ቅልውላው ሕርሲ፡ ንምውላድ ህጻን ኣበሲሩ፡ ንቃንዛን ስቅያትን ጓል-ማርያም ኣረሲዑ፡ ዓንቀር ኣዴታት ዕልልታ ዘጉስዕ ዒላ መበቆል ሕብረተ-ሰብ እዩ። ኮታ ዝነበረ መጻብቦ ቃንዛ-ስጋ ብቕጽበት መለኮት ሓጎስን ፍሰሃን ይወርሶ። ብላዕ-ስተ ድማ ይኸውን።

ፖለቲካዊ ቅልውላው'ከ፧ ፖለቲካዊ ቅልውላው ደኣ፡ እንተደኣ ዓቕሙን ክእለቱን ኣዋዲዱ ብትብዓት ነጺሁ ክመርሕ ዝኽእል ኣካል ዘይተረኺቡ፡ ኣብ መዋጽኦ ዘይብሉ ሰልሚ ሸኺሉ፡ ኣይንላዕሊ ኣይንታሕቲ ሓሊኹ፡ ኣይምዉት ኣይስሩር ገይሩ ኣብ ትልኽ የእትወካ። እዚ ዕጫዚ ንህዝቢ ኤርትራ ኣጋጢምዎ ይርከብ። ምኽንያቱ ዝሓለፈ ግጉይ ተመክሮኡ መዚኑ ናይ መሪሕ ሕቶ ዛጊት ክምልስ ኣይከኣለን።

ንህዝቢ ኤርትራ፡ ፖለቲካዊ ቅልውላው ካብ ዝሕምሶ መዋእል ኣቑጺሩ፡ እንተተበሃለ ቃል ኣጋንኖ ኣይኮነን። ታሪኹ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ካብ ጥንቲ ከም ህዝቢ ለባማትን ምሁራትን ኣይነበርዎን ወይ'ውን የብሉን ክትብል ኣጸጋሚ እዩ። እቶም ናይ ቀደም ዝነበሩ ለባማት ዓዲታቶም ከመሓድርሉ ዝኽእሉ ሕግታት ተኺሎም ብባይቶ ህዝቦም የመሓድሩ ከምዝነበሩ ተወሊድና ዝዓበናሉ እንምስክሮ ሓቂ እዩ። ምዕብልና ሕብረተ-ሰብ ዓለም ካብ ዓዲታት ወጺኡ ከተማዊ መነባብሮኡ እናተኾለዐ ኣብ ዝሕምበበሉ እዋን ግን፡ ልቦና ኤርትራውያን እናተሸራረፈ ሓቒቑን ተበቲኑን፡ ጥሙር ማሕበራዊ መነባብሮኡ ክመርሓሉ ኣብ ዘይክእለሉ እዋን ብጺሑ ይርከብ።

መበገስየይ ኣስፊለ፡ ንሓርበኛ መምህር ተስፉ ዘውደ "እንቋዕ ኣብ ከምዚ ኣብቅዓካ" ክብል ባህ ይብለኒ። ነቶም ዝተረፉ ከምቲ ናትካ ሃብታም ተመኩሮ ዘለዎምሞ ኣጽቂጦም ዘለዉ መሽቀቕካ  እንተኣለቃሕካዮም ኣይትጽላእ። ቅቡር ተመክሮ ክሳብ ዝቕላዕ፡ ውርደት ህዝቢ ኤርትራ ንፍቶ ንጽላእ ቀጻሊ እዩ። ክሳብ ሎሚ ኣበይ ጸኒሑ፧ ዝብሉ ዕቡያት ውርጹጻት ዝወራዘዩ ኣይሰኣኑን። ጊዜ ምስ-ምስ እናተጻበበ ይኸይድ ብምህላዉ ብሕልናኦም ክፍረዱ እዮም። ኣብ ዘይወዓሎ መስተንክር ብቀልወጠን ዝህውትት ወዳቒ እዩሞ፡ ኣጀኻ ዝሓለፈ ግዕዙይ ተመኩሮ ከም ሓድሽ ዓለባ ቀዲድካ፡ ጻልጣ ታሪኽ ጀጋኑ ጀባ ብምባልካ፡ ንሕልናኻ ቅሳነት፡ ንሓድሽ ወለዶ ከኣ ቅያ ወለዶም ከመይ ከም ዝነበረ ክትነስዖም ከለኻ ዓብይ ጸጋ ትንሳኤ ሕልና እዩ። እቶም ዝተረፉ ከኣ ከማኻ የማስሎም። ካብ ፍርሒ ጽላለት ኢሰያስ ኣዋጽኦ ይስረዓሎም!!

