ብካሕሳይ ይሕደጎ፡
ጀርመን 27/05/09።

ክቡራንን ክቡራትን ህዝብታት ኤርትራ ኩልና ከም እንፈልጦን እንርድኦን እታ ዝኸበረት ንብረት ወዲሰብ ቅድሚ ኹሉን ድሕሪ ኹሉን ሂወቱ ምዃና ሚእቲ ብሚእቲ (100%) እንሰማማዓሉ ሓቂ ብምዃኑ ዘየካታዓና ጉዳይ እዩ።

እምበኣርከስ ካብዚ ሓቂዚ ብምብጋስ እዞም ክቡር ሂወቶም ዘወፈዩ ሰማእታትና ኣቦታትን ኣዴታትን ኣሓትን ኣሕዋትን፡ ብቐጻሊ ሓድሽ ወለዶ ዝውፈ ዘሎ መስዋእትን ብድሕሪኦም ብደሞክራስን ሰላምን ፍቕርን ሕድሕድ ምክብባርን ኣብ ማሕበራዊ ግስጋሰን ምዕብልናን ፍትሕን ርትዕን ተኸቲላ ንቕድሚት እትስጉም ብጻዕረኛ  ህዝብታታ ኣብ ሓጺር ግዜ ምስ ምዕቡል ዓለም ክትዋዳደር ክትበቅዕን ኢሎም እዮም መተካእታ ዘይብሉ ክቡር ሂወቶም በጃ ዝበጀዉ።

ክቡራንን ክቡራትን!! መስዋእትነት ክበሃል ከሎ ከምቲ ብሓያለ ግጉይ መግለጺ ዝዋሃቦ ዘይኮነስ፡ በቲ ትኽክለኛ ኣገላልጽኡ ክቕመጥ ስለ ዝህልዎ ብኸምዚ ዝስዕብ ምስ ዝቕመጥ ኣብ ቦትኡ ዘሎ ይመስለኒ። ማለት ከምቲ ለባማት ወለድና ዝመሰልዎ እንተዘይ ትንውንወ
ኒስ፡ መን መጽደፈኒ ከም ዝበሃል ብሰንኪ ሃገራውንቶምን መንነቶም ብዘስካሕክ ጭካኔ ሂወቶም ዝሐለፈን ከም ስዉኣት ኣብ መዝገብ ናይ ሰማእታት ዘይተሰነዱ ጀጋኑ ኣቦሓጎታ ትን፡ እነሓጎታትን ብኢድ ጨካናት የሕዋቶም ኣብ ጉዕዞ ሃገራዊ ሓርነታዊ ቃልስና ዝወደቑ ብጹኣንን ከም ዘጣቓልል ብሓባር ክንስምረሉ ይግብኣናን ይህልወናን።
 
እዚ ንምባል ዘገደደኒ ቀንዲ ምኽንያት፡ ሃገርና ኤርትራ ብዝተፈላለዩ ናይ ባዕዲ ገዛእቲ እንዳተባራረዩ ብሕማቕ ክትርገጽን፡ ህዝብታታ ብሓባር ጸላእቱ ከየለሊ መንቋሕቋሕታ ኣለዎም ንዝተባህሉ ብስዉርን ብግልጽን እንዳ ተጨወዩ ብዝተፋላለየ መጸለሚ ኣስማትን ብዘይወዓልዎ ገበንን እንዳ ጠቀኑ ንዝሕበነሉ ባህሉን ቋንቁኡን ንምጥፋእ ዘይተፈተነ ተንኮላትን ክፍኣትን ኣይነበረን።

ክቡራንን ክቡራትን!! ጀጋኑ ወለድና ብመስዋእቶም እዚ ሕጂ ከም መለለይና እንሕበነሉን እንኾርዓሉን ዘለና ባህልታትን ቋንቋታትን ብተወፋይነትን ጽንዓትን ክቡር ሂወቶም ዝተኸፈለሉ ከም ምዃኑ መጠን ከም ቀዳሞት ሰማእታት ታሪኾም ብኽብሪ ክዝከርን ክስነድን ንውሉድ ወለዶ ክሰጋገርን ብዘጽንሑልና ዘይሕከኽ ውርሻ ከነማዕብሎን ከነውርሶን ይግባኣናን ይህልወናን።    

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን!! መላእ ህዝብታት ኤርትራ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ሓቅታት ከም ዘለዎ ሓቂ ኮይኑ፡ ድሕሪዚ ክቡር መስዋእቲ ጀጋኑና፡ ማለት ውጽኢት መስዋእቶምን      
ዓስቦምን ብኸመይን እንታይን ተተኪኡ እስኪ ብሓባር ንምዘኖ እሞ ብሓባር መፍትሒኡ
ሃሰስ ኢልና ከነናድየሉ።

