ዝገርም’ዩ! ዓመት 2014 ከምትምስክሮ’ሲ፡ ካብ ኣፍሪቃ ዝነቐለት ቫይረስ-ኢቦላ ክሳብ አውሮጳን ኣመሪካን ተናጢራ ሃብታማትን ሊቃውንትን ከምዘጣረዐት፡ ክሳድ ሰብ ብሳንዣ ክቕንጠብ እንከሎ ብቪድዮ ቐሪጹ ናብ ህዝቢ ዘቕርብ ፖለቲካ ኣበ’ደባባይ ዝፍክረላ መደረኽ ከምዘቐልቀለት፡ ናይ ሩስያ ፖለቲካ ንአውሮጳ ሰላሊዑ ንሕግታት ማሕበር ሃገራት ዓለም ዝብድህ ኮይኑ ከምዝፈለለ፡ ናይ ለውጢ ማዕበል ካብ ቱኒዝያ ክሳብ ግብጺ ውሽጢ-ውሽጢ ሰሪጹ፡ ምስ መላእኽቲ ክስርዑ ዝመጣጠሩ ዝነበሩ መለኽቲ ቀላሊዑ ከምዘህተፈ ዘውግዕ ወረ ጽውጽዋይ ከምዘይኮነ’ዩ ተጋሂዱ።

    ማይን አለክትሪክን ናይ ኢትዮጵያ ኣብ ጂቡቲ ተዘርጊሑ። ጂቡቲ ድማ ባህርያዊ ሃብቲ ናይ ዓሰብን ባጽዕን ዝነበረ ሽሻይ ብሰንኪ ኣጉል ፍልስፍና እንዳ ዝናን ባህታን ናብ ካዝናኣ ምስ ገዓዘ፡ መሊኡ ስለዝፈሰሰ ዓቕሚ ወደባ ንምድንፋዕ 9.8 ቢልዮን ዶላር መዲባ ትጓየ’ላ፡ ዝብል ወረ እናሰምዐት እዝኒ እናረአየት ዓይኒ፡ ናይ ኤርትራ ነገር “እዛ ብርኩታ እምኒ’ላታ” ዝብል ምስላ ዘዘኻኽር ክሳብ ዝመስል’ዩ ተዓቢጡ ዝቕጽል ዘሎ።

     ዝገርም’ዩ ብሃብቱን ብርስቱን ዘይሓምም ሕማም ሃገራዊ ስምዒት ተመሲሉ ክሳብ መኣስ’ዩ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ጦቕ ከብለና፡ እንድዒ። ከቢድ መኣስ ኮይኑ፡ ከም ደቂ ሞምባሳ ከም ደቂ ሓርጌሳ፡ ከም ደቂ ታጁራ ከም ደቂ ከሰላ ናብ ስራሕ ዘይነንግሃሉ ንበይንና ዘስግኣና ኩነታት ኣብ ዞባና ኣሎ ድዩ፡ ንምባል’የ። ንዓናን ንህዝብናን ንመንግስትናን ባህ ዘብል ወረ ንሰምዓላ ዓመት ይፍጠረልና።

   እንተዘይኮነ ግን ኣበ’ስመራ ናይ ደምሒት ወ.ፖ. መወሳወሻ ምሕታት ስለዘብዝሑ ግዲ ኾይኑ ኣብ ኮምብሽታቶ ክዛወሩ ካብ ዝደፍሩ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ኣብ ናይ ሸዋ ላገቶ ተኣኪቦም ከምስዩ ዝደፍሩ ይበዝሑ ስለ ዘለዉ፡ እንታይኮን ክትወልድ ትኸውን ዛ’እዋን ዘየብል ኣይኮነን ኣተሓሕዛ መጻኢ ዕድልና።

