ስርዓተ ጽያፍ ምስ ስርዓተ መንግስቲ ክዋሰብ እንከሎ ከም ዓንድ-ሕቖ ናይቲ ዲክታቶራዊ ስልጣን ይኸውን። ዝኾነ መንግስቲ ንሕግን ስርዓትን መቆጻጸሪ ዝኾንዎ ፖሊስን ወተሃደራውን ሓይሊን ኣብ ትሕቲኡ ይገብር። እዚኣቶም ኣካላት ካብ ተራ ወንጀልን ሃገራዊ ድሕንነትን ሓሊፎም፤ መሳርሒ ናይ ምልኪ ክኾኑ እንከሎዉ መሰረታዊ ናይ ተራ ዜጋ መሰላት ኪሒዶም መሳርሒ ናይ ማእሰርትን መቕተልትን ይኾኑ። ኣብ ቃልሲ ንነጻነት ኣብ ጎዳጉዲ ሳሕል ኮይኖም ነታ ኣብኣ ዝነበረት ስልጣን ክቆራቖሱን ተወዳድርቲ ክኾንዎም ንዝኽእሉ ተጋደልቲ እናሓረዩን እናመዘዙን ኣጥፊኦም እዮም ጥራሕ ዘይኮነ እዚ ኹሉ እናኾነ እንከሎ መሰኻኽር ዝነበሩ ኣለዉ። ገሊኦም ብዘበን 2001፣ ናይ ኤርትራ ሕዝብን ሰራዊትን ብዘይተጸበዮ ኲናት ኣዝዩ ምስተጎድአ፣ ተጋጊና ብምባል ንገዛእ ርእሶም ኣብ ሓደጋ ኣውዲቆም። እቶም ኣብ ዘይሓሰብዎ ናይ ምጽዋዕ ኲናትን፣ ኣብ ቅድሚ ግንባራትን ብኻልእ ኣገባባት ዝተቐንጸሉ ደቅ ሰብ ታሪኽ ግን ክንገረሉ ክነብር እዩ። ስታሊን ካብ ካልእይ ኲናት ዓለም ክሳብ ዝሞተሉ ጊዜ ዘህለቖ ሕዝቢ ክሳብ ሎሚ ኣብ መዛግብ ይሰፍር ኣሎ። ካብ ታሪኽ ምምሃር ድኣምበር ንታሪኽ ምፍራሕ ኣየድልን።

ኣብ ኤርትራ ሕጋዊ ስርዓትን ትካላትን በብቑሩብ ምጥፋእ ካብ ዝጅምሩ 18 ዓመት ጌሩ እዩ። ንሽሙ ግን እቲ ኣብ መዓልቲ መዓልቲ ዝወጽእ ናይ መንግስቲ ጋዜጣታት ትካላት ከምዘለዎ ጌሩ የርኢ። እዚ እቲ መንግስቲ ንኹሉ ኣይቛጻጸርን ማለት ኣይኮነን። ግንከ ነቲ ስርሓት ኩሉ “ባዕሉ” ክሰርሖ ስለዘይክእልን ንተምሳልን ነቶም “መሳርሕቱ” እውን ቦታን ደሞዝ መኽፈልን ስለዘድልዮ እዩ። ምስኡ እቲ ካብ ወጻኢ ዝረኽቦ ሓገዝ ምስኡ ዝመጽእ ቢሮክርሲያዊ ኣሰራርሓ ንኽቕበል የገድዶ። ካልእ ኣብነት ተቓወምትን ዓለምን “በጀት” ዘይብሎም እንተበልዎም፣ ብደቂቕ “በጀት” ኣለና ክብሉ ጀሚሮም። ሎሚ ድማ “ጥሜት” ምስተባህለ፣ “ጥሜት” ኣይክህሉን እዩ ይበሃል ኣሎ። እዚ ንዘዝመጸ፣ ንሰብ ክስሕብ እዩ ተባሂሉ ዝእመነሉ ታክቲክ ናይ ስድታት ኣገባብ እዩ። ብህ.ግ.ደ.ፍ. ቢሂል እዚ “ምሽካዕ” ይሕሰብ። ይኹን እምበር ብድሕሪ እቲ መጋረጃ፣ ካን እታ ኤርትራስ ብመሰረቱ ተዳሂኻ ተጨፍሊቓ ኣብ ሓደ ዓባይ መደበር ማእስርቲ ኮፍ ኢላ - ሕጂ ዶ ይሓይሽ? እናበለ ከሽካዕልላለን ኣብ ርእሲኣ ክድብልን እዩ ዘምሲ ዘሎ እቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ወልቀ ሰብ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን።

