“እብ እደ ኖስጋ ትወዲያ ጻውር እትካ፡ ወትነብር ቶህታ ወሸለ ጥዕሳ እይተፈር”
“ባዕልኻ እትገብሮ ጌጋ ዘወትር ከሳቕየካ ይነብር፡ ዋይ ኣነ ኢልካ ዘይትወጽኦ ጣዕሳ ድማ የኸትል”

ኣሕዋተይ

ካብ ሕሉፍ ታሪኽ ዘይምምሃርን እወንታዊ ተሞክሮ ዘይምጥራይን ዓቢ መርገም እዩ። ብፍላይ ድማ ንሓድ - ሕድካ ትሳማምዓሉ ቋንቋ ጠፊኡካ ክትዳናቆር እንከለኻ ናይ መርገም መርገም እዩ።

ቅድም ኣብ ግዜ መግዛእትን ፌዴሬሽንን፣ ድሒሩ ድማ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ሓራ መሬት ኤርትራ፡ ተፈጢሩ ካብ ዝነበረ ናይ ሓድ-ሕድ ምንጽጻግን፣ ምቁንጻብን፣ምትህርራምን፣ እንታይ ከሲብና? እንትርፎ ንፍትሓዊ ብረታዊ ተጋድሎ ከም ሽንቲ ገመል ንድሕሪት ምምላስ።ንህይወት ጀጋኑ ዜጋታትና ነከንቱ ምጥፋእ። ህዝብና ኣዝዩ ክጉሂን ክርስዖ ዘይክእል በሰላ ካብ ምግዳፍ ሓሊፉ ካልእ እንታይ ጠቒሙና? እሞ ካብዚ ክንክሕዶ ዘይንኽእል ጸሊም ነጥቢ  ታሪኽና ትምህርቲዶ ኣይቀሰምናን?

ሎምውን ንሕና መሊስና ኣብቲ ተረፍ መረፍ ዓዘቕቲ ውዲት ኣፈላላይ ክንሽከል፡ ሓተላ ድሕረት እናላሓፍና ብጽልኢ ሰኺርና ሓድ-ሕድና ክንናቖት ይግባእ’ዶ? ካብ ሓንቲ ዒላ ጸበል ጸጋ ብልጽግና ብፍቕርን ስንየትን ቀዲሕና ኣብ ክንዲ ምስታይን ቅሳነት ዘለዎ፣ ራህዋ ዝመልኦ ህይወት ምስትምቓር፡ ብጽልእን ኣንቸ-መንቺን ተነጻጺግና ተራሓሒቕና ዒላና እናዘረግና ብህልኽ ሓርየት መርገም ክንጭልጥ ክንፈቱ እንከለና ናይ ጥዕና ዲዩ? ኣይኮነንን። ሓቂ -ብሓቂ እዝስ ፈውሱ ዝደንጎየና ሕማም ውሽጢ ነፍስ ወከፍናን ውሻጠናን’ዩ፣ እዚ ድማ ምስትውዓል ዝጎደሎ ዕብዳንን መርገምን ጥራዩ ክብሃል ዝኽእል።

ኣይፋልኩምን ኣይፋልናን እዞም ኣሕዋተይ

እዚ ምስ መዋእል ዕድመ ወዲ ሰብ ዚዳረግ ናይ ነንሓድ-ሕድ ምቁሳልን ምቁጻብን ዝፈጠሮ ስንየት ኣልቦነት ወትሩ ንኤርትራን ኤርትራውነትን ኣብ ሕቶ ምልክት እናእተወ ኣደዳ ጸላእትና ክገብረና ጸኒሑን ሕጂ ድማ የስግኣና ኣሎ።

