“ንጽበ በሉ እንዳቦይ ኮኸበ” በለት ሓንቲ ሰበይቲ። ሰማዕቲ “መንዮም እዚኦም እንዳቦይ ኮኸበ? ኣበይ እዩ ዓዶም? ኣበይ ይቕመጡ? ስለምንታይከ ከምዚ ኢሎም? ንመን እዮምከ ዝጽበዩ ዘለዉ?” ክብሉ ምስኣሸገርዋ “ዋእ ኣንድዒ። ይበሃል ኢልና” ክትብል መለሰት። ድሓር ድማ ሕስብ ኣቢላ፡ እቶም በሃልቲ እቲ ዝደልይዎ ምእንቲ ክብሉ ዝጋጠመሎም ቃላት እዮም ዝወሰዱ ክትብል ንበይና ደምደመት። ወይ ንጽበ።

ንጽበ ንሰብ።

ብዛዕባ ምጽባይ ሳሙኤል በከት ዝበሃል እንግሊዛዊ ጸሓፋይ ብዛዕባ ክልተ ንሓደ ጎዶት ዝበሃል ሰብ ክጽበዩ ከለዉ ዝነግር ጽሑፍን ድሓር ድማ ተዋስኦ ዝኾነት ኣውጺኡ። “እዚኣቶም ክልተ ሰባት ይጽበዩ፡ ይጽበዩ፡ ይጽበዩሞ እቲ ዝተባህለ ሰብ ግን ኣይመጽእን። ንዕኡ እናተጸበዩ እንከለዉ ድማ ይጨቓጨቑ። “ዝግበር ነገር የልቦን” እናበሉ ዒሚም ይብሉ። እቲ ሓደ ዘይርድኣካ ነገር ይገብር። ብዘይ ገለ ዘረባ ሓንቲ ሳእኑ የውጽእ። ጽንሕ ኢሉ ድማ ነታ ሓንቲ ይደግማ። ክልቲኦም ክንጠዓስዶ ይብሉ። እቲ ሓደ ክኸይድ ምስደለየ እቲ ሓደ ግን ንጎዶት ድኣ ንጽበዮ ይብሎሞ ይጽበዩ። እዚ እዩ እቲ ጉዳዮም ንጎዶት ምጽባይ። ኣብ መንጎ ሓደ ባርያን ዋንኡን ይሕወስዎም። እቲ ዋና ክዛረብ እንከሎ ንባዕሉ ከም ግዳይ ኮይኑ ይቐርብ። እቲ ባርያ ሱቕ ኢሉ ይጽበ።” እዚ ካብቲ ጽሑፍ  ዝተወስደ ኮይኑ ድሕሪ ነዊሕ ምጽባይ ተዓዛባይ ነቲ ጉዳይ ዝፈትሕ ጎዶት ዝበሃል ሰብ ከምዘየልቦን ከምዘይመጽእን ይርዳእ። 

“ካብ ኩሎም ብቃንቃ እንግሊዝ ዝጽሕፉ ሰባት ሳሙኤል በከት ነቶም ብዘልምዲ ዝጽሕፉ ዝነበሩ ገዲፉ ኣብ ተዋስኦን ልበወለድን ፍልይ ዝበለ ኣጸሓሕፋ ጀሚሩ።” ክብሉ ናይ ስነ ጽሑፍ ኪኢላታት ንሳሙኤል በከት ይንእድዎ።

“ንጽበ” እምበኣር ነቶም ካብ 1980 ጀሚሮም ንናይ ሃገር መጻኢ ክውንኑ ኢሎም ዝሓስቡ ክልተ ተዋስእቲ የዘክር። እዚኣቶም ዴሳዊ ስነ ሓሳብ ኣብ ዝገነነሉ 50ታን 60ታትን 70ታትን ፖለቲካ ዝተወልዱን ንኣብነት “ሕጂኸ እንታይ ይገበር?” ትበሃል ናይ ለኒን ምጽሓፍ ብምንባብ ዝዓብዩን እዮም። ድሕሪ 23 ዓመታት እቲ ሕቶ ጌና ዘይተመለሰን ኣብ ሃዋ ይንሳፈፍ ዘሎ ጉዳይ ኮይኑ ይርከብ። እዚኣቶም እንታይ ከምዝግበር ዝነግሩ፡ ዕድላት ምስሓለፈን እቲ ሃዋህው ከምዝተቐየረ ምስተረድኦም እዩ። ሽዑ እዚ ክግበር ኔርዎ፡ እቲ ክግበር ኔርዎ፡ ይብሉ። ምኽንያቱ እንተድኣ ዘይሎም ስርሖም ኣይፈልጡን እዮም ምእንቲ ከይበሃሉ።

ብዛዕባ ተ.ሓ.ኤ. ነበር ተቓወምትን ዝርዝራቶም ብመርበባትን ተመራመርትን ብዙሕ ተጻሒፉ እዩ። እንተኾነ ግን ህ.ግ.ሓ.ኤ. ነበር እግረ እግሪ ተ.ሓ.ኤ. ነበር ናብ ኣዲስ ኣበባ ምኻዶም ነቲ ቅድሚ 53 ዓመት እውን ህ.ግ.ሓ.ኤ. ንተ.ሓ.ኤ. ተኸቲሉ ኣብ ሜዳ ክበቁል ከሎ ዝነበረ ግዜ የዘክር። ቅድሚ ንኢትዮጵያ ምእታዎም ግን “ናብ ኢትዮጵያ ይከየድዶ ኣይከየድ?” ዝብል ሕቶ ኣካቲዕዎም። ምዕብል ዝበሉ ፖለቲከኛታት ነዚ “ናይ ጸላኢየይ ጸላኢ ፈታዊየይ እዩ” ዘብል መመኽነይታ ኣብ ግሁድ ከይውጽኡዎ ምፈትሕዎ ኔሮም። ግንከ እንታይ ይገበር። እዚኦም እዮም እቶም ተጸበይቲ። ስጋብ እቲ ጉዳይ ማለት እታ ዝቐረበት ሃገር ኢትዮጵያ ስለዝኾነት ከም ኣማራጺ ክወሰድ ከምዝግባእ ደንጉዩ ዝተረድኦም እዮም ዝመስሉ።

