ብቐዳምነት ንኹልኽን ክቡራት ኣዴታትን፣ ኣሓትን፣ ደቕናን፣ ባህላዊ ሰላምታና፣ ይብጻሕክን። ሓምላይ ምንቅስቓስ ኤርትራ ንማሕበራዊ ዕርቕን ፍትሕን ምዕቓብ ከባብን፣ ተስትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዘይብሉ ቓልሲ ከም ዘይዕወት ከም ትኣምን ኣብ ራኢታታ ኣስፊራ ኣላ። ንሙልእ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ከም ትኣምን ኣስሚራ። ደቂ ኣንስትዮ፣ ኤርትራ ኣብ’ዚ ካልኣይ ሰውራና፣ ክልተ ዕጽፊ ስራሕን ሓላፍነትን ከም ዘለወን’ውን ኣዘኻኺራ። ነቲ ቐዳማይ ሰውራና፣ ካብ ሃገራዊ፣ ፖሎቲካናን፣ ባህልናን፣ እምነታትናን፣ ተሞኩሮታትናን፣ ነጺልናዮ። “ላምስ ብኢዳ ዝቐርባ ብእግራ ትሓኽኽ” ከም ዝበሃል፣ ኸኣ ብጓኖት ብዝኾኑ ክልስሓሳባት ተመሪሕና።  ብሓይሊ ድማ ኣብ ባህልና ክነተኣታትዎ ፈቲና። ንሰላሳ ዓመት ግዜናን ሂወትናን በሊዑ፣ ኣብ መጠርሽታኡ ድማ ግዳይ ፋሺሽታዊ ስርዓት ገርና ዘሎ ድማ ንሱ ኢዩ። ፖሎቲካዊ ባህሊ ሃገርና፣ ንጓል ኣንስተይቲ፣ ኣደን፣ ሓብትን፣ ውላድን፣ መጠኑ ኣብ ባህልን፣ ፖሎቲካን፣ ተራ  ሰሪዕላ ይርከብ። እዚ ግን መምስ ምዕባሌ ወረዳኡ  ቑጠባን እምነትን ይፈላለ ኢዩ። ብሓፈሻ ግን ኣብ ባህልና ቦታ ጓል ኣንስተይቲ፣ እንቢር ሕብረተሰብን፣ ሓላዊት ስድራን፣ ከብካቢት ዓድን፣ ጌይሩ ኢዩ ዝሃንጻ። ኣብ ንኡስ ዕድሜኣ ሕቆኣ ከይትግመን፣ ከይትስንብድን፣ ፍቕሪ ከይጎድላን፣ ኩሉ ዓዲ ይሕልዋ። ዝኣክል ሕክምናን፣ መግብን ስለ ዝጎድል ኸዓ ጥዕይቲ ኣደን፣ ኣፍቓሪት ስድራን፣ ክትከውን ጸቕጥታት ባህሊ ይገብረላ። መጠኑ ንወዲ ተባዕታይ’ውን ድላዩ ክግበር ዝሓድግ ባህሊ ኣይኮነን። ኣብ ራኢታትና ከም ዘስፍርናዮ፣ ክኹስተሩን ክንገፉን ዝግባኦም ባህሊታት ከም ዘሎዉና ንሰማማዓሉ ሓቂ ኢዩ። ብባዶ ጭርሖታት ኣይቕያሕንዩ፣ ነዚ ንምእላዩ ግን ፍትሕን፣ ቑጠባን፣ ግዜን፣ ቃልስን ይሓትት። ብሓፈሻ ግን ታሪኽ ደቂ ኣንስትዮ ሃገርና፣ ወለዶታት ነገስታት ሳባ፣ ስለ ዝኾንክ፣ ኩሉ ግዜ ብኣኽን ኩሩዓት ኢና።  