ምኽንያቱ ሰማእታትና ደሞም ብምፍሳስ ዓጽሞም ብምኽስካስ ብድሕሪኦም ሰላምን ቅሳነትን ራህዋን ፍትሕን ርትዕን ደሞክራስን ክሰፍና እዮም፡ እታ መትካእታ ዘይብላ ክብርቲ ሂወቶም ከፊሎም ዝሓለፉ።  እምባኣርከስ ሰማእታትና ናይ ሓባርና እዮም ካብ በልና ሽግር ህዝብታትናን ሽግር ሃገርናን ንዉሑዳት ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነስ ንመላእ ህዝብታት ኤርትራ ጓዕጺጹ ዝጭፍልቕ ዘሎ ኣራዊታዊ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ውሑዳት ወይጦታት ሰብኣዊ ክብረቶም ዝሸጡ ከም ጎይቶቶም በተዓባብይኦም ዝተበደሉ ብዓልየትን   ሃይማኖትን ዘርእን እንዳተጻረፉ ንተቓለስቲ እንዳዘንጠሉን እንዳደፈሩን ኣብ ናይ ጽባሕ         
ኤርትራ ምስ ወንጀለኛታት ኣሕሉቖም ኣብ ቀይዲ ህዝቢ ምእታዎም ስለ ዘይተርፎም ጌጋ ብጌጋ ክቕጽልዎ ናይ ግድን ኮይኑ ምህላዉ ዘየሕዝን ኣይኮነን።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ብዘይ ኣፋላላይ መላእ ህዝብታት ኤርትራ!! ድሕሪዚ ነዊሕን መሪርን ክቡር መስዋእቲ ወለድናን ሕጂ ደቅናን ንቕዱስ ዓላማኦም ብኣወንታ ዘበስር ዘይኮነስ ብሰንጥቕ ዝጻረር ጸረ መሰረታዊ ዓላማኦምን ትምኒቶምን ብቐጻሊ ናይ ጥፍኣት ጥፍኣትን ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ብቕልጡፍ ንድሕሪት እትውንጨፍ ዘላ ሃገርን ክቡር ህዝብታታ መንነቱ ኣጽሊእዎ እግሩ ናብ ዝመርሖ ዝሃድመላን እቲ ዕድል ዘይረኸበ ወይ ዓቕሚ ዝይብሉን ብጥምየትን ዕርቃንን ዝግረፈላ ዘሎ ሃገር ምዃና ካብ ነፍሲ ወከፍና ዝተሰወረ ኣይኮነን።

ክቡራንን ክቡራትን !! ውጺኢት ክቡር መስዋእቶም እዚ ካብ ኮነ ዓጽሞም ከይወግኣና ደሞም ከይስርንቐና መቓብሮም ኣንቀጥቂጡ ብሰንኪ ንቑጽ ይነድድ ርሑስ ከም ዝብሃል ምስቶም ከሓድትን ጠላማትን ኣብ ዘይጓላና ኣብ ናይ ሰማእታት ልግጫ ዳንኬራ ካብ ምቁጽጻይ ክንቁጠብ ይግበኣናን ይህልወናን።                             

ናይ ወንጀለኛታት መመልካዕቲ ካብ ምዃን ተቖጢብና ሕድሮምን ለበዋኦምን ብምዝካር ንተሪፍና ዘሎ ሃገራዊ ዕማም ኣብ ደንበ ተቓውሞ ብምዕሳል ክንክሕሶምን ኣብ ዝዓረፉሉ ብሰላም ክቐስኑን ክዓርፉን ምስ ዘይንገብር ካብ ሕልናኻ ሸጥካ ነብስኻ ምትላል  ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ኣይህልዎን፡ ጥራይ ዘይኮነስ ንዓና ንኽጥዕመና ዝውንንዋ ክብርቲ ሂወቶም በጃ ምሕላፎም ምኽሓድውን እዩ ዝኸውን።

ስለዚ ሕጂ ውን እንተኾነ ብዝሓለፈ ሓለፈ ኣይትድገመኒ ብዝተረፈ ከም ዝተባህለ ኣእምሮና ብምስትኽኻል ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘረ ክውንነት ብኣትኩሮ ብምምዛን ንጽባሕ ዘይጽበ ህዝባውን ሃገራውን ዕማማት ብሓባር ይጽበየና ስለ ዘሎ ሕጂ ቅድሚ ዳሕራይ ወይ
ሎሚ ቅድሚ ጽባሕ ካባና ዝጥለብ ምስ ዘይንፍጽም፡ ብትኣምር ሰማእታትና ተንሲኦም ክሳብ ዝኸሱና ወይ ሓዘኖም ዝገልጹልና ምጽባይ እዩ ዝኸውን። 

ክቡራንን ክቡራትን ህዝብታትና!!! ፋሽሽታዊ ጉጅለ ህግደፍ ንምድምሳስ ሕድርን ለበዋን ስዉኣትና ምትግባር ስለ ዝኾነ ብሓባር ሓንሳእን ንሓዋሩን ምስ ናይ ስለላ መሓውራቱ ካብ ጽፍሒ ኤርትራ ሓኺኽና ኣብ ናይ ታሪኽ ጓሓፍ ክንድርብዮ ምዃና ዋላ ንሓንቲ ደቒቕ ተጣራጢርና ኣይንፈልጥን ኢና።

ኣብ መቓብር ኣራዊታዊ ጉጅለ ዓዋሉ ብሕግን ስርዓትን እትመሓደር ንኹሉ ህዝብታታ ብማዕርነትን ፍቶታዊ ሓድነትን እትመሓደር ደሞክራስያዊት ኤርትራ ብምትካል ለበዋ ሰማእታትና ተግባራዊ ክኸውን ናይ ግድን እዩ።

ክቡራንን ክቡራትን!! ንሎሚ ዘዳለኽዎ ናይ ህዝቢ መጸዋዕታ ኣብዚ እንዳዓጸኹ ኣብ ዝመጽእ ክሳብ ንራኸብ ሰላም።

ኣይንጸበ ክሳብ  ብተኣምር ተንሲኦም ዝኸሱና!!
ዓጽሞም ከይወግኣና ደሞም ከይስርንቐና !!
ሎሚ ንዘክሮም ንጽባሕ ከይበልና!!
ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ሰማእታትና።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...