መንእሰይ ኤርትራ፡  ኣቕልብ

ምልካውያን ስርዓታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝተፈላለየ ደረጃ  ግፍዕታት  ከውርዱ ከምዝጸንሑን የውርዱ ከምዘለውን ኣብ ናይ ታሪክ መጽሓፍ ዝተሰነደን ዋላ ሕጂውን እንርእዮ ዘለና ፍጻመ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ዝፍጸም ተግባር  ንግዝያዊ  ረብሓ ስልጣን  ተጻባኢ ንምእላይ ዝግበር  እምበር ንህዝቢ  ንሓዋሩ ንምጥፋእ ኣይትግበሩን። እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ግና ተግባራቱ  “ን ኤርትራ ከም ሃገር ኣነ ኣምጺአ ያ ኣነ ሒዘያ እየ ዝጠፍእ” ዝብል መርግጺ ሒዙ ንጥፍኣትና  ዘንቀደ ስርዓት ምዃኑ  ኣብ ሓደ ቀጸላ ሕብረተስሰብ ኣውሪድ ዎ ዘሎ ማህሰይቲ ን  እቲ ቀንዲ ግዳይ ኮይኑ ዘሎ  ክፋል ሕብረተሰብ  ዕማሙ እንታ ምዃኑ  ክገልጽ ክፍትን እዩ።

ስደተኛታት ኤርትራውያን አብ እስራኤል

እዞም ሎሚ ኣብ መሪሕነት ካብ ማሕረዲ  ኢሳይያስ  ሓሊፎም ኣብ ስልጣን ዘለዉ  ንዑኡ ወሲክካ     ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዝተሳተፉ ኣብ ግዜ ንእስነቶም እዮም ዋላ ንስርዓት ሃይለስልሰ  ካብ ስልጣኑ ነቕነቅ ዘበሎ ሓይሊ ንስርዓት መንግስቱ ካብ መንበሩ ዝኣለዮ  ሓይሊ ብመንእሰያት ዝተበገሰ  ዝተቐለሰ ዝተገብረ  ምንቅስቓስ እዩ።  መሪሕነት ኤርትራ  ነቲ ታሪኻዊ  ክውንነት ኣብ ግምት ብምእታው  ኣዝዩ ስልታዊ  ብዝኾነ ኣገባብ ዋላ ነቶም ሃገራውያን ብዘጋጊ ኣገባብ  ክብድሆ ዝኽእል  ሓይሊ-መንእሰይ  ኣብ ምድኻም እጃሞም ከምዘበርክቱ  ብምግባር ዝኾነ   ንመሰል ንፍትሒ ዝቐረበ ህዝባዊ ጠለብ ኣብ ምቑጻይ ኢዶም ከምዝሕውሱ ብምግባር ድምጾም ከይስማዕ   ጥራሕ ዘይኮነ ከም መጻኢ ስግ ኣት ተሓሲቦም ኣብ ቀጻሊ ዕላማ ኣትዮም  ከምዝዳኸሙ  ገይሩ  እዩ።

