ማሕበራዊ ለውጢ ብሕዝባዊ ተሳትፎ ኢዩ ዝመጽእ

ለውጢ ዝብለ ቃል ክንሰምዕ ኮለና ብቀጥታ አብ ኣእምሮና ዝመጽእ ወይ ዝቅረጽ ነገር ተሎ ጽቡቅ ነገር ጥራይ ኢዩ በንጻሩ ሕማቅ ውጽኢት ዘስዕብ ለውጢ ከምዘሎ እኮ እንተዘይዘንጋዕና ብዙሕ ግምት ግን አይንህቦን ኢና ። እቲ ናይ ለውጥ ውጽኢት ሙሉእ ብሙልእ ጽቡቕ ክከውን ኢዩ ኢልካ ክግመት እዃ እንተዘይተካአለ አብ ትምኒት መጺና ግን ኩሉ ዝምነዮ ጽቡቅ ነገር ኢዩ ሓንሳብ ሓንሳብ ብስምዒት ንዛረቦ ነገር አሎ እሱ ድማ “ካብዚ ዝከፍእ’ዶ ከይመጸና” ኢና ንብል እዚ ድማ ካብ ጭንቀትን እቲ ህልው ኩነታት ዝፈጠሮ ንምጽዋሩ ካብ ዓቅምካ ንላዕሊ ምስ ዝከውን ካብ ሕርቃንን ብስጭትን ዝብግስ ኢዩ ኮይኑ ግን ዝገደደ ወይ ዝባአስ ክመጽእ ከምዝክእል አቀዲምካ ምግማቱ አይከፍእን ኢዩ ምክንያቱ ከምዚ ዓይነት ግምት ብዝብለጸ ንዝበለጸ ውጽኢት ንክንስርሕን ንክንዳሎን የክእለና ወይ ይሕግዘና ኢዩ።

ስለዚ ከምዚ ክብል ኮለኩ መጀመርያ አብ ማሕበራዊ ለውጢ ጸቂጠ ኢየ ክዛረብ ደልየ ምክንያቱ ማሕበራዊ ለውጢ እንተሎ ወይ እንተመጽዩ አብ ሓንቲ ሃገር ጎኒ ጎኑ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን  ለውጢ ስለዘካትት ነዚ ለውጢ ንምምጻእ ግን ብዝተደላደለ ወይ ብዝተወደበ ሓይሊ ዝምራሕ ሕዝባዊ ተሳትፎ ክህሉ አገዳሲ ኢዩ በዚ ኢዩ ድማ እቲ ናይ ብሓቂ ለውጢ ክመጽእ ዝክእል።

ምክንያቱ ሎሚ ሎሚ አብ ደምበ ተቃውሞ ንርእዮ ዘለና ናይ ብሓቂ ዘስክፍ ኢዩ ከምዝገለጽኩዎ ዝተደላደለ ወይ ዝተወደበ ሓይሊ ዝምራሕ ሕዝባዊ ተሳትፎ ዘለዎ ካብ ዓሌትን ሃይማኖትን ነጻ ዝኮነ አከያይዳን አመራርሓን እንተዘየለ እቲ ክመጽእ ተደልዩ ዘሎ ለውጢ ንምምጻኡ ዓቀበት ክኮንና ኢዩ ምናልባት እቲ ዓቀበት እንዳወደቅና እንዳተሳእና እንተወጸናዮ ከምቲ አብ ላዕሊ ዝገለጽኩዎ ዝገደደ ወይ ዝባአስ ከይመጸና እፈርሕ እሞ ወላ ለውጢ እንተረከብና መሊስና ንካልእ ለውጢ እንዳቛመትና ነዛ ቃል  “ካብዚ ዝከፍእ’ዶ ከይመጸና” ትብል ከይንደግማ እሞ ከምኡ እንዳበልና ከይንቅጽል እስከፍ ።

ዝድለ ዘሎ ለውጢ ንምምጻእ እቲ ዝመርሕ ዘሎ አካል ዓቢ ተራ ከምዘለዎ ዝካሓድ አይኮነን ምክንያቱ ብስነ ፍልጠትን ልምድን ሓድነትን ዘይተደገፈ አመራርሓ ናብ ውድቅት ኢዩ ዘምርሕ ምክንያቱ እዚ ዘሎ ስርዓት ሃገር ኩላ ብሃይማኖትን ዓሌትን ይበታትና ኢዩ ዘሎ ስለዚ ጎኒ ጎኒ ቃልስና ብመጀመርያ ነብስና ከነጽሪ አለና ነዚ ስርዓት ድማ ዕድል ክንህቦ የብልናን ሎሚ ነዚ እከይ ተግባራት ተዘይተቃሊስናዮ ጽባሕ ወላ እቲ ንደልዮን ንትምነዮን ዘለና ለውጢ እንተመጸ ነብስና እንተዘይአጽሪና ወይ ነጻ እንተዘይኮይና እሞ ድማ እቲ ስርዓት ዝገድፈልና አሰርን ጋሕማጥን አዕናውን አካይዳ ተሓዊስዎ ካብ ሎሚ ተዘይሰሪሕናሉን ተዘይተተንቂቅናሉን ጽባሕ ንክንዕርዮ ክከብደና ኢዩ።

ክንፈልጦ ዘለና ነገር ድማ እንድሕር ሎሚ አንጻር እዚ አዕናዊ ኣከያይዳ እንተዘይሰሪሕና እሞ ድማ አብኡ ንባዕልና ተተጨማሊቅና ግን ነዚ እዚ ስርዓት ዘሳውሮ ዘሎ ሓዊ በንዚን ንሕውሰሉ አለና ማለት ኢዩ ጽባሕ ንግሆ ድማ ንሕና ኢና ንስሕና ሰለዚ ክንዲ በንዚን ምውሳክ ብእዋኑ ከነጥፍኦ ተዘይጽዒርና አብ ነንሕድሕድና ፍቕርን ስኒትን እንተዘየንጊስና ብአፍና ኢና ንቃወም አለና ንብል ዘለና እምበር አብ ተግባር ግን ነቲ ስርዓት ንድግፎ ወይ አብቲ ዕንወት ንተሓሓገዞ ኢና ዘለና ማለት ኢዩ።

ስለዚ ንሎሚ ብሎሚ ብዛዕባ ሎሚ ሓሲብና እንዳተአራረምናን እንዳተማዓዓድናን ሓደ ኢድ ኮና ንጽባሕ ጥጡሕ መገዲ እንዳጸረግና እንተዘይከድና ትርጉም የብልናን ከንቱ ድካም ጥራይ ኢዩ ክኸውን ምክንያቱ ንጸላኢካ ቀዳድ ካብ ምፍጣር ሓሊፉ ሎሚ ጌጋ ወይ ድክመት ዝበልናያ ብግዜኡ ኢሂን ምሂን ኢልና ተዘይአሊናያ ወይ መፍትሒ እንተዘይረኪብናላ ንእሽተይ ኢያ ቀላል ኢያ ኢልና ነገራት ሸለል እንተኢልናዮም እታ ንእሸተይ ዝበልናያ ዓብያ ደሓር ንምፍታሓ አብ ዘሸግር ኩነት በጺሓ ናብ ዝተሓላለከን ዝተጠናነገን ነገር ምልዋጣ አይተርፍን ኢዩ።

ስለዚ እዚ ጽባሕ ክመጽእ ንጽበዮ ዘለና ለውጢ ዝሓሸን ውሑስን ክኮነልና ሎሚ ብጽፈትን ብዉሕሉል አገባብ ክንሰርሕን ክንጎዓዝን አለና እቲ ቀንድን ወሳንን ድማ ሓደ ዕላማ ሒዝና ነንሕድሕድና ፍቕርን ስኒትን እምነትን ሃልዩና ካብ ሃይማኖታውን ዓሌታውን ነጻ ኮይና ካብ ምንዕቃቅ - ምክብባር ልዕሊ ኩሉ ድማ እታ ዝከፍኤት ነገር ናዓይ ስምዑኒ ወይ አነ ኢየ ፈላጥ ክንብል የብልናን ኩሉ ግዜ ልዕሌና ፈላጥ ከም ዘሎ ክንፈልጥን ክንአምንን አለና።

ልክዕ ኢዩ አይኮነን ዝተፈላለየ ውዱባት አብ ሓደ ውዱብ’ውን ፍልልይ ክህሉ ግድን ኢዩ ስለዚ ዘሎ ፍልልይ ብዓቅልን ብልቦናን ሒዝና ብከመይ ፍልልያትና ነጽብብ ኢዩ እቲ ወሳኒ ከም አብ ላዕሊ ዝገለጽኩዎ አከያይዳ እንተዘይከድና በንጻሩ ሓደ ውዱብ ወይ ውልቀሰብ አነ ዝብሎ ወይ ናተይ ጥራይ ተቀበሉ እንተዘይኮይኑ ንስኩም ሃገራዊያን አይኮንኩምን ዝብል እንድሕር ኮይኑ ናብ ዘይተደለየ ማእዝንን ንድሕሪት ገጽና ኢና ክንምለስ ማለት ኢዩ ምክንያቱ ኩሉ ግዜ ከምዚ ዓይነት ምፍልላይን  ምፍሕፋሕን እንተሎ እሞ ድማ ፍልልያትካ ካብ ምጽባብ ምፍንታትን ምግርጫውን እንተበዚሑ ካልእ ውዱብ ምፍጣር ወይ ምፍንጫል ከምዘስዕብ ቡሩህ ኢዩ ስምምዕ ወይ ስኒት እንተዘየለ ኩሉ ግዜ ሓደ ንየማን ሓደ ንጸጋም ክከይድ ግድን ኢዩ ነፍስ ወከፍ ሰብ ተፈንጪሉ ናቱ ወዱብ እንድሕር ዝምሰርት ኮይኑ ኣእላፍ ውዱባት ክህልወና ኢዩ ውዱባት ተበዚሔን ድማ ፋይዳ ዘይብሉ ከንቱ ጫውጫው ጥራይ ኢና ክንሰምዕ ስለዚ እቲ ወሳኒ ከምዝገለጽኩዎ ሓደ ኢድ ኮይና ውህደት ፈጢርና ካብ ሕዝቢ ንሕዝቢ ዝሰርሕ ሓደ ሓይሊ ፈጢርና ምስ ንጎዓዝ ጥራይ ኢና ክንዕወት ንክእል እዚ አካይዳ ድማ ንሰላምን ዲሞክራሰን ማዕርነትን ዝሰርሕ ብሕጊ ዝምራሕ መንግስቲ ንምምስራት ዘቀላጥፍ አብ ርእሲ ምዃኑ ንናይ ሕዝብና ስቃይን መከራን ንምሕጻር ሓጋዚ ኢዩ።