ኣብ ኣፍሪቓና፣ ካብ ባህላዊ ፖሎቲካ ሃገርና ነቒልና፣ ብደፋእታዊ ኣገባብ፣ መሰልን፣ ተራን፣ ጓል ኣንስተይቲ፣ ከምኡ’ውን ካልእ መሰላት ክንበጽሖም ኣጸጋሚ ኣይነበረን። እንተኾነ መግዛእትታት ኢዶም ኣይስኣኑ ካብ’ቲ ቅኑዕ ሓዲድ /መንገዲ/  ምዕባሌ ብኢሰብኣዊ ጭቆና ኣልዮምና። ኣብ ሱሳታት ዘብለጭልጩ ጭርሖታት ሰውራታት ዓለምና፣ ንኣፍሪቓና’ውን ጸሊዩዎ እዩ። ውድባትና ንጻጋማይን ሓውሲ ጻጋምን ርእይቶታት እንኮ መፍትሒ ሽግርና ኢለን ክሰርሓሉ ምስ ጀመራ፣ ምስ ሃገራዊ፣ ፖሎቲካናን፣ ሞራልናን፣ ባህልናን፣ እምነታትናን፣ ልምድታትናን ኲናት ኣቲና። ክሳብ እዚ ግዜ እዚ ኸኣ ነቲ ናውቲ ኣብዑር ክንዲ ብድሕሪት ብቕድሚት ኣሲርና፣ ወላ ትንፈር ጤል ኢያ እናበልና ንኸይድ ኣሎና። እዚ ግጉይ መስመር ፖሎቲካ፣ ንባህልና፣ ምንዓቕን፣ ምርጋምን፣ ዘይምምእዛዝን፣ ኣኸቲሉ። ካብ ሱሩ ክምሕዉዎ ድማ ሳዋ መዓስከር መድምደምታ ድልይቶም ኢዩ። እነሆ ኸኣ ሕብረተሰብና ፍቕርን ተስፋን እምነትን ዘይብሉ ግዳይ ባርነት ኮይኑ ኣሎ። ብሰንኪ እዚ ናይ ልቓሕ ክልስሓስባት ክሳብ ሎሚ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ተነቑትና ንርከብ። ተቓውሞ ውድባትና፣ እዚ ኹሉ ጸገማትናን፣ ጥፍኣት ህዝብናን፣ እናረኣያ ንሓደ ዕላማ ደው ክብላ ኣይበቕዓን ዘለዋ። ኣቦታትና፣ ነቲ ብዘመናት፣ ተቓሊሶም፣ ዘጽንሑልና፣ ክቡር ባህልታትና ዕርቓን ስለ ዘሎና፣ ኣብ ሃገርና ፋሺሽታዊ ስርዓት ክነግስ ዘገርም ኣይኾነን።

