ለውጢ ከይኰንካ ለውጢ ምድላይ

 ከይዘራእካ ምህርቲ ክትሓፍስ ምጽባይ`ዩ!

***

ብ ዑቕባይ ገብረመድህን

31 ታሕሳስ (December)፡ 2014

``ኣብ ዓለም ክትርእዮ ንእትደሊ ለውጢ ኹን።``                                        

(“Be the change that you want to see in the world.” Mahatma Gandhi)

            ብመሰረት ናይ ግዜ ባህሪያዊ ጕዕዞ፡ እነሆ ሎሚ ከምቲ ልሙድ ኣብ ልዳት ሓዲስ ዓመት ደው ኢልና ንርከብ። እንተ ናይ ለውጢ ምምጻእ ግን ናይ ግዜ እጃም ኣይኮነን። ግዜ ወድሰብ ዘሕዘላ ለውጢ ሒዛ ኢያ ትጐዓዝ። ስለዚ ኣብ ኢድ ግዜ ምጥማትን ንግዜ ምውካስን ዘይኮነ፡ ብዕትበት ክንምልሶ ዝግብኣና ሕቶ- ኣብዚ ኤርትራ ብፍጹም ጸልማት ተጐልቢባ ብሕማምን ዕለታዊ ዕጫ ሞትን ትሳቐየሉ ኣብ ዘላ መግለጺ ኣልቦ ህሞት፡ ብውሑዱ ኣብዚ ዚሓለፈ ዓመት ንለውጢ እነማዕድወሉ እንታይ ተግባር ፈጺምና ንርእስና ክንውከስ ይግብኣና። መልሲ ናይ`ዚ ሕቶ`ዚ ግሉጽ ኮይኑ፡ ናብ መጻኢ ጠመተ ንኸነባራብር ዝሓለነ ኢዩ።

 እቲ መሰረት ሓቀኛ ትፍስህቲ ህይወት ዝኾነ ምውህሃድ ሓሳብን፡ ቃልን ግብርን ኣባና ኣብ ምንታይ ኩነታት ይርከብ ምህላዉ ንገዛእ ርእስና ብዕትበት ክንውከስ ግድነት ኢዩ። ኤርትራውያን ከም ዓለምና ሰላምን ርግኣትን፡ ሓርነትን ቅሳነትን እንደሊ ክነስና፡ ነቲ ብኽቡር መስዋእቲ ዘምጻእናዮ ናጽነት ኣብ ክንዲ ናብ ሓርነት ኪምዕብል ትኩር ሓለዋ ኣዘውቲርና ህላዌኡን ቀጻልነቱን ነረጋግጽ፡ ሕማቕ ተግባርን ገበንን ኪፍጸም እናረአና ትም ምባል ስለ ዝመረጽና፡ ብውሽጣዊ ውልቀምልካዊ ጭቆና ኪውረስ ምሕዳግና፡ ጠንቂ ህልው ዘይባህሪያዊ ኩነታት ዝኾነ ብቑዕ መግለጺ ክትረኽበሉ ዘጸግም መዘና ኣልቦ ግርምቢጥነት ኢዩ።  አማኑአል ካንት  ዝተባህለ ጀርመናዊ ፈላስፋ ምስ ንቕሓት ኣተሓሒዙ ዝበሎ ዓሚቝ መግለጺ ነዚ ጸልማት ኤርትራዊ ኩነታት ጠንቂ ንምብራህ ዝሕግዝ ብኸምዚ ዚስዕብ ይገልጾ።

``ንቕሓት ሰብ ባዕሉ ካብ ዘውረዶ ዘይምብሳል ምውጻእ ኢዩ።

ዘይምብሳል ብዘይ ናይ ካልእ ሓገዝ መረዳእታኻ ክትጥቀም

ዘይምኽኣል`ዩ። እዚ ዘይብስለት`ዚ ጠንቁ ስእነት መረዳእታ

ዘይኮነ: ብዘይ ናይ ካልእሓገዝ ክትትግብሮ ብስእነት ወሳንነትን ስእነት

ትብዓትን ምስ ዚኸውን ብገዛእ-ርእስኻ ከም ዘውረድካዮ ኢዩ።``

( “Enlightenment is man’s emergence from self-imposed immaturity.