  1. ዝኽሪ

    ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ  ዝኮነ ክሊ ዕድመ 16  ዓመት ዝሰገረ  ካብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ  ከም ትሑዝ  ወትሃደራዊ ዓቅሚ ሰብ  ይቑጸር  ከምዝነበር ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። እቶም ኣብኡ ዝወዓሉ ድማ  ዝያዳ ዘብርህዎን ዝምስክሩሉን ጉዳይ እዩ። ድሕሪ ሓርነት ሃገርና  እዞም ኣብ ልዕሊ እዚ ክሊ ዕድመ ዝነበሩ መንእሰያት  ከም ዕቑር ዓቅሚ ተሓሲቦም ተታሒዞም ከምዝበነሩ ከም ርዱእ ተወሲዱ  ንተጋዳላይ ኣብቲ እዋን ብዙሕ ዝመስል ዝነበረ ግና ውሑድ ገንዘብ  ክወሃቦም ምስ ጠለቡ ዝተዋህቦም መልሲ “ ሰውራ የዕቍቡኩም እዩ ነይሩ።”እዚ ከይኣክል እዞም  መንእሰያት  ብዛዕባ መሰሎም ሕቶ ስለዘቕረቡ ጥራሕ ከም ስግኣት ተወሲዶም፡ ካብ መኣዲ ትምህርቶም  ን ሓደ ዓመት  ብስም ሓገራዊ ኣገልግሎት  ናብ ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ተወዚዕም፡ እዚ እዋን ጽባሕ ሓርነት ስለዝነበረ ኩናት ኣይነበርን፡ ዝስራሕ ዕማም’ውን ኣይነበርን ምስ ጽባሕ ናጽነት ዝነበር ፈንጠዝያ ኩሎም መንእሰያት ኣብቲ ንኡስ ዕድሚኦም ቱምባኾ ሰፈፍቲ ሽጋራ ዝትክኹን ውሉፋት ናይ ኣልኮን ኮይኖም መጺኦም። እቲ ዕላማ ነቲ ቁጣባዊ ጠለብ ዘልዓለ መንእሰይ ኪነሚን  ንምግባር ዝዓለመ  መደብ እዩ። ብኣጋጣሚ ነቲ ንኽርኢ ዕድል ስለዝረኸብኩ ኣብቲ ካብ እዋን ካብ ሓለፍቲ ሓደ ንዝነበረ ሕጂውን ኣብ ስልጣን ንዘሎ ሰብ ተወኪሰዮ፡ ዝሃበኒ መልሲ” ተመሃሮ  ቤት ትምህርቲ ሰውራ ካብ ኣብ በረኻ ስለዝዓኣበዩ፡ ምእንቲ ህዝቦም ክፈልጡ  ዝወጸ መደብ እዩ።” ክብል መለሰለይ። ኣነ ድማ ህዝቦም ምእንቲ ክፈልጡ እንተኾይኖም ናብ ኣቦሓጎታቶም ዘለዉዎ ዓዲ ስለምታይ ዘይተወዝዑ ዝብል በዳሂ መልሲ ምስ ሃብኩዎ፡ ዓዲ  ዘይኮነ ሃገር ክፈልጡ ኢና ንደሊ  ዝብል  “ ትንፈር እምበር ጤል እያ” ዘስምዕ መልሲ ሃበኒ።

  2.  ኣብ መጀመርታ 90’ታት ክረምታዊ ማእቶት ተመሃሮ ከም ዓቢ ሃገራዊ መደብ  ተታሒዙ  ኩሎም መንእሰያት  ንማእቶት  ከምኸዱ ይግበር  ነይርይ። እንታይ እዩ? እንታይ ከ ኣፍርዩ?

    ዋላ  ዕላማ  ናይቲ መደብ መንእሰያት ምስ ምራሕ ምልላይ እኳ እንተተባህለ ፡  ኣብ ንኡስ ዕድመ  ንዘለዉ መንእሰያት (ካብ ክልቲኡ ጾታ)  ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ኣኪብካ  ካብ 4-5 ብዘይበዝሑ መማህራን ምእላይ ማለት  ትርጉም   ማዩ ስትይ ንዝበለ ርዱእ’ዩ። ኣ’ብቲ እዋን ሓደ ሓኪም  ኣፍልጦኦም ንምፍታሽ መጽናዕቲ ኣካይዱ ከምዝነበረን ውጽኢቱን ድማ ሓቢርኒ ዘይሩ ዳርጋ 40% ካብቶ መንእሰያት ፍኑው ጾታዊ ከምዝፍጽሙ  ከምዝሓበሩ እቲ መጽናዕቲ ይሕብር። ዋላ ነቲ መደብ ብእወታ  እንተረኣናዮ ኣብ ዝሓለፉ  20 ዓመታት እቶ ፈለምቲ ዝኾነ ዝተራእየ ለውጢ የልቦን።እቲ ዕላማ ንመንእሰይ ብሩሱን ናይ ጾታዊ ርክብ ድልየት ተሸሚሙ  ቁም ነገር ዘይገብር ሰብ ንምስራሕ እዩ።

