ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣብ ዓዲ ሰላምን ራህዋን ዘለኹም ኣሕዋት!

ተላዚብካ ጸገምካ ምፍታሕ ዝመስሉዎ ስለዘየለ እስከ ብዛዕባ’ዚ ዘሻቕለናን ዝህውኸናን ዘሎ ‘ማዕቅብ’ ርግእ ኢልና ንሕሰብ ንላዘብ። ቅድም ቀዳድም ከኣ ማዕቀብ ብኽመይን፡ ብመንን፡ ስለምንታይን ተኣዊጁ? ብኸመይከ ክፍታሕ ይኽእል? ዝብሉ ሕቶታት ብዘይ ሕብእብእ ክንምልስ ንጽዓር።ሽዑ ኢዩ እቲ ሓቂ ተኾሊዑ ክራኣየና ዝኽእል። ሓቂ ሓቢእካ፡ ጎሲኻ፡ ወይ ቅኑዕ መገዲ ገዲፍካ ብጓል መገዲ ኣቲኻ ክትስዕሮ ምፍታን’ውን ናብ ክትወጾ ዘይትኽእል ዝዓበ ጽገም ምእታው’ዩ። ግን ኣብኡስ ኣይንኣትን ግዲ ንኸውን።

ስርዓት ሕጊ-ግደፍ ካብ ስልጣኑ ዝኣልዮስ ሓይሊ ይትረፍ ከነቓንቖ ዝኽእል ከምዘየለ ተኣማሚኑ እንድዩ ዘሽካዕልልን ዝምካሕን ብህዝብና ዝጻወትን ዘሎ። ነዞም ግፍዒ ህግደፍ መሪሩዎም ካብኡ ዝሃድሙ ዘልዉ መንእሰያት’ኳ ምዕራባውያን ዶላር ይሕፈስ ኣሎ ኢሎም ስለዘታለሉዎም ኢዮም ዝወጹ ዘለዉ እናበለ ዘሽካዕልል ዘሎ! ግን ዕድመ ሂቡና፡ ካብቶም ብህግደፍ ዝጠፍኡ ኣሕዋትና ዝሓሸ ዕድል ረኺብና ህግደፍ ብግዲኡ ዘእውዩሉ ግዜ በጺሕና። ንመን ኣለዎስ እዝጊ ኣለዎ ከምዝበሃል ንስርዓት ህግደፍ ዘስግእን ከነቓንቕን ዝኽእል ማዕቀብ ዝበሃል ትኣምር ተረኺቡ ንርኢ ንሰምዕ ኣለና።

እቲ ማዕቀብ ኣብ ሶማል ጣልቃ ምእታውን ናይቲ ዞባ ሰላምን ርግኣትን ምዝራግን ግደፍ፡ ከምኡ’ውን ካብቲ ብሰነ 2008 ብሓይሊ ሒዝካዮ ዘለኻ ምስ ጂቡቲ ዘሰሓሕብ መሬት ውጻእ ዝብል’ዩ። ንስርዓት ህግደፍን ዓንገልቱን ፈልዩ ዝቐጽዕ ምዃኑን ዓለም’ውን ኣብ ተግባር ከውዕሎ ከምዘለዎን ተገሊጹ ኢዩ። ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ድሕሪ ክንደይ ግደፍ’የን መጠንቀቕታን ኢዩ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራን ዝተወሰኑ ሰብ-ስልጣንን ማዕቀብ ክእውጅ ከምዝተገደደ ንዓለም ሙሉእ ዘፍለጠ። ስለዚ እዚ ማዕቀብ ባዕሉ ብድርቅንኡ ዘምጽኦ ምዃኑ ብሩህ ኢዩ። ንኹሉ ጸዋዒት ነጺጉ ናብ ዝኸፍአ መገዲ ጥፍኣትን ዕንወትን ዕንድርንኡ ቀጺሉ። ባይቶ ጽጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝኣክል መርዖታት ድሕሪ ምእካብ ኣብ ልዕሊኡ እገዳ በይኑ።

