ጥሙር መግለጺ
ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራን ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጥን
ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ
ህዝቢ ኤርትራ


ልክዕ ቅድሚ 49 ዓመታት ከምዛ ሎም እታ ንፓለቲካዊ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ: ናብ ብረታዊ ገድሊ ዘሰጋገረት ቀዳመይቲ ንጣር ቁልዒ ሓዊ: ካብታ ብሓርበኛ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ እትምራሕ ቀዳመይቲ ጋንታ ሓርነት: አብ እምባ አዳል ተተኮሰት::

አብቲ እዋን: ሒደት ቁጽሪ ዓዋተን እቶም ካብ 13 ዘይበዝሑ ብጾቱን: ተዓጢቖሞ ዝወፈሩ ዓይነት ብረትን: ዓይነትን ትሕዝቶን ንብረቶም ብሓደ ወገን: እቶም ብአንጻሮም ደው ኢሎም ዝነበሩ ገዛእትን ደገፍቶምን: ንሶም ዓጢቖሞ ዝነበሩ ብረትን ከዋፍርዎ ዝኽእሉ ዓቕሚ ሰብን በቲ ካልእ፡ ምስ ዝነጻጸሩ: ናይ ጻጸን ሓርማዝን ፍልልይ'ዩ ነይሩዎም::

ሓይልታት መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ነዚ ነገራውን ንዋታውን ዓብላልነት ከም መጎልበቢ መሰረታዊ ሕቶ ናጽነትን ሓርነትን ንምግባር፡ ነቲ ፍትሓዊ ሕቶ ንምዕባጥን: ንዓዋተን ሰዓብቱን ሓንሳብ ዘመዛዝን አእምሮ ዘይብሎም ምስ ከውሒ ዝራጸሙ: ሓንሳብ ከም ሸፋቱ ጌሮም ከቕርብዎም ፈተኑ:: በዚ ድማ እቶም ፈሊጦም ዝደቀሱ ገዲፍካ ፡ ግዳያት ናይቲ ገዛእቲ ምእንቲ ጥቕሚ-ነብሶም ዝዝርግሕዎ: ዝነበሩ ናይ ምድንጋር ዘመተ ኮይኖም: ብዛዕባ አድላይነት ሓርነት ገዛእ ርእሶም ዝተጠራጠሩ ደቂ ሃገር ውሑዳት አይነበሩን:: ገለ ዉሑዳት ካብ ምጥርጣር ሓሊፎም "እዝስ ጽላለ እዩ" ዝበሉ አይተሳእኑን::

ታሪኽ ግን ዓቢ መምህርዩ። እቲ አብ ንጹርን ፍትሓውን ዕላማ አናጨመተ ዝምርሽ ደላይ ሓርነት ክዕወት ዓቢ ቁጽሪ ሒዙ ክብገስ ናይ ግድን ከም ዘይኮነ ብግብሪ አብ ባይታ አስተምሂሩና። ውሑዳት ግን ብርኩታት ከቢድ ዋጋ እናኽፈሉ ዘሳለዩዎ ቅዱስ ዕላማ ይንዋሕ ይሕጸር አብ መዓልብኡ ከምዝበጽሕ ክአ ብዓይንና ክንርእይ ስለዝበቓዕና ሎም ይኹን ዘንተእለት ዘየጠራጥረናን ነግ ፈረግ ዘይንብለሉን ትምህርቲ ቀሲምና ኢና።

ይኹን’ምበር ሎም’ኸ፡ ነዚ እተጠቕሰ ትምህርቲ ታሪኽ ዝረስዑ ክንደይ ይኾኑ፧ ነቶም አንጻር ባርነታዊ ጭቆና ደው ዝበሉ፡ ነቶም አንጻር ዘይደሞክራሲያውነት ስርዓት ህግደፍ ክምጉቱ ዝተመቁሑ፡ ነቶም ምስቲ አደንቚርካ ግዛእ ዝብል ፍልስፍና ህግደፍ ክራባረቡ ግዳያት ዝኾኑ ብሉጻት ደቂ ህዝቢ፡  ከም ዘየመዛዝኑ ገይሮም ዝቖጽሩ’ኸ ክንደይ ካባና ይኾኑ፧ ብርግጽ ውሑዳት አይኮኑን። ሕሉፍ ሓሊፍዎም፡  አንጻር ሓርነት ገዛእ-ርእሶም ደው ዝበሉ አለዉና። ገለ ዉሑዳት ሓቂ እናፈለጡ ዝኸነቡ ድማ ‘እዞም ዝቃወሙ ፡ ሓቆም’ኳ እንተኾኑ ውሑዳትን ንዋት ዘይብሎምን እዮም እሞ፡ አበይ ከይበጽሑ’ ዝብሉ ከምዘለው መሰኻኽር ዘየድልየሉ ሓቂ እዩ። 

