ሶፍያ ተስፋማርያም ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኤምባስን ናይ ኤርትራ ማሕበረ ኮም ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ 600 ለ ዝርከብ ናይ ዋሽንግተን ቦታ ድማ ንእስ ዝበለ እትሰርሐሉ ናይ ገዛእ ርእሳ ኦፊስ ተዋሂብዋ ኣሎ ዝብል ዘይተረጋገጸ ወረ ይንገር ኣሎ። እዚ ኣብ ጎደና 600 ዝርከብ ቦታ ቅድሚ ገለ ዓመታት ብኤፍቢኣይ ተፈቲሹ ኔሩ።

ገለ ገለ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሰልፊ

 

ናይ ሶፍያ ናይ ምጽሓፍ ንጥፈታት ኣንጻር ተቓወምትን ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ መለስ ዜናዊ መንግስትን ዘተኮረ ኢዩ።


ሶፍያን ጂ15ን

ብመስከረም 2001፣ ብድሕሪ'ቲ ብዙሓት ግዳያት ዘኸተለ ኣዕናዊ ናይ ዶብ ኲናት ምስ ኢትዮጵያ፣ ብ”ጂ15” ዝፍለጡ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ዝሰደድዎ "ቅሉዕ ደብዳበ" ናብ ፕረሲደንት ኢሳያስ ምስወጸአ እያ ሶፍያ ኣውራ ኣብ መጋባእያ ናይ መንግስቲ ምክልኻል ዝወጽአት።

ካብቶም ነዚ ደብዳበ ዝፈረሙ፣ ብዘይካ እቶም ኣብ ወጻኢ ዝጸንሑ ኣምባሳደር ሃይለ መንቀርዮስን ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያምን፣ መስፍን ሓጎስን፣ ኩሎም ብዕለት 26 መስከረም 2001 ካብ ዘዝነበርዎ ብመንግስቲ ምስተወሰዱ፣ ክሳብ እዚ እዋን እዚ ተሸሪቦም ኣለዉ። እቲ መበል 13ይ ፈራማይ መሓመድ ብርሃን ብላታ፣ “ተጣዒስ” ኢሉ ምስ መንግስቲ ድሕሪ ምትዕራቑ፣ ንወጻኢ ክኸይድ ተፈቒድዎ ኣብ ሃገረ ሽወደን እናተቐመጠ ጸጸኒሑ ኣብ መርበባት ጽሑፋት ከውጽእ ይረእ።

ብዛዕባ ጠፊኦም ዘለዉ “ጂ11” ኣብ ናይ ፓልቶክ ዝገበረቶ ዘረ፣ ሶፍያ ተስፋማርያም፣ መንግስቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ደጊፋን ተኸላኺላን ካልእ እውን ወሲኻትሉ።

ናይ ድሃይ ቢንያም ተኽለን ሓውን

 

ሶፍያን ሳልሕ ጆሃርን

ብዕለት 4 ጥሪ 2008 ንኣንበብትን ሰማዕትን ብሰምበደ ቃላት፣ ሶፍያ ኣካታዒ ንዝኾነ፣ ናይ ዓዋተ መርበብ ኢንተርነት ኣካያዲ፣ ሳልሕ ጆሃር (ቃዲ ነበር)፣ ዘጥቅዕ ጽሑፍ ኣውጺኣ። እቲ ኣውራ ዘስደመመ ቃላት ኣብ መበል 19ይ ሕጥበ ጽሑፍ፣ “ብ1977 እቲ ምንጪ…..” ዝብል ንባብ ይጅምር። እቲ ጽሑፍ፣ ኣብ ኣሜሪካን ክሮንክል ዝኣመሰሉን ካልኦትን ወግዓውያን ናይ ኣሜሪካ መርበባት፣ እኳ እንተተሳሕበ፣ ኣብተን ንመንግስቲ ኤርትራ ዝድግፉ መርበባት ጌና ይርከብ ኣሎ። እዚ ጽሑፍ ብዘስዓቦ መልስ ግብሪ፣ ሶፍያ ብስም ምጥፋእ ተኸሲሳ ካሊፎርንያ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ቀሪባ። ተኸሳሲት መንበሪኣ ኣብ ካሊፎርንያ ስለዘይኮነ፣ እቲ ፈራዳይ እቲ ጉዳይ ከምዘይምልከቶ ሓቢሩ ኣሰናቢትዎም።

