ንምዃኑ ዓሊ ሳሊም መን ምዃኑ ምፍላጡኸ ኣድላዪ ድዩ፧

ዓሊ ሳሊም መን ምዃኑ ክፈልጥዎ ዝደልዩ ብዙሓት ኢዮም።ዝፈልጥዎ ግን ካብ ጋንታ ዓዋተ ወጻኢ ካልኦት ዘሎዉ ኣይመስለንን። ምፍላጡ እንተኣድለየ'ውን ዓዋተ ንዓሊ ሳሊም መን ምዃኑ ክገልጽዎ ዝደልዩ ኣይመስለንን። ኣነ'ውን ብወገንይ ዓሊ ሳሊም መን ምዃኑ ምፍላጥ ኣድልዪ ኮይኑ ኣይስምዓንን። እዚ መበልየይ ከኣ "እቲ ቁም-ነገር ኣብቲ ልኡኽ ዘይኮነስ ኣብቲ መልእኽቲ ኢዩ" ኢለ ስለዝኣምን ኢየ። ማለት ካብ ናይ ዓሊ መንነት ንላዕሊ ንዓይ ዘገድሰኒ እቲ ናይ መልእኽታቱ ትሕዝቶታት እዩ።

ንዓሊ ሳሊም በቲ ኣነን ብዙሓት ከማይ ኤርትራውያን ብዝርድኣና ቛንቛ እንግሊዚኛ ምጽሓፉ ከመስግኖ እፈቱ። ናይ ዓሊ ሳሊም ቃላቱ መሪር ይኹን እምበር ከተሓላልፎ ዝደለዮ መልእኽቲ ብቀሊሉ ተረዲኡኒ። ናይ ጋንታ ዓዋተ ኣብዚ ጉዳይዚ ግደ እውን ንዓሊ መድረኽ ምፍቃዶም፡ ነቲ መልእኽቱ ይሰማምዕሉ ኣይሰማምዑሉ ብዘየገድስ፡ ከም ገሊኦም ዝብልዎ ነገር ምንብድባድ ዘይኮነስ፡ ናይ ንጡፍ ጋዜጠኛ ስራሕ ኮይኑ ይስመዓኒ።

ካብዚ ሓሊፈ ከምዚ ናይ ዓሊ ሳሊም ሕሉፍ ኣቀራርባ ኣይኹን እምበር ብገለ ካብቶም ናይ ዓረብኛ ተዛረብቲ ኣሕዋትና ኣብ ወብሳይታቶምን ካልእ መራኸቢኦምን (ከም Eritrean Arabic Paltak መሳሊ)፣ ብዓረብኛ ዝጸሓፍን ዝዝረብን፣  ከምቲ ናቱ መሳሊ ቅሬታታት ከም ዘሎ ይስማዕ እዩ። ብወገነይ ብዝርዝር ናይ ቅሬታኦም ኣንቢበ ወይ ሰሚዐ ኣይፈልጥን። በዚ ምኽንያት እዚ ከኣ ኢየ ናይ ዓሊ ሳሊም ዋላ ኣቃራርብኡ ዕረ እናጠዓመኒ ነቲ መልእኽቱ ምእንቲ ክፈልጦ ኢለ ዘንብቦ። ካብ'ዚ ሓሊፉውን፣ ናይ'ቶም ዝበዝሑ ካልኦት ኣሕዋትና ስምዒት ኣብ ክንዲ ብድብድቡ ብዝርዝር፡ ነቲ ክፈልጥን ክርድኦምን ዝደሊ ካልእ ህዝቦም ብዝመልኮ ቛንቛ እንተዝገልጹሉ ዝበለጸ ምኾነ ነይሩ።

