መሰላል ባይቶ ኤርትራ።

ባይቶ ኤርትራ ኣብ 50ታት ቤት ጽሕፈቱ እዚ ሕጂ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዘሎ ቀይሕ ዝሕብሩ ህንጻ እዩ። ቆልዓ ኮይነ ኣብቲ ኣብ መእተዊ ዝርከብ መሰላል ላዕልን ታሕትን ብምባል እጻውት ከምዝነበርኩን እዛ ሎሚ ናይ ትምህርቲ መርኣያ ሽግ ተርኢ ዘላ ሓጺን፡ ስእሊ ተመልከት፡ ሽዑ ኣውሊዕ ቆጽሊ እተርኢ ሓጺናዊት ክቢ እያ ኔራ። ናይታ ባንዴራ ውሽጣዊት ኣውሊዕ የርኢ ከምዝነበረ ምስዓበኹን ክዝክር ምስጀመርኩን እዩ እቲ ፍልልዩ ክርኣየኒ ጀሚሩ።

Eritrean Assembly  Grand Staircase

ብ1952 ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ተቐርነት። ኣብቲ መስርሕ ባይቶ ኤርትራ ተመስረተ። ምስኡ ሕገ መንግስትን ብዙሕነት ፓርትታት ዘለዎ ነጻ ዝኾነ ባይታ ፈጠረ። ኣብዛ ቀያሕ ዝሕብራ ህንጻ ዝመላለስን ኣብኡ ጠለይ ጠለይ እናበልኩ ኣብተን መሰላል ክድይብን ክወርድን ዘኽኣለኒ ምኽንያት፡ ኣቦይ ጸሓፋይ ባይቶ ስለዝነበረን ስርሑ ወዲኡ ክሳብ ናብ ገዛ ዝወስደኒ እናተጸበኹ እየ ግዜ ዘሕልፍ ኔረ። ኣቦይ ኣብ ፍርቂ ናይ ፈደረሽን ግዝኣት ወተሃደራዊ መንግስቲ እንግሊዝ ስልጣኑ ከመሓላልፍ እንከሎ ነቲ ቀዳማይ ናይ ባይቶ ጸሓፊ ፈርጉስ ማክክለሪ ተከኦ። ኣብዚ ግዜ እዚ ስለዝተወለድኩ ድማ እግሪ ካብ ዝተክል ኣትሒዘ ኣብ ኣፍደገ ናይዛ ህንጻ እዚኣ ዝነበራ ክልተ ባንዴራታት ማለት እታ ቀጠልያ ቢጫን ቀይሕን ናይ ኢትዮጵያን፡ ሰማያዊትን ቀጠልያን ናይ ኤርትራ ከምበልብላ ይዝከረኒ።

"

ኣብዘን ሓጸርቲ 10 ዓመት ማለት 1952 – 1962 ኣንስቲ ክዳውንተን ክሰጥሓ እንከለዋ “ዓሻ በጊዕ ምስ ተኹላ ዕርክነት፡ ሓቂ ተዛሪብካስ ምስ ናጽነት” እናበል ክደርፋ ይሰምዕ ኔረ። መን እዩ እዚ ዓሻ በጊዕ ኢለ እንተሓተትኩ፡ እቲ ዓሻ በጊዕ ባይቶ ኤርትራ፡ እቲ ተኹላ ድማ ወኪል ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ እዩ ዝብል መልሲ ረኸብኩ።

እቲ እዋን ናይ ግርህነት ግዜ እዩ ኔሩ። እታ ድሓር ብሕልኽላኽ ታሪኽ እትፍለጥ ኤርትራ ጌና ኣይተቐልቀለትን። ጋዜጣ ሓንቲ ኤርትራ እዚ ዘይበሃል ጽሑፋት ብዛዕባ ቁጠባ፡ ታሪኽ፡ ሃይማኖት፡ ጆግራፍ፡ ምልክታትን ኣብ ኦደዮን ይኹን ሲነማ ሮማ ዝረኣያ ፊልምታትን ናይ ወጻኢ ዜናታት ተቕርብ ነበረት። እዚ ታሪኻዊ ጋዜጣ እዚ ኣብ መዛግብን ኣብያተ መጻሕፍትን ሓያላን ሃገራት ይርከብን እንተተደልዩ ድማ ቅዳሕ ክውሰድን ይከኣል።

ቐሊል ኣገላልጻ ነገራት

ኣብዛ ሰባብ መርበብ፡ ሓደ ብዛዕባ ታሪኽ ባንዴራ ኤርትራ ዝወጽአ መደብ ቲቪ ኤረ ኣሎ። ኣብዚ ብዙሕ ሓቅነት ዘለዎ ነገራት የቕርብ እሞ ጽንሕ ኢሉ ግን ሰተት ኢሉ ዝሓልፎ ነገራት ኣለዎ። ቅደም ተከተል ናይቲ ኣርእስቲ ብምስጋር፡ ንኣብነት ሓቅነት ዘለዎ ታሪኽ፡ ኣባል ባይቶ መሓመድ ኣኪቶ ሓንቲ ድራፍት ባንዴራ ሰማያዊት ዝባይትኣ ምስ 7 ኮኾብ ከምዘቕረቡ ይገልጽ። ኣብዚ ግን ነቲ ኣርእስቲ ናይ ምርጫ ማለት፡ ብዛዕባ እንታይ ዓይነት መርኣያ እዩ ዝደሊ ሕዝቢ ዝዘተዩ ኣባላይ ባይቶ ይኹኑ ፍሉይ ኮሚተ ኣይነግርን። እዚ ተሓሊፉ። እምበኣር ኣቦታትናስ ብውግዒ ተኣኪቦምስ ተካቲዖምን ኣብዛ ናይ ሎሚ ብሃገራዊት ኤርትራ እትፍለጥ ባንዴራ መሪጾም እዮም። ነዚ መስርሕ ናይ ሕጋዊ ኣገባብ ጠመተ ወይ ኣተኩሮ ምእንቲ ከይወሃቦ ብማለት ዝተሰግረ ይመስል።

