የውሃና…! ንሓደነት ህዝብን ሃገርን ዘመስከረን ዘረጋገጸን
ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ።

ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ዘገልግል ታሪኽ ምስራሕ ከቢድ ኢዩ፡ ንዝተመዝገበ ታሪኽ ምቁንጻብን ጸሊም ቀለም ምቕባእን ግን እቲ ዝቐለለ ኢዩ። ልክዕ ሓደ ታሪኽ ብምኽንያት ውጽኢቱ ኣሉታዊ ወይ’ውን ኣወንታዊ ፍርዲ ክወሃቦ፡ ባህሪያዊ ኢልካ ዝሕለፍ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ናይ ግድን እውን ኢዩ። ይኹን ዳኣ እምበር፡ ሓደ ታሪኽ፡ ኣሉታዊ ይኹን ኣወንታዊ ፍርዲ ክወሃቦ፡ እሞ እቲ ፍርዲ ተቐባልነት ክህልዎ፡ እቲ ፍርዲ ካበየናይ ኩርናዕ ይብገስ፡ ካብ ተጻባእነት ዶስ ካብ ሓቂ፡ ወሳኒ ተራ ይጻወት ኢዩ።

እዚ ካብ ዕለት 31. ወርሒ 07 ክሳብ ዕለት 09. ወርሒ 08. 2010 ዓ.ም.፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ዝተገብረ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ካብቲ ንኽትግበር ዝተወሰነሉ መዓልቲ ጀሚሩ፡ ክሳብ ሃገራዊ ዋዕላ ጀሚሩ ዝውዳእ፡ ኣብ ግብሪ ንኸይውዕል ብስርዓት ህግደፍን ተደናገጽቱን ተሪር ብደሆን ተጻባእነትን ኣጋጢምዎ ኢዩ። ዋዕላ ቤት-ገርጊስ ኮይኑ ክተርፍ፣ ብዘይ ዓወት ክዛዘም’ውን፣ ብዙሕ ትንቢታት ተገይሩ ኢዩ። ኮይኑ ግን፡ እዚ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ’ዚ፡ ነቲ ኩሉ ዘጋጥሞ ዝነበረ ተጻብኦታትን ብደሆታትን፡ ስዒሩ፡ ብዝነኣሰ፡ ኣብታ ዝተወሰነት መዓልቲ ጀሚሩ፡ ኣብታ ዝተባህለት መዓልቲ ምዝዛሙ፡ ዓወት ኣመዝጊቡ’ዩ።

እቲ፡ እዚ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ እዚ፡ ዝዓበየ ዘመዝገቦ ዓወት ግን፡ ካብ ኩሉ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ፣ ፖለቲካዊ ውድባት፣ በርገሳዊ ማሕበራት፣ ህዝቢ ወኪሎም ካብ ኣፍሪቃ፡ ኣሜሪካ፡ ኣውሮጳ፡ ኣሲያ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣወስትራልያ፡ ንዝመጽኡ ደቂ ሃገር፣ ኣብ ሓደ ጠረጴዛ ኮፍ ኣቢሉ፡ ንሓንቲ ኤርትራ ከምዝዛተዩ፡ ገይሩ ኢዩ። ኣብዚ ሃገራዊ ዋዕላ እዚ ክንደይ ቑጽሪ ሰብ ኣሳቲፉ፡ ኣይኮነን ክራኣይ ዘለዎ፡ እንታይ ዳኣ፡ ካብ ኩሉ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ኣካፊሉ፡ ንናይ ኤርትራ ምብትታን ልጓም ገይሩሉ፡ ሓድነት ህዝብና ካኣ ኣረጋጊጹ ኢዩ። ካብ ኩሉ ካኣ፡ እቲ፡ ዝላዓለ ስላጣን ናይ ህዝቢ ኢዩ፣ ህዝቢ ኣብ ጉዳዩ ተኻፋልነቱ ክረጋገጽ ኣለዎ፤ ዝብል ኣምር፡  ብሰልፍታትን ውድባትን ተቓውሞ ደንበ ብኽለሳ ሓሳብ ዝግለጽ፡ እዚ ሃገራዊ ዋዕላ እዚ ብግብሪ ሰሪሕሉ፣ ምስ’ዚ ካኣ ምትእትታው ደሞክራሲያዊ ባህሊ ኣመስኪሩን ኣረጋጊጹን ኢዩ።