ብድሕር’ዚ “ተዓዊተ” ዝብል ጽሑፍ፣ "ድሃይ" ኣብ ዝተባህለ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝድግፍ መርበብ ኢንተርነት ኣውጺኣ። እዚ ናይ ስም ምጥፋእ ክሲ፣ እቲ ስርዓት ኣብ ስደት ንዝርከቡ ተቓወምቲ ንምዕፋን ዝገበሮ ናይ ሓሳባት ናይ ምግላጽን ምጽሓፍን መሰል መሕለዊ ኣብነት ክኸውን ይኽእል ኢሎም ዝኣምኑ ደገፍቲ ዝነበሮ ጉዳይ ስለዝነበረ፣ ከሳሲ ንደገፍቱ መልስን መዕለቢ ናይቲ ጉዳይን እዋናዊ ዝኾነ ሓበሬታን ስለዘይሃበ መዛረቢ ኮይኑን ሓደ ጽሑፍ እውን ወጺኡ።  


ሶፍያን ሽወደንን

ሶፍያ “ዓወታ” እናዘመረት ን“ቀርኒ ኣፍሪቃ” ዝምልከት ኣኼባ ኣብ ሶቶክሆልም ተሳቲፉ። ኣብዚ ኣኼባ ንናይ ክሲ ምክልኻል ጉዳይ ዝውዕል 100.000 ክሮነን ተዋጺኡላ።

ኣብ ሃገረ ሽወደን ምብጻሕ ኣብ ዘካየደትሉ እዋን፣ ምስ ናይ ዜና ማዕከን ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት ብዛዕባ ናይ ሽወደን ኢድ ምትእትታው ዘለዋ ነቐፌታ ብቑጠዐ ኣነጺራ። “ናይ ሽወደን ዜና እንታይ ኢዩ ሽግርኩም? ሃገርና ባዕልና ከነመሓድር ግደፉና፤ ስለምንታይ ክንድዚ ብዛዕባ ዳዊት ይስሃቕ ትግደሱ? ሓደ ውልቀ ሰብ? እዚ ካምፐይን ንብላሽ ኢዩ” ክትብል ንዳገንስ ንይህተር ጋዜጠኛ ሳና ብዮርልንግ ነጊራ። እንታውነት ደሞክራሲ ብምልዓል ሕቶታታ ቀጺላ። “መን’ዩ ደሞክራሲ እንታይ ምዃኑ ዝውስን? ናይ ባዕልና ዓይነት ደሞክራሲ ኣለና! ናይ ብሓቂ ተቓውሞ የለቦን እውን፣ ኩሎም ደይ ዝሃደሙ ገበነኛታት ኢዮም።” በለት ሶፍያ ንዳገንስ ንይህተር (ብዲኤን ዝፍለጥ)። ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ጠውቑ።

 

ሶፍያን ንውልቀሰባት ዝምልከት እገዳን

ቅድሚ ገለ ዓማውቲ ይገብር፣ ሓብታ ሀለን ተስፋማርያም ኣብ ሓደ ወግዓዊን ንኹሉ ክፉት ዝኾነ ናይ ረድኤትን ሰብኣዊ ሓገዛት ኣብ ዝምልከት ጉዳይ፣ ኣስታት $10,000 ዝኸውን፣ ንመርዓዓ ዝተሓሰበ ገንዘብ ንናይ ኤርትራ “ጉዳይ” ከምዝወፈየት ኣፍሊጣ። እዚ ኣብ ናይ ኢንተርነት መርበባት ብናይ ደገፍቲ መንግስቲ (ክጃሃሩ) ምስተፈነወ፣ ናይ ዓዋተ ኣሰናዳኢ ሓደ ናይ ዋዛ ጽሑፍ ብዛዕባኣ ኣውጺኡ ኔሩ። እቲ ጽሑፍ ከም ሓንቲ ዝያዳ ኹሎምን ብኣገልግሎታውነታ “ብልጫ’ ከምዝረኸበት የስምዕ ኔሩ። እዚ ኾይኑ እቲ፣ ብድሕሪ እዚ ህላወ ፍትሕ ተፈጺሙ።

ጽሑፋት ሶፋያ፣ ሓደ ሓደ እዋን ዝርዝራውን ቅደም ተኸተል ዘለዎን፣ ብኣገባብ ክንበብ ዝኽእል ጽሑፋት ክኸወን እንከሎ፣ ኣብ ገለ ገለ እዋን ግን ጸርፍን ነድርን ነገርን ዝመልኦ ናይ ቃላት ጸድፊ ተድህብ። እዚ ዳሕረዋይ ናታ ኢዩ፣ እቲ ቀዳማይ ግን ብመንግስቲ ኤርትራ ዝወሃባ መደብ ዘለዎን ሕጋውን ምንጭታት ዝሓዘ ጽሑፋት እዩ፣ ይብሉ ገለ ተዓዘብቲ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ንጥፈታታት ምስ ናይ ኢትዮጵያ ተቓወምቲ ጉጅለታት ምስ ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ኾይንካ፣ ቃለ መሕትት ምግባርን ምርኻብን ይርአ ኣሎ።

