ብዛዕባቲ ብ“ኤውሮጳዊ ናይ ወጻኢ ቅዋም አማኸርቲ” (EEPA) ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ኤውሮጳዊ ትካል  ንኤርትራን ቀርኒ አፍሪቃን አጠቓሊሉ ብዛዕባ ምጥንኻር ደሞክራስን ሰብአዊ መሰላትን ዝምልከት አብ ዘካየዶ ኮንፈርንስ፣ ካብ ኤርትራውያን ብደረጃ ውልቀ ሰባትን፣ አገደስቲ ምሁራንን ከምኡ’ውን ፖለቲካዊ ሰልፊታት ከምዝተሳተፍዎ ዝዝከር’ዩ። ብዛዕባ’ዚ ኮንፈረንስ’ዚ አብ ውሽጢ ኤርትራውያን ብዙሕ ከካትዕ ከም ዝቐነየ ከአ ንኹሉ ብሩህ ኢዩ።

እቲ ዘገርም ብዝያዳ ከካትዕ ዝግብኦን ዝነበሮን አብ ትሕዝቶ መልእኽቲ ናይቶም ተሳቲፎም ዝነበሩ አቲኻ ክንዲ ምምዛንን ምምርማርን፣ አብ ተክኒካዊ ጉዳይ ጥራሕ ብምትኳር፣ መን ተዓዲሙ መን’ከ አይተዓደመን አብ ዝብል ጽውጽዋይ ተሸኺልካ ጊዜኻን ጉልበትካን ንከንቱ ምብኻኑ ኢዩ። ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ አብቲ ኮንፈረንስ ንሕብረት ኤውርጳ ይኹን አሜሪካ በቶም ዝተሳተፉ ኤርትራውያን ዝቐረበሎም ትሕዝቶ መልእኽቲ አትዩ ሚዛኑ ዘቐመጠ ዳርጋ አይረአናን ክብሃል ይከአል። 

እቶም ወሰነ ወሰን ብምህዳም ናብ ተክኒካዊ ጉዳያት ጥራሕ ብምትኳር ሰብ ከደናግሩን መጥቃዕቲታት ክውርውሩን ዝሰልጦም ሸነኻት፣ ነቲ ዝዘርእዎ ናይ ሕሜታ ወፈራ ያኢ ክሰምረሎም፣ ኮነ ተባሂሉ ዝጥቀምሉ ሽጣራ ርዱእን ግጡምን ኢዩ። ንሱ ከአ እቲ ዝቐረበ ሐባራዊ መልእኽቲ ንጹርን ቅሉዕን ዝኾነ፣ ንኹሉ መዳያት ናይ ህዝብና ጸገማቱን ጸበባኡን ዘቃልሕ፣ መፍትሕ ዝኾኖ’ውን ዝእምት ስለዝኾነ፣ ኢንታ እንተዘይኮይኑ አንጻሩ ብምሙጓት ንኸፍርስዎ ዕድል ዝህቦም ስለዘይኮነ ኢዩ።

ንዝተገብረሎም ዕድመ ተቐቢሎም ዝተሳተፉ ኤርትራውያን፣ ናይ ደምበ ተቓውሞ ወዳእቲ ነገር ወይ ወከልቲ ኢና አይበሉን። ብአንጻሩ ቃል ሐባራዊ ሽማግለ ሰለስተ ውድባት ዘቕረበ አቶ ወልደሱስ ዓማር፣ ብንጹር ንሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ፣ ንሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራን ንህዝባዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራን ጥራሕ ከም ዝውክል፣ ኩነታት ሃገሩን ሃለዋት ውጹዕ ህዝቡን ንክገልጽ ከምዝቐረበ’ዩ ብወግዒ ዘብርሀ። ስለዚ ደረቱን ወሰኑን ብምብራህ፣ ንመን ከም ዝውክል ከአ ብግልጺ ዘነጸረ አካል፣ ንበይኑ’ዶ ንብሕቱ ግሉጽ’ዶስ ስዉር’ዶ እንዳበልካ መናድቕ ቃላት አብ ኢንተርነት ምጽፍጻፍን፣ ቁም ነገር ክንዲ ምስራሕ ዋይ ዋይ እንዳበልካ ምቑዛምን ዋጋ የብሉን። 

