ስርዓት ህግደፍ፡ ካብ ካልኣይ መፋርቕ 2001 ጀሚሩ፡ ካብ ድሌትን ሃንቀውታን ህዝቢ ወጻኢ፡ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨውዩ፡ ነቲ ብዋጋን ክቡር መስዋእትን ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ ዝተረጋገጸ ፖለቲካዊ ስልጣን ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ውርሻ ዘውዲ ንግስነት ብምግባት፡ “ዒም ዝበለ ይተሓጎም” እናበለ ካብ ዝሃልልን ጀጋኑ ካብ ዘበሳብስን ሻሙናይ ዓመቱ ሒዙ ኣሎ፡፡ ካብ ህጻናት ክሳብ ከባቢ 90 ዓመት ዝዕድመኦም ምእንቲ ናጽነት ከርተት ዝበሉን ንናጽነት ብሃንቀውታ ዝተጸበይዋን ኣሽሓት ዜጋታትና፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ብተሃድሶ እናተባህለ ስሙ ዝቀናጆ ዘስካሕክሕ ኣረሜናዊ ኣተሓሕዛ ዝመርሆኡ ስዉር ኣብያተ ማእሰርትታት ህግደፍ፡ ብዘይ ዝኾነ ገበንን መስርሕ ሕግን ተዓፊኖም መዓልቲ መዓልቲ ዓሕ እናበሉ ይምህምኑን ገለውን ንዘለኣለም ይሓልፉን ይገድፉናን ምህላዎም ዓለም ብዓለሙ ዘረጋገጾ ብሩህ ሓቂ እዩ። እዞም ሕቶ ህዝቢ ተዓጢቖም ኣርማ ህዝቢ ብምልዓል ብትብዓት፡ መብጽዓ ህዝቢ ይተግበር፡ ኩሉ ዜጋ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ብማዕረ ይርአ! ግዝኣተ ሕጊ ይንገስ! ደሞክራሲያዊ ለውጢ ይተኣታቶ! ሃገራዊ ባይቶ ዘጽደቖ ሃገራዊ ቅዋም ይተግበር! ሓጋጊን ፈራዲን ፈጻምን ኣካላት መንግስቲ ኣብ ሰስልጣኖም ነጻነቶም ይተሓለወሎም፡ ተሓታትነትን ግሉጽነትን ይሃሉ፡ ባጀታዊ ኣሰራርሓ ይተኣታቶ፡ ወዘተ...ብምባል ነጻ ፖለቲካዊ ርእይቶኦም ኣብተን ብሕጊ ቆይመን ዝነበራ ጋዜጣታት ሃገር ብምስፋሮም ገለ'ውን ሓሳባቶም ብነጻ ብምግላጾም፡ ጋዜጠኛታትና'ውን ነዚ ብምእንጋዶም ኩሎም ንህዝቢ ክብሉ ግዳይ ከምዝኾኑን ክሳብ'ውን ብጥልመት ሃገር ከም ተወንጀሉን ብዘይካ ነቶም እናሰምዑ ዝደቀሱ፡ ንኹሉ ካልእስ ከም ጸሓይ ቀትሪ ብሩህ'ዩ

