ካብ ኮምብሽታቶ ንላገቶ።    2ይ ክፋል

    ጸሓይ ብራቕ፡ ኣጋ ሰዓት ሸሞንተ’ቢሉ፡ እሞ ድማ ኣጋይሽ ኣብ ዕረፍቶም እንከለዉ፡ ቡን እናተቖ’ለ መጎጎ ከይረሰነ፡ ዓራት ኣይሕተትን’ዩ ጋሼ! ድሕሪ ሰዓት-11 ገጽኩም ደኣ ተመለሱ ዝብል’ዩ ኔሩ መልሱ። ሓቆም’ዮም ንሳቶም፡ ኣነ’የ’ስጊለ መዓልተይን ለይተይን በ’ታ ዓባይ ነፋሪት ስለዝተመሳሰለ።

      ዝኾነ ኾይኑ ከምዝወዓል ቀዳማይ መዓልቲ ተዋዒሉ ተሓድረ’ሞ፡ መቐነይተይ ትኾነኒ ቦታ ኣመኣዛዘኹ። ቀስብቐስ ከኣኒ፡ ዳርጋ ኣብ ሳልስቱ ናይ ኢደይን ናየ’እምሮይን ሰዓት ምስ እዋን ተመዓራረየ። ካብኡ ሎምስ ሰሉስ’ዩ’ሞ፡  እስኪ ብንግሁኡ ኣብ’ዛ ናይ ቀደም ደገ ሰላመይ ከይደ ንነብሰይን መደበይን ብማ’ጨሎት ከቋርሮም ብምባል፡ ብምርፋደይ ግን ስኽፍ እናበለኒ፡ ሓደርካ ወ’ለዝጊ ከቐድም ገስገስኩ።

    ኣብ ምኻደይ ንእግረ-መንገደይ ከኣ፡ ኣብ’ቲ ሆተል ንዝሓድሩ ኣጋይሽ ተቐሪቡ ዝነበረ በብዓይነቱ ናይ ቁርሲ ሽሻይ፡ ብዝግንን በ’ልጫን ዝተፈትፈተ ጣይታ፡ ቅንጨን ፍትፍት ቅጫን፡ ከምኡ’ውን ቡሮን መዓርን፡ ሕምባሻን ላውራቶ ባንን ዝመልአ መኣዲ ተሰጢሑ እንከሎ፡ ብጎቦ-ዓይነይ ጠሚተዮ ሓለፍኩ። ይኹን ደኣ’ምበር ሕራይ ደሓን ካብ’ንዳ ወለ’ዝጊ ምስተመለስኩ ከርክበልካ’የ ብምባል፡ ምስ’ቶም ተዓጢቖም ከገልግሉ ዝጽበዩ ዝነበሩ ኣሰለፍቲ ክልተ ሰለስተ ግዜ ድንን! ድንን! ኢለ ሰላምታ ተለዋዊጠ’የ ካብ መሓድሮይ ዝወጻእኩ። ኣገባብ ናይ ጥዑም ዘመን ከምዘይረሳዕኩ ብምርግጋጽ ምስ ኩነታት ንምምስሳል ምፍታነ’ዩ ዝነበረ።

ጓል ጁቢቲ፡ በዓልቲ ሱዳን!

  ዝኾነ ኾይኑ ዝወጠንኩዎ ንምፍጻም፡  የማናይ ጸግዒ መንደቕ ሒዘ ናብ’ታ ፊት እንዳ ተለኮሙኒከሽን ተሃኒጻ፡ ካብ ሆተለይ ድማ ጸዊዕካ ኣብ’ተስምዓሉ ርሕቀት እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን መድሃኔ ዓለም ኣምራሕኩ። እግረይ ብዙሕ ከይሰጎመት ግን ኣብ እግሪ’ቲ ህንጻ ተጸጊዖም ጸሓይ ንግሆ ዝጽለዩ ዝመስሉ ዝነበሩ ትሕቲ 20 ዓመት ዝግመቱ መንእሰያት ዕጉግ ኢሎም ከዕልሉ ረአኹ።

    ሽዑ ብጥቓኦም ክሓልፍ እንከለኹ፡ ሓደ ዝደቐቐ ዝመስል ካብ ማእከሎም ስጉም-ስጉም ኣቢሉ ውትፍ በለኒ’ሞ፡   “ላሳምር! ጫማ ልጥረግ ጋሼ” በለኒ። ኣነ ድማ ብዙሕ ከይሓሳብኩ ሕራይ ኢለ ንሱ ናብ ዝመርሓኒ ኣንፈተይ ኣቕናዕኩ። ሓቂ’ሓይሽ ክሳብ ሽዑ’ሲ ዳርጋ ዓሰርተ-ሓሙሽተ ዓመታት ኣሕሊፈ’የ ኔረ ከምኡ ዓይነት ኣገልግሎት ካብ ዝርስዕ። ኣሳእነይ’ውን ጭቃ ወይ’ውን ደሮና ናይ ኣዲስ ኣበባ ኣየሕምቐንን ይኸውን ግዲ ብምባል ዝመረጽኩወን ሓደስቲ ስለዝነበራ ንኸምኡ ዓይነት ኣገልግሎት ዘሀውኽ ምቅርራብ ኣይነበረንን።