ካልእ ንተጸበይቲ ዘዘክር ጉዳይ ባንዴራ ኤርትራ ንመጀመርታ እዋን ብዘይ ኣፍልጦ ባይቶ ብኢትዮጵያውያን ይኹኑ ተጸናገጽቶም ምስወረደት ናብ ጃንሆይ ክጠርዑ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኸዱ። ኣብ ናይ ሃይለ ሰላሴ ‘ችሎት’ ኣርባዕተ ወርሒ ድሕሪ ምጽባይ “ተገሊሆምን ተሳዒሮምን” ናብ ኣስመራ ተመልሱ። ጃንሆይ እዚ ኹሉ ተጸብዮም ንደቓይቕ እውን ክርእዮም ኣይደለየን። ምጽባይ ግን ኣይተረፈን። ንዝያዳ ሓቤሬታ ናይ ሚከላ ሮንግ መጽሓፍ ገጽ. 178-179 ተወከስ።

ቀዳሞት መራሕቲ ኢትዮጵያ ከከም ግዚኡ ንኤርትራ ምድኻም ከም ሓደ ፖለቲካዊ ስራሕ ይወስዶዎ ነበሩ። ብፍላይ ድማ ንጉሰ ነገስት ሃይለ ስላሴ ነዛ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘላ ንእሽቶ ሃገር ክጎብጥ እንከሎ እቲ ፈደረሽን ክሳብ ባዕሉ ዝፈርስ ኣይተጸበየን። ኣቐዲሙ ንውሕደት ኤርትራን ኢትዮጵያ ክንቕንቖ ጀመረ። ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ጋዜጣታትን ዜናን ከምኡ እውን ብዛዕባ ፈደረሽን ዝተጻሕፉ መጻሕፍቲ ከምዝሕብሩ፡ ነቶም ሽቶኡ ኣብ ዕላማ ንምብጻሕ ወሳኒ ተራ ዝተጻወቱ ኣባላት “ማሕበር ኣንድነት” ኣወጊኑ ብተዛማዲ ዝያዳ ስልጣንን ቁጠባዊ ረብሓ ነቶም ኣንጻሩ ዝነበሩ ኣባላት “ነጻነት” ውድባት ሃበ። እዚኣቶም ማለት ምፍራስ ፈደረሽን ስለዘይተቐበሉዎን ዝተቓወምዎን ንወጻኢ ዝኸዱ ገዲፍካ፡ ኩሎም ኣብ ትሕቲ ጽላል ንግስነት ኢትዮጵያ ክነበሩ ዝመረጹ ይምልከት።

ናይቲ እዋን ታሪኽ ጸሓፍቲ ጸጸኒሖም ዝደጋግምዎ ጉዳይ እንተሎ ንኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ዝምልከት እዩ። ድሕሪ ብዙሕ ፈተነታት ከምዘምለጡን ሕይወቶም ድማ ንነጻነት ኤርትራ ከምዘወፈዩን ዝጸሓፍዎን ዝገበርዎን ይንገር። ኣቶ ወልደኣብ ምስበዝሖም ናብ መንግስታዊ ኣብያተ ጽሕፈት ከይዶም ፓስፖርትን ናብ ወጻኢ ናይ ምኻድ ፍቓድ ሒዞም እዮም ብሰላም ካብቲ ሃገር ዝወጹ። ከም ንነጻነት ዝተቓለሱ መጠን መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሕዞም ኣይደለየን። (መጽሓፍ ‘የኤርትራ ጉዳይ’ ብተተባበሩት መንግስታት ብዘውደ ረታ ተወከስ)። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ‘ተቃወምቲ’ ኣብቲ ሃገር እንተድኣ ተሪፎም ካልኦት ሰዓብቲ ከጥርዩን እንደገና ነቲ ጉዳይ ክቱኽቱኽዎን ምኻኖም ርዱእ እዩ ኔሩ። በዚ ንኣንጻርካ ዝኾኑ ግንከ ኣባላትካ ነበር ይኹኑ ናይ ካልኦት ፓርቲታት ተጻርርትኻ ብበጃ ኢድ ምሓዝን፡ ንወጻኢ ንክኸዱ ምፍቃድን ህ.ወ.ሓ.ት. እውን ከም ፖለቲካዊ ስልቲ ተማሂሮም እዮም። እቶም ካብኣታቶም ተፈልዮም ኣብ ወጻኢ ዝኸዱ ሰባት ግዜ ወሲዶም ክምለሱ ክድልዩ እንከለዉ፡ ኢትዮጵያ ሃንጎፋይ ኢላ እያ ትቕበሎም። እንደገና ኣብ ሕቕፎኣ ኮይኖም ነገር ክድለዩ ይኽእሉ። ኩሎም እካ እንተዘይተባህለ ዝመላለሱ ተቓወምቲ መንግስቲስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣለዉ። ንእሽቶ ኤርትራ ግን ነዞም ደቃ ዝኸውን ባይታ የብላን። ሓደ ህቡብ ፖለቲከኛ ኣብ ሃገሩ ተመሊሱ ዝተቐመጠን ዝነበረን ዝሞተን ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ጥራሕ እዩ። ካልኦት ዝኸዱን ኣብኡ ክነብሩ ዝፈተኑ ኔሮም እዮም። እንተኾነ ግን እቶም ኣውራ ህቡባት ዝነበሩ ነቲ “ኣብ መንደቕ ዝተጻሕፈ ቃላት” (ትንቢት ዳንኤል ቀ. 5 ከምዝብሎ “ኣምላኽ ንመዓልትታት መንግስትኻ ጸብጺወን እዩ”) ምስረኣዩ፡ ነፍሰይ ኣውጽእኒ ኮይኑ ነናብ ዝነበሩዎ ወጻኢ ተመልሱ ድኣ። 