ብሕጂ’ውን እቲ ካልእ ዝምልከቶ አካላት ተበራቢሩ እንተዘይተንቀሳቒሱ፣ እዚ ሰልፊታት’ዚ ዓቕሙን ሐይሉን ብዘፍቅዶ አብ ኩሉ መአዝን ክወናጨፍን፣ ዕድመ ተቐቢሉ’ውን ትኽክለኛ መቓልሕ ህዝቢ ኤርትራ ከቃልሕን ከዋዓውዕን’ዩ። እንኮ’ስ ናብ ጠቕሚ ህዝቢ ኤርትራን ጉዳዩን ዝውዕል ይኹን’ምበር፣ማሕበረ ሐማዮ ከይብሉና ኢሉ ብምሽቝራር፣ ዝረኸቦ ዕድላት ኣይከሕልፍን’ዩ: ኩሉ ዝከአሎ ከአ ክገብር ኢዩ። 

ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ወሪድዎ ዘሎ ናይ ጸላም መዋእል መዋጽኦ ንምርካብ፣ ብተግባር ዝሰርሑን ዝንቀሳቐሱን’ምበር፣ አብ ኢንተርነት ነብሶም ደያኑ ሸይሞም ዝፈርዱ፣ አብ ፓልቶክ ድፋዕ ዓሪዶም እንዳተወራዘዩ ዝጻረፉ፣ ነቶም ጉልበቶም ኮነ ገንዘቦም ከምኡ’ውን ወርቃዊ ጊዜኦም ዘበርክቱ ተቓለስቲ እንዳነወሩ ዝዓናቕፉ፣ ነንዝተሰርሐ ቁም ነገር ምጽራርን ምቁንጻብን ሐርበኝነት ኮይኑ ዝስምዖም፣ ናይ ተቓዋማይ ተቓወምቲ ዝኾኑ ማሕበረ እኩያን ካሕሳ አይጽበን’ዩ። ነዚ ወዲ ኸምዚን ከገልግሉ ዝተዓስቡ፣ ኢሳያስ ዘዋፈሮም ከም ብዓል ግርማ አስመሮም ዝአመሰሉ ኩብራረ ናይ ጐሐሉ መልእኽተኛታት ከአ እኹላት ኢዮም።

እቲ ዘገርም ነገር ናይዚ ሰሙን’ዚ፣ አምባሳደር ኢሳያስ አብ በልጂዩም ዝኾነ ግርማ አስመሮምን፣ እቶም ንመንግስቲ ኢሳያስ ንቃወም ኢና ዝብሉ አሕዋትናን፣ ብጉዳይ ኮንፈረንስ ብሩሰልስ ሐደ ግንባር ምፍጣሮም ዓጀብ’ዩ ዘብል። ቋንቋኦም ኮነ ተጻብኦኦም ዝሰመረን ሐደን ምዃኑ ከአ፣ እቲኦም ተቓወምቲ፣ እቲኦም ከአ ናይቲ በላዕ ሰብ ዝኾነ ስርዓት ወከልቲ’ስ እንታይ ድአ አራኸቦም ኢልካ  ብአንክሮ ትግረም። 

ግርማ አስመሮም ካብ ብሩሰልስ ብድምጺ አሜሪካ ብዛዕባቲ ኮንፈረንስ ተሐቲቱ ክምልስ ከሎ “እዚአቶም መን ኢዮም እንታዎት ኢዮም? … እዚ ተጌሩ ዝብሃል አኼባ ግምታት ዘይወሃቦ ንመንግስቲ ኤርትራ ዘየሻቕል ቁም ነገር ዘይብሉ ፍሹል’ዩ ኢዩ” ኢሉ ብምንእአስ አብ ሹመቱ ዘቐጽሎ ንጎይትኡ ኢሳያስ ከአ ዘሐጉስ መልሲ ድአ ሃበ። ንሱ’ስ ሐቁ  ምኽንያቱ ከአ ዝተዓስበሉ ስርሑ ስለዝኾነ።

