መጀመርታ ሲንጋፖር።

http://en.wikipedia.org/wiki/Four_Asian_Tigers

ሲንጋፖር ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ እትርከብ ደሴት እያ። እዚኣ በዚ ሎሚ ኣብ ዓለም ሓሙሸይቲ ንጥፍቲ ወደብ ክትከውን እንከላ እታ ራብዓይቲ ናይ ፊናንስ ማእከል ከኣ እያ። ኣብ ናይ ኣህጉራዊ ንግዲ ዝተመስረተ ቁጠባ ኣለዋ። እዚ ኣብ ዝተፈላለየ ክንፍታት ዝተወዝዐ ቁጠባ ኣብ ንግዲ እሞ እቲ ዝዓበየ ድማ ኣብ መስርሕ ናይ ኣቑሑ (manufacturing) ብ26 % ናይቲ ሓፈሻዊ ሒዙ ይርከብ (GDP, Gross Development Product ) እዚኣ እታ ሳልሰይቲ ንሓደ ሰብ ኣታዊ ኣብ ዓለም ክትከውን ከላ ግን ኣብ መንጎ ናይ ኣታዊ ፍልልይ ዘይምዕሩይ ግን ኣሎዋ። እዚ ከምዚ ኢሉ ግን ኣብ ትምህርቲ፡ ጥዕናን ናይ ቁጠባ ውድድርን ግን ኣብ ኣህጉራዊ ደረጃ ሓደ ካብቲ ዝለዓለት እያ።

እዚኣ ሃገር እዚኣ ኣስታት 5.4 ሚሊዮን ሕዝቢ ኣለዋ (ሰነ 2013)። ደቀባት ኣስያውያን ዝበዝሑ ክኾኑ እንከለዉ፡ ማለት 75% ቺናውያን፡ ማለይን ታሚልን ህንድን ድማ ብብዝሒ ኣለውዋ። ኣርባዕተ ወግዓዊ ቃንቃታት ኣለዋ። እዚኣን ድማ እንግሊዝ፡ ማለይ፡ ማንዳሪንን ታሚልን ክኾኑ እንከለዉ እቲ መንግስቲ ብወግዒ ብዝሂ ባህልታትን ክብርን ንኽምዕብል በቲ ዘካይዶ መደባት ከተግብር ይረአ።

ሲንስጋፖር ብሓደ ፓርቲ ክትምራሕ እንከላ ብዝሒ ፓርትታት ግን ኣለዋ። ብሓደ ካመራ ፓርላመንት መንግስቲ ትካየድ። እቲ ድሕሪ ነጻነት ዝመጽአ ናይ ሕዝቢ ንጡፍ ፓርቲ (People’s Action Party PAP) ግን ካብ ነጻነት 1959 ክሳብ ሎሚ ኣብ ዝተገብረ ምርጫታት ዕዉት ኮይኑ ይርከብ። ናይዚ ፓርቲ እዚ ዓብላልነት ምስ ኣዝዩ ትሑት ነጻነት ናይ መራኸቢ ብዙሓን፡ ክልኩልን ዘይምኽባር ሰብኣዊን ፖለቲካዊ መሰላት ስለዘለዋ ድማ ሲንጋፖር ሓንቲ ካብተን ፍርቂ-ኣውቶሪተርያን (ዳርጋ ዲክተተርነት) መንግስቲ እያ እትበሃል።

ሲንጋፖር ካብተን ጀመርቲ ናይ ደቡብ ምብራቕ ሃገራት ማሕበር እያ። ከምኡ እውን ተቐባሊት ጋሻ ናይ ኣስያ ፓሲፊክ ቁጠባዊ ምርድዳእ ቤት ጽሕፈትን ኣባል ናይ ምብራቕ ኣስያ ርክብን፡ ናይ ዘይወገናዊ ምንቅስቓስን ናይ ኮመንወልዝ (ቀደም ናይ እንግሊዝ ግዝኣታት ዝነበራ ዝውክል ፍሉይ ውድብ) ኣባል እያ። ናይ ሲንጋፖር ኣዝዩ ምምዕባል ዳርጋ ሳልሰይቲ ሓይሊ ናይ ዝብል ሽም ተቐባሊት ክትከውን ትኽእል እያ ዝብል ኣተሓሳስባ ኣሎ።

