መብዛሕትኦም ብጾቱን ደቅዓዱን መሳርሕቱን፡ ከም ጋዜጠኛ ዘይኮነ በቲ ዘይጽገብ ዒላሉን መስሓቕ ጭርቃናትንዮም ዝዝክርዎ። በዐል ቤቱን ወላዲ ኣቡኡን ከይተረፈ ክሳብ ሕጅዮም ክዝክርዎ እንከለው ክርትም ኢሎም ዝስሕቁ። ኣብ ሞያ ጋዜጠኛውን ኣዝዩ ንጡፍን ድምጺ ህዝቢ ብምኹዋን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናውን ሃገራውን ጉዳያት ብዙሕ ዘበርከተ ፍሉጥ መንእሰይ ናጻ ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛዩ ነይሩ ኣብ ክፍላ መጋቢት 2003 ብኣባላት ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ተባሂሎም ብዝፍለጡ ዓፈንቲ ካብ ገዝኡ ተጨውዩ ናብ ማሕቡስ ክድረበ እንከሎ።መንግስትን ኣኽባር ሕግን ቅድሚ 2023 ፈጺሙ ኣይፍታሕንዩ ክብሉ ዝገለጽዎ እዚ እሱር ናይ ሕልናን ሞያን ኣብ ከተማ ሲየጎ ዲ ኣቪላ ኣብ ቤት ቀይዲ ሞሮን ዲ ሙኒሲፓል፡ነቲ ነዊሕን መሪርን ጎደና ማእሰርትን ጽምዋን ተታሓሒዝዎ ኣሎ ምስ ብዙሓት ካሎኦት ግዳያት ምልክን ፋሽስትነትን ዝኾኑ ደቂ ሃገሩ።

ኣንባባይ፤ብዛዒባ ሓደ ጋዜጠኛን እሱርን ዝኾነ ሰብን ጽንዓትን ቃልሲ ስድራቤቱን ኣመልኪተ ገለ ክብለኩም ስለዝደለኹየሞ ምክትታልኩም ይሓትት። እዚ ጋዜጠኛን እሱር ናይሕልናን ዝኾነ ሰብ፤ተወላዲ ሃገረ ኩባ ኮይኑ ፓብሎ ፓቼኮ ኣቪላ ይባሃል። ኣብ ክሊ ኣርባዓታት ዝርከብ መንእሰይ ጋዜጠኛ ኩባ ፓቼኮ፡ ኣብ 2003 ብኣባላት ጸጥታታሃገር ታዓፊኑ ክውሰድን እንክሎ፡ባዓል ሓዳርን ጂሚ ኢሉ ሽም ዘውጽኣሉ ወዲ ሹድሽተ ወርሒ ውላዱን ብዐል ቤቱን ገዲፉዩ ነይሩ። እቲ ንኣስታት ፍርቂ ሚእቲ ዓመት ኣብ ኩባን ህዝባን ተኾዲጩ፡ብዝተፈላለየ መገዲ ንቃልስን ፍትሓዊ ሕቶ ኩባውያንን ኣብ ምጭፍላቕ ዝርከብ ዘሎ መንግስቲ ፊደል ካስትሮን ሓዉ ራውል ካስትሮን፤ ንጋዜጠኛ ፓቼኮ ብክሕደትዶ ሃገራዊ ድሕነትዶ ጸጥታዶ፡ሓድነትዶ ብዝብል ፈጺሙ መሰረት ዘይብሉ ክሲ ን20 ዓመት ክፈርዶ ብዙሕ ኣይተጸገመን። ከም ኩሎም ውልቀመላኽቲ ጨኮንቲ ስርዓታት፡ዝሓቶን ዝጻባጸቦን ዘይብሉ መግዛእቲ ካስትሮ፤ ንፓቼኮን ካሎኦት ኣሽሓት እሱራትን ከም ሰብ ፍጡራት፡ኣምላኽ ዘይኮነ ከም ጉኡዝ ኣቅሓ ወይ ከም እንሰሳ ስለዝርእዮም፤ ንስለ መሰሎም ካብ መላእ ዓለምን፡ውሽጢ ሃገርን ንዝመጽእ ጥርዓናትን ብዙሕ እዝኒ ኣይህብዎንዮም፡እታ ናይ ቁርጺ ማዓልቲ ደበኽ ክሳብ ትብል።