በዚ አጋጣሚ ንግርማ አስመሮም ክንብሎ እንደሊ ሐጺር መልሲ’ሎ። ከምቲ ህበይ አብ ሕሩስ ግራት ንዝተዘርኤ ጣፍ ክትአሪ ምስ ከደት፣ ምእራዩ ምስ ጸገማ “ክላ ጣፍ ምዝራእ’ስ ስራሕ ምስአን” ኢላ ሐዲጋቶ ዝተመርቀፈት፣ ንስኻን ጎይታኻን ከአ ነቲ ብዓውደ ተቓውሞ ኤርትራ ዝተዘርኤን፣ ብአካላት ናቱ ዝኾኑ አብ ብሩሰልስ ዝተቓልሔን ደሞክራስያዊ መቓልሕ ክትዓግትዎ ኮነ ክትአርይዎ ከቶ ሐይሊ የብልኩምን። የግዳስ  ብሐፋሽ ህዝቢን ብኩሎም ተቓለስቲ ደቁን፣ ከም ምጉያ ተማሒኹም፣ ከም ኩዒንቲ ተአሪኹም፣ ከይፈተኹም እተልግሱሉ መዓልታት፣ እንዳተቓረበ ይመጽእ ምህላዉ ከሎ ጌና ከነርድአካ ከለና መልእኽትና ብአግኡ ክበጽሐካ ንትስፎ። 

ፍስሃ ናይር’ውን ብወገኑ አብ ናይ 15 ሕዳር ናብ አሰና ዝለአኾ ጽሑፍ “እዚ ዋዕላ’ዚ ናይ ሐበሬታ ዋዕላ ጥራሕ ምዃኑ ዝተቓልዐ፣ ካብ ፕሮፓጋንዳን ፈኸራን ሐሊፉ ካልእ ቁም ነገር ዘይብሉ፣ በቶም ናይ ኤርትራ ፖለቲካ ፈጠርቲ ኢና ዝብሉ ዝተኻየደ” ብምባል ብመንፈሱ ይኹን ትርጉሙ ምስቲ ናይ ግርማ አስመሮም ፈጺሙ ዘይፈላለ ትሕዝቶ’ዩ አቕሪቡ ። እታ መናግርቲ አቶ ሳልሕ ቓዲ አብ ቤት ፍርዲ’ውን ዝኸሰሳ፣ ተለአአኺት ህግደፍ ዝኾነት ሶፍያ ተስፋማርያምን፣ አቶ ሳልሕ ቃዲን’ውን እንተኾነ ነቶም አብ ብሩሰልስ ተረኺቦም አንጻር ጨቋኒ መንግስቲ ኢሳያስ መኸትኦም ዘቕረቡ፣ ናይ ሐባር ጸላእቶም ብምግባር አጽዋሮም ገቲሮም ብሐባር ዘነጻጽሩሉ እዋን ምምጽኡ’ስ አቤት! ናይ ጉድ ጉድ’ዩ ዘብል።

ቅድሚ ሕጂ እዞም ብሰላማዊ ደሞክራስያዊ አገባብ ቃልሲ ዝብሉ ውድባት፣ ሐለይቲ መንግስቲ ህግደፍ’ዮም፣ ናብኡ ገጽ ዝቀራረቡ’ዮም እንታይዶ’ስ መሃይዶ’ስ … ወዘተ እንዳተባህለ፣ ብናይ ይበላኻ ወዲ በረኻ ከዛብ ናይ ጽርግያ ወረታት ክንደይ ሰብ እዝኑ ዘይደንቆረ። ክንደይ’ከ አብ ዝሐናጠጥዎ ወረቓቕቲ ብናይ ብርዖም ጸሊም ቀለም ጸለሎ ዘይተቀብኤ። “ካብ ሽሕ መሰኻኽር ዋና ብኸናፍር” ክብሃል እንከ፣ ካብዚ አብ ላዕሊ ዝረአናዮ ጭቡጥን ምስኩርን፣ ምስ መልእኽተኛታት ናይ ህግደፍ ሶፍያ ተስፋማርያምን ግርማ አስመሮምን ብቋንቋን መንፈስን መን ዝያዳ ከምብዝቐርብ ባዕሉ መድረኽ አብሪሁዎ’ሎ። 