ሽሕ ግዜ ደምበ ተቃውሞ እቲ መስረታዊ ፍልልያቶም አብ “ ጸላኢ ናይ ጸላእየይ ዓርከይ “ አብ ዝብል አምር ዝተመርኮሰ ተኮነ ብሓባር ክሰርሑ ይኽእሉ ኢዮም ከም ናተይ ርእይቶ እቲ ቀንድን አገዳስን ነገር ክከውን ዘለዎ መጀመርያ እቲ አብ መነጎካ ዘሎ ናይ ፓለቲካ ፍልልያት መልሲ ማለት መፍትሒ ክርከቦ አለዎ ከም ካልአይን እቲ ወሳንን ነገር ድማ እንድሕር ናይ መጀመርያ ናይ ፓለቲካ ዕላማኦም ነዚ ዘሎ ስርዓት ምእላይ ገይሮም ተጎዒዞም እሞ ድማ ብሓባር ንፍትሕን ዲሞክራስን ሓፈሻዊ ንናይ ፓለቲካ ለውጢ ሰሪሖም አብዚ ሰዓት እዚ ርግጸኛ ኢየ ብዘይ ጥርጥር ፍልልያቶም አጽቢቦም ብዛዕባ መጻኢ ዕማማቶም ክዝትዩ ክጅምሩ ኢዮም ድሕሪ ፍልልያቶም ምልላይን ምጽባብን ድማ ሓቢሮም ነዚ ዘሎ ስርዓት ንምእላይ ክሰርሑ ኢዮም። ምክንያቱ ኩሉ ግዜ ዕርቅን ሰላምን ተሎ ንዝመጽእ መደባትካ ዝዕንቅፍ ነገራት ከጋጥመካ አይክእልን ኢዩ በንጻሩ ነቲ ሓድሽ ፓለቲካዊ አጀንዳ ንመጻኢ ክትከል ተደልዩ ዘሎ ወይ ሰርዓተ ሕጊ አከያይዳ ዘራጉድ ነገራት አብ ምንዳፍን ምስራሕን ኢዮም ከተኩሩ ዝክእሉ።

ሐደ ነገር ክንግንዘቦ ዘለና ዝኮነ ናይ ፓለቲካ ተቃወምቲ ፓርቲ እንድሕር ካብቲ መሰረታዊ ማሕበራዊ ሕይወቶም ብዓቢኡ ካብ ሃገሮም ወጻኢ አለዉ ማለት እቲ ዝገብርዎ ተቃውሞ ይኩን ምንቅስቃስ ካብ ሃገር ወጻኢ እንተኮይኑ እቲ ቀጥታውን ሓቀኛን ውሽጣዊ ሓይሊ ክረክብዎ አጸጋሚ ኢዩ ምክንያቱ አብ መብዛሕትኤን ምዕራባዊያን ሃገራት ጥራይ ዘይኮነ ሎሚ አብ አፍሪቃና ተሪኢና ውን ርሑቅ ከይከድና ነዘን ጎረባብቲ ሃገርና ከም አብነት ክንርኢ ንክእል ተቃውሞኦም አብ ውሽጢ ሃገር ኢዮም ዘካይድዎ ዘለው ሰለዝኮን ድማ ነቲ ዘሎ ሰርዓት ንምቅያር ወይ ንምግልባጥ አዝዩ ልዑል ተክእሎ (potential ) አለዎም ክንብል ንክእል ምከንያቱ ብአካል ምሰትህሉ ኢካ ተጽዕኖ ክትፈጥርን ፓለቲካዊ ዕማማትካ ከተሳልጥን ትክእል ሰለዚ ካብ ዓድካ ወጻኢ ኮንካ ምቅዋም ምሰ ካብ ባሕሪ ዝወጸ ዓሳ ከነመሳስሎ እዃ እንተዘይካአልና እቲ አነ ቀንዲ ዘዛርበንን ዘሰክፈንን ዘሎ ነገር እዚ ናትና ወይ ናይ የሕዋትና ደምበ ተቃወምቲ ከምዝተገለጸ ካብ ዓድካ ወጸኢ ኮንካ ምቅዋም ዘለዎ አሉታዊ ጎኑ አብ ተክእሎታት ጥራይ ከይተሓጸረ አብ ማሕበራዊ ሰትራተጂካዊ ዲብሎማሲያዊ ወታሃደራዊ ሸነክ’ውን ነቲ ዘሎ ሰርዓት ጸቅጢ ወይ ተጽዕኖ ንምፍጣር ይኩን ነቲ ሕዝቢ የእሚንካ አብ ጎንካ ንምሰላፍ ዘሎ ተክእሎ ድሩት አብ ልዕሊ ሙዃኑ ንንጥፈታትካ ዓንቃፊ ኢዩ ምክንያቱ አብ ዓዲ ጎና ኮንካ ትገብሮ ምንቀስቃሳት ከም ልብካ ክከውን አይክእልን’ዩ ካልአይ ድማ እቲ ዘለካዮ ሃገር ወይ መንግስቲ እቲ ዝግባእ ፍቃድን ሓገዛትን ክገብረልካ አይክእልን’ዩ ምስኡ’ውን ነጻ ኮንካ ናይ ምንቅስቃስን ዕድላት ክትረክቦም አብ ዓዲ ጎና አጸጋሚ ኢዩ ገለ ገለ ሓገዛት እንተሎ’ውን ድሩት ኢዩ ።

አብ ኢኮኖሚያዊ መዳይ እንተመጺና ከም ዝፍለጥ ናይ ተቃወምቲ አባላት ቁጸሪ አዝዩ ውሑድ ኢዩ በዚ ድማ ክረክብዎ ዝክእሉ አታዊ ወይ ሓገዛት ብጣዕሚ ውሱን ኢዩ ካልአይ ድማ አብ ዝኮነ ሃገር መሰል ተቃወምቲ ውዱባት ሕልው ስለዝኮነ ንአብነት አብ ምርጫ ክቀርቡ ከለዉ ብመንግስቲ ዝስላዕ ዓመታዊ ድጎማ ይግበረሎም ኢዩ አብ ናይ ሃገርና ተመጺና ዘይሕሰብ ኢዩ እዚ ስርዓት ህግደፍ ከይተአለየ ከምዚ ዓይነት ነገር አብ ሃገርና ክሕሰብ አድጊ ቀርኒ ከውጽእ አለዎ።

ስለዚ እዞም የሕዋትና አብዚ ርእሲ እዚ ኩሉ ጸገም ክንዲ ጎቦ ዝከውን ፍልልያት አለዎም እዚ ኢዩ ድማ ዘሰክፈኒ ዘሎን ድሕሪ ለውጢ ናበይ ገጽና ኢና ዘብለኒ ዘሎ ምክንያቱ ሓደ ናይ ፓለቲካ ፓርቲ ወይ ተቃዋሚ እንድሕር ልሙስን አዕናዊ አከያይዳን አለዎ ጽባሕ ንግሆ እንታይ ኢና ክንጽበ ካብኡ እቲ ክከውን ዘለዎ ካብ ዓድካ ወጻኢ ኮንካ ምቅዋም ከቢድን ዘይተሓለለ ጻዕርን ዝሓትት ሙዃኑ አሚንና ንሽምና ዘይኮነ ንሕልናና ኢልና ክንሰርሕ አለና እዚማለት ድማ ነቲ ዘሎ ስርዓት ምልዋጥ ጥራይ ዘይኮነ ድሕሪ ለውጢ ዘሎ ስራሕን ብድሆን ይዓዝዝ ምክንያቱ እቲ ስርዓት ዝሓድጎ ጋሕማጥን አዕናዊ ፓሊሲን ካብ ሱሩ ንምልዋጥን ውሑሱን ዲሞክራሲያዊን ናይ ፓለቲካ ስርዓት ንምትካልን ልዕሊ ኩሉ ሰብአዊ መሰል ዝሕሉ ኢሂን ምሂን ትባሃለሉ ነጻ ፕረስ ዘክብር መንግስቲ ንምትካል ከቢድ ጻዕርን ጽንዓትን ዝሓትትን ኢዩ።

ነዚ ቃልሲ ንምዕዋት ብሓደ ኢድ ንሓድ ዕላማ እንተተካኢሉ ግንባር ፈጢርካ ወይ እቲ ዝበለጸ ድማ ውህደት ፈጢርካ እንተዘይተካአለ ድማ በብዘለዎ ዘውጸኦን መደባትን አካይዳን ተጠቂሙ ነቲ ሕዝቢ የእሚኑ አብ ጎኑ አሳቲፉ ንዝሓሽ ለውጢ ምቅላስ ኢዩ እቲ ወሳኒ ከምዚ ክብል ኮለኩ ግን እቲ ኩሉ አብ ላዕሊ ዝገለጽኩዎ ዓንቃፊ ነገራት ሙሉእ ብሙሉእ አሊና ሓደ ኢድ ክንኸውን አለና አዚ ድማ ነፍሲ ወከፍ ስብ ከምዝምልከቶ ፈሊጡ ጉቡኡ ክገብርን ክሳተፍን ሓላፍነትን ክወስድን አለዎ።