እንተኾነ ታሪኽ አብ መጻሕፍቲ ወይ አብ ዕላል ዓበይቲ ሰባት ጥራይ ዝርከብ መምህር ዘይኮነስ፡ ንፍጻመታት ብተመልከተለይ እናደገመ ዘስተምህር ዓቢይ መምህር’ውን እዩ። ስለዚ ንኹሎም’ቶም ካብ ትምህርቲ ታሪኽ ዝሃድሙ፡ ግዝየ ብአጋኡ ናብ ልብኹም ተመለሱ ንብሎም።

ታሪኽ ተጋድሎና ብሓፈሻ፡ ታሪኽ ዓዋተን ምጅማር ሰውራን ድማ ብፍላይ፡ ግን ንዝተጋገዩ ዝእርም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዘቃልቡሉ ንያት ዝህብን፡ መገዲ ዝሕብርን’ውን እዩ። ጀማር ሰውራ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ሎም ብህይወት እንተዝነብር መበል ሚእቲ ዓመቱ መኽበረ። አብ እዋን ምጅማር ብረታዊ ገድሊ፡ ብናይ ሽዑ ይኹን፡ ብናይ ሕጂ መለክዒ መንእሰይ አይነበረን፡ ወዲ 51 ዓመት አቦ ስድራ’ዩ ዝነበረ::  ንዋትን ሓይሊ ስብን ናይቲ ንሱ ዝጀመሮ ቃልሲ ካብ ደባይ ከይተሳገረ እንከሎ’ዩ ድማ ሓሊፉ፡፡ ንሓርነት ግን አብ ተካእቱ ርእዩዋ’ዩ። አብ ድሮ መስዋእቱ፡ ንሓደ ካብቶም ሰዓብቱ፡ ሓርበኛ ሓጃጅ ጽዊዑ፡ ብረቱ ከምዘረከቦ ታሪኽ ይነግረና። በዚ ድማ ዓዋተ፡ ነቲ ትርአ ብረት ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ዘይረአ ከቢድ ጾር ሃገርን ሓርነትን፡ ሓላፍነት ገድልን ቃልስን አብቲ ተካኢ ወለዶ ብዘይ ጥርጥር ከምዘሳገሮን፡ ነዚ ምስግጋር’ዚ ድማ ብግብሪ ከምዘረጋገጾን ንርዳእ።  እዚ አብነት ድማ ንኹሎም ደሞክራሲያውያን ተቓለስቲ አያታት ዓብይ ትምህርቲ’ዩ ኢልና ንርኢ። ንደሞክራሲያዊት ኤርትራ አባና አብቶም ተካእቶም መንእሰያት ክርእዩዋ ታሪኽ ዓዋተ የዘኻኽሮም ኢዩ ኢልና ንኣምን።

ከምቶም ሰዓብቲ ዓዋተ፡ ንሕና መንእሰያት’ውን አብ አሰር ቃልሲ ንደሞክራሲ  ከም እንስዕብን፡ አብ ዓወትና ቀጻልነት ጉዕዞ ደሞክራሲ ከምእነረጋግጽን ለበዋ ዘየድልዮ ክንዋጽኦ ዝግበአና ታሪኻዊን ዘይተርፍ ሓላፍነትና ምዃኑ ተገንዚብና ከምዘለና ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ነረጋግጸሉ፡፡

በዚ አጋጣሚዚ፡ ንኹላቶም መንእሰያት ኤርትራ፡ አብዚ ጉዕዞ ንደሞክራሲ፡ ብቕደመና መራሕቲ፡ ብድሕረና ሕቖ፡ ብየማነ-ጸጋምናን ድማ ጎኒ፡ ኮይኖም ምሳና ክምርሹ ህዝባውን ሃገራውን ጻዊዕትና ነቐርብ፡፡

ባሕቲ መስከረም 2010
ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጥን
ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራን


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...