ስለዚ እዚ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ’ዚ፡ ብጻዕሪ ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን፣ ሲቪካዊ ማሕበራት፡ ብውልቀ ተቓወምቲ፣ ኣብ ግብሪ ዝወዓለ፡ ነቲ ኩሉ ዘጋጠሞ ብዶሆታት ሰጊሩ፡ 1) ኣብ ግዜኡ ጀሚሩ ኣብ ግዜኡ ምዝዛሙ፣ 2) ንናይ ኤርትራ ምብትታን ልጓም ብምግባሩ፡ ማለት ሓደነት ህዝቢ ምውሓሱ፣ 3) ተሳታፍነት ህዝቢ ኣብ ጉዳዩ ምርግጋጹ፡ ማለት ደሞክራሲያዊ ባህሊ ምትእትታዉ፣ ኣብ ታሪኽ ሃገርናን ሕብረተ-ሰብናን ሰነድ ዘመዝገበ ዓወት ኢዩ ነይሩ፡ እንተተባሃለስ፡ በጀካ ንስርዓት ህግደፍን ተደናገጽቱን እንተዘይኮይኑ፡ ንደላይ ለውጢ ሓቂ ዳኣ ኢዩ እምበር፡ ኣይተጋነነን።

ስለዚ ዮሃና፡ ንኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን፡ ዮሃና ንኹለን በርገሳዊ ማሕበራት፡ ነዚ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ክውንነት ክኸውን ኣብ ጎድኒ ኪዳን ጠጠው ዝበላ ኣብ ስራሕ ዝተኻፈላን፣ ዮሃና ንኹሉ ወዲ ሃገር ብውልቀ ተቓዋሚ፡ ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ሓቂ ክትርጎም ዘታባበዔን ዓቕሙ ዘፍቀደሉ ጻዕርታት ዘካየደን። ዮሃና ንኹሉ፡ ንጽቡቕን ዓወትን ሃገራዊ ዋዕላ ዝምነን ሓገዛቱ ዘበርክት ዝነበረ ወዲ ሃገርን፣ ዮሃና፡ ኣብዚ ዋዕላ እዚ ዝተኻፈሉን ዕዉት ዝገበሩን ደቂ ሃገር።

ለበዋ፤

ንሕና ነዛ ዮሃና እዚኣ ክንጽሕፍ፡ ኣብ “Eritrean room for Strong and United Opposation” ዝተዛተና ደቂ-ሃገር፡ ኣብቲ ንዝመጽእ ዓመት ክግበር ኣብ መደብ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤ ንደምክራሳዊ ለዉጢ፡ ዕዙዝ ተሳታፍነት ናይ መንእሰያት (ደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣንስትዮን) ክረጋገጽ ኣለዎ ንብል። እዚ ማለት ካኣ፡ ኣካየድቲ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራሳዊ ለዉጢ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ቖላሕታ ክግበር ኣለዎ በሃልቲ ኢና። ብተወሳኺ ካኣ፡ እዚ ንዓመታ ክግበር ተወሲኑ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤ ንደምክራሳዊ ለዉጢ፡ ብዝበለጸን ዝማዕበለን ግሉጽነት ዘረጋገጸን፣ ንኲልና ኣብ ሃገርና ደሞክራሲያዊ ለውጢ ንምምጻእ እንቃለስን ኤርትራዉያን ዘዕግብን ዘዋስእን፣ ኣገባብ ክዳሎን ክሳላሰልን ኣለዎ በሃልቲ ኢና።

ኣብ መወዳእታ ንሃገራት ሰንዓ-ፎርም (Senaa Forum) ብሓፈሻ፡ መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ድማ ብፍላይ ኣብ ጎድኒ ሓርነታዉን ፍታሓዊን ቃልስና ደው ብምባል ዝገብርዎ ዘለዉ ደገፍ ምስጋናና ወሰን የብሉን። ይኹን እምበር ህዝቢ ኤርትራ ካብ ስርዓት ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ናይ ገበን መሻርኽቱ ህግደፋውያን ተገላጊሉ ብሰላምን ቅሳነትን ምስ ጎረባብቱ ተከባቢሩ ንክነብር መታን ክበቅዕ ደግፎም ከደንፍዕዎ ንላቦ።

ካብ ኤርትራውያን፡ አባላት ናይ ዝተፈላለያ ውድባት/ሰልፍታት፤ በርገሳዊ ማሕበራት፤ ብውልቀ ተቓወምቲ፤ አብ መራኸቢ ብዙሓን፡ ፓልቶክ (Paltalk)፡ ብዛዕባ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን፣ ከምኡ’ውን ብኣገባብ አቃላልሳናን አቓውማናን፡ እንመያየጥን እንዛተን ደቂ ሃገር፡፡

 

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

17 ነሓሰ, .2010


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...