ናብ ኣቶ ወልደኣብ ክንምለስ፡ ብዛዕብኦም ማለት ብዛዕባ ሓደ ሰብ በተዳጋጋሚ ክጸሓፍ እንከሎ፡ ብዛዕባ እቶም ኣንጻሮም ዝነበሩ ግንከ ፈደረሽን ንኽፈርስን ኤርትራ ምስ “ኣዲኣ” ኢትዮጵያ ክትሓብርን ዝገበሩ ገለ ገለ ማሕበር ኣንድነት ነበር ግን ኣብቲ ወልደኣብ ወልደማርያም ገዲፎሞ ዝኸዱ መሬት ጽቡቕ ኣይረኸቡን። ማለት ተጻረርትን ዝረብሑሉ፡ እቶም ነቲ ጉዳይ ኣብ ግብሪ ዘውዓሉን ግን ብተዛማዲ ዳርጋ ተገሊፎምን ተናዒቆምን እዮም። ገለ ካብኣቶም ናይ ውልቃዊ ናብሮኦም ክምለሱ እንከለዉ፡ ገለ ድማ ኣብ ናይ መንግስቲ ትካላት ሽመት ተዋህቦም።  እዚኣቶም ኣባላት ማሕበር ኣንደነት ነበር ድማ ብክልተ ገጽ ክህረሙ እንከለዉ እቲ ዝነበረ ትጽቢት ድኣ ኣብ ምንታይ ወደቐ እዩ ዘብለካ። ንጉሰ ነገስት ሃይለ ስላሴ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ዝእቱ መንገዲ ብኣባላት ማሕበር ኣንድነት ኣቢሉ እዮ ሽቶኡ ዝወቕዐ። እቶም ነዚ ዝገበሩ ግን በቶም ደቂ ሃገሮም እሞ በቶም ምጽራር ዝጀመሩ ጉጅለታት ከም ከሓድቲ ተራእዮም ናይ ሞት ፍርዲ ዝረኸቡ ኣለዉ። ፍሉጣት መራሕቲ ባይቶ ኤርትራን ኣባላት ማሕበር ኣንድነት ተቐትሉ። ፍሉጥ ናይ ባይቶ ኤርትራ ፕረዚደንት ሸይኽ ዓሊ ረዳይን ዑመር ሓስኖን ብተ.ሓ.ኤ. ኣብ ኣስመራ ብ60ታት ተቐቲሎም። ኣባላት ማሕበር ኣንድነት ነበር ደጃዝማች ዘርኦም ክፍለን ደጃዝማች ሓድጉ ጊላጋብርን ኣብ መወዳእታ ጎደና “ሓርነት” ትርከብ ዝነበረት ባር ላገቶ ተቐትሉ። ካልኦት እውን ብኸምዚ ነፍሶም ዝሓለፉ ኣለዉ። ንኣብነት ብግዜ ደርጊ 1977 ኣቢሉ ዶክተር ገብረትንስኤ ኣብ ከረን “ከምዚ ተዛሪቦም፡ ከምዚ ኢሎም” ብዝብል ምኽንያት ኣብ ኣስመራ ገጀረት ዝርከብ ኣፍ ደገ ቅዱስ ፍራንችስኮ ቤተ ክርስትያን ተቐቲሎም። እዚኦም እዚ ክጸሓፍ ከሎ እዮም ተዘኪሮም ምኽንያቱ ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ሓዘን ስለዝነበርና ንሕና እውን ነቲ ናህና ገዲፍና ናብ ምብጻሕን ምቕባርን ኣድሃብና። ጸሓፊት ካልኦት ብዙሕ ኣይትዝክርን። ግን ኔሮም እዮም።   

ወረስቲ ሃገረ ኤርትራ ፖለቲካዊ ፓርትታት መጻኢአን ክመርጻን ብደሞክራሲያዊ ኣገባብ ድማ ነዚ ምርጫ እዚ ክነብራሉን ክልውጦኦን ክከላኸላሉን ይግባእ ዝብል መረዳእታ ኣብ ሓንጎሎም ኣይነበረን።

ጽርግያታት ኣስመራ ብ60ታን 70ታትን ብፍርሒ ተዋሒጡ ነበረ። ፍልይ ዝበለ ፍርሒ። ሕዝቢ ኤርትራ ብመላእ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብቶም ጌና እግሪ ዝተኽሉ ዝነበሩ ክልተ ውድባት ተቐርቂሩ ነበረ። መንግስቲ ኢትዮጵያ “ንወንበዴ” ደጊፍኩም እናበለ ክገፍፍን ክኣስርን ኣብ መንገዲ እውን ሬሳታት ክድርቢ እንከሎ፡ እቶም ተኸተልትን ምስጢራውያን ደገፍቲ ተጋደልቲ ድማ “እከለ ምስ ኢትዮጵያውያን ከምዚ ኢሉ ከምዚ ጌሩ” ብምባል “ኣስማት” ን”ሜዳ” ይሰዱ ዝነበሩሉ እዋን እዩ። ከምዚ ሽዑ ዝነበረ ኣገባብ፡ ምናልባት ስምካ/ስምኪ እንተድኣ “ንሜዳ ተሰዲዱ” ይግባይ ኣብ ዘይብሉ ፍርዲ ተበጺሑ ማለት እዩ።

ቀስ ብቐስ ውድባት ኤርትራ ኣብ ኩሉ መዳያት ናይ ሕዝቢ ብምእታው ኣገልግልትን ደገፍትን ተደናገጽትን ከጥርያ ጀመራ። እዚኣቶም ዝበዝሑ ትእዛዝ ተቐበልትን ሙሉእ ሕልንኦም ንነጻነትን ሓርነትን ኤርትራ ዝድግፉ እካ እንተኾኑ ኣብ ልዕሊ ውድባት እዚ ዘይበሃል እምነት ስለዝነበሮም ኣሜን ኢልካ ምቕባል እውን ኔሩ እዩ። ኣብ ልዕሊ ሃብታማት ዜጋታት ወነንት መጥሓን ከይተረፉ ገንዘብ ንምሃብ ጸቕጢ ምግባር ተጀመረ። ኣባላት ማሕበር ኣንድነት ነበር ብወገኖም ጭቆና ስርዓት ሃይለ ስላሰን ደርግን ኣሰኪሕዎም ብዛዕባ እቲ ዝገበርዎ ውሳነ ተጠራጠሩን ጽንሕ ኢሎም ድማ ጨሪሶም ሓስባቶም ቐየሩ። ስርዓት ሃይለ ስላሰ ብፍላይ ነዞም ብፍቶት ዝተሓባበሩዎ ዳርጋ ወጊኑ፡ ነቶም ኣንጻሩ ዝነበሩ ደገፍቲ ነጻነት ድምበ ብተዛማዲ ዝያዳ ፓለቲካዊ ስልጣንን ቁጠባዊ ዕድላትን ሃበ።  ኢትዮጵያ ነቲ ንነጻነት ዝግበር ቃልሲ ከም ብሸፋቱ ዝግበር ገበን ብምቑጻር፡ ንኤርትራ ኣብ ትሕቲ “ህጹጽ” ኩነት ብምእታው፡ ዜጋታት የማነ ጸጋም ምብስባስን ምቕታልን ምጥፋእን ኮነ ኢሉ ተተሓሓዞ። ስለዚ ድማ ብዙሓት ደቂ ማሕበር ኣንድነት ነበር ንሜዳ ክውሕዙ ተራእዩ።