    ዓመት 2014 ድማ ዘመዝገበት ኣመዝጊባስ እነሆ ኣሰር ቀዳሞት ብጾታ ትስዕባ’ላ። ርሑስ ሓዲሽ ዓመትን ርሑስ በዓል ልደትን የብርቐልና። ምናልባት ልደት ምዃኑ ምእንቲ ክፍለጠና ሓለዋት-ካራመለ ዶልሺ-ብሽኮቲ ፋንታ-ኣራንቻታ ስፕራይት-ኮካኮላ ሓዲሽ ክዳን ምስ ባምቡላ ዝመስሉ ምህርቲ ህጻናት-ዓለም ከይንጽበ ናይ ኤርትራ ሳንታ ሎምዘመን’ውን ዝጠዓሞ’መስል የለን። ከመይ’ሲ ማይን መብራህትን ጠፊአን፡ ባኒ ርትዓዊ ድኳን ድማ ኣብ ኣፍ ደገ እናዳ ፎርኖ ሪጋ ሓዲርና’ኳ ከይበጽሓና ይውዳኣ’ሎ’ዩ ዝበሃል ዘሎ። ዝኾነ ኾይኑ ገለ-ገሌናስ ይሰግሩዋ’ኳ ኣይበልናዮምን’ሞ፡ ደጊም’ሲ ሰጊሮማ’ዮም ዝመስሉ ዘለዉ ን2014 እንዳ ዝናን-ባህታን። ንሱ ዝመስል ካብ ኮነ ዕጫና ግን ዝሓለፈ ብምምርኳስ፡ ዛ’ትቕጽል ዓመት፡ ዓመት ለውጥን-ዕርቅን ክትኮነልና’ያ ትመስል ዘላ! ምናልባት ኣይፋል ዝብል እንተ’ሎ ድማ ሃየ ንወራርድ!

  ማለት’ሲ ምኹስኳስ መስርሕ ለውጥን ዕርቅን ኣብ ኤርትራ፡ ንኹልና ዝምልከት ዕማም ይኹን ደኣ’ምበር፡  ካብ ዓመት 2015 ክሓልፍ የብሉን እንተተወሰኸሉ፡ ዘይዘራእካዮ ግራት ንምዕጻድ እጅገ ከም ምስብሳብ ዝመስል ትኒዕ-ምኒዕ ኣይመስለንን። ንሱ’ውን ናይ ኩልና ዕማም ስለዝኾነ። እዋኑ ድማ ሕጂ’ዩ። በትርን ጥይትን ዘድልዮ ድማ ኣይኮነን። ብዘይምግናን ሳላ በዓል ፈይስ ቡክ በዓል ቫይበር .. ዛ’ዓለም ዕዳጋ፡ ዝኽፈል ዕዳ ብዘይብሉ ናይ ትምህርቲ ጸጋ፡ መሓብኦ ናብ ዘይብላ ዓውዲ ትልወጥ ከም ዘላ መዛግብቲ ዊኪ-ሊኪ ምግንጻል ጥራይ ዘይኮነ እዞም ናብ ምዕቡል ዓለም ክንስደድ ዝተዓደልና ነሕልፎ ዘለና ሂወት ባዕሉ ህያው ምስክር’ዩ።

   ስለዝኾነ ድማ ናብ’ዛ ምስ ሞት ምስ ሕማም፡ ምስ ጥሜት ምስ ቤትማሕቡስ፡ ማዕረ ተሰሪዓ፡ ዓቢ ንኡስ ዝሃድመላ ዘሎ ኤርትራና ኣድህቦና ምልስ ኣቢልና፡ ካብ’ንዳ ኡጎ ክሳብ ካራቨል፡ ካብ’ንዳ ወዲዓይባይ ክሳብ ናይ ቤት ገርግሽ ላገቶ ኣጋምሸት ብቖጸራ ተራኺብና፡ ንሰላማዊ ሰልፊ ንስረዓላ ቅርዓት ዘይኮነት’ሲ፡ ካፑቺኖን ማክያቶን እናሰተና እሂን-ምሂን ንበሃሃለላ፡ ብማዕርነት ንስሕቀላ፡ ልዕሊ ኹሉ ድማ መንቀሳቐሲ ወረቐት ዘይንሕተተላ፡ ብጠበንጃ ዘይንሓስበላ፡ ቤት ማሕቡሳት ዓ…ነው …ነው! ነብለላ ዓመት ዘይትኾነልና ምኽንያት እንታ’ዩ ኢልካ ሓደ ምባል፡ንኹላትና ዝምልከት ዕዮ ገዛ’ምበር ናይ ቀትሪ ዓጀውጀው መኣስ ኮይኑ። ክሳብ ሕጂ’ውን እንዳ ዝናን-ባህታን እንዳኣሎም ምእንቲ ስልጣኖምን ዝናኦምን ክብሉ ኣደናጊሮም፡ ካብ ዓለምና ንድሕሪት ኣትሪፎም፡ ንዕለታዊ ሂወትናን መጻኢ ዕድልናን ዕንክሊል ዘብልዎ ዘለዉ።