ብመጀመርያ ግን እዘን ውዱባት ነቲ ሕዘቢ ብጉቡእ ከእምኖኦ ክክእላ አለዎን ሕዝቢ ክላ እዘን ውዱባት ሱቅ ኢለን ኢየን ጥቅሚ የብለንን ኢሉ ክዛረብ ዘይኮነ ዋእ እዘን ውድባትና ናይ ብሓቂ ብልቢ ንናይ ሕዝብን ሃገርን ለውጢ ይስርሓ አለዋ ኢሉ ከምዝዛረብን ከምዝአምንን ክገብራ ክክእላ አለወን ብሓደ መስመር ወይ መገዲ ክንጎዓዝ እንድሕር ተደልዩ ምክንያቱ ሎሚ እቲ ዘሰክፍን ዘሕዝነካ ነገር ተሎ ካብቶም ናይ ህግደፍ ደገፈቲ ንላዕሊ እዚ ለውጢ ዝደሊ ዘሎ ንህግደፍ ዘይድግፍ አብዘን ውዱባት እምነት የብሉን አቲ ምክንያት ድማ እንትርፎ ነንሕድሕድካ ምውንጃል ዝኮነ ፍረ ወይ ውጽኢት ዘለዎ ነገር ስለዘይርእይ ዘሎ ኢዩ ነዚ ስምዒታት ንምቅያር ድማ ዓቢ ስራሕ ከድልየና’ዩ እዚ ኢዩ ድማ ቀንዲ ክጽሕፍ ዘገደደኒ።

ከም ቀንዲ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ሕደሕድ ምውንጃል’ዩ ሓደ ሰብ ንዓመታት ዝሰርሔ ከም ገለ ኢሉ ሓደ መዓልቲ ተተጋግዩ እቶም ካልኦት ክነቅፉን ክጻረፉን ይጎዩ ብሰንኪ ናይ ሓደ መዓልቲ ጌጋ ሽሙ ይብከል አብዚአ ክሓታ ዝደሊ እቲ ዝነቅፍን ብዛዕባ ሰባት ጌጋ ዝዛረብ ሰብ ብዛዕባ ልዕልና ናቱ ኢዩ ዝሰርሕ ዘሎ ማለት ኢዩ ምክንያቱ ብዛዕባ ጌጋ ሰባት ክዛረቡ ከለዉ ንሕና አይንጋገይን ኢና ልዕሊ እቲ ዝተጋገየ ኢና ዘስምዕ ዘረባ ኢዮም ዘስምዑና እሞ እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝነካ አብ ሜድያ ወጺካ ብዙሕ ይዝረብን ይጻሓፍን በቲ ጌጋ ዝገበረ ሰብ እቲ ሓቂ ግን ክከውን ዘለዎ እዚ ሰብ ትፈልጦ ኢካ አብ ሓደ ውዱብ አይትኩኑ እምበር ክልቴኩም ሓደ ኢዩ ዕላማኩም ንለውጢ እሞ’ከ ዳአ አብ ሜድያ ብቁሉዕ ዘይኮን ንምንታይ ዳአ ብአካል ድዩ ወይ ብካልእ መንገዲ ተራኪብና ጌጋታትና ዘይንተአራረም ካብ መፍቶ ጸላኢ ንከውን ስለዚ አበር ናይ ካልኦት አብ ምንዳይ ግዜና አይነጥፍእ እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝነካ ሓደ ናይ ሓደ አበር ወይ ጌጋ ክረክብ ኮሎ ደስ ይብሎ እቲ ካልእ ስለዝተጋገየ ንነብሱ ከም ሓደ ፍጹም ስብ ዘይጋገ ጌሩ ይወስዳ በንጻሩ ግን እቲ ቡዙሕ ዝስርሕ ኢዩ ጌጋ ዝርከቦ ስለዚ ካልእ ሰብ ስለዝተጋገየ ንነብስና ከምዘይንጋገ ጌርና አይንውሰዳ እዚ ጌጋ ኢዩ ንባዕሉ ሰለዚ ጌጋ ክንርኢ ኮለና ብቅንዕና ክንእርም ኢዩ ዘለና እምበር መሊስና ጌጋ አይንፈጽም።

ስለዚ ትዛረቦ ጥራይ ዘይኮነ ከመይ ኢልካ ከምትዛረብ’ውን ምፍላጥ አገዳሲ ኢዩ አነ ዝብል ዘለኩ ብፍጹም አይንጽሓፍ ፤ አይንነቃቀፍ ኢድናን እግርናን ሒዝና ኮፍ ንበል አይኮነን መልእክተይ እንታይ ዳአ ንጽሕፎ ነገር ንፍለጥ ሃናጺ ኮይኑ ንሰባት ናብ ፍቕርን ምትሕልላይን ምክብባርን ዘእቱ እምበር መሊሱ ናብ ጽልእን ቅርሕንትን ዘእቱ አይንጽሓፍ ኢየ ዝብል ዘለኩ።

እቶም ዝጸሕፉ ሰባት ካብ ባዶ ተበጊሶም እዃ እንተዘይበልኩ ግን ነገራት ከይመመዩ ብዙሕ ዝመስሎም  ዘይብሱል ጥረ ዘረባ ወይ ርእይቶ ክጽሕፉ ይራአዩ እቲ ርእይቶ ኣዝዩ ኣንፈቱ ዝሰሓተ አብ ርእሲ ሙካኑ ንስባት ዘይሓቀኛ ሰእሊ ወይ ዝተጋነነ ሓበሬታ ከትሕዞም ይክአል ኢዩ ነገራት አብ ምጥንናግን ሰባት ናብ ዘይተደለየ አንፈት ንክጎዓዙ የክእሎም አዩ። ምክንያቱ መራሕቲ ውዱብ ተባሂሎም ንሕዝቢ አርአያ ክንዲ ዝኮኑ ጉድለታቶም አብ ውሽጦም ነንሕድሕድካ ተረዳዲእካ ኢሂን ምሂን ኢልካ ፍታሕ ክንዲ ምንዳይ ጸገማቶም ንቃልዕ የውጽእዎ እሞ እቲ ዝስምዕ ድማ አብ ዘይተደለየ ነገር ይአቱ አሎ ስለዚ እቲ አብ ውሽጢ ዘሎ ማለት ደምበ ተቃውሞ አይተሰማምዔ እቲ ብደገ ዘሎ’ውን ከምኡ ከምዚ እንዳበለ እንዳተላብዔ ይኼይድ አሎ … ። ከምዚ ክብል ኮለኩ ኩሉ ነገራትናን ንጥፈታትናን አይንዛረበሎም ማለት አይኮነን እቲ ዝካየድ ንጥፈታት ይኩን ካልእ ሕዝቢ ክፈልጦ ዝግበኦ ክግለጽ አለዎ።

ቡዙሕ’ውን ንሰምዕ ኢና ጉባኤ ከምተካየደ ወይ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ስሩዕ ኣኼብኡ ኣሰላሲሉ ብዓወት ተዛዚሙ ካልእን ንሰምዕ ሕራይ ጽቡቅ እንድዩ ብዓወት ምዝዛሙ ግን ብዓወት ሰለዝተዛዘመ ኣኼባ ስለዘተገበረ ብጽቡቕ ድሌት ጥራይ ኩሉ ድሌታትናን ባህግናን ብተኣምራት ክመጸና’ዩ ማለት አይኮነን ዘይሕለል ጻዕርን ስራሕን ከድልየና’ዩ።

ሓንሳብ ሓንሳብ ሓቂ ክከውን ይክእል እንድዩ እቲ ዝባሃል ዘረባ ሓቂ ይኩን ዳአ እምበር ንደገ ምውጽኡ ካብ ጥቅሙ ጉድአቱ ዝዓዝዝ እንተኮይኑ ካብ ምውጽኡ ምዕቃቡ ይምረጽ ዓቂብናዮ ሱቅ ንበል ማለት ዘይኮነ ድማ አብ ውሽጥና ጌርና ብቅንዕና ኢሂን ምሂን ኢልና ባዕልና መፍትሒ ክነናድየሉ አለና እምበር ክስቶ ከምዚ ኢሉ ክሰቶ ከምዚ ይሓስብ አሎ ኢልና ነቲ ብደገ ዘሎ ሓንጎሉ ነናውጾ እንተኮይና ብመጀመርያ እቲ ሕዝቢ አብ ልዕሊኦም እምነት ከጉድል ኢዩ ካልአይ ድማ ናቶም ፍልልይ ከይአክል ነቲ ሕዝቢ ንባዕሉ አውራጃውን ፤ ቀቢላውን ፤ ሃይማኖታውን ዘረባታት እንዳአምጽኡ አብ ፍልልይ ንክአቱ የገድድዎ አለዉ።

ስለዚ እዞም ደምበ ተቃውሞ ከምዚ ዓይነት አከያይዳ ኢዮም ዝከዱ ዘለዉ ፍልልይ ከጋጥም ንቡር ኢዩ ኮይኑ ግን ሓደ ሰብ ምስ ዝጋገ ወይ ገለ ነገር ዘየድሊ ምስዝሓስብ ክንዲ ምሰኡ ተራኪብካ ግደፍ አይትጋገ የሕዋት ኢና ኢልካ ናብ ልቡ ምምላስ ወይ ነገራት ብእዋኑ ምዕራይ በንጻሩ ተቀዳዲሞም ናብ ሜድያ ይጎዩ ክሰቶ ከምዚ ኢሉ ከምዚ ይሓስብ አሎ ኢሎም ይዛረቡ ወዮ እቲ ንጹህ ልቢ ዝነበሮ ተራ ስብ አሃ እምበአር ከምዚ ይሓስቡ አለዉ ንሕናስ ካብ መን ሓሚቅና ኢሉ አብ ሓሳቡ ዘይነበረ ነገር ክሓስብ ይጅምር እዚ ሕጂ ብሰንኪ ነገራት ወይ ፍልልያትካ አብ ውሽጥካ ጌርካ መፍትሒ ምንዳይ ንቃልዕ ንንፋስ ንሀቦ አለና።