     ብንግሁኡ ሃለዋት ምንቅስቓስ ዛ’ዓለም ዕዳጋ ኣብ ገምገም ጽርግያ ኮፍ ኢለ ንምጽንታው ምኽንያት ዝረኸብኩ መሲሉኒ ግን፡ እቲ ጭልቅዕ ወደይ ናብ ዝቐረበለይ መንበር ምቕማጠይ ኣመኣዛዝየ ኮፍ በልኩ። ሽዑ ነቲ ሳንዱቕ ናይ ንዋቱ ብብራሽ መንገፊ ሳእኒ እናወቐጠ ግበር ዘዝበለኒ ንምፍጻም ኣእጋረይ ኣንቀሳቐስኩወን።

   ብዘይምግናን ንጡፍ ቆልዓ’ዩ። ብርግጽ ድማ ክዳውንቱ፡ ጸጉሪ ርእሱ፡ ከምኡ’ውን ቅርጺ ኣካላቱ ኣብ ዕለታዊ ሂወቱ ብዙሕ ነገር ከምዝጽመም’ዩ ዝምስክረሉ። ኣይደንጎናን ድማ ቀልጢፍና ተላለና’ሞ፡ ስርሑ እናሰርሐ ናብ ሙዉቕ ዕላል ኣተና። ከም ትዕዝብተይ ዕድምኡ ምስ’ቲ ኣብ ናብራን ሂወትን ዘንጸባርቖ ሚዛንን ኣረኣእያን ዛ’ዓለም ዕዳጋን ዝመጣጠን ኣይመስልን’ዩ። ብሱል ቆልዓ’ዩ። ዘረብኡ ብምቕጻል ከኣ፡ ካብ ወላይታ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝመጽአ ምስ ፍሽኽትኡ ብዝርዝር ገሊጹ፡ ወዲ 12 ዓመት ምዃኑ ሓበረኒ። ብልበይ ድማ ጨለ ዝ’ወደይ፡ ሕማም ባድመ እንተዘይገላብጠና ኔሩስ፡ ዳርጋ መሰታኻ ዝስራዕ ካብ ጓል ወይ ካብ ወዲ ምውሳኽ መኣስ ምሓመቕኩ ኔረ ኣነ’ቦኻ! ዝብሎ ዘለኹ ኮይኑ ተሰምዓኒ።

   ኣብ መንጎ ዘረብኡ ብምእታው ከኣ ትመሃር ዲኻኸ በልኩዎ። ንሱ ግን ርእሱ ንየማነ-ጸጋም እናነቕነቐ ቋሕ ኢሉ ጠመተኒ’ሞ፡ ከም’ዛ ወድ-ኣይተኸ! ናይ ምምሃር ዕድል ኣይርከብ ደኣ’ምበር ሰናፍ ከይመስለኩም ኣቦ፡  ክብለኒ ዝንህር ዘሎ ክሳብ ዝመስል ኣጠራጠረኒ። ግደ ሓቂ ግን፡ ብልስሉስ ቃላቱ ምምሃርስ ኣይመሃርን’የ። ኣብ መዓልቲ ግን ክሳብ 60-70 ብር እሽቅል’የ። ድሮ’ኳ ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ብዕራይ ምእንቲ ክገዝኣሉ ነ’ቦይ 4000.00 ብር ሰዲደሉ’ለኹ ክብል ብሓቦ ኣዕለለኒ።

   ዝኾነ ኾይኑ መቐነይና ዝኸውን ሌላ ክሳብ ንላለ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ’ዩ ዕላልና ዝመቀረ። ብወገነይ ሽሕ’ኳ ባህጉን ጻዕሩን እንተመሰጠኒ፡ ብዓቢኡ እቲ ናጽነት ኣምጺአ’የ እናበለ፡ ኲናት ኣንጻር ህዝቡ ምስ ጅግንነት ዝቖጽሮ ዘሎ ወተሃደራዊ መግዛእቲ ናይ’ንዳ ዝናን-ባህታን፡ ካብ ሳዋ ክሳብ ሽመልባ ዘሪእዎ ዘሎ ዕንኪላሎ እንከሎ፡ እንታይ’ሞ፡ እናበልኩ፡ ንኣንፊ ዕላለይ ኣብ ቅድመይ ዝነበረ ሓፈሻዊ ኩነታት ብዓይነይ ምፍታሽ ኣይገድፍኩን።

 ማለት’ሲ፡ ስርሑ ክሳብ ዝውድእ ምስኡ እናውጋዕኩ ኣብ ኣፍ ደገ ሆተለይ፡ ኣብ ሕዛእቲ ውዒለን ሩባ ምስ ወረዳ፡ ኣብ ጽላል ዳዕሮ-ሳግላ ዓይመን መጉስዕ ዝመልሳ ማል ክሳብ ዝመስላ፡ ብመስመር ተሰሪዐን ካብ ዝነበራ መካይን፡ ጓል-ጂቡቲ፡  በዓልቲ ሱዳን ከምዝኾና ዝሕብር መለለዪ ሰሌዳ ዝተለጠፈለን ኣብ’ቲ ሰጣሕ ጽርግያ ኣራጢጠን ደቂሰን ከምዝነበራ ተዓዘብኩ።

