መልእኽቲ ንኮምሽን ቅዋም ኤርትራ - 1996

ናብ ዶ. በረኸት ሀብተሥላሤ
ፕረሲደንት ኮምሽን ቅዋም ኤርትራ
ጶ.ሳ. 1150 - ተሌፎን 120904/120833
ኣሥመራ - ኤርትራ
……………………………..

አሥመራ፡ 23 ነሐሰ 1996 ዓ.መ.ፈ.
ክቡር ዶክቶር፣

አቐዲምና ምውቕ ሀገራዊ ሰላምታና ንአኹምን ንዂሎማ አባላት ኮምሽን ቅዋምን ነቐርብ።

ቀጺልና ኸአ፡ ነቲ ክሳብ ሕዢ ዝገበርክምዎ ዐቢይ ታሪኻዊ ቊምነገር ከየመጐስና ክንኀልፍ አይንደልን።

አስዒብና ድማ፣ ብዛዕባ “ንድፊ-ቅዋም ኤርትራ” እዙ ዚስዕብ ርእይቶ ብትሕትና ነቐርብ፤

ብዛዕባ መቅድም
ሕዝቢ ኤርትራ ዳርጋ ብምሉኡ አማኒ እግዚአብሔር እዩ’ሞ፡ አብቲ መቕድም ቅዋም፡ ስም እግዚአብሔር ኪጥቀስን፡ ሕዝቢ ኤርትራ ብዘርአዮ ኅልዮን ድማዕን’ውን ኪምስገን ግቡእ ይመስለና።

ዐንቀጽ 4(1)
ባንዴራ ናይ ሐደ ሕዝቢ መልክዕን መንነትን ዚገልጽ ምልክት ብምዃኑ፡ ሕዝቢ፡ ንባንዴራኡ ዚመርጸሉ ዕድል ኪወሃቦ ኅደራ ንብል። ንአብነት ዚአክል፡ እታ ልዑላውነት ሀገርና ድኅሪ ምዕዋጁ ካብ አርዑት “አፓርታይድ” ዝተላቐቐት ረፓብሊክ ደቡብ አፍሪቃ፡ ሐዲስ ሥርዐት ምስ አቖመት፡ ሐዳስ ባንዴራ’ውን አጥሪያ እያ። እታ ሐዳስ ባንዴራ ኸአ፡ ካብ 7000 (ሸውዐተ ሽሕ) መርእዮታት ወይ “ሞደላት” ከም ዝመረጽዋ ተፈሊጡ። ሕዝብና ኸአ፡ 7000 ተሪፉስ፡ እንተ ወሐደ ክልተ ወይ ሠለሥተ ካብ ዝዓይነተን ባንዴራ ኪመርጽ ዕድል ኪወሀቦ መሰል ዘለዎ ይመስለና።

ንአብነት ፡ እታ አብ’ዛ ናይ ሕዢ “ባንዴራና” አብ ማእከል ሰፊራ ዘላ ወርቃዊት ቆጽሊ አውሊዕ፡ ፈጺማ ቦታአ ዚሰሐተት እያ። ምኽንያቱ ኸአ፡ ባሕርያዊ ኅብረ ሐደ ቆጽሊ፡ ቀጠልያ እዩ። ብጫ ቆጽሊ፡ ምልክት ናይ ዚሐረረ፡ ናይ ዚሐመመ፡ ናይ ዚአረገ፡ ክመውት ናይ ዚቐረበ ወዘተ…ተኽሊ እዩ። አብ “ባንዴራና” እዚ ምልክት’ዚ ክንርኢ እንከሎና እምበአር፡ መጻኢ-ዕድል-ኤርትራ ዚትንበ ናይ ሕማቕ ፋል ምልክት ንርኢ ዘሎና ኮይኑ እዩ ዚስምዐና። ከምዚ ከማና ዚስምዖም ብዙኃት ካልኦት ዜጋታት እውን አለዉ ቢልና ኢና ንአምን።