ከምዚ ኢላ እንከላ ሲንጋፖር ምስተን ጎረባብታ ዝኾና ሆንግ ኮንግ፡ ደቡብ ኮረያን ታይዋን (ናይ ቀደም ቺና ዝርከብዋ ደሴት) ኮይነን ናይ ኣስያ ክፍለ ዓለም ኣናብር ተባሂለን ይጽዋዓ። ካብ 1960 ክሳብ 1990 ኣብ ሰላሳ ዓመት እቲ ዝለዓለ ቁጠባ ዕብየት ክሳብ 7 % ኣብ ዓመት ኣናካየዳ ብቁልጡፍ ኢንዱስትሪያዊ ምዕባለ ብምክያድ ሎሚ ኣብ ምዕብሉን ልዑል ኣታዊ ዘለወን ሃገራት እየን። ከመይ?

እቲ ዝተጠቐማሉ ናይ ቁጠባ ሜላ ኮምፐተቲቭ ኣድቫንተጅ ወይ ከኣ እቲ ሓንቲ ሃገር ዘለዋ ፍሉይን ካብ ናይ ካልእ ድማ ዝድለየን ዝጠቅምን እንተኾይኑ ኣብቲ ዝግበር ስምምዓትን ናይ ንግድን ቁጠባ መደባትን ነዚ ብምጥቃም ብኣፍልጦ ኪኢላታትን ናይ ቁጠባ መህዝነትን ዘለዎም ባእታታት ተመሪሑ ዝካየድ ዓይነት ሜላ እዩ።

ከምዚ ኢሉ ግን ነጻ ናይ ቁጠባ ፖሊሲ ሲንጋፖር እንተተኸተለት፡ ማለት ውጻኢ ሰደድን ትሑት ቀረጽን ንሕዝቢ ብዙሕ ሓገዝ ዘይምግባርን እቲ ዝዓበየ ድማ ናይቲ መንግስቲ ኢድ ኣታውነት ኣለዎ ክብል ናይ ዓለም ባንክ ይነገር። ካብቲ ዕዳጋ ዝግብኦ ንታሕቲ ናይ ወለድ ዓቐን ብምቁጽጻር እውን ዝመጽአ እዩ ይብል እቲ ሪፖርት። ግንከ እቲ መንግስቲ እውን ስለዘየጥፍእን ነጻ ዕዳጋ እውን ስለዘለዋ እያ ተዓዊታ ኣብ ቁጠባ ክብል ይውስኽ። ስለዚ ድማ ንዓማውቲ ዝኣክል ዝዓቢ ቁጠባ ኣማዕቢላ። .

ንኣብነት ሆንግ ኮንግን ሲንጋፖርን መሪሓት ዓለም ናይ ፊናንስ ማእከላት (financial centers) ክኾና እንከለዋ፡ ደቡብ ኮርያን ታይዋንን ድማ ናይ ዓለም ናይ ስርሓት ማለት (manufacturing information technology. ) ሓበሬታ ተክኖሎጂ እየን። እዚ ኩሉ ካብ ዊኪፒድያ ዝተረኽበ ሓበሬታ እዩ።

እተን  ኣርባዕተ ኣናብር

http://www.bing.com/images/search?q=four+tigers+asia&qpvt=four+tigers+asia&FORM=IGRE#view=detail&id=4BF0993795BE367D565E0BFE5AF1F4FD4870B408&selectedIndex=21

ነዚ ተኸቲለን እተን ንኣሽቱ ኣናብር ዝበሃላ ድማ ኢንዶነዥያ፡ ፊሊፒኒስ፡ ታይላንድን ማለይዥያን ይርከባ። እዚኣተን እውን ናይዘን ዓበይቲ ኣሕዋተን/ኣሓተን ተኸቲለን ኣብ ናይ ወጻኢ ሰደድ ናይ መስርሕን ካልእን ዝካይድ ቁጠባ ብምምዕባል በዚ ሎሚ ግዜ ካብተን ኣዝየን ቅልጡፋት ቁጠባ ዝካየደለን ሃገራት ኮይነን ይርከባ።