ብፍላይ ከኣ ማዕቀብ ንሃገርና ከልምዕ ወይ ከጥፍእ ተባሂሉ ዝተማህዘ ከምዘይኰነ ብቐዳምነት ምፍላጥ የድሊ። ብጾምን ጸሎትን ህዝብና’ውን ኣይመጸን። ብድላይን ሕቶን፡ ወይ መርገምን ምርቓትን ህዝቢ ክቕንጠጥ ይኽእል’ዩ ኢልካ ምሕሳብ’ውን ዕሽነት ኢዩ። ብሰላማዊ ሰልፊ ክቕየር ዝኽእል’ውን ኣይኰነን። ስለዚ ብህዝቡን ሃገሩን ዝግደስ ኤርትራዊ ‘መስካ ህዝቢ የውርደልካ! ለካሚትካ ትኹን! እዚ’ኳ ክውሕደካ! ክብሎ ኢዩ ዝግባእ። ናብታ ክኣትዋ ዝህወኸላ ዘሎ ጸድፊ ድፍእ ከብሎን ከጽድፎን ኢዩ ዘለዎ’ምበር ሎሚ ሎሚ ከኣ ንህዝብና ከትጽንትስ ንበረልና ክንብሎ! ክንስለፈሉ!እንታይ ክድግም? ናይ ጥዕናዶኸ ትብልዎ! እዚ ኹሉ ኣውያት ህዝብና እናሰማዕና ጽቡቕ ገበርካ፡ ኣጆኻ ክንብል ሕልናና ይገብረልናዶ?፡ ህዝብና ከምዚ ኸማና እናማረጸ ዝብልዕ፡ ዝሰቲ፡ ደቁ ሓቒፉ ዝሓድር፡ ኣብ ድላዩ ዘምህር፡ መሲሉ ድዩ ዝረኣየና ዘሎ? ወይ ንኣይ ጥራይ ይጥዓመኒ’ምበር ባዕሉ ይፈልጥ’ዩ ነገሩ! ስለዚ ህግደፍከ ስለምንታይ ድኣሉ ነዚ እናፈለጠ ብኣስገዳድ ንህዝቢ ከሰልፍ ከገድዶ ተዓጠቕ ተሰለፍ ዝብል ዘሎ! መልሱ ከኣ ነቲ ከም ሕሱም ጸሊኡዎ ዘሎ ህዝቢ ምሳይ ኣሎ እናበለ ንዓለም ንምድንጋር፡ ግዜ ስልጣኑ ንምንዋሕ፡ ናይ ዓመት ቀለቡ ካብ ኤርትራውያን ንምምንጣል ስለዝደለየ ኢዩ።  

