"ንኹሉ ጊዜ ኣሎዎ" ይብል መጽሓፍ ቅዱስ። ኾይኑ ኸኣ: ሎሚ ኣብ ኤርትራ ርትዒ ምስ ልቦና ፍጹም ዘኽቲመን፣ እዋና ኾይኑ ድንቍርና ጃንጥላኣ ዘርጊሓ ሰንደቕ ዕላማኣ (ባንዴራኣ) እተውለብልበሉ፣ ንወጋሕታ ጋሪዳ ብናይ ስምዒት ረስኒ እትዕንድረሉ ተካል እዋን ካብ ዝኸውን ዕስራ ዓመታት ኪመልእ ቀሪቡ። እቲ ንኹሉ ጊዜ ዝህልዎ ኩነት ባህሪያዊ ሕጊ ዝሰረቶ ናይ ሓድነትን ቃልስን ርትዓዊ ሚዛን’ዩ። ኣብ ኤርትራ ግን ባህሪያዊ ሕጊ ተራ ዘሎዋ ኣይትመስልን። ድንቍርናን ልቦናን ደቅሰብ ካብ ካልእ ፍጡራት መሬት ዚፍለዩሉ መለለዪ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ: ነዊሕ ታሪኹ ከም ዝምስክሮ፣ ብሰሪ ሰንሰለታዊ መግዛእትታት ከም ዝዓበየ ክፍሊ ዓለም ንምዕባለ ዝድርኽ ሰፊሕ ጸጋ ፍልጠት እኳ ገና እንተ ዘይወነነ፣ ካብ ተመክሮ ህይወት ዝቕሰም ሰፊሕ ጸጋ ልቦናስ ንኣማኢት ዓመታት ዝተዓደለን፣ ቅድሚ 400 ሚእቲ ዓመታት ዋላ’ቲ ብምዕባለ ዝምካሕ ክፍሊ ዓለም ዝተደነቐሉ ዲሞክራሲያዊ ሕጊታት ደንጊጉ ብሰላምን ምውህሃድን ዝነብር ዝነበረ ህዝቢ ኢዩ።
 
Eritreaሎሚ ግን ህዝቢ ኤርትራ ብኽቱር ግርምቢጥነት ዝልለ ኣብ እዋን ነጻነት መዋእል ውሽጣዊ መግዛእቲ የሕልፍ ኣሎ። ህይወት ደቅሰብ ድንቅርና ከተድክሞ: ፍልጠት ከተሐይሎ፣ ዕሽነት ከተጸልምተሉ: ልቦና ከተብርሃሉ ዝጠማጠማሉ ዓውዲ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መዋእል ቃልሲ ንነጻነት ከም ፈልሲ ተዀስኲሳ ዝኣተወቶ ጻህያይ ድንቍርና ህ.ግ.ደ.ፍ.፣ ሎሚ ዘይትተሓዝ ቆንጠጠፈ ኮይና ተሳቕዮ ኣላ። ብናይ ስምዒት ረስኒ ንወጋሕታ ጋሪዳ: ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ከይሓፈረት ብሃዋርያን ደገፍትን ህግደፍ ተሸሊማ ትዕንድርን ትዘልልን ኣላ። ምስ ድንቍርና ተጣማጢምካ ብቐሊል ክትስዕራ ዘይትኽእል መቝሕ ኣእምሮ ምዃና፣ ንሃገርና ነፍቅር ኢና ኢሎም ብዝጭርሑን ዝግዕሩን ደገፍቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዜጋታት ተረጋጊጹላ ኣሎ። ንኣብነት: ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ዘሎ ንጹር ዓይነታዊ ፍልልይ ከም ሓደ ገይሮም ዝምድሩ ሰባት ትርጉም ፍቕሪ ሃገር ይርድኡ ኢዮም ኢልካ ክትሓስብ ዘሸግር’ዩ።
 
