ዲክታተር መንግስቱ ሃይለማርያምን ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂን ዝመሳሰሉልን ዝፈላለይሉን ነገራት
(3ይ ካብ 3ተ)

 

ኣቐድም ኣቢለ ብዛዕባ ቤት ማእሰርቲ ዓለም በቃኝ ከዘንትወልኩም ኢየ ኢለ ነይረ። እቲ ዝኾነ እምበኣር ብሓጺሩ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ። ደርግ ገና “የኢትዮጵያ ሰራዊት ኣስተዳደር ኮሚቴ” ተጸዊዑ፣ ንሚኒስተራትን ጀነራላትን ይኣስር ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ፣ ኣብ ናይ ገንዘብ ሚኒስተር ንሰርሕ ዝነበርና ውሑዳት ሰባት ብወገንና፣ ንናይ ሃይለ ስላሴ መንግስቲ ዕንቅፋት ክንፈጥረሉ ንፍትን ኔርና። ንኣብነት፣ ቤተ-መንግስቲ፣ ወርሓዊ የክብር መጠበቅያ ዝበሃል 155 ሽሕ ብር ይወሃብና ኢሎም ክመጹ ከለዉ፣ ንሕና ነቲ ወረቐት ተቐቢልና ን4ኛ ክፍለ ጦር ሰዲድናዮ ኣሎና ፈሪሞም ምስ ሰደዱልና ክንጽውዓኩም ኢና ንብሎም። እንተ ደሊኹም ድማ ናብኡ ኬድኩም ቀልጢፍኩም ፈጽሙልና በልዎም ንብሎም። ንሕና ሰብ በታ ጥቓ 4ኛ ክፍለ ጦር ክሓልፍ ከምዘይደሊ ብስርዓት ኢና ንፈልጥ። ኣቐዲምና ድማ ን4ኛ ክፍለ ጦር ደዊልና፣ ከምዚ ገይሮም ገንዘብ ሃቡና ይብሉ ኣለው’ሞ እንተ ኸላኣእናዮም እንታይ ይመስለኩም ንብሎም። ንሳቶም ድማ ሓገዝቲ ረኺብና ኢሎም ተሓጒሶም “ኣይዞኣችሁ እምቢ በሉአቸው፣ ከፈለጋችሁ ደግሞ ወደ 4ኛ ክፍለ ጦር ሂዱ በሉአቸው” ይብሉና ስለ ዝነበሩ ኢዩ።

ደርጊ ጽንሕ ኢሎም ንንጉስ ኣውሪዶም፣ ንርእሶም ጊዜያዊ መንግስቲ ኢና፤ ንግዜኡ ደኣ እምበር ኩሉ ምስተረጋገአ ናብ ካምቦና ክንምለስ ኢና ምስ በሉ፣ ኣነ ምስ 12 ርእሰይ ንደርግ እግሪ ከይተኸለ ከሎ ንቃወሞ በልና። 8 ገጽ ጽሑፍ ኣዳሊና ኣድራሽኡ ናብ ደርግ ዝብል ኮይኑ እቲ ቀንዲ  ትሕዝትኡ ድማ ብዘይ ወዓል ሕደር  ሕጂ ስልጣን ንሕዝቢ ከም ተረክቡ ኢዩ ዝብል ነይሩ። ቅዳሕ ናይዚ ጽሑፍ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከቡ ውዱባት ኣካላት ከም የኢትዮጵያ ሰራተኞች ማህበር፣ የኢትዮጵያ መምህራን ማህበር፡ ናይ ዩኒቨርሲቲ መምህራን ማህበር ወዘተ ዝኣመሰሉ ለኣኽና። እቲ ጽሑፍ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እውን ከምዝብተን ገበርና። ናይቲ ወረቐት ጸሓፍትን ኣዳለውትን ድማ ስምናን ክታምናን ኣንቢርናሉ ስለዝነበርና፣ ደርጊ ነቲ ወረቐት ምስ ኣንበቡ ኣንጸርጺሮም፣ ወተሃደራትን  መትረየስን ዝጸዓና ጂፓት ሊኢኾም፣ ኣብቲ ንሰርሐሉ ዝነበርና መጺኦም በብሓደ ወሰዱና። ካብኡ ናብ ሓደ በዓል ሲሳይ ሃብቴ፣ መንግስቱ ሃይለማሪያም፣ ብርሃኑ ባዩህ፣ ኪሮስ ኣለማየሁን ሰለስተ ስሞም ዘይዝክሮ ዝርከቡዎ ኣብ ሓደ ክፍሊ ኮፍ ኢሎም ተቐበሉና። 