ሕጂ’ውን ባይቶ ጸጣታ ንህዝብና ካብ ስቓዩ ንኸናግፎ ብማለት ኣይኰነን ማዕቀብ ከምዘየሕለፎ ደጊምና ክነስተውዕል ይግባእ። ንህዝብና ሓልዩ ማዕቀብ ዝእውጅ እንትዝከውን ህዝብና ውሑድ ኣየእወየን። ህግደፍ ጸልማት ተኸዲኑ ሰብ ክኣስር፡ ከሕቅቕ፡ ንብሃገራ ኣብ ቤት ማሕቡስ ከም ዝቐየራ እናረኣዩ ሱቕ ኣይምበሉን። ኣምዑት ዘይቆጸሩ ደቂ ህዝቢ ብተመልከተለይ ክርሽን ከሎ ደው መበልዎ። ኢሳያስ ብቲቪ ኤረ ክሳብ፡ ‘ኣብዚ ሃገር እኽሊ ምሻጣን ምልዋጥን ኩልኩል ኢዩ፤ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ህዝቢ ቢሑቕ ክሸይጥ ጀሚሩ ፈሊጠ ኣለኹ፡ ስጉምቲ ከኣ ክንወስድ ኢና’ ክብል ከሎ በስመኣብ በል፡ ‘እንተዘየሎ! ኢሉ መጠንቐቖ። እንተኣበየ ማዕቀብ ምኣወጀ። ግን ኣይወዓሎን። ኩሉ ስለዘጽቀጠ ኢዩ ከኣ ብስልጣኑ ሰኺሩ ናብ ዕብዳን ኣድሂቡሉ ዘሎ። ደፊሩ ንዓለም’ውን ህማም ርእሲ ኰይንዎም ዘሎ። ጽንሑ መን ምዃነይ ከፍልጠጥኩም’የ! ንህዝበይ ሰጥ ለጥ ኣቢለ ዝረግጽ፡ ንጎረባብተይ ከኣ ስሞም ምዃነይ ዓለም ፈሊጣ ምሳይ ክትላዘብ ኣለዋ። ማዕቀብ ፈሪሀ ካብ ድላየይ ዝተርፍ ሰብኣይ ኣይኰንኩን። ካብ ድላየይ ዝዓግተኒ የለን፡ እናበለ ካብ መራሒ ሃገር ክወጽእ ዘይግባእ ብድዐ ዝመልኦ ፈኸራ ዘስምዕ ዘሎ። ኣብ ክንድኡ ልቢ ዘለዎ ኤርትራዊ’ዩ ብሕፍረት ዝሸማቐቕ ዘሎ። ጉህዩ፡ ኣንታ’ዚ ሰብኣይ ኣብ ምንታይ ክእትወና ደልዩ! ዝብል ዘሎ።                                          
   
ማዕቀብ ቅድሚ ምሕላፉ ኢሳያስ ምስ ሮይተርን ካልኦት ጋዜጣታት ዓለምን ኣብ ዝገብሮ ቃለ-ምሕተት፡ “ሕብረተስብ ዓለም ኣብ ልዕለይ ማዕከብ እንተጌሩ ንዘለኣኣለም ክጥዓስ ኢዩ። ማዕቀብ ንስርዓተይ መሓየሊኡ ኢዩ። ምጣነ-ሃብተይ ኣይትንከፍን ኢዩ፡ ስለምንታይ ብባንኪ ዓለም ኣይንሰርሕን ኢና።” ኣይኰነንዶ ምስ ኢትዮጵያ ንበይና፤ ሱዳን፡ ጁብቲን ስለስቲአን ብሓደ እንተዝዋጋኣና ንዓመታት ከዋግእ ዝኽእል ኣጽዋር ኣለና። ኣል-ሸባ ሕጋውያን ናይ ሶማል ተቓለስቲ ኢዮም። ካብ ምዕጣቕምን ምዕላሞምን ዓዲ ኣይንኽንውዕን ኢና።’ ነቲ ብማሕበር-ሰብ ዓለም ቅቡልነቱ ዘረጋገጸ መንግስቲ ሶማል ኣይንቅበሎን ኢና፡ ሕጋውነት የብሉን፡።’ ክብል ከምዘይጸንሐንስ ሎሚ ግልብጥ ኢሉ፡ ንዑ ተኣከቡ! 22 ለካቲት ተሰሊፍኩም ማዕቀብ ሕጋዊ ኣይኰነን! እናበልኩም ንዓለም ኣእውዩ! ኣጽምሙዋ! ይብል ኣሎ። እዚ ዝገርምን፡ ዘሕፍርን፡ ዝሕዝንን ቲያትሮ ስለምንታይ! ከም ልማዱ ንኣና ንደቂ ገርሂ ልባ ኣድናጊሩ፡ ከፋፊሉ ዘይነጽፍ ምንጪ ስንቁ ጥራይ ኰንና ክትርፈና ስለዝደለ ኢዩ። ሓቢርና ንህዝብና ከይነድሕን ከፋፊሉ ከልምሰና ስለዝሓሰብ ጥራይ ኢዩ። ግን ናብቲ ዝፍሕሮ ዘሎ ናይ ተንኰል ጉድጓድ ቀዲሙና ባዕሉ ክኣትዎ ይህንጠ ከምዘሎ ጋህዲ ይኸውን ኣሎ።

