Article Index

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን

ውልቃዊ ትዕዝብቲ

ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም

መበል 12 ክፋል         04/12/2013

 

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ ድማ ጽባሕ ንኸይድገም ውሕስነት የብሉን። ንነዊሕ እዋን ስለ ዘይተዘርበሉ መሊሱ ክገድድ እምበር፣ ትም ምባልና ዘምጽኦ ፍታሕ የለን። ፖለቲካዊ ባህሊ ህዝብና እምበኣር፣ ናብቲ ናይ ትማሊ ዘይኮነስ፣ ናብቲ ናይ ቅድሚ ትማሊ ክምለስ ኣለዎ።

ጠንቂ ናይዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ፍልልያት ድማ፣ እቲ ከተማዊ ናይ በጋሚንዶ ጠባይ ሒዙ ዝዓበየ ጉጅለ፣ ነቲ ሓቅነትን ግርህነትን ዝመለለይኡ፣ ብዙሕ ተንኮላት ዘይፈልጥ ካብ ገጠራት ዝተሰለፈ መንእሰይ ከታልል ምኽኣሉ ኢዩ።

ኣብ ዝሓለፈ መበል 11 ክፋል ከም ዝገለጽኩዎ፣ እቲ ኣውራጃዊ ምክፍፋል ኣብቲ ውድብ ምስ ጀመረ፣ ሓደ ወገን ነዚ ሜላ’ዚ ከም ናይ ሓዋሩ ናይ ስልጣኑ መረጋገጺ ክወስዶ ከሎ፣ እቲ ካልእ ወገን ግን ኣብ መንጎ ክልተ ምርጫታት ተቐርቂሩ ምንባሩ፣ እቶም ዝነበሩ ላዕለዎት ካድረታት ድማ፣ ነቲ ጉዳይ ንምዕራይ ክብሉ ናብቲ ናይ 60ታት (ዘምነ ክፍልታት) ዝምለሱ፣ እምነቶም ኣብ ህዝቢ ብምግባር፣ ነቲ ኩነታት ተጻዊሮም፣ ‘ኣብቲ ቀንዲ ጉዳይ (ምብራር መግዛእቲ) ምትኳር ይሓይሽ’ ዝብል ምርጫ ከም ዝወሰዱ ኢየ ገሊጸ።

እቲ ውድብ ድማ ብዓቢኡ ብደቂ ከበሳ ዝዕብለል፣ ካብኡ ናብኡ ድማ ንተወለድቲ ዝተወሰነ ከባቢ ናብ ናይ ሓላፍነት ቦታ ዝሓሪ ኮይኑ ከም ዝማዕበለ፣ እቶም ናብ ስልጣን ዝሕረዩ ሰባት ድማ፣ እቶም ስም ኣመንቲ ክርስትና ዘለዎም መብዛሕትኦም ካብ ሓደ ከባቢ፣ እቶም ኣስማት ኣመንቲ ምስልምና ዝሓዙ ድማ ብተመሳሳሊ መንገዲ ካብ ውሱን ከባቢ ምንባሮም’ውን ገሊጸ ነይረ።

ኣብ ብዙሕ ሰብ ‘ስለምንታይ ኢዩ ከምኡ ተመሪጹ?’ ዝብል ሕቶ ከለዓዕል ባህርያዊ ኢዩ። እቲ መልሲ ነቲ ውልቀ-መላኺ ብውልቁ ዝህቦ ፍሉይ ረብሓ ስለ ዘለዎ ኢዩ። ኣብ ዕላማን ሳዕቤንን ናይቲ ኣሰራርሓ ቅድሚ ምዝራበይ ድማ፣ ንሎሚ ከም መቐጸልታ ናይዚ ክገልጾ ዝጸናሕኩ ኣተዓዳድላ ሓላፍነት፣ ኣብዚ መበል 12 ክፋል፣ ብዛዕባ’ቲ ኢሰያስ ባዕሉ ዝሃቦ ወታደራዊ ማዕረግ ቁሩብ ክገልጽ ኢየ። ኣብቲ ዝቅጽል ክፋላት ድማ ብሰንኩ፣ ኣብ መላእ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ዘጋጠመ ሳዕቤን ክገልጽ ኢየ።