  3. ልክዕ ከም ግራት ቀሪም ጥረ ዝነበረ  ጣፍ ቀሪም ጣፍ ዝነበር መሸላ ቀሪም መሸላ ዝነበር   ጥረ ዝቀያየር፡ስርዓተ ትምህርቲ ሃገርና  ኣብ ዘይተወሰነ ዓመትታት ውዱን ብዘይኮነ  ኣካይዳ ስርዓት  ቅጥዕታት ክቀያየር ጸኒሑ ።እቲ ክግበር ዝጸንሐ ምቅይያር ብዘይ ዝኾነ እኩል መሳልጠያን   ተወሳኺ ደገፍ (ነቲ ሞተር ትምህርቲ ዝኾነ)  መምህር ክቀያየር ጸኒሑ እዩ። እቲ ዕላማ  ስነፍልጠት ዝዓጠቐ ነብሰ ምትእምማን ዘለዎ ዜጋ ምፍጣር ዘይኮነ  ብዘይካ ቋንቋ ኣደ ካልእ  ቋንቋ ዘይፈልጥ  ካብ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ጥራሕ ሰሚዑ ዝሓድር ዜጋ ምፍጣር እዩ። እዚ ድማ ናይ ብሓቂ ተዓዊቱ።እስከ እቶም ኣብ ሃገር ዘለኩም  ድሓናይ  ኣይራኹሞን ኣይሰማኹሞን፡፡ እቶም ኣብ ሱዳን ኣብ ስደት ዘለኩም  ቋንቋ ዓረብ ስማዊ ናይ ስራሕ/ ወግዓዊ ቋንቋ ተባሂሉ ከብቅዕ ካብ  ድሕሪ ናጽነት ትምህርቲ ፈሊሙ ትምህርቲ ካል ኣይ ደረጃ ዝዛመ   ክንደይ ካብ ኣቶም እዮም ዓረብ  ዝዛረቡ? ናብ ደቡብ ሱዳን ኬንያ ዩጋንዳ ኣብ  ነብስኹም ከተድሕኑ ካብ’ዚ ስርዓት ኣብ’ዘን ሃገራት ተዓቘብኩም ዘለኩም ምልከት ቋንቋ እንግሊዝ እንታይ ይመስል? ብሰንኪ ሕጽረት ቋንቋ  ዘጓነፈኩም ጸገም እስከዘክርዎ።ክንደይ  ብላዕ ሂብኩም? ክንደይ ተገፊዕኩም?

  4. ኣብ ሳዋ  ካብ መጀመርታ መዓልቲ ጀሚርካ ዝግበር  ተግባራት  እቲ መንእሰይ  ብምርዓድ ንነብሱ ሚዛን  ዋጋ ከምዘይህባ ብምግባር  ርእሱ ኣድኒኑ ዝተባህሎ ዝሰምዕ እምበር ክሓስብ  ከስተንትን ስለምንታይ?   ከመይ?  መን?  ንመን? ዝብል ሕቶታት ዘየቕርብ    ሕልንኡ ዝዓረቦ መንእሰይ  ምህናጽ እዩ።

    ንኣብነት ኣብ ሓደ እዋን ኣብ  ሳዋ  ዝቐረበት ናይ መድረኽ ድራማ እክልቲ  ገላጺትን ኮይና ትስምዓኒ። እቶም ናይ መጀመርታ  ሃገራዊ ማእከል ሞያዊ ስልጠና (ሃማሞስ) ተመረቕቲ ዝተመረቑሉ  መዓልቲ ዝቐረበት  ናይ መድረኽ ድራማ ብምንዋሕ ጊዜ ኣርእስታ እኳ እንተዘይዘከርኩዋ ደራሲኣ ዘርእሰናይ ተስፋይ ከምዝነበር ኣይርስዖን እየ።ድሕሪ እቲ ናይ መመረቕታ ጽንብል እቶም ተመሃሮ ናይ 12ክፍሊ  መልቀቒ  ውጽኢቶም ዝንገሩሉ እዩ ነይሩ፡ እቲ ዋና ባህርይ ናይ’ታ ድራማ  ካብ ዝበሎ ክጠቅስ” እዚ ኣብ መመረቕታ ዝግበር  ጸሊም ቆቢዕ ኮነ ክዳን ትምእርቲ  ትዕቢትን ትምክሕትን ስለዝኾነ ኣይወድዮን እየ “ ይብል።እስከ ሰማዕቲ ኣስተውዕሉ 12 ተማሆሮም ሓሊፍና  ኮለጅ ክንኣቱ ኢና ኢሎም ተስፋ ዝገብሩ መንእሰያት ፡ እዚ ኣየድልየኩምን እዩ ዝብል ድራማ ምስ ሰምዑ ውጽኢት መርመርኦም ይሕበሮም።!! እንታይ እዩ ቋንንቁኝ ኡ?