እቲ ዝገርም ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ምዕላል፡ ምዝራብ፡ ምጽሓፍ ይኹን ምትንታን ዳርጋ ከም ኩልኩል ጌሩ ይወስድ ምህላዉ እዩ። ወይከኣ ከምቲ ገለ ገለ ዝብልዎ “ግዜኡ ኣይኮነን” “ንተረኽቲ ንግደፎ”። እቲ ነዚ ጉዳይ ይኹን እዚ ጨካን መፈለምታ ውድባትን ምስኡ ዝተኸተለ መልሰ ግብርን ክለዓል እንከሎ እቲ ዘጋጥም ጸጥታ እዝንኻ ዘሕምም እዩ። ምኽንያቱ መበገሲ ውድባት ነጻነት ጥራሕ ዘይኮነ ናይ ዘረባን ጽሑፍን ሓርነት፡ ናይ ምቅዋምን፡ ምውዳብን ምክታዕን ሽቶታት ክውቕዕ ዝብል ስለዝነበረ እዩ።

53 ዓመታት ሓሊፉ ነተን ውድባት ክሳብ ለይቲ ሎሚ ዘባህርረን ዘሎ እዚ ናይ መፈለምታ እዋን ተርእዮ እዩ። እዘን ውድባት እዚኣተን ሎሚ ኣብቲ ኣንጻሩን ካብኡ ንኽፍለያ ዝተቓለሳሉ ሃገር ርእሰ ኸተማ ይቕመጣ ኣለዋ። እቲ ስርዓት ስለዝተቐየረ ምኻኑካ ሓቂ እንተኾነ፡ ንሓደ ነቲ ታሪኽ ዘይፈለጥሲ ከይገረሞ ኣይሓልፍን። እቲ ተዋስኦ ተለዊጡ እዩ። ብዙሓት ውድባት ኣብ ሓደ ጽላል ይረኣያ ግንከ ካብ ብዛዕባ ኣንጻር ስርዓት ይኹን ንደሞክራሲ ዝገብርኦ ቃልሲ ክንዲ ዝፍለጣ፡ ኣብ መንጎአን ብዝገብርኦ ፍልልያትን ንኣሽቱ ጋል መንገዲን ዝውረ ጉዳይ ንተዓዛቢ ይረኣዮ። ሓደ ካብቶም ንኡሳን ውድባት ንመራሒ ሰውራ “እዚ ስም ሂብዎ፡ ክህቦ ኣይነበሮን” ከም ዓቢ ጉዳይ ክውሰድ እንከሎ ዘገርም እዩ። እዚ ውድብ እዚስ ብዛዕባ ቅድሚ 53 ዓመት ዝነበረ ሰብ ናይ ባዕሉ መግለጺ እንተሃለዎ ንመን ይጎድእ? እቲ ደሞክራስያዊ ብዙሕነት ምእማን ድኣ ኣበይ ኣሎ? እቲ ዘገርም ኣኼባታት ብዛዕባ ሽቶን መጻእን ክንዲ ዝኸውን ብዛዕባ መሪሕነትን ውሽጣዊ ጉዳያትን ዘድሃበ እዩ ዝመስል።

ግዜኡ 2014 እዩ። ሓደ ፍልይ ዝበለ መንገዲ ማለት ካብ ውሽጥን ወጻእን ለውጢ ዝሓትትን ተስፋ ዝህብን መብራህቲ ይርአ ኣሎ። ኣገዳሲት ሃገር ኢትዮጵያ፡ ድሕርቲ ምስ ጎረቤት ዘሕለፈቶ ንሓደሕድ ዝጎድእ ግርጭት፡ ኣብ ክንዲ ነግራምን ሽግርትን ድኽምትን ጎረበት፡ ህድእትን ሰላምን ዝዓሰላ ጎረበት ከምዝሓይሽ ዘረጋገጸት ትመስል። 

ነንሕድሕድና ንዛረብን “ተዛረብ”ን

ነቲ ኣብ ኣኼባታትን ሓደስቲ ውድባትን ንምርዳእን ምፍላጥን ኮለል ዘብል ዘሎ መስርሕ ንምቕያር ፈተነ ይግበር ኣሎ። እተን ናይ ቀደም ወሲኽካ ዕድመአን ካብ ናይ ሓዊ ለይቶ ዘይበዝሕ፡ (ኣስታት 2 ዓመት)፡ ሓደስቲ ውድባት ይፍጠራሞ ውልዕ ኢለን ዝጠፍኣ ተወሲኸንአን ይርካባ። ገሊአን ክሳብ ኢትዮጵያ እንታውነተንን፡ ዕላምአንን፡ ብፖለቲካዊ ዓይኒ ምሕዝነት እንተተገብረስ ይጠቅምዶ ኣይጠቅምን ክሳብ ዝመራመሩን ዝውስኑለን ግዜ ይወስድ። ንባዕለን እተን ውድባት ኣብ ክልተ ኣብ ሰለስተ፡ ወ.ዘ.ተ. ምክፍፋልን ኣብ ነንሕድሕድ ዘለወን ምጥርጣርን ከምዘሎዎ ኾይኑ ይጽንሕ። እቲ ምጽባይ ይቕጽል።

ግደ ሓቂ እንተኾይኑ እዛ ሃገር እዚኣ ብደሞክራስን ብምርጫ ሕዝባንሲ ባዕላ ንባዕላ ኣመሓዲራ ኣይትፈልጥን። ግንከ ሓንቲ ኣባል ናይ ዓለም ክትከውንን ሕዝባ ድማ ብሓባር ንላዕሊ ጠሚቱ ንኣምላኽ ናይ ርእሰ ምሕደራ ክእለት ክልግሰሉ ይልምን ኣሎ።  ኣምላኽ ድማ ነዝን ካልእን ጸሎታትን ልመናን ይሰምዕ ኣሎ። ጻዊዕቶም ስለዝደረኾ ከኣ እታ ምስ ኩሎም ሃገራት እተስርዕ “ኩን ከም ሃገረ ምድርከ” ትብል ቃላቱ ይሰድሎም ኣሎ። እወ፡ ኣባላት ናይ ዓለም ኢኹም ዝብል እዚ እዩ ናይ ኣምላኽ መልሲ።

