ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፤

ኩላትና ከምእንፈልጦን ከምእንግንዘቦን ሽምዓ እናነደደት’ያ ብርሃና እትልግስ። ገዛእርእሳ እናጎድአት’ያ ብርሃና እትዕድል። ካብ’ዚ ዓቢ ኣብነት ናይ ሽምዓ ብምብጋስ እምበኣር፡ ንምሁራት ኤርትራውያን ኣበየናይ ጽፍሒ ደረጃ ትምህርቲ ኣለዉ ብዘየገድስ እዚ ዝስዕብ ለበዋይ ከቕርብ እደሊ።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ንስኻትኩም ኣካልን ኣምሳልን ናይቲ ህይወቱን ኣካሉን ግዚኡን ጉልበቱን ብምኽፋል ሃገር ዘምጸአ'ሞ እንተኾነ ገና ዝሳቐይን ዝጠፍእን፡ ዝከላበትን ዝባሳበስን ዘሎ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ከምምዃንኩም መጠን፡ ትምህርትኹም ንቕሓትኩምን ተሞክሮኹምን ተጠቒምኩም ንፍልልያትኩም ወጊድ ክትብሉን ኣብነት ንካልኦት ክትኮኑን ኢዩ ዝግባኣኩም ዝነበረ።

እንተኾነ ምሁራትና፡ ነንሕድሕድኩም ክትነጻጸጉን ክትነዓዓቑን፡ ክትእከቡን ክትፍንጥሑን፡ ክትጠቓቕዑን ንጸላኢ ኣሕሊፍኩም ክትወሃሃቡን ክትጎጃጀሉን፡ ብሓፈሻ ኣብልዕሊ ዉጹዕ ህዝብኹም ሽርካ ናይ ግፍዒ ክትኮኑ ብምጽናሕኩምን ብምህላዉኩምን፡ መሻደኒ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ኮይንኩም ትርከቡ ኣለኹም። እዚ ድማ "እምበር'ዶ ምሁራት ኣለዉና ኢዮም፧" ናብ ምባል የብጽሓካ።

ክቡራንን ክቡራትን!!

ለባማት ወለድና "ካብ ምህሮ ኣእምሮ" ክብሉ ሓቆም ኢዮም። ሃገርን ህዝብን ትልኽ ኣብዝብልሉ ዘለዉ ህሞት፡ ምሁራትና፡ "ኣነ እበልጽ ኣነ'ባ" ብምባል፡ ይትረፍ'ዶ ፖለቲካዊ ውድባት ክትኣልዩን ክትመርሑንሲ፡ ብሓደ ክትጥርነፉን ሲቪካዊ ማሕበራት'ኳ ብምሕያልን ንህዝቢ ብምውህሃድን፡ ኣንጻር'ቲ ቀዳማይ ጸላኢኡ ዝኾነ ህግደፍ ተሰሪዑ ናጽነቱ ብምምላስ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ከይተክል ቀንዲ ዕንቅፋት ብምዃን ኣብ ምጉጅጃል ሕብረተሰብና ዓቢ ጸገም ምዃንኩም ናይ ዕዳጋ ሚስጢር ኢዩ።
 
ዝኸበርካ ጅግና ተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራ!!

ምሁር፡ ናብ ሕብረተሰቡ ጠሊቑ ክኣቱ፡ ትሑትን ምእዙዝን ብምዃን ንህዝቡ ካብ ፍልጠቱ ከካፍል ግቡኡ ኢዩ። እቶም ምሁራት ቅኑዓትን ግሉጻትን፡ ካብ ኩሉ ድሑር ዝንባሌታት፡ በለጽን ስስዐን ናጻን ኣብነታውያን ምስዝኾኑ፡ እቲ ብሰንኪ ዘይምፍላጡ ዝተደናገረ ሓፋሽ ህዝቢ፡ ነቲ ሓቂ ፈሊጡ ኣብ ጎኒ እቶም ኩሎም ንዕኡ ዝመስሉ ዉጹዓት ኮይኑ ንናይ ሓባር ረብሓ ንምዕዋት ብንቕሓት ምተበገሰ።

