ከምቲ ኣቦታትና ንሓደ ሕማቕ እዋን ብቐቢጸ ተስፋ ክገልጹዎ ከለው፣ ክሓልፍዶ እምበር ኢዩ፣ ኢሎም ንዝማረሩ፣ ምሕላፍስ ይሓልፍ ክሳዕ ዝሓልፍ ግን ትንፋስ ሰብ የሕልፍ ዝብልዎም፣ እዚ ንህዝብና ብሕሰም ቆሪኑ ሒዝዎ ዘሎ ስርዓት ዝገብሮ ዘሎ፣ ማለት ኣብ ገዛኻ ስቕ ኢልካ ብጥሜት ክትመውት ስለ ዝፈረድኩኻ ስቕ ኢልካ ኣብታ ዘለኻያ ድኣ ሙት እምበር ጠምዬ ጸሚኤ ዝብል ዘረባ ሒዝካለይ ከይትመጽእ እንተ ዘየለ ክትእሰር ኢኻ ዝብል ቋንቋ ካብ ሓደ ኣነ መንግስቲ ኢዬ ዝብል ክትሰምዕስ ይገርመካ ጥራይ ዘይኮነስ የስድምመካ።   

ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ዝኸውን ዘሎ ሰሚዕና ዝግበር ዘሎ ርኢና ሓቂ እንተተዛሪብና፣ ኣብ ትሕቲ ሕሰም ተቖሪኑ ንዘንት እለት ዝነብር ህዝቢ ስለዘየለ፣ ህዝብና ምንም እኳ ኩሉ ካብ ኣምላኽ እንተኾነ ኣብ ትሕቲ እግጊሄር ዝካኣለኩም ጌርኩም ኢኹም ኢሉ ሓሳቡ ዝገልጸሉ ነቶም ኣብዛ ጸበብኡ ጸማም እዝኒ ዝህብዎ ዝኸሰሉ ማዓልቲ ራህዋን ቅሳነትን እኮ ክትመጾ ኢያ ንህዝብና ጸቢባቶ ኣይትነብርን ኢያ። 

እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ንፍቶ ንጽላእ ብፍታውና ዲዩ ብሓይሉ ኣታሃላልውኡ ንኹልና ዝርድኣና እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘውርዶ ዘሎ ሽግር ስቕ ዘየብል ኢዩ፣ ሎሚ ውይ ጉድ እንተበልካስ ጽባሕ ወይ ትኣምር ዘብል ይስዕብ ድሕሪኡ እውን ዘስደምም ኢኻ ክትብል ድሕሪኡ ቃል ኣጋንኖ ተወዲኡካ ትም ኢዩ፣ እዚ ስርዓት እዚ እሞ ጌና’ውን ዘይሰማዕናዮ ክሳዕ ንሰምዕ ካብ እከይ ተግባሩ ጠጠው ከምዘይብል ፍሉጥ ኢዩ፣ ዝዓበደ ፈረስ ክሳዕ ዝጸድፍ ኢዩ ዝጋልብ፣ ካብዚ ስርዓት እዚ ምስ ዝወጸ የውጻና ጥራይ ኢዩ ዝብሃል።

እዚ ኹሉ ዘዛርበኒ ዘሎ ምኽንያት፣ ሰሚዕኩምዶ ሃገርና ኤርትራ ኣብ መዋጥር ኣትያ ህዝብና ዝበልዖ ጠፊኡዎ ጥራይ ዘይኮነ፣ ሽግሩ  ንዝነግሮ’ውን ጠፊኡዎ ከምዘሎ፣ ትማሊ፣ ህግደፍ ጠሚና ንዝበላ 45 ኣዴታት ሓዝሓዝ ኣሲሩ ምስ ኣንበብኩ ስለ ዝገረመኒ ኢዬ እዚ ኩሉ ክጽሕፍ ተገዲደ፣ ስምዑ እሞ ክቡራት ኣሕዋት፣ 45 ኣዴታት ናይ ክንደይ ሰባት ሓላፍነት ኢዩ ዘለወን ትርድእዎዶ 45 ኣቦታት ኣብ ገዛ ገዲፈን፣ ሕጻናት ኣብ ገዛ ገዲፈን፣ ዝዓበዩ ደቀን ነዛ ብወሽጣ ኣብ ቅሳነት ዘየላ ሃገር ውሰናስና ያኢ ክሕልው ብዝብል ምስምስ ኣብ ባርነት መጋበርያ ናይቲ ስርዓት ናይ ዝኾኑ መኮንናት ተጸሚዶም ብድሕሪኦም ካኣ ኣዴታቶም ትኣሲረን ናእሽቱ ኣሕዋቶምን ኣቦታቶምን ካኣ ብጥሜት ክመቱ ተፈሪዶም ክትሰምዕ ከለኻስ ንዘላናዮ ጊዜ ንምንታይ ጸናሕኩ ኢልካ ኢኻ ትማረርን መፈጠርካ ትጸልእን።

ኣቱም ሰባት እንታይ ኢዩ ዳኣ ዝግበሮ፣ ናበይ ከድካ ኢዩኽ ዝጥርዖ መንግስቲ የብልናን ኢልካ ስቕ ከይትብል ህንጻታት ሰሪሖም ኣለና ይብሉኻ ክትጠርዕ እንተኽድካ ድማ ይኣስሩኻ፣ ኣይገርመኩምን ኣብ ኩሉ መገድታት ኣሰርቲ ኣብ ቤት ጸሎት ኣሰርቲ መሕለፊ ዘይብሉ ሃገር እንታይ ኢዩ ወርዱዎም ጥዕናዶኸ እምበር ኣለዎም። 

ኣብ’ዚ እዋን እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ይብድል ኢዩ፣ ይገፍዕ ኢዩ ዝብልን ካልእን ካልእን ምስማዕ እቲ ልሙድ ነገር ኢዩ፣ ጸገሙ ክነግሮ ኣብ እግሩ ንዝተደፍኤ ክኣስር ግን ተሰሚዑ ዘይፈልጥን ካብ ዝኾነ ንላዕሊ ዘስደምምን ኢዩ፣ እምበርዶ ምስ ርእሱ ዘሎ ስርዓት ኢዩ ኢኻ ትብል፣ ኣቱም ሰባት ብፖለቲካ ብሰልፊ ብኻልእ ምዝራብ ገዲፍና ብኸመይ ህዝብና ካብ ዘለዎ ኩነታት ነድሕን ዝብል ሓጺር ዕማም ሒዝና ህዝብና ነድሕን፣ ካልእ ኩሉ ድሒርና ነርከበሉ።

ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና
ዓወት ድማ ነዚ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝብና

ባላይ መስፍን ጀርመን