እቲ ካልአይ ጸገም ዝከውን ዘሎ እቲ ስሚዑ ዝጸሕፍ ዘሎ ኢዩ ማለት ከምዚ ኢሎምና ከምዚ ይሓሰቡ አለዉ ዝብል ነገራት ምስ ሰምዔ ጸግዒ ሒዙ መሊሱ አቃሚሙ ነታ ሓዊ ኩሉ ዓይነት ጋዝ ይሕውሰላ እንድሕር ኮይኑ ትርጉም የብሉን … ገለ ገለ የዋሃት ድማ ብጽቡቅ ይጅምሩ ኣብ ጸለመን ክስን ግዜና አይነሕልፎ ሓደ ኢድ ኮና ንስራሕ ክብሉ ይጸንሑ እሞ አብ መወዳእታ ፋሕ ትብሎም እሞ ንባዕሎም አብ ጸርፍን ዘለፋን ይአትዉ እንታይ ኢዩ ጸገምና እቲ ምጽራፍ አመል ድዩ ኮይኑና አይርዳአካን’ዩ እዚ ግን ምፍላጥ’ዶ ወይስ ዘይምፍላጥ? ነዚ ዘይፈልጥ የለን ክብል እደፍር ግን ምናልባት ዘይምፍላጥ እንተበልና እቲ ዘይምፍላጥ’ውን እንታይነትና ዘይምፍላጥ’ዩ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ጸገምና ንክንፈልጥ ዓቅሚ ስለዝሓጽረና ዘይኮነ ንክንፈልጥ ዘይምድላይና ኢዩ ።

ልዕሊ ኩሉ ድማ ዘረባ ክልተ ከይሰማዕና አይንፍረድ በጃኩም እቲ ሓቂ ግን ሕራይ ክወጽእ ዘይግበኦ ነገር ወጺኡ ጌጋ ተገይሩ ንምንታይ ካልአይ ጌጋ ንፍጽም ሕራይ ንጽሓፍ ግን ክኸውን ዘለዎ ሃናጺ ርእይቶ ኮይኑ ብዘይ አድልዎን ጸግዕን ናብ ልቦም ዝመልስ ፍቅርን ስኒትን ዘንግስ ክንጽሕፍ አለና እምበር በንጻሩ ጸግዒ ሒዝና አጁካ ጸቡቅ ገበርካ ኢልና ነቲ ጌጋኡ ንድግፈሉ ተኮና መን’ዩ ክዕረቅ መን’ዩ ከታዓርቅ መን’ዩ ክሰማማዕ መን’ዩ ከሰማምዕ እንድሕር ኩልና ከም አክላብ ነንሕድሕድና ንነካከስ ተኮና ሰሴሮ እንታይ ኢሉ ነይሩ ሓደ ሰብ ናይ ዘረባ ክእለት አለዎ እንድሕር ክንብል ኮይና እንታይ ይባሃል ጥራይ ዘይኮነ እንታይ’ከ ክባሃል የብሉን ክፈልጥ አለዎ ይብለና ሓቂ’ዩ ሰለዚ ንብሎ ፈሊጥና ነጻ ኮይና ሕድሕድ ዘለፋታትን ምቁንጽባትን ገዲፍና ንጎዓዝ ካብ ኩሉ ዓንቃጽን ጎታትን ነገራት ንታአለ ኩልና ክሳብ ንሓንቲ ኤርትራ ንሰርሕ ዘለና።ምክንያቱ ሓንሳብ ሓንሳብ ዘሰክፍ ነገራት ትሰምዕ እዚ ድማ ገለ ገለ ውዱባት አብ ዝግበር ዋዕላ ወይ ኣኼባ እሞ ድማ ናይ ኪዳን ይበዀራ እንድሕሪ ብልቢ እዞም ሰባት ንሃገር ይሰርሑ አለው እንታይ አለዎም ዘቡኩር ተረኪቦም ዘለዎም ሓሳብ ይኩን ደሰ ዘይበሎም ነገር ብግለጺ ዘይዘረቡ ኢሂን ሚሂን ኢሎም ድማ መፍትሒ ዘየናድዩሉ ካብ ዋዕላ ተገሊልካ ብደገ ኮንካ ቡዘሕ ምዘራብ ናይ ግልካ ስሚዒታት ዓቂብካ ንናይ ሕዝብካ ድሕነትን ሰላምን ክትሰርሕን ከተቀድምን ይግባአ።

ሸሕ ግዜ እዘን ውዱባተ ቀንዲ ዕላምኤን ንሰርዓት ህግደፍ ንምዕናው እንተኮነ ከምዝተገለጸ አብ ተግባር ግን ነፍሲ ወከፍ ውዱብ ወይ ውልቀሰብ መንነት ምዕቃብ ኢዩ እቲ ዝዓበየ ሰርሑ ክባሃል ይካአል። ነዚ ሕቡእ ዕላማ ንምሽፋን ድማ ሓለይቲ ሃገርን ደለይቲ ለውጥን ኮይኖም ምቅራብ ኢዩ ።  ምክንያቱ እንተርኢና ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ ጸብለል ኢሉ ንክርኤ ወይ ህላውነቱ ንምምርግጋጽ ይሰርሕ እዚ ሕጂ ጠፊእዎም አይኮነን እቲ ሓቂ ግን ንሓንቲ ኤርትራ ክሳብ ትሰርሕ ዘለካ ብዛዕባ ህላወነትካ ከተረጋግጽ ተኮንካ ሕጂ ብሓባር ኮንካ ናይ ግልካ ህላዌ ዘይኮነ ናይ ሃገር ህላዌ ከተቀድም አለካ ምክንያቱ ህላውነት ሃገር ምስተረጋገጸ ኢዩ ህላውነትካ ዝረጋገጽ። እዚ ድማ እቲ ናይ ትማሊ ጌጋ ክንማሃረሉ ዝግባአና ዓቢ አብነተ’ዩ ምክንያቱ ትማሊ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ ጸብለል ኢሉ ንክርኤ ወይ ህላውነቱ ንምምርግጋጽ ሰለዝተሰርሔ ኢዩ እቲ ዓቢ ጠንቂ ንናይ ሕድሕድ ኩናት ንከስዕብ ዘክአለ።

ሎሚ’ውን ነቲ ጉዕዞ ናይ ፓለቲካዊ ወዱባት ዓንቃፍን ኮይኑ ዘሎ ፍልልያት እተን ውድባት ኪዳን እዩ ብልክዕ እዃ አብ ሓደ ነጥቢ ተተሰማማዓ እሱ ድማ ንስርዓት ህግደፍ ንምእላይ ካልእ ግን ቡዙሕ ነገራት አለወን ዘየሰማምዕ እቲ ዘሕዝነካ ኪዳን ገይረን ከብቅዓ ፍልልያተን ከጽብባ ዘይምክአለን’ዩ ሓደ ግዜ ባዕሉ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ.  ዘውጸኦ ጽሑፍ ከምዚ ዝብል ንረክብ ፡-

“ ኣብ ኪዳን ሓደ ዓይነት እስትራተጂ ንምጥቃም ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኮይኑ ንረኽቦ። እዚ ስለ ዝራአዩ እዮም ብዙሓት ዜጋታት ነዚ ምትእኽኻብ ከይተበገሰ ዝተሳዕረ ምትእኻብ እዩ ክብሉ ዝገለጽዎ።’

ይብለና እወ ሓቂ ኢዩ እቲ ዜጋ ወላሓንቲ ለውጢ ስለዘይርኢ ዘሎ ከምዚ ተበለ አይፍረዶን’ዩ።

ጸኒሕና ድማ ከምዚ ዝብል ንሰምዕ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ዕድሚኡ ኪዳን ዘረጋገጾ ነገር እንተኔሩ እቲ ኣብ መንጎ ውድባት ኤርትራ ዝርአ ዝነበረ ሓድሓድ ዘለፋታትን ምቁንጽባትን ከምዝተርፍ ምግባሩ እዩ። ብተወሳኺ እተን ኣብ ክሊ ጽላል ኪዳን ዘለዋ ውድባት ብቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ናይ ምክብባርን ኣብ ናይ ሓድሕድ ጉባኤታት ወከልትን ናይ ደገፍ መልእኽትታት ምምሕልላፍን፡ እታ ሓንቲ ዘዳለወቶ ሰላማዊ ሰልፊ እታ ሓንቲ ክትካፈሎ ምግባሩ ከም ዓቢ ዓወት ክቑጸር ይክኣል።

እዚ ጽቡቅ ብስራት እንድዩ ሓደ ስጉምቲ ንቅድሚት ኢዩ ድማ ግን እቲ ቀንዲ ነገር ሕድሕድ ዘለፋታትን ምቁንጽባትን ከምዝተርፍ ምግባሩ  ወይ ሕድሕድ ምክብባር ከምዝነግስ ምግባር ጥራይ ዘይኮነ እቲ ቀንዲ መሕልኮ ኮይኑ ዘሎ ፍልልያት ምጸባብ ኢዩ እቲ ቀንዲ ዕማምና ክከውን ዘለዎ ምክንያቱ ንአብነት ምስ ዝተባአስካዮ ሰብ ተዓሪቅካ ከተብቅዕ እንድሕር ዘይትዘራረብ ኮንካ ምዕራቅካ ትርጉም አይክህልዎን’ዩ ስለዚ እዞም የሕዋትና’ውን ዘለፋታትን ምቁንጽባትን ከምዝተርፍ ተገበሩ  ክሳብ ፍልልያቶም ዘየጽበቡ ልክዕ ከምዞም ክልተ ቡኡሳት ተዓሪቆም ከብቅዑ ዘይዛረቡ ሰባት ፍልልይ የብሎምን።

