ኣብዚ ዝተጠቕሰ ካብ ስነ ቃልን፡ ኣፍኣዊ ታሪኽን ስለዝኾነ ክኸውን ይኽእል እዩ ብዝብል እምነት እዩ ተጻሒፉ። ብዛዕባ እዚኦም ድማ ነዚ ዝድግፍ ወይ ዝነጽግ ሓበረታ ካብ ምድላይ ዓዲ ኣይወዓልኩን። ኮይኑ ድማ ናቶም ሕይወት ብዝርዝር ዝገልጽ ብኣዝማች ገብረሚኪኤል ግርሙ ዝተጻሕፈ ረኺበ። ኣብዚ እቲ ናይ ደጃ. ባህታ ምስ ጥልያን ዝነበሮም ቅርሕንትን ጸጸኒሑ ዝርአ ዝነበረ ጉዳያት ብዝርዝር ይገልጽ። 129 ገጽ ስለዝኾነ ድማ ኣውራ ነቲ ኣነ ዝበልክዎ ዝጻረር ሓቀኛ ታሪኽ ኣብዚ ክደግሞ ይደሊ። ምኽንያቱ እዚ ጽሑፍን እቶም ጸሓፊ ድማ ክእለትን ክብረትን ዝነበሮም ስለዝኾኑ ነቲ ዝጻሓፍዎ ታሪኽ ዝያዳ ሓቅነት ኣለዎ ዝብል እምነት ስለዘለኒ እየ።

1)     እቲ መጀመርታ ጉዳይ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ስለዝምልከት ድማ እቲ ናተይ ዝሰማዕኩዎ ዝያዳ ግርህነት ዘለዎ ኮይኑ እቲ ሓቂ ግን ምስ ናይ ጥልያን ዓሌትነት ዝሰማማዕን ኣብ ታሪኾም ድማ ዝገብርዎ ዝነበሩ ስለዝቓዶ እንሆ እቲ ጉዳይ።

2)    እቲ ካልኣይ እታ “ባቨነ ባህታ ሰገነይቲ” እትብል ሳጋ ካበይ ከምዝመጸት ዝሕብር እዩ። ንሱ ድማ ኣብ ገጽ 76 ተመልከቱ።

  

ንኣንበብቲ ድማ ይቕረታ እሓትት።

ምዕራፍ 39 ባእሲ ደግያት ባህታን ጣልያንን ገጽ 85 ኣብ “ነገር መልማል ሰብ” ከምዚ ይብል። “ብዛዕባ ነገር መልማል ሰብ ንደገዝማቲ  ኣቐየሞም። ሓደ ግዜ እንካብ ዓዲ ጥልያን ደፑታቲ (ናይ ባይቶ ኣባላት) ዝተባህሉ ዓበይቲ ሰበ ስልጣን ደቂ ኢጣልያ ናይ ህዝብናን ሃገርናን ልማድን ባህልን ኩነታትን ኪዕዘቡን ክምርምሩን እንካብ ሃገሮም ናይ ምጽዋዕ ኣተዉ። ኩሉ ግዝኣቶም ዝኾነ ሃገር ዘይሮም ርእዮም ተዓዚቦም ከብቅዑ፣ ኣብ መልሲ እግሮም ምስቱይ ሻቡ ግዜ ናይ ኤርትራ ጎቨርናቶረ (ጠቕላሊ ገዛኢ) ዝነበረ  ተራኸቡ’ሞ። ቅድሚ ምስንባቶም ከምዙይ በልዎ “ነዛ ሎሚ ሕዝናያ ዘሎና (ኤርትራ) ጫፍ መሬት ጥራይ ሒዝና ምጽናሕ ምዕጋስ ጊዜ ምጽባይ’ዶ ይሕሸና ወይስ ዝከኣለና ሰራዊት ኣኽቲትና ደቂ ሃገርን ደቂ ዓባይ ኢጣልያን ኣኪብና ንኹላ ኢትዮጵያ ብምሉእ ጠቕሊልና ንምሕዝ ንቕድሚት ምድፋእ ምቕጻል ምበለጸና ፣ ኣየናይ ይሕሸና” ተባሃሂሎም ተማኸሩ።