መሓመድ ኣኪቶ ዘጋጠሞም ጸገምን እታ ኣብታ ፍልይቲ ህንጻ ባይቶ ኤርትራ ዝነበረት ባንዴራ ንመን ከምዝሃቡዋን ኣብ ትሕቲ እዚ ስርዓት እዚ ዘጋጠሞም ኩነት ዝገልጽ ሓበሬታ መርባብ ዓዋተ እዚ ጽሑፍ ብእንግሊዝ ምስወጸ እዩ ተረኺቡ።

መርበብ ዓዋተ ብዛዕባ እዛ ባንዴራ እዚ ዝስዕብ ይብል። “ህላወ ሃገረ ኤርትራ ብሓደሓደ መርኣያ ተኸቢባ እያ ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ኣትያ። ሓደ ካብቲ ናታ ነጸብራቕ ድማ እዚ ባንዴራ እያ። ኣብ 1952 ሕዝቢ ኤርትራ ብዝመረጾም ወከልቱ ነዛ ሰማያዊት ባንዴራ ከም ናይ ሓባር መርኣያ መረጻ። እታ ባንዴራ ሰለስተ ጨናፍር ኣብ ሰማያዊ ባይታ የርኢ። ክልተ 11 ዝቑጽረን ቆጽሊ ዝሓዛ ንሓንቲ 12 ቆጽሊ ዝሓዘት ቅርንጫፍ የማእኽላኣ። ብዛዕባ እዛ ባንዴራ ዘሎ ክትዕ ክሳብ ሎሚ ይቕጽል ኣሎ። እንተኾነ ግን ብሓደ ወክልቱ ዝመረጸ ኣካል ዝመጸት እሞ ብሓደ ድምጺ ዝረግአትን ነዛ ሕጂ ንፈልጣ ኤርትራ ዘፋለጠት ምልክት እያ።

68 ዝኾኑ ሕገ መንግስቲ ኤርትራ ንኽጽሕፉ ዝተመዘዙ ኣባልት ባይቶ ኤርትራውያን ነዚኣ ባንዴራ ኤርትራ ተኻቲዖምላስ፡ መሪጾማን ተሰማሚዖምላን እዮም። እዚኣቶም ንሕገ መንግስቲ ንኽህሉ ናይ ሹዱሽተ ወርሒ ዕድል ዝተዋህቦም ነበሩ።

እዛ ሰማያዊት ባንዴራ (ኸደራ ብትግረ፡ ኣውሊዕ ብትግርኛ) ከም መርኣያ ናይዛ ሓዳስ ትውለድ ዘላ ሃገር ተራእያ። ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ክትሓብር እንከላ ናይ ገዛእ ርእሳ ልዑላውነትን ሃገራዊ  ባንዴራን ዝሓዘት መንግስቲ እያ ኔራ።”

ነቶም ኣብቲ እዋን እቲ ኣጋብዝ ዝነበሩ ኤርትራውያን እዛ ኣውሊዕ ዘማእከለት ሰማያዊት ባንዴራን እታ ናይ ኢትዮጵያን ከም ልሙድ ይርኣያ ነበራ። ደቂ ኣስመራ ኣብ ኮሚሽታቶ ላዕልን ታሕትን ክብሉ እንከለዉ፡ ኣብ ቅድሚ እዚ ቀይሕ ህንጻ እዚ፡ ብየማን ክትመጽእ እንከለኻ ንሲኒማ ኣስመራን መሸጣ ዕምባባን ዝነበረ ክትሓልፎ እንከለኻ ከተምበልብል ይርእይዋ ነበሩ።

እዚ መደብ ናይ ኢረ ቲቪ ነተን ናይ ሎሚ ዘለዋ ቀይሕን ቀጠልያን ቢጫን ዝሕብራ ባንዴራ ብምድናቕ እዩ ዝጅመር።  ስግር ኢሉ ብግዜ መግዛእቲ እዚ  ባንዴራ እዚኣ ኣብ ትሕቲ መሬት ከምዝተሓብአትን ኣብ ቁሪ ኣትያ ከምተሳቐየትን ዝግባኣ ክብሪ ዘይረኸበት ከም ሓንቲ ጨርቂ ተራእያ ይብል። እቲ ካብዚ ዝቕጽል ዓረፍተ ነገር ሎሚ ኣስታት 400,000 ዝኾኑ ተማሃሮ ነዛ መርኣያ ልዑላውነት ዝኾነት መርኣያ ንግሆን ኣጋ ምሸትን የንብልብልዋን መዝሙራ ይዝምሩን።

ነዘን ክልተ ነገራት ዘጋጥም ዓረፍተ ነገር የልቦን። ካብታ ነታ መጀመርታ ጥራሕ ዝሰምዐ ሰብ፡ እታ “ተረሲዓ” እትበሃል ሰማያዊት  ባንዴራ እያ ኣብዚ ናይ ሎሚ ሰማይ ተምበልብል ዘሎ ክመስሎ ይኽእል እዩ።

ጸኒሑ ንሰማዒ ብዛዕባ ሕብርን ትርጉምን ኣስተምህሮ ይህብ። ናብ ግዜ ፈደረሽን ብምምላስ እዛ ባንዴራ እዚኣ ከምዘካተዐትን ብቁ. 22 ድማ ብኣባላት ባይቶ ከምዝጸደቐትን ይገልጽ። ካብዚኣ ጥውይ ኢሉ “ኣመጻጽኣ ሕብሪ ፈደረሽን ብልክዕ ድኣ ኣይፈለጥ እምበር…” ማለት ሕብርታት ሰማያውን ቀጠልያን ከመይ ኢሉ ከምዝመጸ ዝተረድኦ ኣይመስልን። ሕጂ ሕጂ ጸዲቓን  ተካቲዖምላ ክብል ከምዘይጸንሐ።

እቲ ታሪኽ  ባንዴራ ኣብ ዘሕዝን መወዳእታ እንተዘይበጽሕ ኔሩ ነዚ ዕላል እዚ ከም መስሓቕ ተወሲዱ ምተሓልፈ ኔሩ። ግንከ ኣይኮነን።

ሃገራዊት  ባንዴራ ትብገስ

          