ሓደ ውድብ ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ይኹን ካልእ መሰላት ከውሕሰና ኢልና፣ ሂወትናን ናይ ክሳድናን ሂብና፣ ድሕሪ ነጻነት ግን ከም ዘይከኣል ጎሊሑ ተራእዩ ኢዩ። ሓዲስ ፖሎቲካና ንህዝብን ንሃገርን ኣብ ኢድ ዉሑዳት ሰባት ዘውድቕ፣ ስለስተ ሚልዮን ህዝቢ ድማ ተጸባዪ ዝግበር፣ ሓዲስ ውዕል ናይ ጎይታን ባርያን ኢዩ። እዚ ፖሎቲካ ዉዕል፣ ኤውሮጳዊ ባህሊ ዝወለዶ ኢዩ። ኣብ ኤውሮጳ፣ ብሴፍን ብትምህርትን ኣብ ሕብረተሰቦም ተቐባልነት ኣለዎ። ኣብ ኣፍሪቓውያን ግን ክሰርሕ ኣይክኣለን። ዘይትን ማይን ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። ሰሪሑ እንተበልና ከዓ ብሸጠፍ ኢዩ። ብዓሌትን ብሽርሕን ምርጫ ተገሩ 100% ምርጫ ሲዒርና ይብሉ። ነቲ መንበር መንግስቲ ድማ ናይ ኣብኦም ውርሻ ገይሮሞ ኣይንለቕቅን ይብሉ። ንሓደ ህዝቢ ካብ ባህሉ ዘይመነጨወ ፖሎቲካ ጌርካ ክተማሓድሮ ምፍታን ንሓንቲ ዑፍ መንገብገባ ቆሪጽካ ክትበርር ምጽባይ ኢዩ። ንድሕሪት ተመሊስና እሞ ፖሎቲካ ሃገርና ንርኣዮ፣ ሓንቲ ዓዲ ወይ ቑሾት ፖሎቲካውን መንፈሳውን ሂወት ደቂ ዓዲ ብዘይ ናይ ወጻኢ ኢድ ምትእትታው ባዕላ ትመርሕ ጸኒሓ። ኣብ ባይቶ ዓዲ ኩሉ ጸገማቶም ይፈትሑ። ሚእቲ ብሚእቲ ብዘይ ኢድ ምትእትታው ንዓዶምን ንወረድኦምን ንኣውራጅኦምን ከማሕድሩ ጸገም ኣይነበሮምን። መግዛእትታት ኢውሮጳ ግን ነዚ ክብርታት ፖሎቲክና ኢዮም መንጢሎምና። ናቶም ጉዙኣት ክንከውን ፖሎቲካኦም ባህሎምን ሃይማኖቶምን ኣምሂሮምና። ተማሂረ ዝበለ ድማ እንዳብኡ ዝጸርፍ፣ ባህሉ ዝንዕቕ፣ ተስፋን ብልሕን ኣብ ፓሪስን ሎንዶንን ጥራይ ዘሎ ዝመስሎ ኮይኑ።

ሎሚ ባህልና ብሰንኪ እዞም ዘይባህላውያን ተዘሪጉ፣ ምምሓዳር ኣውራጃታትና ፈሪሱ፣ ሃይማኖታትና ተደፊሩ፣ ነንሕድሕድናን ጎረባብትናን ንነጫነጭ፣ ብሄራትና ይሓቓ፣ ኣለዋ። "ክብርኩት ከይብርኩት ኣብ ማይ ዘለዎ ንብጻሕ" ዝብል ምስላ ኣቦታትና ከም ዝገዝኣና ዘሎ ንርዳእዶ ኣሎና። ኣብ ዝሓልፈ ቓልሲ ኣስመራ እሞ ንእቶ ደሓር ክንረኣኤ ኢና ክበሃል ከሎ ኣይትዝክሩን? ሓደ ውድብ ወይ ክልተ ውድብ ወላ ዕስራ ውድብ ዋሕስ ማዕርነትና ኢዩ ዝበለ መን ኢዩ። ንሰብዓ ዓመት ተፈቲኑ ኣይፈሸልናንዶ ኮና? ሕጂ’ውን ተስፋ ምቑራጽ ዘይኮነ ከም ኣተናስኣ ፈረስ ክንትንስእ፣ ዘኽእለና ባህሊ ዓድናን ወረዳናን ኣውራጃናን ኢዩ። ኣብ ሪድዮን ኣብ ፊልምን ኣብ መደረ ፖሎቲከኛታት ሃገርና ንሰምዖን ንርእዮን ዘሎና፣ ክትግበሩ ዘይክእሉ ኣሃዛት እዮም። ኣብ ዕዳጋ፣ ክንዲ’ቲ ኣብ ኢድካ ዝሓዝካዮ ገንዘብ ኢኻ ትሽምት፣ ካብኡ ንላዕሊ ክትሽምት ኣይከኣልን ኢዩ። ባህግታትናን መደረታትናን ፖሎቲካዊ ዕላማታትና ምስ ቁጠባን ባህልን ሃገርን ክሳነ ኣለዎ። ን95% ገባርና ሃገርና፣ ዘሳትፍ ፖሎቲካ ንምረጽ ንሱ ድማ ልምዳዊ ፖሎቲካ ሃገርና ኢዩ። ንኣብነት፣ ሓንቲ ጓልኣንስተይቲ ሰብኽ ሳግም፣ መሰላን ባህጋን፣ ክትረክብ ኣብ ዉሽጢ ሕብረተሰባ ዘሎ ተዛሚዲ መሰላት ምስ ዝዕወት ኢዩ፣ ዋሕስነት ደስታን ዝህልዎን፣ ነዚ ድማ ትምህርትን ሰላማዊ መንባብሮን ስራሕን ጥራይ ኢዩ ዝወልዶ። ኣብ ኒዮርክ ይኹን ኣብ ሱዑዲ ትነብር ጓል ኣንስተይቲ ሂወታ ትመርሖ፣ ካብ ባህላን ካብ ቑጠባኣን ተብጊሳ ኢያ። ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣፍሪቓ ድማ ሂወታ ብባህላን ብቑጠባኣን ክትመርሖ ቲክኒካዊ ሓገዝ የድልያ። ነቲ ንሳ ትኾርዓሉ ባህሊ ክተድክምን፣ ክትነጽግን፣ ዝፍተን ወተሃደራዊ ዕንደራን፣ ፈልስታት ሕማቕ ባህልታትን ምትእትታውን፣ ናይ ታሪኽ ገበን ኢዩ።