ኣብቲ እዋንቲ ገና እግሪ ኣይተኸሉን ስለ ዝነበሩ ኣይፈራሕናዮምን። ንሳቶም ከምዚ  ዝስዕብ በሉና። “ይህ የወታደር መንግስት ነው። ኢዲ ኣሚንን ታውቁታላችሁ? እንደዛው ማለት ነው። ኣሁን ኣንድ ነገር ይነሳና እናንተን ወደ ኦጋዴን ወስደን በሂወታችሁ እያላችሁ እስከ ኣንገታችሁ ኣሽዋ ውስጥ ነው የምንቀብራችሁ” ኢሎም ኣፈራሪሖም ናብ ቤት ማእሰርቲ ዓለም በቃኝ ወሲዶም፣ ምስቶም ንሞት ዝተፈርዱ እሱራት ዝርከብዎ ፍሉይ ክፍሊ ኣእተዉና። ኣብዚ 2 ወርሒ ድሕሪ ምጽናሕና፣ ሓደ መዓልቲ 3 ሻምበላት ናይ ጸጥታ መጺኦም ሕቶ ክሓቱና ጀመሩ። ንዓኣቶም ኣዝዩ ዘተሓሳሰቦም ጉዳይ፣ ንሕና ምስ ናይ ሃይለ ስላሴ ሰበስልጣናት ርክብ ከይህልወና ነበረ። ናይቲ ወረቐት ረቂቕ (draft) ኣበይ ኣሎ? በሉና። ንሕና ድማ ኣብ ቤት ጽሕፈትና ኣሎ ኢልና ምስ መለስና፣ በሉ ንዑናይ ኣሪኡና ኢሎም ንዓይ ምስ ካልአየይ ሒዞም ንገንዘብ ሚኒስተር ወሰዱና። ነታ ወረቐት ካብቲ ቦታና ምስ ሃብናዮም፣ ሒዞሙና ናብ ናይ ደርግ ቤት ጽሕፈት ከዱ። ኣብኡ ኣብ ሓደ ክፍሊ ኮፍ በሉ ምስበሉና፣ ኣብቲ ቦታ ኣዝዩ ዘጨንቕ ሃዋህው ከምዝነበረ ኣስተውዓልና። እዚ ድማ መዓልቱ ሓሙስ፣ ክልተ መዓልቲ ቅድሚ እቲ ፍሉጥ ናይ ምርሻን መዓልቲ ማለት ኢዩ። ብወገንና ኣብ ውሽጢ ደርግ ሓደ ሽግር ተፈጢሩ ከምዝነበረ ተረዳእና። ድሕሪ ሓደ ሰዓት ኣቢሉ እንደገና ናብ ዓለም በቃኝ መለሱና።

ኣብታ ምሸት እቲኣ፣ ደርግ ተአኪቦም ናይ ኩሎም እሱራቶም ስም እንዳ ጸዉዑ፣ ብድምጺ ብዝሒ መን ይረሸን መን ይጽናሕ እናበሉ ክውስኑ ኣምሲዮም። ኣብቲ እዋን እቲ፣ ምስ ናይ ሃይለ ስላሴ መንግስቲ ርክብ ዘይነበሮም እሱራቶም ንሕና ጥራይ ኢና ኔርና። ኣስማትና ምስ ተጸወዐ፣ ገለ ካብቶም ናይ ደርግ ኣባላት፣ እዚኣቶም ምስቶም ጀነራልን ሚኒስተራትን ዘራኽብ ስለ ዘይብሎም ጸኒሕና ንረሽኖም በሉ። ገለ ድማ ፍርቆም ሕጂ ይረሸኑ፣ እቶም ዝተረፉ ድማ ኣብቲ ዝቕጽል መቕተልቲ ስጉምቲ ይወሰደሎም በሉ። ኣብ መወዳእትኡ ግን ንኹላትና ናብ ካልአይ ዙር ናይ ምርሻን ኣመሓላለፉና። ቀዳም ምሸት ንኹሎም እቶም ይረሸኑ ንዝተባህሉ ናብቲ ዝነበርናሉ ዓለም በቃኝ ቤት ማእሰርቲ ኣምጺኦም ረሸንዎም። ናይዞም 61 ሰባት ብዘይ ፍርዲ ምቕታል፣ ካብ ምሉእ ዓለም ነቕፈታን ምኹናንን ምስ ወረዶም፣ እዚኣቶም ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ኢትዮጵያ ዝፈጸምዎ ገበን ሑሉፍ ስለ ዝኾነ ኢና ስጉምቲ ወሲድናሎም እምበር፣ ንሕና ብዘይ ፍርዲ ኣይንቐትልን ኢና ብምባል ንኸእምኑ ኢሎም ብሃንደበት ናይ ጦር ቤት ፍርዲ ዝበሃል ኣቚሞም ንዓና ኣብኡ ኣቕረቡና። ኣብ ኢትዮጵያ ኣለዉ ዝበሃሉ ናይ ሕጊ ክኢላታት ዝኾኑ 3 ጠበቓታት ድማ መደቡልና።