ወታደራዊ ማዕርግ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

ናይዚ ክብ ኢለ ክገልጾ ዝጸናሕኩ ሓቅነት ዘረጋግጽ ካልእ ፍጻሜ’ውን ኣሎ። ድሕሪ ናጽነት፣ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ወታደራዊ ማዕረግ ክዕደል ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፣ ፕረዘደንት ኢሰያስ ባዕሉ ንገለ ሰባት ወታደራዊ ማዕረግ ከም ዝዓደለ ኣብ ማዕከናት ዜና ወጺኡ ተዛሪቡ። ኣስማቶምን መበቆል ዓዶምን ናይቶም መኮነናት ድማ እዞም ዝስዕቡ ነይሮም፦

1.    ጀነራል ስብሓት ኢፍረም          = እባርዳእ   (ሓማሴን)

2. መ/ጀነራል ገረዝጊሀር ዓንደማርያም    = ኣፍደዩ     (ሓማሴን)

  1. መ/ጀነራል  ተኽላይ ሃብተስላሴ       = ዓዲንፋስ   (ሓማሴን)
  2. መ/ጀነራል   ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስ   = ጸሎት      (ሓማሴን)
  3. መ/ጀነራል   ሃይለ ሳሙኤል         =ዓዲመንጎልቲ (ተኸላ -ሰራየ)
  4. መ/ጀነራል   ብርሃነ ገረዝጊሀር       =በራኽ  (ተኸላ - ሰራየ)
  5. መ/ጀነራል   ኣሕመድ ካሪካረ        = ካብ ዓፋር  (ደንካልያ)/
  6. መ/ጀነራል   ሮመዳን ኣውሊያይ     = ካብ ዓፋር   (ደንካልያ)
  7. መ/ጀነራል   ዑመር ጠዊል      = ዓዲ ሹማ (ከባቢ ጊንዳዕ፣ ሰምሃር)
  8. መ/ጀነራል   ኣሕመድ ካካይ      = ካብ ሳሆ (ኣከለጉዛይ)

ሓበሬታ፦ እዚ ዝርዝር ኣስማት’ዚ ነቶም ኣብታ መጀመርያ መዓልቲ ኢሰያስ ባዕሉ መጀር ጀነራል ዝሃቦም ጥራይ እምበር፣ ነቶም ናይ ብርጋደር ጀነራል ማዕረግ ዝተዋህቦምን ድሒሮም ነቲ ናይ መጀር ጀነራል ማዕረግ ዝወሰዱን ኣየጠቓልልን ኢዩ።

ኣብዚ ብንጹር ከም ዝረአ’ውን 4 ካብቶም 10 ፕረዚደንት ባዕሉ ናይ ጀነራል ማዕረግ ዝዓደሎም መኮነናት፣ ካብ ሓደ ከባቢ ምንባሮምን ድሒሩ ኣብ ወሳኒ ቦታ ተመዲቦም ክሰርሑ ምምዳቦምን ጥራይ፣ እቲ ኣሰራርሓ ብቐንዱ እቲ ፕረዚደንት ባዕሉ ዘተኣታተዎ ምዃኑ ኢዩ። ድሒርና ከም እንርእዮ፣ ካብቲ ዝረኣናዮ ቊጽሪ ንላዕሊ፣ ነቶም ካልኦት ዝተዋህበ ናይ ስራሕ ብጽሒት ብቐንዱ ነቲ ጉዳይ ዝያዳ ኢዩ ዘነጽሮ። እቲ ኢሰያስ ባዕሉ ዝጀመሮ ስራሕ ብኡ ንብኡ ንታሕቲ ወሪዱ፣ ሎሚ ዳርጋ ኩሎም ሓለፍቲ ሰራዊት ኤርትራ፣ ካብ ሓደ ከባቢ ምዃኖም ዘካትዕ ኣይኮነን። ንኣብነት ካብ ዓዲንፋስ ጥራይ ንመ/ጀ/ተኽላይ ሓዊስካ 6 መኮነናት ናይ ጀነራል ማዕረግ ኣለዎም። ክልተ ካብኣቶም ሓወቦን ወዲሓዉን ምዃኖም ድማ ነቲ ኣሰራርሓ ዝያዳ ዘነጽር ኢዩ። ንሳቶም ድማ፦