    ምናልባት ጥዕና’ለዎ ድዩ እዚ ሰብኣይ፡ ብኽንደይ ምህልላን ክሳራን ናብ ዝወጻእናሉ ጽርግያ፡ ተመለሱ ዝብለናስ፡ ወዮ ንፈልጦ ጋኔን ዝተሓንገጦ፡ ቀደም ብጣቕዒት በዓል ይከኣሎ ልቡ ዝሓበጦ መላኺ፡ ናይ ብሽክለታ ጎማ ከም ዝነፈሶ ሸቃጣይ ድንሽ-ኮሚደረ፡ ጸሊም ናይ ጸሓይ ኦክያለ፡ ምስ ሓጺር ዝእጅግኡ ካምቻ፡ ከምኡ’ውን ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ሰንደል ዝመስል ጫማ ወድዩ፡ ጸበል ተጸዊዖም ምስ ዝሳጉሙ ኣቦታት ተጸምቢሩ ኣብ ኮምብሽታቶ ሾንጓሕ! ሾንጓሕ! ክብል ጎፍ እንተበለና’ሲ፡ ነዞም ካብ ግምባራት ዝኾብለልና ኣበ’የናይ ባር ክሓብኣና ደልዩ’ዩ? ዝብሉ ኣይሰኣኑን’ዮም።

   ምናልባት’ውን እንተስ ብስኽራን እንተስ ብእርጋን ኣዒንቱ ዓዝዒዙ፡ ገጹ ማድዩ፡ ምዑጉርቱ መጢጉ፡ ጸጉሪ መምበስብስቱ ስሕዩ፡ እንተስ ብትምባኾ እንተስ ብናይ ቆሎ ዕማኾ ኣስናኑ ተማሕዩ፡ ኣረጋግጻ እግሩ ሸፊፉ፡ ኣደማምጻ ቃላቱ ጸይፉ፡ ስርኡ ገፊሑዎ ቁልፉ ዘሊቑ፡ ከም ሕጻን ዓሰርተ ሳዕ ኣምባሂቑ-ኣማባሂቑ ክማጣላዕ ምስ ረኣያ ….. እውይ! ወዲ ኣፎም ቅጭን ተበላሽዩ፡ ኣ’ቲ እቲ ጽቡቕ ዝነበረ መልክዑ’ምበር’ዩ ተደኒሱ ዝብላ፡ ጽቡቓት ወይ’ውን ጽዩቓት፡ ምሹጣት ወይ’ውን ቁኑናት ኣይሰኣናን ይኾና’የን።

   ምናልባት’ውን ኣበ’ስመራ ዓሪዶም ዘለዉ ሰራዊት ደምሒትን መሳፍንቲ ናይ ኣንድነትን መንቀሳቀሻ መወሳወሻ ወረቐት ክብሉ ተወዝ ኣየብሉናን’ዮም ዝብሉ ተደናጊሮም ዘደናግሩ’ውን ኣየሰኣኑን ይኾኑ’ዮም። እቲ ዝገርም ግን ንሱ’ይኮነን። እቲ ዝገርም ኢሳያስ ይኣርጋ’ሎ ዝዓይነቱ ራዕድን ሽበራን’ውን ኣይኮነን። እቲ ዝገርም ንፖለቲካ ካብ ፖለቲካ ዝምዝሕቕ ክሳብ ዝመስል ንእዋን ከደናግር ዝፈታትን ዘሎ መምሰሊ ብላይ ፖለቲካ’ዩ።

  ንፖለቲካ ካብ ፖለቲካ ዝምዝሕቕ መምሰሊ-ፖለቲካ?

  እወ እቲ ዝገርም’ሲ ርብዒ ዘመን ምስ ዕድመ ናጽነት ተመዝጊቡ እንከሎ፡ ናጽነትና ብብዝሒ መስዋዕቲ ዝዕቀን ኮይኑ ብወተሃደራዊ ዓወት ተረጋጊጹ’ዩ፡ ዝብል ወተሃደራዊ መደምደምታ ከም ቀዳማይ ገጽ ኣትሒዙ ክስጉም ብግስ ዝብል ኣናብባ ታሪኽ፡ ኣብ ካልኣይ ገጹ መራሕን ንሱ ዝመርሖ መስርሕን ክሳብ ክንደይ ከምዝቀራረቡ ወይ ድማ ክሳብ ክንደይ ከምዝረሓሓቑ ኣብ ግምት ዘእቱ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ዛ’ዓለም ዕዳጋ ዕሽሽ ብምባል፡ ብጎደና ዘይምልከተካ ክትፈልጥ ኣቢልና ዓዲ ስለዝኣተና’ሲ፣ ናይ ትራፊክ መብራህትን ናይ ጽርጋያ ምልክታትን ዘየኽበርኩም ኣይትበሉና። እንተ ብዛዕባ ሽፍትነት ናይ’ቲ ብሕንቃቐ ዝዓበደ ቅዲ’መራርሓና ከነዝነቱ እንከለና ግን ጽን ኢልኩም ስምዑና፡ ንምባል ዝቀዳደሙ ዝመስሉ፡ ቀደም ናይ ቅዲ’መራርሓ ኢሳያስ እሙናት ተላኣኽቲ ዝነበሩ ተጋደልቲ፡ ሎሚ ንቕድሚት እናሰጎሙ ንድሕሪት ዝጥምቱ ዝመስሉ ደረስትን ናይ ትማሊ ውዕሎ ተንተንትን፡ ንፖለቲካ ካብ ፖለቲካ ዝምዝሕቕ መምሰሊ-ፖለቲካ ከቕርቡ ንምፍታን፡