ክቡራት ተኸታተልቲ መፍተል ሓበረታ ከመይ ኣለኹም!! ሰላም ንኹልኹም!!! ንነዊሕ እዋን ኣብ መፍተል ሓበረታ ወስ-ወስ ካብ ምባል ዛሕቲለ ጸኒሐ። ምኽንያቱ እቲ ኩነታትና ናተሓደሰ ክንዲ ዝኸይድስ፡ ዝበለየ ምድግጋም ስለዝበዝሖ እየ።

ክቡራት ተኸታተልቲ መፍተል ሓበረታ፡ ጌጋታት ከይተኣረመ እንተደኣ ተደጋጊሙ ንህላውነት ሓደ ሕብረተሰብ ኣስጋኢ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኣርብዓታት ጀሚሩ ዛጊት ኡፎይታ ማሕበራዊ መነባብሮ ኣይረኸበን። ባዕዳውያን መዝመዝቲ ንረብሓኦም ክብሉ ኣራግጽ እንተኣጥፍእዎ ኣይተሓዞምን'ዩ፡ ምኽንያቱ ዕላማኦም ብምዃኑ።

ካብ ኣርብዓታት ዝጀመረ ፖለቲካዊ ቅልውላው ህዝቢ ኤርትራ፡ ዛጊት ተፈዊሱ መዕለቢ ስለዘይረኸበ፡ ዘበን መጸ መባእታኡ እናኣሐደሰ ንህዝብና ይጸጽዮ ኣሎ። ሓላፍነት ናይዚ ሕሰምዚ ዝስከሙ ከኣ፡ እቶም ቁሩብ  ቁራቦ ትምህርቲ ዝጎሰሙ ብቐረጽ ድኻ ህዝቢ ዝተመሃሩ እዮም። ምኽንያቱ ዝነበረን ዘሎን ኣተሓናፊጾም ንህሉው ኩነታት ክመርሕ ዝኽእል ኣካል ክመርጹ ከረድኡን ክምህሩን ኣይበቕዑን። ብመንጽሩ ነንሕድሕዶም ክነዓዓቑን ክረሓሓቑን ክጸላለሙን ዝመረጹ፡ ብዛዕባ ዘምሃሮም ህዝቢ ዘይስቆሮም፡ ገለ ከኣ መሳርሒ ኢደወነናውያን ክኾኑ ዝተዓጠቑ እዮም። ከምኡውን እቶም ኣንጊሆም ዝተሰደዱ ኣብ ስርዓተ-ሕጊ ዝነገሰሉ ብሰላማዊ መንገዲ መሰሎም ተሓልዩሎም ዝነብሩ ዘለው ኮነ፡ እቲ ኣብ ከተማታት ዝነብር ህዝቢ፡ ደጉሒ ምዕብልና ዝረኣየ ጥዑም መነባብሮ ዘስተማቐረ'ውን ካብዚኣቶም ነጺልካ ዝረአ ኣይኮነን። ሕልሚ ፈሪሕካ ከይደቀስካ ኣይሕደርን። ደጋጊመ ከትክለሉ ዝደለኹ ኩሉውን ከቕልበሉ ዘለዎ፡ ቀንዲ መራሕቲ ጥፍኣት ህዝቢ ኤርትራ እዞም "ተማሂርና" በሃልትን ኣብ ስደት ኣብ ዝተደላደለ ናብራ ዝነብር ዘሎ ህዝብን እዮም። "ህዝብና ሕማቕ እዩ፡ ደቁ ኣሲሩ ንበላዒ ዝህብ እዩ" ካብ ዝብሉ ሓደ ኣነ እየ። ህዝቢ ክበሃል ከሎ'ኮ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ኮነ ኣብ ስደት ዘሎ ብጅምላ ማለት እዩ። ስለዚ፡ እዚ ኣብ ስደት ኣብ ዓዲ ራህዋ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ መግለጺ ናይዚ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ እዩ። ተጋደልቲ ክበሃል እንከሎውን፡ ንዝተሰወኡን ንዘይተሰወኡን ዘጠቓልል እዩ። እዞም ሎሚ ንህዝቢ ኤርትራ ዳርትርኢት ዘርእይዎ ዘለዉ፡ መግለጺ ናይቶም ዝተሰወኡ ምዃኖም ዘይምዝንጋዕ። ስዉኣት ግን ስለዝሓለፉ ኣይክሰሱን፡፡