ልክዕ ከምቲ ናይ ሲንጋፖር እዚአን እውን ናይቲኢ ብባምቡ ርክብ ዝፍለጥ ናይ ቺናውያን ናይ ወጻኢ ዲያስፖራ ሓይሊ ኣብዚ እውን እዚ ዓቢ ግደ ኣለዎ። እዚኣቶም ነቲ ናይ ግሊ ክፍሊ ቁጠባ ንኸማዕብሉ ኣኽኢልዎም እዩ። ካብ ወጻኢን ካብ ቺና እውን ኢንቨስትመንት ይርከብን እዩ።

https://en.wikipedia.org/wiki/Emerging_markets

እዚኣተን ናይ ኣስያ ቁጠባዊ ሓይሊ ክኾና እንከለዋ እተን ካልእት ድማ ኣብዚ ናይ ዝምዕብላ ዘለዋ ዕዳጋታት ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝተፈላለይ ደረጃ ዘለውን ጌና እውን ዝምዕብላ ዘለዋ ክጠቅስ እንከሎ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃን ቀጽሉ እውን ናይ ግብጺ ካብ ኣፍሪቃ ይጠቅስ እዩ።

በዚ ሎሚ ክርአ እንከሎ እተን ናይ ፊናንስ መስርሕ ንኽጅምራ ተበጊሰን ዘለዋ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ እውን ኣብ ዝሐለፈ ዓመታት ኣዝዩ ቅልጡፍ ናይ ቁጠባ ምዕባለ ዘርኣያን ከምኣ እውን ዝነበረንን እየን። ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ቅድሚ ናይ ኣፓርተይድ ምውዳቕ እውን ምዕቡል ናይ ቁጠባ ትካላት ዝነበራ እያ። ናይጀርያን ግብጽን ኢትዮጵያን ድማ በብቑሩብ ቁጠበአን ከመሓይሻ ዝርከባ ሃገራት እየን። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ናይ .....መስርሕ ተጀሚሩ።

እዚ ኩሉ እንታይ ኣድለየ እንድዩ እቲ ሕቶ።  

ኣብ መፋርቕ ካልኣይ ማለት ካብ 1985 ክሳብ 1989 ኣብ ዝነበረሉ ዓመውቲ ሓንቲ መዓልቲ ቪድዮ ናይ ኣርባዕተ ኣናብር ዝብል ዶኮመንተሪ ፊልም ዘርኢ ረኸብኩ። እዚ ድኣ እንታይ ይኸውን ብዝብል ሓሳብ ተለቂሐ ረኣኹዎ። እቲ ዘገርም ኣብቲ ኣዋን እቲ ካብ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ንላዕሊ ገለ ገለ ዘንበብክዎ እንተዘይኮይኑ ኣዝዩ ልዑል ናይ ቁጠባ ትምህርቲ ኣይነበረንን። ግን ኣብ ናይ ስደትን ናይ ሃይለ ስላሴ ኢትዮጵያን ኣፍልጦ ስለዝነበረኒ ብኣዝዩ ትሑት ዓይኒ ቁጠባ ማለት በቲ ንኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ንኤርትራ ዝምልከት ከተሓሳስበኒ ክኢሉ። እቲ ናይዚአን ንኣሽቱ ኣናብር ማለት ንሲንጋፖርን ደቡብ ኮረያን ሆንግ ኮንግን ታይዋንን መሲለን ክኸዳ ዝደለያ ሃገራት ኣስያ ምስ ናይ ኣፍሪቃ እንታይ ዘመሳስል ኣለውን ዝብል ሕቶ ተላዒሉ ኣተሓሳሰበኒ።

በቲ ዝተሓተ ተምሳሉ እምበኣር

(1)    80 ክሳብ 90 ካብ ሚእቲ ኣብ ማሕረስን መጋሰን ዝውዕል ሕዝቢ ስለዘሎ ናይ መጻኢ ዕድሉ ድማ ምስቲ ናይ ንፋስ ምቅይያር ዘስዓቦ ናይ ምድረ በዳነትን ዋሕዲ ዝናብን ዝተጠቕዐ ሕዝቢ ስለዝኾነ ገለ ካብ ክፍሉ ዓዲ ዓዲ ብምኻድን ናብ ከተማታት ብምፍላስን ቁጠባዊ ዕድሉ ከመሓይሽ ይግደደ ይኸውን ዝብል ኣተኩሮ።

