ካብ ሕቶታትኩም፡

1፡ ሕቶ ንጎደፋ፡…………………………………………………………………..ብዛዕባ ሞት ኒልሰን ማንዴ ላ ኩሎም ናይ ሃገራትን መንግስታትን ወከልቲ ኣብ ቅድሚ ቪድዮ ካሜራ ኮይኖም፡ዝተሰመዖም ሃዘንን ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መልእኽቲ ንመንግስትን ንህዝቢ ደቡብ ኣፍሪካ መልእክቲ ከመሃላልፉ፡ስለምንታይ’ዩ ምእንቲ ፍትሕን መሰልን ዝተቃለስኩ ብ ምባል ምስቶም ታሪኻውያን ሰባት ክስራዕ ህርድግ ዚብል ኢሳያስ፥ንመንግስትን ንህዝቢ ኤርትራን ወኪሉ ኣብ ቅድሚ ቪድዮ ካሜራ ኮይኑ፡መልእኽቱ ዘየመሃላለፈ።እቲ ንሕና ዚረኣናዮ ንዓመታት ኣብ ከብሒ ተቐሚጡ ዝጸንሃ ናይ ኢሳያስ ስእሊ ዝሸፈ ኖ መግለጺ ጥራሕ ኢና ሰሚዕና።እዚስ ምናልባት ብሞት ኒልሰን ማንዴላ ኣብ ብርቱዕ ሃዘን ሰለዘሎ ኢሳያስ ማለት ድዩ ካልእ ምኽንያት ኣለዎ። በጃካ ጎደፋ ነዚ ኣረጋጊጽካ ምላሽ ወይ ከኣ ግፍምትካ ክትሕብረና ይጽበ።….ሰላም ንዓኻ…..፡

2፡ ዓለም ብዛዕባ ማንዴላ’ዃ ክንድዚ ዝበለትስ ብዛዕባ ኩቡር ፕረዚደንት ኢሳያስ ከድኣ እንታዪ ምበለት እስከ ሩኢቶኻ? ኢሜልካ እንተትህበና ካኣ ካሊእ  ሑቶታት እውን ነዪርና። /እዘን ክልተ ዳሕረዎት ብኢሜለይ ኢየን መጺአን/።

3፡ እዞም ተጋዴልቲ ዝነበርኩም ጎደፋታት ትበሃሉ ናብ ስልጣን ኪትመጹ ትደሊዩ ዲኹም ኪነዲዚ ትጠዋወ ደለኻ?