እንካብ ዝተዛረቡሉን ዝመኸሩሉን ነገራት ንኣብነት ክንጠቅስ፡- ሓደ ካብኣቶም እንካብቶም ኣባላት ባይቶ ከኣ “እወ ብዙሕ ሰራዊት እንካብ ሃገርና ኣምጺእና ኣብዙይ ዘለዉ ደቀባት ኣኽቲትና ወሲኽና ንኢትዮጵያ ብምልእታ ፈጺምና ሕጂ ንምሓዝ ይበልጸና፤ ነገር ግን ነዞም ካብ ሃገርና እንምጸኦም እንእክቦም፣ ኣብ ኤርትራ እንስብስቦም ብዙሓት ሰራዊትና ወተሃደራትና ዝኣኽላ ኣመንዝራታት (ሸራሙጥ) ምቕራብ ብህጹጽ ብዝቐልጠፈ ጊዜ ዘድልየና ምኻኑ ኣቐዲምና ምፍላጥ ኣሎና’ሞ ቤት መለኮት (መእከብ ሸራሙጥ CASINO) ምቁቓም ኣድላዪ ስለዝኾነ ነዘን ደቂ ሔዋን ካበይ ነምጽኣየን? እስኪ ንሕሰበሉ” በለ። ሓደ ካብኣቶም ተቐቢሉ ከኣ “እወ ሓቂ እዩ ነዞም ሒዝናዮም ዘሎና ሕዝቢ ኤርትራ እንካብ ሓደ ስድራ ቤት (FAMILY) ብካደረ (ሽማግለታት ደቂ ዓዲ) ኣቢልና፣ ሓሓደ ወድን ሓሓንቲ ጋልን ሃቡና ንበሎም እሞ ምስሃቡና ጊዜ ምመሪጽና ንወዲ ተባዕታይ ዝኾነ ከም ባሹቡዙቆ ዓስከር ጥልያን ንኽተቦ፣ ነተን ደቂ ኣንስትዮ ዝኾና ግን ከም ልማድ ኣውሮጳ /ክሮቸሮሳ/ ቀይሕ መስቀል፡ ሓከምቲ፡ ኣለይቲ ሕሙማት፡ ነርሲን ኮይነን ከምዘገልግላ ከምዝጥቀማ ኪመሃራ ኢልና ንቀበል እሞ ዝሓሰብናዮ ባዕልና ንፍጽም” ኢሉ ምኽሪ ሃቦም።

እቲ ታሪኽ ካብቲ መጽሓፍ ባዕሉ ይቕጽል። …..ኣብ መወዳእታ ከምዚ ኣብ ገጽ 88ን 89ን ከምዝተጠቕሰ፡ ደጃ. ባህታ “እምበኣርከዝ ኣነ’ውን ኣቦ ስድራ እየ፣ ካባኻትኩም ኣይበልጽን ኢየ’ሞ፤ ምስ ደቕኹም ደቀይ ክሕውስ ክሰድድ ግቡአይ ኢዩ፤ ግቡአይ ብምፍጻም ከኣ ኣነ እንካብ ህዝበይ ኣይበልጽን ኢየ’ሞ ስለዚ እኒሆ ገብረመድህን ወደይን ለተኢየሱስ ጋለይን ንቕድም ኣነ ይህብ የወፊ ኣሎኹ” ኢሎም ቁርጺ ቓል ምስተዛረቡ ጊዜ፤ ወ/ሮ ንግሳ ንባህታ ሰበይቶም ብወገነን ስም ደቀን ምስተላዕለ ደንጊጸን ሃዲመን ንደገ ወጽኣ።  

 

“እንኮስ ንሰብኣይኪ ጥራይ ሕራይ ኣብልዮ እምበር ናይ ክልቲኦም ደቕኽስ ኣይትፍርሒ ባዕለይ ኣለኹዎ፤ ሓደ ብልሓት ክገብረሎም ኢየ” እናበለ ናይ መታለሊ መጸናንዒ ቃል ተዛረበን። …………………………..ፖለቲከኛ መኮንን ጣልያን እንካብ ኩሎም ተስፋ ሲኢኑ መዓንጣኡ ሓሪሩ፡ ገጹ ብጋህን ሕርቃንን ዝኣክል መዓልቱ ዝሓለፎ ጸብሒ ኣቡን መሲሉ ብዝመጽኦ መገዲ ሓሳባቱ ከይስለጠ፣ ከየቃንዔ ንምጽዋዕ ተመልሰ ይበሃል።