ቀዳም መስከረም 13፡ 1952 እዛ ባንዴራ ብሓደ ድምጺ ወግዓዊት ኮይና ይብል እቲ መደብ። ብኣፍ ከምዝውረ፡ ኣባላት ባይቶ ኤርትራ ነዚኣ ክገብሩ እንከለዉ፡ “ባሕሪ ባሕርና፡ ሰማይ ሰማይና ቆጽሊ ኣውሊዕ ድማ ናይ መሬትና” ብምባል እዮም ነዛ  ባንዴራ እዚኣ ዝመረጹ ዝብል ዛንታ ኣሎ። እቶም ነዚ ታሪኽ ብልክዕ ዝፈልጡ እንተዝዛረቡ ጽቡቕ ኔሩ፡። ስለዚ ብዛዕባ እዚኣስ እቲ ስርዓት እውን ከም ክውን ተቐቢልዎ እዩ። ምኽንያቱ እዚ መደብ እዚ ንባዕሉ እቲ ንነጻነት ዝተኻየደ ቃልሲ ነዛ  ባንዴራ እዚኣ ንምምላስ ምኻኑ ይእመነሉ እዩ።

መንግስቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ.ን ህ.ግ.ደ.ፍ.ን ብዛዕባ እዚኣ  ባንዴራ ዝወስዶ መግለጽታት ክርአ እንከሎ፡ “ኣደይ ዓባይስ ጻሕሊ እንተሰበራ፡ ሓጺበን ከምዘቐመጣ” ብዝብል ክምሰል ይከኣል። ምኽንያቱ ኣደይ ዓባይ ዝኾነት ነገር ኣብ ክሽንኣ እንተገበረት ሽማግለ ስለዝኾነት ቅቡል እዩ። ስለዚ እቲ ስርዓት ድማ ከም ድላዩ ሓንሳብ ጨርቂ ሓንሳብ ናይ ተ.ሓ.ኤ. ሓንሳብ ናይ ሕ.መ. ክብል ነዛ  ባንዴራ የልዕላ። ኣድላዪ ኮይኑ እንተድኣ ተሰሚዕዎ ካብቲ ናይ ዝተረስዐ ኣርማዶዮ ከይዱ ብምልዓል እንደገና ወግዓዊ ክገብሮ ይኽእል እዩ። ስለዝኾነ ከኣ ጨንፈር ተ.ሓ.ኤ. ነበር “ሳግም” ምስ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ክሕወሱ እንከለዉ ንሰብ ከሕጉሱ ግዲ ደልዮም ኣብ ነጻ ቦታታት እታ ሰማያዊት ባንዴራን ምስታ ናይ ህ.ግ.ሓ.ኤ. መርኣይ ዝነበረትን ብሓደ የንበልብላ ነበራ።

                           

ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኢትዮጵያ ኤርትራውያን ብዛዕባ “ብግዜ ፈደረሽን ዝነበረት ባንዴራና” ኢሎም እዮም ዘዕልሉ ኔሮም። እዛ  ባንዴራ እዚኣ ብግዜኣ ኣብ ኩለን ኣብያተ ጽሕፈታት መንግስትን ናይ ገዛእ ርእሳ ጽሑፋት መርኣያ ኮይነ ዘገልገልት እያ። ነዛ ኣብታ ህንጻ እቲኣ ዝነበረት መፈለምታ ባንዴራ እንታይ ከምዝኾነት ግን ኣብ ላዕሊ ብዛዕባ መሓመድ ኣኪቶ ዝተጻሕፈ ይምልሶ እዩ።

እቶም ብ1950፡ 60ታትን 70ታትን ዕድመ ኣዳም ዝበጽሑ፡ ብሓፈሻኡ፡ ናይዛ  ባንዴራ ክለዓል እንከሎ እቲ ሰማያዊ ካብ ባሕርን ሰማይን እቲ ኣውሊዕ ድማ ኣብ መሬት ዝበቁል ቀጠልያ ምህርቲ ኢሎም እዮም ዝኣምኑ ኔሮም። ስለዚ ድማ ብዛዕባኡ ብዙሕ ተደሪፉን ተዓሊሉን እዩ። “ኣውሊዐይ ባንዴራ ንዕናይ ንእምባ ሶይራ፡ ንዕናይ” “ኣውሊዐይ ሰዊትየ፡ ንዕናይ ……” ርዱእ ኢልካ ዝውሰድ ስለዝነበረ ድማ ቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራ ነዛ  ባንዴራ ግቡእ ቦታኣ ኣብ ሰማይ ልዕሊ ምድሪ ኤርትራ ከምዝኾነ ዘዛርብ ኣይነበረን።

‘ካብቲ ክሰምዕ ዘይደሊ ንላዕሊ ጻማም የልቦን” ይብል ምስላ ጥልያን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዛዕባ ባንዴራ እንተድኣ ኣርእስቲ  ተላዒሉ “በጃኹም ግደፉና”ን “ኣይተድክሙና” ዝብል እዩ እቲ ቀዳማይ መልሲ ናይ ፖሮፓጋንዳ 03። እቶም ኣብ ጽቡቕ ስደት እናተቐመጡ ከም ድላዮም ግዜን ቦታን ወሲዶም ብዛዕባ ዝኾነ ነገር ከዕልሉ ዝኽእሉ ክነሶም ብዛዕባ ነጸብራቕ ሃገር ዝኾነት ባንዴራ ክዛረቡ ኣይደልዩን እዮም። እዚ ድማ ናይ ህ.ግ.ሓ.ኤ.ን ህ.ግ.ደ.ፍን ሕልቅና ኣብ ርእሲ ኤርትራዊ ሓንጎል ከምዝዓሰለ ዘርድእ ኣብነት እዩ።

ነፍሰ ሔር ዶክተር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) ምስ ናይ ሽወደን ቲቪ ኣዳል ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ናይ ባንዴራ ክትዕ ኣባላት ባይቶ ኤርትራ ንዝነበሩ ምስግና ኣልመዶምን፡ ሳልሕ ከቢረን ብርሃኑ ኣሕመዲንን ዘኪሩ። ኣብዛ ሎሚ ትርአ ዘላ ባንዴራ ግን ማንም ከምዘይተሓተተን ምርጫ ናይ “እንታይ ኢና እንደሊ” ከምዘይተኻየደን ሓቢሩ።