ሀ) ብዛዕባ’ቲ ነዊሕ ዕድመን ዱልዱል መሰረትን ዘለዎ ናይ መሪሕነት ሽፍትነትን፡ ድኽነት ናይ ሓሳባትን ብዝርዝር ይገልጹ። እዚ ተበግሶ’ዚ ዝድነቕ’ዩ። እንተኾነ ግን እቲ ከምኡ ዝበለ ቀይዲ-በተኽ ቅዲ’መራርሓ ምስ’ቲ ብኣድንቖት ዝምስከረሉ ታሪኻዊ ወተሃደራዊ ዓወቱ ምእንቲ ክዛነቕ፡ ህሉው ኩነታት ኤርትራ ንምስክርነት እንተዘይኣኺሉዎ እንታይ ምስ ዝምላኣሉ ኮን’ኸውን ምስ’ቲ ዝተፈጸመ ለውጢ ክዛመድ ዝበቅዕ ዝብል ገምጋም ኣብ ግምት ዘየእቱ ዘይተኣደነ ወቐሳ ናብ ምድርዳር ይረባረቡ።

ለ)  ከምኡ’ውን ምስ ወተሃደራዊ ዓወቱ ተተሓሒዙ ብኣኽብሮትን ብተኣማንነትን ዝዝከር ብዝሒ መስዋዕቲ ኣሎ። ብርግጽ መስዋዕቲ ብዙሕ’ዩ ዝብል ጸብጻብ ነቲ ብተደጋጋሚ ዝግለጽ ዘሎ ሽፍትነትን ድኽነት ናይ ሓሳባትን ናይ መሪሕነት ዘነጽር ምስክር’ዩ። ዝተኸፍለ መስዋዕቲ ብኣኽብሮት ምዝካር ድማ ሕጂን ንመጻእን ዘየድሊ መስዋዕቲ ምእንቲ ከይኽፈል ዘዘኻኽር ሓወልቲ’ዩ። ይኹን ደኣ’ምበር እዚ’ውን ምስ’ቲ ዝጽረፍ ሽፍትነት ናይ መሪሕነትን፡ ምስ’ቲ ዝድነቕ ወተሃደራዊ ዓወቱን ከመ’ቢልካ ከምዝዛነቕ ንእዋን ዝግደፍ ዕዮ ገዛ’ዩ። ስለ’ዚ “ዛ’ብርኩታ እምኒ’ላታ።” ምስላ።

    ኩሉ ሰብ ከምዘይስሕቶ ግን ቀደም ራድዮን ተለፎንን ኣብ ውሑዳት ገዛውቲ፡ ተለቭዥን ድማ ኣብ እንዳ ሃብታማትን ሰበስልጣንን ጥራይ ተባሒተን፡ መጻሕፍትን መጽሔታትንስ ይጽንሑ ደሓን፡ ርሳስን ወረቐትን’ኳ ኣብ ቀረባ ኣብ ዘይነበራሉ እዋን፡

ሀ) ካብ ደቀምሓረ ነ’ስመራ ምኻድ ማለት ከም ነዊሕን ኣድካምን መገሻ ተቖጺሩ፡ ቡንን ሻህን ፈሊሖም ክሳብ ዝወርዱ፡ እስከ ንእግርኻ ማይ ውዑይ ኣፍስሰሉ ዝበሃለሉ፡

ለ)  ካብ መንደፈራ ንሽዕብን ባጽዕን ክትሽቅል ቁልቁል ም’ራድ ማለት ከም ስደት ዝቑጸረሉ፡

ሐ) ካብ ዓዲ ተከለዛን ንተሰነይን ሑመራን ደሃይ ንግድን ዕዳጋን ንምጽንታው ምግስጋስ ማለት ከኣ ካብ ዓድኻን ቤተሰብካን ሓንሳብ ንሓዋሩ ክትክወል ወሲንካ ኣርሒቕካ ከም ምጥፋእ ዝሕሰበሉ፡