  5. ኣብ 2002 ን 2003ን  ብኣሻሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት ብማህደር ትምህርቲ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከዶም ከምዝነበሩ ኣቶም ኣብ’ቲ እዋን ልቢ ዝገበርና ሰባት ንዝኽሮ ፍጻመ እዩ። መራሒ ሃገር ተባሂሉ ምስዚ ዘሎን ናይ ዓውለማ መንእሰያት ደገ ወጺኦም ከይተርፉ  ከቀባጥር ኣብ ክንዲ ዝኸይድ፡ “ሳላ ኢንዲኖ ፊሊፒኖ ዓቕሚ ሰብ ብገንዘብ ስለዝጥረ  ዋላ ኣይትምጽ ኡ ኣይተድልዩናን ኢኹም”  ቢሉ  ብዝወጽዋ ከምዝተርፉ ገበሮም። እቶም ብኒሕ  ዋላ ዝኣተዉ ድማ  ምስ ሞዮም ዘይሳነ ካብ  ዓቕሞም ንታሕቲ ዝኾነ ስራሕ ምስተዋህቦም ኣንጸርጺሮም። ከይዶም። ሓንቲ ኣብነት ክጠቅስ ነዚ ትምልከት፡፡

ብዓል መዚ ናጻ ዞባ ካብ ዝብሃል  ሓያለ ዓመታት ኣቑጺሩ  ካብ ቁጠባ ክኢላታት ኣብ’ቲ ቤት ጽሕፈት ተመዲቦም። ዝሰርሑዎ ዘይብሎም ኣብ ቤት ጽሕፈት ከም ዝተዘርዓ ማል  ተዳጒኖም ይውዕሉ፡ ምስ መሰየ ድማ  ናብ ቤቶም ይኸዱ፥ ነቲ ሓላፊ “ ንሕና  ክንሰርሕ ኢና መጺና ስራሕ ሃበና “በልዎ ።  ዓሰብን ተሰነይን  ናብ  ናጻ ዞና ክሰጋገራ   እንታይ ከምዘድልየን  መጽናዕቲ ክገብሩውን  ተኣዚዞም። ድሕሪ ሓያለ ኣዋርሕ ጸብጻቦም ምስ ኣቕረቡ  ሕጅውን ሕቶ ኣቕሪቦም ። ዝተዋህቦም ተወሳኺ ዕማም ከተማ ድባርዋን ከተማ ደቀምሓረ ከም ዱባይ ናጻ ዞባ ክኾና እንታይ ከምዘድልየን መጽናዕቲ ክገብሩ ተኣዚዞም። እዚ ነቲ ክሰርሕ ዝብል ኒሕ ንምዕራብ ዝተተገብረ  ሸርሒ እዩ።እቶ ክኢላታት ዳርጋ ኩሎም ሰብ 2 ዲግሪ ሃገሮም ገዶፎም ስግረዶ ወጺኦም።

መንእሰይ ኤርትራ ካብ’ቲ ኣብ እንግድዑ ዘሎ ኣርዑት መግዛእቲ ነብሱ ከጋናፍ  ነፊጹ ምስ ወጸ  መደብ ክሰርዕን  ማእዘን ሂወቱ ከመዓራሪ እቲ ኣብ ሃገር ከሎ ዘጓነፎ ስነእእምሮኣዊ  መግርፍቲ ከፍቅደሉ ስለዘይከኣለ፡  ዉሑድ ዘይብሃል መንእሰይ ዋላ ካብ ትእዛዝ ስርዓት ኢሳይያስ ናጻ እንተወጸ ኣብቲ ዘዕቁቡሉ ቦታ ንመጻኢ ሂወቶ ዝኸውን  መደብ ክሰርዑ ኣይከኣሉን።ውዕሎታት መንእሰያትና  ኣብ ካርቱም ካምፓላ ጁባ እንታይ ከምዝመስል ቁሩብ ወስ ኪብል።

  1. ጀሪፍ ወይ ሰሓፋ ዘለጥ (ካርቱም )