ሓድሽ መስርሕ ሓድሽ ደገፍ ናይ ጎረበትን ጽቡቕ ድሌትን ይሓትት። ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ደሞክራሲያውያን ሃገራት እየን ዝያዳ ዝድለያን ዝሕገዛን። ዓለም ካብ 60ታትን 70ታትን ዝነበረ ኩነት ኣዝያ ሪሒቓ እያ። እቲ ናብ ሽግርን ተጻብኦ ዝበዝሖ መጻኢ ዝትልም ናይ ዴስነትን ናይ ጸጋም ምንቅስቓሳትን ዝፈጠሮ ትጽቢታት ናብ ጭቆናን ግፍዕን ከምዘምርሕ ሕዝቢ ዓለም ተረዲእዎ እዩ። እዚ ተሓሊፉስ ደሞክራስያዊ ዕላማታት ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ውድባት ይኹን መንግስታት ክህሉ ኣለዎ ዝብል እምነት ኣሎ።

ጎረበት እውን እንተኾነ ናይ ገዛእ ርእሱ ምሁራን ኣካላትን ትካላትን ከምዘድልይዎ ተኣሚኑስ ኣብ ግብሪ ድማ ነዚ ይከላኸለሉ ኣሎ። ቀጻልነቱ ድማ በቲ ኣብ ትምህርትን ቁጠባዊ ምዕባለን ዝግበር ዘሎ መደባት የረጋግጽ። ሳላ ዕድሉ እዚ ስርዓት እዚ ርእሰ ከተማ ምስ ትካላታ ከምዘላ እዩ ተረኪብዋ። በቲ ናይ ሰሜን ኩናት ኣይተተንከፈትን። እቲ ንመንግስታት ከገልገል ዝጸንሐ ባንክታት፡ መራኸቢ ብዙሓን፡ ናይ መንግስቲ ኣብያተ ጽሕፈታት፡ ወ.ዘ.ተ. ምስ ምሁራቱ ንምዕባለ ካብ ዝሕግዙ ዝዓበየ መርኣያ እዩ። ነቶም ካብ ሰሜን ናይዚኣ ሃገር ዝመጽኡ ባእታታት ግን፡ ሓዳስ ዕምባባስ እትህቦ ሓገዝ ስቕ ኢልካ ኣይኮነን ዝመጽእ። ናይ ባዕልኻ ውሳነ ዝያዳ ኣገዳስነት ኣለዎ። ከምቲ ክበሃል ዝጸንሐ፡ ናይ ጎዶት ትጽቢት ይቅጽል። ማለት “እቶም ክልተ ሰባት ውሱን ንዘይኮነ ግዜ ምጽባዮም ኣይተርፍን።”

ሎሚ እዚኣቶም ክልተ ኣይኮኑን። ብዙሓት እዮም። እቶም ኣብ ወጻኢ ዝያዳ ዝጸንሑ ድማ ካብቲ ዘለውዎ ዘይርድኣካ ኩነት ናይ ምጽባይ ክወጽኡ ኣይከኣሉን። ስለዚ ድማ ጸጸኒሖም ቃለ መጠይቕ ይገብሩን ጽሑፋት ይዝርግሑን። ትንተናታት ይቅጽል። ሓንቲ ናይ “እዚ ተንትንን”፡ መቐጸልታኣ ድማ “እዚውን ተንትን” ትብል ፊልምታት የዘክራ። እዚ ሓደ ናይ ማፍያ ሰብ ብዛዕባ ዝወረዶ ናይ ሕይወት ተምኩሮ ክሕገዝን ንርእሱ ክሕግዝን ዝደልየሉ ዛንታ እዩ። ኣብ መወዳእታኡ ግን እቲ ናይ ማፍያ ሰብ ቁምነገር ይገብር እዩ። ማለት ንሓኪሙ ኣመስጊኑ፡ ምስ መንግስቲ ብምስምማዕ ሓድሽ ሕይወት ንኽረክብ ዘድልይዎ ውሳነታት ወሲኑ። ኣብ ሕይወቱ ንዘጋጠሙ ጉዳያት ተንቲኑ ስለምንታይ ኣብዚ ከምዝበጽሐን ይርዳእ። እዞም ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ተቓወምቲ ዝኾኑ ሰባት ግን ጸጋ ዘለዎን ንሕይወቶም ዝያዳ ዘማዕብልን ለውጢ ዘምጽእን ውሳነ ዝሓረሞም ይመስል።

እዚኣቶም ብዘካይድዎ ኣኼባታት፡ መገሻታት፡ ሰሚናራትን ኣብ ልዕሊ እቲ ዝብድህዎ ዘለዎ ስርዓት ለውጢ ኣየምጽኡን። ጸጸኒሖም ኣብ ርቡሕ መንገዲ ከምዘለዉ ይእምቱ። እቲ ሰማዒ ግን ሎምስ ሰልችይዎ እዩ። ኣብ ቅድሚኦም ዘሎ ስርዓት ወሳንን ንረብሕኡ ዝኸውን ጉዳያት ኣዝዩ ንጡፍ ምኻኑ ዝተረድእዎ ኣይመስልን። ዲክተተራት ኣዝዮም በላሕቲን ወሰንትን እዮም። ዝሰርሕ እንተኾንይኑ ይቕጽልዎ። እንተዘይኮይኑ ይቕየሩን ሓድሽ መንገዲ ይደልዩ። ንኣብነት ሓደ ካብተን ፍሉጣት ዲከተተርነት ዝነበረን ናይ ላቲን ኣሜሪካ ሃገራት፡ ቺለ፡ ሎሚ ከም ዲቕ ዝበለት ደሞክራሲያዊት እያ ትፍለጥ። እቲ መስርሕ ዝያዳ ከሸግሮም እንከሎ፡ ካብቶም ኣብ ማዕዶ ኮይኖም ዝጽበዩ ባእታታት፡ ዲክተተራት እዮም ዝያዳ ነቲ ለውጢ ዝጥቀሙሉ። ስለዚ ድማ ከም ቺለ ዝኣመሰሉ ዲክተተር ነበር ሃገራት ይነብሩን ናይ ከባቢኦም ኣብነት ይኾኑን።