ሓደ ካብዚ ዛንታ እዚ ክንዕዘቦን ክንወስዶን ዝግባእ ነገር እንተሎ፡ ኣብ ዝኾነ ንታሪኽን ዛንታን ክውንነት ዘርኢ ጉዳይ ክኸውን እንከሎ ኣብዚ ስርዓት እዚ ሕዝዎ ዘሎ ኣገባብ ኣስማት ኤርትራውያን ኣይረእየን እዩ። ኣብ ካልኦት ሃገራት እገለ ከምዚ በለ፡ እገሊት ከምዚ ደጊማ ክብል ይውዕል። ኣብዚ ናይዚ ስርዓት ወግዓዊ እሞ ኣዝዩ ኣድማዒ ንዝኾኑ ነገራት ኣስማት ኣይጽውዕን። እንተጸውዐ ድማ ናይቶም ዝሞቱ እዩ ዝጽውዕ። እዚ ጠባይ እዚ ኣብ ክንዲ ነቲ ስርዓት ጥራሕ ዝግደፍ ኣብ ወጻኢ እውን ከም ኣመል ተ.ሓ.ኤ.ን ህ.ግ.ሓ.ኤ. ነበርን ተወሲዱ ንሪእዮ። ንኣብነት ንሃገራዊ ኣገልግሎት ብዝምልከት ከም መጀመርታ ናይ “ተዛረብ” ተዋሳኣይ ዝወጽአ ጽሑፍ እሞ ነቲ ጉዳይ ብሳይንሳዊ መንገዲ ዝተንተኖ ሰብ ኣድሓኖም ገብረማርያም እዩ። ኣብ ዘመነ ሲኣአንእን ክሳብ ዝዛረባሉ ዝወጽአ ዝነበረ ጽሑፋት እሞ ስለምንታይ መንእሰያት ካብዚ ናይ ኣስገዳድ ኣገልግሎት የምልጡ ምህላዎ ክገልጹ እንከለዉ ንኸም “ተወሳኺ” እውን ይኹን ስሙ ኣይጥቀሰን። ግንከ ንመጀመርታ እዋን ከም ሓደ ተዋሳኢ ናይቲ ስርዓት ኮይኑ፡ ቐጥታዊ እንታውነት ዝገለጸስ ስለምንታይ ይርሳዕ ዝብል ሕቶ፡ ክሳብ ክንደይ እቲ ስርዓት ንኣድማዕቲ ሰባትን ኣርእስታትን “ዘሊልካ” ናይ ምሕላፍ ጠባይ ከምዝተወርሰ እዩ ዘረድእ።

እምበኣር ጽሑፍ “ወፍሪ  ዋርሳይ ይከኣሎ፡ ወፍሪ ባርነት”ብኣድሓኖም ገብረማርያም ጥራሕ ኣይኮነን ተረሲዑ። እቶም መፈለምታ ናይ 2% ኣይንኽፈል ዝብሉ እውን ሎሚ ታሪኾም ኣይንገርን። ኣብ ምዕራባዊ ባህሊ እንተንነብር ግን ምተዘከሩን እንተወሓደ ናይ ሓደ መዓልቲ በዓልን ጋዜጣታት ቃለ መጠይቕን ብልጫን ዕምባባን ምተለገሰሎም ኔሩ። ስለዚ ነቶም ዝሓልዩን ዝሰርሑን ከተኽብር ዘይምድላይን ምስቲ ስልጣን ዝተሓሓዘ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ቃልሲ እውን ከምኡ ስለዝነበረ። እዚ ተጠመጥቲ ሰባት፡ ንኸይቅልቀሉን እንተ መጽኦም ድማ ክእለልዩን ኣብ ረጽሚ ኩናት ክጥበሱን ዝገበረ ቃልሲ፡ ዝሓለፈ 30 40 50 ዓመታት ዝምርምርን ዝገልጽን ታሪኻውያንን ናይ ስነኣእምሮ ተመራመርትን ተሳትፎ ክሓትት እዩ።

ኣዝዩ ዘገድስ ነቲ ስርዓት ብቐንዱ ክትብድሆ እንተድኣ ኮይኑ፡ ሓድ ነገር ጥራሕ ምውሳድ እዩ ዝሓይሽ። ሓንቲን ክያንትን ከምዝብሉ ጥልያን ነታ ነገር ግን ብሓቦ ምሓዝን ብቐጻሊ ኣቓልቦን ኣስተምህሮ ምሃብን ዝበለጸ ነገር ኮይኑ ይርአ። ንኣብነት R. ርእሶም ነታ ናይ ሰብኣዊ መሰል ምግፋፍ ዘርእስቱ መርበብ በብሓደ ቀስ ብቐስ ሓበሬታ እናኣከበ ክሰርሕ ይርአ። ኤርትራውያን ኣብ ስደት ነቲ ወነንቲ መርበባት ዝገብርዎ ኣስተዋጽኦ ተቐቢሎምዎ እዮም።  ነዚ እዋን ፍሉይ ዝገብሮ ግን እዘን መርበባ እዚኣተን ህልዉ ዝኾኑ ናይቲ ስርዓት ገበርትን ሓደግትን ቃለ መጠይቕ ከካይዱ ምርኣይ ዝዓበየ ነገር ምኻኑ እዩ።  

ባንዴራ እምበኣር ሓንቲ ካብተን ንኸይለዓላ ዝግበአን ኣርእስታት እያ። እዚኣን ካልኦት ዘይተደልዩ ኣርእስታት ክመጹ እንከለዉ፡ ኣተኩሮ ናብቲ መምጽኢ እንታውነት ማለት ናይ ብዓሌት፡ ብብሔር፡ ወይ ውን ሃገራዊ መንነት ኣብቲ ባይታ የእቱ። ስለዚ ከኣ እዩ ኣዚኣ በደሞክራሲያዊ መስርሕ ዝመጸት ነጸብራቅ ናይ ሕዝባ ዝኾነት ባንዴራ ክትለዓል ዘይድለ። እምበር ካብ ናይዚ ኣብዚ እዋን እዚ ዝርአ ተርእዮታት ጸብሊላ ወይ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ኣርእስቲ ኮይኑ ኣይኮነን። ትሕት ኣቢሉ ከምዝረአ፡ ናይቲ ሓንቲ ሃገር ዜጋታት ባንዴራኦም ክመርጹ መሉእ መሰል ኣለዎም። እንተኾነ ግን ሕዝብስ ነዚ ዕድል እዚ ኣይረኸበን።