    ኣብ ሓደ ገዛ  ካብ 5-8 ዝኾኑ ብሓባር ኣብ ምድሪ ሰሌን ወይ ፍርናሽ ዘርጊሖም ይድቅሱ። እዚ እወታዊ ናይ ምትሕግጋዝ ባህርይና ክኸውን እንከሎ በቲ ሓደ ሸነኽ ዋላ  እቲ ኩነታት ንኩር ይኹን እምበር ቋንቋ ዓረብ ክመልኽ ዝፍትን ውሑድ እዩ። እዚ ጥራሕ ከኣክል ኣርፊዶም ተንሲኦም ፡ ኣብ እንዳሻሂ ውዒሎም፡ ናብ ደገ መቕርቦም ዝሰደዱሎም ሰልዲ ልከመይ ከምተ ኣኻኽሉ እምበር ካልእ ዝሓስብዎ ዕላማ የብሎምን።

  2. ካሳንጋ፡ ናጃናኩምቢ ፡ካባላጋላ፡  ናሉኮሎንጎ፡ ኦልድካምፓላ ፡ ( ካምፓላ )

    ሕጂውን ካብ’ዞም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት  ዳርጋ 90%  ዝኾኑ ስርሕዎ የብሎምን። ብደገፍ መቕርብ ዝንቀሳቐሱ፡ ሰዓት 11 ቅድሚ ቀትሪ ካብ ምድቃሶም ይትንስኡ። ፋዱስ  ይቆርሱ፡ይምስሑ። ሰዓት 4 ድሕሪ ቀትሪ  ቡን ይሰትዩ። ክሳብ ሰዓት 2-4 ፊልም ይርእዩ። እቲ ሂወት ብክምዚ ይቕጽል። ዳርጋ መብዛሕቶም ቋንቋ እንግሊዝ ምልከት የብሎምን።መጽሓፍ ኣየንብቡን፡ ብዛዕባ መጻኢ ሂወቶም ዝሓንጸጽዎ መደብ የብሎምን።”ፕሮሰስ ኣሎኒ”’። ዝብል መደብ ጥራሕ እዮም ዝዛረቡ። ዋላ ንዓኣ ከሳልጡ ወይ ወዝቢ ሓሚሞም ናብ ሓኪም ክኸዱ እንከለዉ፡ ቋንቋ እንግሊዝ ዘስተርጉም ሰብ ደልዮም ምስ መሰነይትኦም ይኸዱ። እዚ ከምዚ ዓይነት ሂወት ን ዓመታት ይኸዱሉ ኣለዉ። ዋላ ኣብ ኢንተርነት ኣትዮም’ውን ሓሳቦም ክገልጹ ዘይክእሉ መንእሰያት እዮም። ዕላማ  እቲ ስርዓት እዚ  እዩ  ድማ ተዓዊቱሉ ድማ።

  3. ጁባ -ደቡብ ሱዳን

    ኣብዚ ቦታ ካብ ቲ ካልእ ቦታ ስደት  ብዓይኒ ቁጠባ ኣብ’ዚ ዘሎ ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ (እቲ ዝበዝሐ መንእሰይ)ኣብ ድሓን ኩነታት ይርከብ። እቲ ጸገም ግና እቲ መንእሰይ ሃገር ከምዘለዎ ስለዘይሓስብ” ነታ መዓልቲ  ጥራሕ ከምዝነብር ገይርዎ ኣሎ።እዚ ዘጓነፎ መንእሰይ ብዘጓነፎ ስነኣእምሮኣዊ ምስገንዘቡን ጥዕንኡን ክበኣስ ይውዕል ኣሎ።

እዚ ካብቲ  ብዙሕ ውሑድ  እዩ።እቲ ኣገዳሲ ጉዳይ  ጸገም ምጽዋይ ምዝርዛር ዘይኮነ ነቲ ኣጓኒፉ ዘሎ ጸገም ብከመይ ይበዳህ? ዝብል ሕቶ ምምላስ እዩ።

ነዚ ሕቶ  ምምላስ ማለት  ኣንጻር ኢሳይያስ  ሓደ ግንባር ምኽፋት ምዃኑ ተረዲእና   ማእዘን ሂወትን ክንቅልስ ኣካይዳና ከነተዓራሪ ይምሕጸን።

ብዛዕባ እንታይ ይሓይሽ  ንዝብል መልሲ፡ ክኢላታት ማሕበራዊ ሂወት ክኢላታት ስነልቡና    ሞያዊ ምኽሮም ወስ ክብሉ ይሓትት።

ዶክተር  ቅዱሳን ገብረሚካኤል

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...