     እንተኾነ ግን ንሳተን ብድቁሰን’ሲ፡ ፍርሓት ኣይብሎ ስኽፍታ፡ ሱቕ ኢሉ ጥርጣረን ሻቕሎትን ኣብ’ዚ ባሕሪ ኸብደይ ጦብላ….ሕ! በለኒ’ሞ፡ እታ ቐደም ምስ ምብራዕ ፖለቲካ ባድመ፡ ክሳብ ሓምሳ ሽሕ ብር ኣቢላ እትግመት እንከላ ብዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ ዝተሸንቆጠት ቀያሕ “ፈራሪ!?” መኪናይ፡ ራ….ን! ቢ..ብ! እናበለት፡ ኣብ’ቲ ጽርግያ ከም ዓለማ ሕግን ስርዓትን ናይ ትራፊክ ኣኽቢራ ከም ብተይ ክትዕንድርን፡ ኣብ ቀይሕ መብራህቲ ናይ ጽርግያ ድማ ድጊ ምንብባር ዛ’ዓለም ዕዳጋ ብሪጋ ከተኽብርን እንከላ እናተዘከረትኒ፡ ጉዕዞይ ናብ ቤተክርስትያን መድሓኔ ዓለም ገጸይ ቀጸልኩ። 

    ቀደም ዘመን ብጥዑሙ! ተመሃራይ እንከለኹ’ሲ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝነበረ ኩነታት ካብ’ዚ ናይ ሕጂ ፍልይ ዝበለ’ዩ ኔሩ። ብኣብነት ንምዝካሩ፡ ማለት’ሲ “ከዕለታት ኣንድ ቀን” ወይ ድማ “Once upon a time” ዘይኮነ ናይ ብሓቂ ማለተ’የ። ሓደ መዓልቲ ሓደ ሰብኣይ መኪንኡ ዓጻጽዩ፡ ናብ’ታ 3-4 ተመሃሮ ሓቢርና ቡን ንሰትየላ ዝነበርና እንዳ ሻሂ ኣተወ። ኣይደንጎየን ድማ ማክያትኡ ፉ…ት!-ፊት! ኣቢሉ ሰትዩ ቀልጢፉ ወጽአ።

    እንተኾነ ግን ብግምት ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ኣቢሉ እንቅዓ-እንቅዓ! እናተንፈሰ ናብ’ታ እንዳ ሻሂ ተመልሰ’ሞ፡ ንኹላትና ኣብ’ቲ ገዛ ዝነበርና ብዘስምዕ ድምጹ፡ “ምንም ገንዘብ የሌለው፡ ዶኩመንት ብቻ የያዘ ሻንጣ ከመኪና ወሰዱብኝ” ዝብል ኣንጸርጽሮቱ ኣቃለሐ። ካብኡ ኩላትና ተገሪምና ክንዕዘቦ፡ ንሱ ድማ ቀዝቃዛ-ኣምቦ ውሃ ኣዚዙ እናሰተየ ክማጣላዕ ዳርጋ ፍርቂ ሰዓት ኣቢሉ ሓለፈ። ኣብ ምኻዱ ድማ ክልቲአን ኣእዳዉ ኣብ መዕጠቕ-ስርኡ ተኺሉ፡ ከም’ዛ ኣናፍሳ ንፋስን ኣንፈት ምንቅስቓስ ዛ’ዓለም ዕዳጋን ክዕዘብ ዝደሊ ሰብ፡ ሓንሳብ ኣብ’ቲ ዱርኩዂት ጠጠው በለ’ሞ፡ “ኣቤት ጉድ! አረ ምን ይሻለኛል?” እናበለ ናብ መኪንኡ ሰጎመ።

    ኣይደንጎየን ግን ጽብቕቲ ሳንጣ ሒዙ እናሰሓቐ ናብ’ቲ እንዳ ሻሂ ግልብጥ ኢሉ ተመልሰ’ሞ፡  “አረ’ባካችሁ የሌባ ጨዋ’ም ኣለ’ንዴ፡ ንብረትየን ምንም ሳይነኩ መለሱት ኣ’ደለ!” ክብል ታሕጓሱ ገሊጹ ናይ ዝሰተናዮ ሻህን ዝበላዕናዮ ኬክን ሕሳብ ከፊሉዎ ኸደ። ሎሚ ግን እቲ ቦታ ጋዜጣን መጻሕፍትን ተሰኪሞም ላዕልን ታሕትን ብዝብሉ መንእሰያት’ዩ ተዓብሊሉ ዝረአ። ኣበ’ዲስ ኣበባ ዓሚሩ ዝርአ ዘሎ ናይ ንባብ ባህሊ፡ ብመለክዒ ምዕባለ ካብ ጋዜጣ ሕብረት ናብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝምጠን ከምዘይኮነ ፈታውን ጸላእን ዘይክሕዱዎ  ናይ ምዕባለ ለውጢ’ዩ።

    ዝኾነ ኾይኑ  ከም’ዚ ሎሚ ናይ ብርሕን ሽበትን ምግዛት ከይኣክል፡ በዚ መጺኦም ዘይብሎም ስግኣትን ምጥርጣርን ከይተቖጻጸሩኒ፡ ቤተ ክርስትያን መድሓኔ-ዓለም ሰሉስ-ሰሉስ ኣጋ ምሸት እንዳ ሳንታ ኣንቶንዮ ተቐይራ፡ ቁጽሪ ዘይብሎም መንእሰያት ዝእከቡላ ዳስ ወለ’ዝጊ’ያ ትኸውን ዝነበረት። ኣብ መወዳእታ ብድሕሪ’ቲ ስሩዕ ምህልላን እዝግዮታን ድማ ክንደይ ፍቕርን ዕምባባን ተአንግድ ከም ዝነበረት’የ ዝፈልጣ።