 በዓልቲ ቤቱ ፓቼኮ፡ክትሕጸዮን ክትምርዓዎን እንከላ ሓደገኛ ባህርያት ስርሑ ጠፊእዋ ከምዘይኮነ፡ግና ብፍቕርን ፍትዊ ጠባያቱን ተማሪኻ ንኹሉ መስዋእቲውን ከይተረፈ ንምኽፋል ድልውቲ ኮይና ከምዝኣተወቶያ ተዘንቱ። ካብታ ንሱ ዝተኣሰራላ መዓልትን ሰዐትን ኣትሒዛ፡ክሳብ ሕጂ ሓያል ተቓላሲት ኣብ ምፍታሕን ምቅላሕን ሰብ ቃልኪዳና ፓቸኮ ኮይና ኣብ ምሉእ ዓለም ከይተረፈ ተፈላጥነት ዘትረፈት እያ ወይዘሮ ኦልቪስ ጋርሲያ ፓቼኮ።ንሳ ጥራይ ዘይኮነ ግና፡ኩሎም ኣብ ውሽጢ ኩባን ኣብ ዓለምን ተዘርጊሖም ዘለው ኣዝማድ፤ቤተሰብ፤ደቂ ገዛውቱን መማህርቱን ዝኾኑ ኩባውያን_ ፓቸኮ ክፍታሕ ግቡእ ኣቓልቦ ዓለምን መንግስታትን ክረክብ ዘይሕለል ጻዐርታት የካይዱ ጥራይ ዘይኮነ ይረባረቡ ኣለዉ፡ክሳብዛ ሰዐታዚ'ኣ።ዝተፈላለዩ ስእልታትን ጹሑፋትን ናይ ፓቼኮ ኣብ ምዝርጋሕ፤ ንወጻእተኛታትን መንግስታት ዓለምን ብፍላይ ነቶም ምስ መንግስቲ ካስትሮ ቅርበት ኣለዎም ዝባሃሉ ዲፕሎማሰኛታትን ፍሉጣት ሰባትን ከም በዐል ቀሺ ጀሲ ጃክሰንን ካልኦትን ከይተረፈ፤ጥርዓን ኣብ ምቕራብን፤ኮታ ፓቸኮን ኻሎኦትን ከይርስዑ ገዚፍ ስራሕዮም ዝዓሙ ዘለው፡በዐልቲ ቤቱን ፈተውቲ ኣዝማድን ካልኦትን እሱር ጋዜጠኛ ፓብሎ ፓቼኮ ኣቪላ።
ከምዚ ዓይነት ስራሕ ኣድካምን መስልቸውን ጊዜን ገንዘብን ጉልበትውን ዝወስድ ከምዝኾነ እቲ ኣብኡ ዝዋዓለ ይፈልጦ።ኾይኑ ግና ብሓደ እንግሊዛዊ ጋዜጠኛ ተሓቲታ ሰለዚ ጉዳይዚ፡ በዐልቲ ሓዳሩን ቃልኪዳኑን ፓቼኮ ዝኾነት ወይዘሮ ኦልቪስ ጋርሲያ ከምዚ ኢላ መለሰት።"....ርግጽዩ' እዚ ንገብሮ ዘለና ናይ ጎስጋስን ኣፍልጦን ንከይርስዑ ባዓል ቤተየን ካሎኦትን ማለትዩ ኣዝዩ ኣድካምን ኣህላኽንዩ። ህጻን ቆልዓ ሒዘ፡ብኣዝዩ ውሑድ ደሞዝን መንባብሮን እንዳተኻየድኩ፡ከም ጉዋል ኣንስተይቲ መጠን ቀሊልውን ኣይኮነን፡ ስድራይን እንዳዓለቦይውን ከይተረፈ እርጋን ኣርኪባ ዳርጋ ብናተይ ኣታዊ ጥራዮም ዝናበዩ ዘለው፡ከም ዝፍለጥ ሃገርና ኩባውን ኣብ ሕማቕ ናይ ቁጠባ ኩነታትያ ዘላ፤ኣይኮነንዶ ንኸምዚ ኸማይ ነቶም ክልተ ሰለስተ ስራሕ ዘለዎም ከይተረፈ ዝሃሲ ዘሎ፤ቑጠባዊ ኩነታት ኢና ዘለና።ኮይኑ ግና ንሕና ዘለናዮ ኩነታትን ህልውናን፡ምስኒ በዐል ቤተይን ካሎትን ዘሕልፍዎ ዘለው ፈጺሙ ዝዳረግን ጥቕኡ ዝቐርብውን ኣይኮነን።ስለዚ ኣብ ትሕቲ ዝኾነውን ይኹን፡ ንሃፍትም ንድከይ፤ ንጥዓይ ንሕመም፤ ንስኣን ንርከብ... ነዞም ሰባትዚኦም ኣይክንርስዖምን ኢና።እንተ ስለቲ ክፋል ህይወተይን ናይመጀመርታ ፍቕረይን ኣቦ ወደይን ፓቸኮ እንተኾይኑ ግና ዋላ ሞይተውን እንተኾነ፡ ኣብቲ ዝቕጽል ዓለም ከይተረፈ ኣይክርስዖንየ፡ ኣሽንኩዋይዶ ብህይወት እንዳሃለኹን እንዳተንፈስኩ ኣብ ተዛማዲ ሓርነትን ዝሓሸ ኹነታት እንዳሃለኹን!!!''