(2)   እዚን ብሕጂ ዝውለደን ዘሎ ሰብኣዊ ሓይሊ ኣብ ቁጠባ ናይ ምስታፍ ዕድል ክህልዎ ስለዝግባእ

(3)   ካብ ውጻኢ ዝመጽኣ ኩባንያታት ድሮ ተምኩሮ ሃልይወን ስለዝኾነ ናይ „ሕሱር“ ሓይሊ ዝርከቦ ዕዳጋ ይደልያ ስለዝኾና

(4)   እዚ „ብናይ ምዕራብ“ „ሕሱር“ ዝቑጸር ሓይሊ እቲ መንግስቲ ብናይ ወጻኢ ሸርፊ ክወዳደር እንከሎ ካብቲ ብንቡር ዝካየድ ደሞዝ ዝለዓለ ክኸውን እንተድኣ ተኻቲዑን ደሞዝ ናይ ዜጋታቱ ከማዕብል ኪኢሉ

(5)   እዚ ዝምዕብል ሓይሊ ናይ ሰራሕተኛታት ድማ ኣብ መጻኢ 20 ክሳብ 30 ዓመት ማዕቢሉን ደቁ ናብ ዝለዓለ ትምህርትን ክሰድድን ቀጻሊ ናይቲ ሕብረተ ሰብ ምምሕያሽ ከማዕብልን

(6)  እዚ ማእከላይ ደርቢ ዝማዕበለሉ ሕብረት ሰብ ድማ እቲ ዝሓሸን ነጻ ዝኾነን ሓይሊን ቀጻሊ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝምዕብል መስርሕ ከካይድን ግድነት ስለዝገብር

(7)   መንግስቲ ነዚ ዝምዕብል ዘሎ ናይ ግሊ ሓይሊ መንቀሳቐሲ ዝኸውን ናይ ጽርግያታትን ኣብያተ ፖስጣን ኤለክትሪክን ካልእ ትካላትን ክተክል ምእንቲ ዘድልዮ ምትሕብባር ምስ ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ክገብር

(8)   ስለዝኾነ ድማ ነዚ ንምምዕባል ኣድላዪ ናይ ኣብያተ ትምህርትን ኣብያተ ጥዕናን ክስርትን ከማዕብልን ስጉምቲ ክወስድ ይኽእል።

(9)  ኣብዚ ናይ ብሓቂ ናይ ቁጠባ ኪኢላታትን ምሁራትን ከምኣ እውን ኣብ ኣፍሪቃን ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣታ ሃገርን ዝምልከት ዝተወሰድ መጽናዕትታት ብምርኣይን ምምርማርን ነዚ ዝኸውንን ዝጸሉን ነገራት ምጽናዕን ኣብ ግብሪ ምውዓልን ዝብሉ ይውሰኹዎም።

ብከምዚ ዝብል መደብ እዚ ከምቲ ልዑልን ብዙሕን ዝተማህረን (ብተዛማዲ) ዝኾነ ሓይሊ ናይ ኣስያ ኣይኹን እምበር ዘይከኣለሉ ኩነት የልቦን ዝብል ናይ ኣዎንታ ስምዒትን ተስፋን ድማ እዚአን ቪድዮታት እዚኣተን ህ.ግ.ሓ.ኤ. ክትርእየንን ንመጻኢ ድማ ኣብ ግብሪ ዝውዕሉሉ ናይ ቁጠባ መደብ ክተጽንዕን ብምባል ኣብ መጻኢ ምብጻሕ ናይ ገለ ገለ ተጋደልቲ እዚ ቪድዮ ብሓባር ተራእየ። ኣዝዪ ኣገዳሲ ስለዝተባህለ ድማ ቅዳሓት ተወስደ። ቀንዲ ሓሳብ እምበኣር ንመላገጺ ኣይኮነን ተባሂሉ እንታይ ድኣ ሓንቲ ብገለ ገለ ነገራት ዝተሃስየት ሃገር ከመይ ጌራ ንጽባሕ ነጻነት ብኣዝዩ ውሕሉል ኣገባብ ቁጠባኣ ከተማሓይሽ ትጅምር ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ፈተነ ክግበር ብምባል እዩ ኔሩ።