መልሰይ ንቀዳመይቲ ሕቶ። ቲቪ ኤረ ንምንታይ ከምኡ ገይሮም ትእዛዝ ስለዝኾነ ኣይትሕሰበሉ። ብዛዕባ ብሓፈሽኡ ወግዓው ነት ተግባራት ፕረሲደንትና እንተተሓሳሰበካ ግን ሓቅኻ። ብዝኾነ ብዙሕ ኢዩ ዝበሃል። ግናኸ ተግባራት ወግዓውያን ክሳብ ዘ  ይኮኑ እቲ ብዛዕባኦም ዝውረ’ውን ወግዓዊ ኣይኮነን። ከምቲ ዝብሃል ንምዕላል እንተኾይኑ ግን ብዙሕ ታሪኻዊ መሰነይታ ድ ማ የድሊ። ብዝኾነ “ኢሳይያስ ብሞት ፕረሲደንት ማንዴላ ሓዚኑ” ኢልካ ምሕሳብ ዕሽነት ኢዩ። ምኽንያቱ ብኣስተዋጽኦ ማ ንዴላ ዘይሕጉስ ከምዝኾነ ገለ ፈለጥቱ በጨቕ የብልዎ ነይሮም። በዚ መላእ ዓለም ዝነኣዶ ቃልስን ዓወትን ደቡብ ኣፍሪቃው ያን ጥራይ ኣይኮነን ዘይተሓጐሰ። ኣየሐጐሶን ዝበሃል’ሞ እንኮላይ ናይቲ ንቃልሲ ፍልስጤም ዝመርሐ ያሲር ዓራፋት’ውን ከ ምዘየሐጐሶ ይውረ። ምስኡ ድማ ክሳብ ነንሕድሕዶም ዝጓጠዩሉ ኣሽሙር ከምዝነበረ’ውን ሰሚዕካ ትኸውን፡ ክልቲኦም ጥራ ይ ከኣ ኣይኮኑን ዘየሐጐስዎ። ክሊንተን፤ ቡሽ ዓቢ፤ ቡሽ ንእሽቶ፤ ባራኮ-ኦባማ፤ ብኩሎም ዓለማውያን መራሕቲ፤ ብዝኾነ ፖ ለቲከኛ፤ ብዝኾነ ጋዜጠኛ፤ ብዝኾነ ሞያተኛ፤ ብዝኾነ ወናኒ ኣእምሮን ማልን፤ ብዝኾነ ሃገራዊ ኣገልግሎት፤ ብዝኾነ ህዝቢ ዓ ለም፤ ብዝኾነ ሃይማኖት…….. ተሓጒሱ ኣይፈልጥን። ንኢሱ ዘሐጉስኦ ክልተን ኪያንትን ኢየን። ዶላርን ሽመትን ባቃ። ሽመት ምንጪ ዶላር ኢያ። ሽመት እንተ’ላ ሽዑ ተደለየ ይሽቅጥ ተደለየ ይሽፍት ይዘምት። ዘማቲ ሸቃጢ መቸም ትርፊ እንተረኺብ ሉ፡ ንብረቱ፤ ሰቡ፤ ኣካላት-ሰቡ፤ ልዕሊ-ምድሪ፤ ትሕቲ-ምድሪ፤ ብሃገራ ምንጓዳ። ኮታ ክሉ ነገር ድሕሪ ዶላር!!!!!!!

እንዳለፋለፈና እንድዩ’ዚ ኣርዮስ! ……….

ብቋንቋ ኣምለኽቲ ክቡር ፕረሲደንትና ክውረ ዝሰማዕናዮ ክልቲኦም ከምተቓለስቲ መጠን ሓዲኦም ንበረኻ ሓዲኦም ንቤት- ማእሰርቲ ኢዮም ኣምሪሖም። ኣብ መዛዘሚ ቃልሶም’ውን ክልቲኦም ከምኣወጻጽኣኦም ኣብተመሳሳሊ እዋን ኢዮም ቃልሶም ብዓወት ዛዚመሞ። ዓይነት ዓወት ኢዩ ዘዛርብ ዝነበረ። ኤርትራ ሙሉእ ብሙሉእ ከምተሓረረት ደቡብ ኣፍሪቃውያን ግን ና ብ ዕርቂ ብምምርሖም ኣይተዓወቱን ኢዩ’ቲ ዝበሃል ዝነበረ።

ኦይ! ብቀዳምነት ኣብ ፖለቲካ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘይፈለጥናዮ ነገር ኣሎ። ብዓንተቦኡ ሕቶኦም መግዛእታዊ ድዩ ነይሩ ሕቶ ሓራ ነትን ማዕርነትን? ከምዝበሃል “ጻዕዳ ዝሕብሩ ተወላዲ ደቡብ ኣፍሪቃ ስለዘየለ ንሳቶም ካብ ካልኦት ሃገራት ዝፈለሱ ገዛእቲ ኢዩም። ስለዚ ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነት’ምበር ናብ ዕርቂ ኣሚቱ ዓላማኦም ክስረቕ ኣይነበሮን። ኩላ ጻዕዳ መዓኮር ድማ ፍት ሓውነቱ ብዘየገድስ ከምዛ ናይ ዚምባብወ ንብረታ ዘሪፍካ እናጀፋዕካ ንዓዳ ክትጥረዝ ነይርዋ” ኢልካ’ዩ’ቲ ነገር።