ገለ ገለ ኤርትራውያን ነቲ ብሐባራዊ ሽማግለ ሰለስቲኡ ውድባት ዝቐረበ ወረቐት ንጹር ትሕዝቶኡ ድሕሪ ምርአይን ምንባብን’ውን እንተኾነ፣ ሕልናዊ ሚዛኖም ብቕንዕና ክንዲ ዘተኻኽሉ፣ በቲ ሐንሳብ ተዘርጊሑ ዝተናፈሰ ግጉይ ሐበሬታ አእምሮኦም ሚዛኑ ስለዝተዛናበለ፣ ጌና ናብ ግቡእ ሰፈሩ አይተመልሰን።  ካብዚ ቄናን አረዳድአ’ዚ ብምብጋስ ከአ፣ ሕሉፍ ሐሊፎም ኮንፈረንስ ብሩሰልስ ምስ ጸቢብ ውድባዊ ተፈላጥነት ምርካብን፣ ምስ ሕቶ ስልጣንን አተአሳሲሮም ብምርአይ፣ ናብ ግጉይ ዝኾነ መደምደምታ ዝበጽሑ’ውን ውሑዳት አይኮኑን። ሐደ ካብኦም ንስግአቱ ከምኡ ኢሉ ብግልጺ ዘቐመጠ፣ አብ መሰረት ዘይብሉ ናይ ይኸውን’ዶ ዝብል ፍርሂ ተዓብሊሉ ቅሳነት ዝሰአነ መስኪናይ አቶ ፍስሃ ናይር ኢዩ። ንሱ ኮነ መጫፍርቱ ሕቶ ተፈላጥነትን ተቐባልነትን ብስራሕካን ሞያኻን ዝምስከር፣ ሕቶ ስልጣን ከአ ብሐፋሽ ህዝብኻ ዝዕደል ዝምንጠል ምዃኑ ጌና ዝተሰቆሮም አይመስሉን።

ዝሐለፈ ንውሕ ዝበለ ዓመታት ብተግባር ከም ዝመስከርናዮ፣ ምዕብልና ተረኺቡ እቲ ሐደ ንቕዲሚት ክውንጨፍ ክጎዪ ክደሊ ከሎ፣ እቲ ሐደ ከአ ልጓም ሒዙ ክዓግትን ከዳኽምን  አየወ ክንደይ መሪር መድረኻት ዘይተሐልፈ። እዚ ተርእዮ’ዚ ሐዲሽ ተረኽቦ ዝመስሎም ብዙሐት ኢዮም። እቲ ዘሕዝን ግን እዚ ዝበለየን ዝአረገን ብድሑር ቅንኢ ዝተላዕጠጠ ፖለቲካዊ ባህሊ ከይተለወጠ፣ ንሎሚ አንጻር መላኺ ስርዓት አብ እንገብሮ ተጋድሎ፣ ንጽባሕ ከአ ልዑላውነት ግዝአተ ሕጊ ዝሰፈና ሐራ ሃገር አብ ምርግጋጽ ህዝብና አብ ዘካይዶ ቃልሲ፣ ጌና ሂወት ረኺቡ መርዛም አሰራቱ ንሰብ እንዳሳቐየ ከይቕጽል’ዩ ዘስግእ። ናብ መንእሰያት ደቅና ሕማም ተላገብ ኮይኑ ከይሐልፍ ከአ አምላኽ ይስተሮም። 

መልእኽቲ ኮንፈረንስ ብሩሰለስ ንአውያት ህዝቢ ኤርትራ አቓልቦ ንምርካብን፣ ነቲ ዝተጠልበ ናይ ዳህሳስ ርእይቶን ሐበሬታን ሕቶ ቀሪብካ ንምምላስን፣ ንድሌት ፋሕ ዝበለ አካላት ሕብረተሰብና’ውን ከይተረፈ አብ ጸብጻብ ዘእተወን ምንባሩ፣ ካብ’ቲ ብጽሑፍ ዝቐረበ መደረ መንፈስን ፊደልን ንምግንዛቡ ዘሸግር አይኮነን። ምናልባት ምርዳእ ዝአብዮም እንተልዮም ንኸይርድኡ ዝዓገቡ ጥራሕ ኢዮም። ንኸይርዳእ ዝዓገበ ከአ መድሃኒት ስለዘይብሉ ከምቲ “ሰብ ክዛጋሕ .. ናብ ስራሕካ ዞጋሕ” ዝተባህለ ናብ ስራሕካን ዕዮኻን ምኻድ ጥራሕ’ዩ ዘድሊ።

ክቡራት ደቂ ሃገር ነቲ ዝቐረበ መደረ ናብ ሰጥሒ ብምዝርጋሕ፣ ብቐረባን ጭቡጥን ንምርዳእ፣ እስከ ነጥቢ ብነጥቢ አልዒልና ንመርምሮ። 