ጩግራፍሲ ባዕላ ውቂዓ ባዕላ ተእዊ ከም ዝበሃል ኢሳያስ ባዕሉ ኣብ ርእሱ ረመጽ ኩዕዩ ሎሚ ‘ኣድሕኑኒ’ እናበለ እንተገዓረ ምሽክዕላልዶ ኣይኰነን! ዝሰምዖስ ይረክብዶ ብዘይካ እቶም ከም ራሰዓት መሊኡ ዝልእኾም ዘሎ ዕሱባቱ! ፈቲና ጸሊኣና እዚ ተኣዊጁ ዘሎ ማዕቀብ ክልዓል ዝኽእል ኢሳያስ እታ ወጥ ወጥ ዘብላ ጩግራፉ ከዕርፋ፡ ክመልሳ፡ ከቐምጣ ከሎ ጥራይ ኢዩ። ስርዓት ህግደፍ ነዘን ብንጹር ተገሊጸን ዘለዋ ክልተ ጉዳያት ምስ ዝፍጽም ጥራይ ኢዩ ዘድልዮ። ናብ ካልኦት ከላግቦ ምፍታኑ’ውን ካልእ  ዘይተሓስብ ጸገም ከስዕብ ይኽእል ኢዩ። ብሰላማዊ ሰልፊ ክልዓል ዝኽእል ኣይኰነን። ኢሳያስ ከኣ ነቲ ናይ ባይቶ ጸጥታ ዝኣዘዞ ይክፍጽም’ዩ ኢልካ ምጽባይ ከኣ ምስ ባህሩን ልምዱን ስለዘይቃዶ ዝሕሰብ ኣይኰነን። ብሰንኪ ንቑጽ ይነድድ ርሑስ ከምዝበሃል ግና ብሰንኩ ህዝብና’ውን ብሰንኩ ክህሰ ወይ ክልከም ይኽእል’ዩ። ህዝብና ክነድሕን ኣለና ንብል እንተዀና ከኣ ብቕልጡፍ ነቲ ንቑጽ ምእላይ ግድን’ዩ ዝኸውን።        

ስለዚ እቲ ከም ጸሓይ ብርሃን ተዀሊዑ ዘሎ ሓቂ ጎስዩ ስርዓት ህግደፍ ስለምንታይ ’22 ለካቲት ተሰለፉ! ሃገርኩም ኣድሕኑ!’ እናበለ ነቶም ኣብ ስደት ዘለና ኤርትራውያን ቢቲ-ቢቶ ከእትወልና ይጓየ’ሎ? ስለዚ ዋላ’ኳ ኩልና ሃገረይ ህዝበይ ንብል እንትዀና ተግባርና ምስኡ ዘየሳኒ ከይከውን ክንጠንቀቕ የድሊ። ሞራልናን ሕልናናንን ክንመርምር ይግባእ። ዝዛሪ ዘሎ ንብዓት ኣዴታት ከይሓንቀና ንጠንቀቕ። መርገም ኣቦታት ከይዕንቅፈና፡ ኣዕጽምቲ ስዉእትና ከይወግኣና፡ ብዓማጺ ስርዓት ዝጠፍአ ህይወት መንእሰያት ከይፋረደና ደጋጊምና ሕልናና ንመርምር። ኣእምሮና ንስሓሎ። ኣቱም ኣሕዋት! ሎሚ’ኮ ብሰንኪ ህግደፍ ቤተሰብና ብጎሮርኦም ትወርድ ማይ ትርአ ኢያ ዘላ። ህዝብና ደቁ ዝዕንግለሉ ስኢሉ ይማስን’ዩ ዘሎ። ነታ ዝቑርጥማ ዕማኾ እኽሊ ዝምንጥል ጋኔን’ዩ ሒዙዎ ኣሎ። ዝቑርጠም ስኢኑ ኣብ ኣፍ ሞት’ዩ በጺሑ ዘሎ። ኣብ ህዝብና ዘውርዶ ዘሎ ግፍዒኸ ጸብጺብካ ይውዳእ ድዩ? ዘይሓፍር ኰይኑ እምበር ንዝበድሎ ህዝቢ ኣብ ጎድነይ ተሰለፍ! ክብሎ መሕፈሮ።