ብሃሜንነት ተጋሪዳ ኣብ ኣእምሮ ደገፍቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝዓረደት ድንቁርና፣ እቲ ዓለም ዝፈለጦ ጭብጢ ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ኪጋልሃን ከውጽኣን ዘይከኣለ፣ እቲ ኹሉ ናይ ህዝብን ሃገርን ሓቀኛ ኩነታት ንምብራህ ዝተጻሕፈ ማእለያ ዘይብሉ ጽሑፋት ፈውሲ መረዳእታ ከቕርብ ይኽእል’ዩ ኢልካ ክትተኣማመን ንህልው ኩነታት ምዝንጋዕ ጥራይ ኢዩ ዝኸውን።  ካብኡ ተረፈ: ርትዒ ዘኽቲማ ድንቍርና እንተ ዘይትስዕርርን ብናይ ስምዒት ረስኒ እንተ ዘይትሳራሰርን፥
  • ህዝቢ ኤርትራ ነጻነት ኣብ ልዳት ቤቱ ካብ ትረግጽ ጀሚሩ መሬቱ ተመንዚዑ፣
  • መሰል ናይ ምዝራብን ምግባእን ሓርነት ተገፊፉ፣
  • ግዝኣተ-ሕግን ፍትሕን ሓሪሙዎ ኣብ ጐዳጕዲ ቤት ማእሰርቲታ እናበለየ፣
  • ንኹሉ ቁጠባዊ ህይወት ብዝገበተ ስርዓት ህግደፍ ሰሪሑን ሓሪሱን ከይነብር ፍጹም ተኸልኪሉ፣
  • ካብ ቍንጣሮ ዘፍረዮ ንዕዳጋ ኣውሪዱ ጨው-በርበረ ከይገዝእ ተኸልኪሉን ክሳብ ኣእዳዎም ኣብ ብሑቝ የእቲዮም ብዝፍትሑ ከተርቲ ሰብ ብረት እናተመንዝዐ፣
  • መንእሰይ ኣብ ክንዲ ተማሂሩ ሃገሩን ህዝቡን ናብ ምዕባለ ዝመርሕ፣ ወራስ ዝኸፍአ ሕሰም ኮይኑ፣ ኣብ ረመጽ ከንቱ ኵናት ተጠቢሱ፣ ንዓመታት ኣብ ወፍሪ ወተሃደራዊ ባርነት ተጸሚዱ፣ መሪሩዎ እግሩ ናብ ዝመርሖ ብምጐዓዝ፣  ኣብ ምድረበዳን ማእከላይ ባሕርን ናይ ህይወት ሞባእ እናኸፈለ ናብ ሰደት የምርሕ እናሃለወ፣
  • ድሕሪ’ቲ ኩሉ መስዋእቲ ስርዓት ህግደፍ ምስ ደርጋውያን ቅንጅት ነጻነት ኤርትራ ግሂሱ ናብ ኢትዮጵያ ክመልሳ ውዲት እናካየደ፣   
  • ብኣጣቓላሊ: መሬቱ ናብታ ፋሺስታዊ መግዛእቲ ኢጣልያ ዝፈጠራ ዓባይ ናዅራ (ዓባይ ቤት ማእሰርቲ) ተቐዪራቶ፣ ኣብ ናይ ቀትሪ ጸልማት ተደፊኡ እናነበረ፣

ኣብ መሰሎም ዝተሓለወለን ሃገራት ስደት ዝነብሩ ደገፍቲ ውልቀምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. -- ሃገር ትምዕብል ኣላ: ህዝቢ ጽቡቕ ኣሎ ኪብሉ ኣይምደፈሩን።
 
ድንቍርና/ንቕሓት-ኣልቦነት ብቐሊል ከተሰንፋ ዘይከኣለሉ ምኽንያት፣ ከምቲ ፈላስፋ ኢማኑወል ካንት ዝበሎ: ዘይምንቃሕ “ርእሰ-ግዱድ ዘይብስለት (self-imposed immaturity)” ስለ ዝኾነ ኢዩ። ቀጺሉ “ዘይብስለት ብዘይ ናይ ካልኦት ሓገዝ መረዳእታኻ ክትጥቀም ዘይምኽኣል ኢዩ…ብዙሓት ህዝቢ ባህርይ ሓራ ገይራቶም ክነሳ፣ ንምሉእ ህይወቶም ኣብ ናይ ዘይብስለት (ዘይንቕሓት) ኩነታት ተሓጕሶም ኪነብሩ ዘምርጻኦም ምኽንያታት ትህኪትን ፍርሃትን ኢየን” ይብል። ብሓቂ ብዛዕባ ውልቀመላኺ ኢሳያስን ብዛዕባ እቶም ኩሉ ባህርይ ዝዓደለቶም ኣእምሮን ሕልናን ደፊኖም ኣብ እግሩ ተደፊኦም ንስኻ ህይወትና፣ ብዘይብኣኻ ሞትና ዝብሉዎ ዘሎዉ ኣመልኪቱ ዝዛረብ ዘሎ ይመስል። ኢዩ ኸኣ።
 