ብመንጽር ስነ-ፍጥረት ጻዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ከይህልዉ ይኽእሉ። እቶም ጻዓዱ ገዛእቲ ኮይኖም እንተመጺኦም ከምህዝ በን ዝቕበልኦም ሃገራትከ ይህልዎኦምዶ? ወይ ከምዚ ናይ ዪስራኤል ብጥንትነት ክድርገሙወን ዝኽእሉ ሃገራት ኣለዋዶ? ብዓ ለማዊ ሕጊ ዜግነትከ ኣበይ ኢዩ ሃገሮም? መበቆሎም ፍሉጥ እንተኾይኑ ከምዚ ናይ ሃገርና ደቂ ኣርባዓ ይኹኑ ደቂ-ኣማኢት፡ ብደቡብ ኣፍሪቃውነቶም እናኣመኑ ብዘይፍታዎም ነናብ ሃገሮም ክምለሱኸ ፍትሓውን ተኻኣልን ዲዩ? መጻኢ ዕድል’ታ ሃገር ከ ብዘይ’ቶም ኩሉ ዝውንኑ ጻዓዱ እንታይ ምኾነት? ብፖለቲካዊ ዓይኒ ደቂ ናዚ “ህዝበ-ኣርያን መዳርግቲ የብሉን። ጸሊም ጀ ርመናዊ ድማ ኣይተፈጥረን” ስለዝበሉ ተደሪዖም ንሕናኸ? ኢሎም ኢልካ ምስዝሕሰብ ዘይግብራዊ ኮይኑ ተሰሚዕዎም ተቓለ ስቲ ደ.ኣፍሪቃውያን ቀንዲ ዓላማኦም ንመሰል፡ ሓርነትን ማዕርነትን ቀይሮሞ እንተኾይኖም ፍርዱ ከከምኣጠማምታ ሰብ ክፈ ላለይ ኽእል። ማለተይ ከምዚ ቃልሲ ናይ ወያነ ሓርነት ትግራይ ብቀንዱ ንምንጻል ዝነበረ ናብ ምስ ኩሉ ህዝቢ ኢቲዮጲያ ክ ነብሩ ከምዝ ኽእሉ ኣሚኖም ሕቶኦም ንማዕርነትን ሓርነትን ዝቐየርዎ፡ ከምኡድማ ንሶም። ዋና ነገር መንነት’ዃ እንተኾነ፡ እ ምነትን ስምምዕን ድማ ወሳኒ’ዩ። ኩሉ ህዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተሰማማዓሉ ነገርከ እንታይ ኣእትይዎ ኢዩ ተዓዛቢ ክንድኡ ዘ ቑሎሉ?

ናይቲ እዋን ፖለቲካ ምስ’ዚ ዳሕረዋይ ሓንቲ ዓለማውነት ክዋሳብ ክኢሉዶ ኣይፋሉ ንርእሱ ምፍራዱ ከቢድ ኢዩ። ነገር ስደ ተኛ መንግስቲ እንተተላዒሉ ድማ ብኣውራኡ ብዛዕባ ኣመሪካ ተልዕል ኣለኻ ማለት ስለዝኾነ ባዕልኻ ኣብ ተባራዒ ቡምባ ም ኹዳጭ ማለት ምዃኑ ምስትውዓል ይግባእ። ንርእሶም ንትርኢት ክኾኑስ ከምዘርኢ ከይጠፍኡ ተባሂሎም ዝእለዩ ቀያሕቲ ህ ንዳውያን ንስደተኛ ገዛኢኦም እንታይ ክገብርዎ ይኽእሉ? ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ ድማ ንኩሉ ክሳብ ብባርነት ዝኣከብዎ ህዝቢ ዜጋኦም ገይረሞ። በዚ ሕጊ’ዚ ቀንዲ ተጠቀምቲ ድማ እቶም ተተገፊፎም ብመሸጣን ብዓመጽን ዝተሰርቁ ጸለምቲ ኣፍሪቃው ያን ገላዩ ነበሩ። ኣፍሮ-ኣመሪካውያን እምባኣር ንዜግነታዊ መሰሎምን ንናጽነታዊ ማዕርነቶምን ኢዮም ዝተቃለሱ።

