትን መጥባሕትን በደዊን ክሰቱኽ፡ ጥልቀት ማያት ውቅያኖሳት ክስንጥቕ፡ ተማምንን ኣጻምእን ናይ ምድረበዳ ክዘልል ዝቖርጽ ኤርትራዊ ኣእምሮስ ምስ ዕጥቁን ምስ ካላሽኑን ንስላዕ ፕረሲደንት ኢሳያስን ሽርሕታት ህግደፍን ፈሪሑ’ኮ’ዩ ምባል ጥራይ ክገልጾ ኣይበቅዕን’ዩ።

   ኩሉ ሰብ ከምዝሰማምዓሉ፡ ስምረት ትብል ቃል’ኳ ትሓይሽ’ምበር ሓድነት ወይ ድማ ኣንድነት ትብል ቃል ኣብ መድረኽ ናይ ፖለቲካ ይኹን ኣብ ናይ ቡን ዕላል ኤርትራውያን ተስግእ ቃል ብምምሳል’ያ ተመልሚላ። ካልእስ ይትረፍ ኣብ’ቲ ሙዉቕ እዋን፡ ናይ ናጽነት ጓይላ ክድከር እንከሎ’ኳ፡ ፕረሲደንት ኢሳያስ ንሜላ ምኹስኳስ መጻኢ ዕድል ናይ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣመልኪቱ እንክዛረብ -ኮንፈደረሽን - ትብል ቃል ምስ መለቖቶ ክንደይ ኣሕ-ደባሕ! ከምዝተሰምዐ ዝርሳዕ መኣስ ኮይኑ።

   ዝኾነ ኾይኑ ናይ ጽባሕ ንግሆ ውጽኢቱ ንዕዮ-ገዛ ደቂ እዋን ዝግደፍ ኮይኑ፡ ንግዜኡ ይገሃድ ከምዘሎ’ሞ ደቂ ከንያ ደቂ ሱዳን ደቂ ጂቡትን ደቂ ሰሜን ሶማልያን፡ ኣብ ተግባር የመስክርዎ ከምዘለው፡ ካብ ምስሳን ንግድን ዕዳጋን፡ ናብ ምህናጽ መንገዲ ባቡራትን ጎደናታት ናይ መካይን፡ ከምኡ’ውን ምዝርጋሕ መስመራት ናይ ማይን መብራህትን ተሓሊፉ፡ ኣብ’ዚ’ባ እነሀለ ካብ ትዕዝብቲ ታሪኽ ተሓቢኡ ዝጸንሐ ዑቑር ሽሻይ ክሳብ ምባል ተበጺሑ’ሎ። ንምዕቃቡን ንምስሳኑን፡ ከምኡ’ውን ንውሉድ-ውሉዶም ዝመሓላለፍ መሰረት ከንጽፍሉ ድማ፡ ክሳብ - ሓድነት ምስ ኢትዮጵያ- ክዋሳእ ዝፍትን ክፉት ኣእምሮ ዘማዕብል እዋናዊ ምትዕጽጻፍ ከምዝጀመሩ’ዩ ዝገሃድ ዘሎ።

   ምናልባት’ውን ደቂ ስኮትላንድ ክሳብ ሰለስተ ዘመናት ኣቢሉ ዝግመት ዕድመ ዘለዎ ሕብረቶም ምስ ዓዲ-እንግሊዝ ትማሊ-ትማሊ ኣብ 2014 ብረፈረንደም ክዕቅብዎ ምውሳኖም ኣተሓሳሲብዎም ይኸውን።

       እወ፡ ምእንቲ ምኹስኳስ ናይ ሓባር-ረብሓን፡ ምስሳን መጻኢ-ዕድል ናይ ህዝብታትን’ሲ፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ሕጂ’ኸ ብመጽዓን ድያ ብእመት ትግመት፡ ትብል ዛዕባ፡ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ምትዕጽጻፍን ምብልሓትን ናይ ደቂ እዋን እትጽበ ናይ ምምርማርን ምንብባርን ሜላ’ያ’ምበር፡ ኣብ ደልሃመት ናይ ዘይምልከተካ ክትፈልጥ ኣይትፈትን ተዓቢጣ ትጸንት መርዓት-ውሻጠ ኣይኮነትን፡ ዝብል ሓሳባት እንተደገምኩ ብዙሕ ዝደናገር ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን። ምናልባት ኣገልገልትን ተረባሕትን ሕልምታት ናይ’ንዳ ዝናን-ባህታን እንተዘይኮይኖም።