መ) ካብ ኩሉ ዝገደደ ግን ካብ ኤርትራ ንሸዋ’ቢልካ ምኻድ ማለት ማዕረ ዕብዳንን ትገብሮ ዘይምፍላጥን … ዝጽበጸበሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ሱር ዝሰደደ ናይ ኣዳም ሓጢኣት፡ ከም ነቐዝ ኣረኣእያ ናይ’ዛ ብኢንተርነትን ተለፎንን ኣብ ሓንቲ ቅርዓት ትጥርነፍ ዘላ ዓለም ዕዳጋ ይነፍስ ከይህሉ ምስትብሃል እንዳኣሉ ፈውሱ። 

      ብናይ ትማሊ ዓይኒ ብፍላይ ድማ በ’ረኣእያ፡ ናይ ገለ-ገለ ካብ’ቶም “ኣቦታት ናይ ፖለቲካ” ዝብል ናይ ቅጽል ስም ዝቖርሖም፡ እሞ ድማ ኣብ ውሽጢ ካብ 40 ኪሎ ሜትር ዘይበዝሕ ናይ ቦታ ርሕቀት ክምዕብል ንዝኽእል ኩነታት፡ ከም መበቆል መሰረታዊ ፍልልይ ናይ ባህላውን ፖለቲካዊ-ረብሓን ኣምሲሉ ዘስፍል መለክዒ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ዘናብር ዝመሰሎም፡ መራሕቲ ዝተዋጠጡሉ ብላይ ኣረኣእያ ክሳብ ሕጂ ሕዱር ሕማማ ኮይኑ ከይህሉ ንምፍታሽ፡ ከም ሽኮርያ፡ ሕማም ጸላም ከብዲ፡ ወይ ድማ ከም መንሽሮ ውሽጠ-ውሽጢ ይሳጽያ ከይህሉ ንኤርትራ፡ ካብ ላቦራቶሪ እንዳ ዝናን ባህታን ውጽኢት ምርመራ ናይ ደም ዝጽበ ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን።

ብኻልእ ኣዘራርባ መድሓኒቱ ሃሰስ ምእንቲ ክበሃለሉ’ሲ እቲ ሕማም እንታ’ዩ ወይ ከኣ ሕማማት ናይ’ዛ ንእሽቶን ዉልዶን ኤርትራ ንምፍታሕ’ሲ ተቓወምቲ ውድባትን ናይ ኢንተርነት ማዕከናትን ስለምንታይ ማዕረ 30+30 በጺሐን? ምናልባት ጓል-መንገዲ መመሪጽካ ይኹለል ከይህሉ ነስተባህለሉ ንምባል’የ።

    ማይ ቀጠነ ዝዓይነቱ ዛዕባታት ስለምንታ’ዩ ዝደጋገም እንድዒ፡ ንኣብነት ኣከለጉዛይ ሓምሴን ሰራየ ዝብል ኣጸዋውዓ ዘሎ፡ ዝነበረን ንጽባሕ’ውን መልክዑን መልእኽቱን እናቐያየረ ዝቕጽል’ዩ። ውዒሉ ሓዲሩ ግን ኣብ ውሽጢ’ዛ በ’ርብዓ ኪሎሜትር ዝዝርጋሕ ስሉስ-ኩርናዕ እትርከብ ኣስመራ-ደቀምሓረ-መንደፈራ ዝኹስኮስ ምዕባለ ናይ ትምህርትን፡ ምንቅስቓስ ንግድን ዕዳጋን፡ ንመፈላለዪ  ከምዘይበቅዕ ተጋሊጹ ዝሃስስ’ዩ።

   ምናልባት ንድሕሪት ምልስ ኢልካ መበቆሉ ምዝካር ንእዋን ዘርብሕ እንተኾይኑ ግን፡ እዚ ኣብ ውሽጢ ኣርብዓ ኪሎ ሜትር ንሓድነት ህዝቢ ዘስግእ ፍልልይ ናይ ባህልን ኣተሓሳስባን፡ ክፍጠር ይኽእል’ዩ እናበለ ክምድር ዝደፍር ናይ ስልጣን ተበላጽነት፡ ቀደም ኣብ መስርሕ ውድድር ምምራጽ ፋልማይ መራሕ-መንግስቲ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ኣቶ ተድላ ባይሩ፡ ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ኣቶ ኣብርሃ ተሰማ ንስልጣን ክወዳደሩ እንከለዉ ተኣፊፉ፡ ብምቕጻል፡ ክሳብ ናብ መስርሕ ገድልን-ምግዳል ዝሰረጸ ተበለጽቲ መራሕቲ ካብ ልክዕ ንላዕሊ ዘተዓባበይዎ ሸፈጥ’ዩ። ማለት’ሲ ኣቶ ተድላ ባይሩ፡ ብትውልዲ ሓማሴናይ፡ ብሃይማኖት ከኒሻ፡