ኣመሪካ በይና ንዓለም ምስመለኸታ መለኸት ጭርሖ ሓንቲ ዓለም ነፍሐት። እዚ ዝእምቶ ዋላ ፖለቲካዊ ጸገም ዘይብሉ ሰብ ኣብ ዝኣመነሉ ቦታ ከይዱ ክነብር ዝኽእል እንተኾይኑ ንምሕጋዙ ተባሂሉ ክልተ ዜግነት ከምዝተፈቕደ ኢዩ። እዚ ብቀንዱ ዶ ብ ሰገር ር-ማል ከምድላዩ ክጋልብ ምፍቃድ ኢዩ። ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ጠመተ ዝቃወሙ ደቀ-ባት /ኣጥበቕቲ/ ድማ ኣለዉ። ኣብነት ናይዚኦም ነበሩ ደቂ ደቡብ ኣፍሪቃ ዙሉ ኢንካታ። ዝኾነ ኮይኑ መራሕቲ ቃልሲ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝሕሾም መሪጾም ዝ ገበርዎ ውሳነ ኪኖ ምኽባሩ ከተነኣእሶ ምፍታን ብድዐን ዘይሓላፍነታውን ኢዩ። ብፍላይ’ቶም ኣቆናጸብቲ ማንዴላ፡ እቶም ን ፕረሲደንት ኢሳይያስ ንቡር ሰብነቱ ገፊፎም መዳርግቲ ከዋኽብቲ ሰማይ ክቖጽርዎ ዝህቅኑ ህግደፋውያን እንተኾይኖም ገደ ደ። ‘’ናታ ኣቐሚጣስ ናይ እንዳማታ’’ ክምሰለሎ ስለዝከኣል።

ከምብውልቀይ ጉዳይ ወተሃደራዊ ታዕሊም ማንዴላ ነበረ መዛረቢ። ንሱ ምስተፈትሐ ቐጥታ ናብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ካብኡ ናብ ኢቲዮጲያ ምእታዉስ ምስቲ ዝነበረ ናይ ሽዑ ፖለቲካ እንግሊዝ ከመይ ኣቢላ ንመንግስቲ ፕሪቶሪያ ዝጎድእ ነገር ክትድግፍ ክ ኢላ ዶስ ገለ ሽርሒ ነይርዋ? ኢዩ’ቲ ሕቶ። ዝገደደ ድማ ኣአንጋዲ ተጋዳላይ ማንዴላ ንጉስ ሃይለ-ስላሰ ምንባሮም ብመንጽር ምስ እንግሊዝ ዝነበሮም ሓያል ዝምድና እሞ ስርዓት ደ.ኣፍሪቃ ውላድ እንግሊዝ ምዃኑ እናተፈለጠ ከመይ ኣቢሉ ተጠዓዒ ሙ ከጠራጥር ይኽእል። በቲ ካልእ እንግሊዝ ኩሉሳዕ ንኩሉ ሓራይ ኢላ ምስዝሰለጣ ተጸጊዓ ነቲ ካልእ ናይ ምጥላም ባህሪ ከምዝነበራ ካብ ተመኩሮ ኤርትራ’ውን ርኢናዮ ኢና። ጀነራል ተድላ ዑቕቢት እቲ ከምመሰጋገሪ ክጥቀመሉ ዝሓሰበ መስርሕ ፈደረሽን ክፈርስ ምስረኣየ ምስ እንግሊዝ መኺሩ ኲናት ክገብር ከምዝተበገሰ ይንገር ኢዩ። እንግሊዝ ኣይተቓወመቶን። ‘ዃ ድኣ ከምትሕግኦ ኣተኣማመነቶ። ተገምጢላ ንንጉስ ሃይለ-ስላሰ ጠላዕ ሓበሬታን ብልሓት ኣፈታትሓኡን መጠወትሎም’ሞ ድ ራማ ርእሰ-ቅትለት ጀነራል ተፈጸመ። ነዚ ዝፈልጥ ዘበለ ናይ ማንዴላ ነገር ከየተኣማምኖ ይኽእል። ብፍላይ ፕረሲደንት ኢሳ ይያስ ሱልዃ ቃኘው ስለዝበለለቶ ንርእሱ ከምበዓል ኢንታ መጠን ንዕዑ ዝረኸበት ካልእ ድማ ከምኣ ዝተረኸበ ጥራይ ስለዝ መስሎ ብሰብ ከይተኣማመነ ከምዝሓልፍ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኢዩ። ስለብኡ ኢዩ’ውን ኩሉ ከምዝተላእከ እናቀረጸ ከይቅ ደም ክብል ህዝቢ ዘህልቕ ዘሎ። እምነት የለን። ገሊኦም ከምዝብልዎ ኣብ ኣመሪካ ንዝተቐረበሉ መግቢ ገዲፉ ካብቲ ናይ ጽር ግያ ምብልዑ ንሱ ብጉርሑ ሰብ ድማ ብገርሁ ኢሳይያስ ንነብሱ ከምተራ ሰብ ከምዝርእያ መሲልዎምስ ፍትውትው ቀንየሞ። ኣትረከ! ካብመዓስ ድኣ ንነብሱ ተራ ክርኢ?

