ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን
ውልቃዊ ትዕዝብቲ
ታደሰ ኪዳነ በርሚንግሃም
መበል 16 ክፋል 19/12/2013

 

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ ድማ ጽባሕ ንኸይድገም ውሕስነት የብሉን። ንነዊሕ እዋን ስለ ዘይተዘርበሉ መሊሱ ክገድድ እምበር፣ ትም ምባልና ዘምጽኦ ፍታሕ የለን። ፖለቲካዊ ባህሊ ህዝብና እምበኣር፣ ናብቲ ናይ ትማሊ ዘይኮነስ፣ ናብቲ ናይ ቅድሚ ትማሊ ክምለስ ኣለዎ።

 

ጠንቂ ናይዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ፍልልያት ድማ፣ እቲ ከተማዊ ናይ በጋሚንዶ ጠባይ ሒዙ ዝዓበየ ጉጅለ፣ ነቲ ሓቅነትን ግርህነትን ዝመለለይኡ፣ ብዙሕ ተንኮላት ዘይፈልጥ ካብ ገጠራት ዝተሰለፈ መንእሰይ ከታልል ምኽኣሉ ኢዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ክፋል ናይ ጽሑፈይ፣ “ካብ ኩሎም ነቲ ግምባራት ዘወሃህዱ ዝነበሩ፣ ነንሕድሕዶም ዝቀራረቡ ላዕለዎት መኮነናትን ፕረዚደንት ባዕሉን፣ ዋላ ሓደ ሓላፍነት ናይቲ ፍሽለት ዝወሰደ ሰብ ከም ዘይነበረ። ብኣንጻሩ ኣብ ኣመራርሓ ናይቲ ኲናት ኢድ ዘይነበሮም ‘ድኽመታትና ንገምግም’ ዝበሉ ሰበ-ስልጣን፣ ብዘይፈጸምዎ ገበን ክሕተቱ ተዓዚብና። ጉድለታቶም ንግዳም ከይወጽእ ዝዓብጡን ዝሰታተሩን፣ ብስጋን ዓድን ዝቀራረቡ ደቂ ሓደ ከባቢን ንሶም ዝሓረይዎም ሰባትን፣ ብጻዕቂ ኣብ ቀንዲ ሓላፍነት ምቕማጥ እምበኣር፣ ንረብሓ ብምሉኡ’ቲ ህዝብን ረብሓ ሃገርን ዝዘርግ ኢዩ” ብምባል’የ ተፋንየኩም።

“ካብዚ ተበጊሰ ድማ ነቶም ዕምሪ ህግደፍ ንምንዋሕ ዝሰርሑ ዘለዉ ደገፍቱን፣ ንኣወዳድባ ደምበ ተቓውሞን ዝምልከት ሕጽር ዝበለ ርእይቶ ከቕርብ” ምዃነይ ገሊጸ ነይረ። እቲ ጽሑፍ ስለዝነውሐ ግን ኣንባባይ መታን ክከታተሎ፣ እቲ ንደገፍቲ ህግደፍ ዝምልከት ንበይኑ፣ ንደምበ ተቓውሞ ዝምልከት ድማ ንበይኑ ከቕርቦ ዝሓይሽ ኮይኑ ስለዝተሰማዓኒ፣ በበይኑ ከቕርቦ መሪጸ ኣለኹ።

….. መቐጸልትኡ ድማ ይስዕብ

ሓበሬታ ንደገፍቲ ህግደፍ (‘ንሕና ንሱ፣ ንሱ ንሕና’)