እዚ ዘሎ ወለዶ ማለት ናይ ሎሚ መንእሰይ ብፍላይ አብ ስደት አበየ ኩርናዓት ዓለም ዘሎ ካብቲ ዝቅመጠላ ሃገር ይኩን ዝርእዮን ዝሰምዖን ነገራት ብዛዕባ ዲሞክራሲ ቡዙሕ ነገር ተማሂሩ ወይ ገቢቱ’ዩ ክባሃል ይካአል ሙሉእ ብሙልእ እዃ እንተዘይተባሃለ ምክንያቱ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ስለዝፈላለ ብዝኮነ ግን አጸቢቁ ትርጉሙ ብጽሑፍ ዘይኮን ብተግባር ብአካል ሰለዘስተማቆሮ ኢዩ ድማ ሎሚ ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ንዲሞክራስን ፍትሕን ዝሰርሕ ዘሎ ስመር እንዳተባሃለ አብዚ ክብላ ዝደሊ ከም ዝፍለጥ ናጽነት ብመናእሰያት ናይ ሱሳታት ናይ ሎሚ አቦታትናን አያታትናን ኢያ መጺአ ሎሚውን አብ ዝተፈላለየ ጽፍሒ አብ ናይ ደምበ ተቃውሞ አለዉ ብመጀመርያ እቲ አከያይዳ ወይ ፍልስፍና ናይ ሱሳታት አወንታውን አሉታውን ጎኒ ነይርዎ ሰለዚ እንታይ ኢዩ ክማሃር እዚ ናይ ሎሚ መንእሰይ ካብ ናይ ሱሳታት መናእሰያት ናይ ሎሚ አቦታትናን አያታትናን አብ ልዕሊኦም ዘለና ክብሪ አብ ቦትኡ ኮሎ ከም ዝፍለጥ ቡዙሕ ጋሕማጥ አከያይዳ ኔሩ ኢዩ ኮይነ ግን ሃብታም ተመክሮ ስለዘለዎም ካብኦም ክንማሃር ንክእል ኢና ኮይኑ ግን ገለ ገለ ሰባት አለዉ እቲ ናይ ቀደም አከያይዳ ዝደግሶም ስለዚ እቲ ወሳኒ ኤእክሉ ወሲድና እቲ ሓሓሰሩ ሙግሓፍ ናትና ናይዞም መንእሰያት ግደ ይኸውን።

አብ ሰነ 2013 ብሓው ወይ አቦና አቶ ብርሃነ ገ/ንጉስ  “ይአክልባ፤ ሃየባ ፍሕትሕት ንበል” ብዝብል እርእሰቲ ዝተጸሓፈት ጽሕፍቲ አንቢበ ናይ ብሓቂ መሲጣትኒ ናይ ብሓቂ ልቦና ዝመልኦ ጽሑፍ ንአቶ ብርሃነ ገ/ንጉስ  ስለቲ ተገዳስነቱን ልባዊ ሓልዮቱን ሃገራዊ ተቆርቃርነቱን ከመስግኖ እፈቱ ከምዚኦም ኢዩ ድማ ዘድለየና ዘሎ ብሕልና ዝጎዓዙ ሰባት ብዝኮነ እቲ ጸሑፍ ነዊሕ እዃ እንተኮነ ብፍሉይ ዝመሰጠትኒ አንቀጽ ምክርን ማዕዳን ዝሓዘት ብቀንዱ ድማ ምሰዛ አርእስተይ ስለትከይድ ነዛ ፍልይትን እዋናዊትን ሓሳብ መሪጸ እቲ ትሕዝቶአ ከምዚ ዝስዕብ ይመስል፡-

“ብፍልይ ዝበለ መገዲ ክርኤ ዘሎዎ ከአ፡ እዚ ጻውዒት’ዚ ነቶም ካብ 55-60 ዐመት ንላዕሊ ዘሎና ሀገራውያን ብዝያዳ ዝምልከት’ውን እዩ። ከም ዝዝከር (ኣብ ዝሓለፈ ግዜውን ኣስፊሔ ከም ዝገለጽኩዎ) አብዚ ወሎዶ’ዚ ዘሎና ኢና ብሰፊሑ ነቲ ቃልሲ ናይ ነጻነት ዝወላዕናዮን ዘካየድናዮን። አብ መወዳእትኡ ግን ብነጻነት ነብስና አታሊልና፡ ምሉእ ሓርነት ስለ ዘየራጋገጽና፤ ብድሕሬና ንዝኽተል ወሎዶታት አብ ሕማቕ ኩነታት ራሕሪሕናዮ ንርከብ አሎና። አውራ ከአ ነታ ናይ ደቅና ወለዶ አደዳ ዝኸፍኤ ውግእ ሓሳር ድኽነት ድንቁርናን ስደትን ጌርናያ አሎና። አብ ቅድሚ ዐይንና’ውን አዝዩ ብዘታሓሳስብ ኩነታት ብፍላጥን ብፕሮግራምን ዝካየድ ዘሎ ናይ ምሉእ ወለዶ-ጋግ ክፍጠር ንርኢ አሎና (ካብ 18-40 ዓመት ዘሎ ወለዶ ይጸንት አሎ!!)። ናትና ወሎዶ እዩ ከኣ ንበዐል አቶ ኢሳያስ ፋሉል ንኽኸዱ ዝገደፎምን ሕጂ’ውን ዝድግፎም ዘሎን። ዝበዝሑ መሳቱና ብመስዋእትን ብባህርያዊ ኩነታትን ሓሊፎም እዮም፤ እቶም ዘሎና ከአ ብጌጋና ተነሲሕና፤ ነተን ተሪፈን ዘሎዋ ቁሩብ ዕድሜና ክፉእ እንዳርኤናን “ዐሕ! ዋይ አነ!” እንዳበልናን፤ ሕልናና እነዳወቐሰናን፡ ካብ ነሕልፈን፡ ሃየ በብዝከአለና ንተዐወተለን። እታ ቀደም ንሕናን ስዉአትናን ንምነያ ዝነበርና ኤርትራ ከኣ ንዐናኳ እነተዘይኮነትስ፡ ንደቅናን ደቆምን ነጻን ሓራን ዝኾነት ሃገር ክንገድፈሎም መገዲ ክንጸርገሎም ክንጽዕር ዐቢ ሞራላዊ ሓላፍነት አሎና።

እዚአ ኢያ መልእክቲ ናይ አቦና ብርሃነ ናይ ብሓቂ ዘንብዕ ዘረባ አዩ ብዝኮነ ከምዝፍለጥ ብጹእ ወይ ፍጹም ሰብ ስለዘየለ ክንጋገ ንክእል ኢና ስለዚ ሓደ ሰብ ሰለዝተጋገየ ክንንዕቆ የብልናን ኩልና ንጋገ ኢና እቲ ለባም ኢዩ ድማ ጌግኡ ዝአምን ጌጋካ ምእማን ድሕረት አይኮነን ብልሒ ኢዩ አገናዕ አቶ ብርሃነ ካብ ጌጋ ኢዩ ድማ ናብቲ ናይ ብሓቂ ቑኑዕ መገዲ ዝእቶ ስለዚ ሕድሕድ ምቅይያምን ምቅርሓንን አወጊድና ዕርቅን ሰላምን አስፊና ወይ አንጊሰና ምስንጎዓዝ እሞ ድማ እዞም ነገራት ከም ልምዲ ምስንሕዞምን ምስንጥቀመሎምን ኢና እቲ ናይ ብሓቂ ንደልዮ ዘለና ለውጢ ክመጽእ ዝኽእል።

ከም ዝፍለጥ ሎሚ’ውን ቡዙሓት ተጋደልቲ ነበር አብ ደምበ ተቃወምቲ አለውና ነዞም የሕዋትናን አያታትናን ክብሎም ዝደሊ ኩሉ ግዜ ዝብላ አባሃህላ አላትኒ “ሕልናና ምግጋዩ ዝአምን ጣዕሳ ምስ ዘጋጥሞ ጥራይ ኢዩ ” ስለዚ እዞም ሰባት ኩሎም እዃ እንተዘይበልኩ መብዛሕትኦም ክብል እደፍር ስለዘይተጣዓሱ ድዮም ወላ እንዳሰምዑ ደቂሶም ክንዲ እቲ ናይ ቀደም ጌጋ ንከይድገም ዝሰርሑ በንጻሩ ገና አብኡ ዕንክሊል ይብሉ አለዉ እዚ ናይ ትማሊ ጌጋን ስቅታን ኢዩ ድማ ሎሚ ንስርዓት ህግደፍ ከም ድላዩ ክዕንድር ዘክአሎ ዘሎ እዞም ሰባት ንዛረበሎም ዘለና ትማሊ እዚ ኩሉ እከይ ተግባራት እንዳተካየደ ከሎ ብአካል ነበሩ ሽዑ ዘይተቃወሙ ኢዮም ሎሚ ነገራት ምስተጠናነገ ህግደፍ ግዝአቱ ምስአስፋሕፈሔ ተቃወምቲ ውዱባት አቂሞም እዚ እዃ እንተዘይተጸልኤ ናይ ቀደም ጌጋኦም ከይአክል ነዞም ሎሚ ሚስጢራት ዘውጽኡ ዘለው ሰባት የቆናጽቡን የናሽውን አለዉ እቲ ዘሕዝን ሽምጦም ገቲሮም ነዚ ዝወጽእ ዘሎ ሚስጢራት ከም አሉታ ዝርእይዎን ዝቃወምዎን አለዉ ንምንታይ ግን ደስ ዘይበሎም እዞም ሰባት ክትምልሶ ዘጸግም ሕቶ ኢዩ ...።