አቦ ወንበር ሐባራዊ ሽማግለ ሰለስቲኡ ውድባት ኮይኑ ዝቐረበ አቶ ወልደሱስ ዓማር፣ አብ ዝሃቦ መደረ፣ አብ መእተዊኡ ነጻነትና ድሕሪ ምርግጋጽ፣ ነቲ ህዝብና ዝተጸበዮ ባህጊን፣ ኤርትራ አብነት ካልኦት ክትከውን’ያ ዝብል ብካልኦት “ዝነበረ ብሩህ ተስፋታት ኣጸልሚትዎ” ክብል ኢሳያስ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ዘንበረሉ እምነት መብጽዓኡ ክሒዱ፣ ንመቓልስቱ ከይተረፈ ዝጠለመ ሰብ ምዃኑ አጋሊጹ። ብሕጽር ዝበለ  ናይ ሎሚ ህግደፋዊት ኤርትራ፡- 

  • ቅዋም ዘይብላ፡ ግዝኣተ-ሕጊ ዘይሕሰበላን፣
  • መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዘይኽበረላ፣
  • ናጽነት ናይ ፕረስን ናጽነት ናይ ምእካብን ዘይብላ፣
  • ናጽነት ናይ እምነትን ኣምልኾን ዘይብላ፣
  • ብሕታዊ ጽላት ክዕንብብ ዘይፍቀደላ፣
  • ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ዘይርከበላ …ሃገር ምዃና ንዓለም ለኻዊ አካላት አብሪሁ።

አብዚ ትሕዝቶ’ዚ ማንም ይቃወም’የ ዝብል ወዲ ሃገር ዝኾነ ፍልልይ ከምዘይብሉ ርዱእ ይመስለና። ከንብቦ ንዝደለየ እቲ ጽሑፍ አብ ኩሉ ተዘርጊሑ ስለዘሎ ናብቲ አገዳሲ ዝኾነ፣ ንኩሉ ተቓዋሚ ዝምልከቶ አገዳሲ ዝኾነ ነጥብታት እስከ ንምዘን።

አቶ ወልደሱስ ዓማር ንደምበ ተቓውሞ ብሐፈሻ አመልኪቱ አብ ዝሃቦ መደረ፣ ንድሌት ናይ’ቲ ገዛኢ ሰልፊ ህግደፍ ኣይምእዘዝን’የ ኢሉ ኣብ ደገ ኰይኑ ክቃወም ዝጸንሐ ውድባት ከም ዘሎ አብሪሁ። ወላኳ አቶ ወልደሱስ ዝውክሎም ውድባት አብዚ ዋዕላ’ዚ እንተተሳተፉ፣ ንህግደፍ ዝቃወም ውድባትን ስቪካዊ ማሕበራትን ከም ዘሎ’ውን ብግልጺ ዘነጽር ንተሳተፍቲ ዋዕላ ዘረድእ መልእኽቲ አመሐላሊፉ’ዩ። እዚ ኩሉ ሐቅታት ዘረድአና ጉዳይ እንተሎ፣ በቲ ንዕኡ ዝቐረበሉ ዕድመ መሰረት ምስታፉ’ምበር፣ ንኻልኦት ተቓለስቲ ዘዋስን መንፈስ ፈጺሙ ከምዘይነበረ’ዩ ዘመስክር።

ንኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ብዝምልከት ዝቐረበ ወረቐት ከምዚ ዝስዕብ ክብል ብንጹር አቐመጠ። “ኣብ ግዳም እንርከብ ተቓወምቲ ውድባት፡ ኣብ ዝሓለፈ ቍሩብ ዓመታት፡ ኣብ ትሕቲ ድሌታትን ትጽቢታትን ናይ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝውክል ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣጽሊልና ኣሎና። ኪዳን፡ ናይ ተቓወምቲ ውድባት ንጥፈታት ዘውሃህድን ንህዝቢ ኣንጻር’ቲ ምእንቲ ዲሞክራሲ ዝግበር ዘይቅድመ-ኵነታዊ ልዝብ ዘይቕበል ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ክለዓል ዝጕስጕስ ኣካል ኢዩ።” ከአ በለ።

ተመልከት አቶ ወልደሱስ ዓማር “ንድሌታትን ትጽቢታትን ናይ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝውክል ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣጽሊልና ኣሎና” ክብል ከሎ አበሃህላኡ ንጹር’ዩ። ዘጋጊ ከአ የብሉን። ሰብ ዋኒንን ሰብ ጉዳይን ንሕና ጥራሕ አይኮናን። የግዳስ ኩሉና ዝተጠርነፍናሉ ዝበዝሔ ኤርትራዊ ተቓዋማይ ከአ ዝተአኻኸበሉ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ዝብሃል ጽላል ውድብ አሎ ብምባል ብንጹር አቐሚጥዎ ኢዩ። ስለዚ ክብሕት ዝደሊ ንበይኑ ተፈላጥነት ክረክብ ዝጽዕር፣ አነ ጥራሕ አይኮንኩን አብ ኤርትራዊ ጉዳይ ዝምልከተን ካልኦት ውድባት’ውን አለዋ ኢሉ ክእውጅ ባህርያቱ አየፍቅደሉን’ዩ።