Immaturity is the inability to use one’s understanding without guidance

From another. This immaturity is self-imposed when its cause lies

not in lack of understanding, but in lack of resolve and courage  to

use it without guidance from another.” Immanuel Kant)

        እቲ ኣብ ሃገርና እንደልዮ ለውጢ ኣብ ኢድና፡ ኣብ ኢድ ህዝቢ ክነሱ፡ ዓመት መጸ ዓመት ለውጢ ይግበረልና እናበልና፡ ኣማዕዲና  ክንጽበያ፣ ኣብ ክንዲ ናይ ለውጢ ተግበርቲ ንኸውን ን 24 ዓመታት ሓለምትን ተዛረብትን ለውጢ ኴንና ጭልም ክንብል የሕሊፍናዮ። ናጽነት ብሕልምን ብዘረባን ዘይኮነ፡ ትዕግስትን ጽንዓትን ብዝሓተተ መሪር መስዋእታዊ ቃልሲ ከም ዝመጸ ኩላትና እንፈልጦ ሓቂ ኢዩ። ናጽነት ግን ናይ መወዳእታ ዕላማ ዘይኮነ፡ ነቲ ዝለዓለ መግለጺ ምሉእነት ህይወት ዝኾነ ሓርነት ህያው ንምግባር`ዩ ዝነበረ። እቲ ኣብ ትሕቲ ሰንሰለት ተኻታታሊ ባዕዳዊ መግዛእቲታት ተዓፊኑ ከይሓስብን ከይመራመርን ተኸልኪሉ ዝነበረ ሓፋሽ ህዝቢ፡ ኣብ ትሕቲ ብርሃን ሓርነት ሓዲስ ትንፋስ ከስተንፍስን፡ ባይቶ ግዝኣተ-ሕግን ፍትሕን ዝመለለዪኡ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ተኺሉ፡ ጸጋ ሓዲስ ህይወት ዝጨበጠ ሓዲስ ሕብረተሰብ ኪኸውን ኢዩ ዝነበረ። እንተ ኾነ እታ ኣደ ሓቅን ቅንዕናን፡ ባይቶ ፍትሕን ማዕርነትን፡ ቀንዴል ብርሃንን ትፍስህትን፡ ኣየር ሰላምን ርግኣትን፡ ባይታ ራህዋን ምዕባለን ዝኾነት ካብ ተፈጥሮና እትምንጭ ሓርነት ትኩር ዘለዓለማዊ ሓለዋ ከም ዘድልያ ኣየስተውዓልናሉን።

ብኣብነት ሕርሻዊ ተመክሮ ኪረአ ኸሎ፡ ቅድሚ ዘርኢ ጐልጓል፡ ድሕሪ ቡቝሊ ጻህያይ ምክያድ ብርኩት ምህርቲ ከም ዚህብ መጠን፡ ጐልጓል ናጽነት ብመሪር መስዋእቲ ኪረጋገጽ ከሎ፣ እቲ ንሓርነት ሓኒቑ ትንፋስ ዚኸልአ ጻህያይ ግን ናብ ዘይትንከፍ እሾኽን ክርዳድን ኪዓብን ዘጐልብብ ጸልማት ኪኸውንን ሓዲግናዮ። ስለዚ ኽኣ፡ ነዛ ደቃ እናኣጥፍአት ምርኣይ ምግጋይ ኮይና ዘላ ኤርትራ፡ ብግዜ ባዕዳዊ መግዛእቲ ማይን መብራህትን ሓሪሙዋ ዘይፈልጥ፡ ብጽባቔኣ ኣብ ዓለም ብኣብነት ትጥቀስ ዚነበረት ርእሰ ከተማና ኣስመራና ሎሚ ኣብ ጽምኢ ማይን ጸልማት ብርሃንን ትነብር ምህላዋ፡ ባዕልና ዝፈጠርናዮ ምዃና ዘደንጹን ዘደንዝዝን ተርእዮ ኢዩ። ከምቲ ሕማቕ ሓረስታይ ዓመት መጸ ንፈጣሪኡ ከማርር ዚነብር፡ ህዝቢ ኤርትራ ኸኣ ባዕልና ዝፈጠርናዮ መጥፍኢና ስርዓት ኣብ ክንዲ ንኣልዮ ኣብ ምዕዝምዛም ጥሒልና፡ ትርጉም ዘሎዎ ትስፉው ሓዲስ ዓመት ከየስተማቐርና እነሆ ርብዒ ዘመን የሕሊፍናዮ። ከምዚ ኢልና ግን ክሳብ መዓስ ኢና ኣብ ጸልማትን ጥፍኣትን ከም ንቡር ወሲድና ክንነብር?

