ብወገነይ ተ.ሓ.ኤ. ቁንጅና ሳሎን ወይ መደበር ስነ-ጽባቐ ታሪኽ ከፊታ ኣይሰማዕኩን፡ ከም ባዓል ዮሴፍ ዝኣመሰሉ ሃዋርያት ስነ ጸይቒ ግን ሱፐር ማርኬት-ማዳ ከፊቶም፡ ነቲ ቁድሰ ታሪኽ ከራኽሱን ከማድዉን ተዓጢቖም ከም ዝተስኡ እነሆ ንኹሉ ጉሁድ ኮይኑ ኣሎ።

ታሪኽ ናይ ዝሓለፈ ኩወንታትን ፍጻመታትን ዝተንተንሉ ዓውዲ ሙዃኑ ዘማትእ ኣይኮነን። ካብ ታሪኽ ድማ ካብቲ ብሉጽን ድኹምን ጎንታት ምምሃርን ተሞክሮ ምውሳድን ብላሓት እዩ። እንተኾነ ግን ኮነ ኢልካ ንፍትሓዊ ቃልሲን ንዝፈሰሰ ደምን ምንሻውን ምጽላምን ግን ብምዕዛብን ምንቃፍን ዝሓልፍ ጉዳይ ዘይኮንስ ሓላፍነትን ዋጋን ዘክፍል ሳዕቤን ክህልዎ ምዃኑ ከም ባዓል ዮሴፍ ዝኣመሰሉ ጓሓሉ ክርድእዎ ከምዘለዎን ወርትግ ክዝከር ይግባእ።

ዕሉል ናይ ታሪኽ ፈላስፋ-ሓሶት ሶቕራጥስ ዮሴፍ ኣብ ብዙሕ ግዳይት ታሪኽ ተ.ሓ.ኤ. ሃውቲቱ እኳ እንተኾነ፡ ገለ ካብቲ ከይሓፈረ ዘቕረቦ ናይ ሓሶት ትንታነታት ኣልዒለ ብደሆ  ክህብ ክፍትን እየ።

  1. ድሕሪ ምዝላቅ ናይ 1978 ዝተኻየደ ግጥማት እዚ ዝስዕብ ክዝከር ይካኣል። ኣብ ዕለት 04.1979 ኣብ መላእ ግንባር ሳሕል ወራር ደርጊ ንምፍሻል ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ካብ ዓላ ክሳብ ዶብ ቃሩራ ዓላ ኬብ ሰራዊት ሓርነት ዕጽዩን መኪቱን ስለዝሓዞ ጸላኢ ተሳዒሩ። ክሳብ ምክትል መራሕ ብርጌድ 44 ተጋዳላይ ሕሊብ ሰተ ኣብ ቅድመ ግንባር ዓላ ተሰዊኡ።
  2. ኣብ ዕለት 14.07.1979 ወግእ ሳሕል ግንደዐታይ፡ ጠሩቕሩቕ፡ ማራት፡ ካብ ወርሒ 11-12-1979. ኣብ መላሓት ዝጀመረ ጎቦታት ተከል ማርት ዝተኻየደ ናይ ኢድ ብኢድ ውግእ ዝየሰዊ  ዝተዓተትን ተጋዳላይ ሰራዊት ሓርነት ነይሩ፡ መራሕቲ ህግሓኤ'ውን ዝምስክርዎ እዩ።
  3. ኣብ ዕለት 19.11.1979 ከተማ ኣቑርደት ዳግመ ሓራ ንምውጻእ ካብ ብርጌድ 69 ብርጌድ 19 ነዚ ናይ መሰልና ደሊና ፈነወ ዝሰምዑ የለዉን ድዮም?
  4. ኣብ ዕለት 05.01.1980 ኣብ መላእ ግንባር ሳሕል ዝነበረ ሰራዊት ጸላኢ ክህረም ብመሪሕነት ክልቲኤን ውድባት ተወሲኑ። ክልተ ብርጌዳት ካብ ሰራዊት ሓርነት ኢየን፡ ኣብ ቅድሚኤን ዝነበረ ሰራዊት ደርግ ጸራሪገን ንብረቱ ማሪኸን ኣስራይ ዝተባህለ ቦታ ቀረባ ንማርሳ ተኽላይ ብምጽንሑ ህዝባዊ ሰራውትውን ዝምስክሮ ሓቂ እዩ።
  5. ኣብ ዕለት 23.02.1980 ውግእ ባራስ ሳሕል ካብ ከባባ ሰራዊ ደርግ ዝተኻየደ ግጥም፡ ክሳብ ንሰራዊት ደርግ ብጥይት ተሪፉስ ኣብ ገጾም ጡፍ ዝተባሃለሉ መዓልቲ መን ክርሰዖ?
  6. ኣብ ዕለት 04.1980 ኣብ ዳግመ ምሕራር ዕድን ጢዖን ምምራኽ በይሉል ዝተባህለት ስንቕን ዕጥቕን ሰራዊት ደርግ ዝጻዓነት መርከብን ብመን ከምዝተፈጸም ዘይትፈልጡ ስልዝኾነ ድዩ?
  7. ኣብ ዕለት 06.1980 ውግእ ኣለቡ ካብ ተሰነይ ንባረንቱ ክኣቱ ዝመረሸ ቃፍላይ ሰራዊት ደርግ፡ ውግእ ዓረዛ፡ መራጉዝ፡ ቂሓይን ማይምነ፡ ሰራዊት ደርግ ጌርናዮም ዕነ ምነ ክባሃል ከ ሰሚዕኩም ዶ ተፈልጡ?

እቲ ዝርዝራት ቐጻሊ እዩ፡  ንሎሚ ግን ነቲ ሰማዓይ ከይስልክዮ መታን ንግዚኡ ኣብዚ ደው ከብል፡ እየ።

በዚ ኣጋጣሚ ንድምጺ መሰልና ደሊና ከማሓላልፎ ዝደሊ መልእኽቲ እዚ ዝስዕብ እዩ። ንሶቕራጥስ ካብቲ ተሓቢእዮ ዘሎ ናይ ብርዒ ሽም ከተቃልዕዎ እናተላበኹ፡ እዚ ምስ ዘይከውን ግን፡ ብማዓረ ናይ ሓሶት ፈላስፋ ሶቅራጥስ ንስኻትኩምውን ተሓተቲ ምዃንኩም፡ ክፍለጥ ይግባእ።

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ነቲ ንሓቕኛ ሓርነትን ፍትሕን ኤርትራ ዝተሰወኤ ንጹህ ተጋዳላይ ሰራዊት ሓርነት!

ደም ንጹሃት፡ ተቓለስቲ ብመሳዋእቱ ንዘባጭዉmን፡ ነቲ ክቡር ታሪኹ ዘሕትሉ - ናይ ሓሶት ፈላሳፋታት ታሪኽ ከይፈረድ ኣይክዓርፍን እዩ!

ለምለም ጸሃየ
ካብ ሆላንድ

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...