ዝኸበርካ ኣንባቢ ነዚ ታሪኽን መስገድልን ስድራቤት ኩባውያን እሱራት ፖለቲካን ሕልናን ሒዝካ፡ኣብ ምስ ሃገርና ምስዝታሓሓዝ ፍጻመን ህልዊ ዘለናዮ ኩነትን ገለ ዝብሎ ስለዘለኒ ብጽሞና ንኽትከታተለኒ ክቡር ጊዜኻ ይሓትት።

ትማሊ ዓርቢ ኣብታ ኣብ ታሪኽ ናይ ቃልስን ዲሞክራስን ግዝኣተ ሕግን ኤርትራን ኤርትራውያንን ከም ጸላም መዐልቲ ኽትዝከር ትነብር ድሮ መስከረም 18፡ሓደ ኣገዳሲናይ ምትእኽኻብን ዘተን ምሽት ኣምስዩን ተጸንቢሉን፡ጸሓፋይውን ተዓዲሙ ኣብኡ ኣምሲዩ ምስ ብዙሓት ካሎኦት ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ኣብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት።እዚ ብኤርትራውያን ንሓይልን ሕብረትን ተቓውሞ፡(Eritrean room for strong and united opposition-ERSUO) ዝባሃል ደንበ ኤርትራውያን ሓደ ካብ ዲሞክራስያውያን ሓይልታት ዝተወደበን ዝተዋሃሃደን ኣዳራሽ፡ ዘተን ዝኽርን 18 መስከረም ኣመልኪቱ፡ ብዙሓት ኣጋይሽ ተዓዲሞም ዘምሰይሉን ስለ ግዳያትን ስውኣትን 18 መስከረም 2001 ብዝምልከት ኣገደስቲ ኣስተምህሮን ተመክሮን
ዝተመያየጥሉ ምሽትዩ ኣምሲዩ።

መብዛሕትኦም ዑዱማት ኣጋይሽ ኣዝዮም ኣገደስቲ ነገራትን ተሞክሮን ካልእን ብዝምልከት ጽቡቕ ገይሮም ከቕርብዎዮም ኣምሲዮም፡፡ ኻብ ኹሉ ግና ንጻሓፋይን ካልኦት ኣዳራሸኛታት ኣገሪሙን ኣደኒቑ ዘምስየ ግና ሓደ መንእሰይ ካብ ስድራቤታት እሱራት ህግደፍ ናይ ዝኾኑ ኮይኑ፤በዚ ጅግና ወዲ ጅግና ዝኾነ፤ታሪኽን ቅያን ኣቡኡን ኣያታቱን ዘይረስዐ መንእሰይ ዑዱም ተዛራቢ ግና ዘይተገረመን ዘይተመሰጠን ኣይነበረን ጥራይ ዘይኮነ ናይ ብዙሓት ስሚዒታት ኣዝዩ ዝተተንከፈሉ ምሸትዩ ነይሩ። ስሙ መንእሰይ ፈንቅል ሃይለ ወልደትንሳኤ ኮይኑ፡ንናይ ወላዲ ኣብኡ ታሪኽን ዝናን ዘይፈልጥ የለን ጥራይ ዘይኮነ በዚ ሓጺር ጽሑፍውን ዝውዳእ ከምዘይከነ ርዱእ ይመስለኒ። ኾይኑ ግና ቦኽሪ ወዱ ንሃይለ ወልደንስአ፡ፈንቅል፤ ናይ ኣቡኡ ጥራይ ዘይኮነ ስለ ኩሎም እሱራትን ግዳያት ኣረሚናዊ ስርዓት ህግደፍ ናይ ዝኾኑ እሱራትን ስውኣትን ዘቕረቦ መደረን ተዘክሮን ናይ ብሓቂ ዘገርምን ለካስ እዛ ሃገር ገና ሰብ ኣለዋ፡ኣንታ እዞም ጀጋኑባ ሓድጊ ገዲፎምዮም፡እዚ ወለዶባ ተስፋ ኣለዎዩ ዘብል ናይ ብሓቂ ዘሕብንን ኩሉ ወድሃገርየ በሃላይ ነብሱ ክሓትትን ክፍትሽን ከምዝገብርዩ ገይርዎ ኣምሲዩ መንእሰይ ፈንቅል ሃይለ ወልደንስአ።