ዐንቀጽ 7(2)
እቲ ብዛዕባ ደቀንስትዮ ተባሂሉ ዘሎ፡ ብዛዕባ ተቓወምቲ ናይ ፖሊቲካ ሰልፍታትን፡ መሰል ዜጋታት ዚጣበቓ ሀገራውያን ድርጅታትን እውን እንተ ዚበሀል፡ ሀገርና፡ ናይ ብሐቂ ደሞክራሲ ዚሰፈና ምድረ-ገነት ምመሰለት ነይራ ኢልና ንግምት።

ዐንቀጽ 11(2)
“ኮም”፡ “ዞባ”፡ ወዘተ…ዚአመሰሉ ቃላት፡ አብ ሐደ ሕጊ-መንግሥቲ ክንጥቀመሎም ዚበቕዑ ቃላት ኣይኮኑን ይመስለና። አብ ቋንቋኻ ስኢንካ ካብ ካልኦት ምልቃሕ አየኽፍእን እዩ። ናትካ ገዲፍካ፡ ቃላት እንዳማትካ ምጥቃም ግን፡ ናይ ብስለት ምልክት አይኮነን ይመስለና። ንአብነት፡ አብ ክንዲ “ኮም” ማኅበር፡ ኣብ ክንዲ “ዞባ” ክሊ ብማል ይኅይሽ። ምስ”ዚ አተኅኂዝና ክንብሎ ንደሊ ኸአ፡ ቅዋም ኤርትራ ዐደቦ ዜናብር ዝለዐለን ዝኸበረን ውን ንምነ። ምእንትዚ፡ ምስ ጸደቐ፡ ቅድሚ ምኅታሙ፡ ብዐበይቲ እንዳባን፡ ብዉሩያት ጸሐፍትን፡ ብሊቃውንቲ ቋንቋን ከተእርምዎ ኅደራ ንብል።

ዐንቀጽ 12(2)
“ኃይልታት ምክልኻል…አፍረይቲ..” ዚኾኑሉ አብነት ኪዝርዘር አድላዪ ኾይኑ ይረአየና። ከመይ እንተተባህለ፡ መብዛኅቲኡ ጊዜ፡ ውግእ እንተ ዘየልዩ፡ ከም ሐደ ጫለዳ (parasite) ኅብረተ-ሰብ ኮይኖም ገንዘቡ ጥራሕ ዚመጽዩ ኮይኖም እዮም ዚረአዩ።

ዐንቀጽ 13(2?)
“ከምኡ ክንዲ ዝኾነ ኸአ፡ ሠራዊት ሀገረ-ኤርትራ ናብ ወፃኢ-ሀገር ከይዶም ጸጥታ ካልኦት ሀገራት ኬኽብሩ ወይ ኪዋግኡ ፈጺሙ አየፍቅድን” ዚብል ተወሳኺ ሐሳብ ኪሰፍር ምደለና።

ዐንቀጽ 14(4?)
ከምቲ መሰል ውልቀ-ዜጋታት ተጠቒሱ ዘሎ፡ አብ አውራጃታት ናይ ዚርከቡ ኅብረተ ሰብ፡ ብፍላይ ኸአ መስል ባይቶ አውራጃታት’ውን እንታይ ከም ዝኾነ ብሐፈሻኡ ኪጥቀስ ምተገብኤ ይመስለና። ንአብነት፡ “ሐደስ አብ’ዚ ቅዋም’ዚ ምስ ዚርከብ ውሳኔታት ዚጻባእ ደአ አይኹን እምበር፡ ውልቀ-ወከፍ አውራጃዊ ባይቶ ንአውራጃኡ ዚምልከትን አብ አውራጃኡ ጥራሕ ኪኸብር ዚኽእልን ሕግታት ኬውፅእ መሰል አለዎ። ማእከላይ መንግሥቲ ወይ ሀገራዊ ባይቶ ኸአ፡ ነዚ መሰል’ዚ ኪጥሕሶ አይግባእን” ዚብል ሐደ ንኡስ-ዐንቀጽ ኪውስኽ አድላዪ ኾይኑ ይረአየና።