ኣብ ተቓውሞ ለውጢ ምምጽኡ ኣይተርፍን እዩ። ምኽንያቱ ብባህርይ ግዜ እንተወሲዱ ዝኾነ ነገር ክልወጥ ስለዘለዎ። ካልኦት ሃገራትን ተቓወምቶምን ተቐይሮም እዮም። ይከኣል እዩ። ማለት ኣብ ኣተሓሳስባን ምምሕዳርን ለውጢ ክህሉ ኣለዎ። እቶም ብስርሖም ከምቲ ዝድለ ዘየርብሑ እንተኾይኖም ንሕይወቶም ብዝጠቅም ሓድሽ ኣተሓሳስባ ክውስኑ ወይ ክውሰነሎም ኣለዎ። ምኽንያቱ ብውልቆም ንዝገብርዎ ናይ ሕይወት ኩነት እንተድኣ ንዝድለ ለውጢ ዘይጠቅም ኮይኑ እቶም ለውጢ ዝደልዩን ክገብሩ ዝኽእሉን ሰባት ክስከምዎ ግድነት ድዩ? ኩነታትካ ምቕባልን ምርዳእን ምውሳን ቦታን ግዜን ምስዝወሃቦ እዩ ለውጢ ዝመጽእ። ስለምንታይ እዮም ውድባት ብዛዕባ እዝን እትን ርእይቶ ዘለዎም? ቁሩብ ሕሰብ ኣቢሎም ንቕድሚትን ንድሕሪትን ብምጥማትን ምትንታንን ናበይ ከምዘምርሕን ብምግባር መጻኢ ከመይ ከምዝኸውን ከተንብሁ እንተዝኽእሉ ጽቡቕ ኔሩ። እንተሸጊሩ ኪኢላታት እውን ምዕዳም የድሊ ይኸውን። ከምቲ ሓደ ሓደ እዋን ዝበሃል ግን ብዛዕባ ናይ ስልጣን ጉዳይ ጥራሕ እንተኾይኑ ግን እቲ ሰማዒ እውን ኣይቅበሎን እዩ።

ለውጢ እኮ ናብ ሓደ ዘይተፈልጠ ማዕጾ ህሩግ ኢልካ ምእታው እዩ ዝምሰል። ንየማን ንጸጋም ኮሪዶር ኩሉ ዕጽው ድዩ ኣይኮነን፡ መንቀሳቐሲ ይርከብ ድዩ? እቲ ማዕጾ ምስተኸፍተ ግን ነቲ ዝመጽእ ለውጢ መን እዩ ዝውንኖ እዩ እቲ ሕቶ። እቶም ብዛዕባ ለውጢ ዝዛረቡ ወይ ድማ እቶም ብኩነታቶም ኣብቲ ሕመረት ለውጢ ዝጸንሑ እዮም ወነንቲ። ስለዚ ድማ ተቓወምቲ ካልኦት ብበዓቕሞም ነቲ ስርዓት ክብድህዎ እንከለዉ ክገርሞም የብሉን። ወነንቲ መርበባት፡ መንእሰያት፡ ገጠምቲ፡ ናይ ረድዮን ተለቭዥንን፡ ጋዜጠኛታት ከከም ዓቕሞም ጉዳዮም የሳልጡ ኣለዉ።

ነፍሰ ሄር የማነ “ባርያ” “ሕጂ እንታይ ይገበር?” ክብል ደሪፉ ኔሩ። ብ2014 እታ ተዛርብ ዘላ ኣርኣስቲ “እሞ ሕጂ እንታይ ይገበር?” ስለዝኾነት 20 ዓመት ድሕሪ ሞቱ እቲ ትጽቢት ጌና ከምዘሎ እዩ ዘረድእ። ድሕሪ 50 ዓመታት ኣቢሉ ዘይተመለሰ ሕቶ ሎሚ እውን ክለዓል እንከሎ ነቲ ትጽቢት የናውሖ ኣሎ። መንእሰያት ደረፍትውን ግዴኦም ብዛዕባ ሰላም ይደርፉ ኣለዉ። ወዲ ትካቦ ብዛዕባ ሰላምን ጸሊም ዝኽደና ኣደታት ንኸይህልዋ፡ ጻዊዒቱ ናብ ሰማይን ሕዝብን ይዝርግሕ ኣሎ። “ይኣኽለና እዚ ሞት ወድሞትየ…”.  ናይ ወዲ ትካቦን ናይ የማነን ደርፍታት እንደገና ክስምዓ እንከለዋ፡ እቲ ሽግር መወዳእታኡ ክኸውን ዝነበሮ ኩነት ተሰኪሙ 23 ዓመታት ከምዝሓለፈ ኣይርድኣካን። ጻዊዒት ሰላም ይቕጽል።

በዚ ሎሚ ሳላ ኢንተርነትን ምዕባለ ተክኖሎጂን፡ ኣንጻር ግፍዒ ንዝግበር ንጥፈታት ዝሕግዝ ናይ ፍልጠት ባሕሪ ኣሎ። ሰላምን ደሞክራስን ንኸተምጽእ እንተድኣ ተበጊስካ/ኪ፡ እዚ ዘይበሃል ምኽርን፡ መዛግብትን፡ መጻሕፍትን፡ እካ ድኣ ሓደ ክልተ ኢልካ ዝግበር ናይ ጂን ሻርፕ ናይ ሰላም ኣገባብ ቃልሲ ኣብ መርበብ ሰፊሩ ይርከብ። እዚ ናብ ብዙሓት ቃንቃታት ብፍላይ ድማ ናብ ትግርኛን ኣምሓርኛንን ዝተተርጎመ እዩ። ተቓወምቲ፡ ናይዚ መጽሓፍ ኣብ መወዳእታ ዝርከባ 10 ገጻት ገለ ገለ እንተኣተግቢሮም፡ እንተወሓደ ካብቲ ናይ ግዳይነት መንፈስ ንክርሕቑ ይሕግዞም እዩ። ሕይወት ቀሊል ኣይኮነን እካ ድኣ ኣዝዩ ሰፊሕን ብዙሕ ተጻብኦን ጸጋን ዝመልኦ ዝተሓላለኸ ክስተት እዩ።

ንጽበ ንእግዚኣብሔር

ምስ ኣምላኽ ንዛረብ እሞ ናይ ደብዳበታት ምጽሓፍ መደብ ነውጽእ።

እቲ ኣዝዩ ሃይማኖታዊ ዝኾነ ሕብረተ ሰብ ብፍላይ ኣብ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኣመንቲ ዝያዳ ተሳታፍነት የርኢ ኣሎ። እቶም ካልኦት ሃይማኖታት እውን ብግዲኦም ተሳታፍነት ከብዝሑ ይረኣዩ ኣለዉ። ብፍላይ መንእሰያት ኣብ ናይ እምነት ዓለም ክኣትዉን ኣብኡ መዕረፊ መንፈስ ምእንቲ ክረኽቡ እዮም ናብ ኣብያተ ክርስትያናትን ዝውሕዙ። እቲ ስርዓት ዘይርእዮን ዘይውንኖን ነገርን ሰብን ስለዘየለ፡ እቲ ኣካል እካ እንተተጎድአ እቲ መንፈስ ግን መዕረፊ ክረክብ ናብ እምነት የድህብ ኣሎ። ምኽንያቱ “ዝነገሰ ንጉስና፡ ዝበረቐ ጸሓይና” ዝብል ኣገባብ እቲ ኣብ መሬት ዘሎ ገዛኢ ኣይዓጀቦን። ምኽንያቱ ንኩሉ ሕራይ ምባል ዝያዳ ስራሕን ምግልጋልን ስለዘኸትል ዘሎ።