ፈንቅልን፡ካሎኦት ስድራቤታት እሱራት ሓርበኛታት ኤርትራ ብፍላይ ቤተሰብ እሱር ስዩም ጸሃየ ኣብቲ ምሸትቲ ንጽንዓትን መዐቀኒ ኣልቦ መስዋእትን ስድራቤታት እሱራትን ካልእ ብዙሕ ዘይፍለጥ፤ታሪኻትን ከውግዑናዮም ኣምሲዮም።እቲ ዝርዝር ኣዝዩ ብዙሕ ስለዝኾነ ንኹሉ ዝተባህለ ከተቕርቦ ንሕጂ ኣይክኣልን ይኸውን።ካብ ኩሉ ዘገድስን ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ዘለወ ሃልዩ ብኣውርኡውን ስድራቤታትን ኣዝማድን ቅዩዳት፡ግዳያት ግፍዓዊ ስርዓት ህግደፍ ክግደሱሉን ክስቆሮም ዝግባእ ግና ኣብ ትሕቲ ዝኾነውን ይኹን፡ክንዲ ዝወሰደ ጊዜውን ይውሰድ
ፈጺሞም ክርሶዖውም ከምዘይብሉ ነዝውን ሞራላውን ናይ ሕልናን ስብእናን ግዴታውን ከምዘለዎምዩ።እዞም ኩሎም ሎሚ ኣብ ብዓትታት ህግደፍ ተደርብዮም ናይ ስቅያት መዐልትን ለይትን ዘሕልፉ ዘለው ደቅ ሃገር፡ሰባትዮም ከማይ ከማኹም።ከምዝኾነ ይኹን ወድሃገር ድማ ኣሕዋት፤ኣሓት፤ኣዝማድ፤ናይ ቀረባን ርሑቕን ኣዝማድን ደቅዓዶምውን ዘለውዎም ክቡራት ሰባትዮም።

እቲ ቕድም ክብል እዞም ሰባትን ካሎኦትን ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒ ስልጣንን ርኽበትን ዓቕምን ኣብ ዝነበረሎም እዋን፡ጴጥሮስ ሰለሙን መምህርተይ ነይሩ፤ሸሪፎ ወድ ሓትነይዩ፤ምስ በዐል ቤቱ ንዑቕበ ኣብርሃ ብሓንሳብ ተሰሊፍና፤ ሃይለኮ ቤተሰብናዩ፤ ወዲ ኢታይ መሳርሕተይ ነይሩ፤ ምስ መርየም ሓጎስ ናይቀረባ ዝምድናኮዩ ዘለና፤ኣደይን ኣደ እስቲፋኖስ ስዩምን ደቂ ኽልተሕዋትየንኮ ሕሩመይ ኢለካ! እንዳበለ ዝፍክርን ዝምካሕን ዝነበረ ሰብ ሕጂ ጊዜ ጠሊማ ጽልምት ኢሉ ጽልግልግ ምስ በለ ከም ከብዲ ቕርጸት ዝሓዞ ድሙ፡ክሕባእን፡ከስቅጥን እንታይ ገደሸኒ ኢሉ ከምዛ ሞትን ካልእን ናብኡ ከምዘይትመጽእ ገይሩ ክጠልም ካብ ምርኣይ ዝኸፍእ ነገር የልቦን።

ግፍዓዊ መግዛእትን ቐዘፍቲ ስርዓታትን ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘጋጥሙ ዘለው ወይ ብጺሕት ናይ በይንና ጥራይ ኣይኮነን።ከምዚ ኸማናን ካባናውን ብዝገደደ ዝተሳቐዩ፤ዝተኣሰሩ፤ ናብ ሞትን ስደትን ካልእን ዝተፈረዱ፤ንብረቶምን ህይወቶምን ከይተረፈ ዝሳኣኑ ኣህዛብ ዉሑዳት ኣይኮኑን።ንገሊኦም ኣርኪብናሎም ነገሊኦምውን ብታሪኽን ዛንታን ንፈልጦም።ካብቲ ትማሊ ትማሊ ዘጋጠመ ህልቂት ሩዋንዳ ክሳብቲ ቅድሚ 60 ዓመት ኣቢሉ ዘጋጠመ ምጽናት ዝተፈላለዩ ኣሕዛብ ኣብ ናዚ ጀርመንን ካልእን፤ታሪኽ ዓለምና፡ ዋሕዲ ክፍኣትን ጭካነን ወዲ ሰብ የብሉን።እቲ ቐንዲ ግና ነዚ ኣብ ህዝብታት ዘጋጠመን ዘጋጥምን ዘሎ ብኸመይ ትምክቶ፤ነቶም ሕማቕ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብ ትሕቲ ኣሰቃቒ ኩነታትን፡ምንጋጋ ኣራዊትን ናይ ዝወደቑ ኣሕዋትካ ኣሓትካ ደቅ ዓድኻ፤ደቅሃገርካ፡ኣዝማድካ፤መቕርብካን ሰብ ቃልኪዳንካን ብኸመይ ትዝክሮም ብኸመይ ከ
ትጣበቐሎም፤ እንታይ ከ ጌርካሎም ወይ ከምቲ  ቖጽለ መጽሊ እንተረኸበ ተፈሲሁ በሊዑ  ዝህልል ኣድጊ በረኻ  ስቕ ኢልካ ትበልዐ ትድቅስ ከም እንሳሳ ኢኻ ትነብር ዘለኻ/ዘለኺዩ እቲ ቐንዲ ቑምነገርን ኩላህና ከነስተብህለሉ ዝግባእን።