ንሕናኸ እዚ እናፈለጥና ኣብ ልዕሊ’ዚ ዓማጺ ስርዓት ተወሲዱ ዘሎ ማዕቀብ ብምቅዋም ኣብ ጎድኑ ክንስለፍ ከመይ ኢሉ ነብስና ይገብረልና? ስለምንታይከ ብሰለማዊ ሰልፊ ክንቃወም ንሸባሸብ? እዚ’ኮ ጽባሕ ንግሆ ብታሪኽ’ውን ዘሕትት’ዩ። እሞ ከኣ እዚ ማዕቀብ ሰላማዊ ሰልፊ ስለዝተገብረ ክልዓል ከምዘይክእል እናፈለጥና። እዚ ማዕቀብ ኢሳያስ ኣብ ሶማል ጣልቃ ምእታው ክሳብ ዝገድፍን፡ ካብ ጂቡቲ ክሳብ ዘንሳሕብ ዝቕጽል’ዩ። ስለዚ፡ ‘ኣብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ኣይትማህለል!’ ከምዝበሃል ኢሳያስ ከም ልማዱ ንህዝቡ ይትረፍ ንዓለም’ውን ከይሰምዕ ምሒሉ ኢዩ። እዚ ንዓለም ጋህዲ ዝዀነ ሓቂ ክንክሕዶ ንኽእልዶ! ኢሳያስ ሕሉፍ ሓሊፉ ዓለም ንኣይ ኢያ ክትሰምዕ ዘለዋ ኢዩ ዝብል ዘሎ! ንዓለም ብዓለማ ኣነ ኢየ ሕጋዊ! ሓቀኛ! ዓለም ኣነ ዝበልኩዎን ዝደልዮን እንተዘይጌርኪ ውይልኺ ኢዩ ዝብላ ዘሎ። ከምታ ንህዝብናን ሃገርናን ከምድላዩ ዝዕንድረላ ዓለም’ውን ዝኽእሎ ኣይመሰሎን’ዩ ዘሎ። ኣብ ውሽጥን ወጻእን ህውከት ምፍጣር፡ ኩናት ምጽሕታር ጥራይ’ዩ ዝብርሆ። ከምታ ዝለመዳ ምድሪ ኣይትጽርኒ’ዩ ዝብላ ዘሎ።                  