ዐንቀጽ 15(3?)
“ናይ ሞት መቕጻዕቲ ምሃብ ክልኩል እዩ” ዚብል እንተ ዚውሰኽ ጽቡቕ ነይሩ። ሽሕኳ አብ’ዚ ክንዝርዝሮ ዘይጥዕም እንተኾነ፡ ነዚ ሐሳብ’ዚ ድማ ዚድግፍ ከቢድ ሚዛን ዘለዎ መርትዖታት አሎ በሀልቲ ኢና። እወ! ካብቲ እቶም “ገበነኛታት ይቀተሉ!” ዚብሉ ዘቕርብዎ አዚዩ ዝኸበደ መርትዖታት!!!

ዐንቀጽ 16(3)
“ዝኾነ ይኹን ሰብ….ሕጊ ዘይእዝዞ ግዱድ ዕዮ ኪዐዪ አይፍቀድን” ዚብል አብ ቅዋም ተጻሒፉ አሎ። አብ’ዚ አጸቢቕና ከንስተውዕለሉ ዚግባእ ጉዳይ አሎ። ንሱ ኸአ፡ ሐደ ሕጊ፡ አብ ነጋር ዐዋጅ ጋዜጣ ኤርትራ ጥራሕ ናይ ዝተኅተመ ቅኑዕ፡ ፍትሓዊ፡ ብኅሊናኻ ክትእዝዞ ዚግድደካ (=ሞራል-ኅዘል) አይከውንን እዩ። ንመንግሥቲ ክትእዝዞ ዚግብአካ ኸአ፡ ብቕኑዕ-ፍትሓዊ-ሞራላዊ ሕጊ ክመኅደር እንከሎ ጥራሕ እዩ። በዚ መሠረት’ዚ፡ “ግዱድ ዕዮ” ብመሠረቱ ኢሞራላዊ ስለ ዝኾነ፡ ሕጊ’ውን ክእዝዞ አይምተገብኤን።

ዐንቀጽ 19(2)
“አብ ኢድ መንግሥቲ ዚርከብ መራኸቢ-ብዙኃን፡ ብገንዘብ ዜጋታት እዩ ዚምወል እሞ፡ እቶም ወከልቲ-ሕዝቢ ዝኾኑ ብሕጊ ዝተመሥረቱ ናይ ፖሊቲካ ሰልፍታት ኲሎም ኪጥቀሙሉ ማዕረ-ዕድል ይወሀቦም” ዚብል ሐሳብ ይወሰኮ በሀልቲ ኢና።

ዐንቀጽ 19(5)
ናይ ስራሕ=ምቛም/አድማ (strike) ሐደ ካብ’ቶም መሠረታውያን መሰላት ሰራሕትኛታት ክንዲ ዝኾነ፡ እዚ መሰል’ዚ ብሕጊ-ቅዋም ኪሕለወሎም ይግባእ።

ዐንቀጽ 21 (6?)
“ብሕታዊ፡ ማለት ናይ መንግሥቲ ዘይኮነ እሞ፡ ካብ መባእታ ክሳብ ዩኒቨርሲቲ ዘሎ ደረጃ-ትምህርቲ ንምቛም መሰል አሎ” ዚብል ንጹር መምርሒ ክህሉ ንላቦ።

ዐንቀጽ 22(4?)
“ወለዲ፡ ደስ አብ ዝበሎም መንግሥታዊ ወይ ዘይመንግሥታዊ ቤት ትምህርቲ ንደቆም ኬምህሩ ምሉእ መሰል አለዎም” ዚብል ጽሑፍ ኪውሰኽ ምደለና።