ግንቢ ኣሰመራ ከም ግንቢ ባቢሎን ክውሰድ ይከኣል። ሓደ ተምሳል ናይ ግዜ ገድሊ ዝነበረ ካብ ባህርይ ፍልይ ዝበለ ሓድነት ዝነብሮ ሕዝቢ ኮይኑ ድሒሩ ግን ኣምላኽ ሰለዝረገሞም፡ ናብ ብዙሕ ክፍንጨሉን ዝተፈላለየ ርእይቶን ሓተታን ቃንቃን ክጽሕፉ ናይ ዝገበረ ክስተት መርኣያ ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለዝኾነ ድማ እቲ ምዝራብን ምጽሓፍንሲ ኪኢሎም እዮም ግንከ ምስማዕከ መዓስ እዮም ክመሃርዎ ዝብል ሕቶ ይለዓል። ብሉይ ኪዳን ክገልጾ እንከሎ ግንቢ ባቢሎን ደቅሰብ “ጸጊቦም” ናብ ኣምላኽ ዝወስድ መሰላል ክሰርሑን እቲ ግንቢ ድማ እናዓበየ ምስ ከደ፡ ይኣክል ብምባል እግዚኣብሔር ረገሞምን ፍሕ ኣበሎምን። ኣምላኽ እዚ ሕዝቢ እዚ እንተድኣ ዘይተገቲኡ ክበጽሖ ዘይከኣሎ ነገር የልቦን እሞ ደው ይበሉ ብምባል እዩ ጣልቃ ኣትዩ።   

ናብ ኣስመራ ንምእታው ዝተኸፈለ ዋጋ ምስቲ ናይ ራህዋ ትምኒት፡ መንፍዓት፡ ጅግንነት፡ ክብርን ናይ ብሩህ መጻኢ ተስፋን ዝሓዘለ እዩ ኔሩ። እዚ ቅድሚ ምኻኑ እታ “ናብ ኣስመራ” እትብል ውርይቲ መጽሓፍ ከምዝወጸት ምግላጽ ኣድላዪ እዩ።

እዚ ናይ ሕውነታዊን ማዕርነታውነትን ኣለኒ እናበለ ዝጎዪ ዝነበረ ኣካል፡ ኣብ ጎላጉልን ከረናትን ሓሊፉ ኣብ ዓወት ኣፍዓበትን ናቕፋን ዘመዝገበ ኣካል፡ ኣደነቕቲ ከጥሪ ኪኢሉ። እዚ ግን እቲ ሓደ ጎድኒ እዩ ኔሩ። በቲ ካልእ ጎድኒ ድማ ቅንኢ መራሒ ኣብ ልዕሊ እዘን ክብርታታት ኣዚኣተንን፡ ነቶም ነዚ መርኣያ ዝኾኑ ሰባት ድማ ከመይ ጌሩ የጥፍኦምን ይኣልዮምን እናሓሰበን ስጉምቲ እናወሰደን እዩ እቲ ውግእ ተዓዊቱ፡ እቲ ኩናት ግን ተሳዒሩ (the battle was won, but the war lost)። ቃለ መጠይቕ ክገበር እንከሎ ዝርአ ፍጹም ጽልእን ንዕቐትን ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ርኡይን ግሁድን እዩ። “ከብዲ ኣደስ ጉራጉራ” ከምዝበሃል መጥፊኢታ ዝወለደት ኣደ እያ ኤርትራ። ናይቶም ትሑዛት ኣብ ውሽጢ ዘለዉ ገዲፍካ፡ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉን ብገንዘብን ሞራልን ዲቕ ዝበለ ደገፍ ንዝህቡ ዜጋታት ድኣ (ብድሕሪ እዚ ገዛውቲ ንኣብ ወጻኢ ዘለዉ ጥራሕ እዩ ዝወሃብ ዘሎ? ንሕናኸ? ኢሎም ንዝሓተቱ ሰባት ዝተዋህበ መልሲ) ከምቲ ዝበሃል ቃል ብቓል እካ እንተዘይኮነ፡ “ብዛዕባዚ ኣይትገደሱ። ደይ ሆሪዞንታል ኮይኖም እዮም ክመጽኡ” በለ ይበሃል። ስለዚ ነዚ ከምዚ ዓይነት ንዕቀት ዘለዎ ባእታ ንምብዳህ ከምቲ ናይ ቀደም ወሰን ዘይብሉ ኣንነትን ብድዐን ናይ መን ከማና ጅግንነትን በቲ ሓደ ወገን ግዲ ከድሊ እዩ?

ዘይተሰምዐ መጠንቀቕታ ሓደ ቀሺ

ኣባ ተወልደብርሃን ናብታ ሕገ መንግስቲ ክትነድፍ ዝተመዘዘት ኮሚሽን ብዛዕባ እዛ ኣርእስቲ እዚኣ ከምዚ ዝስዕብ ጸሓፉ።

“ዐንቀጽ 4(1)
ባንዴራ ናይ ሐደ ሕዝቢ መልክዕን መንነትን ዚገልጽ ምልክት ብምዃኑ፡ ሕዝቢ፡ ንባንዴራኡ ዚመርጸሉ ዕድል ኪወሃቦ ኅደራ ንብል። ንአብነት ዚአክል፡ እታ ልዑላውነት ሀገርና ድኅሪ ምዕዋጁ ካብ አርዑት “አፓርታይድ” ዝተላቐቐት ረፓብሊክ ደቡብ አፍሪቃ፡ ሐዲስ ሥርዐት ምስ አቖመት፡ ሐዳስ ባንዴራ’ውን አጥሪያ እያ። እታ ሐዳስ ባንዴራ ኸአ፡ ካብ 7000 (ሸውዐተ ሽሕ) መርእዮታት ወይ “ሞደላት” ከም ዝመረጽዋ ተፈሊጡ። ሕዝብና ኸአ፡ 7000 ተሪፉስ፡ እንተ ወሐደ ክልተ ወይ ሠለሥተ ካብ ዝዓይነተን ባንዴራ ኪመርጽ ዕድል ኪወሀቦ መሰል ዘለዎ ይመስለና።