ስለምንታይ ውልቀመላኺ ንሚልዮናት ኪረግጽ ይኽእል?

ነዚ ሕቶ`ዚ ንምምላስ ጠንቂ ናይዚ ንሃገር ብጸልማት ኣጐልቢቡ ህዝቢ ዘጽንት ዘሎ ፋሺስታዊ ውልቀምልካዊ ስርዓት ከመይ ኢሉ ንምሉእ ህዝቢ ኪረግጽ ከም ዝኸኣለ ብግቡእ ምልላይ የድልየና። እቲ ሕልናና ንዝዓመትናሉ ሓቂ በርቢርና ብምውጻእ ጥራይ ቅኑዕ መልስና ክንህበሉ እንኽእል ሕቶ፡ ኢቲየን ደላ ቦአቲየ (Etienne De La boetie) ዝተባህለ ፈረንሳዊ ደራሲ ብ 1550 ዓ.ም. ብዛዕባ ባህርያት መላኺ  ኣብ– (The Politics of Obedience – The Discourse of Voluntary Servitude) ዝጸሓፎ ጽሑፍ ከምዚ ኪብል ገሊጹዎ ኣሎ፡-

``ብዓይኒ ርትዒ፡ ኣብ ትሕቲ መመልከቲቶኣዊ ጻውዒት(ኣኽብሮት ዝጐደሎ ኣጸዋውዓ) ሓደ ጐይታ ክትከውን፡ ሕያውነት ከርእየካ ርጉጽነት ስለ ዘይብሉ ዓቢ ሕማቕ ዕድል`ዩ። ምኽንያቱ፡ ኩሉ ግዜ ኣብ ዝደለዮ ክጭቍነካ ስልጣኑ ስለ ዝኾነ። . . .ክርድኦ ጥራይ ዝደሊ፡ ከመይ ኢሉ`ዩ ዘጋጥም  ብዙሓት ሰባት፡ ብዙሓት ዓድታት፡ ብዙሓት ከተማታት፡ ብዙሓት ሃገራት፡ ኣብ ትሕቲ ብዘይካ`ቲ ዝህቡዎ ስልጣን ካልእ ስልጣን ዘይብሉ ሓደ ጨቋኒ፣ ክጽመሙዎ ድልየት ክሳብ ዘሎዎም ጥራይ ኪጐድኦም ዝኽእል፣  ኣብ ክንዲ ዝቃወሙዎ ክጽመሙዎ እንተ ዘይመሪጾም  ብፍጹም ኪጐድኦም ዘይኽእል ዝሳቐዩ? . . . . .እንታይ ዝበለ ግርምቢጥ ተርእዮ ኢዩ`ዚ? እንታይ ስም ኢና ክንህቦ? እዚ ሕማቕ ዕድል`ዚ እንታይ`ዩ ባህርያቱ? እንታይ ዝበለ ክፍኣት፡ እንታይ ዝበለ ውርደት`ዩ? ማእለያ ዘይብሉ ህዝቢ ናብ ምእዙዝነት ጥራይ ዘይኮነስ ናብ ጊልያነት ኪድፍኡ ክትርኢ? ኪግዝኡ ዘይኮነስ ኪጭቈኑ? እዞም ሕዙናት ናትና ዝብሉዎ ሃብቲ የብሎም፡ ዘመድ የብሎም፡ ብዓልቲ ቤት የብሎም፡ ቈልዑ የብሎም፡ ዋላ`ውን ናትና ዝብሉዋ ህይወት የብሎም! ካብ ሰራዊት ወይ ባርባራውያን ጭፍራ ዘይኮነ ካብ ሓደ መብዛሕትኡ ግዜ ፈራሕ ዝኾነ፡ ንሽታ ባሩድ ዓውዲ ውግእ ጋሻ፡ ኣብቲ ሑጻ ግጥም ዝወላወል፣ ናይ ንእሽቶ ፈኲስ ሰብ ዘመተን ጭቆናን ዝሳቐዩ ኢዮም። . . . .እቶም ዝእዘዙዎ ፈራሓትን ድኹማት ልብንዶ ክንብሎም? . . .ክልተ. .ሰለስተ . . ኣርባዕተ ካብኡ ኪከላኸሉ እንተ ዘይከኣሉ፡ እቲ ኩነታት ዘገርም ግን ክእመን ዝከኣል ምኾነ፣ ኣብ ከምዚ ዝበለ ጕድለት ትብዓት ክትጥርጥር ምኽኑይ ይኸውን። ግን ሚእቲ ወይ ሽሕ ናይ ሓደ ሰብ ቅብጠት ዝጽመሙ እንተ ድኣ ኾይኖም ኣብ ክንዲ ትብዓት የብሎምን ኣንጻሩ ኪለዓሉ ድልየት የብሎምን ክንብልዶ ኣይግብኣናን? ከምዚ ዝበለ ጠባይ ኣብ ክንዲ ፍርሃት እንታይ ገዲሱኒ ምባልዶ ኣየመልክትን? ሚእቲ ወይ ሽሕ ሰባት ዘይኮነ፡ ሚእቲ ኣውራጃታት፡ ሽሕ ከተማታት፡ ሚልዮን ሰባት ካብኡ ዝረኽቡዎ ሕያውነት እቲ ዘውርደሎም ጊልያነትን ባርነትን ውልቀሰብ ንምጥቅዑ  ኪኣብዩ ኸለዉ እንታይ ክንብል ንኽእል?. . . ሓደ ህዝቢ ኣብ መንጎ ጊልያን ሓራ ምዃንን ምርጫ ምስ ዝህልዎ፡ ሓርነቱ ራሕሪሑ ኣርዐት ኣብ ክሳዱ ምስ ዘእቱ፡ ንስቓዩ ፍቓደኛ ምስ ዝኸውን፡ ብገዛእ ርእሱ ኣብ ባርነት ኣቲዩ ጐሮሮኡ ከም ዝቖረጸ`ዩ`` ክብል ተንቲኑዎ። እሞኸ ድኣ፡ እዚ ቅድሚ 465 ዓመታት ዝተጻሕፈ ቃል ንቓሉ ብዛዕባ ናይ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ዝዛረብ ዘሎዶ ኣይመስልን?! 

