ዕለተልደት መቓልሕና ኣብ መርበብኣብ ውሽጢ ሃገር፡ ንኤርትራውያን መርበባት ሓበሬታ ደንጒና ኢና ፈሊጥናየን። እዚ ምዕቡል ናይ ሓበሬታ ቴክኖሎጂ’ዚ ደንጉዩ ናብ ሃገርና ምትእትታዉ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ኮይኑ፡ ኮምፕዩተር ብቐንዳ ብርቂ ነገር ኢያ ዝነበረት።

እቲ ንሃገርና ዝገዝእ ዘሎ ዘይቅዋማዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ምዕባለን ቴክኖሎጂን እውን ከይተረፈ ዕቃበታት ናይ ምዝውታር ኣመል ስለዘለዎ፡ ኢንተርነት ናብ ሃገርና ደንጉዩ ኢዩ መጺኡ። ዋላ’ኳ ንኣብያተ-ጽሕፈታዊ መዓላ ጥራይ ዝተሓጸረ ኣዝዩ ድሩት ተጠቃምነት ኢንተርነት ብመጠኑ ተኣታትዩ እንተነበረ፡ እቲ ብመንገዲ “ቴሌኮምኒኬሽን’’ ወይ “ኤሪተል’’ ዝተሰምየ መንግስታዊ ናይ መራኸቢታት ትካል፡ ንካፈታትን ንትካላትን መስመር ኢንተርነት ዝተፈቕደሉ ግዜስ ካብ 2000 ዓ.ም. ኢዩ። ንሱ እውን ብኣዝዩ ድሩት ዓቕሚ። እቶም ኣብ ኣብያተ-ጽሕፈታት ንሰርሕ ዝነበርና ሰባት፡ ብምኽንያት ስራሕና ኣቐዲምና ነቲ መሳለጥያ ክንጥቀመሉ ንእሽቶ ዕድል ብምርካብና፡ ኣብ ሓንቲ ኮምፕዩተር ብዙሓት ሰባት እናተጸባበና፡ ምስቲ ቴክኖሎጂ ንክንላለ ከምኡ እውን ፍልይ ዝበለ ሓበሬታ ንክንረክብ ሃተምተም ንብል ነበርና። እንተኾነ እታ ኮምፒዩተር ነቲ ዝኣዘዝካያ ገጽ ክሳብ ትረኽበልካ ካልእ ዋኒንካ ከተሳልጥ ዘወር ክትብል ግድን ኢዩ። ምኽያቱ እቲ ስርዓት፡ ንክተኣታቶ ዝፈቐዶ ዓቕሚ ኣዝዩ ድኹም ወይ ንማለቱ ኢዩ ዝነበረ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ድማ ኢየ ንመርበብ ሓበሬታ ኣዝማሪኖ ዝፈልጣ።

ኣዝማሪኖ፡ ፈለማ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ሓበሬታታት ትዝርግሕ ምንባራ እዝክር፡፡ ኩሉ መዳያዊ ዜናታት፡ ንጥፈታት ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ኣብ ወጻኢ ዝገልጽ ትሕዝቶታት፡ ጂኦፖለቲካዊ፡ ከምኡ እውን ማሕበረ-ቁጠባዊን ባህላውን ትሕዝቶታት ተስፍር ነይራ። ስለዚ ድማ ኣብቲ እዋን፡ እቲ ስርዓትን ደገፍቱን’ውን እንተኾኑ የሞግስዋን ይጠቕስዋን ነይሮም ኢዮም። ድሕሪ ምዕጻው ናይ ብሕቲ ናጻ ጋዜጣታት፡ ብኢንተርነት ዝዝርጋሕ መርበባት ሓበሬታ ልዑል ተደላይነት ኣጥርዩ ኢዩ። ብፍላይ ከኣ ኣዝማሪኖ፡ ዓዋተ፡ ከምኡ እውን ሓንቲ ኣብቲ እዋን ተቓላሲት ዝነበረት(ሕጂ ስማ ክጠቕሳ ዘይደሊ መርበብ) ዝዝርግሐኦ ሓበሬታት ክንርኢ ንህንጠ ኔርና። ከም መውጽኢ ተሃንና እውን ዘይንርእየን ኣይነበርናን። እንተኾነ ህግደፍ ሓቂ ስለእትመሮን፡ ንኩሉ መንገዲ ሓቂ ዝሓዘ ወይ “ዓገብ’’ ዝብሎ ከም ጸላኢኡ ስለዝርኢን፡ ኣብ ልዕሊ እዘን መርበባትን ኣካየድተንን ናይ ጸለመ ኲናት ከፊቱ። ገለ እግሮም እናተጠቖርጠመት እውን “ሃይ’’ ክብሉ ዘይደፍሩ ደገፍቱ ኢና በሃልቲ እውን ነቲ ጸለመ ከኾምስዑ’ዮም ተረኺቦም። እንተኾነ ሓቂ ብርእሳ እንተቐበርካያ ብእግራ ስለእትወጽእ፡ ሕጂ ኣብ ሰኸኽታ ይርከቡ።

ኣዝማሪኖ፡ ካብ ፈለማ ንኣካይዳ ህግደፍ “መንግስቲ ኤርትራ’’ ዓገብ ካብ ዝበላ ክልተ ገዳይም ናጻ መርበባትና ሓንቲ ኢያ። ዋላ’ኳ እቲ ነቐፌታን እሕሕታን ከም ኣሳሒታ ዘሸቑርሮ ህግደፍ፡ ንዝጻብእዎ ደቂሃገር ምትንዃል ልዕሊ ናይ ግዳም ጸላእትን ልዕሊ ዲፕሎማሲያዊ ዕዮታትን ስለዝሰርዖ፡ ዘጥፍአ ኣጥፊኡ ስም ናይ’ዘን ናጻ ኤርትራውያን መርበባት ንኽድውን ዝንቀሳቐስ እንተኾነ፡ ኣዝማሪኖናስ ንኹሉ ተጻብኦታት በዲሃ ትዓኩኽ ኣላ። ሓርበኛዊት ኣዝማሪኖ፡ ኣደ’ታ ዋዕሮ ድምጺ መሰልና ደሊና እውን ኢያ።

ህዝባ ብቕሳነትን ብራህዋን ዝነብረላ ብልጽግትን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ኣብምርግጋጽ ዝዓበየ እጃማ ገና ከተበርክት ምዃና እምንቶና ኢዩ። እንቛዕ ንመበል 12 ዓመት ዕለተ ልደትኪ ኣብቀዓኪ ኣዝማሪኖና! happy birthday! ዳግማይ ዕለተ ልደት ኤርትራ ንብሰረሉ ግዜ እውን ርሑቕ ኣይኪኸውንን ኢዩ! ቪቫ ኣዝማሪኖና!


ተዓዘብ






Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...