ንስእሊ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ከም ታቦት ተሰሚሞም...

 

ኣብታ ህዝቢ ኤርትራ ብጓሂ ጥራይ ክዝክራ ዝኽእል 22 ልካቲት: 2010፣ ምእዙዛት ውልቀመላኺ ኢሳያስ ንስእሉ ከም ታቦት ተሰኪሞም ኣብ ኤውሮጳን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ኣንጻር ኢሳያስ ንዝተወሰነ እገዳ ኣንጻር ህዝቢ ከም ዝተወሰነ ኣምሲሎም ንመቓብር ስዉኣት ብዘንቀጥቅጥ ምስሉይነት፣ “ሃገርና ብደምና- ብቕልጽምና፣…ኩሉ ድሕሪ ሃገር…ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ…መኸተና ዋሕስና…” ወ.ዘ.ተ. እናበሉ ጐረሮኦም ክሳብ ዝልሕትት ጨዲሮሙሉ። ንኢሳያስ ናይ ደቓይቕ ናይ ሓሶት ቅሳነት ሂቡዎ እንተኾነ ኢዩ። እዚ ኢዩ እምበኣር ኣብ ገዛእ ርእስኻ ተገድዶ ናይ ዘይምብሳል ሳዕቤን፣ ርእሰ-ግዱድ ናይ ኣእምሮ ጸልማት፣ እቲ ዝኸፍአ ባርነት!!!
 
ለካቲት 22 ብዙሕ ዘስደምም ናይ ግጥሚታትን ጭርሖታትን መደረታትን ሰሚዕናላ። መቸም ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብብዝሒ ዘፍረዮም እንተለዉ ደረፍቲ ኢዮም። መታካእታ ሓካይምን ናይ ሕጊ ምሁራትን፣ መሃንድሳትን መማህራንን። ምሁራት ብመፈጠሩ ጸላእቱ ስለ ዝኾኑ፣ ካብ ሜዳ ኣትሒዙ እናኣሕቀቖም ዝተጓዕዘ፣ ኣብ ቤት ምስ ኣተወ ዝዅስኵሶም ምኽንያት ኣይህልዎን፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝበልዩ፣ ኣብ ኲናት ተጠቢሶም ከም ዝጠፍኡ ድኣ ይገብር እምበር። ስለዚ ደገፍቱ መብዛሕትኦም ብፍቓዶም ዝተደናገሩ ብምዃኖም ንሓዝነሎም፤ ካብ ርእሰ-ግዱድ ዘይብስለት ከም እንቋቝሖ ሰይራ ትወጽእ ፍጥረት ጋሊሆም ኪወጹን ነቲ ሓቂ ኩነታት ህዝቦምን ሃገሮምን ኪርእዩ ኪኽእሉን ብሕልና ክንምነየሎም ይግባእ።             
 
