ምስ ዝተፋለለየ ድኽመታትና መፍቲሒ ሽግርና ሓገራዊ ዋዕላና።


ኣብ ኤርትራ ክወድቕ ተንጠልጢሉ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት፤ ካብ ስሩ ተማሕዩ ብዲሞክራስያዊ ስርዓት እንተ ዘይተተኪኡ፤ ካብቲን ኣኪብካ ካብቲን ለቂምካ ዝግበር ጽገናታት መተካእታ ክኸዉን ኣይክእልን። እዚ ስርዓት’ዚ ይወድቕ ከም ዘሎ ዘርእዮ ምልክታት ብዙሕ እዩ። ካብኡ ዉሑድ ንምጥቃስ እቲ ተካኢ ሃገርን ተቐባሊ ሕድርን  መንእሰይ ወለዶ፣ ካብታ ዝፈትዋ ሃገሩ ናብ እግሩ ዝመርሖ ሃጽ ኢሉ ካብ ዝጠፍእ መዋእል ሓሊፉ፣ ህዝብና ብማሃይምነትን ሕማምን ተጎቢኡ፤ ህ.ግ.ደ.ፍ. ብዘተአታተዎ ወገናዊ ምግምማዕ ተተዳኺሙ፣ ሃይማኖታዊ ምፍርራህን፣ ወተሃደራዊ ሞራል ዉድቀትን፣ ኣብየተ ማእሰርቲ ምብዛሕን፣ ዝግለጽ ፖለቲካዉን ማሕበረ-ቑጠባዉን ቅልዉላዉን፣ ካብ ዝራኤ  ነዊሕ ዓመታት ሓሊፉ፣ ሕጂ ኻአ ብሰንኪ እከይ ተግባሩ ካብ ዓለምና ተነጺሉ አብ መዋጥር ይርከብ።

ስለዚ ነዚ ዕድል ተቓዉሞ ደንበ ብዕቱብ ክሪኦ ኣይካአለን። ሓደ ካብቲ ጠንቅታት ናይዚ ዕድመ ምንዋሕ እዚ ኻአ ድኽመት ናይ ተቛዉሞ ደንበ እ። እቲ ሕቶ ተቓወምቲ ስለ ዝዋሓዱ ወይ ሳዓብቲ ስለ ዘይረኸቡ ክባሃል ይካአል ይኸዉን። ግን እቲ ሓቂ እዚ ኣይኮነን። ስራሕ ቒያ፣ ኩሉጊዜ ብዉሕዳት ኢዩ ዝዕመም፤ ግን እቶም ዉሑዳት ኣብ ቓልዕ ዝወጹ ክኾኑ ከለዉ፤ እቶም ብዙሓት ካአ ክምድመደሎም ዝጽበዩ ስለ ዝኾኑ፤ ኣብዚ  ደምበ ተቓዉሞ መድሚዶም ከቕርቡ ኣይካአሉን። እዚ ማለት ካአ፣ ተቛዉሞ ደንበ ትርግታ ህዝቦምን ሁሉዊ ኩነታት ሃገሮምን ምስ መድረኽ ክታዓጻጸፉ ስለ ዘይካአሉ ዓቢ ጸገም ናይ ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብቒዑ እዩ። ደፋኢ ጥራይ እዩ ሲኢኑ። ስለዚ ጉዳይና ሎሚ ሂወት ኣድሕን ዳአ እንበር፣ ኣብ ሞንጎና ናይ ቅርሕንትን፣ መን መርሔን ቦቱኡ ሎሚ ኣይኮነን። እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስክዎ ስለ ዘቐድሙ፣ ብሓባር ኴንካ ነዚ ስርዓት ምብድሁ ዝብል ኣምር ጎስዮም ክሓልፉ ንሪኢ ኣሎና። ሕራይ እዚ ጉዳይ’ዚ ብሰንኪ መራሕቲ ዉድባት እስከ ንበል። እቲ ዘገርም መሰረታት ኣብዚ መስርሕ እጃሞም ዘይምጽዋት እዩ እቲ ቀንዲ ነገሩ።

