እቲ መኽዘን ሓሶት ዝኾነ ብስም መራኸቢ ብዙሓን ዝሽቀጠሉ ናይ ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ ሓደ ሓዳስ ኤርትራ ዝብል ጋዜጣ ኣብ ናይ 17 መጋቢት ሕታሙ ኣብ ርእሰ- ዓንቀጹ  "ገጠራዊ ልምዓት መሰረት ፍትሓዊ ዕብየት" ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ጽሒፍዎ ዘሎ ሓሶት ከተንብብ እንከለኻ ይገርመካ፡፡ ብመጀመርያ በቲ ሕልንኡ ሸይጡ ነዚ ዝጽሓፈ ጸሓፊ፡፡ ብኻልኣይ ድማ ነቲ ጽሑፍን ጭቡጥ ኩነታት ገጠራት ኤርትራን ዘሎ ህልው ኩነታትን ርኢኻ፡፡ ኣንታ ካልእ ናይ ሕልሚ ገጠራት ኤርትራ ድኣ ከይህሉ ብምባል እውን ምስ ሕልናኻ ትኻታዕ፡፡ ዝገርም እዩ፡።

 ክልተ ዝፋተዋ ጎረባብትስ ብዘይጠቅም ነገር ይቋዮቛ እሞ እታ ሓንቲ እዋእ ኣንቲ ገስረጥ ሎሚስ ኣብዝሕኪዮ ምሳይ ድማ ክትማላለሲ !! ወይለከይ--- ትብላ፡፡ እታ ሓንቲ ድማ ትቕብል ኣቢላ ኣንቲ መንዩ? ገስረጥ-- ወይ---ዛ ካብ ማይ ዝቐጥን ስዋኣ ትብላሞ እታ ሓንቲ ድማ ተቐቢላ በሊ እዚዩ መጀመርያ ሓሶትኪ ነቲ ማይ እኽሊ ተሓዊስዎስ ? ካብ ማይ ቀጢኑ መለሰትላ፡፡

 ሓዳስ ኤርትራ ድማ ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ ገጠራት የልምዕ ኣሎ ክብለና እንከሎስ እንታይ ንምባል ኮን ይኸውን?? እተን ገጠራት እንተድኣ ወፈራ ልምዓት ይካየደለን ሃልዩ ድኣ ስለምንታይ ንልዕሊ 88 ዓድታት ናይ ሰፈራን ምፍንቃልን ኣዋጅ ተኣዊጁለን ኣሎ??

 እቲ ጽሑፍ ብውሕልነት ተቐሚሙ ልብን ቀልብን ህዝቢ ንምስላብ ዝተዳለወ ኢዩ። ብምቕጻል ይብል እቲ ጽሑፍ``ህዝቢ ኤርትራ ናጻ ሃገርን ናቱ መንግስትን ክህልዎ ዝደለየን ነዚ ንምርግጋጽ ብዙሕ ዋጋ ዝኸፈለን ውሑዳት ዘጋይጽሉ ዝበዝሕ ህዝቢ ኣብ ዝኸፋኤ ድኽነት ዝሽመመሉ ቁጠባዊ ዕብየት ንምፍጣር ዘይኮነ ብሓባር መነባብርኡ ከመሓይሽ ርሑቕን ቀረባን ዘይብሉ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ካብ ስእነትን ኩሉ ዓይነት ድሕረትን ተገላጊሉ ናይ ብሓቂ ንሰብ ዝበቅዕ ህይወት ዝመርሓሉ መጻእቲ ወለዶታት ድማ ዝሓሸን ዝማዕበለን ህይወት ዘስተማቕርሉን ኩነት ንምፍጣር ኢዩ`` ይብል ወሓለ ዘረባ፡፡ እዚ እንተዝትግበር ዳኣሞ ደይ ትንቢት ኩሉ ኤርትራዊ ኢዩ ኔሩ፡!!

 እቲ ክውንነት ግን ካልእ ኢዩ፡፡ ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ ምስ ውሑዳት ጀነራላት ድዩ ህዝቢ ኤርትራ? እቲ መጻኢ ወለዶ ዝብሃል ዘሎኸ እቶም ደቆም ጥራይ ድዩም? ደቂ ህዝብስ ገሊኦም ንዘየሎ ኩናት ክቋሞቱ ብዘይ ውላድን ሓዳርን ናብራን ኣብ ጎቦታት ሰፊሮም ኣለው፡፡ እቶም ዕድል ዝረኸቡ ድማ ካብ ናጻ ኤርትራ ናብ እግሮም ዝመረሖም ሃጽ ኢሎም ይነፍጹ ይጠፍኡ ይስደዱ ኣለው፡፡

 እቲ ጽሑፍ ካልእ`ውን ወሲኹ ኣሎ ሞባሌ ማለት ከተማታት ብምግፋሕን ነዊሕ ፓላሶታት ብምስራሕን ኣይግመትን ኢዩ ይብለና ኣሎ፡፡ እቲ ሓቅን ጭቡጥ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ግን ካልእ ኢዩ፡፡ ኣብ ከተማ ዝተራእየ ምዕባሌ የልቦን ብዘይካ ዕንወት ኣብ ገጠር ዝተራእየ የልቦን ብዘይካ ስእነትን ድኽነትን፡፡

 ህዝቢ ኤርትራ ደቁ ኩባያ ማይ ስኢኖም ጎረርኦም ነቑጹ ናጽነት ከምዘምጽኡ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ኢዩ፡፡ ስለዝኾነ ተጋዲሎም ናጽነት ካብ ዘምጽኡ ደቁ ዝተጸበዮ ንዋታዊ ነገር ኣይነበረን ሕጅውን የልቦን፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝደሊ ናጽነትን ሓርነትን ንገድ-ነጋዳይ ሕረስ ሓረስታይ ተመሃር ተመሃራይ ዝብል ሕጊን ስርዓትን እምበር ትኳቦ ክትኮበሉ ኣይተጸበየን፡፡ ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ ግን ሕሉፍ ሓሊፉ ነቲ ብሃፈጻምኡ ዝሓፎሶ ምህርቲ እውን ንዝተገድዐ ቤተሰቡ ከየካፍል ካብቲ ኣልሚዐዮ ዝብሎ ገጠራት ንኸተማ ኣእትዩ ሸይጡን ለዊጡን ዘድልዮ ከይገዝእ ብኣዋጀ ከልኪልዎ ኣሎ፡፡ እሞ ህዝቢ ኤርትራ ዓሻን ዘይፈልጥን ተቖጺሩ ድዩ ሓዳስ ኤርትራ ነዚ ጽሑፍ እዚ ኮሓሒሉ ዘቅርበልና ዘሎ፡፡ሎሚስ ሓሶት ይኣኽለና፡፡ ገዛእቲኳ ከምዚ ጌሮም ኣይሓሰውን ከምዚ ጌሮም ድማ ኣይመለኹን፡፡

 ህዝቢ ካብ ሕማም ዝገደደ ብጥሜት ይሳቐ ኣሎ፡፡ ኣብ ገጠር ዘሎ ይኹን ኣብ ከተማ፡፡ ኣብ ኤርትራ ብዘይካ ውሑዳት ኮራኩር እቲ ጉጅለ ህዝቢ ምድሪ ብብርሃኑ ጸልሚትዎ ኣሎ፡፡ ነዚ ዘሎ ጸልማት ናብ ብርሃን ንምቕያሩ እዋኑ ስለ ዝኣኸለ ክቕይሮ ኢዩ፡፡

ዓወት ንህዝባዊ ቃልሲ
ዝኽሪ ንስውኣትና

ዓ.ብርሃነ