   ስለዝኾነ ድማ ምኹስኳስ ረብሓታትን ምስሳን መጻኢ ዕድል ናይ ህዝብታትን ግቡእ ኣድህቦ ምእንቲ ኽረክብ’ሲ፡

ሀ) ዓድን ዓውድን ካብ ብርሰት ዘናግፍ፡ ሂወት ዘለዎ፡ ክኹስኮስ ክዓቢ ክፈሪ ዝኽእል ናይ ሓሳባት ቡቕሊ፡ ሃሰስ ኣብ ክንዲ ምባል፡ ኣብ ምቅላሕ ግፍዕታትን ድኽመታትን ናይ’ቲ ኣብ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ህልኽ ተሳዒሩ ብሞያ ዝሞተ፡ ኣብ ስልጣን ግን ዝርከብ ቅዲ’መራርሓ፡ ዝውዕል ዘሎ ግዜን ዓቕምን ቀሊል ኣይኮነን።  ክሳብ መኣስ ከምዝቕጽል’ውን እንድዒ።

ለ) ከምኡ’ውን እዚ ገኒኑ ክቃላሕ ክቕጽል ዝምረጽ ዝመስል ዘሎ፡ እሞ ድማ ሓንሳብ ኣብ ህላወ ግልብጥ ኢሉ ድማ ኣብ ሕማምን ምሕካልን ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ክንጥልጠል ድምብርጽ ዘይብሎ ህልኽ ናይ ደቂ ውሽጢ ኣበይ ክሳብ ዝብጻሕ’ዩ እዝኒ ሰማዕቲ ዘሐጉስ ኣርእስተ ወረ ኮይኑ ክስማዕ ዝድለ ዘሎ፡ ምባል’ውን እዋኑ ኣይኣኸለን ዝበሃል ኣይመስለንን።

  ከም ርኢቶይ፡ ጌና ብሕጂ’ውን እታ ዓባይ ሕቶ’ሲ ኣብ’ታ እንዳ ዝናን-ባህታን ሸታሕ ዝበሉላ ጎደና መጻኢ ዕድል፡ ማለት’ሲ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ብእመትዶ ብመጽዓን ትገመት ትብል ሕቶ’ያ መልሲ ደቂእዋን ትጽበ ዘላ እንተበልኩ ዘጋነንኩ ኣይመስለንን። ዝኾነ ኾይኑ፡ ዝኾነ ክሳብ ዝኸውን ግን፡ ካብ ናየ’ስመራ ኮብሽታቶ ክሳብ ናይ ሸዋ ላገቶ ዝምርሽ ዘሎ ናይ ሓሳባት ጎዕዞ፡ ዝሕብር ይመስላ’ሎ ንእዋን ዘርብሕ ምህዞ ክብል’የ ዝፍትን ዘለኹ። ጌጋ’ኽለኣለይ!

  ነፍስወከፍ ዜጋ ሞይኡን ዓቕሙን ክሳብ ዝድርቶ ዝብልጽገሉ ጎደና መጻኢ-ዕድል ዘጣጥሕ ናይ ሓሳብት ቡቕሊ ይፍጠረልና።

ሰላምን ራህዋን ንህዝቢ ኤርትራ።

references:

1.     The Economist March 2nd 2013 - Emerging Africa page 12.

2.    Foreign Affairs July/August 2014. The State of the State. The Global Contest for the Future of Government.

3.    Djibouti: Africa’s Singapore – Muluken Yewondwosen 12/16/2014

4.    The New Yorker 01/12/2015 - Remote Control (can an exiled oligarch persuade Russia that Putin must go): Julia Ioffe

5.    The Economist 02/02/2013 – The Nordic Countries (Northern lights)

6.    The Economist 10/26/2013 – The Koreas (Paralell Worlds)

7.    Djibouti: Changing Influence in the Horn’s Strategic Hub – David Styan: Africa Programme/April 2013/AFP BP 2013/01