ኣብ 1991 ዓም ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፣ ምስ ኣሕዋተን ኮይነን ነቲ ናይ ኩልና ጽምኢ ዝነበረ ነጻነት ምስ ኣረጋገጻ፣ ሕቶ መሰለን ከም እቲ ነሰን ዝብልኦ ኣብ ብሎኮ ኢዩ ተሪፉ። ብስም “ሃገራዊ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ሓፋሽ ውድብ ህግሓኤ” ዝፍለጥ ማሕበር፣ ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ክቃለስ ኣይተመረተን። ኣገልጋሊ መርሕነት ህግሓኤ ክኸውን ኢዩ ተመስሪቱ። ነጻነትን፣ መትከል የብሉን። ናይ ሓረስቶትን፣ ስራሕተኛታትን፣ ተምሃሮን፣ ዝበሃል ማሕበራዊ ውድባት’ውን ናይ ጭቆና መሳርሒ ኢየን።ንመሰል ህዝብና ሓንቲ መዓልቲ እኳ ተጣቢቆም ኣይፈልጡን።  ኣብ ግዜ ኲናትን፣ ኣብ ግዜ ጃምላዊ ምእሳርን፣ ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ ምስ መራሒና እናበሉ፣ ብልቢ ዋና ጻሕፊ ከም ዝኸዱ ሪኢና። ኣብ ጎቦታትን ጎደናታትን ከም ደቒ ሕድርትና ንዓመታት ዝኹብልላን ኣብ ባሕርን ምድረበዳን ዝጠፍኣን ደቕና፣፣ ኣይድንግጹሎምን። ካብ ኩሉ እተን ንደቀን ዝሑልን ዉዑይን፣ እናኣምረጽኦም፣ ንደቂ ካልኦት ኣብ ኲናት ከእትዋ ኣርሆታት ኮይነን ዘጣቕዓ፣ እዛ ሃገር ገንት እንተኾይና ዘይከድኣ ደኣ።