   ማለት’ሲ ናይ ሎሚ እንድዒ’ምበር ቀደም’ሲ፡ ሃይማኖቶም ብዘይግድስ ሰሉስ-ሰሉስ ኣብ እዋን ኣጋ-ምሸት ብቕዳሴ ናይ ሳንታ ኣንቶንዮ ምእንቲ ክባረኹ፡ ቁጽሪ ዘይብሎም መንእሰያት’ዮም ዝዓስሉዋ ዝነበሩ ንቤተክርስትያን መድሃኔ ዓለም። ብዘይ ምግናን ድማ ብፍላይ ብፍላይ’ተን ብዝሐንን ግርማ ሞገሰንን ዓይኒ ዝደጉሕ ጎራዙት ደቂ-ኣዲስ፡ ካብ’ቲ ኣብ ጥቕኡ ዝርከብ ናይ ኮመርስ ኮለጅ ውሒዘን ዕስል ምስ በለኦ፡ ሰማያዊ ዕላማ ናይ’ቲ መደብ ክሳብ ዘጠራጥር’የን ብጥዑም ድምጸንን ድሙቕ ሕብረን፡ ዓይኒ ተመልካቲ ናብ መሬት፡ ናብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ገጹ ቀባሕባሕ ዘብል ግርማ-ሞገስ ዘልብሰኦ ዝነበራ።

   ሽዑ መዓልቲ ግን እንተስ ኣብ ዓራተይ እንተስ ኣብ መንገደይ ደንጉየ’የ’መስለኒ፡ ምናልባት’ውን ናይ ንግሆን ናይ ምሸትን መደባት ስለዝፈላለ ክኸውን’ኽእል፡ ካብ’ቲ ቤተ ክርስትያን ዝወጽእ ሰብ ይኹን ናብኡ ገጹ ዝጎዓዝ ሰብ ኣየጋጠመንን። መኻይን ግን ብዙሓት’የን ደው ኢለን ዝነበራ።

ኦ…..ጎይታ ካብ ምሳይ ተሰሪዖም ትሪኦም ዘለኻ ሰብጉዳይ ዝተፈልየት ጉዳይ ኣላትኒ’ሞ……

   ስለ’ዚ ብዛዕባ ናይ ቀደም ውዕሎይ እናስተንተንኩ ብዝጀመርኩዎ መንገደይ ቀጸልኩ’ሞ፡ ውሽጢ’ታ ቤተ ክርስትያን ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ብምእመናን ቅጽጽ ኢላ መሊኣ ጸንሐትኒ። ሽዑ ንኣይ ትኸውን ቦታ ከማዕዱ ዕጥይጥይ ክብል እንከለኹ ኣብ ማዕጾ ደው ኢሉ ድሙቕ ሰማያውን ብጫን ዝሕብሩ ሕዛብ ተዓጢቑ ዝነበረ ሰብኣይ ብሰላምታ ተቐቢሉ፡ ንኣይ ናብ ትኸውን ቦታ መሪሑ ወሰደኒ። ኣነ ድማ ከም’ቲ ልሙድ ኣገባብ ማ’ጨሎት ብየማናይ ኣጻብዐይ ጠሚዐ፡ በስመ ኣብ ወወልድ…..  ሕድርኻ፡ በጃኻ ከምሰብ ኣይትኹን፡ ብዙሕ ኣይትለመን! ወለ’ዝጊ፡ እናበልኩ ደድሕሪ’ቲ መራሕየይ ሰዓብኩ። ሻቡ ሰፈረይ ኣመኣዛዝየ ማዕረ ህዝበይ ተሰሪዐ ናብ ታቦቱን ናብ ዙፋኑን ገጸይ ኣንቃዕሪረ ቀባሕባሕ ጀመርኩ።

       እወ፡ እቲ ገዛ ከም ቀደሙ’ዩ። ብዙሕ ዝጋነን ለውጢ ኣይተዓዘብኩሉን። እቲ ቛንቋ’ውን ወዮ ዝፈልጦ ቋንቋ ግዕዝን ኣምሓርኛን’ዩ ዝበራረ ዝነበረ፡ ካህናትን ድያቆናትን ዝለበስዎ ኣልባሳት እንተኾነ’ውን ሓዲሽ ነገር ኣይነበሮን፡ ንሱ’ዩ እቲ ናይ ቀደም ዝፈልጦ።

     ስለምንታይ ከምዝኾነ እንድዒ ግን፡ መርዓ ተዓዲሙስ ምስ ዘይፈልጦም ኣጋይሽ መኣዲ ተቐሪቡ ምብላዕ ምስታይ ከምዝኣገሞ ዕዱም ልበይ ኣይረግኣለይን። ጸሎተይ ገዲፈ ብዛዕባ ህሉው ኩነታተይ እንከሰላስል ድማ እዛ ገዛ፡ ገዛ ቐደመይ፡ እቲ ቅዳሴን ዝማረን ከኣ ካብ ሕጻነይ ኣትሒዙ፡ ኣዕብዩ፡ ክሳብ ዝኣርግ ዘሰንየኒ ዘሎ ትዕድልቲ’ዩ። እሞ እዛ ዳስ ወ’ለ’ዝጊ ደኣ እንታይ ወሪዱዋ’ሎ ሎሚ?  ንምዃኑ ንሳ ድያ ቆሪራ ወይስ መንፈሰ’ያ ትሽቑረር ዘላ? ዝብል ሓሳባት ወረረኒ።