ኩልና ንቅበሎ ሓደ ሐቂ አሎ እዞም ሎሚ ሚስጢራት ዘውጽኡ ዘለዉ ስባት ገለ ገለ ጌጋታት አይርከበሙን ኢዩ ኢልካ ክትዛዝም አይትክእልን ኢካ ሙሉእ ብሙሉእ ሓሶት ኢዩ ክንብሎ ዝካአል’ውን አይኮነን ስለዚ እዞም ዝቃወሙ ዘለዉ ገለ ገለ ውን ሙሉእ ብሙሉእ ሓቂ ሒዞም ወይ አብ ሓቂ ተመርኪሶም ኢዮም ነዚ ሎሚ ዝወጽእ ዘሎ ሚስጢራት ይቃወሙዎ አለዉ ኢልካ’ውን ክዝረብ አይካአልን ኢዩ ምክንያቱ እዞም ሰባት ታርኽ ህዝባዊ ግንባርን ተጋደልትን ከምዝተደፈረን ወላሓንቲ ጸገምን ጽፉፍ አከያይዳ ከምዝነበረ ዘስምዕ ዘረባታት ኢዮም ዘስምዑና ዘለዉ ነዚ አባሃህሎኦም መራጎዲ ዝጥቀምሉ ቃላት ድማ ታሪኽ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብብዙሓት ኣብ ውሽጡ ካብ ዝነበሩ ምኩራት ተጋደልቲ ተገሊጹ ኢዩ ይብሉና እወ ብግርህነትና ኮለና ዳአ እቲ ህላውንቶም ዘደልድልን እቲ ዕረ ገዲፎም እቲ መማዓሩ ዳአ አኮሊሶምና እወ እዚ ናይ ሎሚ ግን ፍልይ ብዝበለ ብድፍረትን ካብ ፍርሒ ነጻ ዝኮነ ሰሚዕናዮ ዘይንፈልጥ ማይ ዘይጣዓመ ታሪኽ ኢና ንሰምዕ ዘለና ነዚ ሓቂ እዚ ክወጽእ ዘይደልዩ ሰባት ኢዮም ዋጭዋጭ ዝብሉ ዘለዉ ገሊኦም ድማ ከምዛ ሓቀኛታት አረምቲ መሲሎም ይቀርቡ ገሊኦም ድማ ታሪኽ ይብረዝ አሎ ይብሉና አለዉ ነዚ ዝወጽእ ዘሎ ሚስጢራት አንፈቱ ንምጥምዛዝ ነገራት የሳውሩ አለዉ እዞም በጻብዕቲ ዝቁጸሩ እዚ ሚስጢር ምውጽኡ ዝሓመሙ ስባት መን’ዮም እንታዎት ኢዮም ምሰዚ ዝወጽእ ዘሎ እንታይ ምትእስሳር ወይ ዝምድና አለዎም አብዚ ሰዓት’ከ ተቃወምቲ ድዮም ወይ ብታሪኽ ይቃመሩ አለዉ ንገዜ ንገድፎ ግዜ ባዕሉ ክምልሰልና ኢዩ፡፡ ቀደም ውን ቁኑዓት ብልቢ ንሃገሮም ዝሰርሑ አይነበሩን ማለት አይኮነን እዚኦም ግን ቦታ አይነበሮምን እቲ ቁኑዕ ሰብ ብቅንዕንኡ ይኪድ ይስራሕ ከም ትማሊ ዕንቅፋት አይንፍጠር...

ስለዚ ሎሚ እቲ ቀንዲ ዘድልየና ዘሎ ሃገርናን ሕዝብናን ብከመይ ሰላምን ራህዋን ይረክብ ኢዩ ሕልና ግበሩ ቀሩብ ይሰማዕኩም ትማሊ ሕዝብና በዲልናዮ ኢና እሞ ሎሚ ክንክሕሶ አይትብሉን ከም ሰብ በንጻሩ ከምዚ እባ ከመቲ እባ እንዳበልኩም ንሑሉፍ ጌጋታትኩምን በደልኩምን ክትሽፉኑ አይትንበሩ ሕይወት ሓጻር ኢያ ንደቅኩም ነዚ ሓድሽ ወለዶ እንታይ ከተውርስዎ ደሊኩም ብሰንክኩም በቲ ትማሊ ዝፈጸምኩሞ ጌጋ’ዶ አይኮነን ሎሚ ሕዝቢ ኤርትራ ስቃይን መከራን ማእሰርትነ ስደትን ኮይኑ ዘሎ እዚ አየተሓሳስበኩምን ከይሓፈርኩም በቲ ርብዒ ዘመን ዝሓለፎ ረሳሕ ታሪኽ ከምዚ ኢዩ ኔሩ ከመዚ እባ እንዳበልኩም ንጸሓይ ብአጻብዕትኩም ክትክልክሉ አይትፈትኑ በጃኩም ነዚ አብ ስቃይ ዘሎ ሕዝቢ ቃንዛ አይትወስኩሉ ትማሊ አብ ሓደ ጋንታ ኮንኩም ንሓቂ ዓፊንኩማ ሓሊፍኩም ሎሚ ድማ አብ ክልተ ጋንታ ኮንኩም ነዛ ሓቂ አብ መንጎኩም የእቲኩም ከተቅህምዋ ትሰርሑ አለኩም አበይ ኢዩ ዘሎ ሃገራውነትኩም እንታይ ገርናሉ ነዚ ሕዝቢ እንታይ’ከ ክንገብረሉ አለና ኢልኩም ሕሰቡ በጃኩም።

ስለዚ ክንዲ ስባት ዘይሽሞም እንዳሃብካ ምዝራብ ብሓቂ ጌጋ እንድሕር ተፈጺሙ ብውሕሉል አገባብ ክትእርሞ ክትፍትን አለካ እምበር ነቲ ዘውጽዎ ሚስጢራት እንዳነአኣስካ ጠቅላላ ሓቅነት ከምዘይብሉ እንዳአምሰልካ ምቅራብ እንታይነትካ ምግላጽ ስለዝኮነ ልቦና ይሃልወና ምክንያቱ ሎሚ አብ 21 ክፍለ ዘመን ኢና ዘለና ሎሚ ታሪክ እዞም አረሜን ልዕሊ ማንም ግዜ ጎሊሑ አብ ዝወጸሉ እዋን ኢና ዘለና ስለዚ ዝተባሃለ እንተተባሃለ ተዓሚቱ ነገራት ዝአምን ወይ ዝቁበል ወለዶ አይኮነን ዘሎ ብሕጽር ዝበለ አባሃህላ ክደናገር ዝክእል ሰብ የለን እቲ ሕልና አልቦ ዝኮን ሰብ ጥራይ እንተዘይኮይኑ።

ሓደ አተኩርና ክንግንዘቦ ዝግባና ነገር አሎ እሱ ድማ ናይ ወዲ ሰብ እቲ ቀንዲ ቃልሱ ኩሉ ግዜ ምስ ሓቂ ምዃኑ ሰባት ድማ እቲ አዚና ንፈርሖ ነገር ሓቂ ምዃኑ’ዩ ስለዝኮነ ኢዩ ድማ ሓቂ የሕምም’ዩ ዝተባሃለ ሎሚ ከም ንርእዮ ዘለና ድማ ካብ ሓቂ ምፍራሕ ዝተላዓለ ወይ ዝተበገሰ ኢዩ ንታሪክ አቃሚምካ በሪዝካን አጣሚምካን ዝቀርብ ዘሎ እዚ ድማ ብሓቂ ምእንቲ ሓቂ ብሓቀኛ ስምዒት ስለዘይንጎዓዝ ዘለና’ዩ ስለዝኮነ ኢዩ ድማ ሎሚ ታሪክ በሪዝካን አጣሚምካን ስለዝቀርብ ዘሎ’ዩ ትምህርቲ ክንረክበሉ ዘይንክእል ዘለና ሰለዚ እንድሕር ታሪክ ከምዘለዎ ከይተበረዘን ከይተጣመመን ክቀርበና ተኮይኑ ብመጀመርያ ከይፈራሕና ምስ ሓቂ ክንገጥምን ክንመራመርን ከምኡ ድማ ምስ ሓቂ ክንዕረቅ ምስንክእል ጥራይ’ዩ።

ስለዚ በጃኩም ካብ ትማሊ ንማሃር በቲ ዝሓለፈ ጌጋ ክንዲ ንእረም መሊስና ጌጋ ታሪኽ ምድጋም  አይኩነና እሞ ድማ ንሰባት አብ ጌጋ እንድሕር ነእቱ ኮይና ናይ ብሓቂ ዘሰክፍ’ዩ ምክንያቱ ጌጋ ተደመሮ ጌጋ ምግምማዕ ኢዩ ዝፈጥር ስለዚ ብሓቂ እንድሕር ኩላትና ዕላማና ሓደ ኮይኑ ማለት ሰርዓት ህግደፍ ምእላይ እንታይ አምጸኦ ነንሕድሕድና አብ ዘለፋታትን ምቁንጽባትን ግዜና ነሕልፎ ሰለዚ ከምዚ ኢልና ተቀጺልና አይኮነን ሰርዓት ህግደፍ ክንአልዮ በንጻሩ መፍቶ ጸላኢ ኮይና ዕድሚኡ ኢና ከነናዋሓሉ።