ዐንቀጽ 26
ከምቲ “ናይ መሠረታዊ መሰላትን ሐርነታትን ደረታት” ዚብል አርእስቲ ዘሎ፡ ከምኡ ኸአ “ደረት ኃይሊ ወይ ሥልጣን መንግሥቲ” ዚብል’ውን እንተ ዝህሉ ጽቡቕ ነይሩ። ትኅቶኡ ኸአ፡ ንአብነት፡ እዙ ዚስዕብ ምኾነ፡ “መንግሥቲ፡ ሐደ ዜጋ ገበነኛ ከም ዝኾነ ኬረጋግጽ ክንዲ ዝጽዕር፡ ንጹሕ ከም ዝኾነ ኬረጋግጽ ኪጽዕር እንከሎ እዩ፡ ብዝበለጸ መሰል ዜጋታቱ ዜረጋግጽ” ዚብል ሐሳብ እንተ ዚጽሐፍ እሞ፡ አብ ግብሪ እንተ ዚውዕል፡ ብዙኅ ሽግር ምፈትሐልና ነይሩ በሀልቲ ኢና።

ዐንቀጽ 32(7)
ባይቶ ሐጋጊ ድአ እምበር፡ አፈጻሚ ወይ ተቘጻጻሪ አካል ኪኸውን ግቡእ አይመስለናን።

ዐንቀጽ 32(12?)
ባይቶ፡ ሳምዕ/ስመ-ጥሩ ብዝኾኑ ዜጋታት ዚቖመት ሐንቲ ሀገራዊት ኮምሽን ጥርዓን ኬቕውም ንላቦ። ዝኾነ ይኹን ጥርዓን-ዜጋታት ተቐቢላ፡ ናብ ባይቶ ተመኅላልፎ ኮሚቴ ማለትና ኢና።

ዐንቀጽ 35
ብዛዕባ ማሕላ
(1)    ቅድሚ ዂሉ፡ “ሰማዕት” ዚብል ቃል፡ ካብ ሐንቲ ሃይማኖት ዝተወሰደ እሞ፡ ጥልቂ ዝኾነ መንፈሳዊ ትኅዝቶ ዘለዎ ቃል እዩ። ምእንቲ ሃይማኖቱ ዝሞተ ክርስትያን እዩ ዘስምዕ። ምዝብራቕ ቃላት፡ ኬደናግርን ኅይሊ ቃላት ኬፍኲስትን ስለ ዝኽእል፡ ሃይማኖትን ፖሊቲካን ነናተን እንተ ዝኅዛ ምኅሸ ይመስለና። ናይ ፖሊቲካ ወይ ናይ ሀገር “ሰማዕት” ሐርበኛ ውይ ጅግና እንተ ተባህለ ይኅሽ።
(2)    ቀጺልና ኸአ፡ እዚ ዚስዕብ ከነተሓሳሰብ ንፈቱ። ብሐርበኛታት ምምሓል ኅሊና ዚቛርን ድዩ ብሐቂ? እንድዕኸ! አብ ጥርጥር ካብ ምእታው፡ ብስም እግዚአብሔር ፈጣሪ ምምሓልዶ ኣይምኅሸን? እቶም ዘይአምኑ ኸአ፡ ወይ ብሐርበይናታት ወይ ብሀገር ወይ ብኻልእ ኪምሕሉ ይኽእሉ።

ዐንቀጽ 37(2)
ኮሚቴታት እቲ ዂሉ ሥልጣን ዚግብኤን ኣይመስለናን። እቱ ተዋሂብወን ዘሎ ሥልጣን፡ ንቤት-ፍርዲ ጥራሕ ዚግባእ ይመስለና።

ዐንቀጽ 41(6/ሐ)
(1)    አእምሮአዊ ጉድለት ደአ እምበር፡ አካላዊ ጉድለት መዐንቀፍታ ኪቚጸር አይምተገብኤን ይመስለና። ንአብነት፡ ንሀገር ኪመርሑ ዚኽእሉን ዚግብኦምን አብ ውግእ ሐርነታዊ-ቃልሲ አካሎም ዝሰንከሉ ኅያሎ ተጋደልቲ-ነበር ኣለዉ!!!
(2)    “ብምጥሓስ ቅዋም ወይ ብዕቱብ ምጥሓስ ሕጊ ገበነኛ ኮይኑ ምስዝርከብ (ባይቶ፡ ንፕረዚደንት ካብ ሥልጣኑ የውርዶ)” ይብል። ሕጊ ቅዋም ዘይኮነ ናየናይ ካልእ ሕጊ ይዛረብ ከም ዘሎ ንጹር ኣይኮነን ይመስለና።