     ኣይደንጎኹን ግን፡ ሓጹር በስመ ኣብ ኣይትስገር ርጉም ሰይጣን፡ አጠንቅቐካ’ለኹ ኣልግስ ካብ’ዛ ቕድመይ! እናበልኩ፡ በታ ኣብ ምእታወይ ማ’ጨሎት ዝጠምዐት ኣጻብዐይ በስመ ኣብ …. ደጊመ፡ ሓሳባተይ ክጠራንፍ ክፍትን እንከለኹ ፡ ሓንቲ ነዋ….ሕ! ቁንንቲ ወ’ዘሮ፡ ጻዕዳ ነጸላኣን ክልተ ኣእዳዋን ዘርጊሓ ኣብ ቅድሚት፡ ናብ ጥቓ’ቶም ካህናትን ድያቆናትን ተጸጊዓ፡ ኦ……ጎይታ ካብ’ዞም ምሳይ ተሰሪዖም ትሪኦም ዘለኻ ሰብ-ጉዳይ ዝተፈልየት ጉዳይ ኣላትኒ’ሞ፡ ኣብ’ዛ እዝንኻ ጽግዕ ኢለ ሕሹኽ ምእንቲ ክብለካ ካብ’ቲ ወርቃዊ ግዜኻ በጃኻ ሓንቲ ደቒቕ ሃበኒ።ንምባል ክትፍትን ዝደለየት ክሳብ ትመስል፡ ክሳብ’ታ ዝቐረበት ክትረግጻ ትፍቀደላ ርሕቀት ከባቢ መንበረ-ታቦት ቀሪባ፡ ትምህለል ከምዝነበረት ተዓዝብኩ።

   ወ’ዘሮ ደጋጊማ ትሰግድ ትትንስእ፡ ከምኡ’ውን የማነ-ጸጋም ትንኖ ስለዝነበረት፡ ምናልባት ንሳ’ውን ከም’ዛ ኸማይ ንበይና ኣብ ዑምቆት ምግያሽን ምጥርጣርን ጥሒላ ዝነበረት መሲላ’ያ ዝተራእየትኒ። ይኹን ደኣ’ምበር ሽሕ’ኳ ኣብ ልዕሊ ድምቀት ጻዕዳ ነጸላኣ፡ ቁኖኣን ቁመታን ካብ ከባቢኣ ብዝያዳ ኣድምቕ ዘበላ እንተመሰለትኒ፡ እርጋን’ዩ’መስለኒ ተመሃሪት ትመስል ምሽጥቲ’ሲ በዛ ዓይነይ ክትሓልፍ ድያ!

    ዝኾነ ኾይኑ ኣብ ማእከል ቤተክርስትያን እዚ ኹሉ ብሓሳባት እንክህውትት ኣነ፡ ወዮ መስርሕ ስርዓተ ቅዳሴ ደሃየይ ኣይነበሮን። በ’ንጻሩ እኳ ደኣ ተፋሪቑስ፡ ብዝጀመሮ ይቕጽል ነበረ’ምበር፡ ሓሳባተይ ክሳብ ዝሰራርዕ ዕድል ኣይሃበንን። ስለዝኾነ ድማ “ስብሓት ለእግዚኣብሔር በሰማያት ወሰላም በምድር ስምረቱ ለሰብእ” ዝብል ጥዑም ድምጺ ኣብ ሙሉእ ቲ’ገዛ ተቓልሐ’ሞ፡ ኩሉ ሰብ ካብ መንበሩ ብድድ በለ። ኣነ ድማ ከም’ዛ ብኽልተ መንኩባይ ጎናብለ ስፍስፍ ዘበሉኒ፡ ከይተፈለጠኒ ብድድ በልኩ’ሞ፡ ምስ ሰበይ ዋ…ዕ! ኢለ ዘመርኩ።

   ብምቕጻል ድማ “ጸልዩ በእንተ ሰላም ፍጽምት ወፍቅር ተኣምሁ በበይናቲኩሙ” ዝብል ቃል ድያቆን ሰዓበ። ሽዑ’ውን ከም ሰበይ “ክርስቶስ ኣምላክነ ረስየነ ድልዋነ ከመንትኣማህ በበይናቲነ” እናበልኩ ከም ስርዓተ-ኣምልኾ ናይ ግዕዝ፡ ናበ’ርባዕቲኡ መኣዝናት፡ ሰሜን ደቡብ፡ ምዕራብ-ምብራቕ፡ ገጸይ እናዘርኩ ምስ’ቲ እኩብ ህዝቢ እንግድዓይ ዓጺፈ ሰላምታ ተቐያየርኩ።

   ንሱ ከይተወድአ፡ ማለት’ሲ ዝማረ ናይ ህዝቢ ብዝጀመሮ እናቐጸለ እንከሎ ድማ ብሸነኽ ቦታ ናይ መንእሰያት ኣቢሉ “ሰላም ወሰናይ  … ለሁላችን ይሁን ሰላም” ዝብል መዝሙር ምስ ልስሉስ ሙዚቃ ተዛኒቑ ተቓልሐ። ንኣይ ግን እንድዕሉ በየን ገጹ ከምዝመጽአ “ሰላም … ባ’ለም ዙርያ ሁሉ ለሰው ዘር በሙሉ” ዝብል ናይ ክቡር ደራፋይ ማሕሙድ ኣሕመድ ትምኒት’ዩ ኣብ መንጎ ቅዳሴ ድቅን ዝበለኒ።