 
እቲ ኣነ ዝበልክዎ፡ ብዛዕባ እተን ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ጋሎም ዝምልከትን እታ ሳግዋ “ባቨነ ባህታ ሰገነይቲ” ከመይ ኢላ ከምዝመጸትን እቲ መጽሓፍ ይሕብር። እቲ ዝገርም እዛ ሳግዋ መምጺኢታ ዘይፈልጥ ሰብ ከምእተሕፍር ጌሩ እዩ ዝወስዳ ኔሩ። ሕጅ ግን ናይ ኣብያን ናይ ጀግነንት ምልክት ከምዝነበረትን ናይ ጣልያን ፈኸራ ኣንጻሮም ድኣምበር፡ ንሶም “ሕራይ” ከምዘይበሉ ታሪኽ የርድኣና። ኣ.ኢ.

“ደጃዝማች ባህታ ሓጎስ ምስ ጥልያን ተሰማሚዖም ክነብሩ ፈቲኖም እዮም። ማለት ጥልያን ከም ብዙሓት ናይ ኣውሮጳ ገዛእቲ ቦታ ምስሓዙ ነቶም ኣብኡ ዝገዝኡ ሰባት ኣብ ልዕሊኦም ኮይኖም ክነሱ ኣብቲ መዓልታዊ ስልጣኖም ግን ይፈልጡሎም ኔሮም። ከምኡ እውን ጥልያን ምስ ባህታ ሓጎስ ማለት ስልጣኖም ስለዝባረኸሎም ኣብቲ ከባቢኦም ተስማሚዖም ዝነበሩሉ እዋንሲ ኔሩ። መዓልቲ እናሓለፈ ምስከደ ግን እዚ ግዝኣት ኣብ ልዕሊኦም እውን ከንሳፍፍን ዘይደለይዎ ነገራት ክእዝዞም ምስጀመረ እምቢ ክብሉ ጀመሩ። ሓደ ካብቲ ዋና መሬት ናይ ቤተ ከርስትያን ምስወሰዱ ዓቕሎም ተወድአ ይብል ዊኪፒድያ እውን። ዝርዝር ኣብ ላዕሊ ርአ። እቲ ቀደም “ቫበነ” እናበሉ ዝሓልፍዎ ዝነበሩ ነገራት በርትዖም። ተረኽቲ ኤርትራውያን ነዚኣ ማለት “ቫበነ ባህታ” ትብል ፍልጥቲ ሳጉኣ ኣየልዕልዋን እዮም። ካልእ ነቲ ኣንጻር መግዛእቲ ዝግበር ዝነበረ ተቓውሞ ዘፍሽሎ ዝነበረ ናይ ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ ብተዛማዲ ርጉእ ናይ ጥልያን መግዛእቲ ኣሜን ኢልካ ምቕማጥ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብ መንጎ እቶም ሰበሰልጣን ዝነበረ ምውድዳርን ምብኣስን እዩ። ኣብነት ናይዚ ባዕሎም ደጃ. ባህታ ኣብ ናይ ስልጣን ውድድር ነቶም ኣንጻሮም ወይ መጻናጽንቶም ዝኾኑ ሹማምንቲ ኤርትራውያን ብሓይሎም ኣብ ዓሰብ (ዓሰም) ኣሰርዎም። ድሓር ኣንጻር ጥልያን ኣብ ዝገበርዎ ቃልሲ፡ ነዚኣቶም ሰባት ከምዝበደልዎምን ምስኦም ተሰማሚዖም እንተዝነብሩ ክንደይ ሓገዝቲ ምስረኸቡ ብዝብል ምምራር፡ “ኣቱም ሰብ ዓሰመ ሰብ ዓሰመ …(ኣጥፋእናኩም?) መሬት ምስጠዓመ፡ ደለናኩም መሬት ምስጸልመተ” በሉ ይበሃል። ምኽንያቱ ምስኣድለይዎም እቶም ሹማምንቲ ካብ ኣብያተ ማእሰርቲ እንተዘውጽእዎም (ዛንታ ሓገዝ ሓቲቶምዎም ይበሃል) እውን ተቐይሞም ስለዝኾኑ ከምታ ዝጀመርካያ ወድኣያ ናብ ዝብል መረዳእታ እዩ ዝኽየድ።”


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...