ዐንቀጽ 42
ብሐፈሻኡ ክንዛረበሉ፣ ሥልጣን ፕረዚደንት ብዘይ መጠን ዐብላሊ ኮይኑ። ሐደገኛ እዩ። ናብ “ዲክተይቶርሽፕ” ኬምርሕ ዚኽእል እዩ። ንአብነት፤
(1)    ፕረዚደንት፡ ኮምሽነር ፍርዳዊ-ኣገልግሎት መሪጹ፡ ንደያኑ ታሕተዋይ አብያተ-ፍርዲ እቱ ኮምሽነር ባዕሉ ይምረጾም።
(2)    ከምኡ’ውን ፕረዚደንት፡ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ምክልኻል ጥራሕ ደአ ይምረጽ እምበር፡ ነቶም ካልኦት መኰንናትስ፡ እቱ ሚኒስተር ባዕሉ እንተ መረጾም ይኅሽ ይመስለና። እዚ ኸአ፡ ናይ ሥልጣን ምክፍፋል ኪህሉ ቢልና ኢና።
(3)    ከምኡ ኸአ ንኻልኦት መዝነታት።

ዐንቀጽ 42(15)
ስራሕ አቦ-መንበር-ባይቶ ኪኸውን እዩ ዝግባእ ይመስለና።

ዐንቀጽ 42(18?)
“ፕረዚደንት፡ ከም ገለልተኛ ወይ መንጎኛ ኮይኑ ደአ ኬገልግል አለዎ እምበር፡ ጠቕሚ ወይ ረብሐ ሐደ ፖሊቲካዊ ሰልፊ ኪገብር አይግባእን” ዚብል ሐረግ ንኡስ-ዐንቀጽ ኪውሰኽ ምደለና።

ዐንቀጽ 43
ሐደ ፕረዚደንት፡ ምስ መንግሥታዊ ስራሑ ዝተተኃኃዘ፡ ማለት ከም ፕረሲደንት መጠን ብዝፍጽሞ ጉዳያት ጥራሕ እዩ ኪኽሰስ ወይ ብገበን ኪሕተት ዚኽእል ምባል፡ ሐደ ሰብ ፕረሲደንት ቅድሚ ምዃኑ ተራ ዜጋ ከም ዝነበረን ከም ዝኾነን ምዝንጋዕ ማለት እዩ። ከም መንም ወይ ተራ ዜጋ ኸአ እምበአር፡ ብዝኅለፈ ሕይወቱ እውን ኪኽሰስ ወይ ብገበን ኪሕተት ግድን እዩ። አብ ቅድሚ ምሉእ ዓለም ወኪል ሕዝቡ ስለ ዝኾነ፡ ሐደ ፕረሲደንት፡ ብፍጹም ንጹሕ ሰብ ኪኸውን እዩ ዝግባእ። ከመይ፡ ቅድሚ ፕረሲደንት ምዃኑ ንጹሕ ኢድ እንተ ዘይነይሩዎ፡ ፕረሲደንት ምስ ኮነ እውን አመሉ ኪግድፍ ዘይተአማምን ክንዲ ዝኾነ።

ዐንቀጽ 44
ከምቲ ተራ ሰራሕተኛ - መንግሥቲ ስራሑ ምስ ወድኤ (=ጥሮታ ምስ አተወ) ብዘይካ ገንዘብ ጥሮታኡ ሐንቲ ኻልእ ኅለፋ ዘይቅበልን ዘይጽበን፡ ፕረሲደንት እውን ከምኡ ኪገብር ምተገብኤ። አብ ቦታ ኅላፍነት እንከሎ ጽቡቕ ደመውዝን ምስ ስራሑ ዝተተኃኅዘ ካልእ መኽሰብን ዚረክብ ሰብ ስለ ዝኾነ፡ ብሕጊ ዝውሰን ኅለፋታት አይግብኦን እዩ በሀልቲ ኢና።