   ኩሉ ሰብ ከምዘይስሕቶ፡ ባህርያዊ ዓይኒ ትርእዮን ናይ ተስፋ ዓይኒ ትምነዮን ክረሓሓቕ እንከሎ ዝስዕብ ናይ ሓሳባት ምስቅልቅል፡ ቀሊል ኣይኮነን። ምስኡ ድማ ይኽደነና ደኣ’ምበር፡ ትምህርቲ’ቲ ዓቢ መጽሓፍ ከምዝብሎ እንተኾይኑ ፍርዲ-ወለ’ዝጊ’ሲ፡ ተዓዘብ! ዓይንኻ ዘይርኡይ ካብ ተ’ርእየካ ቡጥቁል ኣቢልካ ክትድርብያ’ሕሸካ። ከመይ’ሲ ምሰ’ዒንትኻ ቀባሕባሕ እናበልካ ንዘለኣለም ብነበልባል ናይ ገሃነም ካብ ትልብለብ’ሲ፡ ግስም ኢልካ ዓዊርካ ኣብ ገነት ክትዘልል’ዩ ዝሕሸካ። ይብል። ሽዑ ግን  ዘንጊዐ ግዲ ኾይነ፡ “ሰላም ወሰናይ ለኩልኩሙ ይኩን ሰላም” እናተባህለ፡ ብሓባር ናበ’ርባዕቲኡ መኣዝናት ክስገድ እንከሎ ወዮ ቐደም ትፈልጦ ዓይነይ፡

ኣምባር ምስ በራውር ኩትሻ ምስ ዝተቖነነ’ጻጉር

ዓይኒ-ዕዉር ዝደጉሕ ዝተዓለመ መሓውር

ዙርያ ምስ ዕጥርጥር ኣልባሶ ስብር-ቅንጥስ

ዓውደ ዓመት ዘማዕርግ ልቢ ዘረስርስ

ኣይረአትን ዓይነይ ከም ቀደሙ፡ ምስ ዓለሙ ከመስግን ክውድስ።

   ስለ’ዚ ቅዳሴ ምስ ተወድአ፡ “ከም ምሕረትካ’ምበር ከም በደልና ኣይትኺደና ጎይታ” እናበልኩ ቅድሚ ሰብ’የ በተግ ኢለ ዝወጻእኩ። ሻቡ ኣብ’ቲ ገበላ ሓደ መንእሰይ ንእሽቶ ጣውላ ኣብ ቅርዓት ተኺሉ ናይ መዛሙር ካሴታት፡ ከምኡ’ውን ጋዜጣታት ክሸይጥ ጸንሓኒ። ኣነ ድማ ናብኡ ቅርብ ኢለ ትሕዝትኡ ፈተሽኩዎ’ሞ፡ ሓደ-ኽልተ ሲዲታትን ሓንቲ “ፍቅርና ሰላም ጥር 2006 ዓ.ም”ትብል ጋዜጣን ገዛእኩ። ጋዜጥ ፍቅርና ሰላም ኣብ ቀዳመይቲ ገጻ ቀዳመይቲ ዓምዳ፡

“የጂቡቲ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን 50ኛ ዓመት የምስረታ በዓል ተከበረ”

ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ንኽብሪ’ቲ በዓል ንሃገሮም ወኪሎም ናብ ጂቡቲ ገይሾም ዝቐነዩ ኢትዮጵያዊ ኣቡን ከም ዝበልዎ፡ ምሕዝነት ክልቲአን ቤተክርስትያናት ቀደም-ቀደም ሱር ዝሰደደ ከም ዝኾነ ንምእማት፡ ናይ ካቶሊክ ሃይማኖት ሰበኽቲ-ወንጌል ብጂቡቲ’ቢሎም ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተዉ ይሕብሩ፡ ይብል።

  ኣብ መወዳእታ ናይ’ቲ ጽሑፍ ሰፊሩ ዘሎ መልእኽቲ ኣብ ትርጉም ትሕዝቶ መልእኽቱ ምእንቲ ከይቐንን እነሆ ንግዜኡ በ’ምሓርኛ ቅዳሑ። “ሊቀ ጳጳሱ በቆይታቸው ወቅት ኣሊሳቤ ተብሎ የሚታዋቀውን ሁለተኛ የጂቡቲ ከተማ፡ ታጁራ የሚባል የኢትዮጵያ ኣዲስ ወደብን ጨምሮ በርካታ የካቶሊክ ትምህርት ቤቶችን መጎብኘታቸው ታውቋል።”

     ኣብ ቀዳመይቲ ገጽ ካልኣይቲ ዓምዳ ድማ “የምስራቅ ኣፍሪቃ ጳጳሳት የደቡብ ሱዳን ተፈናቃዮችን ጎበኙ።” “ሰላም ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ቃል’ሲ፡ ካብ ኢትዮጵያ ኡጋንዳ ከንያ … ዝተበገሱ ጳጳሳት ናብ ደቡብ ሱዳን ብምኻድ፡ ቀልጢፉ ኲናት ደው ክብል ተማሕጺኖም” ይብል።  ይፍጠረሎም። ንናይ ኤርትራ ኣቡናት ድማ ወ’ለዝጊ ኣብ ተዝካር ልደቱ ባሪኹ፡ ምስ ሰቦም-ዝስረዑሉ-መስቀል፡ ዝስከሙሉ ጸሓይ-ሃይማኖት የብርቐሎም።

