ፈስቲቫል ህግደፍ ምዕራባዊ ዞና ሰሜን ኣሜሪካ፡ ካብ 14 ነሓሰ ስጋብ 16 ነሓሰ ኣብ ከተማ ኦክላንድ ንስለ ስሙ ተኽይዱስ ብዘይ ሓደፍረ ተዛዚሙ። ህግደፋዉያን ዘመኖም ከምዘብቅዐ ከም ጸሓይ ቀትሪ ተኾሊዑሎም። ዘይተኣደነ ገንዘብ እዮም ኣጥፊኦም ኣለና ንክብሉ። ቁጽሪ ተሳተፍቲ ግና ኣይግድን። ናብቲ ባህላዊ ምሸት ዝኸዱ መብዛሕትኦም ትሕቲ ዕድመ ህጻውንቲ ኣብ ርእሲ ምኻኖም እቶም ዝርካቦም ዓበይቲ ድማ ነቲ ስርዓት ኣሚኖምሉ ዘይኮነስ፡ ህግደፍ ገለ ገንዘብ እንተረኸቡ ሓድሽ ደራፋይ ስለዘምጽኡ እዮም ንዕኡ ክርእዩ ከይዶም። ጸወታ ኩዕሶ እግሪ እውን ኣዳልዮም ነይሮም እንተኾነ፡ ካብተን ቅድሚ ሕጂ ዝሳተፋ ዝነበራ ካብ ኣርባዕተ ዘይውሕዳ ጋንታት ስለዝኣበያ፡ እቲ ዉድድር ኣብ ዓሰርተ ሓሙሸተ ዘይበጽሑ ሜዳ ዘይመልኡ ተጻወቲ’ዩ ተሓጺሩ ነይሩ። እዚ ቀደም ካብ ሰለስተ ክጋብ ኣርባዕተ ሽሕ ህዝቢ ዝሳተፎ ዝነበረ ውድድራት፡ ካብ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ሚእቲ ዘይበዝሑ ሰባት እዮም ተሳቲፎሞ። እቲ ህዝቢ ብሃንቀዉታ ዝተጸበዮ ጸወታ ግና ግጥም ህግደፍን ኣባላት ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጥን እዩ ኔሩ።

እዚ ካልኣይ እግሪ ግጥም ጸወታ ህግደፍን ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጥን ብዓወት ጋንታ ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ተዛዚሙ። ከምእትዝክርዎ ኣብ ቀዳማይ እግሪ ጸወታ ማለት ኣብ 12 ሓምለ ኣባላት ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ኣብ ልዕሊ ሓላዊ ልደት ህግደፍ ዶ/ር ጊደዎን ብዘመዝገብወን ሸቶታት 3 ብ 0 ስዒሮም ምንባሮም ይፍለጥ። እዚ ስዕረት ዘይተዋሕጠሎም ህግደፋውያን ነዚ ናይ ትማሊ ግጥም ማለት ፌስቲቫል ህግደፍ ኦክላንድ ዓቢ ምድላዋት ድሕሪ ምግባር ኣርባዕተ ቦርቴረ(ሓለውቲ ልደታት) ሒዞም እዮም ቀሪቦም። እዞም ኣርባዕተ ቦርቴረታት "ምሁራት" ምዃኖም እዩ። ህግደፍ ክንደይ ምሁራትን ሊቃውንትን ኣብ ሜዳ ከምዘይሕቀቑ፡ ሕጂ ብድሕሪ እቶም ምሁራት ኢሎም ዝሰመይዎም ሰባት ተሓቢኦም ኣስተምህሮ ብዶክተር እገለ ብፕሮፌሰር እገሊት እናበሉ ዝቓንዩስ ንመን ንምትላል