መላኺ ዝወድቀሉ መንገዲኸ እንታይ ይመስል?

ፈራንሳዊ ደራሲ ብምግራም ጥራይ ነቲ ሽግር ዘርዚሩ ኣይሓለፈን። ቀጺሉ፡-

`` ንእሽቶ ናይ ሓዊ ቍልዒ ዝነድድ እንጨይቲ ምስ ዝረክብ፡ እናለዓለ ዝኸይድ ባርዕ ከም ዝኸውን  ኩሉ ዝፈልጦ ኢዩ፤ እንተ ኾነ ግን፡ ማይ ከይተኻዕዎ፡ ዝምገቦ ነዳዲ ጥራይ ብምስኣን ባዕሉ ይቕህም፡ ይጠፍእ፡ ሃልሃልታ ምዃኑ የብቅዕ`ዩ። ብተማሳሳሊ፡ ጨቈንቲ ዝያዳ ምስ ዝዘምቱ፡ ዝያዳ ሃንቀው ይብሉ፡ ዝያዳ የዕኑዉን ይድምስሱን። ሓደ ኢዱ ሂቡ ዝያዳ ምስ ዝእዘዞም ኸኣ፡ ብእኡ መጠን ዝሓየሉን ዝያዳ ዘይድፈሩን፡ ንምዕናውን ንምጽናትን ዝያዳ ዝተዳለዉ ይኾኑ። ግን፡ ዋላ ሓንቲ ነገር እውን ምስ ዘይትገድፈሎም፡ ብዘይ ጐንጺ ብቐሊሉ ምስ ዘይትእዘዞም፡ ዕሩቓት ይኾኑን፡ ከምቲ ሰራውራ መግቢ ምስ ሰኣነ ጨናፍራ ዝነቅጽ ኦም ኮይኖም ይፈርሱ``  ብምባል ደም ምፍሳስ ዘይብሉ ጭቆና ፋሺስታዊ ውልቀምልኪ ኪወድቀሉ ዝኽእል መንገዲ            ይሕብረና።

 እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣገባብ ተጠቒሙ ዝተሓዝሎ ውልቀመላኺ ካብ ዝባኑ ብምድርባይ  ኣብ ትሕቲ ብርሃን ሓርነት ግዝኣት ሕጊ ተኺሉ፡ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ኪምስርት፣ ኣብ ፍትሕን ሰላምን፡ ኣብ ራህዋን ቅሳነትን ኪነብር፣ ኣብ ወጋሕታ ናጽነት ዝነበረ ተስፋ ኤርትራ ዘውሕስ ልዑል መኣዲ ትምህርቲ ዝምግባ ዩኒቨርሲታት ኣብ መላእ ሃገር ዘርጊሑ፡ ማዕጾ ልዑል ምዕባለ ኪኸፍት ሰፊሕ ዕደል ኔሩዎ ኢዩ።

ሎሚ ግን ድሕሪ 23 ዓመታት ገና ንኤርትራዊ ነፍሲ ዝብድህ ኣዚዩ ፈታኒ እዋን ኢና ንሓልፎ ዘለና። ባህሊ ግዝኣተ ሕግን ፍትሕን፡ ህይወት ፍቕርን ስኒትን፡ ልምዲ ልግስን ሓልዮትን፡ ጠባይ ሓቅን ቅንዕናን፡ ባህሊ ጅግንነትን መስዋእትን፡ በኪሉ መርዚ ግዝኣተ በትርን ዓመጽን፡ ጽልእን ህውከትን፡ ቅንእን ስስዕትን፡ ሓሶትን ተንኰልን፡ ፍርሃትን እንታይ ገዲሱንን ዘሪኡ ዕንወት ሃገርን ምጽናት ህዝብን ዕለታዊ ተግባሩ ዝገበረ ፋሺስታዊ ውልቀምልካዊ ስርዓት ከም ቆንጠጠፈ ኣሲሩ ዘሳቒየሉ ዘሎ፡ ኣማዕዲኻ ጩራ ብርሃን ዘይትርእየሉ ተካል እዋን ስለ ዝኾነ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ብወፍሪ ባርነትን ማእሰርትን ምርሻንን፡ ስግር ሃገር ኣብ ምድረ መዳ በሕዋቶም ንራሻይዳን በደዊንን ተሸይጦም ስቅያት መግረፍትን ምሻጥ ኰላሊትን፣ ኣብ ምጥሓል ባሕርን ውሓይዝን፣ ኣብ ስደት ውርደትን ከርተትን ዝነብሩ ዘለዉ፣ ዓንዲ ሕቖን በላሕቲ ኣእምሮን መንእሰያት ሃገር ጠፊኦም ሃገር ትዝኽትመሉ ዘላ፣ ኣብ ወጻኢ ዚነብሩ ምሁራት በሃልቲ፡ ሕልናኦም ደፊኖም ክብሮም ዝሸጡ፡ ንህዝቦም ክሒዶም ኣብ እግሪ ውልቀመላኺ እናሰገዱ ሃዋርያቱ ብምዃን፡ ናይ ጥፍኣት መደቡ ኪሰብኩሉ ፈቐዶ ሃገራትን ስተይታትን ሕፍረቶም ቀንጢጦም ዝዞሩሉ ዘለዉ ተካል እዋን`ዩ። እዚ ዘበነ ኣካሒዳን ሕልፈታትን ዘነጽሮ ነገር እንተ ኣሊዩ፡ እዚ ጸልማት ስርዓት ምስ ወደቘ`ውን፡ ኤርትራ ዝጽበያ ናይ ቤታ ምጽራይ ስራሕ ኣዚዩ ዝተሓላለኸን ከቢድን ምዃኑ ኪዝንጋዕ ዘይግብኦ ሓቂ ኢዩ።