ሎሚ ኣብታ ጉዳን ምስጢራን ዘይተፈለጠ ደም ደቃ ምጽጋብ ዝኣበየት ኤርትራ፡ኣዝማድን ኣሕዋትን ፍስሃየ ጆስዋ ካብ ኣሜሪካ ኣትሒዝካ ክሳብ ማእከላይ ምብራቕ ተሳኢኖም ኣይኮነን።ኩሉ ታሪኽን ቃልሲን ኣተዓባብያን ካብ ዝኾነ ይኹን ንላዐሊ ዝፈልጡ ኣዝማድን ደቅ ዓዱን ንጀነራል ብርሃነ ገብርዝግሄር ኣብ ኩሉ ኹርናዓት ዓለም የለውን ማለት ድዩ? ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ ካብ ሰብዶይኮነን ተፈጢሩ፤ ኣነ ዓርኩ ነይረ፡ጎረቤተይ ነይሩ ብሓንሳብ ኣብ ሓደ ጋንታ ነይረ ዝብል ክትረክብ ግና ብዙሕ ኣይትርእን። ባራኺ ገብረስላሴ ኣብ መላእ ዓለም ኣሜሪካ ከይተረፈ ብዙሓት ናይ ቀረባን ናይ ሩሕቕን ኣዝማድን ውላድውን ከይተረፈ ዘለውዎ ሓደ ብሉጽ ሰብ ሓርበኛ ወድ ሃገርዩ።ኣብ ስልጣንን ከም ኣምባሳደር ኣብ ዝነበረሉ እዋን፤ ''ባራኺኮ ዘመድናዩ፡ወድሓትነናኮዩ ኣብ ገዛናዩኮ ዝምሳሕ ነይሩ ኢሎም ክዛረቡ ዘውግሕዋ ዝነበሩ፡ ሓንቲ ስእሊ ባራኺኩዋ ንህዝብን ንዓለምን ክዝርግሑ ኣይትርእዮምን ኣብታ ኢሳያስ ዝፈወሶም ኤርትራን ኤርትራውያንን።ትማሊ ትማሊ ምስቲ ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ናይ ዝነበረ ሃብተጽዮን ሓድጉ፡ ክበልዑን ክሰትዩን፡ ናይ ቀረባ ቤተሰብን የዐርኹን ዝኾኑ ሎሚ ንሱ ኣብ ጸልማት ተደርብዩ ንሳቶም ግና ከምዛ ዘይፈልጥዎ፡ ከም ላም ከስቅጡ ካብ ምርኣይ ዝኸፍእ ነገር የለን እንተበልኩ ሓቂየ ዝበልኩ።

ካብኡ ዝገደደን ምፍጣርካውን ዘጽልእ ገዚፍ ናይ ጥልመትን ክሕደትን ታሪኽውን ይፍጸምዩ ብስድራቤት እሱራት ግዳያት ህግደፍ ኤርትራውያን። ምስቲ ንሓዎም፤ንኣኩኦም ሓውብኦምን ዘመዶምን ዝኾነ እሱር ዘሳቒ ፍሽስታዊ ናይ ኣፍሪቃ ሂትለር፡ዝኾነ መንግስቲ ህግደፍ ከገልግሉ እግሪ ክልሕሱ ቢያቲ ህግደፍ ከልምጹ፡ምስቲ ንሓዎም ኣሳቒዩ ብኣሰቃቒ ኩነታት ንእንሳሳኩዋ ብዘይግባእ ጨካን ኣተሓሕዛ፡ኣማህሚኑ ዝቐተለን ገናውን ዝቐትልን ደሞም ዝመጺ ንዘሎን መንግስቲ ረሲኣን ክተሓባበሩን፡ኽዘሉን ክድንሱን ፤ጎይላ ክተኽሉን ክጭፍሩን ምስትርኢ፡ኤርትራውነትን ጥልመትን ብሓንሳብ ዝተፈጠሩ መካይድቲ ከይኮኑ ትፈርህ።