እዚ ‘ንሕና ንሱ፣ ንሱ ንሕና’ ዝብል ጭርሖ፣ ብገለ ደገፍቲ ህግደፍ ክጭራሕ ዝሰማዕናዮ ታሪኻዊ ጥቅሲ ኢዩ። ሃንደስቱ ብመደብ ዘቀናበርዎ፣ ጨራሕቱ ግን ትሕዝቶኡ ብዕምቈት ከይተረድኡ ዝደጋገምዎ ጭርሖ ድማ ኢዩ። ንሃንደስቱ ብቓልዕ ንቃለሶም ስለ ዘለና፣ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዕዞ የራኽበና ንብሎም። ንጨራሕቱ ግን እዚ ዝስዕብ ሕውነታዊ ማዕዳና ንልግሰሎም።

ብርግጽ ንስኻትኩም ንሱ ኣይኮንኩምን። ንሱ ግን ህላዌኡ ኣባኹም ኢዩ ዝምርኮስ። ዕድመ ስልጣኑ ብእትህብዎ ደገፍ ይናዋሕ ወይ ይሓጽር። ንስኻትኩም ትማሊ ነይርኩም፣ ሎሚ ኣለኹም፣ ጽባሕ’ውን ክትህልዉ ኢኹም። ዘረባኹም እምበር ውሽጣዊ ስምዒትኩምን ረብሓኹምን ካባና ዝፈሊ የብልኩምን። ንሕና’ውን ብዘይ ናትኩም ደገፍን ተሳትፎን ርግኣት ዘለዎ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክንተከል ዘይከኣል ኢዩ። ብኸምኡ ከኣ ኢና፣ ኣብ ምትካል ቅዋማውን ዲሞክራስያውን ስርዓት እጃምኩም ከተበርክቱ እንብህግ።

ሕጂ’ውን ብርግጽ ንስኻትኩም ንሱ ኣይኮንኩምን። ንሱ እቲ ገበነኛ፣ ንሱ እቲ ሃገርን ህዝብን ዝብትን ዘሎ፣ ንሱ እቲ ጠንቂ ስደትን ዝኽትምናን ኢዩ። ንስኻትኩም ግን ግዳያት ድኣ’ምበር፣ ናይቲ ገበን ተዋሳእቲ ኣይኮንኩምን። እታ ኣብ ሲናይ ዝተሳቐየት ሓፍትኹም፣ እቲ ኣብ ባሕሪ ዝተዋሕጠ ሓዉኹም፣ እቲ ንቡር ሓዳር ከይገበረ ዝኣርግ ዘሎ መንእሰይ ወድኹም ኢዩ። ጠንቂ ናይ’ዚ ኩሉ ድማ ንሱ እምበር ንስኻትኩም ኣይኮንኩምን። ንሱ ጽባሕ ንጉሆ ከም በዓል ሳዳም፣ ሙባረክ፣ ቀዛፍን መዛንኡን ኣብ ሕጊ ክቐርብ ኢዩ። ንስኻትኩም ሽዑ ከሰስቲ እምበር ተሰከምቲ ገበናቱ ኣይኮንኩምን።

ንሱ ሃገር ዝብትን ኢዩ፣ ንስኻትኩም ግን ኣሕዋትን ኣካል ናይቲ ዝብተን ዘሎ ህዝብን ኢኹም። ብዝኾነ መንገዲ ንስኻትኩም ንሱ ኮንኩም ተሰከምቲ ገበናቱ ክትኮኑ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ንሱ ንኣሕዋትኩም ‘ዓጋመ’ እናበልኩም ክትጻረፉ ሚዒዱኩም። ብስም ‘ጀሃድ’ ሰባት ከተቋናጽቡ ምሂሩኩም። ‘ትርፍራፍ ቅያዳ ኣል ዓማ’ እናበልኩም ኣሕዋትኩም ክትድህሉ መኺሩኩም። “ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት መንግስቲ ንሕና ሓለፍቲ ስለ ዘለና፣ ቀኒኦሙልና ኢዮም ዘዕገርግሩ ዘለዉ” እናበለ ከነሃህረኩም’ውን ይስማዕ ኢዩ። ገለ ካባኻትኩም’ውን ‘ጽሩያት ኤርትራውያን’ ብምባል ነብሶም ክውድሱ ሰሚዕና። ‘ብኣጃክስ’ ዲዮም ‘ብላክስ’ ተሓጺቦም ኣይንፈልጥን። ብዙሓት ካባኻትኩም ንማዕዳታቱ፣ ምኽሩን ትምህርቱን ሰሚዖም መሰል ምስ ዝሓተቱ ኣሕዋቶም ተባኢሶም ኢዮም። ካብ ጽልእን ቅርሕንትን፣ ግዝያዊ መንፈሳዊ ዕግበትን ሓሊፉም ግን ዝረኸብዎ ፋይዳ የለን።