እንተ ምሁራትና ግን፡ ካብዚ ኣቐዲሙ ዝተዘርዘረ ድሕረታት ዘይተገላገልኩምን ዘይነጻህኩምን ግዲ ኮይንኩም፡ ኣብክንዲ ከም'ታ ሽምዓ መብራህትኹም ንሓፋሽ ትልግሱ፡ ህዝቢ ንከይነቅሕን ኣብዘለዎ ደልሃመት ኣብጽልግልግ ክቕጽልን፡ ከም'ቲ "ኣብ ርእሲ ዘላታስ ተወሰኸታ" ዝበሃል፡ ንነኣሽቱ ፍልልያቱ እናመዝመዝኩም፡ ብዋጋ ዉጹዕ ህዝቢ እናሸቀጥኩም ንገዛርእስኹም ዝሓሸ መነባብሮ እናኣሕለፍኩም፡ እቲ ኣብስዉር መግዛእቲ ተነቚቱ ዝበርስ ዘሎ ወገንኩም ዝዓጠጠኩም ኣይትመስሉን። "እዚኦም'ሲ ዶምበርከ ምሁራት፧" ኢዮም ክትብል'ውን ትደፍር። "ተሞክሮ ህዝብና ካብ ትምህርቲ ናይ ምሁራትና ይበልጽ" ክትብል'ውን ትደፍር።

ክቡራንን ክቡራትን

ሃገራውያን ምሁራት፤ ኣብ ምትሕቝቛፍን ምውህሃድን ፍቕርን ስኒትን ሕብረተሰብ ኣወንታዊ ግዴኹም ከበርክቱ፡ ፍልልያት ብልዝብን ብምጽውዋርን ንክፍታሕ ከም'ታ ሽምዓ ኣብነት ኮይንኩም ንጸልማት ብብርሃን ኣብክንዲ ምትካእ፡ ብዙሓት ካባኻትኩም ካብ ሓደ ዘይተማህረ ዜጋ ዘይትጽበዮ ቆምጣዕጥዕ ክትኣትዉ ትረኣዩ ኣለኹም።                            

ገለ ለባማትን ሊቃውንትን "ተሞኩሮ ንወዲ ሰብ ፍጹም ይገብሮ" (Experience makes man perfect) ክብሉ መሲሎም ኢዮም። ትምህርቲን ምሁራትን ንምንእኣስ ግን ኣይኮኑን፡፡ ከምዞም ኣቐዲሞም ከም ኣብነት ዝቐረቡ ሰብ ዲግሪ ምሁራት ምስተዓዘቡ፡ በንጻሩ ዓቕሚ ነብሶም ፊደል ዝቖጸሩን ካብ መዓልታዊ ተሞኩሮኦም፡ ብምምሃርን ናይ ተፈጥሮ ብልሕን ኣብ ህዝቦምን ሃገሮምን ዘለዎም ፍቕሪ፡ ሓልዮትን ተገዳስነትን ብምብጋስ ኩሉ ዓቕምታቶም ጸንቂቖም ደኺምና ከይበሉ መሰረታዊ ፍታሕ ከናድዩ ዝወደቑን ዝወድቁ ዘለዉን ምስረኣዩን ዝመሰልዎ ምስላ እዩ።

ዝኸበርኩም ምሁራትና፤

ናይ'ዚ ተወጺዑ ዘሎ ህዝብኹም ሓርነት፡ መሰል፡ ዲሞክራሲ፡ ፍትሒ፡ ማዕርነት፡ ንምርግጋጽ፡ ዓቕምታትኩም ኣወሃሂድኩም፡ ዘለኩም ፍልልያት ዝእለይ ኣሊኹም፡ እቲ ንግዜ ዝወሃብ ድማ ወንዚፍኩም፡ ቅድም ቀዳድም ድሕነት መላእ ህዝብን ሃገርን ክትሰርዑ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ነብስኹም ሓኺኽኩም ኣብ ደንበ ቃልሲ ኣንጻር ዲክታቶር ብምዕሳል ቀንዴልኩም ከተብርሁ ኣብ እትጥለቡሉ ወቕቲ ምህላውና ደጋጊመ ክላበወኩም እፈቱ።

ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ፡ እቶም ኣብ ዝተፈላለየ ፖለቲካውን ማሕበራውን ሃገራዊ ጉዳያት ተወዲቦም ምስ ህዝቦም ግዲኦም ዝፍጽሙ ዘለዉ ምሁራት ክተባብዑ ይግብኦም። መሪሕ ግዲኦም ኣብምብርካት ስለዝርከቡ፡ ናይ ጽባሕ ወለዶ ኣብነትን ካብ ማንም ምስክርነት ዘይጽበዩን፡ እዚ ዝቐረበ ወቐሳ'ውን ዘይምልከቶምን ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብና ድማ ንኡዳትን ብምዃኖም ክሕበኑ ይግባእ።

ምሁራትና፤ ንጽባሕ ከይበልኩም ሎሚ ንድሕነት ሃገርኩምን ህዝብኹምን ተበገሱ

ኽብርን ዝኽርን ንሰማእታትና።

ካሕሳይ ይሕደጎ ካብ ጀርመን።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...