ግንከ ንኸምዚ ዓይነት ግፍዕን ዲክታቶርነትን እውን ዘተግብሩ ሰባት ስለዘድልዩ እቲ ኣገባብ ናይ ኣሰራርሓ ሲቪላዊ ስርዓት ኣብ ብሕጊ ዝተሰረተ ኣገባብ ዘይኮነስ ኣብ “መን ይፈልጥን ንመንን” ውልቃዊ ድሌታት ከም ቃሕ ዝበለካ ትገብረሉ ኣገባብ ይኸውን። ንኣብነት ኣብ ዲሞክራሲያዊ ትካላት ኣብ ዝሰረተሉ ኣገባብ ብስራሕካን ክእለትካን ንዝበለጸ ናይ ሕዝብ ኣገልግሎት ትምክት። ኣብ ናይ ስድነት ስርዓት ግን ኣብ ሓሶትን ኣብ ላዕሊ ንዝርከቡ ሰባት ብወግዒ ይኹን ብውልቂ ኣብ ምሕጓስን ምንኣድን ዝተመስረተ ይኸውን። ስልጣን ኣብ ናይ ምቅብጣርን ምምስሳልን ድኣምበር ኣገባባት ብከመይ ይመሓየሹ ናብ ዝብል ክኸይድ እውን ኣይክእልን እዩ።  

ነዚ ንምትግባር ኣብ መዓልታዊ ተግባሮም ኣባላት ሓለዋ ሰውራን ስለያን ዝነበሩን ንሳቶም ዝወደብዎም ውልቀ ሰባት ንዝኾነ ዓይነት “ኣገባብ ንግበረሉ” ዝብል ኣተሓሳስባ ንዘለዎም ሰባት ድሓን እንተኾነ ኣብ ምድስካል እንተኸፍአ ኣብ ምእሳርን ምጥፋእን ምሕቃቕን ይበጽሑ። ገለ ገለ “ሃገራውያን” ኢና “ናይ ደገ ጸላኢ ከይትንክፈና” ወይ ድማ “ቀስ ኢልና ንመሓየሽ” “እንታይ ገዲሱና” ብምባል እቲ ነገር ካብ ምንቁልቛል ደው ዝብል ይመስሎም ይኸውን። ገለ ገለ ግን ኣብ ሰውራ ይኹን ኣብ ጊዜ ነጻነት ሕማቕ ታሪኾም ምእንቲ ከይወጽእን ንሕዝቢ ከይቃልዑ ስለዘሰክፎምን ዘፍሮሖምን እዩ። ገሊኦም ድማ ብጽልእን ቅንእን ተዋሒጦም ንኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ምጭፍጫፍ ዝህበካ ስልጣን ከም ወልፊ ሒዝዎም እዩ። ኩሉ ሓላፋይ ስለዝኾነ ግን፣ ካብ ሰብ ዝተወልደ ፍጡር፣ ዝገበረ ገበን ይግበር፣ ኣብ መወዳእታኡ ብኸመይ ይዝከር፣ እንታይ በረከት ገዲፈ፣ ነቲ በደለይ ብምንታይ ኪሒሰዮ ዝብል ሕቶታት ክለዓሉዎ ይኽእሉ እዮም።

ናይ ሎሚ ኤርትራ ጌና ዘይወጽአ ምስጢራት እውን እንተሃለውዋ እቲ መሰረታዊ መፍትሒ ኣተገባብራ ዲሞክራስያዊ መሰላትን ኣብ ልዕልና ሕጊ ዝተመስረተ ናብራ ዝጥጠሓሉን፣ እዚኦም ንኸይጠፍኡን፣ ንነባሪ እዋን ሱር ሰዲዶም ንኽኸዱን፣ ዘድሊ ለውጢ ክመጽእ ጥራሕ እዩ። እንተዘይኮይኑ ግን እታ ሃገር ካብዚ ዘላቶ ሕማቕ ኩነታት እውን ዝገደደ ክትወድቕ ትኽእል እያ። ምኽንያቱ ፍጹም ስልጣን ኣብ ፍጹም ጥፍኣትን ህልቂትን እዩ ዘምርሕ።

ስድነት = Immorality, wickedness, depravity, dissolution, decadence  

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...