ምስዚ ክጥቀዝ ዘለዎ ጸሓፊት እዛ ካብ ሃገራት ዓለም ኣብተን ዝደኸየት ሃገራት እትስራዕ ሃገር ዓቕማ ብዝፈቕዶ ድኣምበር ኣብዘየድሊ ብድዐን ዘሳእንኻ ክትወዲ ምድላይን ኣይኮነን። እካ ድኣ እዚኣ ሃገር እዚኣ ጥራሕ ዘይኮና ካልኦት ኣፍሪቃውያን ሃገራት እውን ብኸመይ ክምዕብላ ይኽእላ ንዝብል ሕቶ መልሲ ካብ ምድላይ ዓዲ ዘይውዕሉ ኪኢላታት ከተጥሪ ዘለዋ ክፍለ ዓልመ ስለዝኾነት ኣብዚ ንዝግበር መጽናዕትታት እውን ተሓባባርቲ ናይ ኣፍሪቃ ኪኢላታት ተራ ክጻውቱ ዝኽእሉሉ ባይታ ንምፍጣር እውን ዕድል ክትረክብ ይከኣል እዩ ዝብል መንፈስ እውን ኔሩ።

ብግዜ ጥልያን ዝተኣታተወ ናይ ባራቶሎን ካልእት ተመሳሳሊ ናይ ወጻኢ ኢንቭስትመንት ዶይ ኮነን ንኣስመራን ከባቢኣን ዘማዕበለ? እዚ ካብዚ ብምንታይ ይፍለ? ብዋላሕንቲ።

እዚ ክበሃል እንከሎ ጸሓፍቲ ይኹኑ እቶም ነዚ ሓሳብ ከም ሓሳብ ዝተቐብልዎ ኤርትራውያን ነዚ ቃል ብቓሉ ክትርጎም ኣይኮነን ነቲ ሓሳብ ተቐቢሎሞ። ከምቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ኣተሓሳስባ ዘድለየካ ትቕበል ዘይድለየካ ትኣሊ ብዝብል ኣዩ። ምኽንያቱ ኤርትራውያን ከምቲ ደቂ ሲንጋፖር ንዲክተተርነት ዝተቐብሉ ይቕበሉ ማለት ኣይኮነን። እዚ ማለት በቲ ዝነበረ ኣተሓሳስባ ደሞክራሲ ምስ ሓርነት ዝተኣሳሰር ስለዝኾነ ቅብሉን ኣብ ዕዳጋ ዝኣቱ ኣምር ኣይነበረን። ምኽንያቱ እቲ ቃልሲ ንነጻነትን ሓርነትን እዩ ተኻይዱ።

መልሰ ግብሪ ኣብ ባይታ ብዛዕባ ሲንጋፖርን ኣርባዕተ ኣናብርን ካብ ምስክር

ኣብ ገጽ 189 ብዛዕባ እናማዕብለት እተኻየድ ኤርትራዊት መንግስቲ ብዝብል ኣርእስቲ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልድጊዮርጊስ እዚ ይብል። ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣብቲ ናይ 1987 ውድባዊ ጉባኤ ምስ „ስነፍልጠታዊ ማሕበርነት“ ዝነበሮ ናይ ትእዛዛዊ ስርዓት ኣረኣእያ ገዲፉ ደሞክራስያውን ናይ ሕውስዋስ ቁጠባ ድሕሪ ነጻነት ክተክል ምኻኑ ኣፍለጠ። ስለዚ ድማ ሃገራዊ ቻርተርን፡ ናይ ማክሮ ፖሊሲ ወረቐትን ሕገ መንግስትን ንምግባር ቃል ብምእታው ምምዕባል ሃገር ምስ ናይዚ ዓይነት ናይ መንግስትን ግልን (ሕውስዋስ) (mixed economy) ንኽተግብር ምኻኑ ብወግዒ ኣዋጀ።