      ፖለቲካን ሃይማኖትን ንምሕንፋጽ ዘይኮነ’ሲ፡ ኤርትራውነት ብኽንደይ ሸነኽ ኣብ መድረኽ ምንቅቓስ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ምስ እዋን ምትዕጽጻፍ ይእግሞ ከምዘሎ ብኣብነት ንምእማት ክፍትን ክብል’የ። ጌጋ”ኽለኣለይ።

   ዝኾነ ኾይኑ ምስ ሰዓትን መዓልትን ምቅድዳም በርቲዑኒ’ኳ እንተቐነየ፡ ሓደ መዓልቲ ሎምስ “ላገቶ” ከርእየካ’ለኒ፡ ብምባል ሓደ ዓረከይ ሒዙኒ ብቦሌ-መንገድ ኣቢልና፡ ካብ ከባቢ’ቲ ቐደም ኣስመራ መንገድ ዝበሃል ዝነበረ፡ ፍሉይ መጸውዒዑ ሃያ ሁለት ማዞርያ ናብ ዝበሃል ቦታ’ቢልና ነቐልና።

  ንእገረመንገድና ግን በዓልቲ ቤተይ ሰዓል ሒዙዋ ሑእ ክትብል ብኾፈይ ስለዘሕደረትኒ’ሲ፡ ጽብቕቲ ሽሮፖ ክንዕድገላ ኣብ’ዛ ኣፍ ደገ ግዮን ሆተል ዘላ ፋርማቻ ንኺድ ኢሉ መኪንኡ ምዝዋር ጀመረ። ናብ’ቲ ፋርማሲ ኣቲና ትሕትኡ ምፍታሽ ምስጀመርና ድማ፡ ሓንቲ ጥርሙስ ስሕብ ኣቢለ፡ እዚኣ ጽብቕቲ’ያ በልኩዎ። ንሱ ድማ ትቕብል ኣቢሉ ናይ ወጻኢ ክኸውን ኣለዎ፡ በለኒ። ኣነ ድማ ንትጽቢቱ ንምዕጋብ፡ እወ ናይ ወጻኢ’ያ። ትርኢ’ለኻ ኣብ ግብጺ ተሰሪሐ’ያ ትብል ዘላ በልኩዎ። ዓርከይ ግን ኣይተሓጎሰን። እንታ’ኾንካ’ታ፡ ካን ግብጺ’ሲ ወጻኢ ቆጺርካዮ። ካብ ናቶም’ሲ ናይ ኢትዮጵያ ሽሮፖ’ኳ’በልጽ። ናይ ኣመሪካ ወይ ናይ አውሮጳ እንተ’ሎ ግርም፡ ንሱ እንተዘየለ ግን ምህርቲ ሃገረይ ይሕሸኒ በለኒ። ዝኾነ ኾይኑ ኣብ መወዳእታ ብበል-ኣይትበል ካብኣ ኣይሓለፍናን፡ ዓዲግና’ያ ኢና ናብ ላገቶ ገጽና መንገድና ዝቐጸልና።

ወደብ፡ መረብ፡ ዓሰብ?

     ብመስቀል ኣደባባይ ብትሕቲ’ቲ ዝስራሕ ዝነበረ ዓቢይ ናይ ባቡር መንገዲ ክንሓልፍ እንከለና ድማ፡ መልእኽትን ትርጉምን ናይ ላገቶ ግር ኢሉኒ፡ ነቲ ዓረከይ ላገቶ’ኸ እንታይ ማለት’ዩ ወደይ በልኩዎ። ንሱ ድማ ላገቶ’ሲ፡ ላጎ ካብ ዝብል ናይ ጥልያን ቃል ዝበቖለ ናይ ቅብጥሮት ስም’ዩ ዝመስል በለኒ። ዘረብኡ ብምቕጻል ድማ፡ ትፈልጣ ኢኻ’ኮ፡ ካበ’ስመራ ንባጽዕ ክትወጽእ እንከለኻ ኣብ ቤት-ገርግሽ፡ ኣብ ጫፍ ናይ’ቲ በለስን ዕሙር ቀላሚጦሳትን ዘለዎ ቦታ ንጸጋም እትርከብ፡ ቀደም ዘመን ብጥዑሙ፡ ከም ባር፡ ከም ቤትብልዒ፡ ስሕት ኢላ ድማ ከም እንዳ ሳዕስዒት ኮይና ተገልግል ዝነበረት ትካል’ያ፡ በለኒ። ኣነ ድማ እሞ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ ኣስመራን ኣስማሪኖን! ንምዝካር ናይ ጥልያን ስም ዝምረጸሉ ምኽንያት እንተ’ልዩስ ግርም’ምበር በልኩዎ። 

    ንሱ ድማ ዓርከኒ ኣተሓሳስባ ደቂሰባት ቀልጢፉ’ዩ ዝለዋወጥ። ቀደም ንሕና ከምንፈልጦ፡ ናእሽቱን ዓበይትን ትካላት ክጅምሩ እንከለዉ ደቂዓድና፡ ወደብ መረብ ዓሰብ …. ዝመስሉ ቃላት’ዮም ዝምረጹ ዝነበሩ። ሎሚ ድሕሪ ውጽኢት ኲናት ናይ ባድመን ዙቑር-ሓኒሽን ግን ልቢ ደቂ ሰባት ተቐይሩ’ዩ ….. ዝዓይነቱ ዕላል እናዕለልና፡ ኣብ ከባቢ ቦሌ መድሓኔ ዓለም ዝበሃል፡ ናይ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን በጻሕና። እቲ ቦታ ብነዋሕትን ዘመናውን ሕንጻታትን ተሸሊሙ፡ በብዓይነቶም ናይ ንግዲ ትካላት ዝመልአ ስለዝኾነ ዓይንኻ’ዩ ሕውዝውዝ ዘብለካ።