ሀ) ፈለማ ንመወዳድርቶም ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ኤርትራዊ ኣይኮንካን’ሞ በጃኻ ካብ መድረኽ ፖለቲካ ኤርትራውያን ርሓቐልና ብዝብል ሜላ ከምኡ’ውን ብጉስጥን ብቡኛን ነጺሎም፡

ለ) ካልኣይ ብትውልዲ ኣከለጉዛይ ብሃይማኖት ተዋህዶ፡ ንዝነበሩ መወዳድርቶም ኣቶ ኣብርሃ ተሰማ ድማ ኣብ ናይ ስልጣን ውድድር ብወግዒ ኣሸኒፎም፡ ንምኽሪ’ቲ ኣብ ጎድኖም ዝነበረ ምምሕዳር እንግሊዝ ዕሽሽ ብምባል ናይ መንግስቲ ስራሕ ነፊጎም፡ ኣብ ገዛ ክውዕሉ ፈረድዎም። በ’ንጻሩ ድማ “..ንሾሞንተ ክርስትያን ኩሎም ካብ ኣውራጃ ሓማሴን ናብ ኣገዳሲ መንግስታዊ ቦታት ብምሻም…ናብ’ቲ ከባብያዊ ስምዒት ናይ ወገንነት ከምዝወደቑ ..” [1, ገጽ-459]

 ሐ) እዚ ከም’ዚ ዝበለ ሜላ ምምሕዳር ናይ ኣቶ ተድላ እምበኣርከስ፡ ንኣቶ ወልደኣብን ኣቶ ኣብርሃን ዘቀራርብ ህልኽ ዝዓብለሎ መቓርድቱ ኣማዕበለ።

    ከም ውጽኢቱ ከኣ፡ ኣቶ ወልደኣብ ኣብ መንጎ ሓማሴናይ ኣቶ ተድላን፡ ኣከለጉዘታይ ኣቶ ኣብርሃን ንዝተፈጥረ ነቓዕ ተጠቒሞም፡ ትግራይ-ትግሪኚ ኣብ ትሕቲ ዝብል ሕዱር ናይ ፖለቲካ ዕማሞም ንኣቶ ኣብርሃ ቀጥ ኣቢሎም ወደብዎም። ካብኡ ቀጺሉ ብዝማዕበለ ኩነታት እምበኣርከስ፡ ኣከለ ጉዛይ ንፍልስፍና ትግራይ-ትግሪኚ ተቐቢሎሞ ዝብል ንፋስ ነፈሰ። “መላእ ህዝቢ ኣከለጉዛይ ናይ ትግራይ-ትግሪኚ መርገጺኡ ድሮ ኣነጺሩስ፡ ዝተረፈ ህዝቢ ኤርትራ ተመሳሳሊ ርእይቶ ክህብ ይጽበዩ ከምዝነበሩ ኢዮም ደግያት ኣብርሃ ኣተንቢሆም።” [2, ገጽ 123] ስለ’ዚ እቲ ብኣውራጃን ብሃይማኖትን ዝተዓብለለ ፖለቲካዊ ሜላ ኣቶ ተድላ፡ ንኣከለጉዛይ ምስ ትግራይ ዘዛምድ ምውርዛይ ናብ ቲፎዝኡ ከስርጽ ኣዝዩ ቀለሉ።

   ብምቕጻል ኣቶ ወልደኣብን ኣቶ ኣብርሃን፡ ኣንጻር ስልጣን ኣቶ ተድላ ኣብ ዝወጠንዎ ናይ ህልኽ መስመሮም ጸኒዖም፡ ጸግዖም ንምጥንኻር፡ ኣብ መስርሕ ምኹስኳስ ትግራይ-ትግሪኚ ንኽጽምበርዎ፡ ኣብ ሰራየ ንዝነበሩ መዛኑኦም ሕሹኽ በልዎም። ይኹን ደኣ’ምበር ከም’ቲ ዝሓሰብዎ ኣይሰለጦምን። ከም ሳዕቤኑ ድማ በዓል ኣቶ ኣብርሃን ሰዓብቶምን ምስ ሰራየ ዘተሓማሚ ኣረኣእያኦም ናብ ቲፎዞኦም ኣስረጹዎ። ስለ’ዚ ኣብ’ታ በ’ርብዓ ኪሎ ሜትር እትዕቀን ዕጽውቲ ስሉስ-ኩርናዕ ኣስመራ-ደቀምሓረ-መንደፈራ እዚ ክሳብ ሕጂ ትልኽ ዝብል ዘሎ ህልኽን ምትሕምማይን ናብ ዘየድልን ዘየርብሕን ጥርዚ ተመጠጠ። 