ደቒ ኣንስትዮ፣ ብባህሪኤን ኲናትን ዕግርግርን ኣይፈትዋን ኢየን። ኣብ ሃገርና ግና ብስንኪ እዚ ፋሺሽታዊ መንግስቲ፣ ባህርያት ህዝብና ተገማጢሉ ኢዩ ዘሎ። ክረምታዊ ማእቶት፣ ሓድሪ ቤት ትምህርቲ ሳዋ፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ኲናትን ወረ ኲናትን ንህዝብና ጽቡቕ እንታይ ምዃኑ ዘይፈልጥ ኢሰብኣዊ ዝኾነ ትግሪኛ ዝዛረብ ፋሺሽታዊ ሕብረተሰብ (ሬቦቲክ) ክፈጥር ይቓለስ ኣሎ። ኣዴታት ደቕና ንዝመት ኣሎና። ሎሚ ክተት ንበል። ጸረ እዚ እከይ ተግባር ብህጹጽ ክንትንስእ ይግባእ። ነቲ ኣፍቓሪ ልቢ ኣዴታት ዘጨክን፣ ንባህላዊ ክብርታትና ዝድምስስን፣ ስለ ዝኾነ ደቂ ኣንስትዮ ብቐዳምነት ደቕኽን ትዝመታ ስለ ዘሎኽን ኣእዊያ፣ ተለዓላ። መደብ ሳዋ፣ ንኲናትን ንዕግርግርን ንስርቕን ንዘይማዕርነት ዝዕድም ኢዩ። ንቓወሞ።

ፋሺሽታዊ ስርዓት ኣብ ኩሉ ዓለም ከም ዝረኢናዮ ዕምሪ ኣደን ህጻንን ዘሕጽር ኢዩ። ኣዴታት ብዘይ ሓዳር፣ ቆልዑ ብዘይ ኣደን ኣቦን ከም ኣብ እዚ ግዜ እዚ ብዝሒ ኣይተራእየን። ክሳብ መኣስ ደኣ ክትጻወርኦ ? ጸግዒ ባህልኽንን ታሪኽ ኣዴታትክንን ኣቦታትክንን ኮንክን ጥራይ ኢኽን ክትምክትኦ ትኽእላ፣ ተመቓቒልክን ቲፎዞ ውድባት ኮንክን ነዚ ስቓይ ክትዋጽኦኦ እእይኮንክንን። ስቓይ ጓል ዓሰርተ ብሄራትና፣ ስቓይ ናይ ሓንቲ ኣደ ምዃኑ ክትኣምና ይግባእ። ኣብ ባህላዊ ሂወትና ምፍልላይ ሃብቲ ኢዩ። ከም ዓሰርተ ዕንባባብ ዝተፈላለየ ኣብ ገዛ ክህልወካ ደስ ዝብለካ ከምኡ ድማ ንሕና ፍልልይና ደስ ይበለና። እዚ ኮሚኒስታዊ ትርፍርፍ ዲክታቶር ንእምነትናን ንመራሕቲ ሃይማኖታትናን ኣሲሩ ኢዩ። እስላማይ ጸረ እዚ ኮሚኒስቲ እንተተላዕለ ኣንጻር ክስታን ከም ዝተላዕለ ገይሮም ዝሰብኩ መሳርሒ ህግደፍ ኣለዉ። ብሄራትና እምነተንን፣ ህዝበንን፣ መሬተንን፣ ባህለንን፣ ይዕመጻ ስለ ዘለዋ እእንጻር እዚ ዓማጺ ክተት ስለ ዝበሉ፣ መሳርሒ ጎረባብትና ኮይኖም እንበልካ ሙውርዛይት ናይ ህግደፍ ፕሮፓጋንዳ ዝዝርግሑ መሳርሒ ከም ዘለዉ ኣይንዘንግዕ። ፖሎቲካውያን ውድባት በዚሔን እንበልካ ካብ ቓልሲ ክትሃድምን ንመስርሕ ደሞክራሲ ክትዓጽፍን፣ ዝልፍለፍ ናይ ተስፋ ዝቆረጹ ዘረባ ክንደናግረና የብሉን። ሓዊ እውን ብመጫሓር ምስ ትሕዞ ንረብሓኻ ተውዕሎ። ብኢድካ ምስ ትሕዞ ግን የንድደካን ኢዩ። ፖሎቲካና ድማ ብመጭሓር ባህላዊ ፖሎቲካ ሃገርና ክንሕዞ ኣሎና። ከም ኣቦታትና፣ ምክብባርን ነቲ ሰብ ከም ዘለዎ ምቕባልን ንፍቶ። ኩልና ከም ወተሃደር ሓደ ኪዳንን ሓደ ዓይነት ምቕምቓም ጸጉርን ደስ ክብለና የብሉ እዚ ትምህርቲ ዲክታቶራት ኢዩ።። ኣነ ዝኣምኖ ስለ ዘይትኣምን ጸላኢኤይ ኢኻ ዝብል ሕማቕ ባህሊ ኣብ ባህልና ሰሊኹ ንዘሎ ንወግዶ። ብሄራዊ ውደባ ድሑር ኢዩ፣ ብዓዲ ምሕሳብ ድሕረት ኢዩ፣ ሃይማኖተይ ሃይማኖትካ እይንበል ዝብሉና ግደ ሓቂ ኣበይ ድዮም ከንብሩና ? ስደት እኳ ቦታና ኣይኮነን። ብብሄርክን ብባህሊ ዓድን ወረዳን ኣውራጃን፣ ተመልሚልክን ንመሰልክን ክትቓለሳ፣ ንህዝብኽን ካብ ባርነት ክተልቕቓ ኩሉ ዉጹዕ ሃብና ይጽበየክን ኣሎ።  ከም እቲ ጥዕምቲ ሓምሊ ኣብ ክትራ ገዛና ትርከብ፣ ምፍትሒ ሽግርና’ውን ኣብ ክትራና ኣሎ። ሩሑቕ ኣይተማዕድዋ፣ ገዛ ኣዴኽንን ኣቦኽንን ፍተዋ፣ ኪዳን ሃገርክን ተኸደና፣ ንደቕና ባህሊ ኣቕምሳኦም፣ ደድሕሪኦም ኣይትኺዳ፣ ንሶም ደድሕረኽን ክኸዱ መሃረኦም። ፍቕሪ ምስ ሓዳርክን ምስ ጎርቤትክን ክትስንስን፣ ከም ኣዴታን ትሕትናን ጸሎትን ጾምን ልመዳ።  ንልመድ። “ሰበይቲ ትዋጋኣላ ንርስቲ” ከም ዝበሃል ክተታ። ሎሚ ንኣሕዋትክን ጽባሕ ንኣኽን ምኳኑ ኣይትዘንግዓ።