  1. መ/ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሴ           = ዓዲንፋስ ሓማሴን
  2. ብር/ጀነራል ተስፋይ ይስሓቕ (ቀያሕታይ) = ዓዲንፋስ ሓማሴን
  3. ብር/ጀነራል ሚኪኤል ሃንስ ይስሓቕ       = ዓዲንፋስ ሓማሴን
  4. ብር/ጀነራል ጸሃየ ካሕሳይ                = ዓዲንፋስ ሓማሴን
  5. ብር/ጀነራል ሓድሽ ኤፍረም              = ዓዲንፋስ ሓማሴን
  6. ብር/ጀነራል ዳንኤል ኣብርሃ (ጨዓይ)      = ዓዲንፋስ ሓማሴን

ምስዚ ተኣሳሲሩ ዝዝረብ ዕላል’ውን ኣሎ። ንሱ ድማ “ላዕለዎት ናይ መንግስቲ ሰበ-ስልጣናትን (ሚኒስተራት) ሓለፍቲ ጸጥታን፣ ካብ ኩሉ ከባቢታትን ካብ ክልቲኡ ሃይማኖትን እንድዮም” ዝብል ኢዩ። እንተኾነ ነዚኣ ብንጹር እተብርህ፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ገዲም ተጋዳላይን ኣባል ናይታ ሚጢራዊት ሰልፍን ዝነበረ፣ የማነ ተኽለገርግስ ንሬድዮ ወጋሕታ ዝሃቦ ቃል ነዚ ይመስል፣-

“ድሮ ጉባኤ ‘እዚ ውድብ በዞም ዘለዉ መራሕቲ ገርካ ክስራሕ ኣይከኣልን ኢዩ። ነዞም ዘለዉ መራሕቲ ሒዝካ ከትከይድ ስለ ዘይከኣል፣ ነዚ ውድብ ኢንስቲቱሽናላይዝድ ክንገብሮ ኣለና።” ዝብል ዘረባ ሰሚዐ ነይረ። እታ ኢንስቲቱሽን’ ትብል ቃል ንቓላ ትርድኣኒ ኢያ። ብኸመይ ይጥቀሙላ ኣለዉ ስለ ዘይተረድኣኒ፣ ሓደ ግዜ ንጴጥሮስ ሰለሞን ከምዚ ክብል ሓቲተዮ። ‘ከመይ ዓይነት ኣሰራርሓ ኢኹም ከተታኣታትዉ ትደልዩ ዘለኹም? እዛ ‘ኢንስቲቱሽናላይዝድ’ ክንገብሮ ኢና’ ትብል ዘረባ ኣይተረድኣትን’ ምስ በልክዎ፣.. “እቲ ክፍልታት ወይ ሚኒስትሪታት ናይ ኤርትራ፣ ሓደ መራሒ ይህልዎ፣ እዚ መራሒ’ዚ ግን ንፈርማ ጥራይ ዘድሊ ሰብ ኢዩ። እቲ ስራሕ ንሱ ኣይኮነን ዝሰርሖ። እቲ ስራሕ ክስራሕ እንተድኣ ኮይኑ፣ ክኢላታት ወይ ምሁራት ሰባት ነቲ ስልጣን ክሕዝዎ ኣለዎም። ንሳዎም ኣጽኒዖም መርሚሮም ምስ ወድኡ፣ ንዕኡ ንፈርማ ጥራይ ኢዮም ዘቕርብሉ። ከምዚ ገርካ እንተዘይኮይኑ፣ እዚ ዘሎ መሪሕነት ዓቕሚ ዘለዎ ኣይኮነን። ኣብ ስራሕ ድማ ዕንቅፋት ይፈጥር ስለዘሎ፣ ብኸምዚ ኣገባብ ጥራይ ኢዩ፣ እዚ ውድብ ንቕድሚት ክኸይድ ዝኽእል።…” ኢሉኒ።