     ዝኾነ ኾይኑ እዚ ፍልልይ’ዚ ሓበሬታ ከም ሓረጣ ብቡስጣን ብሳንጣን ዝመሓላለፈሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ከምዝማዕበለ እንተተሰማሚዕና፡ ሕጂ ኣብ መስርሕ ምኹስኳስ ለውጥን ዕርቅን፡ እሞ ድማ ኣብ’ዛ ናይ ፈይስ ቡክን ቫይበርን.. ዓለም ዕዳጋ፡ ከም ምንጪ ናይ ፍልልይ ዘጸብጽቦ ክብደት የብሉን።  

  ካልእስ ይትረፍ ንመውስቦ’ኳ ካብ ኣመሪካ ክሳብ ኣውስትራልያ፡ ምስ ታሪኽ ኣሳጉማ እግሪ ኤርትራውነት ይምዝገብ ስለዘሎ፡ ብዘይ ቃል ዓለም ምስ እዋን ዝተዓጻጸፍ ኣረኣእያ ዛ’ዓለም ዕዳጋ ግን የድሊ’ሎ። ከም ርኢቶይ፡ ብልጭ ድርግም ዝብል ግዝያዊ ምትእኽኻብ ይንጸባረቕ እንተል’ዩ’ውን ካብ ምትሕምማይ ንላዕሊ ዘሰክፍ ኣስጋእነት ዘለዎ ኣይመስለንን።

     ብሓጺሩ ማዕረ 30 ውድባትን 30 ናይ ኢንተርነት ማዕከናትን’ኳ ንሓድሕደን ከመ’ዓልካ ከይተጻገባ ብዛዓባ ኤርትራ ነናተን ክደርፋ’የን ዝዕንድራ ዘለዋ። እዚ ድማ እዛ ንእሽቶን ዉልዶን ኤርትራ ንኹላተን ዘአንግድ ዝቓደረ ዱኻን ዋላኻን ኣለዋ ማለት ኣይኮነን። ብዘይምግናን ከኣ እቲ ጸገም ይኹን እቲ ፍታሕ ኣከለጉዛይ ሓማሴን ሰራየ ምስ ዝዓይነቱ ናይ ፍልልይ ሕልሚ ቐትሪ ዘራኽብ የብሉን። ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ተጋደልቲ፡ ኣብ’ቲ ዓቢ ጉዳይ ዛ’ዓለም ዕዳጋ ድማ ሊቃውንቲ ምምሳል ተለሚዱ ዘሎ ምትላል ክቕጸል እንተዘይተደልዩ።

    ዝገርም’ዩ፡ ከምሰባ ዛ’ገያሺት እግረይ’ሲ ሰዓት ሽዱሽተ ናይ ንግሆ ትበርር ነፋሪት ምእንቲ ከተርክብ ሰዓት ኣርባዕተ ናይ ለይቲ ካብ ዓራተይ ተንሲአ ዝጀመርኩዋ መገሻ ናብ ዓዲ ሓበሻ፡ ክልተ ኩባያ ቡን ምርኩስ ብምግባር’ያ ሓደ ዝበለት። ይኹን ደኣ’ምበር ድቃስን ጸልማትን ስለዝተዘራረዩለይ፡ የማነ-ጸጋመይ ንዝነበረ ኩነታት ዕሽሽ ንምባል፡ ብIan Burma ዝተጻሕፈት YEAR ZERO ትብል መጽሓፈይ ምግንጻል ተተሓሓዝኩዎ። ሻቡ ኣብ ነፋሪት ምሳይ ኮፍ ክብል ዝተመደበ መንእሰይ መንበሩ ሓዘ’ሞ፡  ዝሓሰበ ሓሲቡ እዛ መጽሓፍ ኣርእስታ እንታ’ያ ትብል ኣያ! ክብል ዕላል ከፈተ።

  ኣነ ድማ ብዘይዘረባ ምእንቲ ባዕሉ ከንብባ ኣብ ገበራ ዝነበራ ኣርእስታ ኣመኣዛዝየ ኣርኣኹዎ። ንሱ ግን ዝዓገበ ኣይመስልን። ሕቶታቱ  ብምቕጻል እኳ ደኣ ካበይ ሃገር ኢኻኸ ክብል ሓተተኒ’ሞ፡ ኣነ ድማ ካበ’ደማምጻ እንግሊዙ ኣፍሪቃዊ ምዃኑ ስለዝገመትኩዎ፡ ብቐጥታ ካብ ኤርትራ’የ በልኩዎ፡ ሻቡ ትዋሕ ኢሉ ሰሓቐ።