ንአብነት ፡ እታ አብ’ዛ ናይ ሕዢ “ባንዴራና” አብ ማእከል ሰፊራ ዘላ ወርቃዊት ቆጽሊ አውሊዕ፡ ፈጺማ ቦታአ ዚሰሐተት እያ። ምኽንያቱ ኸአ፡ ባሕርያዊ ኅብረ ሐደ ቆጽሊ፡ ቀጠልያ እዩ። ብጫ ቆጽሊ፡ ምልክት ናይ ዚሐረረ፡ ናይ ዚሐመመ፡ ናይ ዚአረገ፡ ክመውት ናይ ዚቐረበ ወዘተ…ተኽሊ እዩ። አብ “ባንዴራና” እዚ ምልክት’ዚ ክንርኢ እንከሎና እምበአር፡ መጻኢ-ዕድል-ኤርትራ ዚትንበ ናይ ሕማቕ ፋል ምልክት ንርኢ ዘሎና ኮይኑ እዩ ዚስምዐና። ከምዚ ከማና ዚስምዖም ብዙኃት ካልኦት ዜጋታት እውን አለዉ ቢልና ኢና ንአምን።”

ኣባ ተወልደብርሃን “ድጊ ግፉዓት” ትብል ሓደ ብመቑሕ ሓጺን ንነዊሕ እዋን ስለዝተኣሰረ ኣኣዳዉ ዝሰኣነ መንእሰይ ገበር ዘለዋ መጽሓፍ ዝጸሓፉን ንጥፉ ኣባ ምኻኖም ይንገር። ገበር ናይዚኣ መጽሓፍ ኣብ መዛግብ ኣዝማሪኖ ይርከብ። ነዚኣ ምስጸሕፉ ብዙሕ ኣይተራእዩን።

ኮሚሽን ሕገ መንግስቲ ምስቶም ተዓወትቲ ክውግን መሪጹ። ኣይገርምን እቲ ሓይሊ ኣብ ርእሰ ከተማ ዝኣተወን ንዖዖኦም እውን ዘጋደለን ዝወከለን ስለዝነበረ። ሎሚ እቶም ኣባላት ከምድላዮም ኣብ ዝዛረቡሉ እዋን ካልእ እዮም ዝብሉ። እታ ባንዴራ ግን ብደሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝመጽት ኣይኮነትን እዩ እቲ ዘረባ። ነት ስርዓት ብምርጫኡ ናይ ምድጋፍ ባህርይ ዘማዕበሉ ደቀሰብ፡ ምናልባት ቀስ ኢልና ደሞክራሲያውነት ከነተኣታቱን ንገሊኡ ነገራት ድማ ሸለል ምባልን ነቲ ዓቢ ስእሊ ብምርኣይ ንዓይነት ባንዴራ ክቃለሱ ኣይመረጹን።

ሕብሪ ሓዳስ ኤርትራ እምበኣር ቀይሕ ነቲ ዝተኸፍለ ደም ስለዘረኢ ግዳይነትን ሓድሕድ ኩናትን ዘሕለፈን ነታ ጽልእቲ ቀጠልያን ቢጫን ቀይሕ ዝነበራ ባንዴራ ከልግስ ዝተቓለሰ ነፍሲ ናይቲ ሕዝቢ ተንኪፉ። እቲ ቢጫ ንሃብቲ ሃገር ብፍላይ ማዕድን፡ ኣብ ኣተሓሳስባ ወርቅን ካልእን ኣንጸባራቒ ነገራትን፡ ስለዝመስል ተቐባልነት ረኸበ። ካብ ሰማዕቲ ባህርያዊት ቀጠልያ ቆጽሊ ስለምንታይ ዘይተገብረ ዝብል ብዘይካ ኣባ ተወልደብርሃን ኣይቀረበን። ቢጫ ቆጽሊ? እታ ሰማያዊ ርድእቲ እያ። ኤርትራን ሰማያዊን ሓድነታዊ ታሪኽ ስለዘለውንን ካብዚ ክትሃድም ስለዘይከኣልን።

እዚ ታሪኽ ናይ ባንዴራ እምበኣር ኣዝዩ ስሚዕታዊ ታሪኽን ተመኩሮን ስለዝሓዘለ፡ ዉሑዳት እንተዘኮይኖም፡ እዛ ሓዳስ ባንዴራስ ካብ እታ ኣቦታት ዝመረጽዋ ሰማያዊትን ቀጠልያን ኣመሓይሽካ ዘይኮነትስ ናይ ኢትዮጵያ ዝነበረ ሕብርታት ዝተከአት እያ ትመስል። ማለት እታ ናይ ኢትዮጵያ ቀጠልያን ቢጫ ኣብ ማእከልን ቀይሕን ናብ ሓንቲ ቀጠልያን ቀይሕን ሰማያዊን ምስ ቢጫ ኣብ ማእከል ተለዊጣ። ኣብዚ እታ ናይ ኤርትራ ባንዴራ ብከመይ መልክዕ ካብ ናይ ኢትዮጵያ ባንዴራ ከምትፍለ ዘርኢ ስእሊ ተገንዘብ። (ካብ መርበብ ዓዋተ)

ብዙሓት ኣባላት ህ.ግ.ሓ.ኤ. ነበርን ተድናገጽቶምን እዛ ሓዳስ ባንዴራ ብድሕሪ ረፈረንደም ንመፈለምታ ኣብ ሕ.መ. ክትስቀል እንከላ እዮም ርእዮማ።

ድሓን ኩኒ ባንዴራ፡ እታ ብሕግን ብደሞክራሲን ዝተመርጸት ናይ ሕዝቢ መርኣያ።

ሰማያዊት ባንዴራ ኣብ 10ይ ዓመታ ጽቡቕ በዓል ልደት ኣይተገበረላን። ካብታ ዝተወልደትላ 1952 ክሳብ ብ1962 ብወግዒ እትወርድ መዳኸሚ ድኣምበር መጥዓዪ ኣይረኸበትን። “ኣባላት ባይቶ ኤርትር ብቢትወደድ ኣስፍሃ ወልደሚኪኤል፡ ዋና ፋጻሚ ባይቶ ተጸዊዖም ኣብዛ ቀያሕ ህንጻ ዝርከብ ክፍሊ ተኣከቡ። ምስኣተዉ ኣስፍሃ እዚ ዝስዕብ ኣንበበሎም። ….ካብ ሎሚ ብሓደ ድምጺ ፈደረሽን ክለግስን ….ምስ ኣዴና ኢትዮጵያ ብሓባር ክንነብር ወሲንና ኢና”። ድሕሪ ገለ ደቓይቕ ጸጥታ ድማ ጣቒዒት ሰፈነ። (ሮንግ፡ ገጽ 182)