ካብቲ ህግደፋውያን ኣብ ጀነቫ ዝገበርዎ ሰልፊ ካብ ዝተባህለ ንምጥቃስ፥

  1. “ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ”-----፥ ብዝተሰልበ ኣእምሮ ህግደፋውያን ሓቅነት ኣሎዎ፤ ንዓኣቶም ኢሳያስ ህዝቢ ኢዩ፣ ንዓኣቶም ዝግድሶም ህላወ ኢስያስ ኢዩ። ኣብ ውልቀምልካዊ ስርዓት እቲ ዝግድስ ንብሕቱ እቲ ንህዝቢ ረጊጹ ደው ዝበለ ጥራይ ኢዩ። ኣብ ፍትሕን ግዝኣተ ሕግን ዝነግሰሉ ቅዋማዊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ግን ነፍስ ወከፍ ሰብ ኣብ ቍጽሪ ይኣቱ፣ ምዕባለ ሃገር ከኣ ውጽኢት ናይ ኩሉ ልብን ኣእምሮን ይኸውን።
  2. “ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል፣ ዕርፊ ጥራይ ኣጽንዕ”---፥ ኣብዚ ምዕዶ ዘየድልዮ ጉዳይ በትሪ ኣጽንዕ ይብሉዎ ኣለዉ ንጐይትኦም። እቲ ዝተዓመተ ሕልና ኣብ እንግድዓ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ በትሪ ክርኢ ዘይምኽኣሉ ዘረጋግጽ’ዩ።
  3. “መንግስትና ንዓና ንሕና ንመንግስትና”---መንግስቲ ልዕሊ ህዝቢ ምዃኑ ዝኣምኑ ኣምልኾተ ውልቀመላኺ ዘጐልበቦም፣ ከም ፍቕሪ ህዝብን ሃገርን ገይሮም ዝርእዮዎ ህግደፋውያን ካልእ ኪብሉ ዓቕሚ የብሎምን። እቲ ኣዚዩ ዘሕዝን ግን ኣምር መንግስትን ህዝብን ፍልልዩ ኣዚዩ ንጽር ኣብ ዝኾነሉ ሃገራት እናነበሩ ክስቆሮም ዘይምኽኣሉ ኢዩ። ኣብ ዓዲ ምዕቡላት ምንባር ንባዕሉ ምዕቡል ከም ዘይገብረካ፣ ብፍቓድካ ዘይምንቃሕ ምስ እትመርጽ ዝህሉ ኩነታት’ዩ። ምርጫ ኣየካይድን ኢየ፣ እንተ ኾነ ኸኣ ምናልባት ድሕሪ 30-40 ዓመታት ዝበሎ ገለ ደኾን እቲ መልእኽቱ ስለ ዘይተሰቆሮም ኮይኑ። ኣእምሮኻ ብፍቓድካ እንተ ኣረኪብካ ብነጻ ናይ ምሕሳብ ድኳን ተረጊጡ ማለት ኢዩ። ዓቕሚ ምስትብሃል: ምስትውዓል: ምምርማር: ምርዳእ ናብ መጻጉእነት እንተ ተቐዪሩ ክብሪ ንዘለዓለማዊ ባርነት ጥራይ ኢዩ ኪብል ዝኽእል።
  4. “ዝተጨነቐን ዝተወጠረን ሓንጎል እንተሎ ይጭነቕ”--- በለ ሓደ ካብ ተሳተፍቲ። 
  5. “ሓውና ዝገዝኣና ድሕሪ ሕጂ ኣይንምርከኽን ኢና…ዋርሳይ ይከኣሎ እዚ ኩሉ መንገድታትን ኣባይትን ዝሰርሑ: ሰላም ረኺቦም ዋናታታ ክኾኑ ተስፋ ኣሎኒ” በለት ሓንቲ ተሳታፊት። ዋርሳይ ዋናታት ሃገሮም ኪኾኑ ናይ ኩላትና ተስፋ ኮይኑ፣ እቲ ኣብ ምስራሕ መንገድታትን ኣባይቲ ናይ ኮለኔላትን ተጸሚዶሞ ዘለዉ ወፍሪ ባርነት ግን ኪስቆራ ኣይከኣለን። ውሽጣዊ ጭቆና: እታ ሓለንጊ ኣብ ዝባና ክሳብ ዘይወደቐት፣ ንዓኣ ነጻነት ኢዩ። “ዝነገሰ ንጉስና ዝበረቐ ጸሓይና” ትብል ኣላ ማለት’ዩ፣ ኪኖኡ ብሓሳብ ክትርኢ ዓቕሚ የብላን። ንጸልማት ዘናውሕ መርገም ሃገርን ህዝብን። እዚ እንተ ዘይከውን ዓቕሚ ደገፍቲ ውልቀመላኺ፣ ሃገር ንዘዕኑ ህዝቢ ንዘጽንት ዘሎ ውልቀሰብ ኣይምሰገዱን።