ክነስተውዕለሉ ዝግባእ ሓደ ግዜ ሓጸይ ሃይለላሴ ኣብ ቤተ መንግስቶም መኳንንቲን ሰበ ስልጣናትን ኣኪቦም ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ዝዝትይሉ ግዜ፡ ሓደ ካብቶም ተሳተፍቲ “  ጉዳይ ኤርትራ ክዕረ እንተኾይኑ ንኤርትራውያን መራሕቶም ካብ ገዛእ ርእሶም ካብ ኤርትራውያን ንግበር። ንሕና ካብ ንኣኣቶም ብቐጥታ ብሓላፍነት ምምራሕ ተኣሊና ብልዕሊ እቲ ናቶም ሰብ ኰይና ብኣኡ ኣቢልና እቲ ድልየትና ንግበር ፡ ምኽንያቱ ኣነ ከምዝተዓዘብኩዎም ኤርትራውያን ካብ ካልእ መራሒ እንተገበርካሎም ንእለት ስንየት ፈጢሮም ብሓድነት ክዕምጹ ይጅምሩ፡ ኣብ ልዕሊኡ ይዘምቱን ኣብ ሽግር ድማ የእትውዎ። ብኣንጻሩ ካብ ባዕላቶም ዚወጸ ኤርትራዊ ኪመርሖም ምስ እትገብር ብኡ ንብኡ ከቆናጽብዎን ነንሓድ-ሕዶም ድማ ተፈላልዮምን ብዓሌት ተጎጃጂሎምን ኪባላልዑ ይጅምሩ፡ እምብኣር እቲ ንዓና ንመግዛኣቲ ዚጥዕመናስ እቲ ምፍልላዮም እምበር ንሓድ- ሕዶም ስኒት ፈጢሮም ሓደ ምኻኖም ስለዘይኮነ ክቡር ጃንሆይ ንኤርትራውያን  ብቐረባ ኤርትራውያን መራሕቲ እንተተገብረሎም ዝብል ምኽሪ’ዩ ዘለኒ’’ ብምባል ዘቕረብዎ ሓስብ ብልቢ ክነትኩረሉ ብግቡእ ክንግንዘቦን ክንምርምሮን ዝግባእ እመስለኒ። ምኽንያቱ እቲ ንመግዛእቲ ንምውጋድ ዚነበረ ሓድነት ኣብ ድሕሪ ናጽነት ዘሎ ግዜ ኣዝዩ ማህሚኑ ምህላው ነስተብህል። እነሆለ ካብ መግዛእቲ ተናጊፍና ኤርትራውያን  ናጽነትና ወኒና ገዛእ ርእስና ክነመሓድር  ጸገም ውሽጥና ክነወግድ  ኣይከኣልናን። ክሳብ እዛ እዋን እዚኣ ጸገምና ከይንኣሊ ሸኺላ ሒዛትና ዘላ ሕማም ድማ ብሓድነት ዘይምስማር እያ።  ነንሓድ-ሕድና ምንዕዓቕ፣ ብዝተፈላለዩ መልክዓት ምጉጅጃል፣ ንካልኣዊ ጉዳያትና ብቐዳምነት ምስሳይ፣ መን ከማይ ኣብ ዝብል ትምክሕቲ ደሪቕና ካብ’ቲ ዓሚቕ ፍልጠት ዝምንጩ ምትእምማን ዚፈጥር ናይ ምትዕጽጻፍ ጥበብን ኪእላ ፖለቲከኛ ናይ ምዃን ብቕዓት  ድሕሪት ምትራፍና፡ ኣብ ጉዳይ ሃገር ኣብ ናይ ሓባር ዕላማ ሪዕማና ብሓባር ከይንቃለስ ሰበብ ኮይና ምህላዋ እያ።

ምዝንጥጣልን ንዕቀት ሓድ-ሕድን፣ ምቅላዕ  ኢንታን  ኣብ በሰር ካልእ ምውጥዋጥን፣ ምጥቕቓንን ከንቱ ጸለመን፡ መበቆል ሱርካ በቲኹ ኣፍኲሱ ንንፋስ ዘራጊቶ ዘቃልዕን፡ መፍቶ ጸላኢ ክትከውን ዝገብር ሓሳይ ኣበር ምዃኑ ምስትውዓል የድሊ። እዚ ፎእ ዚኾን ጠባይ  ካብ ዓድን ዓውድን ይበታትኽ ኣብ ዓዲ ጓና ኣብ ስደትውን ኣናሽዩን አሕሲሩን ስእሊ መንነትካ ጸለሎ ቀቢኡ ትሕቲ ሳእኒ ባዕዲ ዘሕድር ግናይ ኣዚዩ ግናይ መንሽሮ እዩ።