‘ንሕና ንሱ፣ ንሱ ንሕና’ ስለ ዝበልኩም፣ ሓለፋ ካልኦት ኣሕዋትኩም ካብን ናብን ኤርትራ ትመላለሱ ኣለኹም። ብዙሓት ካባኻትኩም ምስ ሓለፍቲ ህግደፍ ብዘለዎም ቅርበት፣ ኣብ ኣብያተ-መንግስቲ ኣትዮም፣ ጉዳያቶም ከይተጸገሙ ዘሳልጡ ይህልዉ ይኾኑ። ኩሉ’ዚ ግን ኣብ ሓደ ቅዋማዊ ስርዓት ብሕጊ እትረኽብዎ ተራ መሰል እምበር፣ ብሰበ-ስልጣን ዝወሃብ ትኳቦ ወይ ጉንዖ ኣይኮነን። ገለ ሰበ-ስልጣን ኣዝማድኩምን መቕርብኩምን ስለ ዝኾኑ፣ ንዓኣቶም ንዘይምቕያም ጸግዒ ህግደፍ ዝሓዝኩም’ውን ኣለኹም። እንተኾነ ካብኣቶም ንላዕሊ ኣብ ሲናይ ዝተቐብሩን ኣብ ባሕሪ ዝተዋሕጡ ኣሕዋትኩምን ደቅኹምን ኣዝዮም ይበዝሑ። ንሓደ ሓውኻ ብዋጋ ካልእ ሓውኻ ከተጥፍእ ዘይቅቡል ኢዩ’ሞ ዓገብ እንተበልኩም ይሓይሽ።

ነቶም ኣብ ደገ ኮንኩም፣ ኣጋፈርቲ ፈስቲቫላትን ኣኼባታትን ህግደፍ ትኾኑ ዘለኹም ድማ ሓደ ነገር ወስ ከብል። ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎ፣ ሎሚ መብዛሕትኦም ኣመንቲ ክርስትና ዝኾኑ ኣምባሳደራት ህግደፍ ተወለድቲ ሓደ ከባቢ ኢዮም። ኣምባሳደራት ኣመንቲ ምስልምና’ውን ልክዕ ከምኡ። ካብተን ብዙሕ ዕግርግርን ፍልልያትን ዝረኣለን ሃገራት ናይዘለዉ ኣምባሳደራት ኣስማቶምን መበቆል ዓዶምን ከም ኣብነት ንምጥቃስ፦

1.   በየነ ርእሶም፣ ብዋጋ በዓልቲ ኪዳኑን ኣደ ደቁን (ሰናይት ደበሳይ) ስልጣኑ ዝመረጸ፣–ኣምባሳደር ህግደፍ ኣብ ከንያን ከባቢኣን →  ወክድባ