አቶ ወልደሱስ አብኡ ጥራሕ አይተሐጽረን፣ የግዳስ አስማት ናይ ኩለን መሐዙት ውድባት ኪዳን ሐደ ብሐደ ብምዝርዛር ንተሳተፍቲ ኮንፈረንስ አላልዩወን ኢዩ። ልዕሊ ኩሉ ዝለዓለ እንከ “ዕላማታትና ክዕወትን፡ ናይ ህዝብና ስቅያት ክሓጽርን እንተደኣ ኰይኑ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ይኹን ኣባላት ውድባቱ ካብ ፈተውቲ ሰላምን ዲሞክራስን ዝዀነ ኣህዛብ ዘይተቘጠበ ደገፍ ክረኽቡ ይግባእ … ናይ ህዝብና ድሌት ናይ ሰላምን ዲሞክራስን ዝውክሉ ትካላት ስለዝዀና፡ ደገፍኩም ክረኽቡ አለዎም”  ብምባል አብ መግለጺታቱ ሐደ ካብቲ ቀንዲ ዝጸቐጠሉ አገዳሲ ጉዳይ ድአ ነበረ።

ክቡራት ደቂ ሃገር ካብዚ ዝዓቢ ቅዱስ መልእኽቲ’ስ አሎ’ዶ? ክቡር ህዝብናን ክብርቲ ሃገርናን ዘይተዓደሉ ድአ ኮይኖም’ምበር እዚ’ስ የባልዕ? ወረግ ክሳብ መአስ ኢና ስጉም ዘዘበለ ተወዝ ከይትብል እንዳተባህለ ብወንጭፍ ክሕሎ ዝነብር? እዚ መልእኽቲ’ዚ ዘሕልፍ ወዲ ሃገር’ስ ክንዲ ሃብሮም ኢልካ ምትብባዑ’ስ የጻልእ ወይ የጻብእ? አንታ ንቕሐትና’ዶ ክንብሎ ወይስ አፈጣጥራና? ንበይንና ክንብሕቶ ክንፍለጥ ወይ ንኻልኦት ከነዋስን ዝብል መንፈስ አብቲ ዝቐረበ ወረቐት ሃሰስ ኢልካ አይትረኽበሉን ኢኻ። ምእንቲ ርእሱ’ውን እንተኾነ ክብደትን ርዝነትን ጉዳይና ንምብሐት ዘፍቅድ፣ ብሐደ ክልተ ውድባት ከአ ክዕመምን ክፍጸምን ዝከአል’ውን አይኮነን። 

ብሐቲን ነጻግን መንፈስ ዘለዎ’ኮ መቓልስቲ ውድባት አለዋና፣ እከላ እከላ ዝብሃሉ ብጾት አለዉና ከቶ አይብልን’ዩ። እንታይ ድአ ከም አቶ ኢሳያስ ገቢቱ ክውሕጥ አነ ጥራሕ’የ ካልእ የለን’ዩ ዝብል። ሽሙ’ምበር ስም ናይ ካልኦት ክለዓል ኮነ ክጥቀስ መንጸሮር ስለዝስምዖ ባህርያቱ’ውን አየፍቅድሉን’ዩ። ብዓቢኡ ከአ እዚ ፈላሚ’ምበር መወዳእታ’ውን አይኮነን። ካብ ኡይ እንዳበልካ ሕድሕድካ ምቁሳል፣ ነዚ ዝተኸፍተ ማዕጾን ዕድልን አርሒብካ ብምምዕባል፣ ብዝያዳ ንኹሉ ብዘወሃህድ አገባብ ምስራዕ’ዩ ናይ ለባማት ስራሕ። ተወዝ ወይ ፈልከት ከይትብሉ ወይለኹም እንዳበልካ ንመቓልስትኻ ዝኾኑ ውድባት ከይሰርሑን ከስጉሙን ዓጊትካ ምሐዝ ግን እቲ ሃሰያታቱ ንኹሉ ኢዩ። ንሐደን ሃሪሙ ንሐደን ዝምሕር ከአ አይኮነን።