ካብ ናይ ገበን ባሕሪ ብጭልፋ ንምጥቃስ፣ እቲ ዝተጨነቐን ዝተወጠረን ሓንጎል ግን እቲ ንመቓልስቱ በብሓደን ብጕጅለን ዘጥፍአ፣ ብዘይ ግብኦ ክብርን ፍቕርን ንዝተቐበሎ ሓላል ህዝቢ ልዕሊ ባዕዳውያን ገዛእቲ ዘሳቕን ዘጥፍእን ዘሎ፣ ንወላዲት ወላድ-መኻን ክትከውን ጌሩ ማህጸና ዘርግማ ዘሎ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኢዩ። እቲ ዝተጨነቐ ኣእምሮ እቲ ደጋጊሙ ንዑ ቃለ-መጠይቕ ግበሩለይ ኢሉ እናዓደመ  ብትምክሕቲ ኣእምሮኡ ከም ዝሰሓተ ብዘየወላውል ኣብ ቅድሚ ዓለም ዘረጋግጽ ዘሎ ኢስያስ ኢዩ። እቲ ብናይ ስነኣእምሮኣዊ ጠንቂ ተጨኒቑ ሃገር ዘዕኑ ህዝቢ ዘሳቒ ዘሎ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ቅድሚ ሰሙን ብኣልጀዚራ ኣብ ዝተገብረሉ ቃል-መጠይቕ ንኹሉ ከም ጸሓይ በርቂ ዝተረጋገጸ ሓቅታት ኣሉታ ኪህበሉ ዓለም ርእዩዎን ሰሚዑዎን። ካብኡ ንምጥቃስ፥

