ከመይ ቀኒኹም ኩሉኹም ደቂ ዓደይ ደቅ’ዛ ብርኽቲ መሬት አብ ዓዲ ዘሎኹምን፣ ከመኡ‘ዉን ብዘይ አፈላላይ አብ ምሉእ ዓለም ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ ኢልኩም ዘለኹምን፤ እንቋዕ ከኣ እቲ ሀረርታና ፍረ ውጸኢት ቃልስና ቅድሚ ጥቕምና ንድሕነት ህዝብና አቀዲምና ዕድሜናን ግዜናን ወፊና እንቃለስ፣ ነቲ ብሀንቀውታ እንጽበዮ ዝነበርና ማለት፣„ሀገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ!!“፤ ቀዳማይ ክፋል ዓወትና አብቅዓና እብል። ከምኡ‘ካኣ እቶም ብልቦናን ብትዕግስትን ብምጽውዋርን ብምክእኣልን ብእንካን ሀባን ተላዚቦም ተልእኮኦም ዝፈጸሙ ጉባኤኛታት ዓወት ይሃብኩም ብምባል ከሞጉሶም እፈቱ። ሸተኡ ንኽወቅዕ ዘኽኣሎም ልዑል እግዚኣቢሄር ይመስገን፣ እዚ‘ኣ ጸበባን፣ ገሃነበታዊ ናብራን፣ ውርደትን ናይ ህዝብና ተመልኪቱ „ጕባኤ ፃድቃናት“ ዝገበረሎም ብድጋሚ እቲ ዓቢ ሰብዓይ! ምስጋንኡ ንዘልኣለም ይዕዘዝ።

መቸም ብያታን ታሪኽን ከምዝጸንሓና ህዝብና ይዕበ ይንኣስ ባዕዳዊ ሽግር ድዩ: ወይስ ጎሬቤታዊ ሽግር፣ ወይ‘ዉን ቤተ-ሰባዊ ሽግራት፣ ኮታ አብ መንጉኦም ዝለዓል ዝኾነ ዓይነት እምባ ጋሮ ይኹን ወይ ካልእ በኣሲ፣ ወይ ናይ ንዓይ ይብጽሓኒ ነገር፣ ዕቤቱን ድቀቱን ብዘዬገድስ ብባይቶን ሽማግለታትን ጌርካ ናይ ምፍታሕ ልምዲ ጥራሕ ዘይኮነስ ሥርዓትን ደምብን ዝነበሮ ህዝቢ‘ዩ ታሪኽና ዝነግር። ዝኾነ ይኾን ሰብ አብ ትሕቲ ባይቶ ዓዲ ተቐይዱን ተማእዚዙን ይኸይድ‘ምበር፣ ከምዚ ናይ ሎሚ መን ከማይ ኢሉ ባይቶ ረጊጹ አይወጽእን ወይ‘ኣ ባይቶ አይእከብን ኢሉ አይሕሰምን።

 

ክኸዉን ዝነበሮ ግን ዕገብ አይትዕገብ አብቲ ብይቶ ትጋባእ‘ሞ ቅሬታኻን ስክፍታኻን ብዘይ ቶግላብ ነጊርካ አብኡ ተፍስሶ፣ ብይን ዓዲ ትሰምዕ ብዝተዋህበካ ብይን‘ኣ ትቕዬድ። ብትዕቢትን፣ ንዕቀትን፣ ህልኽን፣ ተወጢርካ ብጀካይ ለባምን ሐላይን የልን፣ ብዝብል መንፈስ፣ መን አሎ ከማይ ትብል እንተደኣ ትብል ኾንካ ግን፣ ከምዚ መንደዓት መስገደል ህዝብና አወዳድቓኻ አይክምሕርን እዩ። ምኽንያቱ አብቶም ጉባኤኛታት ክንደይ ዓበይትን ለባማትን ወራዙትን፣ ካባኻ ዝበልጹ ክእለት ዘለዎም ከምዘለዉዎ አይትረስዕ። ካብዚ ዝተረፈ ግን ብወሰን ኮንካ ንዝግበር ጉባኤ ብመራከቢታት ህዝቢ ተጠቒምካ ንኸይዕወት ዝግበር ሽርሕታት መነጸሊኻን መውደቒኻን ከምዝኾነ ዘይምዝንጋዕ።