ኣውራ ዘዛርብ ማንዴላ ምስተፈትሐ ንኢሳይያስን መለስን ረኺቡ ምስ ኢቲዮጲያ ክሽምግል ፈቲኑ ከምዝነበረ ይውረ ኢዩ። ንሱ ዘቕረቦ ሓሳባት፡ ኲናት ጠጠው ክብል፤ ክልቲኦም መራሕቲ ኢቲዮጲያ ማለት ኢሳይያስ ፕረሲደንት፡ መለስ ጠቕላሊ ሚኒስተር ክኾኑ ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ ይበሃል።

ኣብዚኣ ሕቶ ክትህልወኩም ትኽእል ኢያ። ምናልባሽ ዶኾን እቲ ዛዛሚ ኲናት እናተገብረ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝነበረ ኣኼባስ ከምኡ ሓሳባት ይነብሮ? ኢሳይያስ ምስ ኢቲዮጲያ ብኮንፈደረሽን ክስራሕ ምፍኣሙስ ናይ ዓባይ ኢቲዮጲያ ተስፋ ዶኾን ነይ ርዎ? ወያነ ደጋጊሞም ውዕል ከምዝገበሩ ዝገልጹስ ዝነጠበት ፒሮ እሳይያስ ዶኾን ትህሉ? ኢቲዮጲያዊያን ልዕሊ ኢሳይያስ መ ለስ ንናጽነት ኤርትራ ከምዝበሃገ ዝዛረቡስ፡ መለስ እሳይያስ ከይበልዖ ሰጊኡ ዶኾን ይከውን ክልተ ሃገር ምዃን ኣብሂግዎ? ኢ ሳይያስ ውሽጣዊ ቅልውላው ይንበሮ’ምበር ንዘይተደላይ ዳግማይ ኲናት ካብዝዓደሞ ዝለዓለ ሮቛሒ ንሱ ዶኾን ይነብር? ከ ምቲ ዝበሃል መለስ ብዓመጽ ተወጊኑ እንተኾይኑ ንባዕዳዊ ውዕሎ ኢሳይያስ ብምዕንቃፉ ዶኾን ይኸውን? …….