ካብቲ ዘስደምም ነገር፡ ካብ ዝሓለፈ ጌጋታቶም ዘይመሃሩ ንኢደወነናዊ ሃብሮማይ ፕረሲደንት ኣቶ ኢሰያስ ምስ ጭፍራኡ ኣብ ጎድኑ ኮይኖም ዘጣቕዑ ዘለዉ ደቂ ከበሳ እዮም እናበሉ ዓጀውጀው ክብሉ ክትሰምዕ ከለኻ እዩ። ተቓሊስናስ ተዋዲቕና እዩ ነገሩ። ኣብ ስደት ዝተመጣጠነ ቁጽሪ ኤርትራውያን ኣሎ። ኣብ ዝግበር ሰላማዊ ሰልፊ ጸረ-ምልካዊ ጭፍጨፋ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክትሪኢ እንከለኻ ግን፡ ካብቶም ከሰስቲ በጻብዕቲ ዝቑጸሩ እዮም ዝሳተፉ። ሓቂ'ዶ ሓሶት??? ክኢላ ናፖልዮን ንፈጣሪኡ ክልምኖ እንከሎ "ንጸላእተይ ባዕለይ ክከላኸሎም ይኽእል እየ፡ ፈተውተይ ተመሲሎም ካብ ዘጥቕዑኒ ጥራሕ ተኸላኸለለይ" ነቶም ብግሉጽ ዘጣቕዕሉ ክትምክቶም ቀሊል እዩ። እቶም ተሓቢኦም ዘሽከርክሩ እዮም ቀንዲ ዕጡቓት መንደለሓቕቲ። ክንዲዝኾነ ከኣ፡ ምልኪ ኢሰያስ እናኣቑጸልጸለ መጺኡ።

ንምልኪ ኢደወነናዊ ሃብሮማይ ንምቑጻይ ዛጊት ንጹር ፖለቲካዊ፡ ወተሃደራዊ፡ ጸጥታዊ ወዘተ ክሳዳዊ-ቅዲ(strategy)ኣይተሓንጸጸን። ንጹር ክሳዳዊ ምንቅስቓስ ዘለዎ ሓይሊ የለን።  ወጮ እንተገልበጥካዮ ወጮ እዩ። ኣስማት ምቅይያር ትርጉም የብሉን። ኢሰያስ ተቐይሩ ህግደፍ እንተቐጺሉ ዘምጽኦ ለውጢ የለን። እቶም ተቓወምቲ'ውን ኣስማት እንተቐያየሩ ዘምጽእዎ ለውጢ የለን። መራሕቲ ተቓወምቲ ሓይልታት ክምድሩ ከለዉ "ህዝቢ ምስላፍ ኣብዩ፡ ካብዘን ኩለን ተቓወምቲ ጉጅለታት ተመስለኪ/ካ ኣይተሳእነትን ክትቃለሱ ስለዘይደለኹም እምበር" እናበሉ ሃለውለው ክብሉ ትሰምዕ። ዘይብቕዓቶም ካብ ብገዛእ ቃላቶም ዘንጽልዎ ክትመሃር ይከኣል። ብቑዕ መራሒ ክሳዳዊ ቅዲታቱ ንህዝቢ እናገለጸ ሰዓብቲ የጥሪ። ናብቲ ኪዱ ናብዚ ምጹ እናበለ ዓጀውጀው ኣይብልን። ቅልውላው ዘይንጹር መምርሒ እንተደኣ ሃልዩካ ግን ናይ ግድን እዩ ናብዚ ናብቲ እናበልካ ወልደፍደፍ ክብሃል።

ፖለቲካዊ ቅልውላው ንውልቀታት ጥራሕ ዘይኮነስ ንጉጅለታት ኮነ ውድባት ኢና በሃልቲ ከይተረፈ ኣማሲኑ ዘሳቒ ዘሎ ዘይተፈወሰ ሕዱር ሕማም ኤርትራውያን እዩ። ነዚ ሕማምዚ ንምፍዋስ ገለ ገለ ኣካላት ክጽሕፉን ክዛረቡን ይረኣዩን ይስመዑን እዮም። እንተኾነ ግን ከምቲ ዝነቐልዎ ቀጻልነት ኣየርእዩን። ኣብ መንገዲ ተዓንቂፎም ናብ ዘየድሊ የላግሱ። ገለ ገለ'ውን ምስቶም ንምድንጋር ዝተዓጠቑ ኣብጸጽባሕ ኣስማቶም ዝቐያይሩ ጉጅለታት ተመሓዝዮም፡ ሃገራዊ ዋዕላ እናበሉ ምቁር ቃላት ዝንስንሱ ኣይተሰኣኑን። እዚኣቶም'ውን ክስጉሙ ኣይተረኣዩን።