ኩሉ እቲ ሐቀኛ ምእንቲ ሠላምን፣ ፍቕርን፣ ራህዋን፣ ቅሳነትን፣ ህዝቡ ዝቃለስ ተቓላሳይ ኤሪትራዊ፣ አብቲ ቅነ ናይ ጉባኤ እቶ እቶ ዝነበረ ሐጎጽጎጽ ዝንበብ ዝነበረ ጽሑፋት ብዓረብኛ‘ኳ አይፈለጥኩን፣ እንተ‘ቲ ብእንግሊዝኛን ብትግርኛን ዝወጽእ ዝነበረ ግን፣ ብሐቒ ንኻልእስ ይትረፍ ነቶም ምሉእ ዕድሜና ከይተጠራጠርና ብደሞኽራሲ አገባብ ብስም አሕዋት ሥርዓተ መንግሥቲ ንምትካል ንቃላስ ከይዝተረፈ ምዓንጣና ክንሓቁፍ ጌሩና‘ዩ። እቲ ዘሰምብድ ከኣ ጉባኤ ምስ ጀመረ፣ መዓልቲ ክልተ መዓልቲ ከይበልዔ፣ እቲ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ተወኪሉ ዝኸደ፣ ነቲ ጉባኤ አሞንጉዩ ፈርጢጡ ብምዉጻእ ካብ ዝመጾ ምስ ተመልሰ ብኣሰና ተሐቲቱ ብዝመለሶ መልስታት ንብዙሕ ሰባት አሰምቢዱን፣ አደናቢሩስ፣ ንውሑዳት ደቓይቕ ደኣ ይኹና‘ምበር፣ ሆእ! ተስፋ ዘይብሉ ህዝቢ ምሽኽናይ!! አቢሉና‘ዩ፣

እንተኾነ ግን ሕጂ‘ዉን አማኒኤል አይሓመቐን ምስኣ አጥብቕ አቢሉ ነቲ ካብ ሀገረ አሜሪካ ዝተወከለ ሰብ ብምውካስ ልብና ከም ዝመልእን ብብሩህ ተስፋ ውጺኢት ክንከታተል ገይሩና‘ዩ።

እቲ ዘሰምደና ዝነበረ እሱ ጥራሕ አይነበረን „ንሕማቕ ዘበንስ በዓል ጋዕሳ አለዋ“ ከም ዝብልዎ አበው! ኩላ ብሀገራ ጥራዝ ነጠቕ ፖለቲካ ብምሽማት፣ ቁጣቦ አፍልጦኣ ተጠቒማ፣ ነቲ ብእንግሊኛ ቋንቋ „Nation“ ዝብል ቃል „ሀገር ወይ ቤሄር“ (ዝትርጉሙ ብትግርኛ ወይ ግእዝ፣) ንመሬት ዝጥቀም ቃል፣ ክበሃል ተሰሚዑ ያኢ ንመቦቀል ህዝቢ መግለጺ ብምውዓል፣ ከምኡ‘ዉን ነቲ ናይ ቋንቋ መጽዉዒ ስም አብ ናይ ህዝቢ መጸዉዒ ጠውዮም፣ „ማሕበረ-ሰብ ትግርኛ“ (ብሄር) ስለምንታይ ዘይተወደበ ደንጉዩ፣ ብዝብል ብዙሕ ዕጀውጀዋት ተነቢቡ፤ (ብዛዕባ‘ዚ ቅድሚ ሕጂ „ንፉዕ ሕማቕ እንተወለደ ተዘምተ! ሕማቕ ንፉዕ እንተወለደ ተቐልተ“ ብዝብል አርእስቲ ብመፍተል ተጎርባ ኦርግ ተኸታታሊ አርእስቲ አብርሄዮ ስለዘልኹ፣ አብዚ ምድጋሙ አዬድልን‘ዩ፤) አብዚ‘ምበኣር ኢዩ ብዙሕ ዘሰክፈና ዝነበረ።

