እዚ ብግንቦት 2009 ኣብ ኣዝማሪኖ ዝርከብ ብቋንቋ እንግሊዝ ዝወጸ ጽሑፍ ዝተወሰደ እዩ።

ነዚ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ተጋሂዱ ዘሎ ጥሜት ንምርዳእ ናብተን ዝበዝሐ ሰባት ዝሞቱለን ናይ ቶታሊተርያን ሃገራት ናይ ማኦ ቻይና፣ ናይ ኪም ቾንግ 2ይ ሰሜን ኮረያን፣ ናይ ፖል ፕት ካምቦድያን ንመልከት። ኣብዚአን ሃገራት ሞት ብብዝሒ ምርሻን ኣይተረኽበን። እንታይ ድኣ ውጽኢት ናይ ግጉይ መድብ ኣገባብ “ርእስኻ ምኽኣል” ሕርሻን መግቢ ፖሊሲታት ነበረ። ነዚ ዝያዳ ዘጋደዶ ድማ ኩነታት ኣዝዩ ምስከፍአ ከምዝተጋገኻ ዘይምእማንን ሰኣን ሓገዝ ምሕታትን እውን ኔርዎ። ካን ልክዕ ከምዛ ናይ ኢሳይያስ ስርዓት።

…………እቲ ናይ ጥሜት ህላወ እንተዝእመነሉ ኔሩ፡ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ዋላውን ለቓሕ ተጠቒምካ መግቢ ካብ ወጻኢ ምእታው፣ ካብ ካልኦት ሃገራት ናይ መግቢ ሓገዝ ምሕታት፣ ነዚ ንምስላጥ ነተን ናይ ረድኤት ማሕበራት እውን ብምምላስ ቅልጡፍን እዋናዊ መፍትሒ ክርከቦ ምተኻእለ ኔሩ። እቲ መጀመርታ ካብቲ ናይ ኢሳይያስ ብቐዳምነት ዝሰርዖ ናይ ብረት ምግዛእ ሸመታን፣ ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ዝተፈላለያ ሚሊሽያታት ብገንዘብ ምስናቕን፣ “ጻዕዳ ሓርማዝ” ዝኣመሰለ መደባት ዘባኽኖ ገንዘብ ክውሰድ ማለት እዩ። እዚ ኣዝዩ ዘይከውን ስለዝኾነ ድማ እቲ ናይ ወጻኢ ዝርከብ ኤርትራዊ ገንዘብ ኣበይ ከምዝውዕል ብሩህ እዩ። እቲ ኻልኣይ ትዕቢትካ ምውሓጥ ስለዝሓትት እዚ ድማ ኢሳይያስ ይኹን እቲ ንዓመታት ዝመርሖ ነቓጽ ውድብ ኣይክቕበሎን እዩ።

ኣብ ሓደ ናይ “መስዋእቲ” ካብ ዝኣምን ኣካል ጥራሕ ክመጽእ ዝኽእል ዘገርም ኩነት ኣብ ሕማቕ እዋኑ ንሕዝቢ ኣነ እንታይ ክገብረልካ ኣብ ክንዲ ምባል ንሱ “ኣብ ናተይ ሕማቕ እዋን” ንዓይ ግበረለይ ይብል። ናይ ሓደ ሰብ ብድዐን ደርገፍገፍን ዘምጽኦ ሳዕቤን እቲ ሕዝቢ ክኸፍሎ ይሓትት ኣሎ። ንህግደፍ ሎሚ ዘሽገሮም ዘሎ ንጥሙይ ሕዝቢ ከመይ ጌርካ ምድሓኑ ዘይኮነ ናይ ኢሳይያስ መሪሕነት ምስ ትዕቢቱ ብሙሉኡ ንምድሓን እዩ። …………..እዚ ናይ መግቢ ፖሊሲ ድማ (1) ብዝኾነ ዓይነት መንገዲ ስርዓት ኢሳይያስ ነዚ ናይ ጥሜት ሽግር ምስ ፖሊቲካዊ ሓይሉ ክሰግሮ (2) ነዚ ጥሜት ድማ ናይ ኢሳይያስ ዘይተተካፍነትን ትዕቢትን ከምዘለዎ ክሓልፍ ኣለዎ። “ርእስኻ ምኽኣል” ዝበሃል ኣምር ከምዝፈሸለ ብግሁድ ይኹን ብሽፋን ክርአ የብሉን።

………እቲ ጥሜትከ ሓቂ ድዩ?