ዐንቀጽ 46(2)
ፕረሲደንት፡ ሚኒስተራት ካብ ኣባላት ሀገራዊ ባይቶ እንተ ዘይመረጸ ይኅሽ። እንተ ዘየሎ፡ “ንዝገበረልካ ወይ ግበረሉ ወይ ንገረሉ” ብዚብል አተሓሳስባ፡ ነቶም ዝመረጽዎ ሞሳ ኪመልስ ኪብል፡ አብ ኣድልዎ ኪወድቕ ይኽእል እዩ። አባላት ባይቶስ፡ ናይ’ቶም ኪውክልዎ ቢሎም ዝመረጽዎም ሕዝቢ ሀረርታ፡ ጥርዓንን፡ ወዘተ…አብ ባይቶ ምቅላዕን መፍትሒ ሽግራቶም ዚኸውን ሕግታት ምንዳፍን ምጽዳቕን ደአ ይኹን ቀንዲ ስራሖም።

ዐንቀጽ 46(4)
እቱ ፕረሲደንት ንምኒስትራት ዜውፅአሎም መምርሒ ግን፡ ብሀገራዊ ባይቶ ኪጸድቕ ምተገብኤ ይመስለና።

ዐንቀጽ 47(2)
“…ብመንገዲ ቤት-ጽሕፈት ፕረሲደንት…”። ሚኒስትራት፡ ናይ ፕረሲደንት ናይ ቀረባ መሳርሕትን ብአኡ ዝተመርጹን ስለ ዝኾኑ፡ ምእንቲ ኬድኅኖም ቢሉ ነቲ መጸዋዕታ ባይቶ ከተዕናቕፎን ከድናጒዮን ይኽእል ክንዲ ዝኾነ፡ ነቶም ገበነኛታት ሚኒስትራት ቤት-ፍርዲ ባዕሉ ናብ ባይቶ እንተዘቕርቦም ይኅሽ ይመስለና።

ዐንቀጽ 48(3)
ከምቲ መንም ዜጋ አብ ስራሑ ብዚፍጽሞ ጉድለት ወይ ገበን ኪኽሰስ ዚኽእል፡ ሥልጣን-ፍርዲ ዝተዋህቦ ሰብ’ውን ከምኡ። ንአብነት፡ አድልዎ እንተ ድአ ፈጺሙ፡ ዘይክሰሰሉን ዘይቅጽዐሉን ምኽንያት አይረአየናን።

ዐንቀጽ 58
ብዛዕባ ምምኅያሽ ቅዋም > ብወኪል ክትሰርሕ፡ ብዙኅ ጊዜ ዘመኒ አይኮነን። ሐደ ስራሕ ባዕልኻ ክትገብሮ እንከሎኻ እዩ ዚያዳ ደስ ዘብለካን አውራ ዘተአማምነካን። ዋና እቱ መሠረታዊ ዝኾነ ሕጊ-ቅዋም ሕዝቢ ባዕሉ ስለ ዝኾነ ኸአ እምበአር፡ ሕዚቢ ብቐጥታ (=ብረፈረንዱም) ባዕሉ ጥራሕ እንተመኅየሾ ይበልጽ በሀልቲ ኢና። ዚመጸ ባይቶ ክተናኽፎ ዚኽእል እንተ ደአ ኾይኑ ግን፡ እዚ፡ ስግአት፡ ፍርሀት፡ ወዘተ…ዘተአታቱ አገባብ እዩ ይመስለና።

ክቡር ዶክቶር፣ ነዚ ጽሑፍና ግቡእ አቓልቦ ክትህበሉ ተስፋ እናገብርና፡ አቐዲምና ምስጋናና ነቕርብ። ሕዝቢ ብዛዕባ እዚ ንድፊ’ዚ አጸቢቑ ምእንቲ ኪካታዕን እቶም ርእይቶኦም ብጽሑፍ ኬቕርቡ ዚድለዩ ጽሑፋቶም ኪልእኽልኩም ዕድል ምእንቲ ኪረኽቡን፡ ሐሳባት ናይ ትቕበሉሉ ገደብ-ጊዜ ቊሩብ እንውኅ ከትብልዎ ኸአ ኅደራ ንብል።