እዚ መንደዓት መስገደል ህዝብና ብድሕሪኡ ከም ሀገር ደው ከምዘይትብል፣ እሱ ናይ መጀመርያን መወዳእታን፣ አልፋን ኦሜጋን ኮይኑ፣ ኤርትራ ትባሃል ሀገር ከኣ ነበረት ክትከውን አዳልይዋ ኣሎ። እዚ ከብል ከለኹ አቐዲምና እስኪ አብቲ ወተሃደራዊ አቑዋሙ እንተተመልከትና ማእከልነት ዝበሃል የብሉን። ስለዝኾነ መንግሥቲ ግልበጣ አየስግኦን‘ዩ። ተግባራዊ ማለት ስጋ ዝለበሰ ደም ዘለዎ መከላከያ ሚንስተር ድዩ ወይ ምድሪ ጦር አዛዚ የብሉን። ካብዚ ተላዒሉ ከኣ‘ዩ „ህዝባዊ ግምባር ኣላ ኤርትራ አላ! ህዝባዊ ግምባር የላን ኤርትራ የላን!“ እናበለ ለይትን መዓልትን እሱን ኮራኩሩን ከይሓፈሩ ዝደርፍዎ፤ እሞ እዞም አብ ላዕሊ ጠቒሰዮ ዘለኹ ዝጽሕፍዎስ እቶም ብፍላጥ ዝሕንጥቱስ ደሓን፣ እንተ እቶም ብዘይ ፍላጥ ዝጽሕፉ ግን ናቱ መሰርሒ ይኾኑ ከም ዘለዉ ደኾን ይፈልጡ አለዉ ኢዮም? የብለካ።

„ኮይኑ ግን አብቲ ጉባኤ መሰል ውልቀ ሰብ ክሳብ ማሕበረ-ሰብ ኮታ ብዘይ አፈላላይ ኩሉ ወዲ ሀገር መዕረ ከም ስኒ አድጊ አብ ትሕቲ ልዕላውነት ሀገረ ኤርትራ ዝተኸብረን ዝተሓለወን ብሕጊ ክኸዉን ከምዝኾነ ሰለ ዘረጋገጸ ኩሉ እቲ ሐቀኛ ደላይ ሠላምን ራህዋን ወዲ ሀገር ዓጊቡን ቀሲኑን።“ እስኪ ምልስ ኢልና ታሪኽ አቦታት ንምዝካር ዝአክል „ናይ ሓደ ህዝቢ ወይ‘ኣ ናይ ሐደ ሀገር ፖለቲካ፣ ናይ ገሊኣቶም ሒደት ሰባት ጥራይ ተግባርን ብልጫን እንተደኣ ኮይኑ፡ ንጥቕሚ እቶም ሒደትን ንወገኖምን ጥራይ ዝኾኑን፡ አዛዊሩን አስፊሑን ክርኢ ዘይክእል መናገድን መደያይቦን ይኸውን‘ሞ፣ ነቶም ህንጡያት መቀዳደሚኦም ዝኾኖም መገዲ ጸሪጉሎም ይርከብ። እቶም ማሕበራት ወይ ወገናት ካብኡ ዝካፈሉ እንተዝኾኑ ግን፣ ዕላሙኡ አዝዩ ክብ ምበለ፣ ንሀገርን ህዝብን ከኣ ንምሉእ ጥቕሚ ዚኸዉን ፖለቲካ ይኸዉን።“„ብላታ ዑመር ቃዲ“

እቲ ጉዳይ ሀገርና እምበኣር፣ ተበለጽትን ጠለምትን ከድዓትን፣ ክሳብ ለይተሎሚ ብስም ህዝቢ እናገዕሩን ጨደሩን ምሳና ተሓዊሶም እናመርሑን መጺኦምስ ዓዲ ምስ አተዉ ከምዝጠለሙን ኹሉ፣ ሕጂ እዛ ዝተገብረት ዋዕላ መሠረት ደሞኽራሲ ዉጽኢት ቃልስና ጭራ አጨቢጣ ኢሂን ሚሂን ተባሂሎም፣ ካብ መንጉኦም ዝአምንዎምን፣ ሐደራ የጽንዑ‘ዮም ንዝበልዎም 53 መሪጾም፣ ሐደራ ጽዕነት ጺዒኖሞም አብ ዘዝመጽዎ ዓዲ ተመሊሶም ኣለዉ። እሳቶም‘ኣ ጽዕነቶም ወዲኖም እንሆ‘ኳ ናይ ስራሕ ምክፍፋል ጀሚሮም። እንተኾነ ግን እቲ ጽዕነቶም አብ ሐደ ገጹ ንኸይዘብል ተጥንቂቕካን ብልቦናን ውሕልነትን ምውዳን ከድልዮም ከምዝኾነ ካብ ሕጂ እንተተገንዘብዎ ማሕረ ምነበረ እብል። እዚ ጉዳይና ውጺኢት ቃልስና ዝኾነ ተጀሚሩ እምበ ሸትኡ ንኽወቅዕ አቱም ዝተመረጽኩም ሽማግለ በጀካ እቶም ህርፋን ሥልጣን ዘለዎም ምስ ተሓባበርቶም ገዲፍካ ምሉእ ህዝቢ ብድሕሬኹም ስለዘሎ፣ ሀዬ! ነዛ ጩራ ተስፋ ከይትመሉቕ አጽኒዕኩም ሓዝዋ ሐደራ ሸቶኣ ንክትሃርም፤ እንተዘይኮነ „ሐድሽ መጎጎ ከይሐዘት ሐንኳሪ መጎጎኣ ሰይራ ሥድራኣ ጾም አሕደረት“ ከይንኸዉን።

በዚ አጋጣሚ ንእግረ መገደይ ነዞም ማዕከነት ዜናን መፍተል ሐበሬታታት ከም ሬድዮ ወጋሕታ፣ ሬዶ አሰና፣ ሬድዮ መሰልና ደሊና፣ ከምኡ‘ዉን ቶጎሩባ ኦርግ፣ አስማሪኖ ኮምን፣ አሰና ኮም፣ ገረገርን፣ ብዝገበርዎ ዘይሕለል ጻዕሪ ህዝቢ ኩነታት ዋዕላ ንኽከታተል፣ ብጣዕሚ ዝነኣድ ስለዝነበረ ብረትዑ፣ ክብሎም እፈቱ።

አብ መደምደምታ ብድጋሚ እንቋዕ ሠረታዊ አገባብ ዘጽንሑልና ያታዉያን አቦታትና ሀ! ኢልና ክንሕዞን ክንስዕቦን አብቅዓና።

„ፍርሃት እግዚኣቢሔር ንጥበብ መጀመርያኣ እዩ፡ ዐያሱ ንጥበብን ትምህርትን ይንዕቅዎ። ወደዬ፡ እዚ ንርእስኻ ዘውዲ ፀጋ፡ ንኽሳድካ ኸኣ ስልማት ድሪ እዩ እሞ፡ ንተግሳጽ አቦኻ ስምዓዮ፡ ትምህርቲ ወላዲትካ ድማ አይትሕደጎ።” መጽ፣ምሳ፡ 1፤7-9

ሀገረ ጀርመን፤


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...