"ተበዲለ እየ" ዝብል ሓውኻ ብቐጥታ ጸዊዑ ብክልቴኻ እትረዳድኣሉ ቛንቛ፡ በዝን ብኸምዝን መገዲ በዲልካኒ ኣሎኻ ከይበለካ፡ ተቐይሙካ ኮርዩ ተታፋኒንካ ክትነብር ጽቡቕ ኣይኮነን። እቲ ነገር ካብ ተዓቢጡ ዝምሽምሽ፡ እሞ ናብ ዘየድሊ መገዲ ምእንቲ ከየምርሕ፡ ለባምን ክኢላን መንጎኛ ተረኺቡ እቲ ዘይትፈልጦ እንተፍለጠካ ሰናይ ኢዩ። ንዓሊ ሳሊም ብዛዕባ ናይቲ ኣናጋግርኡ ብልሓትን ክንሰምዖም ዘይንደሊ ሓይለ-ቃላት ብብዝሓትን ብተዳጋጋምን ምዝውታሩን ሸለል ኢልና፣ እታ ብዝርድኣና ቋንቋ ጌይሩ ናይ ምትሕልላፉ መንፈስ እንተወሲድና፡ ንኸምዚ ከማይ ዝመሰሉ ኤርትራውያን ከምንፈልጥን ክንመራመርን ስለዝገበረና፡ ኣነ ብወገነይ ከም ዓቢ ትምህርቲ ጌረ እየ ዝወስዶ። ከምኡ'ውን እቲ ስሚዒታዊ ቃላቱ ቀንጢጥካ፡ እቲ ዝተጻሕፈ መልእኽታት ቀሊል ስለዘይኮነ "ፍልጠት ሓይሊ እዩ" ከም ዝበሃል፡ እቶም ሰላምን ጽቡቕ ምዕባለን ናይ ኤርትራ ዝምነዩ ብዝከኣሎም መጠን "ስብሓት ዝመጸካ ኣይትስሓት" ከም ዝበሃል፡ ብስሚዒታዊ ዘይኮነስ፡ ብዝግባእ ብትዕግስቲ ክሓስብሉ ደኣምበር ሻላ ከይርእዩዎ ዘዛኻኽር'ውን እዩ።

ካብዚ ቀጺለ'ውን፣ ነቶም ከምዚ ናይ ዓሊ ሳሊም ዝመሰለ ትሕዝቶታት ብዓረብኛ ዝጽሕፉ ወይ ኣብ ፓልቶክ ዝዛረቡ፣ ነቲ ወገንኩም እየ፣ ክፋልኩም እየ ዝብለኩም፣ ንኣብነት ዓረብኛ ዘይርድኦ ህዝብኹም ኣይተጓንይዎ፣ ስሚዓትኩም ከምዝፈልጥ ደኣ ግበርዎ ምበልኩዎም። እቲ ከምዚ ዓሊ ዝጠቐሶ ዝመሰለ ንኹሉ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ብጅምላ ዝውንጅል ክሲታት ጠቓምነቱ ኣይርድኣንን። ይኹንምበር ዝኽስስ ክሱ ከሰምዕ፡ እቲ ዝተኽሰስ ከኣ ክርዳእን ከረድእን፣ እሞ እቲ ብቐሊሉ ክፍጠር ዝኽእል ዘይምርድዳኣት መፍትሒ ምእንቲ ሓቢርካ ክድለየሉ፤ ንበይንኻ ኮንካ ዘይኮነስ፣ ሓቢርካ ኣብ ክፉት ባይቶ ኮፍ ኢልካ ዝዝተየሉ መገዲ ምድላይዶ ኣይምሓሸን፧ ምበልኩዎም። ኣቦታትና ክምስሉ "ተመሊስካ ትረድኦስ ሓዲግካዮ ኣይትእቶ" ይብሉ። ስለዚ ኣሕዋት ስለዝኾናስ፡ እሞ ከኣ ሓቢርና ሓንቲ ሃገር ክንሃንጽ ጥራይ ዘይኮነስ ንኹሉ ህዝብና ብዘይኣፋላላይ ነቲ ሓሪሙዎ ዘሎ ሰላምን ምዕባለን ንምነየሉ ካብኮንና፣ ካብ ሓቢርካ ምልዛብን ምምያጥን ዝሓሸ መገዲ ዘሎ ኣይመስለንን። ኣሽንኳይዶ ሓቢሩ ዝነብር ህዝቢስ፣ ሓቢሮም ኣብ ዝነብሩ ሓደ ስድራቤት'ኳ ዘይምርድዳእ ክፍጠር ንቡር እዩ። ንከምቲ ዝተባህለ ዘይምርድዳእን ቅርሕንትን ሰላማዊን ዘተኣማምንን መፍትሒ ዝርከበሉ ግን፡ ካብ ኢንተርነት ፍልይ ዝበለ ወግዕን ከምኡ'ውን ምቹእ ግዜን ቦታን ኢዩ ዘድልዮ ምበልኩዎም።