እቲ ካብ ኩሉ ዘደንጽውን ዘስደምምን ድማ ነዚ ኩሉ እናፈለጥካ ግን ድማ ንውልቃዊ ረብሓ ጥራይ ክትብል ኮነ ኢልካ ኣንፈትካ ሲሒትካ ኣብ ሽኹሽኳ ምእታውን ኣብ ዙርያ እዚ ሕማም እዚ ዕንኪሊል ክትብል ምምራጽን ልቦናኻ ምጥፋእን እዩ።

ዘይምቅዳውን መድረኽ ኢሂን- ምሂን ምርጋጽን ምንጻግን፡ ስኻር ኣነነት ተወጢሕካ ልጓም ኣልቦ ብትምክሕቲ ምንፋጽን ምህላልን፡ ኣብ ድሑርን ክቱር ጽልኣት ሽኩሽካ ኣቲኻ ዕንኪሊል ምባልን፡ ብዕድመ መጻኢ ወለዶ ምልጋጽን ማህሰይቲ ካብ ምንዋሕን ምኽባድን ካልእ ምንም መኽሰብ የብሉን። ካብዚ ዝኸስብ ንኤርትራን ህዝባን ዚጸልእ ደመኛ ጥራይ እዩ። ነዚ ዘየስትውዓለ እሞ ብኣጋ ኣካይድኡ ዘየዐረየ ጽባሕ ኣብ መዝገብ ታሪኽ ተሰኒዱ ብዚጸንሕ ገበን ዝሕተትን ንዝንተ ዕለት ብጸሊም ነጥቢ ክዝከር ዝነብርን እዩ። እዚ ወለዶ ድማ ናይዚ ዘይሕከኽ ገጻብ መልክዕን ዝባን መሸፈኒ ጠይቂን ተሰካሚ  ዕዳ ካብ ምዃን ንርእሱ ነጻ ዝገብር ታሪኻዊ ሓላፍነቱ ብግቡእ ክፍጽም ይግባእ።

ኣሕዋተይ

ሎሚ ህዝብና ዝርከበሉ ኩነት  “ሞት ዘይብሉ ዓዲ ደልዩ ሬሳ ኣብ ዝባን ናሕሲ ዚሰቕሉ መጽእዎ” ኮይኑሎ።ከመይሲ ልዕሊ ደርዘን ዓመታት ብሓደ ውልቀ መላኽን መጫፈርቱን እናተሓመሰ ሓሳረ መከርኡ ጸጊቡ እዩ። ውላዱ ተመንጢሉ ኣብ ኩናት እናተሳወረ፣ ኣብ ፈቆዶ ቤት ማሕቡስ እናተዳጎነ፣ ብደዉ ኩላሊቱ እናተዘርፈ፣ ኣብ ባሕሪ ቀለብ ዓሳ ኣብ በረኻ ጽጋብ ኣራዊት እናኾነ፣ ጸብጺብካ ብዘይውዳእ ኩሉ መልክዓት ጸገማት ሕሰም ይሳቐ ኣሎ። ኣብ ከምዚ ዚኣመሰለ ምደረ-ሰማይ ከም ዕንቑ ዚጸበብትሉ ህሞት ትሕቲ ፈጣሪ ቁሊህ ዝብለላ እታ ኣንኮ ተስፋኡ ኣብ ሓድነት ንድሕነቱ ንቃልስ ኢና ዚብሉ ደቁ እዩ። እሞ ደቂ እዚ ህዝቢ ዝኾንኩም ናይ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ሓይላታት ድሃይኩም እንታዩ?