    ኣነ ድማ፡ ክሳብ ክንድኡ ክርት…..ም ኢሉ ብምስሓቑ ገረመኒ’ሞ፡ ወዮ ብኽልተ ኹባያ ቡን ዘይነቐሐ መንፈሰይ ኣኺሉ ክሳብ ዝተርፎ ተበራበረ። ሽዑ ሓውሲ ምግራምን ምኹራይን ብዝመስል ኣበሃህላ፡ Are you ok?  በልኩዎ። ንሱ ድማ ካብ ውሽጡ እና’ተንፈሰ፡ O’ya I am ok sir!  እንተኾነ ግን ናትኩም ነገር’ዩ ገሪሙኒ በለኒ። ሽዑ ትቕብል ኣቢለ  why? በልኩዎ። ንሱ ድማ ኣራጥጥ ኣቢሉ ዘረብኡ ብምቕጻል  ንሕና’ኳ ሙጋበና 90 ዓመቱ ስለዝቖርጠመ ደጊም ኣብ’ዛ ክሳብ ሕጂ ክንነብረላ ዝጸናሕና ዓለም ብዙሕ ንጸንሕ ኣይመስለንን፡ ክገላግለና’ዩ ዝመስል ወ’ለዝጊ! እንተ ንኣኻትኹም ግን ነዊ……….ሕ! ጉዕዞ’ዩ ዝጽበየኩም ዘሎ። ክንደይ ዓመት’ዩ’ሞ ጌሩ ዘሎ መራሒኹም በለኒ። 

   ሻቡ ኣበሃህልኡ ተረዲኡኒ፡ ክንድ’ቲ ናቱ ደኣ ኣይሰሓቕኩን’ምበር፡ ብመጠኑስ ፍሽኽ ክሳብ ዝብል’የ ብዛዕባ ኣኻይዳ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ብቕጽበት ብዘንጸባረቖ ኣረኣእይኡ ዝተገረምኩ። ዝኾነ ኾይኑ ድሕሪ ናይ ሓደ ሰዓት መንገዲ ንሱ መዓልቲ ፍቑራት (Valentine day) ኣብ ሎንዶን ምስ ዝነበረት ፍቕርቱ ከሕልፍ ንዓዲ እንግሊዙ’ቢሉ ቀላያትን ውቅያኖሳትን ክሰግር፡ ኣነ ድማ ሸዋ ዘብጽሓኒ 14 ሰዓታት ናይ ነፋሪት ጉዕዞ ክጅምር ኣብ ዋሺንግቶን ዲ.ሲ ክንፈላለ እንከለና፡ እሞ ምእንቲ ኽብሪ ፍቕሪ’ሲ ንሓንቲ መዓልቲ ካብ ኣመሪካ ናብ ዓዲ’ንግሊዝ ትኸይድ ኣለኻ ማለት ድዩ በልኩዎ። ንሱ ድማ ስማዕ’ሞ፡ ኣቦይ’ሲ ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ክቡር መዓልቲ ፍቑራት ባዕልኻ ክትውዕለሉ እንተዘይክኢልካ፡ ካልእ ሰብ ክውዕለሉ ይኽእል’ዩ ንቦታኻ፡ ይብል ኔሩ ክብል ኣስሓቐኒ። ቀልጢፍና ድማ ነናብ መንገድና ተፈላለና። ርኣይዋ’ሞ ዛ’መዳለዊት ዓለም ዕዳጋ! 

    ዝኾነ ኾይኑ ቦጦሎኒ ምልእቲ ምስ ዕጥቃን ስንቃን ካብ ሳዋ ክሳብ መንደበልዋ ስፍስፋ’ቢላ ቡቁጽ ንኽትብል ክምህ ዘይትብል Boeing 777 ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ጸሓይ ብራቕ ተሳፊረ ዝጀመርኩዎ ጉዕዞ ኣብ ሰማይ ዓረበኒ። እንደገና’ውን ኣብ ሰማይ እንከለኹ ስለዝወግሐ፡ ንግሆ ሰዓት ሾሞንተ’ቢሉ ኣብ ሕምብርቲ ኣዲስ ኣበባ በጺሐ’የ ካብ ሆተል ናብ ሆተል መዋድቖዶ’ለኩም ንምባል ኮለል ዝጀመርኩ።

ክቕጽል’ዩ!

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

መወከሲ፡

1.      ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ካብ ማቲየንሶ ክሳብ ተድላ - ኣለምሰገድ ተስፋይ

2.     ኣይንፈላለ - ኣለምሰገድ ተስፋይ