እዞም ጠበቓታት እዚኦም፣ ናብ ቤት ማእሰርቲ መጺኦም በብሓደ ኣዘራረቡና። እቲ ጉዳይ ብዙሕ ዘካትዕ ኣይነበሮን። ምኽንያቱ ናትና ሕቶ፣ ስልጣን ናይ ሕዝቢ ስለዝኾነ ንሕዝቢ ኣረክብዎ ዝብል ብጽሑፍ ብወግዒ ዝቐረበ ኢዩ ነይሩ። ናይ ቆጸራ መዓልቲ ተመዲቡ፣ ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ምስቀረብና ሰለስቲኦም ጠበቓታትና ድማ ምሳና ቀረቡ። እቲ ቤት ፍርዲ “ጦር” (የጦር ፍርድ ቤት) ኣብቲ ውሽጢ ቤተ መንግስቲ ስለ ዝነበረ፣ ነቶም ናብ ፍርዲ ቤት ክሰምዑ ምእንቲ ዝመጹ ኣዝማድና መንነቶም እንዳሓተቱ ኣእተውዎም። ብተወሳኺ ተወከልቲ ናይ ኢትዮጵያ ቴለቪቭን ኣብኡ ተረኺቦም ነቲ ዝካየድ ዝነበረ ክትዕ ብምሉኡ እንዳቀረጹ የቕርብዎ ነይሮም። ካብቶም ዝሰሙልና ጠበቓታት ሓደ፣ ኣቶ ሰመረ ሚኪኤል፣ ዝተበሃለ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ናይ ሕጊ መምህር ከሎ ንሰለስቲኦም ዳኛታት መምህሮም ዝነበረ ኢዩ ነይሩ። ንፉዕ መምህር ብምንባሩ እቶም ኣብኡ ነቲ ቤት ፍርዲ ዝመርሕዎ ዘነበሩ ሰለስቲኦም ኮሎኔላት ዳኛታት የኽብርዎ ኢዮም ነይሮም። ሓደ ካብቶም ጠበቓታት ፍሉጥ ናይ ኣዲስ ኣበባ ጠበቓ ኣብ ርእሲ ምንባሩ፣ ናይ ኢትዮጵያ ጠበቓታት ማሕበር ፕረዚደንት ኢዩ ነይሩ።
 
ጠበቓታትና ብዝከአሎም መጠን ብዛዕባ ሕግን መሰል ወዲ ሰብን ካብ ናይ በዓል ጊዜ ሶክራተስን ኣሪስቶትል ጀሚሮም ክሳብ’ዚ ዘለናዮ ጊዜ ዝተፋላለዩ ኣብነታት እንዳ ኣቕረቡ ዘረባን መደረን ኣስምዑ። ንሕና ብናይ ሕዝቢ ሓልዮት ደአ እምበር ንገዛእ ርእስና ስልጣን ወይ ጥቕሚ ክንብል ከምዘይተበገስና ገለጹ። ብተወሳኺ ኩላትና ብዝተፋላለየ ዓይነት ትምህርቲ ዩኒቨርሲቲ ዝፈጸምና፣ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ከሎና ድማ ንብዙሕ ዓመታት ንቃለስ ዝነበርና ምዃንና ኣብርሁ። ኣብ ርእሲ’ዚ ድማ፣ ኣነ ኣብ ዩኒቨርሲቲ፣ ናይ ተመሃሮ መራሒ ኮይነ ተመሪጸ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፣ ኣንጻር ናይ ሃይለስላሴ  መንግስቲ ብዘካይድኩዎ ጉዳይ ብ1970፣ ንሓሙሽተ ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱኒ ከምዝነበረን፣ ብናይ ተመሃሮ ጻዕሪ ድሕሪ ሓደ ዓመት ማእሰርቲ ምሕረት ተገይሩለይ ከምዘፈታሕኩ ገለጹ።