ከምቲ ዝቆሰለ  እሞ ሞቱ ዘይተርፍ ኣውረ ለኪሙ ኪዓዝር  ዘዕበድብዱ ዘለው  ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ኢሳያስን ጉጅልኡን መሳርሒ ዕሱባት ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ኣብ ውሽጢ ደንበ ተቓውሞ ዲክታቶርነት ሶሊኾም ኣትዮም ዘለው ይመስል። ንደንበ ተቓውሞ ብድርቂ ስንየት ኣማህሚኖም ንፋስ ፋሕ ብትን ኡፍ ኪብሉ ይፍትኑ ኣለው። ዓሌትን ዓድን ሃይማኖትን ንውዲት ብምጉጅጃል ብንሱባ ንስኻባ ከንናቖት ምግባር ቀዳማይ ኣጅንኦም ምዃኑ ከይተሓለመ ዚተፈትሐ እዩ። እዚ እከይ እዚ ክፍጽሙ ዚክእልሉ ዕድል ክረኽቡ ምግባርን ብዝኾነ ሕሳባት መሳርሒ ናይዚ ውዲት ምዃን ንህዝብና ዕሰርተ ሞት ክመውት ምፍራድን ኤርትራን ኤርትራውነትን ኣብ ሓደጋ ክኣቱ ዝገብር ይቅረታ ዘይረኽብ ከቢድ ገበን ምዃኑ ምዝንጋኦ ኣየድልይን። እዚ ጽባሕ ተመሊሱ ንገዛኣ ርእስኻ ንዝንተ ዕለት ናብ ዘይወጽእ ጓህን ጣዕሳን ዘጥሕል ሓደጋ ምኻኑ ብኣጋ ብምስትብሃል ነፍስ ወከፍ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ይቃለስ ኣለኹ ዝብል ዜጋ ነቂሁ ገዛእ ርእሱን ዕላምኡን ኪሕልው ይግባእ።

ኣብ ነንሕድሕድና ስኒት ከሊኡ ዘደናቑር መረዳድኢ ቋንቋ ክንስእን ዝገብር ማዓረ-ዕረ ቃላት ዝሓዘሉ ጽሑፋት ካብ ምጽሓፍ ንቆጠብ። ግደ ሓቂ ብሓቂ ስለ ህዝቢ፣ ስለ ሃገር ፣ ሰለ ደቅና፣ አረ እንኮላይ ስሌና ስለ ገዛእ ርእስና ክንብል ዓቕምና፣ ፍልጠትና፣ ህቡብነትና፣ኩሉ ብግሩህ ልብን ንጹህ ሕልናን ብምስትውዓልን ብሓልፍነታውነት መገዲ ንረብሓ ኤርትራና ክነውዕሎን ኣብ ሓድ-ሕድ ስዳሮ ስጉምትታትና ሕድሪ ስውኣትና ክንዝክር ለበዋይ አቕርበልኩም። ክቡራት አሕዋተይ ሃየ ኢደይ- ኢድካ፣ እንካ- ሃባ፣ ኢልና ዕጥቅና ኣስጢምና፣ ዓቕምታትና ኣላፊንና ንድሕነት ሃገርን ህዝብን ብስኒት ተሓቛቚፍና ንሰጉም።ካብዚ ወጻኢ ኣብ ጥራሕ ጎልጎል ኣብ ዓዲ ጓና ጫው-ጫው እንተበልና ውጽኢቱ “ዓሻ ከልቢ ኣብ ልዕሊ በርቂ ይነብሕ’’ እዩ ዝኸውን።

“እብ ኣዶ ኖስጋ ትወዲያ ጻውር እትካ፡ ወትነብር ቶህታ ወሽለ ጥዕሳ ዲማ እይትፈር”

“ባዕልኻ እትገብሮ ጌጋ ዘወትር ከሳቕየካ ይነብር፡ ዋይ ኣነ ኢልካ ዘይትወጽኦ ጣዕሳ ድማ የኸትል”

 

ጌታቸው ቀነነ 03-11-2013


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...