ካብዚ ብጦር ሰራዊት ተኸቢቡ ዝነበረ ህንጻ (Wrong, pp. 195-96) ንመወዳእታ እዋን ከም ኣባል ባይቶ ዝወጽእ ዝነበረ ሓደ፡ ንኣቦይ ብሕውስውስ ትግረን ትግርኛን “ኣታ ኢዮብ ወደይ፡ እዚ ባንዴራናስ ብሓንቲ ጣቕዒት ገሰት?” ክብሉ ሓተትዎ ናይ ሓዘን መልክዕ ኣብ ገጾም እናተራእየ። “እወ ኣቦ፡ ብሓንቲ ጣቕዒት ገሰት።” ክብል ድማ መለሰሎም። ኩሎም ብሓባር ካብ ትሕቲ ሓደ ነጻ መንግስቲ ናብ ትሕቲ ካልእ ዓይነት መንግስቲ ኣዝገሙ። እዚ ዛንታ እናዓበኹ እውን ብተደጋጋሚ ሰሚዐዮ እየ። ግን ትርጉሙን ናይ ታሪኽ ቦታኡን ኣይተረድኣንን። ኣቦይ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛ ኮይኑ መዋእሉ ሓሊፉ ኣብ 52 ዕድሚኡ ብሕማም ብ1977 ብሞት ተፈልዩና። ሎሚ ዝያዳ ስለዘይሓተትኩን ክፈልጥ ዘይምድላየይ የጣዕሰኒ። ኣብ ሓደ ናይ ታሪኽ ማእከል ኮይኑ ግን ብዛዕባኡ ከይጸሓፈን ከይነገረን ከይዱ። በቲ ግዜ ዝነበረ ናይ ንእስነትን ትዕቢትን ኣነ እፈልጥ ምባልን ሓደ ካብ ድኽመታት ትውልዲ “ኣለና” እዩ ይብል ኣነ።

ከመይ ኢሉ እዩ እሞ እዚ ናይ 40ታት፡ 50ታት፡ 60ታት፡ ትውልዲስ ክልተ ናይ ኢትዮጵያ መንግስታት ክወድቑ እንከለዉ ምስክር ክኸውን እየ ኢሉ ኣይሓሰበን። ንግስነትን ወተሃደራዊ መንግስትን ወዲቑስ ነጻነት እውን መጺኡ። ካብዚ ትውልዲ ክንደይ እዮም ካብ መፈለምታ ክሳብ መወዳእታ ዝበጽሑ? ክንደይ ከኣ እዮም ምስክርነቶም ናይ 10 ዓመት ፈደረሽን፡ ከም ክፍለ ሃገር ዝተሓለፈ ኣብ ትሕቲ ንጉስን ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ መንግስቲ ደርጊን ነጻ ሃገርን ክህቡ ዝኽእሉ? ኣብዚ እዋን እዚ ነዚ ዝገብሩ ውልቀ ሰባት ዉሑዳት ይቕልቀሉ ኣለዉ። ብባህርያዊ ድፊኢት “ተዛረብ”ን “ንጽሓፍ”ን፡ ሕታማትን ቃለ መጠይቓት ናብ ሕዝቢ ይዝርጋሕ ኣሎ።

ናብ ኣርእስትና ክንምለስ፡ ብዓይኒ ዓለም (ካብ ብዓይኒ ኤርትራውያን ፍልይ ዝበለ እዩ) ክርአ እንከሎ፡ ስለምንታይ እዩ እቲ ኣነስ ኣንጻር ግፍዕን ረመጽን ተላዒለ፡ ንሕግን ደሞክራስን፡ ሃገራዊ ምሕዳስን፡ ሰብኣዊ መሰላት ክሕሎን፡ ባህላዊ ምብርባርን እየ ዝውክል ዝብል ሓይሊ ተቓውሞ ኣብ ሰላማዊ ሰልፍታት፡ ነዛ ብህልቀት መንእሰያታ (ካብ 1970)ን ኣካለ ስንኩላታን ዝተበሳባሱን ብምስጢርን ብጋህድን ዝተቐትሉ ተጋደልታን ዝተረስዑ ዜጋታታ፡ ናይ ሎሚ ደምን ምንጪ መሸጣ ኣካላት ዝኾኑ መንእሰያትን ጊልያነት ዝነገሰሉ ቁጠባን፡ ኣብ ምድረ በዳ ዝጠፍኡ ዘለው ሕጻውንትን ክብረን ዝተደፍራ ደቂ ኣንስትዮን እትውክል ባንዴራ እናውለብለቡ ሰላማዊ ሰልፍታት ዘካይዱ? ምስኣ እዛ ሰማያዊት ባንዴራ ስለዘውለብለቡ “ናይ ተ.ሓ.ኤ.” ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንህ.ግ.ሓ.ኤ.ን ህ.ግ.ደ.ፍ.ን እና ንሓቁፍ ዘለና ዝብል ምኽኒት ቅቡል ድዩ? እዚኣ ባንዴራስ መን እዩ ናይ ተ.ሓ.ኤ. ዝገበራ? ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎን ምስክሩ ኣብ መዛግብ ዓለም ዘሎ ታሪኽ ደይኮነን? እቲ ቀንዲ መረዳእታ ድማ “እዚ ወግዓዊነት ዝለበሰን ኣብ ሕ.መ. እውን እተንበልብል ዘላ ንሳ እያ። ናይ መን ድኣ  ክንሕዝ” ዝብል ኣሎ።