ካልአይ ድማ አብ ሓላፍነት ወይ ምምራሕ ህንጥዩነት አሎ አብዚ ጸገም አሎና እቲ ሓቂ ግን ብርግጽ ኩሉ ሰብ መራሒ ክከውን አይክእልን ኢዩ ብጀካ እቲ ናይ ምምራሕ ብቅዓት ዘለዎ ጥራይ ኢዩ ክመርሕ ዝክእል እቲ ሓቂ ድማ እዚ ኢዩ ዘይትክእሎ ነገር አይትስኮሞን ኢኻ ስለዚ ነቲ ዝክእሎ ዓቅሙ ዝኮነ ሰብ ከተሕልፈሉ አለካ አብዚ ውን ጸገም አላትና ኩሉ እዃ አንተዘይበልኩ መብዛሕትኡ ክብል እደፍር ስልጣን ክሕዝ እደሊ ናይ ብሓቂ ኢዩ ዘስክፍ ንስልጣን ድዮም ዝስርሑ ዘለዉ ወላ ንሕዝቢ አይርዳአካን ኢዩ ስለዝኮነ ኢዩ ድማ አኼባ ይኩን ገለ ምርጫ ክግበር ኮሎ ብዙሕ ግዜ ባእስን ዘይምስምማዕን ዝርኤ እቲ ክከውን ዘለዎ ግን ሓደ ውዱብ ወይ መንግስቲ ንፓለቲካዊ መክሰብ ወይ ንግላዊ ጥቅሚ ዘይኮነ ንሕዝቢ ክሰርሕ ወይ ንጥቅሚ ሕዝቢ ከቀድም አለዎ በንጻሩ ግን ንናይ ፖለቲካዊ መክሰብ ተቀድም ተኮንካ አብ ልዕሊ ሕዝቢ ተገዳስነት የብልካን ማለት ኢዩ ስለዚ ከምዚኦም ዓይነት ሰባት ንሕዝቦም ዘይኮነ ንፖለቲካዊ መክሰብ ዘቀድሙ ንናይ ግሎም ረብሓን ሽምን ዝሰርሑ ሰባት ጥራይ ኢዮም ኢልና ክንገልጾም ንክእል።

አብ መደምደምታ ክብሎ ዝደሊ ከም ዝፍለጥ አብ ካልእ ሃገራት ብፍላይ ምዑብላት ሃገራት ዘሎዋ ናይ ፓለቲካ ውዱባት መብዛሕትኤን ናይ ፓለቲካ ተቃዋሚ ዉድባት ዘቆሙ ዘመናዊ ትምህርት ዝቀሰሙ አባላት ሕብረተሰብ ኢዮም እዞም ናይ ሃገርና ተቃወምቲ ግን ኩሎም ትምህርቲ የብሎምን ክብል እንተዘይደፈርኩ መብዛሕትኦም ግን ብልምዲ ወይ ብተመኩሮ ዝሰርሑ ዘለዉ ኢዮም ምክንያቱ መብዛሕትኦም አብ ዝተፈላለያ ውዱባት ዝሰርሑን ዘገልገሉ ወይ ተሳተፍቲ ሰለዝነበሩ ነዚ ሎሚ ንርእዮ ዘለና ነንሕድሕዶም ብዓይኒ ጥርጣረ ዝረአአይሉ አብ ዓቢ ጽልእን ቂምን ተዋሒጦም ንክከዱ አክኢልዎም ኢዩ ስለዝኮነ ኢዩ ድማ ሎሚ ካብ ተራ ወይ ግዝያዊ ምትሕብባር ዝዘለለ ሓደ ዓቢ ራእይ ሒዞም አብ ሓባራዊ ጥቅሚ ዝተመስረተ ንሕዝብን ሃገርን ዝጠቅም ነገር ንከይዓሙ አክኢልዎም ኢዩ።

ከም ዝፍለጥ ሐደ ፓለቲካዊ ውዱብ ክቀውም ኮሎ ንሕዝቢ ኢሉ ኢዩ ስለዚ ወኪል ሕዝቢ ክሳብ ዝኮነ ድማ አቲ ናይ መጀመርያ ዕማም ክከውን ዘለዎ ንሕዝቢ ምእማን ኢዩ ምክንያቱ ሕዝቢ ከይሓዝካ ዝስራሕ ስራሕ በይንካ ከም ምጉያይ ኢዩ ዝቁጸር ስለዚ እዘን ውዱባትና ብተግባር ዝተሰነየ ንናይ ሕብረተሰብ ማሕበራዊ ፣ፖለቲካውን ኢኮኖሚያውን ጸገማት  ንምእላይን ገለ ለውጥን ንከምጽአ ክሰርሓ አለወን።

ኮይኑ ግን በንጻሩ ሕዝቢ ክስዕበንን አብ ጎነን ደው ንክብል እንድሕር ዘይሰርሓ ኮይነን አብ ሃይማኖትን ቀቢላን ወይ አብ ሓደ ብሄር ዝተመስረተ አከያይዳ እንተሒዘን መን’ዩ ክስዕበን ናበይ ኢየን’ከ ክበጽሓ? ስለዚ እዘን ፓለቲካዊ ውዱባትና አብ ናይ ሕዝቢ ባህግን ድሌትን ዝተመስረተ ዘይኮነ ናይ ገዛአ ርእሶም ህልውናን ድሌትን ስለዘቀደሙ ሎሚ ሃገራውን ሕዝባውን ምስሊ ንከይላበሱን አብ ሕዝቢ ውሑድ ተቀባልነት ንክህልዎም አክኢልዎም’ዩ ስለዚ እዚ ንክእረም ኢዩ ድማ ቀንዲ ዕላማ መጽሓፍየይ።

ከም ዝፍለጥ ተቃወምቲ ውዱባትና ሰሚሮም ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን መስሪቶም ኢዮም እዚ ጽቡቅ ነገር እንተኮነ አብ ተግባር ግን ገና ሕድሕድ ዘለዎም ርክብ ሓርፋፍን እምብዛ ዘዕግብ አብ ርእሲ ዘይምዃኑ አብ ጥርጣረ ዝተመስረተ ኢዩ ሰለዝኮነ ኢዩ ድማ እቲ ብናይ ሓባር ዝስራሕ ስራሕ ክበጽሖ ዝክአል ደረጃ ዘይብጻሕ ዘሎ።

ሰለዚ አመሰራርታን አሰራርሓን እዘን ፓለቲካዊ ውዱባት ብጣዕሚ ድኩም ኢዩ እዚ ድማ ሓደ ፓለቲካዊ ውዱብ ክቀውም ወይ ክምስረት ኮሎ ተሓታትነት ግልጽነት ብሙልእ ልቢ ንሕዝብካን ነቲ ውዱብካን ምግልጋል ብቀንዱ ዕላምኡ ናይ መጨረሽታ ሽቶ ንምውቃዕ ኢዩ ሓደ ውዱብ ዝምስረት ሎሚ ንርእዮም ዘለና ፓለቲካዊ ውዱባት ግን ግለጽነትን ተሓታትነትን ዘይብሎም አዝዩ ሚስጢራዊ ዝዓብለሎ አሰራርሓን ንኩሉ አባል ብማዕረ ዘየሳትፍ ውሽጣዊ ዲሞክራሲ ዝጎደሎ አከያይዳ አብ ልዕሊ ምዃኑ እቲ ዝከፍኤ ድማ ቅድሚ ፓለቲካዊ ጉዳያቶም ንስሞም ዘቀድሙ ከምኡ ስለዝኮን ኢዩ ድማ ሎሚ መብዛሕትኡ ሰብ ካብተን ናይተን ውዱባት ሽም ንላዕሊ ናይ ውልቀሰባት ሽም አጸቢቁ ዝፈልጥ እዚ ማለት ድማ ሽም ናይቶም ሰባት እንተፈለጦ ናይ አየነይቲ ውዱብ አባል ወይ ሓላፊ ኢዩ ግን አይፈልጥን ኢዩ።

ሎሚ ብቀጸሪ ቡዙሓት ውዱባት አለውና ግን ክንደይ ሰብ ኢዩ ዝፈልጠን እንተኢልና ብቁጽሪ አዝዩ ውሑድ ኢዩ እዚ ጸግም ነቲ ናይዘን ውዱባት ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን ከነሰክሞም አይንክእልን ኢና ብቀንዱ ከምዝግለጽ ዘሎ እቲ ቀንዲ ጠንቂ እቲ አሰራርሓን አከያይዳን ናይተን ውዱባት ኢዩ ከም ተወሳኪ ድማ ቡዙሓት ውዱባት ይሃልዋና ዳአ እመበር አብ ነብሲ ወከፍ ውዱብ ብቁጽሪ ሰብ ዉሑዳት ብዓቅሚ ዱሩታት ኢና ንርኢ ዘለና እዚ ድማ ብናይ ገዛእ ርእሶም እምነትን ፍልሰፍናን ዝተመስረቱ ውዱባት እምበር አብ ሓቀኛ ራእይ ዝተመስረቱ ሕዝባዊ ውዱባት ናይ ሓባራዊ ፖለቲካዊ አጀንዳ ዝሓዙ ብቀሊል ዘይግማዕ ውዱብ ንክምስርቱ ዘይምክአሎም ኢዩ እቲ ቀንዲ ማሕንቆ ኮይኑ ዘሎ።

እቲ ካብ ኩሉ ዝገርመካ ስምምዕ ምስ ዝህሉ ኢዩ ኪዳን ዝፍጠር ናይዞም የሕዋትና ግን ፍሉይ ኢዩ ስምምዕ ዘይብሎም ክንሶም ኪዳን ፈጢሮም ክሰማምዑ ዘይካአሉ ብከመይ ኪዳን ከቁሙ ኪኢሎም ሕንቅል ሕንቅሊተይ ኢዩ ዝኮነካ እቲ ሓቂ ነገር ዘርእየና ተሎ ልባዊ ዘይኮን ስማዊ ኪዳን ኢዩ ዘሎ ማለት ኢዩ ምክንያቱ ኪዳን ማለት እቲ ዝዓበየ ስምምዕ ሰለዝኮነ ምናልባት ኪዳን እንድሕር ጌርና ፍልልያትና ከነጽብብ ንክእል ኢና ዝብል ስነ መጎት ክህልዎም ይኽእል ይከውን እዚ ግን አብ ኩውንነት ተመጺና አይሰርሕን ኢዩ።

እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝነካ ድማ ፍልልያቶም ርዝነት ተዝህልዎ አይምተጸለኤን ኮይኑ ግን ወላሓንቲ ትርጉም ዘይብሉ ፍልልይ ኢዩ ኢልና ክንዛረብ ተዘይካአልና ግን ከም ዓቢ ፍልልይ ርኢና ግዜን ቦታን ከነጥፍአሉ ዝግባእ አይመስለንን ምክንያቱ እዚ ፍልልያት ዝባሃል ዘሎ አብ ዘይምስምማዕን ምፍሕፋሕን ዘእቱ ፍልልይ ኢዩ ክባሃል አይካአልን ኢዩ ኮይኑ ግን እዚ ፍልልያት ከም ነጥቢ ክላዓልን ከም ዓቢ ዛዕባ ክርኤ ይካአል ይኸውን አብ ክውን ተመጺና ግን አብ ትርጉም ርዝነት የብሉን።

ናይ ሓሳብ ፍልልይ ክህሉ እዚ መሰረታዊ ናይ ደቂ ሰባት ናይ ተፈጥራዊ ሕጊ ኢዩ ስለዝኮነ ድማ ናይ ዝኮነ ምዕባለ ሱሩ ሓሳብ ኢዩ እዞም የሕዋትናን አያታትናን እቲ ፍልልያቶም ሙሉእ ብሙልእ ናይ ሓሳብ ፍልልይ እንተዝከውን አይመተጸልኤን ኮይኑ ግን ቀንዲ ፍልልያቶም ናይ ሓሳብ ዘይኮነ ናይ አታሓሳስባ ፍልልይ ዝዓብለሎ ምዃኑ ኢዩ እቲ ፍልልይ እንዳዓበየ ዝከይድ ዘሎ። እቲ ጸገም ድማ አነ ኢየ ሓቀኛ ናተይ ስምዑ ዝብሉ ሰባት ስለዝበዝሑ ኢዩ ክፍለጥ ዘለዎ ግን ንሓደ ሰብ ወይ ጉጅለ ብቡዝሕ ክፋሉ ሓቂ ኮይኑ ዝራአዮ ነገር ንካልእ ሰብ ወይ ጉጅለ ሓቂ ኮይኑ ከይራአዮ ከምዝክእል አብ ግምት ክአቱ ዘለዎ ነገር ኢዩ። ስለዝኮነ ኢዩ ድማ አብ ሓደ ዝተወሰነ ሓሳብ ወይ ጉዳይ ዝተፈላለዩ ሓሳብን አመለካክታ ንረክብ።

ሰለዚ አነ ከም ናተይ ርእይቶ እዞም አቦታትናን አያታትናን ካብቲ ደምበ ተቃወምቲ ይታአለዩ ክንብል እንተዘይካአልና አብ ቦትኦም ኮይኖም እቲ ዝበዝሕ ዕማም ወይ ሰራሕ ነዚ ሓድሽ ወለዶ እንተዝገድፉሉ ምሓሽ እብል ንሶም ከም ዓበይቲ መጠን ብምክርን ወይ ሓሳባት አብ ምምጻእ እንተዝተሓጋገዙ ዓቢ ለውጥ ምረከብናሉ ኢለ ይአምን። ምክንያቱ እዚ ወለዶ ወይ መንእስይ እዚ ፍልልያት የብሉን ኢልና ክንድምድም እንተዘይካአልና ኮይኑ ግን ናብ ክፍአት ዘውድቅ ብዙሕ ፍልልያት አለዎ ኢለ አይአምንን ኢየ።

አብዚአ ክፍለጠለይ ወይ ከስምረላ ዝደሊ ነገር አነ ነዛ ጽሕፍቲ ክጽሕፍ ዘገደደኒ ነዞም ሰባት ከቆናጽብ ወይ ከነኣእስ ኢለ አይተበገስኩን ክሕብሮም ኢለ ውን አይኮንኩን ምክንያቱ ተግበርቱ ክሳብ ዝኮኑ ዝጠፍኦም አይመስለንን እንታይ ዳአ ንምዝክካር ኢዩ ቀንዲ ዕላማይ ማለት ጸገማቶም ዘርዚረ ንግዳም ከውጽኦ ዘይኮነ እዚ ዘሎ ጸገማቶም ክግለጽ ስለዘለዎን ብከመይ ሓቢርና መፍትሒ ንገብረሉ ኢዩ ከምዝፍለጥ ድማ ሕዝብና አብዘን ውዱባት በዙሕ አፍልጦ የብሉን ክብል እደፍር ስለዚ ኩሉ እቲ ዘይፈልጥ ክፈልጥ ምሰቲ ዝፈልጥ ሓቢሩ ድማ ገለ ንክገብር ተሓገዘ ኢለ ኢየ ክጽሕፍ ተገዲደ እዚ ድማ ስራሕ ኩልና ደለይቲ ለውጢ ኢዩ ስለዚ ድማ ሓደ ኢድ ኮይኖም እዚ ዝባሃል ዘሎ ኩሉ ዓንቃፊ ነገራት አወጊዶም ሕልና ገይሮም ልቦና የዕብዮም ብዓቢኡ ንናይ ሕዝቢ ጥቅሚ አቀዲሞም ንክሰርሑ ኢዩ ለበዋይ ርግጸኛ ኢየ ብሓባር ሓደ ኢድ ኮንካ ተሳኒካ ተፋቂርካ ዓደይ ዓድካ ከይበልካ ውህደት ፈጢርካ ብሓደ መገዲ ኩልካ ትሰማማዓሉ አጀንዳ አዳሊካ ብናይ ሓባር ቃልሲ እዚ ናይ ሎሚ ጸላኢና ስርዓት ህግደፍ ብሎሚ ሓቢርና ንእለዮ እሞ አቲ ናይ ጽባሕ ድማ ከነርክበሉ ኢና አብ ላዕሊ ዝበልኩዋ ነገር ክደግማ ኢየ ህላውነት ሃገር ምስ ዝረጋገጽ ኢዩ ህላውነትና ዝረገገጽ እሞ መጀመርያ ንሃገርናን ሕዝብናን ንስራሕ …

ከም ዝፍለጥ አብ ፊዝክስ ወይ ማትስ ፎርሙላ አሎ ብዘይ ምጥቃም ፎርሙላ ናይ x and y ዋጋ ክትርክቦ ብፍጹም አይካአልን ኢዩ ስለዚ ንሕና ውን ልክዕ ንለውጢ ብዘይ ፎርሙላ ኢና ክንረክባ ንፍትን ዘለና እቲ ፎርሙላ ድማ ሓድነት ፤ ስኒት ፤ ፍቅሪ ፤ ጽንዓት ፤ ተወፋይነትን ከም ቀንዲ ፎርሙላ ክንጥቀመሎም አለና እቲ ናይ ብሓቂ ለውጢ ክንረክቦ ተደሊና ብዘይ ፎርሙላ ግን ወላሓንቲ ዝርከብ ዋጋ የለን ብታአምር ውን እንተኮነ ስለዚ በጃኩም ሓድነት ንግበር ስኒት ንፍጠር ንፋቀር ዓባይን ነጻን ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ክንምስርት ፡፡

ስለዚ እቲ መፍትሒ አብ ኢድና ኢዩ ብመጀመርያ እዘን ደምበ ተቓውሞ ስማዊ ኪዳን ዘይኮን አብ ሓቂ ዝተመርኮሰ ውህደትን ጥርናፈን መስሪተን ፍልልያተን አጽቢበን ብሓባር ሓደ ዝሰማማዓሉ አጀንዳ አውጺኤን ብሓባር ነዚ ዘሎ ስርዓት ምስ ዝቃለሳ ኢዩ እዚ ንደልዮ ዘለና ለውጢ ክመጽእ ዝክእል ኮይኑ ግን ሓደ ንማየን ሓደ ንጸጋም ፋሕፋሕ ኢልካ ዝግበር ዋዕላታት ስድሪ ከኪደና አይክእልን ኢዩ ሰለዚ እቲ ንደልዮ ዘለና ፍትሕን ዲሞክራስን ንምምጻእ ሓቢርካ ብምቅላስ እምብር ተበታቲንካ አይመጽእን ኢዩ ሰለዚ መጀመርያ  እዘን ደምበ ተቓውሞ ሰሚረን ንሕዝቢ ከስምራ ክክእላ አለወን እዚ ማለት ድማ አብ ውሽጢ ዘሎ ሕዝብና ምስ አብ ወጻኢ ዘሎ ኤርትራዊ ተሓባቢሩ እቲ አብ ደገ ዘሎ ድማ መጀመርያ ንባዕሉ ሓቢሩ ምስ አብ ውሽጢ ዘሎ ሕዝብና ተሓባቢሩ ምሰ ዝሰርሕ ኢዩ እቲ ናይ ብሓቂ ለውጢ ክመጽእ ዝክእል ዝብለ እምነት አለኒ በዚ ኢየ ድማ ማሕበራዊ ለውጢ ንምምጻእ ብዝተደላደለን ብዝተወደበን ሓይሊ ዝምራሕ ሕዝባዊ ተሳትፎ ክህሉ አገዳሲ ኢዩ ዘበለኒ በዚ ኢዩ ድማ እቲ ናይ ብሓቂ ለውጢ ክመጽእ ዝክእል።

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...