ኣብ ገጽ 190 እምበኣር „ናይ ኣስያ ኣናብር“ ከም ኣብነት ብምውሳድ መንግስታዊ ኢድ ኣታውነት ኣብቲ መስርሕ ቁጠባ ብምፍቃድ ቁልጡፍን ቀጻልነት ዘለዎ ምዕባል ንምትግባር ክጸዓር ግድነት እዩ። እዚ ድማ ብዘይውልውል ነቲ መንግስቲ ኣውቶሪተርያን ዳርጋ ዲክተተርነት ክኸውን ከምዘለዎ ይሕበር። እዚ ክበሃል እንከሎ ዲክተተርነት ይኹን ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ስለስተ ነገር ክገብር ኣለዎ። (1) ንጹር መደብ ናይ ምዕባል ሽቶታትን እንታይ ንምብጻሕ እዩ ንምትግባር ምስራዕ። (2) ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ክእለትን ብቕዓት ዘለዎም ትካላት ምትካል። (3) ካብቲ ምዕባለ ነቲ ሕዝቢ ዝወርዶ ወይ ዝረኽቦ እናለዓል ዝኸይድ ናይ ምምሕያሽ መነባብሮን ናይ ደቅሰብ ድሕነትን ከኸትል ኣለዎ ዝብላ ሰለስተ ነገራት ኣብ ግብሪ ንኽውዕላ ይምደብ።

ሰለዚ ድማ ይብል ዓ.ወ. ኣብ መፋርቕ 1990ታት እቶም ኣለዉ ዝበሃሉ ሓለፍቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ነዛ ደሴት እዚኣ በጽሑዋን ብዛዕባኣ ክመራመሩን ከጽንዑን ጀመሩ። እምበኣር ሲንጋፖር ከም ታሪኽ ኣብ 1965 ነጻነታ ክትጎናጸፍ እንከላ ባህርያዊ ሃብቲ፡ ዘይኣክል ናይ ዝስተ ማይ ምንጪ፡ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ዘይብላ፡ ውሕደት ዘለዎ ሃገራዊ እንታውነት ዘይብላ፡ ከምኡ እውን ብቐሊሉ ክርኣ እንከሎ ናይ መጻኢ ተስፋ እውን ኣይነበራን ይበሃል። ምስተን ጎረበታት ዝኾና ዓብይትን ሓያላትን ሃገራት ማላይዥያን ኢንዶነዥያን ዘይቅሱን ዝምድና ነበራ። እታ ሓንቲ ሲንጋፖር ዝነበራ ፍልይቲ ጠባይ፡ ንቑሕን ተባዕን ኣብ ክእለትን ስራሕን ልዕልና ዝኣምን ምሁር መራሒ ኣካል ነበራ። እዚኣቶም ኣብ መሪቶክራሲ (ኣብ ክእለት ደቅሰብ ዝመሰረቱ)ን ንቁልጡፍ ቁጠባዊን ማሕበራውን ለውጢ ንምምጻእ መሉእ ዓቕሞም ክሰርሑን፡ ሓያል ሃገራዊ መንነት ከድንፍዑን፡ ናይ ንኡሳን ሕብረተ ሰብ ምክልኻል ክገብሩን ኣብ ብዙሓነት ኣሕዛብ ክኣምኑን ክሰርሑሉን ቅሩባት ነበሩ። ስለዝኾነ ድማ ኣብ 30 ዓመት ዝለዓለ ለውጢ ኣምጺኦም።

እዚ“ደሞክራሲ ብመሪሕ“ ዝተበሰረ መንግስቲ ንጡፍን፡ ተሓታትነት ዘለዎን፡ ንጹር ( ) ናይ ሃገር ምሕደራን መንግስታዊ ስርሓትን ሰራሕተኛታት ኣተኣታተወ። ናይ ወጻኢ ሰደድ መድብ ብምውጻእ ናይ ሃገር ርእሰ ማልን ካብ ወጻኢ ዝመጽእ ኢንቨስትመንት ኪኢላታት ብምምጻእ ሞደርን ናይ ኣገልግሎት ወሃብን ማለት ብባንክን ፊናንስን ናይ ወደብ ኣግልግሎትን ኣማዕበለ።

ኣብዚ ምስ ኤርትራ ክረኣ እንከሎ ኣዝዩ ናይ ፍልልይ ልዑል ጋግ ይረኣ እዩ። ናይ መሬት ሕቶ ኣሎ። ኤርትራ ምስ ሲንጋፖር ክትወዳደር እንከላ ዓባይ ሃገር እያ፡ ሕዝባ ድማ ኣብ ኩሉ ወገን ይነብር። እዚ ኾይኑ ግን ኣብ ግዜ ነጻነት ነዚ ዓይነት ኣብነት ኤርትራ እንተትኽተል ኔራ ብዓቕማ ምማዕበለት። ኣይኮነን ግን።