ታሪኽ ባንዴራ ምቅጻል (ምንዳድ) ኩነት

ኣንጻር መንግስቲ ኣብ ዝግበር ሰላማዊ ሰልፍታት፡ ታሪኽ ኤርትራ ዘይፈልጡ ናይዛ መንግስቲ ባንዴራ ብክልቲኡ ወገን ከተውለብልብ እንተዝዕዘቡ ከይገረሞም ኣይተርፍን። እቶም ነዛ ባንዴራ እዚኣ ካብ ቀደሞም ዝነቐፉን ዘይተቐበሉን ዳርጋ ኢዶም ሂቦም ዛንታኦም ንምንጋር ንሓድሽ መዓልቲ እዮም ዝጸበዩ ዘለዉ። ምቅዋም ማለት ንፖሊሲታት መንግስቲ ምጽራርን፡ ንመርኣያ ናይቲ ስርዓት ብሰላማዊ ኣገባብ ምብዳህን እዩ። ግንከ እዞም ካብ ናይ ዓለም ፍልይ ዝበሉ ደቅሰብ ግን ነዛ ባንዴራ ዘይግብኣ ክብሪ ምሃቦም “ይገርመናሎ” እዩ ዘብል። ምኽንያቱ ኣብ ሙሉእ ዓለም ከምዚ ዓይነት ሰላማዊ ሰልፊ ክግበር እንከሎ ባንዴራ ምንዳድ እዩ ዝረአ። እዚ ቅቡል ኣገባብ ቃልሲ እዩ። ብ60ታት ኣብታ ደሞክራሲያዊት ኣሜሪካን ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ውጻእ መዓት ዝኾና ናይ ምብራቕ ኣውሮጳ ሃገራትን ዘሕለፈኦ ኩነት እዩ። ንጉሳዊ ስርዓት ዝድግፉ ኢትዮጵያውያን ንባዕሎም እታ ናይ ኃይለ ሥላሤ ፊደልን ባንዴራን ሒዞም እዮም ሰላማዊ ሰልፊ ዝገብሩ። ስሚዕታዊ ዝኾነ ትውልዲ “ኣለና” ነዚ ናይ ሓድሓድ እዋን ዝግበር ተቓውሞ ከምዚ ነቶም ንነጻነት ዝሞቱን ዘለውን ተጋደልቲ ዝትንክፉ ይመስሎም ይኸውን። ግንከ እቲ ሓቅስ እዞም ተጋደልቲስ ኣብቲ ውሳነ ናይዛ ባንዴራ ተራ ስለዘይተጻወቱ ዝህብዎ መልሲ ሓደ መዓልቲ ይዛረቡሉ ይኾኑ። እቶም መንእሰያት ግን ወሪሶም ድኣምበር ንሶም እውን ኣይመረጹን።  

“ኣዝያ እተገርምን” ውጺኢት “ሓደጋ ዘንጸላልዋን” እትበሃል ሃገር

ውሕደት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቅ ዝስሙ ማሕበር (ASMEA, Association of the Middle East and Africa) ብሓምለ 25፡ 2012 ብሓደ ዶክተር ገራርድ ፕሩኒየር ዝተኻየደ መደብ ዘረባ እንሆ። ኣብዚ ጸብጻብ እዚ ዓይነት መንግስትን፡ ዘሕፍርን ካብ ሕጊ ዝወጽአ ኣህጉራዊ ስራሓቱን፡ ሕዝቢ ኤርትራ ወሪድዎ ዘሎ ኣደራዕን ብዝርዝር የቕርብ። እዚ ሰፊሕ ዝኾነ ጸብጻብ ብዛዕባ እታ ብኣህጉራዊ ሕብረተ ሰብ “ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮረያ” ተባሂላ እትጽዋዕ ዘላ እተገርም ሃገር ከምዝኾነት ይገልጽ። ምስዚ ኣብቲ ነጻነት ዘምጽአ ሓይሊ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ኣሽሓት ኣባላት፡ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወጻኢ፡ ዘይፈልጥዎ፡ ንኹሉ ምንቅስቓሳት ዝቆጻጸር ምስጢራዊ ፓርቲ ከምዝነበረ እውን ይነግር። እዚ ኩነት ንመዳሪ፡ ስርሓት ምስጢራዊ ሰልፊ ምስ ባምቡላ ናይ ሩስያ ኣወዳዲርዎ። እዚኣ ባምቡላ (ስእሊ ረአ) ሓንቲ ኣብ ውሽጢ እታ ሓንቲ እናጸንሐት ኣብ መውዳእታ ዝነኣሰት ፍረ ትርከብ። እዚኣ ፍረ እዚኣ እያ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ትገዝእ ዘላ ይብል። ኣስታት 15 ዝኾኑ ምስጢራውነታ ዝፈልጡ ዝነበሩ 15 ዝኾኑ መራሕቲ ናይዛ ስልጣን ገቢታ ዘላ ፍረ፡ ወይ ሞይቶም እዮም ወይ ድማ ክሞቱ ይጽበዩ ኣለው።

ብነሓሰ 15፡2012 እቲ ናይ ኤርትራ ባንዴራ ሒዙ ዝጎዪ ዝነበረ መንእሰይ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዑቕባ ሓቲቱ። ክንደይ ዝኾኑ መንእሰያት ስፖርተኛታት ክሳብ ሎሚ ከምዚ ሓቲቶም ኣለው? ነዛ ባንዴራ ደርብዩ ዑቕባ ክሓትት እንከሎ ርእይቶኡ ብዛዕባኣ ተሓቲቱ ዶኾን ይኸውን? እቶም ኣብ ትሕቲ እዛ ባንዴራ እዚኣ ኣብ ሳዋ ዝምርሹ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትከ ብዛዕባኣ እንታይ ይብሉ? ብዛዕባ እዛ ንፈስቲቫልን ሳዕሲዕትን ዳንኬራን እትስእሎምን እተጻውቶምን ግንከ ንሃገራዊ ስራሓት ከም ገላውኣ ጌራ እትወስዶም ባንዴራስ እንታይ ይስምዖም ይኸውን? ብሓቂ እተገርም ሃገር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ልክዕ ከምዚ እዚ ማሕበር ዝገበሮ መድብ፡ ብዛዕባ ኣብቲ ሃገር ዘሎ ዘሕዝን ኩነት “ኤርትራ፡ ኣብ ቅድሚ ጸድፊ እትርከብ ሃገር” ዘርእስቱ ፊልም ኣብ ዩቱብ ዘርጊሖሞ ይርከቡ።    

ነዚኣ ሃገር እዚኣ እምበኣር እያ እዛ ባንዴራ እተንጸባርቕ፡ ዝነቐጸ ቆጽሊ ኣብ ማእከላ ጌራ እትካየድ ሃገር።

                                 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...