…….ኩሉ ናይ ሻዕብያ ናይ ርእስኻ ምኽኣል ፖሊሲ ሓንቲ ጥርሕ እያ ዕላምኡ። ፍጹም ቁጽጽር ናይ ሕዝቢ። ናይዚ ብኣስቃቒ ኣገባብ ዝፈሽል ዘሎ በዘን ዝስዕባ እዩ ተኻይዱ። (ሀ) ናይ መሬት ፖሊሲ፤ እቲ ስርዓት ነቲ ዝበለጸ መሬት ብዝቐልጠፈ ኣገባብ እቲ ልሙዕ ካብ ሓረስቶትን ሰበኽ ሰግምን ኣህዛብ ብቐጻሊ ወሲዱን ይወስድ ኣሎን። (ለ) ናይ ዕዳጋ ፖሊሲ፤ ናይ ውሽጥን ናይ ወጻኢ ዕዳጋ ካብ ገዛእትን ተጠቐምትን ተኣጊዱ። እቲ ንቡር ናይ መግቢ ኣብ ዕዳጋ ወሪዱ ናይ ምቕራብን ምልውዋጥን ተግባር ተሪፉ። (ሐ) ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ፖሊሲ፤ ኩለን ዓድታት ኤርትራ እቲ ዘፍሪ ሰባዊ ዓቕመን ብብግዚኡ እናተሓድጋ እቶም ዝተረፉ ሽማግለታትን ደቂ ኣንስትዮን ቆልዑን ድማ ኽብቲ ክጓስዩን መሬት ክሓርሱን ኣይክእሉን እዮም። (መ) ናይ ረድኤት ፖሊሲ፤ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ገፊጥካ ንምርካብ ንናይ መግቢ ረዳኤት “ገንዘብ ንእኽሊ” ስለዝለወጦ እዚ ዓይነት ረድኤት ካብቲ ብናይ ሰናይ ማሕበራት ዝዕደል ዝነበረ ርቡሕ ኣይወዳደርን እዩ። ነዚ ናይ ርእስኻ ምኻኣል ፖሊሲ ሓደ ብሓደ ምስዝምርመር ኩሉ ኣተኩሮኡ ናብ መሬትን ናይ ሰብ ሓይሊን (ብሃገራዊ ኣገልግሎት ኣቢልካ)፣ ዕዳጋን ሓይልታት ምልውዋጥን ናይ ማእቶትን ናይ መተሓላለፊ መትንታት ናይቲ ሕብረተ ሰብ ፍጹም ምቁጽጻር ምዃኑ የረድእ።

..ፕረዚደንት ሕዝቢ ብኸመይ ጌሩ ነዚ ጥሜት ከምዝቆጻጸሮ ፍሉይ ምኽሪ ሂቡ ኣሎ። ንጥዕና ኣብ ዘድሊ ደረጃ ዘብጽሕ ካሎሪ ኣጉድል! እታ “ሕብስቲ ዘይበልዑ” ዝበለቶ ፍልጥቲ ማሪ ኣንቶዋነት ናይ ፈረንሳ ጥራሕ እዩ ምስዚ ዝወዳደር ናይ ዕሽነት፣ ኣግላስነትን፣ ዘይምግዳስን ኣብነት። ንኽቱር ጭካነ ግን ንሳውን ምስዚ ደርማስ ሳዲስት እዝስ ኣይተወዳደርን እያ።

ነዚ ኩነት ኣዚ ን”ምፍታሕ” እምበኣር ታይራንት ዘዳልዎ ዘሎ ናይ ስሉሳዊ ኣገባብ ንመልከት። ኣህዛብ ኤርትራ በቲ ንፖሊቲካዊ ህላወኡ ንምርግጋጽ ብዘለዎም “ዋጋ” እዮም ዝትመኑ ዘለዉ። ብቐዳምነት ኣባላት ህግደፍ፣ ሰራዊትን፣ ርእሰማል እዮም። ኢሳይያስ ነዚእቶም ከሕርቖም ኣይደልን ኣዩ። ኣቶም ቀዳሞት ኣብ ናይቲ ስርዓት ዓንዲ ተኣታትዮም እዮም። እቲ ኻልኣይ ንናይ ገዛእ ርእሱ ምክልኻል ኣድለይቲን ኣጽዋር እውን ዝዓጠቑ እዮም። እቲ ሳልሳይ ድማ ምስቲ ኮረሻ ናይ ስልጣን ኣዝዩ ዝጠበቐ ስለዝኾነ ንኸተጥምዮ ኣይጥዕመን እዩ።  …………..እቶም ሓይሊ ዘይብሎም ሓረስቶትን ሰበኽ ሳግምን ኣብቲ ዝተሓተ ባይታ ኾይኖም ንርእሶም ባዕላቶም ከድሕኑ ተገዲፎም ዘለዉ። ዝበዝሑ ካብዚእቶም እዚ ጥሜት እንተድኣ ክሳብ ናይዚ ዓመት መወዳእታ ቐጺሉ ብዘይጥርጥር ክሞቱ እዮም። ካብዚእቶም ብዝያዳ ዝህሰ ጉጅለ ግን እቲ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝርከብ ሕዝቢ እዩ። እዚእቶም ኣብ መላእ ኤርትር ዝርከቡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣብ ኣብያተ ማእሰርትን ናይ እስራት መዓስከራትን ብቐደሙ ብማልኑትሪሽን ዝተጠቕዑ ስለዝኾኑ ዝያዳ ኽጉዱኡ እዮም።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...