ዝኾነ ኮይኑ ፕረሲደንትና ሕቡእ ነገርሲ ገይሩ ኣሎ ከብለና ይኽእል ይኸውን። ትንተና ምትንታን እንታይ ከይብል። ንኣብነት እንተድኣ ማንዴላ ኣብ ዕርቂ ‘ተንበርኪኹ’ ንጸለምትን ጻዓዱን ኣሳንዩ ደቂ ሓንቲ ሃገር ክኾኑ ኣእሚንዎም ኮይኑ፡ መራሒናኸ ምስ ሰብ ስግር መኺሩ ንሓዋሩ ክገሃድ ንዝትምነይዎ ሕልሚ ዓባይ ኢቲዮጲያ ክብልዶኾን ይኸውን ዘብርሰና ዘሎ?

ብዘይካ ብኣምሓርኛ ብዝኾነ ካልእ ዓለማዊ ቋንቋ ከምዘይሽገር ብሓንቲ ውጻእ ኣፍ ህጻን ድማ ተዛራቢ ሓያለይ ቋንቋታት ም ዃኑ ዝተመስከረሉ መራሒና፡ ምስ ኩሉ ህዝቢ ተዛራቢ ናይቲ ንሱ ዝመለኾ ቋንቋታት ክሰማማዕ ብዘይምኽኣሉ ዓጃይብ’ዩ። ብፍላይ ሎሚ ግዳ ኣምሕርኛኡ ክለማመድ የወናውኖ ከምዘሎ ይንገር። ምኽንያቱ ኣሸበሸብ ጽባሕ ብጊሓቱ ሽመቱ እንኮላይ ንኢቲዮጲያ ገጻ ሰማይ እንተዓሪጋትሉ ተዳልዩ ክጸንሕ ይህቅን ይህሉ። እንተኾነስ ዋላ’ዃ እቲ ንሓዋሩ ንዘይረኽብዎስ መድሃ ኒቶም ክንሱ ዝጓነይዎ ወሓለን በሊሕን መለስ ንሓዋሩ እንተኸደሉ፡ ምስቶም ነበልባል ፕሮፌሶራት ቀሪቡ ኣይእኽሊ ኣይዝኽ ሪ ከምዝኸውን ስለዝርድኦ ድማ ይኸውን ንፕረሲደንትነት ዓባይ ኢቲዮጲያ ክልመን እንከሎ ኣተሃድማ ዕቡያት ዘዝለቐ። ሽዑስ ዓቕሚ ናይ ሎሚ ሕዩራትና’ውን ከየሰናበዶ ኣይተረፈን። ሎሚ ግን…….

ሎሚ’ሞ ድማ ሰሚዕኩሞ ትኾኑ እቲ “ብጸቕጢ” ሩስያን ቻይናን ዝተደረኸ ብሽምግልና ቀጠር ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢቲዮጲ ያን ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ናይ ውሽጢ ውሽጢ ርክባት። ሰኣን ‘ኢሳይያስ ኣይውክለናን ኢዩ’ ኢልካ ብስምረት ዓለም ምንዋ ጻስ ኣበየናይ ጊፍ ኮን ኣንደልሂጽና ንንቆት ኸውን?

ነገር ማንዴላ ክንገብር። ሂወት ሓመቐ ጸበቐ ኩሉ ግዜ ቃልሲ ኢዩ። ወዲሰብ ድማ ነፍዐ ሓመቐ ከምቲ “ዜርካ ዜርካ ናብ ቤት፡ ኔርካ ኔርካ ናብ መሬት” ዝተባህለ ብንዃኑ፡ እቲ ንዓለም ብኩሉ መልከዓት ሂወት ዝተራእየ ጸሊም ተሸላሚ ናይ ኖቤል ፕረሲደንት ኔልሰን ማንዴላ ኣብ መበል 95 ዓመቱ ኣብዛ መዛዘሚት ወርሒ ታሕሳስ 5-2013 ካብዛ ዓለም ብምፍላዩ ብክብ ዝበሉ ዓለማውያን ቀባሮ ተፋንዩ ኣሎ ማዲባ!!

መንግስተ-ሰማያት የዋርሶ ንደቡብ ኣፍሪቃዊ ሓርበኛ ፕረሲደንት ኔልሰን ማንዴላ!!!!

ይቕጽል።

ጎደፋ፡

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...