ንምዃኑ እዞም ኣብ ዲያስፖራ ዘሎና ከም ብዓል ዓሊ ሳሊም ብኢንተርነት ኮነ ብፓልቶክ በዚ ግዜ'ዚ ዝወከለና ዘይብልና ካብቲ ናይ ብሕትና ስምዒታትን ተመክሮን ተላዒልና፡ ነቲ ኣቕዋምና ናይ ሰፊሕ ህዝቢ ከነምስሎ፡ ነቲ ዛጊት ተረቢሹ ዘሎ ህዝብና ከነሻቕል፡ እንተዘይኮይኑስ እንታይ ነፍርዮ ቁም-ነገር'ከ ኣሎ ኢዩ፧ እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን፡ በዚ መገዲ'ዚ ተመሪሕና ሃገር ክንሃንጽ ከምዘይንኽእል ዘይምፍላጥና ኢዩ። ንሓደ ዓቢ ድንድል፡ ዝኾነ መሃይም ብደቓይቕ ብትን ከብሎ ይኽእል ኢዩ፡ ንምስርሑ ግን ብዙሓት ሰብ ሞያ፣ ብዙሕ ሃብቲ ከምኡ'ውን ነዊሕ ግዜ ከምዝሓትት ፍሉጥ እዩ። እቶም ብኣምላኽ ናይ ዘረባን ናይ ምጽሓፍን ተውህቦ ዝተዓደሉ፣ ወይ ተማሂሮም ፍልጠት ዝደለቡ፣ እቲ ተውህቦኦም ክንዲ ኣብ ሃሳዪን ፈላላዪን መዓላ፣ ኣቦታትና ዝሃነጽዎ ድንድል ኣብ ምፍራስ ዘውዕልዎ፣ ናብ ሃናጺ ተግባራት፣ ማለት  ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ድንድል ኣብ ምስራሕ እንተዝውዕልዎ ቅዱስ ተግባር ምኾነ።

ገለ ካብቲ ብዙሕ ሽግራት ሃገርና፣ እቶም ብዕድል ካብ መግዛእቲ ደርግ ተሪፎም ዝነበሩ ዓበይትናን መራሕቲ ሃይማኖታትናን፣ ሃገር ኣብ ምህናጽን ህዝቢ ኣብ ምውህሃድን ንኽሕግዙና ገና ከይተጠቐምናሎም እንከሎና፣ ኣፎም ብህግደፍ ምስተለጐሙ፣ በብሓደ ይጸንቱ ምህላዎም ኢዩ። ስለዚ ሃገርና ብርቱዕ ናይ ንዋይ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ናይ ለባማትን ሽማግለታትን ድኽነት'ውን የጥቅዓ ምህላዉ የሕዝን። እምበር ከም ባህልና እንተዝኸውንሲ፣ ተወጺዔ ኣለኹ ዝብል ወገን ምስዝህሉ፡ ነቲ ወጽዕኡ ብምስትውዓልን ብዘይሻራን ብዘይምንዓቕን ርእዮም መርሚሮም ዝሽምግሉን፣ ከምኡ'ውን እቲ ገበን ሓቂ እንተኾይኑ፣ ዓገብ ዝብሉሉን ናይ ሽማግለታት ኣካል ብቐሊሉ ምተሓወሶ ኔሩ። ሕጂ ግን ብዕድልና ይኹን ብስንፍናና፡ ብዙሕ መስዋእቲ ድሕሪ ምኽፋልና፡ እንሆ በቲ ሓደ ወገን ሓርነትና በቲ ካልኣይ ከኣ ሃብታም ናይ ሽምግልና ባህልና፣ ህግደፍ ኮነ ኢሎም ኣግዲፎምና። ከም ድላዮም ኮይንሎም ከኣ፣ ኣብ ውሽጥና ምናልባት ብቐሊሉ ክፍታሕ ዝኽእል ዝነበረ ካልኣዊ ዘይምርርዳእ፣ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዑ ከይስዕርርን ከይጎተናን ንብዙሓት ለባማት የሰክፍ ኣሎ።