ነዞም ሕቶታት እዚኣቶም ዘልዓለ ድዩስ ወይስ ነዞም ሕቶታት እዚኣቶም ዝጠለመዩ ብኽድዓትን ብትሕተ-ሃገራዊነትን ዝኽሰስ ግን እቲ ፍርዲ ንኣንባቢን ንሰማዒን ይገድፎ። ደምበ ተቓውሞ ብወገንኩም፡ ውድባት ይኹና ሰልፍታት ከምኡ'ውን ሲቪካዊ ማሕበራት፡ ሓቦን ኒሕን ተዓጢቕኩም ብድፍረትን ተወፋይነትን፡ ኣብ ጎኒ ህዝብኹምን ምእንቲ'ቶም ባህርያዊ ክብሮም ተገፊፎም፡ ፍትሒ ይኹን መስርሕ ሕጊ ተነፊጉዎም፡ ኣብ ሞንጎ ሞትን ሕየትን ተንጠልጢሎም ብሓይሊ ድምጽኹም ጥራሕ፡ ዘተንፍሱ ዘለዉ እሱራትናን ሕዩራትናን ደው ብምባልኩምን፡ ከይተሓለልኩም ንማሕበረሰብ ዓለምን ነቲ ገለ ዕድል ስኢኑ ገለውን እናረኣየን እናሰምዐን ብበለጽ ዝዓወረ ክፋል ህዝብኹም፡ መቓልሕ ተቓውሞኹም ከተመሓላልፉ ምኽኣልኩም፡ መብጽዓታት ሰማእታት ኤርትራ ከይጠለምኩም ብጽንዓት ምምካትኩም ኣገናዕ ደቀቦታቶም ይብለኩም። ነቲ ኣፍ ዝሰኣነ ኣፍ ኮንኩሞ፡ ነቲ ድምጺ ዝሰኣነ ውን ድምጺ ኮንኩሞ፡ ነቲ ተስፋ ዝቖረጸ ተስፋ ኮንኩሞ ኢኹም'ሞ፡ ከምቲ ናይ ኣቦታትኩም “ንዓደይ ዘይበለ ካባና ይፈለ” እንድዩ፡ ሞሳኹም ዓወት ዓደቦ እንተተረጋጊጹ ጥራሕ ስለ ዝኾነ ኣብኡ የብጽሓና ንበል። ስለዚ ድምጽኹም ነቶም ኣብ ትሕቲ መቑሕ ህግደፍ ዝሳቐዩ ዘሎዉ ብጾትኩም፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ሓለዋ ብምስጢር ዝከታተልዎ ድምጽኹም፡ መተካእታ'ቲ ብሓየርቶም ዝተነፍጎም ምኡዝ መግቢታት ኮይኑ ሓይሊን ሂወትንዩ ዝህቦም ዘሎሞ፡ ንስለቲ ተባዕ ተወፋይነትኩምን ተበግሶኹምን ብስምቶም ኣብ ትሕቲ ፍጹም ሕሰምን መከራን ህግደፍ ክሳቐዩ ዝገደፍኩዎም፡ ድምጾም ዝተነፍጉ ብጾት ኮይነ፡ ልባዊ ምስጋናይን ምስጋናኦምን ከመሓላልፈልኩም ኣፍቅዱለይ። ነዚ ዝስዕብ መልእኽተይ'ውን በቲ ልሙድ መንገድኹም ከተመሓላልፉለይ እትስፎ።


ኣቱም ኣብ ጸበብትን ገፋሕትን፡ ካሜራታት ኣብያተ ማእሰርቲታት ህግደፍ፡ ኣብ ዘስካሕክሕ ጽምዋን ተነጽሎን፡ ሓሳብን ጭንቀትን፡ ሕማምን ጥሜትን፡ ዝገደፍኩኹም ብጾት ድማ፡ ኣርማኹም ኣልዒሎም ንዓወት ዝምርሹ ኣሽሓት ብጾት ስለዘፍረኹም ተሓበኑ፡ ኣብታ ንመዋእልኩም ዝበለኹሙላ ሓላል ኤርትራ ግዝኣተ-ሕጊን ዲሞክራሲን ከይነገሰ ትዓርፍ እግሪ ወይ ውን ሰም ትብል ዓይኒ የላን ብጾት ይቕሰኑ ኣይሰከፉ ዝብሉ ኣርማኹም ዘልዓሉ ኣማኢታት ሳናዱቕ ሬሳታት ህግደፍ ተሸኪሞም ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ዓለምና ብሰላማዊ ሰልፊ ንስለኹምን ንስለ ደሞክራሲን ተቓውሞኦም ከጋውሑ ስለ ዝተዓዘብኩ ኣነ ውን ተሓቢነየሞ ደስ ይበልኩም። ወዮ ደኣ ዘሎኹሞ ጸላምን ዘየርኢን ጎደጉድ ኮይኑምበር ጩራ ወጋሕታስ ወገግ ይብል ኣሎሞ ዓወት ተቐራሪባ'ያ ኣጆኹም። ብሂወት እንተጸኒሕኩም ኩልና ዕዉታት ኢና፡ ንዕላማ ህዝቢ እንተተኻፊልኩም'ውን ሕድሪ ሰማእታት ትፍጽሙ ስለዘሎኹም ንሱውን ሓበንዩ'ሞ ተቐረቡ ኣብ ተጠንቀቕ ጽንሑ ብርግጽ ኣብ ዓወትዩ ርክብና። እንተ'ቶም መምስ ዝነፈሰ ንፋስ ዝነፍሱ፡ ክሰምዑን ከጣቕዑንምበር ክመምዩን ክርእዩን ዘይተዓደሉ፡ ሀ
ሁ ኢልኩም ኣታቲኹም ዓዲ ዘእቶኹሞም በዓል “ንመን ትመጾስ መን ይመጻ ትመጾ”፡ እሞ፡ ጋዶ ኾይኑ እናረኣዩ ዑረት፡ እናሰምዑ ጽመት፡ መሪጾም ኣዲኦም ትደፋእ ራዕዲ ኣብ ከብዶም ኣትዩዎም ብድሕሪት ካልእ ኣብ ገጽ ድማ ካልእ እናኾኑ፡ እታ ዓሞም ዘዕረባ ጸሓይ ኣምሆ ዘበን ተመሊሳ ከይትበርቕሞ ኣበይ ደኣ ነበርካ በል ከይትመጾም ግዲ ኮይኖም ተካል ሃለዋትዮም ዘሎዉ። ወዮ ደኣ ቁሩብ ካብ ሕሉፍ ዘይምሃሩ ኮይኖም እምበር ቁሩብ እንተዘንብቡስ ኣንጻር ማዕበል ዝጎዓዝ ኣብ መዕለቢኡ ከምዘይበጽሕ፡ ትማል ትማል ንሚሊሽያ ስርናይ ዝወሃብ ዝነበረ መጠንቀቕታን መዓልቦ ደርጊን ጥራሕ ካብቲ ከቢድ ድቃሶም መበራበሮም ነይሩ።