ኣብ መስርሕ እተካይዶ ኢንተርነት ዝመደበሩ ጽሑፋትን ዓዲ ዓዲን ሃገራትን ምብጻሕ ኣገልግሎት፣ ንጥቅሚ እዚ ሕጂ ኣብ እገዳ ኣትዩ ዘሎ ስርዓት ኮይኑ፤ ብቐንዱ ግን፣ ብሰንኪ ጽሑፋታን ተኸታታልነታን ዝኣክል፣ ንገለ ኣብ ኢንተርነት ዝጽሕፉን ርእይቶ ዝህቡን ዝነበሩ ጸሓፍቲ ከምዘጽቅጡ ከምዝገበረት ተሓሲቡ በቲ ስርዓት ትምስገን እያ። እዚ ናይ ፕሮፓጋንዳ ኣገልግሎት ምስቲ ን”ነጻ” ማዕከናት ከም ኣስሓይታ ዘሰክሖ ጠባይ ኢሳያስ ይኸይድ ኢዩ።

ሶፍያ ተስፋማርያም፣ ኣቦኣ ናይ ኢትዮጵያ ኣየር መንገድ ሰራሕተኛ ስለዝነበረ፣ ኣብ ኢትዮጵያ እያ ተወሊዳ ይበሃልን፤ ብድሕር’ዚ ድማ ኣብ ዝተፈላለያ ናይ ኣፍሪቃ ሃገራት ዓብያን ድሕሪ ነዊሕ እዋን ድማ እቲ ስድራ ኣብ ከባቢ ቨርጂንያ ሰሪቱ። ሶፍያ በዓልቲ ሓዳርን ኣደ ሰለስተን እያ። ብደረጃ ትምህርቲ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ኮለጅ ወዲኣ።

እዚ ኣብዚ እዋን ሒዛቶ ኣላ ዝበሃል ናይ ስራሕ ቦታ፣ እቲ ጸሃይ ሃብተማርያም ዝነበረቶ ከም ናይ ፖለቲካ ሓላፊት ዝፍለጥ ዝነበረ ኾይኑ፣ ካብኡ ቁሩብ ልዕል ብዝበለ እያ ተዋሂባ ዘላ ዝብሉ ኣለዉ። ጸሃይ ሃብተማርያም፣ ምስ ናይ ሃዋርድ ዩኒቨርስቲ ሰርጀን ዝኾነ በዓል ቤታ ዶክተር ሃይለ መዝገበ፤ ንምንባር ናብ ኤርትራ ስለዝኸደት እያ እቲ ናይ ስራሕ ቦታ ገዲፋቶ። ሰብ ንጸሃይ ክድውለላ እንከሎ “ፖለቲካዊ ኦፊሰር” ዝብል ቮይስ እዮም ዝሰምዑ ኔሮም ደወልቲ።
 
ኤርትራ ካብ ታሕሳስ 23፤ 2010 ጀሚራ ኣብ ትሕቲ እገዳ ዝኣተወት ሃገር ኢያ። እዚ እገዳ እዚ ናይ ምጋሽን ናይ ኣጽዋርን ናይ ውልቀ ሰባት ንብረት ኣብ ምድስካልን ዘድሃበ ብሕጊ ዝሓለፈ ውሳነ ኢዩ።

እዚ ሓድሽ ሰብ ናይ ምቑጻር ውሳነ ብኤምባሲ፣ ነዚ እገዳ ዘስዕቦ ሕጽረት ናይ ዲፕሎማስያውያን ጋግ ንምምላእ ዝዕለመ እዩ ይብሉ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ተዓዘብቲ። እዚ እቶም ንቋንቋ እንግሊዝ ዝመልኩ ኣማኸርቲ የማነ ገብረኣብን የማነ ገብረመሰቀልን ካብ ምጋሽ እንተደኣ ተኣጊዶም ማለት ኢዩ። ሶፍያ ኣብ ቅድመ ግንባር ናይዚ ብስርዓት ኢስያስ ዝካየድ ዘሎ መኸተ እኳ እንተተራእየት፣ እቶም ቀንዲ ኣተግበርቲ ናይ ምፍርራሕን ጸለመን ናይቲ ስርዓት’ሲ ጌና ብድሕሪ መጋረጃ እዮም ዝሰርሑ ዘለዉ ይበሃል።

 

ፍረወይኒ ተኸስተ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...