ኣሕዋት ዳዊት ኢሳቕ፤ ኣዝማድ ዶክተር ክፍሉ፤ደቂ ዓዱ ንሓምድ ሕመድ፤መማህርቱን ደቅ ገዛውቱን ኣማንኤል ኣስራት፤ ኣዝማድን መጋድልትን ኤርምያስ ፓፓዮ፤መማህርትን ማሓዙትን ሰናይት ደበሳይ፤ ኣሕዋት በረኸት ምስግና፤ ስድራቤት ዑቅበ ኣብራሃ፤ኣዝማድ ሸሪፎን ካሎኦትን ምስቲ ቐዛፊ ኣጸያፊ ማድያት ናይ ታሪኽ ዝኾነ ምትእኻኻብ ህግደፍ ክዘሉ ክጎናብሑ ኣብ ወጻእውን እንዳነበሩ ማለትዩ ጫማ ክልሕሱ ዝቀዳድሙ መሕፈረቲ፤ ካብ ድፍረትን ትብዓትን ካብቲ ኣዝዩ ብዒድመን ተመክሮን ኣዝዩ ካባኹም ዝንእስ ብታሪኽ ኣያታቱ ኣብ ምድጋምን ዘይምርሳእን ግና ኣዝዩ ዝበልጸኩም ኣንበሳ መንእሰይ ወዲ ሓርበኛ ፈንቅል ሃይለ ወልደንስአ፤ ተመሃሩ ይብለኩም ህዝብውን እንታይ ትገብሩ ከምዘለኹም ታሪኽኩም  ተበላሽዉ ከምዘለኹም ነዚ ጽባሕ ዝሓልፍ ጊዜ፤ ብጥልመት ኣይትለለዩ ይብለኩም ጻውዒትውን የቕርበልኩም።

 ኣብዚ ብፍላይ ምስዚውን ብዝታሓሓዝ ክምስገንን ኩሉውን ናቱ ኣርኣያ ክወስድ ዝግባእ ሓርበኛ ሓውናን ኣያናን ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያምዩ። ተጋዳላይ ኣድሓኖም ኣጋጣሚ ኮይኑ ካብ ፋብሪካ ማሕረድቲ ሰብ ህግደፍኩዋ እንተምልጠ፡ነቶም ብጾቱ፤መጋድልቱን ኣብ ጽቡቕን ሕማቕን ምስኡ ከርተት ናይዝበሉ ተጋደልቲ ናይ ሕጂ እሱራትን ግዳያት ጽላለ ኢሳያስ ናይ ዝኾኑ፤ከይረስዐ፡ከይተሓለለ ኣብ ዝኸዶ ከይዱ ኣብዘለወ ሃልዩ ብዛዐብኦም ክዛረብ ክሙግት ክጣበቕ፡ኣውያቶምን ኣውያት ደቆምን ንህዝብን ዓለምን ከቕርብ፡ጠጠው ክብል፡ ኣይፋል ንባርባራዊ ሕጊ ኣልቦ ጉጅለ ህግደፍ ኢሉ ዳርጋ በይኑ ክባሃል ይካኣል ክምክት ክትርኢን፡ገሊኦም ድማ(ስም ምጥቃስ ኣየድልን) ብስራሕዶ፤ብትምህርትዶ፤ሓዳርዶስ፤ እንታይዶ ገለባ እንዳበሉ ቀሚሽ ኣደይ ዓንቂፉኒ ብዘመሳስል ክስቅጡ ሓደራ ብጾቶም ዳርጋ ጠሊሞም ናብ ዝባሃለሉ ደረጃ ወዲቖም ምርኣይውን ካልኣይ ሞትዩ፡ብዘይ ቃልዓለም ንምዝራብ። ሓርበኛ ወድ ህዝቢ ሓውና ኣድሓኖምኮ ሓደራን መብጽዓን ብጾቱን ህዝብን ከቢድዎ፡ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ዘሰከሞ ሓላፍነት ጾር ኮይንዎ ሕልና ገይሩዩ እምበር ካብ ሰቡ ንላዐሊ ዝተማህረ፤ዝሰርሔ፤ካብ ዋና ኣኽባር ሕጊ ክሳብ ምኩር ዲፕሎማሰኛን ኣማሓዳርን ኮይኑ ዝሰርሐ ኣብ ዝኾነ ትካልን ቤት ጽሕፈትን ክሰርሕ ዝኽአል ኣብ ሃገራት ኤውሮጳን ኣሜሪካን ገንዘብ ምእራይ ጠፊኢዎ ወይውን ካብ ኣዝዮም ርኹባት ስድራቤት ዝመጸ ንሱን ስድራቤቱን ዋላሓደ ጸገም ዘይብሎም ኮይኑውን ኣይኮነን።ከምቲ ንሱ ዝብሎ ''ደቀይ ካብ ማንም ኣይበልጹንዮም፡ደይ ጽባሕ ክወግሕዩ ''ኢሉ ስኑ ነኺሱዩምበር፡ከም ካሎኦት ጨለ ዘረባ ተዛሪቡ ሰናቲም ምእራይ ጠፊእዎውን ኣይኮነን።