ኮምሽን ቅዋም ኤርትራ
Constitutional Commission of Eritrea

Date 17-10-1996
Ref: CCE-C/152/96


ናብ አባ ተወልደብርሃን ጸጋይን 55ን ብጾቶም
ቊ. ሣ. ጶ. 1185 - አሥመራ
……………………

ዝኸበርኩም አባ ተወልደብርሃን፣

ብ23/08/96 ምስ ፣(ናይ) ካልኦት ብጾትኩም ዝሰደድኩምለይ ወረቐት ርእይቶ ብዛዕባ ንድፊ ቅዋም በጺሑኒ። ብስም ኮምሽን ቅዋም ከምስግነኩም እፈቱ።

ንመገሻ ክቀራረብ ከሎኹ ስለ ዝበጽሐኒ ክሳዕ ሎሚ ከይጸሐፍኩልኩም ብምድንጓየይ ይቕረታ እሐተት።

ርእይቶኹም ምስቲ ካልእ ካብ ሕዝቢ ዚመጽእ ዘሎ ርእይቶታት ተመርሚሩን ተዘትዩሉን ዜድሊ ግምት ከም ዚወሀቦ ክረጋግጸልኩምን ተገዲስኩም ብዝቐልጠፈ እዋን ሐሳባትኩም ብምውፋይኩምን ደጊመ ከምስግነኩም አፍቅዱለይ።

ዐወት ንሐፋሽ!!

………….

በረኸት ሀብተሥላሤ (ዶር)
አቦ-መንበር ኮምሽን ቅዋም ኤርትራ

~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~

ኣብ መወዳእታኡ ብ1997 ዝጸደቐ ቅዋም እንታይ በለ፤

ምዕራፍ 1፤ ዐንቀጽ 4 (1)
1. ሃገራዊት ባንዴራ ኤርትራ ወርቃዊት ኣቚጽልቲ ኣውሊዕ ዘሎዋ፡ ቀጠልያን ቀይሕን ሰማያውን ዝምድራ እያ። ዝርዝራ ብሕጊ ይውሰን። (እቲ ርእይቶ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ስለምንታይ?)

ምዕራፍ 2፤ ዐንቀጽ 7(2) ኲሉ ንሰብኣዊ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ዚግህሶ፡ ንተራአንን ንተሳታፍነተንን ከኣ ዝድርትን ዚዕንቅፍን ተግባር ክልኩል እዩ። ዓንቀጽ 19 (6) ኲሉ ዜጋ፡ ንፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ቑጠባውን ባህላውን ዕላማታት ውድባት ኬቕውም መሰል ኣሎዎ። (እቲ ርእይቶ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ስለምንታይ?)

ዐንቀጽ 11(2) ብዛዕባ ኮምን ማህበርን ዞባን ኮምን፣ ኣብ ቅዋም ንጊዜኡ ተደልዩ ተሳኢኑ።

ምዕራፍ-ክልተ ዐንቀጽ 12-ሃገራዊ ምክልኻልን ጸጥታን (2)
ሓይልታት ምክልኻልን ጸጥታን ካብ ሕብረተሰብ ዘይተነጸሉ፡ ኣፍረይትን ኣኽበርቲ ህዝብን ኪኾኑ ኣሎዎም።  (እቲ ርእይቶ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ስለምንታይ?)

ዐንቀጽ 13 (2) ፖሊሲ ወጻኢ
ናይ ኤርትራ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ፡ ኣብ ናጽነትን ልኡላውነትን ሃገር፡ ከምኡ እውን ኣብ ረብሓ ዞባውን ኣህጉራውን ሰላም፡ ምትሕግጋዝ፡ ምርግጋእን ምዕባለን እተመስረተ እዩ።  (እቲ ርእይቶ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ስለምንታይ?)

