ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ. ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ሰራዉር ቀላሚጦስ ዝነዉሕ ሱር ዝነበሮ ባህሊ ዲሞክራሲ ካብ ሱሩ ምሕዩ፣ ሓድሽ ቅዲ ዲሞክራሲ ክተክል እየ ብምባል፣ ህዝቢ ኤርትራ “ጻዕዳ ኣንጭዋ” መላመዲ ተረኺቡ፤ ብላባራቶሪ ብተልመዴን ፖለቲከኛታት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ፈተነ ዉዒሉ። ድራማታት ምርጫ ኣማሓደርቲ ዞባታት ተኻይዱ፡ ንገለ ግሩሃት ድማ ዲሞክራሲ ካብ መሰረት ኣፍሊስካ ንምትካል ዝዓለመ መሲልዎም ኔሩ። እቲ ሓቂ ግን ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ነዊሕ ታሪኽ ዝጸንሖ፡ ኣብ ከም ‘ንጉሰ’ ዝኣመሰለ ድራማታት (ናይ ብሓቂ ማለተይ’ዩ) ሎሚ ካብ ከብሕታት ኤረ ቲቪ ርሒቁ ዝርከብ፣ ተንጻባሪቁ ዝነበረ ታሪኽ ሞንቊሱ፣ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣርትፍሻል ፈልሲ ተሰሪሐን፣ ከምስሉ ማይ’ኳ ተስተይወን፣ ክጸድቃ ኣይካኣላን ጥራይ ዘይኮነስ፣ ክሳራ ምስ በዝሖም ገዲፎመን።

እዚ ምስላጥ ምስ ኣበየ፣ ምናልባት እቲ ዝጸንሐ ባህሊ ዲሞክራሲ ከይጥጥዕ ስለዝሰግኡ፣ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ብፍላይ፣ ንህዝቢ ድማ ብሓፈሻ፣ እቲ ኣብ ግዜ ሰዉራ ታተ ዘብሎም ዝነበረ ግዜኡ ዝሓለፎ “ካብ ፈረስ ምዃን ኣድጊ ወይ በቅሊ ምዃን” ይሓይሽ ዝዓይነቱ ኣይድዮሎጂ ብሓይሊ ከንቆርቑርዎ ፈቲኖም። ገለ ንምጥቃስ ትምህርቲ ካድረታት፣ ሽሕጣን ስብሓት ኤፍሬም ዝርከቦም ኣስተምህሮ፣ ከም ኣብ ከዉሒ ዝተኻዕወ ማይ ኣይኮነን ክዘሩቝ፣ በንጻሩ ሰብ ከነፍጽ ምስ ጀመረ፣ ኣንፈቶም ብምልዋጥ ነቲ ብናይ ቀደም መዝሙር ዝድሰት፣ ኣዝዩ ሓበሬታ ዝሓጽሮ፡ ብ”ንዓይ ይጥዓመን”ን ተመሊኡ ከም ህዝቢ ኣይሁድ ንሙሴ፣ ንኢሰያስ ሓንሳብን ንሓዋሩን ከምመድሕኖም ጌሮም ዝሓስብዎ ዉሑዳት ኣብ ስደት ከምዝርከቡ ዝገርዘሙ ምስ ኣስተብሃሉ፣ ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ. ከም ናይ መዋዳእታ መጣልዒ ክላገጽሎም ይራኣዩ ኣለዉ።

እዞም ኣብ ስደት ነዊሕ ዝጸንሑ ዜጋታት፣ ገድሊ ኤርትራዉያን ታሪኽ ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ እዋን፣ ኣወንታዊ ተራ ከምዝነበሮም ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። እንተ ጸላእና ድማ ፍትሒ ኣይነጥፍእን። እንተኾነ ጸወታ ህጻናት ‘ኣቲና’ዶ ኣይኣተናን’ ምስ ህ.ግ.ደ.ፍ. ምጽዋት ኣይከኣልን። ምኽንያቱ፣ ገዛ ኣቲኹም ከተብቅዑ ሒዙኩም ንገደል ይምርሽ ስለ ዘሎ፣ ርእስኹም ኣቅኒዕኩም ኣንፈትኩም ከተማዕድዉ እንበር፣ ከምቲ ‘ብዘበን ዉበ ዝጸመመ ዉበ ክብል ነበረ’ ዝባሃል፣ ኢሰያስ ኢልካ ምድራቅ ልቦና ዝጎደሎ ኣካይዳ እዩ። እቲ ቀደም ብርግኣትን ዉሕሉልን ጥቅዉን ኣዛራርባኡ ዝፍለጥ ዝነበረ ኢሰያስ፣ ሎሚ ቃለ መጠየቅ ብዘይካ እቲ ካብ ቤት ጽሕፈቱ ተላኢኹ፣  ብሚኒስትሪ ዜና ሕተታ ተዘይኮይኑ፣ ብኻልእ ማዕከናት ዜና ክሕተት ከሎ ኣብ ከመይ ዝበለ ወጥርን፣ ዓቅሊ ጽበትን ከምዝኣቱ ናይ ትማሊ ናይ ኣልጀዚራ ቃለ ምጠየቕ እኹል መርትዖ እዩ።