ስለዚ ክሳብ መኣስ ኢና ነዚ ንህዝብና ኣብ ዘይተጸበዮ ባርነት ኣጥሒሉዎ ዘሎ ዓማጺ ስርዓት ጼርና ክነብር! ጉድ’ዩ! ክማና ሰብ ምዃኑ ረሲዕናስ ፈጣሪ ጌርናዮ! ሰኣን ከም ሰብ ኩን፡ ብሕጊ ሃገር ትማእዚዝካ ኣመሓድር፡ ወይ ውረድ ምባል! ህዝብና እናጸነተ ነጽቅጥ! ክንደይ ጀጋኑ ዝተሰዉኡላ ሃገር ከም እንደገና ኣብ ሓደጋ ከውድቓ ከሎ ኢድና ኣጣሚርና ንቕመጥ!  ስለምንታይከ ኣብ ዘዘለናዮ ሃገር መሕደሪና ንጽይቕ! ስለዚ ነዚ ህዝቢ ኣብ ገዝኡ ብሰላም ከይነብር ዝገበረ፡ ኣብ ዓዱ ብዘይ ፍቓድ ወረቐት ከይንቀሳቐስ ዝኣገደ፡ ስድራ ቤት ዝበታተነ ስርዓት ንምድሓን ዝግበር ሃደምደም መርገም ወለዲ ክወርደካ ምምህላል’ዩ። ብዘበን ደበብ ዝጸመመስ ከም ዝበሃል፡ ኣመሪካ ዘርዮምና ከም ቀዶሞም እናበለ፡ ተጓሒፉ ዝነበረ ምኽንያት እናልዓለ ክደርፍ ከሎ ኣጆኻ እናበልካ ምጥቓዕ ጥራይ!  ህዝብኻን ወገንካን ጠንጢንካ ነዞም መጸይቲ ደም ህዝቢ ዝኾኑ ውሑዳት ጉጅለ ክተድሕን ዘዝበሉዎ ሰሚዕና መጣቓዕቲ ጥራይ ምዃንከ ምስ ምንታይ ይቑጸር? ህግደፋውያን ንህዝቢ ካብ ምርጋጽን ምችፍላቕን ሓሊፎም ነዚ ኣብ ዓዲ ሰላም ተሰዲዱ ዝነብር ህዝብና’ውን፡ “ዘየጣቐ ሓዊ ይብልዓዮ!፡ ዘይተሰለፈ ኣብኣ ትደዮ!” እናበሉን እናዘመሩን  ብሰላም ምንባር ይከልኡዎ ኣለዉ። መታን ሓቢሩ ህዝቡ ንምድሓን ከይጓየ ነንሕድሕዱ ከናኽስዎ ይጽዕሩ ኣለዉ።
ስለዚ ሎሚ ጻውዒት ህግደፍ ሰሚዕካ ኣብ 22 ለካቲት ሰልፊ ምስታፍ ማለት፡- ህይወቶም ንምድሓን ዑቕባ ሓቲቶም ዓዲ ሰላም ምንባር ዝጀመሩ ከም ተሓባብርቱ ግብረሽበራውያን

ዘቑጽርን ስለዝዀነ፡  ነዚ ዓማጺ ስርዓት ምሳኻ ኣለኹ ማለት ናይ ግብረሽበራ ኣካል ምኻንካ ስለዘረጋግጽ፡ ብፍላጥ ወይ ብዘይፍላጥ ምእንቲ ህዝብናን ሃገርናን ኢልና ንገብሮ ንመርምር። ኣብ ክንወጾ ዘይንኽእል ጣዕሳ ከይንኣቱ ንጠንቀቕ። ብጣዕሳ ዝዕረ ጌጋ ከምዘየለ’ውን ክንስሕቶ ኣይግባእን። ሎሚ ንሃገርን ህዝብን ዝሓሊ ተመሲሉ ን22 ለካቲት ኣብ ፈቖዶ ከተማታት ዓለም ወጺኩም ተሰለፉ፡ ኣጸብቑኒ፡ ክፉአይ ሸፉኑለይ፡ ማዕቀብ ኣይግብኦን’ዩ በሉለይ፡ ነዛ ሎሚ ኣይተጋልጹኒ፡ ዓለም ከይፈልጠኒ መሬት ከይጠልመኒ፡ እናበለ ምስቶም ዕሹራት ዕሱባቱ ኰይኑ እንተገዓረ፡ ቅድሚ ሕጂ ዘታለልካና ይኣክል፡ ሎም ምእንቲ ስልጣንካ ንክተናውሕ ኢልና ንስለፈሉ ምኽንያት የብልናን ኢልና ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ግበሩ ዝብል መጸዋዕታ ክንነጽጎ ይግባእ።

ሰላምን ራህዋን ግዝኣተ-ሕግን ንህዝብና
                                                           
 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...