ታሪኽ ከም ዝመሃረና፡ ኩሎም መለኽቲ ስርዓታት ውድቀቶም ኣብ ቅድሚ ዓይኖም እናረኣይዋ፡ ዕድል ናይ ምምላስ'ውን እናሃለዎም፡ ዋላ ውን እታ ናይ መወዳእታ ትልኽ ትብል ሓይሎም ተጸንቂቓ እናረኣይዋ፡ ሓደ ሰብ ክሳብ ዝተርፎም ሱቕ ኢሎምዮም ንደልሃመት ዝቕጽሉ፡ እቲ ዘገርም ናይቶም ላኼማታትዩ፡ እናፈለጡ ጽባሕ “ኣይፈለጥናን” ካብ ገበን ዘድሕን መሲሉዎም፡ ዜጋታቶምን ትማል መሪሖምን ኣታትዮምን ዓዲ ዘእተዉዎም ብጾቶምን ኣሕዋቶምን ብዘይገበንን ብዘይፍርዲን ንዓመታት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ክበልዩን ክሞቱን እናረኣይዎም፡ ዓገብ ምባልስ ይትረፍ፡ እልይ ምባልከ መን ከልኤ በሉ፡ ግን ዝመውት ምድሪ ኣይምሰዮ ኢዩሞ ኣይፋልናን እንተመሪጾም ደኣሞ ድሓን፡ በዚኦም'ውን ቅር ኣይበልኩም ብጾት፡ ደጊም ሎሚ'ውን ከምታ ናይ ትማሊ ዕጫ ሚሊሽያ ስርናይን ዕጫ ኣባላት ኢሰፓን ይጸበዩ ንግደፎም። ኣብ መወዳእታን በዚ ኣጋጣሚ እዚን'ውን፡ ነቲ ንኣርባዕተ ዓመታት ብዘይ ዝኾነ ይኹን መርመራ፡ ሕቶ፡ ወይውን መስርሕ ሕጊ፡ ከም ተራ ኣቕሓ ብስም ሓደራ፡ ኣብዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎም ስዉራት ኣብያተ ማእሰርቲታት ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንሱ'ውን ስለዘየጽገቦም ንተወሳኺ ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ካብ ሃገር ከይወጽኢ ተኸልኪለ ኣብ ትሕቲ ምክትታልን ማሕዩርን ህግደፍ ክወርደኒ ዝጸንሐ ኢፍትሓዊ ኣተሓሕዛን ግፍዕን ተቓዊምኩም፡ ድምጽኹም ንማሕበረ-ሰብ ዓለም ከተቃልሑለይ ብምኽኣልኩም፡ ኣብ ምፍትሐይ፡ ድምጽኹም ዘይነዓቕ ተራ ከም ዝነበሮ ስለ ዝኣምን፡ ልባዊ ምስጋናይ ይብጻሕኩም። ንድምጽኹም ጻዕሪ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ተሓዊሱዎ ካብ ም ንጋጋ ህግደፍ ተላቒቐ ኣብ ዉሑስ ቦታ ኣብኤውሮጳ ኣትየ ስለዘለኹ፡ ካብቲ ኣብ ወብሳይትኩም ዘሎ መዝገበ-እሱራትን ሕዩራትን ህግደፍ ኣውጺእኩም፡ ኣብ መዝገብ ግዳያት ህግደፍ ከተሰጋግርዎ እላቦ።

ሓደ ካብ ግዳያት ስርዓት ህግደፍ ዝኾንኩ
ሓውኹምን ብጻይኩምን ንኣምን ተኪኤ

ሓበሬታ ካብ ስታፍ ኣዝማሪኖ፤

ንሓውና ኣቶ ንኣምን ተኪኤ፡ እንቋዕ ካብ ማእሰርቲ ናይቲ ኣረሜን ስርዓት እዝጊኣብሄር ኣውጽኣካ እናበልና፡ ኣብዚ ቀረባ መጻኢ ምስ ኣቶ ንኣምን እንገብሮ ዕላል ከነቕርብ ምዃንና ንሕብር።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...