እዩ። "እንዳ ጎይታና ፍቕሪ ሙሁራት እንተዝህልወኩም እቶም ኩሎም ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ፡ ካብ ዩኒቨርስቲታት ኣሜሪካን ኤውሮጳን ራሻን ንሜዳ ዝኣተው ኤርትራዉያን ምሁራት ሒዝኩሞም ኣስመራ ዘይምእተኹም። ንገሊኦም ዓሶ፡ ንገሊኦም ዝተመርዘ ጸባ ሰትዩ ፡ ንገሊኦም ተመን ነኺስዎ ተሰዊኡ ወዘተ እናበልኩም ኢኹም ዘይእመን ካብተመኽንዩ።" ክንብሎም ምፈተና። ምናልባት እቲ "ብተመን ተነኺሶም" ክንኣምኖም ንኽእል። ምኽንያቱ ኣይተ ኢሰያስ ባዕሎም መንደላይ ተመን ብምኻኖም። ናብ'ቲ ዕላል ሕምብርጅሉ ፈስቲቫል ህግደፍ ክመልሰኩም። ሰዓት ሓደ ድሕሪ ቀትሪ ምስኮነ ኣባላት ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰት ንለውጢ ፋሕ ኢልና ናብቲ መአከቢ ኣዳራሽ ክንኣቱ ወሰንና። በብቁሩብ ድማ ኣባላትና ናብቲ ኣደራሽ ኣተዉ። ተራና በጺሑ ኣነን መዳን ናብቲ መእተዊ ማዕጾ ናይቲ ኣዳራሽ በጻሕና። ልክዕ ምስ ተጸጋዕና ክንኣቱ ቅርብ ክንብል ከለና ማሕዮታት ህግደፍ ብመሪሕነት ኣቶ ኣልኣዛር ነቲ ማዕጾ ረጊጦም ሓዝዎ። ነቶም ዝቖጸርዎም ናይ ጸጥታ ኣኽበርቲ ድማ "እዞም ሰባት ክኣትዉ ኣይንደልዮምን ኢና" ብምባል ትእዛዝ ኣመሓላለፉሎም። "ነጥበ መቐይሮ"ዝብልኹም ከምዚ እዩ ። ካብ ምጥቃዕ ናብ ምክልኻል።

ሓሳባቶም ንዓና ናብ ናህርን ህልኽን ኣእትዮም ዘይስምና ከሰኩምና እዩ ኔሩ። ንሕና ግና ኩሉ እቲ ክገብርዎ ዝኽእሉ ኣለሊናዮን ፈሊጥናዮን ስለዝነበርና ብቐሊሉ ኣብ መጻወድያ ከይኣተና፡ "ንምንታይ ክንኣቱ ንኽልከል፧"ክንብል ብስነስርዓት ሓተትናዮም። ሓንቲ እያ መልሶም። "ንዓኻትኩም ኣይፍቀደኩምን እዩ"ዝብል። "ስለምንታይ" ምስበልና መልሲ የልቦን። ንምንታይ ከምዘይፍቀደልና ንፈልጦ ኢና። ከምቶም መጣቓዕቲ ስለዘየጣቓዕና፡ ኣብ ክንዲ እቲ ከይዛረብ ብኣፉን ብኸብዱን ተታሒዙ ዘሎ ውጹዕ ህዝብና ኮይንና "ቅዋም ይተግበር" ስለዝበልና፡፡ "ኣብ ልዕሊ ህዝብና ንዝወርድ ዘሎ ሕሰምን መከራን ይኣክል" ስለዝበልና። እዚ ሕቶ'ዚ ግን ጠለብ ምሉእ ዝተወጽዐ ኤርትራዊ ስለዝኾነ፡ ክልተ ሰባት ስለዝተኸልከልና ጠጠው ዝብል ኣይኮነን። ሓንቲ መዓልቲ ድማ ኣብ ሸቱኡ ክበጽሕ እዩ። በዚ ሓደን ክልተን ቃላት ድሕሪ ምልውዋጥና ኣነን መዳን ካብቲ መእተዊ ፍንትት ኢልና