በቲ ዝመጸ መምርሒ ካብ ላዕላዋይ ኣካል፣ እሺ ጎይታይ ኢልካ ተቀቢልካ ከየኮማሳዕካ ምዉሓጥ፣ ሽግርን  ዓጸቦን ህዝብና ዘናዉሕ ድኣምበር ዘቓልል ኣይኮነን። እዚ ኻአ ካብቲ ስርዓት ንህዝብና ዘድምዮ ዘሎ ብኸመይ ድኣ ኢና ንፈልዮ? ኣብነት፣ ነዚ ኣሳራርሓ  እዚ ገለ ኣባለት ዉድባት ተቓዉሞኦም  አየስሙዑን ማለት ኣይኮኑን፣ ግን እቲ ዝዋሃብ ምኽንያታት መሪሕነት ስለ ዝወሰነት ኣይንጋገ ከይንጋማማዕ፣ ሱቕ ኢልና ንስገሮ፣ በቲ ካልእ ወገን ክንርስዖ ዘይብልና፣ እቶም መጻረርትና ባኣና ክስሕቁ እናበልካ ለጋጊብካ ዝኸዳ ዉድባት ወይ ሰልፊታት፣ ንናይ ጹባሕ ኤርትራ ብምንም ታአምር ተካእቲ  ክኾና ኣይክእልን እዩ’ሞ ፣ አዋዳድባኤንን ኣሳራርዔኤንን ከማሓይሻ አለወን እናተባህለ.....ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከሸድኖ ልዕሊ ብጾቱ ኮይኑ ክጸፍዕ፣ ክሞቑሕን፣ ክቐትልን፣ ዝገበሮ ሸለልትነት ናይ ብጸቱን መቓልስቱን እዩ። ድሓን ናጽነት ጥራይ ትምጻእ፣ እናተባህለ ናጽነት ምስ መጸት ካአ፣ ሱር ናቱ ሰዲዱ ስለ ዝጸንሔ እዛ ሎሚ ንሪኣ ዘሎና ሃገር ኣይትብላዕ ኣይትስተ ኮይና ተሪፋ ዘላ፣ስለዚ መሰረት  ነጸበራቅ ናይ ዉድብ ወይ ሰልፊ እዩ፣ ንቅሓቱ ከዔቢ ኣለዎ ካብቲ ዘላደየና ኣሳራርሓ ኣብረታዊ ተጋድሎና ክንወጽእ ክንክእል ኣሎና፣ ኣብ ወታሃደራዊ ኣሳራርዓ ዝተባሃልካዮ ፈጽም ድሓር ትሓትት ኣይኮንና ዘሎና ፣ሎሚ ብሓንሳብ ኮፍ ኢልና እንካን ሃባን ኢዩ ንሃገር ዝእትወና፣ ዝሓሸ ህዝቢ ዝቅበሎ ብተግባር  ምስ ዘይፍጸም፣ ህዝበና እሺ ናይ ኣቶ ኢሳያስ ስለ ዘይጠቀሞ፣ ካልአይ እሺ ዝቕበል ኣይመስለን፣ ስለዚ መንገድና ነጸብቅ።

ሕራይ ኩለን ሰልፊታት ድየን ዉድብት ናተን (ታይም ተይብል) ኣለወን ንበል፣ ግን ኣበይን መዓስን ክጥቐማሉ ክፈልጣ ኣለወን። ንሕና ከም ኤርትራውያን፣ ኩሉ ጊዜ ኣፋታትሐ ሽግርና ጌና ስለዘይተመሃርና፣ ትማሊ ኣብ ብረታዊ ቓልስና እቲ ካልኣዊ ሽግርና ንቅድሚት ሰሪዕና ብህይወት መንእሰያትና ተጻዊትና ኢና። እዚ’ዶ ኣይኣክልን ክቡራት ኣንበብቲ።

ሎሚ’ኸ?  ህዝብና ካብ ዓቅሊጽበት ናብ ዓጽሮሞት በጺሑ ምህላዉ ኣብ ጸብጻብ ክእትዉዎ ነርዎም። መጻኢት ኤርትራ ናይ ህዝቢ መንግስቲ ኢና ክንተክል ንህዝቢ ኢና ንቃለስ እናበልና፣ ብተግባር ግን ህዝብና ዘለዎ ዓዘቕቲ ረሲዕካ፣ ኣብ ጉጁለኻ ምዕባይን ምጉያይን መን ቐደመ ኮለል ክንብል ዉጺኢት የብሉን እሞ ነዊሕ ከይከድና ናይ ሰብዓታት ታሪኽ ምድጋም ምዃኑ ክንዝንጋዕ የብልናን።