ድሕሪ ናይ ክልተ ወርሕን ፈረቓን መስርሕ ክትዕ ምክያድ ናይ መዕጸዊ ሓተታኹም ኣቕርቡ ተባህሉ። ጠበቓታትና ብዘይ ፍርኂ፣ “ኣብ ልዕሊ እዞም ሰባት እዚኣቶም መቕጻዕቲ ምውሳድ፣ ኣብ ዱር ዝመለኦ በረኻ ሓዊ ምውላዕ ስለዝኾነ ብገደብ ናብ ስረሖም ክምዝምለሱ ተባሂሉ ፍርዲ ክወሃብ ብአኽብሮት ንሓትት” በሉ።  ናይ ሓደ ሰሙን ቖጸራ ድሕሪ ምሃብ፣ በቲ መዓልቲ ምስ ቀረብና ጌጋ ፈጺምኩም ኢኹም፣ ግን፣ ብናይ ሕዝቢ ሓልዮት ዝተበገሰ ኮይኑ ስለዝረኸብናዮ ብዋሕስ ክትፍትሑ ወሲንና ኣሎና። ብተወሳኺ ኩላትኩም ነናብ ዝነበርኩምዎ ስራሕ ክትምለሱ ድማ ኣዚዝና ኣሎና” ኢሎም ኣፋነዉና።

ሕጂ ብዛዕባ ዲክተተር ኢሳያስ ኣሕጽር ኣቢለ ከመይ ገይሩ እንዳ ቀተለን እንዳ ኣሰረን እንዳሓሰወን እንዳ ጠለመን ናብ ስልጣን ከምዝደየበ ከቕርብ እየ። ዲክተተር ኢሳያስን ካልኦት ዉሑዳትን ካብ ጀብሃ ምስ ተፈንጨሉ ሰለስተ ዝኾኑ ውድባት ምስ ተኸሉ፣ ሓደ ካብቶም ንስልጣነይ የስግኡኒ ኢዮም ኢሉ ዘሰክፎ ንዝነበረ ተጋዳላይ ኣብርሃም ተወልደ መርዚ ኣስትዩ ብምቕታል ንሱ ንበይኑ ክወዳደሮ ዝኽእል ዘይብሉ ባይታ ፈጠሩ፣ መራሒ ከምዝኸውን ገበረ። ቀስ ኢሉ ድማ ንነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰለስተ ስሙር ግንባር ጌርና ካብ ጀብሃ ንነብስና ንከላኸለላ ኢሉ ኣእመኖም። ሰለስቲኦም ዉድባት ብሓደ ንክኾኑ ድማ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ንምድላው ኣብ ዝሸባሸብሉ ዝነበሩ እዋን ንዑስማን ሳልሕ ሳበ ኣድሓርሓሪ ብዝብል ምስምስ ካብቲ ውድብ ከምዝግለል ደፋፈአ። ዑስማን ሳልሕ ሳበ ኣዝዩ ተፈላጥነት ስለ ዝነበሮ፣ ነቲ ቀስ ኢሉ ከም ኣባ ጎብየ እናኸደ፣ ብውልቁ ክጭብጦ ዝደሊ ስልጣን ዕንቅፋት ንኸይኾኖ ብማለት ኢዩ። ልክዕ ከምታ መንግስቱ ነቶም ምሁራት ዝነበሩ ናይ ደርግ ኣባላት ዝቐተሎም ኢሳያስ ድማ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲ ዝመሃሩ ዝነበሩ ምስ ተሓወስዎም፣ ንሳቶም’ውን ብኽእለቶምን ፍልጠቶምን ከምዝበልጽዎ ስለዝፈልጥ መንገድታት ምሂዙ “መንካዕ” ዝብል ስም ኣጠሚቑ ኣዘንጊዑ ከምዝሓቁ ገበረ። 