 ይትረፍ ናይዞም ትማሊ ትማሊ ዝተጨወዩ ምዑታት ተጋደልትን ጋዜጠታኛታትን፤ሃይማኖተኛታትን ካሎኦት ንጹሃንን፤ ቅድሚ ኣማኢት ዓመታት ናይ ዝተፈጸሙ በደላትን ኣረሚናዊ ተግባራትን ከይተረፈ ህዝቢ ዓለም ሕሳቡ ገና ይዓጹን ይጻባጸብንይኮ ዘሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ብወተሃደራዊ መንግስቲ ደርጊ ናይ ዝተረሸኑ፤ ብፍላይ ኣብቲ ካብቲ 1975_80 ዓ.ም ዝቐጸለ ወፍሪ ቀይሕ ሽብር፡ስድራቤት ግዳያት ክሳብዛ ሰዐትዚኣ ጠጠው ኢሎም ይምጉቱ ስእሎምን ካልእን ኣገደስቲ ሰነዳትን ሒዞም ኣብ ካናቴራታትን ክዳውንቲን ከይተረፈ ስኢሎም ጠቂዖም፡ብዛዒባ ደቆም፤ኣሕዋቶም፡ኣሓቶምን ኣዝማዶን ናይዝኾኑ ሰባት ክጣበቑ ካብ ምርኣይ ዝዓቢ ሞራላዊ ሓጎስ ዝፈጥረላካ ነገረ የልቦን።ኣብ ኤርትራና ግና ፤ናይ ጴጥሮስ ሰለሙን ይኹን ናይ ሳልሕ ከኪያ ናይ ካሎኦትውን ዑቡሳት ግዳያት ህግደፍ፡ ስእልን ታሪኸን ዝሓዘ ማልያ ወይ ካናቴራ ዝወዲ ኤርትራዊ ምርኣይስ ይትረፍ ብዛዐብኦም ዝዛረብን ዘስቆርቁርን ኤርትራዊ ውሑድዩ ንስለ ሓቂ ንምዝራብ።
ቅድሚ 60 ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ብስታሊንን ኣዶልፍ ሂትለርን ናይ ዝጠፍኡ፤ደሃይ ዘይብሎም ሰባት ስድራቤትን ኣዝማድን ማሕበራ መስሪቶም ዝተፈላለያ ናይ ፍትሕን ነቶም ኣብ ገበንን ብደም ዝተጠላቐዩን ገበነኛታት ኣብ ፍርድን ኣብ ቅድሚ ህዝብን ዓለም ኣብ ምቕራብ ዘይሕለል ስራሕዮም ዝዓሙ ዘለው ሽሕኩዋ እቲ ግዜ እንተነውሐን ንፈተውቶም ብህይወት ናይ ምርካብ ዒድል ጸቢብውን እንተኾነ። ኣዝማድ ግዳያት ዘርኣዊ ህልቂትን ምጽናት ዓሌት ሩዋንዳውን እንተኾነ፡ ካሳብ ሕጂ እዋን፤ንጉዳይ ኣዝማዶም ደቆም ደቅደቆም ከየተረፈ ኣብ ምጥባቕን ምድላይን ንገበነኛታት ኣብዝኸድዎ ዓዲን መሕብእን ከይተረፈ እንዳሃደኑ ናብ ፍርዲ ከምዝቐርቡ ካብ ምግባር ንኻልኢትውን ይኹን ዓዲ ኣይዋዓሉን።ኣብ በልጅዩም፤ካናዳን ኣሜሪካን ካልእን፡ሃዲሞም ተሓቢኦም ናይ ዝነበሩ ገበነኛታት ንፖሊስን ንዝምልከቶ ኣካልን ብምሕባር ናብ ፍርዲ ከምዝቐርቡን ግቡእ መቕጻዖቶም ከምዝረኽቡ ከም ዝገበሩ ናይ ቀረባ እዋን ፍጻመዩ ዝኾነ ግዱስ ዜጋውን ክርኢዮ ዝኽእል ነገር ከምዝኾነ ክጸቕጠሉ ይደሊ።ቕድሚ ኣርባዐተ ሓሙሽተ ኣማኢት ዓመታት ናይ ዝተፈጸመ ገበን ባርነትን ጊላነትን  (slavery) ክሳብ ሕጂ ሕሳቡ ኣይትዓጽወን ኢሎም ገንዘቦም፤ጊዚኦም፤ጉልበቶም ካልእን ወፍዮም ደው ኢሎም ንስለ ፍትሒ ጠጠው ክብሉ ክትሪኢን፤ ኣዝማድ ናይቶም ትማሊ ትማሊ ካብ ዓይንናን ዓይኒ ዓለምን ብኣውርኡ ድማ ካብ ዝፈትውዎም ደቆምን ሓዳሮም ተጨውዮም ኣብ ፈቐዶ ስም ዘይብሉ ጎዳጉዲ ተደርብዮም ናይ ዘለው እሱራት ኤርትራውያን ዘሕፍር ተግባራት ጥልመትን ኽድዓትን ምስትርኢ ድማ ብኻ ካብዛ ሃገርዚኣ' ዘይተፈጠርኩ ብኻ ወድኻልእ ሃገርን ህዝብን ዘይኮንኩውን ዘየብል ኣይኮነን።