እቲ ዝያዳ ነዚ ጉዳይ እዚ ዘጋደዶ እምበኣር ናይ ፓትርያርክ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣብ ትሕቲ ቀይድን ማሕዪርን ምእታው እዩ። ኣቡነ ነቲ ኣብ ውሽጢ ጉዳይ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤት ክርስትያን ምትእትታው መንግስትን ሓለፍቱን ስለዝተቓወሙ እዮም ካብ ቦትኦም ተወሲዶም። እዚ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ኣብ ነዊሕ ታሪኽ ኦርቶዶክስያዊት ቤት ክርስትያን ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፍለጥን። ምእንቲ ክፍትሑን ኣብ መንፈሳዊ ስራሖምን መሪሕነቶም ክምለሱ ኣብ ወጻኢ ዝተገብረ ጻዊዕትን ሰላማዊ ሰልፍን መልሲ ኣይረኸበን። ስለዚ ድማ ኣብ ወጻኢ እቲ ቤተ ክርስትያን ናብ ክልተ ተኸፊሉ ነናቶም ኣቕሽሽትን ኣገልገልትን ገቢሮም። ናብ ኣምላኽ ምጽላይን ካብኡ ምጽባይን ይቕጽል። ክልቲኦም ወገናት ድማ ኣምላኽ ምስኦም ከምዘሎ ይኣምኑ።

እቲ ስርዓት ብወገኑ እዝን እትን ድሕሪ ምትንታን ዘዋጽኦ ምኻኑ ስለዝፈለጠ ብመሪሕነት ናቱ ዝኾኑ ፓትርያርክ ተሳተፍቲ ጸዊዑ እቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ ትሕቲ ትዕዝብቱ ስርሑ የካይድ ኣሎ። ሓደ ኣምላኽ ጥራሕ እዩ ዘሎ።

ኣቡነ መንቀርዮስ መልሲ ይህቡ

ኣብ ተለቭዥንን መርበብ ኢንተርነት ኣስተምህሮ ክህቡ እንከለዉ፡ ኣቡነ መንቀርዮስ ንኣመንቲ ብዛዕባ እግዚኣብሔርን ተርኡ ኣብ ሕዝቢ ኤርትራን ይዛረቡ። ብዝያዳ ኣብዚ ሰምዑ።

ናይ ዜና ማዕከናትን መርበባትን ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብቐጻሊ ይጽሕፉን በብዓመቱ ድማ ርእይቶታቶም የሕድስዎን ኣለዉ። 23 ዓመት ድሕሪ ነጻነት እቲ ናይ “ኣለና” ትውልዲ “በብሓደ ሰብ ወሓደ” ከምዝበሃል በብሓደ ናብ እግዜሔሮም ይኸዱ ኣለዉ። ካብቲ ናይ ጆርጅ ኦርወል ዘይሓምቕ ጠባይ ብምጥቃም እቲ ስርዓት ነቶም ተሪፎም ዘለዉ ማለት ዳርጋ ዒራ ክኸዱ እዮም ብዝብል መንፈስ ኣብ ናይ ተለቭዝን መርበባት ብምቕራብ ነቲ ኣብ ዓለም ዘደነቐ ናይ ኣፍሪቃ ዝነውሐ ውግእ ዘካየደን ዝሰዓረን ትውልዲ ታሪኽ ክትንተን ይርአ። እዚ ኩሉ እንታይ ኣምጽኦ ንዝብል ሕቶ፡ እቲ “በብሓደ ሰብ ወሓደ” ነቲ ስርዓት እውን ስለዝምልከቶ፡ ከይከደን ከተፈልየን እንከሎ እንታውነቱ ኣብ ምዕራይ ዝገብሮ ተግባር እዩ። ምኽንያቱ ካብ ናይ ዓለም ናይ እግዚኣብሔር ስለዝስዕር። ንሳቶም እውን እንተኾነ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ መክብብ 3፡20- ዝበሎ፡ “ሰብ ኮነ እንስሳ መወዳእታኦም መሬት እዩ። ክልቲኦም ካብ መሬት ተፈጢሮም፡ ናብ መሬት ድማ ይምለሱ።” ስለዚ ንሶም እውን መልእኽቶም ክስማዕ ይደልዩ እዮም። ኣምላኽ እውን እንተኾነ ንኹሉ ብማዕረ እዩ ዝሰምዕ። ምናልባት እንተድኣ በቲ ዝገብርዎ ተጣዒሶም ኣምላኽ ክምሕሮምን ሕይወቶም ዝያዳ ከናውሐሎም ይኽእል ይኸውን ዝብል እምነት ኣሎ።

መርበባትን ስልክን ጽሑፍን ኣብ ዝዓዘዘሉ እዋን ዝሕባእ ነገር የልቦን። ኣብ 70ታት ዴሳውያን ስርዓታት ተዓዊቶም ስልጣን ምስሓዙ እቲ ሕዝቢ መተንፈሲ ክረክብ ምእንቲ ገለ ገለ ሕድገታት ይገብሩ ኔሮም። እዛ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ እትገርም ሃገር ግን እዚ ዝወሓደ ተግባር እውን ንሕዝባ ኣይትህብን። መሬት ናታ፡ ባሕሪ ናታ፡ ሕዝቢ ናታ፡ መንእሰይ ናታ፡ ኩሉ ጌርካ ኣብ ዓለም ዘይነበረ ዓይነት መንግስቲ ኣብ መሬት ንኽህሉ ትፍትን ዘላ ንበይና ዓይነት ፍጥረት እያ።

ኣብቲ ዝካየድ ማእሰርትን ምጥፋእን ምብስባስን ንዜጋታታ ዘለዋ ግሁድ ንዕቀት ይረአ። ነተን ደቂ ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ካብቲ ዝሓለፈ ናይ ተጋደልቲ ነበርን ኣንስትን ተደናገጽትን ኣደታትን በዓልቲ ቤትን ይኹና ውሽማታት፡ ከም ገለ ክብላ ወጺአንኦ ንበል። ኣብቲ ግዜ ገድሊ ዝነበረ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ዕብለላን ምስኡ ዝኸይድ ዓመጽን ከም ገለ ሓሊፈንኦ ክኾና ይኽእላ። ናይዘን ዝሓለፈ ከይእክል እቲ ጉዳይን ዕብለላን ናብተን ሓደስቲ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ተመሓላሊፉ ናይቲ ስርዓት ቀጻልነት ዘረጋግጽ መስርሕ ወሪሰን ንኽቅበላ ይግደዳ።