ኣብዚ እንተረኣኻ እቲ ንሲንጋፖር ለውጢ ዘምጽኣላ መሪሕ ኣካል ኣብ ኤርትራ ኣይነበረን የልቦን እውን። እቲ ኣካል ግን ነቲ ሕልሚ ናይ ምምዕባልን „ይከኣል“ እዩ ብምባል ልቢ ናይ ኤርትራውያን ኣብ ግዜ ገድሊ ዝወሰደ ስሚዒት ክብድሆ ስለዘይከኣለ ክሳብ እንታውነቱ ዝፍለጥ ከም ሰቡ „ሲንጋፖር“ ሲንጋፖር“ ክብል ከረመ። ስለዚ ዝኾነ ሓሳብ መደብ ኣብቲ ሰማዒኡ ነዚ ናይ ምርዳእን ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓል ክእለቱ እንተድኣ ዘየሎ እቲ ዓቢ ጌጋ ዝተገብረ (ሕጂ ንድሕሪት ክጥመት እንከሎ) ምስ መንን እንታይ ዓይነት ሰባት ኢኻ ትጋደል ዘለኻ ዘይምፍላጥን ዘይምምማይን እዩ ዝረአ። ብፍላይ እቶም ከም ዓ.ወ.ዝኾኑ ኣካላት ነዚ ሕልሚ እዚ ናብ ዓዲ ሒዞምዎ ክኣትዉ እንከለዉ ነቲ ፍናን ናይ ሕዝብን ምሁርን ኣካል (ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወጻኢ) ኣጋሃሂርዎ እዩ። ጽቡቕ ሕልሚ እዩ ኔሩ። ከምቲ ድሓራይ ዝኾነ ናይ „መላገጺን“ „ኣየ እዞም ዓያሹን“ ዘብል ኣይነበረን ኣብቲ እዋን እቲ።

ከብዚ ናይ ሲንጋፖር መደብ ዝተወሰደን ኣብ ግብሪ ዝወዓለን ግን እቲ ንኣሽሓት ሰራሕተኛታት ናይ መንግስቲ ምውጻእን (ነዚ መደብ ከነተግብር ብዝብል መመኽነይታ) ናይ ኢንቭስትመንት ማእክል ምትካል (እዚ እውን መስርሒ ናይቲ መራሒ ኣካል ኮይኑ ኣብ መወዳእታኡ) ካልእ ነዚ ብኣዎንታ ክግበር ዝነበሮ መደብ ወጻኢ ንሃገር ዘድክምን ንሓይሊ ሰራሕተኛ ሕዝቢ ድማ ዘዳኽምን ስጉምትታት ድኣ ተውስዱ። ኣብዘይ ዓራትካ ምሕላም እዚ እዩ ትርፉ።

ብዙሕ ሕልምታትን መደባትን እዩ ዘይተተግበረ 

ካልኦት ኣብ ወጻኢ ይኹን ኣብ ውሽጢ ዝነበሩ ሰባት ከምዝሕብርዎን ከምዝተመከሩሉን እዚ ጥራሕ ኣይኮነን ተሪፉ። ናይ ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት ዝነበሩ ፋርማሲስት ኣብ ኩሉ ዓለምን ኢትዮጵያን ተሓባቢሮም ሓደ ናይ መድሓኒት ፋብሪካ ብነጻ ክሰርሑ ምእንቲ ብ“ነጻ“ ናይቲ ትካል ሰማያዊ (ብሉፕሪንት) ካብ ውፉያት ኤርትራውያን መሃንዲሳት ጌሮም ኣቕሪቦም ኔሮም። እዚ እውን ብዙሕ  ተደሪፉሉን መደብ ያኢ ኣብ ከረን ክግበር ተባሂሉ። እዚ ሕልሚ እዚ እውን ተረፈ። ግንከ ጎረበት ሃገር ኢትዮጵያ ናይ ገዛእ ርእሳ መድሓኒት ዝሰርሕ ፋብሪካታት ሽዑ ንሽዑ ተኺላስ ውጺኢቱ ኣብ መፈርቕ 1990ታት ኣብ ከተማታት ተዘርጊሑ ይርከብ።