ሓንቲ ነገር ዘይተፈተነት ተሪፋትና ዘላ፡ ከምቶም ዝሓለፉ ኣቦታትና ኣብ ዓዲታቶም ተኣኪቦም ሕጊ-ዓዲታት ምስ ነደቁ ናብ ወረዳትት ኮነ ኣውራጃታት ተሳጊሮም ለባማት መሪጾም ተወሃሂዶም ማእከለይ ሕጊ ዓደቦ ዝመስረቱ፤ ንሕናውን ኣሰር ኣቦታትና ተኸቲልና ኣብዘዘለናዮ ሃገራት ኮነ ከተማታት ኣኼባታት ጸዊዕና ፍታሕ ንድለ። ዝተኣከበ ህዝቢ ፍታሕ ከምጽእ ይኽእል እዩ። ኣብ ምሉእ ዓለም ተዘሪእና ዘለና፡ ብኣኼባታት መልክዕ እንተደኣ ወወከልትና መሪጽና፡ ተኣኪብካ ብምዝታይ ኣብ ሓደ ፍታሕ ክብጻሕ ይከእል እዩ። ኣብ ወጻኢ ዘሎ ህዝቢ እንተደኣ ክወሃሃድ ክኢሉ፡ ምስ'ቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ሓመደ-ድፋጫኡ ዝሰቲ ዘሎ ምቃል መሰንገለና፡ ብዝቐለለ መንገዲ ክንሰማማዕ  ዘይከአለሉ ምኽንያት የለን።

"ሰብኡትን ይቕደዱ ከም ለቖታ፤ እዛ ማእምን ተራእዩዋ ስሓቕ መይታ" ክብሉ ከለዉ ኣቦታትና ስቕ ኢሎም ኣይኮኑን። ከምዚ ሎሚ ንሕና ንገብሮ ዘለና ኣነዋሪ ነገራት እናተፈጸመ ርእየን ዝስሕቃ ምስ ረኣዩ እዮም፡ ከምዚ ክብሉ ዝኸኣሉ። እቲ ንሃገርና ዝሕምስ ዘሎ ምልኪ ኢሰያስ፡ ነቶም ተቓሊሶም ዘቃለሱ "መብጽዓ ህዝብና ኣይንጥለም ብግዝኣተ-ሕጊ ንመራሕ" ዝበሉ፡ብክሕደት ሃገር ከሲሱ፡ ንዓመታት ናብ ቤት-ፍርዲ ከየቕረበ፡ ንስነ-ኣእሮኣዊ ይኹን ኣካላዊ ስቅያት ኣሳጢሕዎም ክንሱ እውን እኮ ስቕ ኢልና ኢና። ነዚ ቅኑዕ ሕቶ ዘቃልዑ ጋዘጠይናታት'ውን፡ ምስኣቶም ሓዊሱ ዛጊት መዓልቦኦም ኣይተፈለጠን። እቶም ተጨውዮም ዝተኣሰሩ ኮነ በብሓደ ዝእሰሩስ መሬት ትንገረሎም። ሸሞንተ(8) ዓመታት ዝኣክል ንስለ ፍትሓዊ መሰላት ብጅምላ ዝተኣሰሩ ሓርበኛታት ዛጊት ደሃዮም ዘይፈልጥናስ፡ ብጅግንነት ንነብስና እናተነኣኣድና ክንጸዋዋዕ ሃየንታ እዩ። ኢሰያስ ምስ ጭፍራኡ ዝፍጽምዎ ዘለዉ ህልቂት ህዝቢ ኮነ እቶም ንቃወም ኣለና እናበሉ ክላፈኑን ክፋትሑን ዘየጉህዮም ኣካላት ዝፍጽምዎ ዘለዉ በደል ብወዝቢ ኣይኮነን። ብተመልከተለይ ዝፍጸም ዘሎ፡ ኣብ ህልኽ፤ ቂምን ቅርሕንትን፡ ምንዕዓቕ ዘትከለ እዩ። ስለዚ ነዚታት ንኽንፍውስ ኣብ ዘዘለናዮ ከተማታት ኮነ ሃገራት ኣኼባ ጸዊዕና ወከልቲ መሪጽና ህዝብን ሃገር ነድሕን።

ገብረሂወት ወልደሚካኤል
2009-10-02 ስቶክሆልም


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...