ነዚኣ መልእኽትና ክንውድእ ከሎና፣ ኣብ ሃገረ ጀርመን ነጻ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ንምምስራት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ኣብ ሃገር ጀርመን ተብጊሰን ከም ዘለዋ፣ ኣብ ፓል ቶክ ሰሚዕና፣ ሓጎስና ክንገልጸለን ደስ ይብለና። እዚ ማሕበር ክዓብን ክሕይልን፣ ንናጽነቱን ንመሰላቱን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከየእቱ ንላቦ። ኣምላኽ ይሓግዝክን። ሓምኤ ኣብ ጎንኽን ኣሎ።

ናይ ፖሎቲካን ሕልናንን እሱራትና ክፍትሑ፣ ብጥሜትን ብጭቖናን ዝደሃኽ ዘሎ ህዝብና ክነድሕኖም ደቂ ኣንስትዮ ሃገርና ተለዓላ። ኣምላኽ ንቓልስና ይሓግዘና፣ ንሃገርና ይባርኻ።

ንኡሱራትና ጽንዓትን ጥዕናን የውርደሎም። ኣሜን።

በዚ ኣድራሻ ተራኽቡና። This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

ግ.ኣ.ሽ ሓምላይ ምንቕስቓስ ኤርትራ፣ 10.10.2009

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...