ጠጠው በልና። ሓደ ካብቶም ኣባላት ህግደፍ ኣቶ መድሃኔ ክረዳድኣና ንዕድሞ። "ንምንታይ ካብ ኩሉ ህዝቢ ንሕና ንኽልከል" ኢልና ድማ ንሓቶ። ኣቶ መድሃኔ ንዓይ "እዚኩሉ ኣዋሪድካዮም ከመይ ጌሮም ክእትዉካ ትጽበ፧" በለኒ። ነቲ ኣብ ሬድዮ ኣሰና ብ15 ሓምለ ዘቕረብኩዎ ጸብጻብ ምዃኑ እዩ። "ኣነኮ ሓቂ እየ ኣቃሊሐ ሓሶት ትብሎ ነገር እንተሃልዩ ድማ እቲ መድረኽ ኩፉት እዩ ንዘተ" በልኩዎ። መልሲ ከይሃበኒ መንእሰይ መዳ "ናተይ ኣበሳኸ እንታይ እዩ ኢሉ፧" ተወከሶ። ኣቶ መድሃኔ ኣብ መወዳእታ፡ "ኣነ ብዛዕባ ናይ ጸጥታ ሓለዋ ዝፈልጦ የብለይን" ኢሉ መለሰ። "ኣነ ኣብ ካልእ ጽፍሒ እየ ዘለኹ" ድማ በለ። እቲ ንነብሱ ኣተዓባብዩ ምቕራብ ዝፈቱ ኣቶ መድሃኔ። ኣብዚኣ ንኣቶ መድሃኔ ሓንቲ ከብርሃሉ ዝደሊ፡ እቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ቤ/ጽ ህግደፍ ከም ኣባሉሲ ይትረፍ ከምሰብ እውን ዘይፈልጦ ምዃኑ እዩ። ህግደፍ ካብ "ተወፋይነት ምእዙዝነት" ንላዕሊ ገንዘብ ጥራይ እዩ ዘገድሶም። ንሱ ከኣ ብደረጃ ተሓዚ ገንዘብ ሰሪሑ ስለዘይፈልጥ ዝተራብሖ ብዜሮ ኢዩ ኣብ ዓይኒ ህግደፍ። ምስ ኣቶ መድሃኔ ዘረባና ከይወዳእና ኣምባሳደር ግርማይ ሳንቲም፡ ያኢ ሸናዕ እናበለ ምዃኑ እዩ ናባና ገጹ ይመጽእ። ሸናዕ ንምባል እኮ ጉብዝናን ግርማሞገስን ይሕትት እዩ ዝብሎ'ዶ ስኢኑ። ኣነን መንእሰይ ብጻየይ መዳን፡ ንኣቶ መድሃኔ ገዲፍና ናብ ግርማይ ሳንቲም ኣምራሕና። ኣማን ብኣማን ሳንቲም።

ንኣምባሳደር ግርማይ ኢደይ ሰዲደ ድሕሪ ምጭባጥ፡ ስመይን ስም ብጻየይን ነገርክዎ'ሞ፡"ንምንታይ ከይንኣቱ ንኽልከል" ኢለ ሓተትክዎ። "ኣነ ዝፈልጦ የብለይን ነቶም ኣዳለውቲ ሕተትዎም" ኢሉ መለሰልና። ሓቂ ዘይብሉ ዘረባ። ቀጺሉ መዳ "ከም ኤርትራውያን ንምንታይ መሰልና ትኸልኡና፧"በሎ። ኣምባሳደር ሳንቲም፡ "መሰል ዘለዎን መሰል ዘይብሉን ኤርትራዊ ኣሎ" ክብል ዘይወረጃ መልሲ ሃበና። "እንታይ ማለትካ እዩ መሰል ዘይብሉ ኤርትራዊ ኣሎ ክትብል ከለኻ" ኢለ ተመሊሰ ሓተትክዎ። መልሲ ስለዝሳኣነ ግርማይ ሳንቲም "እሞ ኣነ ዝፈልጦ ነገር የብለይን" ኢሉ ካባና ሃደመ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ካልኦት ኣባላትና እቲ ንዶክተር ጊደዎን ኣብ ቃልዕ ዘሕፈሮ መንእሰይ ሙሴ ዝርከብዎም ከምቲ ናትና ዕጫ ኣጋጢምዎም "ንስካትኩም ክትእትዉ ኣይፍቀደልኩምን እዩ" ተባሂሎም ተኸልከሉ። ኣብ ውሽጢ ሰሊኾም ኣትዮም ዝነበሩ ኣባላትና ብድሕሪ ናይ ተለፎን ርክብ ናይ ድሕሪት ማዕጾ ተኸፊቱ ከምዘሎ ምስሓበርዎም ተኸልኪሎም ኣብ ደገ ካብዝነበሩ ኣባላትና ነቲ እጋጣሚ ተጠቒሞም ንውሽጢ ኣተው ። ብሰንኪ ምእታው እዞም መንእሰያት ድማ ኣባላት ህግደፍ ነንሕድሕዶም ክበኣሱን ክወናጀሉን ጀመሩ። ንሕና ንጃንዳ ወይ ንጭፍራ ዘይነምልኽ ተጣበቕቲ ዉጹዕ ህዝቢ ስለዝኾንና ኣይተረድኦምን እምበር ዋላ እቲ ላንግ-ላንጋ ዝኾነ ኣብ ውሽጢ ዝነበረ ሰብ፡ ካብ ንዓኣቶም ነዓና ይድግፍ፡ ዋላ'ኳ ድፍረት ሲኢኑ ሱቕ እንተበለ።

እቲ ዘሕንኽ፡ ካብቶም ምሁራት ኢሎም ዝዓደምዎም ሓደ፡ ኢትዮጵያዊ ኣቶ ኤልያስ ክፍለ ዝተባህለ ሰብ፡ "ኢትዮጵያ ብጎረባብቲ ሃገራት እንተላይ ብስዑድ ዓረብ መሬት ተወሲድዋ" ክብል ተሰሚዑ። እቶም ትፋኦም ከልምጹ ዘይሓንኩ ህግደፋውያን ንከም ኣቶ ኤልያስ ዝዓይነቶም "ዓሰብ ናይ ኢትዮጵያ እያ" ኢሎም ዝኣምኑ ሰባት ብኽብሪ ክዕድሙን ኣብ መድረኾም ከዛርቡንሲ ምስምንታይ ይቑጸር፧ እቶም ብዘይካ ምጥቓዕ ካልእ ዘይፈልጡ ኣባላት ህግደፍ ግና ከምኣመሎም እዝኖም ሰሚዑ ከይወድኤ እዮም ጣቒዒት ዝጅምሩ። እዚ ጣቕዒት ናይ መጣቓዕቲ ዘይድህሎም ኣባላት ማሕበር መንእሰያት ንለውጢ ኣብ ዉሽጢ ምስኣተዉ፡ ነቲ ኣስተምህሮ ክህብ ዝጸንሖም ሶማላዊ ዶ/ር ሰመጣር፡ "ሃገርና ናይ ባዕላ ጸገም ኣለዋ ንሕና ብዛዕባ ኤርትራ እምበር ብዛዕባ ሶማል ክንሰምዕ ኣይመጻናን" በልዎ። ዶ/ር ሰመጣር ድማ ካብቲ ኮፍ መበሊኡ ተንሲኡ ከደ። ኣባላት ህግደፍ ንኣባላት ማሕበር መንእሰያት ንለውጢ፡ ከውጽእዎም ፈተኖም። ኣባላት ማሕበር መንእሰያት ንለውጢ ግና፡ "እዚ ዘተ ክቕጽል እንተኾይኑ ኣብ ደገ ተኸልኪሎም ዘለው ብጾትና ክኣትው ይፈቐደሎም። እንተምውጻእ ግን ሎሚ ኣይንወጽእ ጽባሕ ኣይንወጽእ" ኢሎም ኣቕበጽዎም። እቲ ኩነታት እናነሃረ ምስ ከደ ኣቦታቶም ኣባላት ህግደፍ ዝኾኑ ቈልዑ፡ ነቶም ትማሊ ግንባሮም ንዓረር ጸላኢ ሂቦም ዝመከቱ ጀጋኑ መንእሰያት ቀሪቦም ብካሜራታት ክስእልዎም ጀመሩ። መብዛሕትኦም እቶም ቈልዑ ብዘይካ ቋንቋ እንግሊዝ ካልእ ቋንቋታት ኤርትራ ኣይዛረቡን እዮም። እቲ ዘልዓልዎ ስእልታት ተስፋ ይገብር ኣብ ጽቡቕ ከቐምጥዎ ። ምኽንያቱ እዚ ጅግንነት እዞም መንእሰያት ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ቤተ መዘክር ኤርትራ ብክብሪ ክሰፍር እዩ። እቲ መኸተ ኣንጻር ህግደፍ እናነሃረ ምስ ከደ፡ ህግደፋውያን ካልእ ኣማራጺ ስለዘይነበሮም ፖሊስ ጸዊዖም። ከም መጠን ተኻረይቲ ናይቲ ኣደራሽ፡ መሰል ስለዝነበሮም ድማ፡ እቶም ተባዓት መንእሰያት ክወጹ ግድን ነይሩ። እቲ መልእኽቲ ንጹር እዩ ኔሩ። "በቃ ክንሑሱ ስለዝኾና ዉጹልና ኣይተቃልዑና።" እንተ ንሕና ግና ዘዳለናዮ ንኹነታት ሃገርና ዝገልጽ ጽሑፋት ንህዝቢ እናዓደልና እንታይነት እዚ ስርዓት ህግደፍ ካብ ምቅላዕ ንድሕሪት ኣይበልናን።            

ካብቶም ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ምሁራት ሓደ ኤርትራዊ መንእሰይ ዶ/ር ዓወት ኪኸዉን እንከሎ፡ ጸገም ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃ መራሕቲ ምኻኖም ኣሚኑ ከብቅዕ፡ ነቲ ኣብ ዓድና ዘሎ ጸገም ከምቲዝድለ ከብርሆ ኣይፈተነን። እኳ ደኣ ክሓባብእ ፈቲኑ። ንኹነታት ትምህርትን ጥዕናን ኣብ ኤርትራ ኣመልኪቱ፡ ዘይመስል ሓበሬታ ክህብ ተራእዩ።  ንሕና ኣባላት ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ በዚ ኣጋጣሚ ንዶ/ር ዓወት ነቲ ሓቅን ሓሶትን ፈሊኻ ስለ ትፈልጥ መገዲ ሓቂ ክትኽተል ሃገራውን ሕዉነታውን ጻዊዒትና ነቕርበልካ። ኣብቲ ኣኼባ ኣባላት ማሕበር መንእሰያት ንለውጢ ንምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ኣመልኪቶም ንዘቕረብዎ ሕቶ ኣይተመለሰሎምን። እምበኣርከስ ዶ/ር ዓወት ምስ እዚ ሕቶታትኩም ብጹሑፍ ኣቕርቡ ኢሉ ንሕቶታት ሳንሱር እናገበረ ክመሚ ብዓይንኻ ዝረኣኻዮ ዘይደሞክራሲያዊ ስርዓት ካብ እትውግን፡ ምሳና ምስ ደለይቲ ሓቅን ተጣበቕቲ ቅዋምን ሰብኣዊ መሰላትን ብጾትካ ወግን ክንብሎ ንደሊ።        

ሕጂ እውን ከምቲ ዝሓለፈ፡ "ምቕናይ ጥራይ ምቕናይ ኩሉ ንምርኣይ።" ሳላ ዝቐነና ተሳሒቱ ሰሚዕና። ቀኒና ድማ "እቲ እከይ እምበር ተጨሚቱ" ንመን ኢልዎ።

ሰለሙን ገብረእየሱስ
ኦክላንድ ካሊፎርንያ  

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...