ከም'ዚ ንኸይከውን፣ እሞ እቲ ውሱን ዓቕምና ከይተኸፋፈለ፣ ኣስተርሒና ብሓባር ኣብቲ ቀዳማይ ጸላኢና ምእንቲ ከነተኵር፣ ባዕላትና እቲ ክመጽእ ዝኽእል ሳዕቤናት እናገምገምና፣ ኣብ ክንዲ ነንሕድሕድና ምክሳስ፡ ኣብቲ ሃናጽን ሓቛቛፍን ተግባራት እንተነተኵር ምተመርጸ። በዚ ኮነ በቲ ምውግሑ ኣይክተርፎን ኢዩ። ክሳብ እቲ ኣድላዪን ምቹእን  ሃዋህው ዝፍጠር ግን፡ እቲ ጉዳይ በቶም ዘይተወከሉ ኣኽረርቲ ተጨውዩ ኣብ ዘየድሊ መገዲ ከይውሰድ፡ ብዝተኻእለ መጠን በቶም ኣብ ዲያስፖራ ክህልዉና ዝኽእሉ ኣቕዋማት ከምኡ'ውን በቶም ዘለዉና ዓበይትን ለባማትን ምሁራትን እንተዝርአ ምሓሸ እብል። ኣብዚ ግዜ እዚ ኢዩ እምበኣር፡ ኣድላዪነት ሲቪካውያን ማሕበራትና ዝጥለብ። እዘን ማሕበራት እዚኣተን ብኣቃዋውመአን ይኹን ብስርሐን፣ ናይ ሰላማዊን ናይ መሰል ወዲ ሰብ ሕግታትን ተግባራትን ንምስላጥ ኢየን ተመስሪተን። ነዚ ንዛረበሉ ዘሎና ጉዳይ እውን፣ ሓቢረን፣ ከምኡ'ውን ካብ ደገ ዓበይትን ክኢላታትን ወሲኸን፣ ከጽንዐኦ፣ ነቲ ኣብ መንጎ ህዝቢ ክፍጠር ዝኽእል ዘይምርድዳእ ከኣ፣ ኣብ ምዝሓልን ምሽምጋልን ሓጋዚ ግደ ከበርክታ ይኽእላ እየን ዝብል እምነት ኣሎኒ። እዚ ንኽገብራ'ውን ሓላፍነተን ብዝቐልጠፈ ግዜ ክስከማ ክጅምራ ዘሎወን ይመስለኒ።

በቲ ሓደ ወግን ከኣ፣ እዘን ሲቪካውያን ማሕበራት፡ ነዚ ንምትግባር ተኽእሎአን ኣዝየን ምእንቲ ክድልባ፣ ኩላትና ብሃገርና እንግደስ፣ በብዓቕምና ኣብ ዘዘሎናዮ ቦታ መምስዝመስላና ማሕበራት ብምጽንባር፣ ብሓሳብን ብግብርን ብምትሕብባር ዝከኣለና ሓገዝ ክንውፊ ናይ ነፍሲ-ወከፍና ግቡእ ምዃኑ ኣይንረስዕ። እተን ማሕበራት ከናድያና ኣይንጸበ፣ ባዕላትና ኣበይ ኣሎኽን እንታይከ ክንሕግዝ ክንብለን ሓላፍነትና ምዃኑ'ውን ኣይንረስዕ። ነንበይንኻ ኮንካ ዝግበር ከምዘየለ ንዘክር። ኹላትና ሓቢርና ወገንን ሃይማኖትን ዓሌትን ከይፈለና እንተዘይዘቲናሉ፡ ነቲ ጉዳይ ሕጂ'ውን ኣፈኛታት ሕጂውን ከም ድላዮም ክምዝምዝዎ ኢዮም፡፡

በዚ ኣጋጣሚ ንኹሎም ኣመንቲ እስልምና ኣሕዋትና ርሑስ ናይ ሰላምን ምርድዳእን ፍቕርን ዒድ ኣልፈጥር ክገብረሎም እምነ።

ብርሃነ ገ/ንጉስ  


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...