ንሐባራዊ ሽማግለ ወኪሉ መደርኡ ዝቐጸለ አቶ ወልደሱስ ንሕቶ ምትኽኻእ ስልጣን አብ መጻኢት ኤርትራ አመልኪቱ ። “ኣባላት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዝዀኑ ውድባት፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ብኣጋኡ ለጊሱ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ብዝተመርጸ መሪሕነት እንተደኣ ዘይተተኪኡ፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዝኸፍአ ዕግርግር ክናወጽ ምዃኑ ኢዮም ዝርእዩ” ብምባል ናይ መጻኢ ስግአታትን ናቱ መፍትሒኡን ዘነጽር ብዘየሻሙ መልክዕ አቕሪብዎ’ሎ። ስለዚ ነቶም ድሕሪ ውድቀት ኢሳያስ ክብሕቱ’ዶ ክብዕብልሉ’ዶ እንዳበሉ መንፈሶም ብጥርጠራ ተዓማጢሩ ንነብሶም’ውን ቅሳነት ዝኸልኡ ሸነኻት ንጹር መልሲ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ዘይነቓነቕ እምነት ኢዩ’ውን።   

አቶ ወልደሱስ አብ ዘቕረቦ መደረ ፍትሒን ደሞክራሲን ክሰፍን ግዝአተ ሕጊ’ውን ብዘየጠራጥር ክረጋገጽ፣ ሐርነታዊ ሰብአዊ መሰላት ህዝብና ከአ ውሑስ ክኸውን፣ እቲ አካል ናይ ተቓውሞ ደምበ ዝኾነ ማሕበራዊን ሲቪካውን ማሕበራት ክዕምብብን ክሕይልን፣ ደገፍን ምትብባዕን ክረክብን ከም ዘለዎ አብቲ ኮንፈረንስ ካብቲ ቀንዲ ጸቒጡ ዘልዓሎ ጉዳይ ኢዩ። ገለ ካብኡ ንምጥቃስ “እቶም ናይ ሕብረት ኣውሮጳን ኣመሪካን ስሙር ደገፍ ዘድልዮም መዳያት ….ኣብ ስደት ንዝርከባ ናይ ኤርትራውያን ማሕበረ-ኮማትን ሲቪላዊ ማሕበራትን ዘድሊ መሳለጢታት ምቕራብን ምሕያልን፤” አድላይነቱ ዕዙዝ ምዃኑ’ዩ ብትሪ ዘስመረሉ።

እወ ምዕንባብ ፖለቲካዊ ሻርነት ዘይብሉ ነጻ ሲቪካዊ ማሕበራትን ካብ ሻርነት ነጻ ዝኾነ ሚዲያ (ማዕከናት ዜናን)  አብ መጻኢት ኤርትራ ዝለዓለ እምነ ኩርናዕ ዝሕዝ’ዩ። ምኽንያቱ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ርእይቶታተን ናብ ህዝቢ አውሪደን ናብ ስልጣን ክወዳደራ ከለዋ፣ ሲቪካዊ ማሕበራት ኮነ ነጻ ሚዲያታት ግን፣ ህዝቢን ሕብረተሰብን ከይብደል አውያተን ዘስምዓ፣ ናቱ ረብሐታት ዝከላኸላን ዝሕልዋን ኢየን። ዲክታተርነት ከይነግስን ከይዕንብብን ሐጹር ዝኾና ከአ ንሳተን ኢየን። ነዚ ብምምዕዳው’ዩ ከአ አቶ ወልደሱስ ዓማር ሕብረት ኤውሮጳ ይኹን አሜሪካ ካብተን ቀንዲ ክድገፋ አለወን ዝበለ። 

አቶ ወልደሱስ ዓማር አብቲ ኮንፈረንስ ብዛዕባ ናብ ስደት ዝውሕዙ መንእሰያት ኤርትራ አመልኪቱ አብ ዝሃቦ መግለጺ “ኣብ ስደት ዝነብሩ 1.5 ሚልዮን ዝዀኑ ኤርትራውያን ኣለዉ። መብዝሕትኦም ከኣ፡ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ኢዮም ዝርከቡ። ነዚኦም ምድጋፍ ማለት፡ ነታ ድሕሪ ውድቀት ዲክታቶርያዊ ስርዓት እንሃንጻ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ዓቢ ጽልዋ ክህልዎ ኢዩ። ስለ’ዚ፡ ሃገራት ምዕራብ፡ ነዞም ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን ዘይመንግስታዊ ተዋሳእቲ ዘድሊ ደገፋት ክገብራሎም ሕጋውን እዋናውን ጕዳይ፡ ኢዩ” ክብል ነቲ አብ ንኡስ ዕድሜኡ አብ ስደት ዝበሊ ዘሎ ጭልቅዕ መንእሰይ ወለዶ፣ ናይ መጻኢት ሃገሩ ተስፋን ሐይሊን መታን ክኸውን አትሪሩ ተማሕጺኑ።