ስለዚ መሰረታዉያን  ዉድባቶም ክፍትሹ ይግባእ፣ እቲ ናይ’ቶም ኣብ’ዘን ዉድባት እዚኣተን ተሰሪዖም ዝኸዱ ዘለዉ ንጹሃት ሃገራዉያን እዮም። እዞም ንጹሃት ሃገራዉያን እዚኣቶም፣ ነቲ ህላወ ተቓዉሞ ህዝቢ ኤርትራ ከይተሓለሉ፣ ተቓዉሞ ደንበ ከምዝፍለጥ እንዳገበርዎ ብምምጽኦም ክምጎሱ ይግባእ። ግን እቲ ሎሚ ኣብ ምርብራብ ሓርነታዊዩ ቓልስና ክዋደቁሉ ዘለዎም፣ ህሉዉ ኩነታት ህዝብና ኣብ ግምት ብምእታዉ መድረኻዊ ዝኾነ ጉዳይ፣ ሃገር ዝጠልቦ ኣብ ግምት ይእትዮም ብዝቀልጠፈ ዝትግበረሉ ክጻዓር ተዝነጥፉ ዓወትና ምተቓላጠፈ። እዚ ዝኾነሉ ከኣ እቲ ትእዛዝ ካብ መሪሐነት ማለት ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ገጹ ዝኸይድ ጥራሕ ዘይኮነ ብሕጋዊ ስሩዕ መልክዕ ደሞክራስያዊ ማእከልነት ታሓለዩ ካብ ታሕቲ’ዉን ንላዕሊ ክኸይድ ከሎ፣ እቲ ቀንዲ ረቓሒ ዓወትና እዩ።

ነዚ ክጽሕፍ ዘገደደኒ ኣብ መስርሕ ሓርነታዊ ቃልስና በብጊዚኡ ዝተራእየ ናይ ሓደ ውድብ መሪሕነት ነቲ ባዕሎም ብኣካል ዝሓንጸጽዎ ሕጊ ይኹን ወይ ባዕሎም ኣብ መጋባእያ ዝተሳማምዕሉ ረሲዖም፣ ደስ ኣብ ዘይበሎም ጊዜ እንብልና ክብሉ ብተዳጋጋሚ ስለ ዝራአኹ እየ። እሞ ጽባሕ ኣብ ኤርትራ ምስ ኣተና ኣብ ዘይጥዕመካ እምብለይ ክትብል ማለት እዩ። ስለዚ ካብ መሰረት ዘይጸበቐ ጽባሕ ከድሕነና ማለት ኣይሕሰብን እዩ እሞ ዓይንና ንኽፈት።

ስለዚ ጉዳይና እዚ ኣብ ላዕሊ ጠቂሰዮ ዘለኹ ዝመስል ኮይኑ፣ ምስዚ ኩሉ ገልጠምጠምና እንበኣር እንኮ መፍቲሒ ዋዕላ ኢዩ። ነዚ ኩሉ ጸገማትና እዉን እንተኾነ ኣብ መስርሕ ጉዕዞ ሓርነታዊ ቃልስና ክማሓየሽን ክፍታሕን ስለ ዝኽእል ዝብል እምንቶ ስለ ዘሎኒ እየ። ገጋ ምሕባርን ምእራምን ነቲ ዝመጽእ ባይታ ሓጋዝን ኣማዕባልን እዩ። በዚ መስርሕ ምሕላፍ ካአ እዩ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ክንሃንጽ ንኽእል።

ስለ ዝኾነ ኣጥቂቅካ ዝመተርካዮን ኣንጊህካ ዝኸድካዮን እትን ኣይሓንቅ እትን ኣይሓምቅ እዩ እሞ ነዚ መንስሰያትና ዊሒጡ ዘይጸገበ ገና ንኹላትና ክዉሕጥ ኮራርምቱ ዝስሕል ዘሎ ህ.ግ.ደ.ፍ. ሓንሳብን ንሓዋሩ ምእንቲ ከብቕዕ፣ እዞም ተጋባእቲ ናይ ሃገራዊ ዋዕላ ከምቲ ናይ ኣቦታትና ቕያ ኣብ ዝኾነ ዋዕላታቶም ሰሚሮምን ተሳማሚዖም ዝኾዱዎ ዝነበሩ ብኡኡ መሰረት እውን ኤርትራ ሃገርና ብሕጊን ድግን ሓለፋ ዝነበራ ስለ ዝኾነት ሕድርን ኣቦታትናን ስዋኣትናን ኣብ ግብሪ ክዉዕል ኩሉ ደላይ ሰላም ኤርትራዊ ዝደልዮ ስለ ዝኾነ እዚ ዋዕላ እዚ ብዓወት ክዛዘም ዓቢ ተስፋ ኤርትራውያን ኢዩ።

ዓወት ንሃገራዊ ዋዕላ
ዓወት ንህዝብና


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...