እታ ካልኣይትን ሳልሰይትን ምኽሪታት

እታ ካልኣይቲ ምኽሪ ንወጻኢ ጉዳይ ፖሊሲ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ዝምልከት ነበረ። ንሱ እውን „ኤርትራ ኣፍሪቃዊት ሃገር እያ። ስለዝኾነት ድማ ከም ኣፍሪቃዊት ሃገር መጠንን ከም ንእሽቶን ድኽምትን ሃገር ኣብ ዘየድልያ ናይ ወጻኢን ናይ ማእከላይ ምብራቕ ፖለቲካ ኢዳ ከትእቱ እንከላ ንርእሳ ነገርን ንሕዝባ ድማ ኣብ ዘይፈልጥዎን ብቐረባ ድማ ብዛዕብኡ ክጸልዎም ዘይክእል ኩነት ክትፈጥር እዩ ድኣ ዘለዋ እምበር ኣብ ዘይዓቕማን ሕዝባ ዘይተሳተፈትሉን ውዱእ ርእይቶ እንተዘይሃለዋ ይሓይሽ“ ዝብል ነበረ። ማለት ኤርትራ ብዛዕባ ፍልስጥኤም ከም ስዊስዘርላንድ ዘይወገናዊ እካ ድኣ „ኣይምልከተናን“ እዩ ዝብል ርእይቶ እንተወሰደት ዝብል ነበር። እዚ ድማ ንግዜኡ መካትዒ ኮይኑ ኣብ ግብሪ ብድሕሪ ነጻነት ዝተረአ ግን እታ ሃገር ኣብ ዘድልያን ዘይድልያን ጉዳያት ጣልቃ ክትኣቱን ሕዝባ ድማ ግዳይ ናይዚ ወገንነት ኮይኑ ተረፈ።

እታ ሳልሰይቲ ምኽሪ ተቐባልነት ረኸበት

ንሳ ድማ ምስ እስራኤል ጽቡቕ ዝምድና ምምስራት ነበረ። እዚ ግን እቲ መሪሕነት እውን ብግዜኡ ተረዲእዎ ስለዝነበረ ክሳብ ለይቲ ሎም ጽቡቕ ዝምድና ኣለዎ። ተመስገን።

See Michaela Wrong page 428 footnote for the following:  It was a farfetched sequence of events which sidestepped the obvious fact that Arab states were already, without Eritrean participation, perfectly placed to mount such a blockade, but were generally more interested in increasing trade with the West than mounting ideological embargoes.11

History has exposed the absurdity of this thesis. The current Eritrean government enjoys excellent relations with the Israelis, with whom it feels it has a great deal in common.

ናይ ኣፍሪቃ መጻኢ ዕዳጋን ቁጠባን ብኸመይ ይኸይድ ኣሎ?

ኣብ ኣፍሪቃ ንኣብነት እናማዕበላ ዝኸዳ ዘለዋ ሃገራት ኣብዚ መርበብ እዚ እንተተመልከትና ንኣፍልጦና ስጉምቲ ከምዝወስድ ክገብሮ ይኽእል እዩ።

http://www.africa-business.com/features/africa-emerging-business.html

ተመልከቱ

Did You Know...

Little known facts about Africa and African markets...


• Algeria plans to double its oil and gas exploration efforts within the next three years.

• Sudapet, Sudan's national petroleum company, plans boost its oil recovery yield by another 1 billion barrels.

• SouthWest Energy is to acquire Petronas Carigali's oil and gas interests in Ethiopia.

• Kenya's benchmark coffee grade rose 8.5% at auction.

• Namibia has set aside N$ 8 million to help farmers increase Namibia's surplus mahangu crop.

• An Indian line of credit to Mozambique of US$ 500 million is intended to finance projects in infrastructure.

• The EU has provided EUR 20 million to the International Fund for Agricultural Development for ECOWAS.

• The World Bank provided funding of US$ 150 million to Ethiopia to support increased agricultural productivity.

• The AfDB Group, Citigroup and IFC are to provide US$ 175 million in trade financing for exporters and importers in Africa.

• Zambia's annual inflation rate was down from 8.2% in August to 7.7% in September, 2010.

• South Africa has the dubious distinction of having the world's largest gap between rich and poor.

• The high prices of gold, industrial minerals, oil, cotton, corn and other commodities on world markets are a boon to African producers.


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...