ኣብ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ፣ ልክዕ ከምታ መንግስቱ ዝገበራ፣ ንሱ ናይ ስልጣን ባህጊ ከምዘይብሉ መሲሉ ሮመዳን መሓመድ ኑር ዋና ጸሓፊ ንክኸውን ጸዓረ። ብኡ መሰረት ድማ ሮመዳን ዋና ጸሓፊ ክምረጽ እንከሎ፣ ንሱ ድማ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ኮይኑ ተመርጸ። ልክዕ ከምታ መንግስቱ ዝገበራ ኣብ ድሕሪ ኣማንን ተፈሪ ባንተን፣ ኢሳያስ ድማ ንሮመዳን ጉልባብ ገይሩ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓይሊ ከደልድል ጀመረ። ልክዕ ከምታ መንግስቱ ብሚስጢር ዝፈጠራ ሰደድ ትበሃል ፓርቲ ኢሳያስ ድማ ምስጢራዊት ፓርቲ ፈጢሩ ኣብ ውሽጢ ህ.ግ.ሓ.ኤ ይንቀሳቐስ ነይሩ። ጽንሕ ኢሉ ነቶም ንስልጣነይ የስግኡኒ ኢዮም ዝበሎም ድማ “የሚን” ዝብል ስም ኣጠሚቑ ቐተሎም። ኣብ ካልአይ ዉድባዊ ጉባኤ ንሱ ዋና ጸሓፊ ንክኸውን ኣጠዓዓመ፣ ተመርጸ እውን። ኣብቲ ኣኼባ ናይ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ቦታ ከምዝተርፍ ገበረ። እዚአ ድማ ከምታ መንግስቱ ብዘይ ምኽትል ስልጣን ዝሓዘ፣ ኢሳያስ ድማ ብዘይ ምኽትል መራሒ ኮነ። ብድሕሪዚ ልክዕ ከምታ መንግስቱ ዝገበራ ነቶም ንስልጣነይ የስግኡኒ ኢዮም ዝበሎም ብዘይ ወዓልዎ ምኽንያት “ገበን” እንዳፈጠረ ዝኣስሮም ዝነበረ ኢሳያስ ድማ፣ ከምታ ናይ መንግስቱ፣ ንበዓል ኢብራሂም ዓፋ ከይተረፈ ብምስጢር ኣሕቀቖም።

ድሕሪ ነጻነት ድማ ከምታ መንግስቱ ዝፈጠራ ኢሳፓኮ ትብል ፓርቲ ኢሳያስ ድማ አ.ማ. ሰ. (ኤርትራዊ ማሕበርነታዊ ሰልፊ) (Eritrean Socialist Party) ትብል ምስጢራዊት ሰልፊ ፈጠረ። ብተወሳኺ፣ ከምታ መንግስቱ ንነብሱ ፕረሲደንት ኢሉ ሽመት ዝሃባ፣ ዲክተተር ኢሳይስ፣ ንነብሱ ፕረሲደንት ዝብል ሹመት ሃባ። ልክዕ ከም መንግስቱ ሃገር ቁልቁል ኣፋ ትተኸል፣ ሕዝቢ ይጥመ ኣይጥመ ንዑኡ ቀዳማይ ሽግሩ ኣይኮነን። ንዕኡ ከም ዲክተተር መንግስቱ ከመይ ጌርካ ኣብ ናይ ስልጣንካ ዕድመ ምንዋሕ ኢዩ። ነቶም ሃገርና ናብ ግጉይ መንገዲ ትመርሕ ኣላ ዝብሉ ድማ ብጉጅለን ብውልቅን እንዳ ሓዝካ ኣብ ዒራ ዒሮን ኣብ ፈቐዶ ኣብያተ ማእሰርቲ ርቲ ምድጓንን ምቕንጻልን ተተሓሓዞ።ሓንቲ ተሪፋቶ ዘላ ከምታ መንግስቱ ዝገበራ፣ መዓልቲ ጽብብ ምስበለት ሃዲምካ ናይ ምኻድ ጥራይ ኢያ ተሪፋቶ ዘላ እምበር መንግስቱ ዝገበሮስ ኩሉ ጌርዎ ኢዩ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...