ጸሓፋይን ካሎኦት ጋዜጠኛታትን ሰብ መራኸቢ ብዙሃንን፤ብፍቓድ ፈጣሪኩዋ እንተምለጡ፡ኩነታት ብጾቶምን መሳርሕቶም ድቃስ ከሊኢዎም በብዝካኣሎም ይጽሕፉ የፍልጡ ኣለው።ናብራ ስደት።መነባብሮን፤ ኣብቲ ሓደ ንሓደ ዘይሓልየሉ ገንዘብን ፍቕሪ ንዋይን ኣምላኽ ዝኾነሉ ፤ንደቓይቕውን ይኹን ዝሕግዘካ ኣብ ዘይብሉ ጉኑፍ፤ ሓው ንሓው ዘይሓልየሉ፤  እቲ ዓቢ ዓሳ ነቲ ንእሽተይ እንዳዋሓጠ ናብ ዝምርሸሉ፡ ኣዝዩ ተወዳዳራይ ናይ ካፒታሊስት ማሕበረሰብ ምንባር ቀሊል ኮይኑ ወይ ኩሉ ጥዒሙና፡ ኮይኑውን ኣይኮነን። ኣብ ስደት ኣብ ዘይዓድኻ፡ ኣብ ዘይትፈልጦም ኣህዛብ ውሽጢ ኮይንካ ምንባርውን ክሳብ ክንደይ ከቢድ ከምዝኾነ ኣብኡ ዝዋዓለ ኣጸቢቑ ይፈልጦ።

 ኮይኑ ግና ከምቲ ኣብ መእተውየይ ዝጠቐስክዋ፡ በዐልቲ ቤት ኩባዊ ጋዜጠኛን ናይ ሕልና እሱርን ፓቸኮ ዝበለቶ፤''. . . ንሕና ዳኣ ደሓን ንሳቶምኩዋ ዘለውዎ..'' ዝብል ሕልናን መንፈስን ክሓድረና ይግባእ። ንዘልኣለም ዝቕጽል ነገር የልቦን፤ይትረፍ ቦኽባኽ ሕጊ ኣልቦ ስርዓት ጽሉላትን ናይ ኣልኮል ግዙኣትን ዝኾነ ጉጅለ ህግደፍ፤ብኽንደይ ጥበብን ቢልዮናት ገንዘብን ዝተሃንጹ ስርዓታትኩዋ ብትንትኖም ክወጽእ ነበረያ ነበረ ኮይኖም ኣብ  መአከቢ ጎሓፍ ናይ ታሪኽ ኽድርበዩ ብዙሕ ዝራኣናዮን ገናውን ንርእዮ ዘለናውንዩ። እዚ ብደም ህዝብታት ኤርትራ ዝተጫማለቐ ፤ኣብ ውሽጥን ወጻእን ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ከይተረፈ ዝተፈንፈነን ዝተነጸለን  መንግስቲ ወዲ ሰብዓ ዓመት ዒዋላ  ምውዳቑን ካብ ገጽ መሬት ተባሕጉጉ ዝጠፍኣሉ ማዓልቲ ናይ ግድን ክህሉዩ ። ክሳብታ ማዓልቲ ፍትሕን ሓቅን እግዚኣብሄርውን ንህዝቢ ኤርትራ መቕጻዒትኻ ይኣኽለካ ዝብሎ ግና፤ነቶም በዚ ኣምላኽ ኣልቦ መንግስትን መሪሕንትን ተኣሲሮም ዘለው ኩሎም ናይ ፖለቲካ እሱራት፤ጋዜጠኛታት፤ኣባላት ባይቶ፤ኣመንቲ የህዋ መሰኻኽር፤ካብ መላእ ሃገር ካብ መሳጊድውን ከይተረፈ ተጨውዮም ኣበይ ከም ዘለው ዘይፍለጥ ኣመንቲ ምስልምና(ብፍላይ ኣብዚ ናይ ረመዳንን ዒድን እዋን)፤መማህራንን ፍሉጣት ነጋዶን ዓበይቲ ዓድን፤ ንኽይንርስዖም ቃል ንኣትወሉ መድረኽ ኢና በጺሕና ዘለና፡፡ እንተይዘይኮነ ከምቲ ፈንቅል ዝበሎ ዝሕዘነልናን ዝብከየልናን ንሕና እምበር፡ ብዓል ሃይለን ብጾቱን ኣይኮኑን። ኩሉ ንምርኣይ ምቕናይ ዳኣ ምቕናይ!


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...