“ለሚጹ ኢልካዶ ተመን ትቕነት?” ይብል ምስላ ኣቦታት። እወ። ትቕነትን ፈረቓን። ስለዝለመጸ ኣብ ናይ እዋናዊ ፋሽን ተቐባልነት ይረክብ። እታ ናይ መፈለምታ ጋል ኣንስተይቲ ሄዋን ብተመን እያ ተታሊላ። ስለዝኾነ ድማ ወዲ ተባዕታይ ከም ሰብ ንኽነብር ተረጊሙ። እግዚኣብሔር ድማ ንክልቲኦም ካብ ገነተ ኤደን ሰጎጎም። እቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዘሎ ኣምላኽ ካብቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን ይፍለ እዩ። ናይ ሓድሽ ኪዳን እግዚኣብሔር መሓርን ሰላማውን እዩ። ስለዝኾነ ድማ ኩሎም ደቅሰብ ክመሓሩ ምእንቲ ሓደ ወዱ ንሞትን መግረፍትን ሃበ። ኣብ ዮውሃንስ 14፡ 27-28 “ሰላም እሃድገልኩም ኣሎኹ። ሰላመይውን እህበኩም ኣሎኹ። እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘሎኹስ ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኮነን፡ ኣይትሸበሩ፡ ኣይትፍርሁ”ይብል።

ኣብ መደምደምታ ኣምላኽ እንተድኣ ናብ ሰላምን ፍቕርን ዝወስድ መንገዲ ዝመርሕ ኮይኑ፡ እቶም ተላኣኽቲ መልእኽቶም የብጽሑ ኣለዉ። ናይ እግዚኣብሔር ቃላት ስለዝኾነ ድማ ናይ ማንም ፍቓድ ኣየድልዮምን እዩ። ምኽንያቱ መልእኽቶም ንጸላኢኻ ከም ነፍስኻ ፍተዎ እዩ ዝብል ቃል ኣምላኽ። ምእንቲ ነፍሳቶም ድማ ጸሊ። ኩሉ እቲ እግዚኣብሔር ዝበለካ እንተጌርካ እሞ ዘይሰሊጡካ መስቀልካ ብስም ኣምላኽ ተሰከሞ። ምእንቲ እምነትካ ድማ ተሰዋእ። ሃዋርያ ጴጥሮስን ጳውሎስን ክሳብ ሮሜ ከይዶም መልእኽቶም እናብጽሑ እዮም ተሰዊኦም።

ቄሳር እንታይ እዩ ዝደሊ? እንታይ ከምዝደሊ እንተንፈልጥ ምደሓንና።

ኣብ ወንጌል ማርቆስ 12፡16-17 ኢየሱስ “..ነቲ ዲናር ክርእዮ ኣምጽኡለይ’ በሎም። ንሳቶም ድማ ኣምጽኡሉ። ንሱ ኸኣ መልክዑን ጽሕፈቱን ናይ መን እዩ’ በሎም። ንሳቶም ድማ ‘ናይ ቄሳር’ በልዎ። ኢየሱስ ከኣ ‘እምበኣርሲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ድማ ንኣምላኽ ሃቡ’ ኢሉ መለሰሎም። ቄሳር እምበኣር ብዙሕ ነገራትን ሕይወታትን ኣብ ኢዱ ኣለዎ። ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ብነጻ ዝሰርሑ ገላው ኣለውዎ። መንገድታት፡ ኣብያተ  ትምህርቲ፡ ቪላታት፡ ዲጋታት ኩሉ ኣብ ልዕሊ ሕቖ ደቂ ነጻነት እዩ ዝስራሕ ዘሎ። ኣብቲ ናይ መንፈሳዊ ጉዳይ ግን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ብዘይሓሰበቶን በቶም ሓንጎፋይ ኢላ ዝተቐበለቶም ኮንጎ ጫማ ዝወደዩ ደቃ ትረገጽ ድኣምበር ጌና ናብ ኣምላኽ ተእዊ ኣላ።

ብኣስታት 1997 ኣቢሉ ብዛዕባ ሃይማኖት ክርስትና ዝወጸ ዋዛ ነበረ። “ኩሉም ክርስትያን ኤርትራውያን ሃይማኖቶም ክመርጹ ተዓዲሞም። እቲ ቁጽሪ ምስተቖጽረ ኩሎም ኣብ ናይ ከኒሻን ኦርቶዶክሲያዊት ቤተ ክርስትያን ተመቒሎም። እቶም ካቶሊክ ኣብ መንጉኡ ተሸሪቦም።” እዚ እዩ እቲ ሓቂ ህላወ ናይ ኤርትራ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን። ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ካቶሊካውያን እናበዝሑ ክኸዱ እንከለዉ ኣብ ኤርትራ ግን ይትረፍ ክበዝሑ፡ ነቶም ዝሞቱን ዝወጹኡን እውን ክትክእዎም ኣይከኣሉን። ኦርቶዶክሲያዊት ቤተ ክርስትያን ዝመጸ እንተመጸ ብዝሒ ስለዘለዎም ኣይክውሕዱን እዮም። እቶም ከኒሻ እምነቶም ኣብ ውልቃዊ ርክብ ምስ ኣምላኽ ስለዝምርኮስ እዚ ዘድልዮም መንእሰያትን ካልኦትን ነዚ ብሓድሽ ዓይኒ ስለዝርእይዎ ኣብኡ ንኽኣትዉ ይድረኹ እዮም።

ኣብ መወዳእታ፡ መጽሓፍ እዮብ 1፡21 ከምዝብሎ “እግዚኣብሔር ሃበ። እግዚኣብሔር ድማ ወሰደ”። ኣየናይ እዩ  ናይ ኣምላኽ፡ ኣየናይ እዩ ናይ ሰብ ክንፈሊ ኣለና። ስለዚ ነቲ መልእኽተኛ ኣይትተኩሱሉ። እዚ ካብ ምዕራባዊ ታሪኽ ዝመጽአ ብሂል እዩ። መልእኽተኛ ድኣ እምበር ናይዚ ኩሉ ዝትንተን ዘሎ ሓላፍነት የብሉን። ምኽንያት ኣብቲ ከባቢኡ ዝበሃል ዘሎ እዩ ዝነግር ዘሎ።


 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...