እዚ ጽሑፍ እዚ ኣብ ከተማ ቶሮንቶ ካናዳ ን ኩቡር ሸኽ ሙ/ጀውሃር ሓጎስ ክብሪ ንምሃብ ህዝቢ ኣብ ዝተኣከበሉ ጊዜ ገለ ክፋል ካብ ታሪኽ ሂወቱ ዝተነበበ ኢዩ

ሎሚ ነቲ ንሓደ ብሞት ዝተፈልየ ሰብ ዝግበር ክብሪ ንምሃብ ኣብዚ ተኣኪብና ኣሎና
ን ሙ/ጀውሃር ገለኹም መታዓብይቱ ገለኹም መማህርቱ ገለኹም ደቂ ገዛዉቱን ኣዕሩኽቱን ኢኹም።

ገለ ድማ ብኣካል ዘይኮነ ብወረ ትፈልጡዎ ገለኹም ዉን ፍጽም ዘይትፈልጡዎ ኢኹም ገለኹም ውን ኣዝማዱ ኢኹም።

ከምቲ ሰብ መዋቲ ዩ ታሪኹ ዩ ተራፊ ዝብል ጥቕሲ ገለ ውሑድ ካብ ታሪኹ ክገልጽ ክፍትን የ ሙ/ጀውሃር ኣብ ዓዱ ዓዲ ገዳ ሰራየ ካብ ወላዲኡ ኣቶ ሓጎስ ዓብደኑር ካብ ወላዲቱ ወይዘሮ መዲና ኢማን ተወሊዱ ኣብ መንደፈራ መባእታን ካልኣይን ደረጃ ተማሂሩ ቀጺሉ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ብ ኣካውንታንት ብ ዲግሪ ተመሪቑ ኣብ ፊቾ ታሳ ማለት ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ሓላፊ ኮይኑ ን ቡዙሕ ዓመታት ሰሪሑ።

ፈታው ሃገሩ ስለዝነበረ ብሚስጢር ንሃገሩ የበርክት ነበረ ኣብ 1977 ድማ ንስደት ኣምሪሑ ኣብ ስደት ውን ኣብቲ ዝኣምነሉ ተሰሊፉ ክሳብ ዕለተ ሞቱ ተቓሊሱ ዩ
ሙ/ጀውሃር ባዓል ሓዳርን ኣቦ 13 ቆልዑን ኢዩ

ሙ/ጀውሃር ብሰባት ፍቱው ብቤተሰቡ ፍቱው ጠቓም ሰብ ጠርናፊ ኣሕዋቱን ቤተሰቡን ህዝቡን ኔሩ ብተፈጥሮ ኣዝዩ በሊሕ ኣርሒቑ ዝሓስብ ኩነታት ኣብ ምምዛን ፍሉይ ተውህቦ ዝነበሮ ጸላእ ሕመቕን ስንፍናን ኣብ ዲነል ኢስላም ድማ ልዑል ኣፍልጦ ዝነበሮ ምእንቲ ሓቅን ምእንቲ ወገኑን ህዝቡን ዝማጎትን ዝብጆን ኣዝዩ ተባዕ ሰብ ነበረ።

ፈታው ሃገሩን ህዝቡን ደላይ ፍትሕን ስለዝነበረ ኣብ ኤርትራ ዝተመንዝዔ መሰል ህዝቢ ኣዝዩ ድቃስ ይኸልኦ ከምዝነበረ ካብ ዕላላቱ ይግንዘቦ ኔረ ገለ ካብኡ ነዋልድና ብሓይሊ ዓስኪርካ መርወይ ሸውሃት ኣሕሉቕ ኢሰያስ ኮይነን ምትራፈን ኣስላም ክንሶም ሙናፊቒን መጋበርያ ኢሰያስ ኮይኖም ነሕዋቶም ኣሕሊፎም ዝህቡ ከምዘለው ኮምኡ ውን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻኢን ንህዝቢ ብሃይማኖትን ቀቢላን ኣውራጃን ብሃሱሳቱ ጌሩ ህዝቢ ንሓድሕዱ ምእንቲ ክተፋነን መቓቒልካ ግዛእ ኢሳያስ ዝኽተሎ ሜላ ሙኻኑ ኮምኡ ውን ነቶም ኣለውና ንብሎም ናይ ቃልሲ መራሕትና ብማሓውር ቅንጸላ ኢሰያስ በብሓደ ክምልዓሱ ኮለው ሓንቲ ክንገብር ዘይምኽኣልና ወዘተ. የዕልለኒ ነበረ።

ካልእ ኣብ 1993 ሙ/ጀውሃርን ክልተ ብጾቱን ካብ ሱዑዲያ መሰሎም ንምሕታት ኣስመራ ምስኣተው በቲ ኣገባብን መሰልን ዘይፈልጥ ጉጅለ ዓዋሉ ጉጅለ ሰብ ገበን ብማሓውር ቅንጸላ ኢሰያስ ተጨውዮም ብዘይ ገለ ገበን ን 3 ዓመታት ኣብ ማሕዩር ተሳቒዮም ግና ሳላ ኣብ ስደት ዘለው ቡቑዓት ወገኖም ናብ ሕቡራት ሃገራት ጠሪዖም ስለዘስሙዑ ብጸቕጢ ናይ ሕቡራት ሃገራት ካብ ማሕዩር ወጺኦም ድሕሪ ናይ 3 ዓመታት ዓዛብ ሙ/ጀውሃር ጥዑም ለይቲ ኣይሓደረን ኣብ ጥዕንኡ ዓቢ ማህሰይቲ ወሪዱ ዩ።

እወ ሰብ ይውለድ ይመውት ግን ሽሕ ይሙቱ ጽላል ሽሕ ኣይሙት ከም ባዓል ሙ/ጀውሃር ዝመሰሉ ሊቃውንቲ ንሓቅን ፍትሕን ዝስየፉ ምስኣን ንህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ክሳራ ዩ እዚ ክብል ኮለኹ ግና ብጅግንነቱ ሓበን እንዳተሰማዓና ራእይኡ ኣሰሩ ተኸቲልና ክንቅጽሎ ምኻና ቃል ንኣቱ።

ረቢ ብራሕማ  ይቀበልካ እንዳበልና
ንስድራ ቤቱ ድማ ረቢ ኢማን ይሃብኩም


ብ ሳልሕ  ዓብደላ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...