2.   ተስፋማርያም ተኸስተ–ኣምባሳደር ህግደፍ ኣብ ኢስራኤል→    ሽማንጉስ

3.   ተስፋሚካኤል ገራህቱ –ኣምባሳደር ህግደፍ ኣብ ብሪጣንያ → ሕምብርቲ

4.   ዮናስ ማና – ኣምባሳደር ህግደፍ ኣብ ስዊድን           → ገረሚ

5.   ሰለሞን መሓሪ – ኣምባሳደር ህግደፍ ኣብ ሆላንድ         → ዛግር

6.   ፋሲል ገብረስላሴ – ኣምባሳደር ህግደፍ ኣብ ግብጺ         → ወኪ

ንሳቶም ኣምባሳደራት ንምዃን ዝተመርጹ፣ ካብሰቦም ንላዕሊ ናይ ዲፕሎማሲ ትምህርቲ ስለዝተማህሩ፣ ወይ’ውን ልዕሊ ሰቦም ብቑዓት ስለዝኽኑ ዘይኮነስ፣ ብመደብ ህዝቢ ብከባቢ ክፈላልዩ ስለ ዝተደልየ ኢዮም ተላኢኾም። ሰባት ካብ ምክፍፋል ሓሊፎም፣ ምስሊ ኤርትራ ዘመሓይሽ ዝሰርሕዎ ግብራዊ ስራሕ’ውን ኣይረኣናን። ንሳቶም’ውን ነታ ስልጣን ዝተዋህቡዋ፣ በብዝምባሌኦም ብዝተወልድሉ ከባቢ ከም ዝተሓርዩ ኣጸቢቖም ይፈልጡ ኢዮም። ኣብዚ ኣብ ወጻኢ መጺኦም ድማ፣ ልክዕ ከምቲ ዝተባህሎም ኢዮም ዝፍጽሙ ዘለዉ። ካልኦት ብቕዓትን ትምህርትን ዘለዎም፣ ብቕንዕና ዝሰርሑ ደቂ‘ቲ ከባቢ’ውን እዚ ዕድል’ዚ ኣይወሃቦምን ኢዩ።

ንዓኣቶም ኣሰኒኹም ኣብ ኩሉ ኣኼባታት ህግደፍ እትእከቡ፣ ካብቶም ውሑዳት ደገፍቲ፣ እቶም ዝበዛሕኩም ደቂ’ቲ ከባቢ ምዃንኩም’ውን ኣጸቢቕኩም ትፈልጡ ኢኹም። ኣብቲ ካብ ኤርትራ ክሳብ’ዛ ዘለኹማ ሃገር እትበጽሑ ማዕረ ኩሉ ኤርትራዊ ተሳቒኹም። ናብቲ ዑቕባ ዝሃበኩም ሃገር ምስ በጻሕኩም’ውን ማዕረ ኩሉ ኤርትራዊ ናብ ሲናይን ካልእ መንገዲ ስደትን ኣሽሓት ገንዘብ ከፊልኩም። ሎሚ ግን ምስቶም ትማሊ ኣብ ኲናት እግሪ-መኸልን ጎላጉል ባድመን ኣብ ጎንኹም ዝሞቱ፣ ዝተወግኡን ብጾትኩም ዝነበሩን ኣሕዋትኩም ፊት ንፊት ትፋጠጡ ኣለኹም፣ ዓገብ።

ነቲ ትማሊ ዘይሕጋዊ ኲናት ኣዊጁ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ኣተሓሕዝኡ’ውን ቅጥዒ ዘይነበሮ፣ ከም ሳዕቤኑ ከኣ ጠንቂ ህልቂት ኣሽሓት መንእሰያት ኤርትራ ዝኾነ ውልቀ-ሰብ ክትንዕንግሉ ግቡእ ኣይኮነን። ሕጂ‘ውን ንሕና ብዘይካኹም እንተኽሎ ዲሞክራስያዊ ስርዓት የለን። ንስኻትኩም’ውን ብዘይካና ቅሳነት ዘለዋ ሃገር ክትህልወኩም ኣይኮነትን። ስለዚ ህግደፍ መጽለሊ ክትኮኑዎ ይሓተኩም ኣሎ’ሞ፣ ‘ንስኻ ንበይንኻ ንሕና ድማ ምስ ህዝብና’ በልዎ።

…  ኣብ መወዳእታን መበል 17 ክፋልን የራኽበና


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...