ነቲ ዝተሰደ ዝዝሮ ዘሎ፣ ሐይሊን ሐድጊን ዝኾነ መንእሰይ ኤርትራ ብትምህርትን ሞያን መታን ክስልጥን፣ ሕብረት ኣውሮጳን ኣመሪካን ስሙር ደገፍ ክገብሩሉ፣ “ካብ’ቲ ናብ ኤርትራ ክስደድ ተመዲቡ ዝነበረ እሞ ደው ክብል ዝተወሰነሉ ገንዘባዊ ደገፋት፡ ገሊኡ ንሞያዊ ምልመላ ናይ’ቶም ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝርከቡ መንእሰያት ስደተኛታት ከምዝውዕል ምግባር፣” ክብል እማሜን ምሕጽንታን አቕሪቡ።
 
አቦ ወንበር ሐባራዊ ሽማግለ አቶ ወልደሱስ ዓማር አብ መግለጺኡ “ኢሳያስ፡ ምስ ህላወኦም ዘይኣምነሎም ተቓወምቲ ውድባት ኮፍ ክብልን፡ ብዛዕባ ሰላማዊ ምስግጋር ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክላዘብን ዘይሕሰብ ኢዩ” ድሕሪ ምባል ንሕብረት ኤውሮጳ አሜሪካን እዚ ዝስዕብ ህጹጽ ጠለብ ምሕጽንታን አቕሪቡ። ንኤርትራዊ ደሞክርስያዊ ኪዳን ብዝምልከት፡-

“እዚ ሃገራዊ ጽላል’ዝን ኣባላት ውድባቱን፡ ነቲ ናይ ህዝብና ድሌት ናይ ሰላምን ዲሞክራስን ዝውክሉ ትካላት ስለዝዀና፡ ደገፍኩም ክረኽቡ ይግባእ። ነቲ ምእንቲ ለውጥን ዲሞክራስን ዝግበር ዘሎ ሃገራዊ ዋዕላ ክድግፉ … ነዚ ፕሮጀክት’ዚ ብምድጋፍ ዝሓሸ መጻኢ ንኤርትራውያን ኣብ ምፍጣር ዓቢ ኣስተዋጽኦ ክገብሩ አለዎም” ክብል ሃገራዊ ዋዕላ ኤርትራውያን ምሉእነትን ዕዉትን መታን ክኸውን ኩሉ መዳያዊ ደገፍ ንክግበረሉ ብጥብቂ ተማሕጺኑ።

ነቲ ዘቕረቦ ሰነዳዊ ወረቐት ክድምድም ከሎ፣ “ናይ ሕብረት ኣውሮጳን ኣመሪካ ሓንጸጽቲ ፖሊሲታት፡ ንኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን ነቶም  ይግብኦም’ዩ ዝብልዎም  ኣባላት ውድባቱን ዘድሊ ፖለቲካውን ንዋታውን ደገፋት ክትገብሩ ኣገዳሲ’ዩ ዝብል እምነት ከምዘሎና ከነረጋግጸልኩም ንፈቱ።” ብምባል ከአ ደምደመ።

ጕባኤ ብሩሰልስ አብ መዛዘምታ ዋዕላኡ፣ ኤርትራውያን ማሕበረ-ኮማትን ሲቪላውያን ማሕበራትን፡ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ክድገፉ ኣለዎም ዝብል ውሳኔ ኣመሓላሊፉ።

ክቡራት ደቂ ሃገር ክቡር አንባቢ እዚ’ስ ንምብሐትን ንኻልኦት ነጺግካ ንበይንኻ ናይ ምውሳን መጻኢ አንፈትን’ዶ የመልክት? አብቲ ዝቐረበ ሰነዳዊ ወረቐት ከም ኤርትራውያን ዘቀራርበና’ዶ ይበዝሕ ዘፈላልየና? እስከ በሉ ካብ ሻርነት ነጻ ዝኾነ ናይ ሕልና ፍርዲ ንሃብ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...