     ወላ’ቲ ህንጻ ናይ’ቲ ቤት ክርስትያን እንተኾነ’ውን፡ ብደገ እንክረአ ዩኒቨርሲቲ’ዩ ዝመስል። ክዓብን ክጽብቕን ጉድ’ዩ። በታ ሰዓት እቲኣ ኣነ’ውን ኣጸቢቐ ምእንቲ ክርእዮ ነቲ ቦታ፡ ንሎሚ ኣብ’ዚ ከባቢ ተዛውሪና  ቡን ሰቲና ንመለስ’ሞ፡ ካልእ መዓልቲ ናብ ላገቶ ክንከይድ በልኩዎ። ንሱ ድማ ካብ በልካስ ሕራይ በለ። ቀጺሉ ድማ አረ ላገቶ’ሲ ፍርቂ ለይቲ’ቢሉ’ዩ፡ ዝዕምር’ዮም ዝብልዎ፡ እናበለ ንመኪንኡ ኣብ ዝምእምእ ቦታ ንግዜኡ ዝኸውን ሰፈር ኣትሓዛ።

     ሽዑ ኣቐድም ኣቢልና ኣብ ምብጋስና ዝዓደግናዮም ሓደ ኽልተ ጋዜጣታት ሒዝና ናብ’ንዳ ቡን ቀስ ኢልና ብእግርና ክንስጉም እንከልና፡ ኣብ ከባቢ ቤተ ክርስትያን ቦለ መድሓኔ ዓለም ዝነበሩ ናእሽቱ ኣትክልቲ ናይ ጽርግያ “fly Egypt Air” ዝብል ናይ ንግዲ ሓበሬታ ዘለዎ ዓቢ ጽሑፍ ተቐኒቶም ከም ዝነበሩ ተዓዘብኩ።

     ብኻልእ ኣበሃህላ፡ በቲ ሓደ ወገን ፋርማሲታት ናይ ኣዲስ ኣበባ ናይ ግብጺ መድሓኒት ንህዝቢ እናቕረቡ፡ ኣብ ከባቢ ቤተክርስትያን ቦሌ መድሓኔዓለም ዘለው ናይ ጽርግያ ኣትክልቲ ድማ ብናይ ግብጺ መንገዲ ኣየር ክትነፍሩ ንቐደም በሉ፡ ዝብል ናይ ዕዳጋ ሓበሬታ ተቐኒቶም እናተራእዩ። በቲ ካልእ ሸነኽ ኣብ መንቀሊ ሩባ-ኣባይ ዝህነጽ ዘሎ ንታሪኽን ንጀኦግራፍን ሓዲሽ ኣንፈት ዘትሕዝ፡ “ህዳሴ-ግድብ” ብዝምልከት ኣብ መንጎ ግብጽን ኢትዮጵያን ይምዕብል ንዘሎ ታሪኻዊ ኣረኣእያ ምንቅስቓስ ዛ’ዓለም ዕዳጋ ኣመልኪቱ ኣብ ገለ ጋዜጣታት ዝንበብ ትሕዝቶ ጽሑፋት ፍልይ ዝበለ’ዩ ዝመስል። ከም ኣብነት ንምዝካር፡

ሀ) ጋዜጣ የኛ ፕሬስ ረቡዕ የካቲት 19/2006 ኣብ ካልኣይ ገጻ - የግብጽ የፕሮፓጋንዳ ጦርነትና የተንሸዋረረው ኣስተሳሰብ። ከምኡ’ውን …. “ግብጾችን ፈርተን ወደኋላ ኣናፈገፍግም።”

ሁ) ጋዜጣ ሪፖርተር - የካቲት 19/2006 ግብጽ ብህዳሴው ግድብ ላይ የጀመረችው ዘመቻ ዓለም ኣቀፍ ገጽታ ልታለብሰው ነው። ….

    ዝዓይነቶም ኣርእስቲ ዘለዎም ጽሑፋት ምስረአኹ፡ ነቲ ዓርከይ ስማዕስ’ኪ፡ ኣብ ግዜና ክሳብ ክንድ’ዚ ካይሮን ኣዲስ ኣበባን ዘዋስእ፡ ኣብ መንጎ ኣስመራ ኣዲስ ኣበባ ግን ከመ’ዓልካ ዘጥፍእ ንፋስ’ሲ በየን ገጹ ዝንፈሰ’ዩ ወደይ በልኩዎ፡ ንሱ ድማ እንታይ ፈሊጠሉ ኢልካኒ ኢኻ፡ ከይትኹሪ’ምበር ብካይሮ’ቢሉ ናበ’ስመራ ዝነፈሰ’ዩ ዝበሃል እናበለ፡ በል ንዓናይ ኣብ’ንዳ ኣልማዝ ሓደ-ክልተ ክብለካ’ሞ፡ ምናልባት እንተዘይደኺምካ ድማ ኣማስያና ናብ ላገቶ-ፓብ ንኸይድ በለኒ።

ኣብ ሳልሰይትን ናይ መወዳእታን ክፋል ክሳብ ንራኸብ ኣብ ዘዘለናዮ፡ ርሑስ ሓዲሽ ዓመትን፡ ቡሩኽ ልደትን ይግበረልና።

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.