ኣብ ጐድኒ`ዚ፡ ህዝቢ ምስ ታሪኽ ቃልሱ ዘይትኸይድ ብናይ ትም መርዚ ኣፉ ተዓቢሱ፣ ደቁ ካብ ሑቕፎኡ ንጥፍኣት ተተመንዚዖም እናተወሰዱ ትም ምባል መሪጹ፤ ትም ዘሪኡ ሓሳር ይሓፍስ ኣሎ። ትም ምስ ዚነውሕ ከኣ ናብ ሕልፈታት ኢዩ ዚቕየር። ህዝበይ ኣብ ሓርነት ምእንቲ ኪርህዎ ንዓይ ይሕሰመኒ ኢሉ ዝተሰውኣሉ ባህሊ ጀጋኑ ተረሲዑ፣  ወለዲ ጽባሕ ደቅና ምእንቲ ኪርህዎም ሎሚ ንዓና ይሕሰመና ብምባል ንደቆም ክንዲ ዝከላኸሉ፡ ንዓና ይጥዓመና ብምባል ደቆም ግደ ሕሰምን መከራን እናኾኑ ትም ኢሎም ዝዕዘቡሉ ዘለዉ ተካል እዋን`ዩ ። ንደቁ ግደ ሓሰምን መከራን ጌሩ ቀሲኑ ክሓድር ዝኽእል ወላዲኸ መን`ዩ? እቲ ዘይተርፍ ሳዕቤኑ ተተሓሒዚካ ምጥፋእ ጥራይ ኢዩ።

        ዽሕሪ`ዚ ኹሉ ስቓይን ጥፍኣትን፡ እቲ ዝሓሸ መንገዲ ካብ ማሕለኻ ጫሌዳውን ጸቢብ ፍልልያትን ተባራቢርና፡ ብሓድነት ካብ  ምስጋሩ ወጻኢ ካልእ ምርጫ የብልናን። ኤርትራውያን ብ ፍቕሪ ሃገርና ንሕበን ኢና። ድሕሪ ናጽነት፡ ብፍላይ ኣብዚ መበል 21 ዘመን ግን እቲ ትርጉም ሓቀኛ ፍቕሪ ሃገር ዘምቢዑ፡ መኣዝኑ ስሒቱ ዘሎ እመስለኒ። እወ! ሃገርና ነፍቅር እናበልና ስለምንታይ ስኒትን ልዝብን ስኢንና መፍቶ ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኴንና ንርብዒ ዘመን ኣብ ጸልማት ንነብር ኣለና? ፍቕሪ ሃገር ማለት ፍቕሪ መሬትን ዕጨ-እምንን ዘይኮነ ፍቕሪ ህዝቢ ኢዩ እቲ ቅኑዕ ትርጉሙ። ኣብ ሓድሕድና ፍቕርን ስኒትን፡ ምክብባርን ምትሕልላይን ምስ ዝዓስለና ጥራይ ኢዩ ኸኣ ጸጋ ብርሃን ሓርነት ኣብ መንጎና ኪስስን ዝኽእል።

ኲናትን ህውከትን መጥፍኢ`ምበር መሰሰኒ፡ መፋላለዪ`ምበር መሕበሪ፡ መዕነዊ`ምበር መማዕበሊ፡ ተኻሊ ፋሺስታዊ በትሪ`ምበር ተኻሊ ግዝኣተ ሕግን ፍትሕን፡ ጠንቂ ዕግርግርን ምንዋጽን`ምበር ባይታ ሰላምን ርግኣትን ከም ዘይኮነ ኣብ ውሽጢ ሓምሳ ዓመታት ከም ህዝቢ ኤርትራ ጌሩ ዝተመኰሮ ህዝቢ የለን ክብል እደፍር። ስለዚ፡ ጸሓይ ከይዓረበትና ብኽፉት ኣእምሮን ንጹህ ልብን ንድሕነትና፡ ንሓርነትና፡ ንራህዋና ብሓባር  ዘቲና ሽግርና ንፍታሕ።

 

ቍስልና ኣይንሕባእ ነውጽኣዮ ቃልዕ

ዝመሽመሸ ቍስሊ ባዕሉ`ዩ ዝነትዕ

ቅድሚ ምንትዑ ግን ረስኒ`ዩ ዝብርትዕ፣

ልዋም ድቃስ ረኺቡ እፎይታ ኪጐስዕ

ስቓይ ኣኸቲሙ እንጌራ ሰላም ኪብልዕ

እዋኑ ኣኺሉ`ዩ ንሓቂ ኪዅልዕ።

ሓዲስ ዓመት ዕጥቂ ሓድነት ንሓርነትን ክብረትን፡ ንግዝኣተ ሕግን ፍትሕን፡ ንሰላምን ርግኣትን፡ ንራህዋን ምዕባለን ይግበረልና።

 

ሰላምን ራህዋን ንህዝቢ ኤርትራ!

ዘለዓለማዊ ንሕድሮም ዝበቅዕ ሰናይ ዝኽሪ ንስዉኣትና!!!