ዐንቀጽ 14 (4?) ማዕርነት ኣብ ቅድሚ ሕጊ
(እቲ ክውሰኽ ዝተባህለ (4) ርእይቶ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ስለምንታይ?)

ዐንቀጽ 15 (3?) መሰል ህይወትን ናጽነትን
(እቲ ክውሰኽ ዝተባህለ (3) ርእይቶ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ስለምንታይ?)

ዐንቀጽ 16(3) መሰል ሰብኣዊ ክብረት፤ ዝኾነ ሰብ፡ ብጊልያነት ወይ ብግዲ ብምዕሳብ ኪቚረን፡ ወይ’ውን ሕጊ ብዘይፈቕዶ ብሓይሊ ኪዓዪ ኣይፍቀድን።
(እቲ ክውሰኽ ዝተባህለ ርእይቶ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ስለምንታይ?)

ዐንቀጽ 19(2) ሓርነት ሕልና፡ እምነት፡ ምግላጽ ርእይቶ፡ ምንቅስቓስ፡ ምእካብን ምውዳብን
(እቲ ክውሰኽ ዝተባህለ ርእይቶ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ስለምንታይ?)

ዐንቀጽ 19(5)
(እቲ ክውሰኽ ዝተባህለ ርእይቶ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ስለምንታይ?)

ዐንቀጽ 21(6?)
(እቲ ክውሰኽ ዝተባህለ ርእይቶ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ስለምንታይ?)

ዐንቀጽ 22(4?)
(እቲ ክውሰኽ ዝተባህለ ርእይቶ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ስለምንታይ?)

ዐንቀጽ 26
(እቲ ክውሰኽ ዝተባህለ (4) ርእይቶ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ስለምንታይ?)

ዐንቀጽ 32(7)
(ርእይቶ ብዛዕባ ባይቶ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ስለምንታይ?)

ዐንቀጽ 32(12?)
(እቲ ክውሰኽ ዝተባህለ ናይ ጥርዓን ኮሚቴ ርእይቶ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ስለምንታይ?)

ዐንቀጽ 35
(እቲ ትንታነን ማሕበራውነታዊ ሕቶታት ተቐባልነት ኣይረኸበን። ስለምንታይ?)

ዐንቀጽ 37(2)
(ብዛዕባ ናይ ኮሚቴታት ሥልጣን ተቐባልነት ኣይረኸበን። ስለምንታይ?)

ዐንቀጽ 41(6/ሐ)
(ብዛዕባ ጉድለት ኣካል ፕረሲደንት ርእይቶ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ስለምንታይ?)

ዐንቀጽ 42
(ብዛዕባ ሥልጣን ፕረሲደንት ርእይቶ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ስለምንታይ?)

ዐንቀጽ 42(15)
(ብዛዕባ ናይ ፕረሲደንት ንድፊ ሕግታትን ባጀትን ምእማም ርእይቶ ስራሕ ናይ ኣቦ መንበር ባይቶ ክኸውን ዝተባህለ ርእይቶ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ስለምንታይ?)

ዐንቀጽ 42(18?)
(እቲ ክውሰኽ ዝተባህለ ርእይቶ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ስለምንታይ?)

ዐንቀጽ 43
(ብዛዕባ ዝኅለፈ ገበናት ፕረሲደንት ናይ ተሓታትነት ርእይቶ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ስለምንታይ?)
ዐንቀጽ 44
(እቲ ዝተባህለ ርእይቶ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ስለምንታይ?)

ዐንቀጽ 46(2)
(እቲ ክውሰኽ ዝተባህለ ርእይቶ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ስለምንታይ?)

ዐንቀጽ 47(2)
(እቲ ክውሰኽ ዝተባህለ ርእይቶ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ስለምንታይ?)

ዐንቀጽ 48(3)
(እቲ ዝተባህለ ርእይቶ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ስለምንታይ?)

ዐንቀጽ 58
(እቲ ናይ ቅወም ምምኅያሽ ርእይቶ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ስለምንታይ?)




 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...