  •  ብዛዕባ እገዳ--“እዚ ላግጺ ኣብ ፍትሕን ታሪኽን’ዩ”፤ ኣበይ ኣሎ እቲ መረጋገጺታት? ኣብ ሶማልያ ከም ዝኸድና ኣበይ ኣሎ እቲ መረጋገጺታት?...ሶማልያውያን ኣብ ናይ ሃገሮም ፖለቲካ ኪሳተፉ መሰል ኣሎዎም።”(ህዝቢ ኤርትራ ግን መሰል የብሉን ዘስምዕ።)
  • ናይ ዶብ ኵናት ምስ ኢትዮጵያ፥ “ ኣመሪካ ዝቐስቀሶ ኢዩ” ኪብል ተዛሪቡ፤ ባዕሉ ከም ዝጀመሮ ንኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዓው ኢሉ ከም ዘይተኣመነሉ።
  • ምስ ዝምድና ኢራን ብዝምልከት፥ “ኣንጻር ኢራን እገዳ ዘይተገብረ ኣንጻር ውሑድ ዓቕሚ ዘሎዋ ኤርትራ ንምንታይ ይግበር?” ድሕሪ ምባል፣ “ስለምንታይ ካብ ኢራና ኣጽዋር ንደሊ፣ ንሰለስተ መንግስታት ዘዕጥቕ እናሃለወና” ኪብል ከም ኣመሉ ተጋራጫዊ መልሲ ሂቡ።
  • ሃገርካ ኣብ ናይ ኲናት ኩነታት እንተ ዘየለኹም ስለምንታይ እዚ ኹሉ ጸቕጢ ስለምንታይ ነጻ ፕረስ: ናይ ምዝራብ ሓርነት የለን ኢላ ምስ ሓተተቶ--“እዚ ፈጠራ ኢዩ” ኢሉ ዓጺዩዋ።
  • ዝኾነ ካብ ሃገሩ ኪወጽእ መሰል ኣሎዎዶ?፥ “እቲ ምርኢት ተሓጒስክሉዶ?” ብምባል ካብ መስመር ሕቶኣ ከውጽኣ ፈቲኑ፣ ብቐሊል ትእለ ሓታቲት ግን ኣይነበረትን።
  • ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ንዛረብ ድሕሪ ምባል፣ 63,000 ፖለቲካዊ ዑቝባ ከም ዝሓተቱ ይፍለጥ ብዝበለቶ--“እዚ ሓሶት’ዩ፤ ኣበይ ኣሎ እቲ መርትዖታት”፤ ተጻወቲ ኵዕሶ ኣብ ከኒያ ዑቝባ ሓቲቶም---“እዚ ንዓይ ወረ ኢዩ” ኪብል መሊሱ።
  • ብዛዕባ መወዳእታ ዘይብሉ ኣገልግሎት---“ካልእ ሓሶት፣ ተኣማንነትኪ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ተእትዊ ኣለኺ” በለ።
  • ብሰሪ ኩነታት ደርቂ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ህዝቢ ረዲኤት እና ኣድለዮ ስለምንታይ ናይ ረዲኤት ሰራሕተኛታት ኪኣትዉ ዘይትፈቅድ፣ ክልተ ሲሶ ናይ ህዝቢ ዝኣክል መግቢ ዘይብሉ ክነሱ?— “ዝኣክል መግቢ እናሃለወና ስለምንታይ ካልኦት ክምግቡና ንደሊ። ንርእስና ክንምግብ ንኽእል ኢና”።
  • ፖለቲካዊ ብዙሕነት ትፈቅድ ዲኻ?—“ዝማባጽዖ ዝኾነ ነገር የብለይን፣”---ደሞክራሲ ተማባጺዕካ እንዲኻ፣---“ዲሞክራሲ ዝበሃል ኣቕሓ መሸጣ የለን።
  • ፖለቲካዊ ሰልፍታት፣ ቅዋም ኣብ ግብሪ ኪውዕል፣ ብህዝቢ ዝመሓደር ቅሉዕ ፖለቲካዊ ስርዓት ትፈቅድ ዲኻ?---“ብህዝቢ ከም ናይ ቻይና? ምእንቲ ህዝቢ እዛረብ ኣለኹ ኢልኪ ትግምቲ ትኾነ፣ ህዝቢ ባዕሉ ይዛረብ፣ ህዝቢ ባዕሉ ይግለጾ” ኪብል መሊሱላ።
  • ብናይ ሰብኣዊ መሰል ሓለዋ/HRWATCH ነዛ ሃገር ናብ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ቀዪርካ ናይ ሰብኣዊ መሰል ቅልውላው ፈጢርካ ኣለኻ ትበሃል---“ባዕልኺ ዜርኪ ሓቂ እንተ ኾይኑ ክትርእዪ ትኽእሊ ኢኺ፤ ሓሶታት ኢዩ” ኪብል ክሒዱ።
  • “…ምሉእ ዓለም ኣብ ጸግዒ ኤርትራ ኢዩ ዘሎ።…ከም ሶማልያ: ሱዳን: ከኒያ: ኢትዮጵያ ኣይኮናን፤ ኣብዚ ዞባ(ቍ1) ዝላዓልና ኢና” ኪብል ብዓለም ዘኽዕብ መልሱ ዛዚሙ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መሬቱ ፍትሒ ሓሪሙዎ ብስቓይ እናነበረ ዘይዓጠጦም፣ ኣብ ልዕሊ ኢሳያስን ኣገልገልቱን ንዝተውሰነ እገዳ “ዘይፍትሓዊ” ኢሎም ምጭዳሮም ህዝቢ ኤርትራ ካብ ጸልማት ውልቀምልካዊ መግዛእቲ ከይወጽእ ይምህለሉ ምህላዎም፣ ንሳቶም እውን ኣብ ጸልማት ሕልናን ኣእምሮን ይነብሩ ከም ዘሎዉ ኪስቆሮም ምትስፋው ካብ ኮዅሒ ማይ ኪነዝዕ ምጽባይ ኢዩ።
 