ቃል ተጋዳላይ የማነ ተኽለገርግስ፣ ቃለ-መጠይቕ ምስ ሬድዮ ወጋሕታ፣ 7ይ ክፋል

እቲ ግዜ፣ ጴጥሮስ ሰሎሞን ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ናይቲ ስርዓት ወይ ውድብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኢዩ። እዛ ሓጻር እትመስል ግን ንብዙሕ ሚስጢራት ናይቲ ኣሰራርሓ ብንጹር ኢያ ትገልጽ። እቶም ድኹማት ዝተባህሉ ሓለፍቲ፣ እቲ ፕረዚደንት ስለዝደለዮም ጥራሕ፣ ባዕሉ ኮፍ ዘበሎም ኢዮም። ዕንቅፋት ዝፈጥርሉ እንተኾይኖም’ውን ንምእላዮም፣ ንምእሳሮም ይኹን ንምቕታሎም ጸገም የብሉን። እንተ’ቲ ‘ክኢላታት ወይ ምሁራት’ ዝብል ዘረባ ግን፣ ኣብ ኤርትራ ምሁርን ክኢላን ክስደድ እምበር ከመሓድር ኣይረኣናን። እታ ‘ክኢላታትን ምሁራትን’ ትብል ሓረግ፣ ‘ብእሙናትን ኣገልገልትን’ እንተ-ተተኪኣ ግን ልክዕ ኢያ ትመጽእ። ጴጥሮስ ንየማነ ዘየግሃደሉ ንእሽቶ ሚስጢር እንተ-ተሪፋቶ ድማ ንሳ ጥራይ ኢያ ነይራ። እቶም ‘ወከልቲ’ ተባሂሎም ዝተቐመጡ ሚኒስተራን ካልኦት ሓለፍትን እምበኣር፣ በቶም ወግዓዊ ሹመት ዘይብሎም፣ ግን ከኣ ፕረዚደንት ብዝሃቦም እምነት፣ ምሉእ ናይ ምግባር ስልጣን ዘለዎም ሰባት ተወዲኡ ዝተዋህቦም ዝፍርሙ፣ ስም ጥራይ ዝሓዙ ምስሊታት ኢዮም። እቶም ወግዓዊ ስልጣን ዘይብሎም፣ ‘ወዳእቲ ስራሕ’ በዓል መን ኢዮም? ዝብል ሕቶ ግን ገና ክምለስ ዘለዎ ኢዩ።

ነዚኣ እትመሳሰል ኣብ ኣስመራ ከለኹ፣ ዝሰማዕኩዋ ሓቤረታ’ውን ኣላ። እቲ ግዜ ኣብ ሚኒስትሪታት ዝነበሩ ተጋደልቲ ዝጣየሱሉ ዝነበሩ እዋን ኢዩ። ፋዱስ ኮይኑ ኩሉ ሰራሕተኛ ከካብ ቤት-ጽሕፈቱ ናብ ምስሑ ዝወጻሉ እዋን። ሚኒስተር እገሌ’ውን ከም ሰቡ ካብ ቤት-ጽሕፈቱ ወጺኡ፣ ኣብቲ ግዳም ሓደ - ኣብ ትሕት ዝበለ ጽፍሒ ናይ ሓላፍነት ዝሰርሕ ዝነበረ፣ ዝፈልጦ ሰብ ይርኢ’ሞ፣ ጸዊዑ ምዉቅ ሰላምታ ድሕሪ ምሃቡ “ስራሕ ከመይ ኣሎ?” ኢሉ ይሓቶ። እቲ ተጋዳላይ ገሪሙዎ፣ ነታ ሽዑ ዝተቐበላ “ተጣይስካ” ትብል በቲ ሚኒስትሪ ዝተዋህበቶ ደብዳቤ የርእዮ። እቲ ሚኒስተር ሰንቢዱ “እዋእ! ኣነ ድኣ ዘይፈለጥኩ!” ብምባል ነቲ ዝተጣየሰ ተጋዳላይ ደብዳቤኡ መሊሱሉ። እቶም ከም ወከልቲ ዝተቐመጡ ሚኒስተራት እምበኣር፣ ናይ ሚኒስተር ስም እምበር፣ ናይ ሚኒስተር ስልጣን የብሎምን።

እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ናይ ዶብ ኲናት ደው ኢሉ፣ እቲ መንግስቲ ካብ ውሽጡ ነቒዑ ህግደፍ ኣብ ቅልውላው ምስ ወደቐ፣ ኣብ ክቱር ስግኣት ዝወደቐ መራሕ ሃገር፣ ነቶም ዝኣምኖምን ሓለፋ ብጾቶም ስልጣን ዝዓደሎምን ጀነራላት ኣብ ጥቕኡ ከቐምጦምን ህዝቢ ከበሳብሱ፣ ምሉእ ስልጣን ክህቦምን ርኢናዮ። እቶም በብግዜኡ እናተቐያየሩ፣ ብባርኾት ኢሰያስ ኣብ ኣስመራ ተቐሚጦም፣ ንኹሉ ጸጥታውን ስለያውን ንጥፈታት ናይቲ መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻሮም ብምግባር፣ ንምልእቲ ከተማ ኣስመራ ቀጥ-ቀጥ ከብሉዋ ዝጸንሑን ዘለዉን ጀነራላት፣ ተወለድቲ ሓደ ከባቢ እምበር፣ እቶም ኣብያተ-ጽሕፈቶም ካብ ናቕፋ ንዓሰብ፣ ካብ ዓሰብ ድማ ንባረንቱ ዝተቐያየረ ተወለድቲ ካልእ ከባቢ፣ እዚ እምነት’ዚ ክወሃቦም ኣይረኣናን።

ኩልና ክም እንሰማማዓሉ፣ ናይ ጀነራል ማዕረግ፣ ክብ ዝበለ ወታደራዊ ማዕረግ እምበር፣ ሲቪላዊ ስልጣን ኣይኮነን። እንተኾነ እቶም ካልኦት እቲ ፕረዚደንት ባዕሉ፣ ንይስሙላህ ናይ ጀነራል ማዕረግ ዝዓደሎም ሰባት፣ ካብቲ ወታደራዊ ጽፍሕታት ተኣልዮም፣ ገሊኦም ኮሚሽነራት ስፖርት፣ ካልኦት ድማ ኣብ ተራ ሲቪላውን ዲፕሎማስያውን ስራሕ ክቀያየሩ ጥራይ ኢና ተዓዚብና። ንሳቶም’ውን ኣይተኣምኑን። እዚ ንባዕሉ፣ እቲ በቲ ነውራም ተግባራቱ ዝሰግአ ፕረዚደንት፣ ህዝቢ ነንሕድሕዱ ኣባኢሱ፣ ካብ ዝተወሰነ ከባቢ ጀነራላት መልሚሉ፣ ‘ሓሉዉኒ ከርባሓኩም’ ዝዓይነቱ ኪዳን ክምስርት ናይ ነዊሕ መደቡ ከም ዝነበረ ኢዩ ዘረድእ። ዕላማን ሳዕቤንን ናይ ኩሉ’ዚ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ ኣሰራርሓ ድማ ኣብ ዝስዕብ ክፋል ክገልጾ ኢየ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...