ኣብዚ እቲ ዘገርም፣ እዞም ኣብ ግሩዉቲ ዲሞክራሲ ኮይኖም ንዉልቀ መላኺ ከማዝዉ ዝፍትኑ ዘለዎ ጻህያይ፣ ናቶም ከይኣክል ናብ ደቆም ከማሓላልፍዎ ዝፍትኑ ዘለዉ እዩ። ህ.ግ.ደ.ፍ. ድማ፣ ወለዶም ካርኦም ዘንቀጹ፣ ዘበኖም ዝሓለፎም ዝተበልዑ ምዃኖም ተገንዚቡ ቀንዲ ጠመትኡ ናብቶም ከምጥርሑ ካሴት ናቱ መራት ዛንታ ኣጻባቢቑ ክመልኦም ብልዑል ዓቅሚ ክሰርሓሉ ይረአ ኣሎ። እቲ ሓቂ ግን ግዜን ቦታን ስለዘይጥዕም ብዙሓት ልቢ እንዳ ኣዕበዩ ምስከዱ ካብዚ መስመር ክእለዩ  ስለዝኾኑ፣ ብዙሕ ፍረ ክርከቦ ዝኽእል እኳ ተዘይኮነ፣ እዞም ዋላ በጻብዕቲ ዝቑጸሩ፣ ዘርኢ ሓሶትን ዓመጽን፣ ማይ ቢሒቕ ህ.ግ.ደ.ፍ. ከይኮኑና፣ ካብ ፈልሲ ዕጸ ፋርስ ኮከይንን ሄሮይንን ብዘይፍለ፣ ተለልዮም ብኣጋ ህዝቢ ክነቅሓሎም ይግባእ።

ኣብዚ ብዕለት 22 ዝተኻየደ ዕድመ ስልጣን ህ.ግ.ደ.ፍ. ንምንዋሕ ዝዓለመ፣ ሃገራዊ መኸተ ዝተሰምየ “ሃገራዊ ዘመተ”፣ እዞም ካሕዳማት ህዝቦም ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ዘይፈልጥ ስቃይን መከራን እንዳ ኣሕለፈ ንሳቶም፤ ኣብዚ ግምጡል ታሪኽ ክጭፍሩ ክትራዮም ከለኻ፣ ንስኻ ትሓፍረሎም። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዳንኬራ፣ ኣብ መስከረም 2001 ህ.ግ.ደ.ፍ. ፍትሕን፣ ግዝኣተ ሕግን ረጊጹ ኣንፋቱ ናብ ጥፍኣት ምስ ኣቅነዐ ተኻይዱ ኔይሩ ተዝኸዉን ኣብ ታሪኽ ብኽብሪ ምስተዘከርኩም።

ሎሚ ግን፣ ምስቶም ደመኛታት ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሩን፣ ብሕልና ጌና ዘይወጸሎም ጎደፋታት ስርዓታት ኢትዮጵያ፣ ጌና ሉኡላዉነት ኤርትራ ዘይተዋሕጠሎም ኣትማን ኣብ ክንዲ ምጭዳር፣፡ ምስ ዝተወጽዑን ወጽዓ ህዝቦም ምስ ዝርድኦም ኤርትራዉያን ኣሕዋትኩም ተትስርዑ መጥዓመልኩም።

ሕጂ ግን፡ ኣብዚ ህ.ግ.ደ.ፍ. ንታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምሕካኽ ዝጓየየሉ ዘሎ እዋን ተሳተፍቲ እዚ ዋዕላ ምዃንኩም፣ ብዘይካ ቁርዲድ ኣለኹ እንዳበለ ምስ ቆርበት ይጓሓፍ ከምዝባሃል፣ ንስኹም’ዉን ኣይትኽበሩ ድኣ ኢልኩም እንበር፡ ሎሚ ተድሕንዎ ነገር የለን።

ኣስመሮም ኣርኣያን ብጾቱን

ዓወት ንፈተወቲ ፍትሒ
 


 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...