ኣብ ኤርትራ ልዕሊ ኹሉ: መሰል ናይ ምሕሳብን ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ሓርነት ፍጹም ተዓፊኑ፣ ብሕጊ ኣልቦ ማእሰርን ሞትን ዘቕጽዕ ገበን ካብ ዚኸውን፣ ምስ ዕድመ ቃልሲ ንነጻነት ደሚርካ ናብ ሓምሳ ዓመታት ተጽጊዑ ኣሎ። ምስ ናይ ርእይቶ ሓርነት ማህሰይቲ ዝተኣሳሰር እንተሎ ናይ ቁጠባዊ ህይወት ማህሰይቲ ኢዩ። ኣሜን ኢሉ ዘይምብርከኽ ሰሪሑ ኪነብር ኣይፍቀደሉን። ከም ኣብነት ዚጥቀሱ እቶም ገለ ቃል ብምስትንፋስ ካብ ስራሕ ተባሪሮም (ብቛንቋ ህግደፍ--ከም ጠስሚ ቲቶ ዝብሃል ዝነበረ--ደስኪሎም) ኣብ ማርሻ-ፔዲ (መንገዲ ኣጋር) ኮለል ኪብሉ ብምውዓል ኣሳእኖም ዚበሊ ውሑዳት ኣይኮኑን። ዋላ ከይሰርሑ ደሞዞም ዝኽፈሉ’ውን እቲ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጠንቂ ዝፈጥሮ ምጥፋእ ርእሰ-ተኣማንነት ዘይሓዊ ስምብራት ከቶ ዘይተርፍ’ዩ። ኣብዚ እቲ ኣዚዩ ዝገርም ነገር ግን ዲሞክራሲያዊ መሰሎም ተሓሊዩ ኣብ ዝነብሩለን ሃገራት ዘለዉ ደገፍቲ ሽፍታዊ ስርዓት ህግደፍ እዚ ጸልማት ሃገር ስለ ዘይስቆሮም (ዘይርድኦም) ድዩ ወይስ ኣብ ርእሶም ክሳብ ዘይበጽሐ ስለ ዘይግድሶም ኢዩ ብቐጻሊ ዘዛርብ ጉዳይ ኢዩ። ንውልቀሰብ ዘምልኹ ምዃኖም ግን ኣየካትዕን። እቲ ምንታይ: ኢስያስ ተኣልዩ ግን ስርዓት ህግደፍ ከም ዘሎዎ ዝቕጽለሉ ኩነት እንተ ዝመዝእ ደገፎም ምቕጸለ ዝብል እምነት የብለይን። ስለምንታይ? ከመይ? እንታይ? ኣበይ? መዓስ? ኢልካ ምሕታት ከም ነውርን ገበንን ንዝቖጽሮ ውልቀመላኺ ስለ ዘምለኹ፣ ከምቲ እንግሊዛዊ ፈላስፋ በርትራንድ ራሰል ዝበሎ “ዘይርትዓዊ ርጉጽነት (irrational certainty)” ዋልታኦምን ጭማርኦምን ገይሮም ካብ ልቦናዊ መኣዲ ዘተ እናሃደሙ ይጐዓዙ ስለ ዘሎዉ፣ ምስ ርእሶም ተናሲሖም ንዝበደሉዎ ህዝቦም ይቕረታ ዝሓቱ ኣይመስለንን። ኩነታት ኤርትራ ጠንቂ ናይ “ኣብ ሓድሕዳ ዝተመቓቐለት ቤት” ብምዃኑ -- ኣይንዋሕ፣ ካብ ሰሩ መዓቱ የውጽኣና እብል!!
 
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓዲ ብስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ.፣ ኣብ ወጻኢ ብልሙስ ሓይሊ ተቓውሞ ስለ ዝተጠለመ፣ እቲ ዝተረፎ ሓጢኣቱ ብምሉእ ሕልና ናብ ፈጣሪኡ ተናሲሑ ምሕረት ኪገብረሉ ምልማን ጥራይ ኢዩ። ምስ እምነት ምጥርጣር ስለ ዘይሓወሰ፣ ነቲ ሕድሪ ስዉኣት ኪጠልም ዘየሕፈሮ ጠላም ውልቀመላኺ ምእማኑ ኢያ እታ ናብዚ ኹሉ ኣውዲቓቶ ዘላ ዓባ ሓጢእት። ብሕልናዊ ንስሓ ክትሕጸብ ዘይትከኣል ግን ኣይኮነትን። ግፍዕን ስቓይን ይኣክል ይበለሉ።
 
ክቡር ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንስዉታትና!
ሓርነትን ሰላምን ራህዋን ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!!
 
22 ለካቲት: 2010
 {jcomments off}


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...